Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕባለ ኣብ ኣተሓሳስባ

ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ነገር ትም ኢልካ ምስ እትርእዮ፡ ናብቲ ናይ ጥንቲ ባህርያቱ እዩ ኪምለስ ዚደሊ። ማለት ንሓደ ስፍራ-ኣታኽልቲ ትም ኢልካ ምስ እትርእዮ፡ ግዜ ወሲዱ ናብ እንዳ ኣትማንን ኣናጹን እዩ ዚልወጥ። እቲ ኣብኡ ቦቒሉ በነበረ ግሩም ፍረታት

ኣማኑኤል ሳህለ

ኩሉ ነገር ትም ኢልካ ምስ እትርእዮ፡ ናብቲ ናይ ጥንቲ ባህርያቱ እዩ ኪምለስ ዚደሊ። ማለት ንሓደ ስፍራ-ኣታኽልቲ ትም ኢልካ ምስ እትርእዮ፡ ግዜ ወሲዱ ናብ እንዳ ኣትማንን ኣናጹን እዩ ዚልወጥ። እቲ ኣብኡ ቦቒሉ በነበረ ግሩም ፍረታት ድማ ብኣእሻዅን ካልእ ተሰማሚዑዎ ዝበቖለ ጻህያይን ቆጥቋጥን ይትካእ።

ጻዕሪ ዝጎደሎ ኩሉ ስራሕ ወይ መስርሕ፡ ናብቲ ጥንታውን መበቆላውን ባህርያቱ ንኺምለስ ግዜ ኣይወስድን። ለውጢ ንኺመጽ፡ ደፋኢ ወይ ኣንቀሳቓሲ ሓይሊ የድሊ። እዚ ዩኒቭርስ፡ እተፈላለየ ብርታዐ ዘለዎ ኤነርጂ ወይ ጸዓት እንተ ዚጎድሎ ናብ ምዕናው ገጹ ምተጓዕዘ ነይሩ። እዚ ኩነትዚ ብግሪኽ ኤንትሮፒ ይብሃል። ናብ ተዛማዲ ስቕታ ይልወጥ ማለት እዩ።

ትም ምባልን ንድሕሪት ምጕዓዝን ዳርጋ ኩሉ ሕደ እዩ።

ወድሰብ ንኺልወጥ ግድን ኪሓስብ ኣለዎ። ብዘይ ምሕሳብ፡ ማለት ነቲ ብደመነፍሲ ዚምራሕ ኣእምሮኡ ንነዊሕ ትም ኢሉ ምስ ዚርእዮ፡ ምዕባለ ከርእይ ኣይክእልን። ንወድሰብ ናይ ኣእምሮ ደው ምባል እዩ ንነዊሕ ግዜ ካብ በዓትን ጫካን ከም ዘይወጽእ ዝገበሮ።

ኣብ በዓትን ጫካን ምንባር ጥዑም እዩ። ኣእምሮኻ ብዙሕ ኣይሓስብን፡ ኣይደክምን። ሕራይ ኣእምሮኻስ ኣይደክምን ይኸውን፡ ኣብ ክንድኡ ግን ኣካላትካ ይደክም እዩ። ማለት፡ ሰኣን ቀስቲ ምሂዝካ ፍላጻ ወርዊርካ ነታ ካባኻ ንላዕሊ እትጎዪ ዓጋዜን እትቐትላ፡ ምሉእ መዓልቲ ደድሕሪኣ ክትጎዪ ትውዕል። ብድኻም ተሰኒፍካ ምስ ወደቕካ፡ ድራርካ ከይሓዝካ ንበዓትኻ ትምልሰ። ንኣእምሮኻ ኣስሪሕካ፡ ተወንጫፊ ነገራት ምሂዝካ እንተ ትነብር ግን፡ ደው ኢልካ ከሎኻ ፍላጻኻ ወርዊርካ ምቐተልካያ። ድኻምካ ምቖጠብካ፡ ተደሪርካ ድማ ምሓደርካ።

ሓደ እዋን ግን፡ ክትሓስብ ጀሚርካ። ኣእምሮኻ ስለምንታይ ዚብል ሓድሽ ኣመል ኣምጺኡ። ስለምንታይ ዝደክም? ስለምንታይ ከምዚ ዘይገብር? ወዘተ. ኣእምሮ ወድሰብ ንኺሓስብ ኢሉ እዩ ተፈጢሩ።

ስለ ዝሓሰብካ እኮዩ ቀስቲ ክትሰርሕ ዝኸኣልካ። ሳላ እተፈላሰፍካ እዩ ወንጭፍ ወይ ኲናት ከተጥሪ ዝኸኣልካ። ከምዚ ብምግባርካ ናይ ዕለት እንጌራኻ ክትምእርር ክኢልካ። ናብቲ ዚቕጽል ናይ ምዕባለ ደረጃ ድማ ደዪብካ።

ይኹንምበር፡ ክልተ ዓይነት ኣተሓሳስባ ድማ ኣሎ። ኣብ ማሪት እተመርኮሰ ብሓደ ወገን፡ ኣብ ጭቡጥን ሳየንሳውን ስነሞገታውን፡ ኣብ ትዕዝብትን ምርምርን ኣብ ህየሳዊ ትንተናን

እተሞርከሰ ድማ ብኻልእ ወገን።

እቲ ኣብ በዓቲ ዚነብር ዝነበረ ሃዳናይ፡ እታ ዓጋዜን ገዲፋቶ ክትዕዘር ከላ፡ እሞ ናይ ጥምየትን ሞትን ደበና ከንጸላሉዎ ከሎ፡ ንጸሓይ ወይ ንወርሒ ከማኽራ ዚብል ሓሳብ መጺኡዎ ይኸውን እዩ። ነቶም ምስ ደቀሰ ናብ ኣእምሮኡ እናተመላለሱ ዘናውጹዎ ዝነበሩ መናፍስቲ ለሚኑዎም ይኸውን እዩ። እንታይ ደኣሞ ኪገብር።

ካልእ ኣብ በዓቲ ዚነበር ሃዳናይ ግን፡ ብዛዕባታ ጎይዩ ክሕዛ ወይ ኪቐትላ ዘይክእል ዝነበረ ዓጋዜን ኪሓስብ ከሎ፡ ኣነኳ ብእግረይ እንተ ዘይኣርከብኩዋ፡ ተወርዊሩ ዘርክባን ዝወግኣን በሊሕ ነገር ዘይሰርሕ ዚብል ሓሳባት መጺኡዎ ይኸውን። ካብ ትዕዝብቱን ካብ ምርምሩን ዝመንጨወ፡ ዝምጠጥን ዝግተርን መንትግ ኪሰርሕ ክኢሉ። እግሩ ከየዘውተረ ከም እግሪ ኮይኑ ዚለኣኾ ኲናት ምሂዙ። ተዓዊቱን ተደሪሩን።

ከምቲ ሓሳባት ንኹነታት ዚጸልዉዎ፡ ኩነታት ድማ ንሓሳባት ይጸልዉዎ እዮም። ናይ ዓለም ወይ መሬት መሰረታዊ ኩነታት ምስ እንዕዘብ፡ እቲ መስርሕ ኣብ ምስፋን ናይቲ ብቑዕ ናይ ምርዓም ክእለት ዘለዎ (ሰርቫይቫል ኣቭ ዘ ፊተስት) እተመስረተ እዩ። ብሓጺሩ፡ ኣብዚ ዓለም ዚነብር ኩሉ ሰብ ይኹን ወይ እንስሳ ወይ ቡቕሊ ዘዋጽኦ ስለ ዝገበረ እዩ ዚነብር ዘሎ። ዘዋጽኦ ክንብል ከሎና፡ ነቲ ንህይወቱ ዚዕቅቦ፡ ቀጻልነት ዚህቦ፡ ከም ዚነብርን ዚፋረን ዚገብሮ መገዲ ወይ ብልሃት ይወስድ ማለት እዩ።

ግን ከኣ ዘዋጽኦ ገይሩ ከሎ ዝጠፍአውን ነይሩ። ምናልባት ነቲ ዘዋጽኦ ብልሓት ወይ ሓሳባት ወይ ርኽበት ግሩም ገይሩ ስለ ዘይተጠቐመሉ ኪኸውን ይኽእል፡ ወይ ከኣ ንኪጥቀመሉ እኹል ብቕዓት ዘየጥረየ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል። ወይውን ብዘይ ፈልጦ ኩነታት ተሰኒፉ ኪኸውን ይኽእል።

ወድሰብ ንህይወትን ንናብራን በዚ መንፈስዚ ተደሪኹ ክርእዮ ከሎ፡ ግድን ህይወቱ ዚዕቅበሉን ሓድጊ ገዲፉ ዚኸደሉን መገዲ ኪደሊ ይግደድ ነይሩ።

ከይቀደመኒ ኪቕድሞ እዩ ነይሩ እቲ ኣገባብ። ትም ምስ እትብል ስለ እትብላዕ፡ ወይ ክትቃለስ ወይ ከኣ ክትሃድም እዩ ዘዋጽኣካ። ነፍስኻ ንምዕቃብ፡ ሓድጊ ንምግዳፍ ኩሉ ዘዋጻኣካ ክትገብር ናይዚ ዓለምዚ ሕጊ እዩ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ወድሰብ ነቲ ናይ ምግባትን ምዕማጽን ዝንባለ ከም ኣማራጺ ዘይብሉ ኣካይዳ ገይሩ ስለ ዘቐመጦ፡ ኩሉ ናይ ወድሰብ ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ፡ ስጋዊ ይኹን መንፈሳዊ፡ ውልቃዊ ይኹን ማሕበራዊ ተግባራትን ውጥናትን ካብዚ ናይ ምግባትን ምኽዕባትን ምዕማጽን ዓንኬልዚ ኪወጽእ ኣይክእልን። ኩሉ ኪነብር እዩ ዚቆራቖስ። ነቲ ከይነብር ዝኸልኦ ድማ ብእተፈላለየ መገድን ብልሃትን ገይሩ ካብቲ መገዲ ኪኣልዮን ከድክሞን ይፍትን።

ኣብ ላዕሊ ዘረኣናዮም ሃደንቲ፡ ናይ ወድሰብ ነባሪ ቅርጺ እዮም። እቲ ሓደ ኣብ ማሪት እቲ ሓደ ድማ ኣብ ስነመጎት ብምምርኳስ ህይወቶም ኪመርሑ ክኢሎም። ይኹንምበር፡ እቲ ኣብ ማሪት ዚኣምን ዝነበረ እኹል ዘናብሮ መግቢ ክረክብ ብዘይ ምኽኣሉ ንኺነብርን ንኺፋረን ብማለት ግድን ናይቲ ካልኣይ ሃዳናይ ኣገባብ ኣተሓሳስባ ካብ ምኽታል ከምልጥ ኣይከኣለን።

ኣብዚ ዓለም ኣንጻርቲ ንቡር ናይ ወድሰብ ኣተሓስስባ ዚኸዱ ሰባት እንተ ዘይህልዉ ነይሮም፡ ዝኾነ ማሕበራዊ ይኹን ቁጠባዊ ወይ ተክኖሎጂካዊ ለውጢ ኣይምተራእየን። ኣንጻር እቲ ዚውሕዝ ሓሳባት ምኻድ ማለት፡ ነቲ ዝነበረ ምፍራስ ዘይኮነስ፡ ንኣኡ ዚብድህ ሓድሽ ነገር ምትካል ማለት እዩ።

ዝኣረጉ ሓሳባትን እምነታትን ብሂላትን ነቲ ናይ ምምርማር፡ ምድህሳስ፡ ምትንታን፡ ምፍታንን ኣእምሮኣዊ ድራኸታት ስለ ዝዓጽዉዎን ዝደፍኑዎን፡ ኣብ ድሕረትን ድንቁርናን ዘለዎም ጽልዋ ኣዚዩ ዓቢ እዩ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ናይ ወድሰብ መሰረታዊ ባህርያት ኣብቲ ናይ ምግባትን ምዕማጽን፡ ከይቀደመኒ ክቕድሞ ዚብል ደመነፍሲ እተመርኮሰ ብምዃኑ፡ እቲ ሳየንሳውን ስነሞገታውን ኣተሓሳስባውን ውዒሉ ሓዲሩስ ነቲ ናይ ወድሰብ ኣሉታዊ ባህርያት ምግልጋሉ ኣይተርፎንዩ ዚብል ርእይቶ ኪለዓል ይኽእል እዩ።

ከም ሓቂ፡ ወድሰብ ብሳየንሳዊ መገዲ እናተመርሐውን ነቲ ምህዞታቱን ርኽበታቱን ኣብ ሕማቕ ከውዕሎ ይኽእል እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ግን እቲ ምሕሳብን ምምርማርን ደው ኪብል ኣይግባእን፡ ከመይሲ ኩሉ ማሕበራዊ ይኹን ቁጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ምዕባለታት፡  ኣብ ዓሚቝ ምሕሳብን ምምርምርን ደኣምበር ኣብ ማሪትን ኣጉል እምነትን እተመርኮሰ ኣይኮነን።

ኣብ ማሪትን ኣጉል እምነትን ስምዒትን እተሞርኮስ ኩሉ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ድሕረትን ድንቍርናን እዩ ዚዕድም። ናይ ምጥርጣርን ምልዋጥን ናይ ደጋጊምካ ምምርማርን ባህርያት ስለ ዘይብሉ፡ ነቲ ናይ ምሕሳብን ምትንታንን ኣፍደገታት ብምዕጻው፡ ናይ በይኑ ዝኾነት ሕልማዊትን ምትሃታዊትን ዓለም ይፈጥር።

ናይ ወድሰብ ሰብኣዊ መሰላትን ክብርታትን ፍትሓውነትን ማዕርነትን ተጻዋርነትን ድማ ኣብዛ እተጠቕሰት ዓለም ፈጺሙ ቦታ ኪህሉዎ ኣይክእልን።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • The researcher May 13, 2015

    Woow Amanuel Sahle. All I have is admiration to your insightful knowledge and the way you pass it to the readers. You are worthy to be called a teacher!

  • eyob Ghebreziabhier May 13, 2015

    ፍትዊ ኣማኑኤል ሳህለ
    Please allow me to help you by writing right spelling of the followings Tigriyna words.
    For examples: look the plural form of the followings nouns.
    Singular ________________ plural (ሐይያሎ)
    ንህቢ ________________ አናህብ
    አምበጣ ________________ አምበጣ
    አድጊ ________________ አእዱግ
    ዓተር ________________ አዕታር
    ዝብ ኢ ________________ አዛብእ
    ዛግራ ________________ ዛጋሩ
    So we write
    ተመን ________ አትማን
    ተኽሊ ________ አታኽልቲ
    ፍሬ ________ ፍሬታት
    አንጭዋ ________ አናጹ
    We didn’t find time and chance to study Tigriyna tongue. But like many other languages it has its own grammar rules.
    But these rules have been violated by a pen of an author for many years. I believe it is time to say enough is enough! The people have the right to read a right spelled word and scientific sentence.
    I know this is not news for you because we were discussing about this while we were at home but not openly as now.
    Dear teacher it is my second time to write you such thing. First I told you that your article was suffering from non standard Tigriyna. Even now I am not convinced that there is an improvement.
    For example
    There is no verb in Tigriyna that reads ‘ነይረ’. So, to say or write ይግደድ ነይሩ is incorrect
    Maybe you were thinking to say ነበረ ይግድደድ. Here ነበረ is like auxiliary and ይግድደድ as main verb.

    With kind regards
    Eyob

    • Tesfit May 14, 2015

      ንህቢ፣ ንህብታት
      ኣምበጣ፣ ኣምበጣታት
      ኣድጊ፣ ኣድግታት
      ዓተር፣ ዓተራት
      ዝብኢ፣ ዝብእታት
      ተመን፣ ተመናት
      ዛግራ፣ ዛግራታት
      ተኽሊ፣ ተኽልታት
      ፍረ፣ ፍረታት
      ኣንጭዋ፣ ኣንጭዋታት

  • Nebabay May 13, 2015

    Eyob,

    How do we know whether you are right, bixay? Who made the rules on spellings to begin with?

    For example,

    why don’t we say ኣፍራት instead of ፍሬታት in order to be consistent with the other spellings in the following.

    ተመን ________ አትማን
    ተኽሊ ________ አታኽልቲ
    ፍሬ ________ ፍሬታት
    አንጭዋ ________ አናጹ

    We should let writers use the language as they see fit as long as the message is clearly delivered and understood. Language should be dynamic meaning change over time. Today’s English is not same as English spoken a century ago. Take a Shakespearean English for example , for few understand it

    • Nebabay May 13, 2015

      Dear Eyob,

      Oh by the way, is there a good Tigrina dictionary that you can recommend.

      Ms Bzuh selamta

  • Simon G. May 13, 2015

    If I understand this article correctly, Amanuel’s recommendation is not to follow the crowd but be independent thinker. In other words, question everything, except someone’s intelligence (if I can borrow from NPR’s program).
    There are many advantages for questioning everything. For me, these are the top 3:
    1. If I am going to questions everything, I will learn a great detail about a lot of things. Knowledge is the source of great power, if you know how to apply it.
    2. If I am going to questions everything, my brain will be occupied and I will not waste my time of worrying about tiny bity items
    3. If I am going to questions everything, I don’t have time to be idle—no more talking about nonsense stuff that leads to quarrel or even fight.
    Now, let me ask the forum, where is Belay Nega?

  • national pain May 13, 2015

    Simon ___When it comes to our country eritrea openess and individual thinking might bring sorow to a lot of families ,I prefer the “sagla bilsE ,aytQhlaE” approach.For Eritrea to continue ,we Eritreans need to think collectively ,if not when some wounds are opened they may reveal ,they are self inflicted.
    long live our people

  • rezen May 14, 2015

    My take is on the development of the Trigrigna language, if I may dare to venture. So, I ask for your tolerance in advance.

    1. The Tigrigna language
    This is a very interesting subject. Correct me, please, if I am wrong; but the Tigrigna language didn’t get the CORRECT PLACE that it deserved in modern Eritrea. Taking into account that it is a written language, with its own grammar and a derivative of an ancient language, The Geez, one would expect that the nation called “Eritrea” would use it, expand it, evolve it, to modern times on an equal footing with the international language, English!!! Instead, correct me again, it became a superfluous language without the stature that it deserved. We don’t seem to be aware that we have the only written language in the entire Continent of Africa below the Sahara. It means something; it should mean something; it deserves something of an attention from the modern educated intelligentsia. In fact, how many do really care? Once upon a time, a fellow was offended when a friend pointed out to his grammatical error in English; but readily admitted, by himself without any embarrassment, that he didn’t really know well his own language!!! He was angry of his small error in a foreign language but NOT embarrassed to declare of his weakness in his own language!!! A perfect example of inferiority complex, if I may say so! We see the same bizarre attitude in different forms every day. I better STOP!

    2. Commentaries
    The commentaries on the Article are interesting and give hope that one day the Tigrigna language would be taken seriously. In that context, it is gratifying to see so many individuals posting beautiful Tigringna Poetry in the Internet. I hope they continue. I hope the future generations of “Eritrea” would come to appreciate their written language and use it (correctly and grammatically) in parallel with other international languages. Does that sound like a dream? Why not!

    3. Suggestion for a course of action
    Perhaps Mr. Amanuel Sahle and others would get together INFORMALLY (via various communication media) and exchange ideas with respect to the mechanism for the development of the Tigrigna language. It is a long-term project. For example, there could be a Council of Linguists and Elders to oversee the progressive development of the Tigrigna language. One commentator,for example, mentioned a need for a good dictionary of Tigrigna (I do too). Such a dictionary could be one of the tasks of the Council. WARNING AGAIN: THIS IS A LONG TRAJECTORY OF A PROJECT — CALL IT A DREAM. FOR NOW, needless to say, the absolute essential matter is to establish the “ÈRITREA” of the FUTURE. It is a delicate and dynamite subject for sociological as well as for political reasons. No need to go into details, now. Do “Eritreans” have accommodating BIG HEART and far-sightedness to establish a TRUE NATION??? THE END

  • Mesinas May 14, 2015

    ሕቶን ርእይቶን ንመምህር ኣማኑኤል ሳህለ፥

    ሰላም ዝኸበርካ መምህር ኣማኑኤል ሳህለ። ብመጀመርያ ስለ’ቲ ጀሚርካዮ ዘለኻ ሓላፍነታውን ዜግነታውን ዕማም፡ ብልቢ እናኣመስገንኩ፡ ብዘይምሕላል ንኺትቅጽሎ ድማ ለበዋይን ስእለተይን ከቕርበልካ እፈቱ። ምኽንያቱ፡ ነፍሲ ወከፍ ምሁር ወይ ኪኢላ ናይዛ ሃገር፡ እጃሙ ዘበርክተሉ ግዜን ዕድልን እንተ ረኺቡ፡ ወትሩ ዚከኣሎ ኪገብር ስለ ዚግባእ። ክእለቱ ንህዝቡ ዘየካፍል ምሁር ወይ ሊቅ ከኣ ከም መሃይም’ዩ ዚሕሰብ!

    ክቡር መ/ም ኣማኑኤል፡ ዕላማ ጽሑፍካ ርእሱ ከም ዝሕብሮ፡ ኣተሓሳስባና ንምልዋጥን ንምስፋሕን’ዩ። እትጥቀመሉ ዘለኻ ስውያ ድማ ጽሑፋትካ ብሃንቀውታ ንኪንበብ ዚድርኽ’ዩ። ኮይኑ ግን ካብ ህሉው ኩነታትና ዝርሕቕን መፍትሒ ሽግርና ኣብ ምንዳይ ንዚግበር ቃልሲ ደራኺ ዘይከውንን ከይከውን፡ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ትጽሕፍ ኪትህሉ ብዙሕ ተስፋ እገብር።

    ኣብዘን ኣስፊርካየን ዘለኻ ክልተ ዓንቀጻት ከም ዝተዓዘብኩዎ፡ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ዘሎካ ኣፍልጦን ክእለትን ብዓብይኡ ድማ ተግዳስነትን ሓልዮትን ልዑል ሙዃኑ ተገንዚበ ኣለኹ። ዋላ ደኣ ረኺበ ክጥቀመላ ኣይኽኣል’ምበር ኣቐዲምካ መጽሓፍ ሰዋስው ከም ዝጸሓፍካውን ሰሚዐ ኣለኹ። በዚ ኸኣ ኣዝየ ሕጉስ ሙዃነይ ክገልጸልካ እፈቱ። ምኽንያቱ፡ ካብዚ ብቐጻሊ ኪትጽሕፎ መዲብካዮ ዘለኻ ዓንቀጻት፡ ብዙሕ ክምሃር ስለ ዝኾንኩ። ካልእ ኣብዚ ክላበወካ ዝደሊ፡ ዋላ’ካ ኣብ ሓደ ክፍሊ ምስ ነበብትኻ ኣይትሃሉ’ምበር ጸሓፍን ነበብትን ልክዕ ከም መምህርን ተማሃራይን ስለ ዝሕሰቡ፡ ነበብትኻ ንዘቕርቡዎ ሕቶታት፡ ዝግባእ መልሲ ንኪትህብ ቅሩቡነት ከተርኢ ብትሕትና እሓተካ?

    ናብዛ ሎሚ ማለት፡ 13 ግንቦት 2015 ኣብ ሌማት ኣሰና ኣቕሪብካያ ዘለኻ ጽሕፍቲ ክምለስ። እዛ ጽሕፍቲ ብውሕሉል፡ ጽፉፍን ንጹርን ትግርኛ ቀሪባ ስለ ዘላ ብዘይካ እዘን ዝስዕባ ሓደ ሓደ መብርሂ ዘድልየን ቃላት ካልእ ዝወጾ ከምዘይብሉ’የ ምስክርነተይ ክህበካ ዝደሊ።
    ገለ ናይ ባዕዲ ቃላት ብሆሄያት ትግርኛ ተጻሒፎም ኣለዉ። ንኣብነት፥ ‘ኤነርጂ’ እዚ ናብ ቋንቋ ዝረዓመ ቃል ስለ ዘይኮነ፡ ጸዓት (energy) ኢልካ እንተትጽሕፎዶ ኣይምሓሸን?

    * ‘ወዘተ’ ብሰለስተ ዓይነት ኣጋባብ ክትጸሓፍ ተዓዚበ ኣለኹ። ንኣብነት፥ ‘…ወዘተ፣ ወዘተ…፣ ወዘተ.’ ክቡር መምህር ካብ ሰለስቲኡ ኣየናይ እዩ እቲ ቅኑዕ? ስለምንታይ?
    * ‘ሕደን ሓደን’ ፍልልይ ኣሎዎድዩ?
    * ‘ከለና’ ድዩ ዚብሃል ወይስ ‘ከሎና’?
    * ‘ብዘይ’ ዚብል ኣዛማዲ ተውላጠስም ምስ ግሲ ተላጊቡ ድዩ ኪጽሓፍ ዘለዎ ወይስ ተፈላልዩ?
    * ዳርጋ ኣብ ኩሎም ኣመልከትቲ ተውላጠስም ጭረት ከይገበርካ ኢኻ ጽሒፍካዮም ዘለኻ ስለምንታይ? ንኣብነት፥ ደኣሞ፣ ኣነኳ ወዘተ.
    * ኣብ ድሕሪ ‘ግን’ ንምንታይ ክልተ ነጥቢ የድሊ? ማለት። ‘ግን፡’
    * ኣብ መንጎ ‘ዘለዎ’ ን ‘ዘሎዎ’ ዘሎ ፍልልይ እንታይ እዩ?

    ንምትሕብባርካ ኣቐዲመ የመስግን። የቐንየለይ።

    *ኣብ መወዳእታ ንኽቡር ሓው እዮብ ገ/ሄር ክብሎ ዝደሊ፡ ብቋንቋና ተገዲስካ እርማትን ሓበሬታን ክትህብ ምፍታንካ ኣዝየ የድንቐካን የመስግነካን። እንተ ኾነ እዚ “እርማት” ብዚብል ምኽንያት ኣቕሪብካዮ ዘለኻ ቃላት፡ ምስዚ ዓንቀጽ ናይ መም. ኣማኑኤል ሳህለ ምንም ዘራኽብ ነገር ኣይረከብኩሉን። ከምኡውን እቲ ጠቒስካዮ ዘለኻ ረባሕታ ከም ዘለዎ ቅኑዕ ኮይኑ፡ ‘ፍሬ=ፍሬታት’ ግን ብትግርኛ ኣይብሃልን’ዩ። ‘ፍረ=ፍረታት’ እዩ ዚብሃል። ብተወሳኺ እቶም ኣብ ዝኾነ ሕጥበ ጽሑፍ ዋላውን ሓንቲ መስመር ትኹን፡ ዕላማኣ ብዘየገድስ፡ ብቕኑዕን እሩምን ትግርኛ ክትጸሓፍ ከም ዘለዋ ግዲ ዘይብልኩምን ዘይትፈልጡን ሰባት፡ ሓደራ እንታይነትን ኣገዳስነትን ቋንቋ፡ ርግእ ኢልኩም ክትሓስቡን ክትርድኡን ፈትኑ ክብል ፍቐዱለይ? ምዕባለን ዕብየትን ቋንቋ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጽሑፍን ቃልን እሩም ቋንቋ ብምጥቃም፡ ብግብሪ’ምበር ሕግታትን መዝገበ ቃላትን ዝሓዙ መጻሕፍቲ ኣሕቲምካ ብምድርዳር፡ ኪምዕብል ከምዘይክእል ክትግንዘቡ ብትሕትና እሓትት? የቐንየለይ።

    ሓውኩም መሲናስ 14/05/2015

  • segen wed Digsa May 14, 2015

    Amanuel Sahle !! Thanks a lot for your magnificient contribution. A teacher indeed !!!

    • amanuel sahle May 14, 2015

      * ‘ወዘተ’ ብሰለስተ ዓይነት ኣጋባብ ክትጸሓፍ ተዓዚበ ኣለኹ። ንኣብነት፥ ‘…ወዘተ፣ ወዘተ…፣ ወዘተ.’ ክቡር መምህር ካብ ሰለስቲኡ ኣየናይ እዩ እቲ ቅኑዕ? ስለምንታይ?
      * ‘ሕደን ሓደን’ ፍልልይ ኣሎዎድዩ?
      * ‘ከለና’ ድዩ ዚብሃል ወይስ ‘ከሎና’?
      * ‘ብዘይ’ ዚብል ኣዛማዲ ተውላጠስም ምስ ግሲ ተላጊቡ ድዩ ኪጽሓፍ ዘለዎ ወይስ ተፈላልዩ?
      * ዳርጋ ኣብ ኩሎም ኣመልከትቲ ተውላጠስም ጭረት ከይገበርካ ኢኻ ጽሒፍካዮም ዘለኻ ስለምንታይ? ንኣብነት፥ ደኣሞ፣ ኣነኳ ወዘተ.
      * ኣብ ድሕሪ ‘ግን’ ንምንታይ ክልተ ነጥቢ የድሊ? ማለት። ‘ግን፡’
      * ኣብ መንጎ ‘ዘለዎ’ ን ‘ዘሎዎ’ ዘሎ ፍልልይ እንታይ እዩ?
      ብኣይ ወገን ወዘተ…ምመረጽኩ
      ሕደ ማለት ተመሳሳሊ፡ ሓደ ድማ እንኮ
      ጭረት ዘይገብረሉ ምኽንያት ኣብ ካልእ ኮምፕዩተር 0 ወይ % ኮይኑ ስለ ዚወጽእ እዩ።
      ምናልባት ድሕሪ ግን ደው ኪብሃል እንተ ተደልዩ ክልተ ነጥቢ ይግበር
      ከሎና ምመረጽኩ
      ዘለዎ ምመረጽኩ ከመይሲ ሎ ምስ በልካ ሳብእ ከተስዕበሉ ጥዑም ኣይኮነን
      ብዘይ ካብቲ ዚስዕቦ ተፈልዩ እንተ ዚጸሓፍ እመርጽ
      ግን እዚ ኹሉ ክብል ከለኹ፡ ምዕሩይ ናይ ቋንቋ ትግርኛ መምርሒ ስለ ዘይብልና፡ ክሳዕ ንሱ ዚጸሓፍ ጥንቅቕ ኢልና እንተ ጸሓፍና ጽቡቕ እዩ…ኣማኑኤል ሳህለ

  • Truly Truly i say to you May 14, 2015

    Did Amanuel claims I am an English or Tigrigna language lecturer? Must a mathematics lecture should to be perfect in Language or Vise Verse? Which is so important after all, the content of the massage or the grammatical quality? As for me, whoever writes in whatever angel language eloquence, since never give me sense because its content is zero or with a little relevance; but the other one with a lot of grammar failure with little eloquence but with much strong massage, for me i prefer the second one than the first one.

    Do you know by the way those great Apostles such as Petros and Yohannes amongest those transfered to us the God´s powerful great massage as they were ordinary men of no education? But what was they saying those herd them, those great so called high priests, Greece Philosophers or Rome Politician elites? In deed the member of the council hearing that bold strong massage as were so amazed it tells us (Acts 4; 13.)
    The great Apostle paulos most of the new testament who wrote and transfered to us, who speak a lot of language in deed he was educated person. However when he transfers his massage for different nations people in different language, I think because he was possibly with a lot of grammar mistake or with little eloquence because was transforming his great massage could be, to his criticisers he said, “My brothers, when I came to you to preach God´s secret, I did not use big words or great learning. For while I was with you, I made up my mind to forget everything except Jesus Christ and especially his death on cross. (by saying was he was advising his audience to act about the content of his massage not at it eloquence. (1st Corinthians 2; 1)
    As well to those say, “Paulos´s letters are severe and strong, but when he is with us in person , he is weak, and his words are nothing!” by saying to those despising his word, ( 2nd Corinthians 10; 10,) do you know what he answered to them?
    “I do not think I am the least bit inferior to those very special so called “apostles” of yours! Perhaps I am amateur in speaking, but certainly not in knowledge. (2nd. Corinthians 11, 5.)

  • soliana May 14, 2015

    thanks a lot our 90s brave teacher….. I always appreciate your articles. keep it up!!!

POST A COMMENT