Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ወይ ጉድ”

ብህይወት ዝጸንሐስ ብዙሕ ከምዝርእይ መጠን፣ ንሕና ኤርትራውያን ከም ነጻ  ሃገርን ህዝብን ኣብ ዓለም ካብ ንፍለጥ ወላ ውሑድ ዓመታት ይኹን እምበር፣ እቲ ኣብ ካልኦት ዓድታት ክረአ ብዙሕ ዓመታት ዝወሰደሉ ኩሉ ግዕዙይ ስራሕ ሳላ ህግደፍ ብሓጺር ዕድመ

ብህይወት ዝጸንሐስ ብዙሕ ከምዝርእይ መጠን፣ ንሕና ኤርትራውያን ከም ነጻ  ሃገርን ህዝብን ኣብ ዓለም ካብ ንፍለጥ ወላ ውሑድ ዓመታት ይኹን እምበር፣ እቲ ኣብ ካልኦት ዓድታት ክረአ ብዙሕ ዓመታት ዝወሰደሉ ኩሉ ግዕዙይ ስራሕ ሳላ ህግደፍ ብሓጺር ዕድመ ናጽነት ኤርትራውያን ንኹሉ ሽግር ኣረኻኺብናሉ። በዘን 25 ዓመታት ናይ ናጽነት ሃገር ምእዋጅ ዝተኽስተ እንተሎ፤ ውግእ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ብሽም ኣገልግሎት ባርነት መንእሰያት ኣብ ሃገሮም፤ ካብ ናጽነት ናብ ባርነት ዜጋታቱ ብሽም ልእላዊነት ሃገር፣ ካብ ጊዛዊ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ቅዋሚ ምልከ መላኪ ኢሳያስ ኣፍወርቂን ድኪታተራዊ ስርዓት ተዳጉና። ካብ ብርሃን ተስፋን ምዕባለ ሰላም ተነፊግና፣ ናብ ድቕድቕ ዝበለ ጸልማትን ድሕረትን ተቛሪና።

ብዙሓት ደገፍቲ እቲ ስርዓት ዝህብዎ ምኽንያት እንተኾይኑ ብሰንኪ ናይ ወጻእተኛታት ኢድ ምትእትታው፣ ናይ ኣመሪካን ኮራኹርን ቅንኢ ኣብ ምዕባለ ሃገርና ዝተበገሰ ጠንቂ ይብልዎ። ምኽንያቱም ህግደፍ ባዕሉ ኣበላሲዩ ንኻልኦት ምጥቃን ከም ቀንዲ መጋበሪኡ ገይሩ ስለ ዝሰርሓሉ፣ እቶም ደገፍቱ ከአ ክሳብ ኣብ ርእሶም ትዓልብ እታ በትሪ ግፈዔኛታት ፍጹም ኣይርድእዎን ኢዮም። ሽዑ ከማን ዓው ኢሎም ከይበኽዩ ከም ንቡር ብብዙሕ ረሳሕ ስርሓት ኣጠላቕዮሞም ስለዝጸንሑ፣ ብውሽጦም ክሓሩ ጥራይ ይገብርዎም። ንለውጢ ወይ ብሕጊ ከይ ሓቱ ከአ ግብሮም ስለዝፈልጡን ሕጊ ዝበሃል ኣብ ህግደፍ ስለ ዘይሰርሕን ተዓቢሶም ብተረኦም ይሞቱ።

ንህግደፍ ምድጋፍ ማለት ጊዛዊ እምበር ቀዋሚ ጥቕምኻ ክሕልወልካ ከምዘይኮነ ዘይፈልጡ ኣይኮነን። እንተኾነ ክሳብ እታ ናትካ ተራ ትበጽሕ ክትሰርቕን ክትብድልን ምስኣቶም ኮይንካ የፍቕዱልካ ኢዮም። ህግደፍ ርእሲ ለያቡ ብምኻኑ፣ ንሌባታት ክሓቁፍን ከተባብዕን ድሕር ኣይብልን። እቶም ዘረባ ለያቡ ሰሚዖም ንሃገሮምን ህዝቦምን ዝገፍዑ ዓያሹ ከአ፣ ንሕዋቶምን ቤተሰቦምን ከይተረፈ ዓይኒ ከንቁሩ ድሕር ኣይብሉን። ላዕለዎት ህግደፍ ከአ ነዚኦም ዓይነት ሃላያት ከረሳስኑ ዘይምህዝዎ ጥበብ የለን። ህግደፍ ኣብ ምብታን በተሰብን ህዝብን ስለ ዝኸስብ፣ ኣድቂቑ ይፍትሽን ይጽዕረሉን። ነዚ ርእዩን ግህዱን ዝኾነ ኣሰራርሓ ከአ ክትፈልጦ ፈላስፋ ክትኸውን የብልካን። እቶም መሻኽን ኣገልገልቱ ከአ ከመኻንዩሉ ጥራይ መዋእሎም ዘይዛረብዎን ዘይግልብጥዎን ሓሶት የለን።

ንአብነት ሕጂ ባጠራ ናቕፋ ክቕይር ዝመሃዞ ተንኮል ንህዝቢ ሓልይሉ ኣይኮነን። እንታይ ደአ እቶም ባዕሉ ዘዋፈሮም ሰረቕቲ ዝድርበዩሉ መዓልቶም ስለ ዝበጽሐ፣ ንህዝቢ ከታልል እነሆ ዝብድሉኻ ዘለዉ ሃብታማት ነጋዶ ኣብ መጻወድያና ኣእትናዮም። በደልትኻ ካብ ምድንጋር ጠጠው ክብሉ ምኻኖም ኣይትጠራጠር ኢሉ ካልእ ናይ ጽውጽዋይ ድራማ ክሰርሕ ተዳሊዩ ስለዘሎ ጥራይ’ዩ እምበር ንህዝቢ ሓልዮት ኣይኮነን እቲ ዘውጽኦ ኣዋጅ።

ብእምነት ኣሰራርሓ ህግደፍ ኩሉ ኤርትራዊ ግዚኡ ምስበጽሐ ከም ተሓይኹ ቱፍ ዝበሃል ቃንጫ ስኳር፣ መቐረቱ ምስ ወድአ ዝጎሓፍ እምበር ኣገልጊሉናን ጠቒሙናን ነይሩ ተባሂሉ ንሕስያ ዝግብኦ ዜጋ ኣይኮነን።

ሕጂ ኸአ እቶም ኮንትሮባንድ ኣቕሓን መንእሰያትን ዝሽቅጡ ዝነበሩ ኣገልገልቲ እቲ ስርዓት ዝተዋፈሩ ኮነሬላትን ጀነራላትን ምስ ራሻይዳ ዝሰርሑ ዝነበሩ ተለኣኣኽቱ ክጎሓፉ ተራዎም ስለ ዝበጽሐ፣ ንህዝቢ መታለሊ ክገብሮምን፣ ግዳይ ናይ ዓቕሊ ጽበት ዝወሰዶ ዘሎ ውሳነ ነፍሱ ንምድሓን ከም ዝጥቀመሎም ዘሎ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ኮንትሮባድ ዘካይዱ ብዕሊ ወከልቲ እቲ ስርዓትን፣ ብዘይካ ላዕሎዎት ሓለፍቲ ኣባላት ህግደፍ ካልእ ዜጋ የለን። ገንዘብ ከአ ምስኣቶም እምበር ምስ ድኻ ህዝቢ ተጨቋናይ ክህሊ ኣይኽእልን። ዝበልዖን ዝሰትዮን ጥራይ ከይኮነ ህዝብና ስኢኑ ሳላ ግፍዒ ህግደፍ፣ ነታ ሰላም ከይተረፈ ብሰንኮም ተነፊጉ ኣብ መዓልታዊ ሸቐልቀል ተጻዊዱ ተካል መዓልቲ የሕልፍ አሎ። ነዚ ከአ ኣመሪካን ኮራኹሩን ከም ንዓል ኢትዮጵያ ዝመሃዝዎ ሽግር ኢዩ እናበሉ ዝዛረቡ ዕሱባት ኣይጠፍኡን።

እንታይ ክረብሑ እንተበልካዮም ከአ ዝህቡኻ መልሲ ብኹርምትኻ ዘስሕቕ’ዩ። ኤርትራ ዘፍረየቶም መንእሰያት ምሁራን ናብ ዓደም ከግዕዙ ክብሉ ዝፈጠርዎ ተንኮል ኢዩ ይብሉኻ። ወዮ እቲ መንእሰይ ኣብ ባርነት ህግደፍ ተጻዊዱ ንዓመታት ዝሳቐ ዘሎ ድአ መኣስ ክመሃር ኣርኪቡሉ? ወይ ከአ ኣበናይ ዩኒቨርስቲ ዝቐሰሞ ትምህርቲ ኢዩ ንዓል ኣመሪካ ምሁራን ካብታ ሓንቲ ዝነበረታ ዩኒቨርስቲ ዝዓጽየት ሃገር ዝጠልቡ። ናይ ዕብዳን ድዩ ናይ ጥዕና ኣይርደኣካን። ናይ ሐደ ሐደ ሰብ ዕሽነት ግን ወሰን የብሉን የሕዝነካ። ብሓፈሻ ቁጽሪ ህዝቢ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ክቁጸር ከሎ እዞም ከምዚኦም ሃላያት እንተተቖጺሮም ብሓቂ መቓጽርቲ ምስ ዝኾኑ ቁጽሪ እምበር ከም ሰብ ክቑጸሩ ከሸግር ኢዩ። ህግደፍ ከአ ነዚኣቶም ሒዙ ሃገር ካብ ምጥፋእ መደቡ ኣየቃርጽን ኢዩ። ህዝቢ ግን ወናኒ ህይወትካ ክትኸውን እንተደሊኻ፣ ህግደፍን ኮራኹሩን ክትጉሕፎም ናትካ ሓላፊነት ይኸውን።

“ወይ ጉድ”

ወይ ጉድ! ወይ ጉድ!

ሰብ ብዘረባ ክዓብድ

03 የማን ፀጋም ከምበድብድ

ሓቅን ሓሶትን ለዊሱ ከእንግድ

ንሱ ክዘናጋዕ ህዝቢ ከሽበድብድ

ቅልቅል በለ ባዕሉ ንሰብ ከሰንብድ

ጋኑኑ ሓዚሉ ብዝለዓለ ክስውድ።

 

Buy one Get one Free ዝብልዎ

ናይ ሓሶት ፋብሪካ ቀደም ዘቖምዎ

ኣይኣርግ ኣይበሊ ስኢኑ ዘዕንዎ

ፋብሪካ ህግደፍ ብስወር ዝመሃዝዎ

ደልዮም ይቐትልዎ ፈትዮም የሕምምዎ

ድያብሎስ ብዘይ ቅርኒ ካብኮነ ጎይትኦም።

 

ወይ ጉድ ለዘበን የለን ዘይተገብረ

ብርሃን ዝተነፍጎ ነዊሕ ዝተቐብረ

ናቅፋ ቦለኽ በለ ተሓቢኡ ዝነበረ

ናብ ባንኪ ከምርሕ ቀደም ዝዓወረ

ተጻዒኑ ብእዱጋት ብኻሻ ብእነትረ

መጎጎ መእጎዲ ከም ዕንጨይቲ ከይተሳወረ

ብውጹዓት ዳንጋ ብሰረቕቲ ዝተኾመረ

ከብዲ ህግደፍ እምበር ከብዲ መን ሓረረ

ብግፍዒ ዝገበቶ ናቅፋ ምስተሓገረ።

 

ካብ ድኻ መንጭቶም ዝገበሩ ሃብቲ

ጀነራላት ኮነሬላት ውሑዳት ቀጠፍቲ

ድያብሎስ ኣርከበሎም ክገብሮም መስዋእቲ

ካብኡ ዝሓብእዎ ዘየቕረቡ መኽፈልቲ

ሃብታማት ዝኾኑ ብሓጺር መዓልቲ

ኣይነገዱ ዓመታት ንህዝቦም ጠለምቲ

ብጉልበት መንእሰይ ብናይ ሃገር ሃብቲ

ኮራኹር ህግደፍ ኣርኪቡሎም መስራዕቲ።

 

ኤሌትሪክ እንተጠፈት ንዓል ኣደይ ኣጣቓዕቲ

መጎጎኽን ኣርስና ኣጆኽን ወስኻሉ መባኹዕቲ

ብግፍዒ ህዝቢ ዝተኣከበ ብንጹሃን ለፋዕቲ

ባጤራ ናቅፋ ለዘበን ኣለክን መሰንከቲ

ብውሽጦም ክሓሩ ኮራኹር ህግደፍ ሰረቕቲ።

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

 

“ሕልና – 11/24/2015”

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Haqi November 24, 2015

    This shows Eritrea does not have a monetary policy after 25 years. This is the real Shiftinet!

  • Samson November 24, 2015

    Bravo brother Solomon, great poem and well said in all, just keep it up and God bless you brother.

  • mosa November 24, 2015

    ካብ ብዛዕባ ህግደፍን ኤርትራን ሃለውለው ትጽሕፍ ግዜኻ ን ኩነታት ሕወሓት፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝብን ኢትዮጵያን ዝምልከት ሃናጺ ነገር እንተተውዕሎ ክንደይ ምጸበቐ! እቲምንታይ፡ ትግራይን ኢትዮጵያን ኢየን ዝምልከታኻ፡ በዋድቓ ጽሕፈትካ ተገጢምካ!!!!

    • Aida November 25, 2015

      mosa? you are idiot go hell a liar

  • Aida November 25, 2015

    Bravo brother Solomon, great poem and well done

  • gaim November 25, 2015

    Haw Solomon, yibel yibel giTimi, what a great talent and gift of God you have and please continue it and expose the higdefs with your special writings and skills.
    mosa or gasa, please just keep your ignorance, arrogance and big filthy mouth shut and to yourself.

  • Abraham November 26, 2015

    I think finally Eritrea is thriving and the world is wittnessing still a long way to go, and,on the social justice issue there must be an immediate effect of improving these crisis specially tackling the exodus. LOVE FOR ERITREA AND ITS PEOPLE, MAY THE LORD BLESS ERITREA!

POST A COMMENT