Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓገብ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ምሁር ኢትዮጵያ: ዓገብ ምሁራት ሃገርና።

ብዕለት 12 መጋቢት 2015 ዓ፡ም ፈረንጂ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ኣብዚ ሕጂ ናይ ኣርበኞች ግንቦት ሰባት ዝበሃል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ውህደት ዝፈጸመ ዕጡቕ ውድብ ተቃዋሚ ኢትዮጵያ ኣቦ መንበር ኮይኑ ዘሎ፡ ምስ መደብር ዜና

ብዕለት 12 መጋቢት 2015 ዓ፡ም ፈረንጂ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ኣብዚ ሕጂ ናይ ኣርበኞች ግንቦት ሰባት ዝበሃል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ውህደት ዝፈጸመ ዕጡቕ ውድብ ተቃዋሚ ኢትዮጵያ ኣቦ መንበር ኮይኑ ዘሎ፡ ምስ መደብር ዜና ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ዝተዛረቦ  መስደመምን መሕፈሪን ዝኾነ መደረ መዲሩ ‘ዩ ናይ ሎሚ መበገሲ ጽሑፈይ።

ኣብ ጥቃ ዓጋም ዝተጸገዐት በለሲ ንመዋእላ ክትነብዕ ትነብር ከምዝበሃል ከም በዓል ዶ/ር ብርሃኑ ዓይነት ኣተሓሳስባ ናይ ተበላጽነት ዘለዎም ጎረባብቲ ከለዉ ኤርትራ ቀሲና ኣይትሓድርን እያ። ካብ ታሪኽ ከምንመሃሮ ጎረቤትካ እዩ ዘመድካ። ንስኻ እንዳበላዕኻ ሱቕ ኢልካ ኣይትርእዮን ኢኻ። ጎረቤትካ እንዳበልዐ ጾምካ ኣይትሓድርን ኢኻ። ጎረቤትካ ዘመድካ ማለት እዩ። ምስ ጎረቤትካ ተማቂልካ ኢሂን ሚሂ ኢልካ ኢኻ ትነብር። ጎረቤትካ ዓማጺ ተበላጺ እንተኾይኑ ግን ሰላም ዝበሃል የለን። ስለዚ ጎረቤትካ የገድሰካ እዩ ማለት እዩ። ብሰላም ብቅሳነት ክትነብር ጎረቤትካ ኣገዳሲ ‘ዩ። ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ካብቶም ተበላጺ ኣብ ቁጽሪ ሓደ ዝስራዕ ምሁር ኮይኑ ረኺበዮ። ዕላምኡ ንኸሳልጥ ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ጌሩ ብመሳለል ውልቀ መላኺን ረጋጺ ዲሞክራሲን ድሞክራሲ ኣብ ሃገሩ ክተክል ዝሓለነ ምሁር።

ዶ/ር ነጋ ኣብ መግለጺኡ ብዛዕባ ዕላምኡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ከብርህ ከሎ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ስርዓት ከምዘድልዮን ከምዝግደሰሉን፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ግን ዲምክራሲ የድልይን ኣየድልዮን ከምዘይግድሶ ተዛሪቡ። ንሱ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ድሞክራሲያዊ ሕጊ ንምትካል ኣብ ኤርትራ ኮይኑ እንዳፈከረ፡ ደይ ስስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ከምዝበሃል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ጌርካ ንመሬት ኤርትራ ከም መሰጋገሪ ንኽጥቀመላ ጥራይ ‘ምበር ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይዓጀቦ እዩ ብግልጺ ኣብሪሁ። ኣብቲ ቃል መሕትት ከምዝበሎ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝረኣናዮም ሃገራት ብዝኾነ መዐቀኒ ብጉርብትና ጥራይ ዘይኮነ ካብ ጉርብታና ንላዕሊ፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ካልኦት ሃገራት ካብ ዝገብርዎ ሓገዝ ንላዕሊ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ሓገዝ ይገብሩልና ‘ዮም፤” ምስበለ፡ ቃል ብቃል ካብዝበሎ “ንሳቶም (ንመራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ማለቱ ‘ዩ) በየናይ ስርዓት ይኣምኑ ኣይኣምኑ ዝብል ንጎኒ ገዲፍና ኣብቲ ንገብሮ ቃልሲ ንዲሞክራሲ ንምሕጋዝ ፍቃደኛ ዝኾነን ኣብምሕጋዝ ዝርከብን መንግስቲ ኤርትራ ‘ዩ።” ክብል ብድፍኑ ገሊጽዎ። ሓሳቡ ንምግላጽ ዘይክእል ብጸረ ዲሞክራሲ መራሒ ተረጊጹ ዝግዛእ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ መዓስ እዩ ንዶ/ር ነጋን ዓሳክሩን መሬት ኤርትራ ቃልሶም ከሳውሩ ኣፍቂዲሉ? ኣየናይ ባይቶ ኤርትራ ‘ዩ ተኣኪቡ፡ ኣብ ሃገርኩም ዲሞክራሲ ዝበሃል ስርዓት ጎዲሊኩም ኣሎ ‘ሞ ንዑ ክንሕግዘኩም ኢሉ ብወግዒ ዝኣወጀ?ብሽም ምትካል ዲሞክራሲ ውልቀ ምልኪ ስርዓት ዲኹም ኣብ ኢትዮጵያ ክትተኽሉ ትቃለሱ ደለኹም? መልሲ ንደልየሉ ሕቶ ‘ዩ? ንቃልስኹም ምኽንያት ትህብሉ ዘለኹምን ትስዕብዎ ዘለኹም ናይ ቃልሲ መስመርን ክልተ ዘይራኸብ መስርሕ ስለዝኾነና ‘ዩ መልሲ ዘድልየና። ንሕና ንፈልጥ ዲሞክራት መራሒ ንዲሞክራሲ ዝቃለሱ ክሕግዝ ‘ምበር ውልቀ መላኺ ንዲሞክራሲ ክሕግዝ ዘይንቡር ስለዝኾነ።

ዶ/ር ብርሃኑን ብጾቱን፡ ናይ ብሓቂ ናይ ምሁር ጨካኝ ተበላጺ ምዃንኩም ኣባኹም ብጋህዲ ተንጸባሪቁ። አቲ ቆይመሉ እትብሎ መትከል ዲሞክራሲ ኢትዮጵያ ከተሳኽዕ ክትብል ምስ ዘላሚ ደሞክራሲ ክትሓብር ህዝቢ ኢትዮጵያ ከመይ ኢሉ እዩ ዶ/ር ብርሃነ ዲሞክራሲ ክተኽለለይ ኢሉ ክኣምነካ ዝኽእል? ከምቲ ዝበልካዮ ድ/ር፡ መትከልካ ዲሞክራሲ ምትካል እንድሕር ኮይኑ፡ ንኤርትራዊያን ከ ዲሞክራሲ ኣየድልዮምን ዶ ትብል? ህዝቢ ጎረቤት ሃገር ዶ ኣይኮኑን? ባዕሎም ይፈልጡ ኢልኩሞም? ወይስ ደይንቡር ስምምዕ ምስ ዘላሚ (ጨዃኒ) ኢሳይያስ ጌርኩም? ንሱኹም ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ዝበሃል ስርዓት ምስ ተኸልኩም ጨኳኒ ኢሳይያስ ከኣ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ክተክል ተሰማሚዕኹም ኣለኹም? ወይስ ንሱኹም ብሽም ዲሞክራሲ ተቃሊስኩም ውልቀ መላኺ መንግስቲ ክትተኽሉ ኢኹም? ዘመነ ግርንቢጥ ማይ ንዓቀብ ይብሉ ኣበው፡ ከምዚ ምስተረኸበ እዩ። ምስ ረጋጺን ዓንቃጺን ሕጊን ቅዋምን ምስ ወግዓዊነት ዘይለበሰ በዓል መንበር፡ ዲሞክራሲ ንምምጽእ ምሕባር ክሩህ (ፉንፉን) ውሳነ ዩ። ቅድሚ ሕጂ ምስ ኢሳይያስ ውዕል ዝገበሩ ሎሚ ኣበይ ኣለዉ? ካብዝሓለፈ ክፋል ሂይወት ታሪኽ ኢሳይያስ ቁሩብ ስቁር ኣይበለኩምን፧እሱም ክሳብ ዝሰልጦ ‘ዩ ሕንክስ ዝብል ‘ምበር ዕላምኡ ዝፈልጥ ጠላም ‘ዩ።

ኢሳይያስ ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ምህላው ቅኑዕ ዝንባለ ይህልዎ ኢዩ ኢልካ ምእማን፡ ኣብ ጸምጸም በረኻ ዘሎ ወርወርታ ቀላይ’ዩ ኢላካ ከም ምእማን ‘ዩ ዝሕሰብ። ኢሳይያስ ኣብቲ ሽሩድ ጠባዩ ናይ ዘይተሰዓርነት ባህርዩ፡ ዝጎደለ ባህርይ መመላእታ ስለዝደለየ ጥራይ ‘ዩ ብሙሉእ ሓይሉ ንኢትዮጵያውያን ተቃወምቲ ኣብ ምውዳብን ምሕጋዝን ኣትዩ። ናይ ጸላኢየይ ጸላኢ ፈታዊየይ ዝብል ናይ ድኹማት ፖሊሲ ዝኽተል ኢሳይያስ ትማሊ ናይ ደገፍቲ ኣልቃኢዳ ዝኾኑ ናይ ሶማል ኣልሸባብ ከምዘይተሳለመ፡ ሎሚ ኸኣ ብሽም ዲሞክራሲ ንቃለስ ኢና ንዝብሉ ኢዱ ምሃቡ ዘገርም ነገር ኣይኮነን። ብመንገዲ ኢሳይያስ ዝመጽእ ዲሞክራሲ ንኢትዮጵያ፡ ሕልሚ ኣብ ግብሪ ኪትርጐም ዘይክእል ባዶ ተስፋ – ኣማዕዲኻ ትርእዮ ዲሞክራሲ ጥራይ እዩ።  እዚ ብማዕከን ዜና ኢሳት ተመላኺዑ ቀሪቡ ዘሎ፡  ዘየሎን ዘይነበረን ገጽ ኢሳይያስ ንቅድሚት ስጉምቲ ከሰጉም ዘይክእል ፖለቲካ ቆልዑት ኢለ ምተርጎምክዎ። ብናይ ገዛእ ህዝቡ ረብሓ ዝቀንእ ኢሳይያስ ጎረቤቱ ቂጫ በሊዑ ክሓድር ዝደሊ ሰብ ከምዘይኮነ ዝተመስከረሉ ዕሉል ሓሳድ፡ ንናይ ኢትዮጵያ ምዕባለ ደልዩ ዘይኮነስ ሰበስልጣን ወያነ ኣብ ሊዕሊኡ ዝረኸብዎ ዓወት ሽንፈቱ ምቕባል ተሳኢንዎ፡ ዘስቆርቆሮ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ንበዓል ዶ/ር ነጋ ተሰዊርዎም ኣይብልን። እዚ ናይ ቆልዑ ፖለቲካ ናብ ዝኸፍአን ካብ ዝሓለፈ ዝበዝሐን ምፍሳስ ደም ኣብ ክሊቲኡ ዜጋታት ከስዕብ ከምዝኽእል ኣብ ግንዛቤ ክኣቱ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

እስኪ ሕቶ ክንሓተኩም ተቃለስቲ ንዲሞክራሲ። ጋህዲ ካብ ዝኸውን ንውሕ ዝበለ ጊዜ ወሲዱ ዘሎ ሕልሚ ኢሳይያስ ዘዓርፍ፡ እንተወሓደ ፕረሲደንት ሕቡራት ኢስት ኣፍሪቃ ምስኮነ ‘ዩ። ታዲያ ንስኻትኩም ደምሂትን ኣርበኞች ግንቦት ሰባትን ሓቢርኩም ናብ ‘ቲ መስመር ሓንጊርኩም ከተብጽሕዎ ዲኹም ምስ መላኺ ውዕል ጌርኩም ዘለኹም? ኢሳይያስ ብዘይ ሓደ ጥቅሚ ሒዚኩም ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። ወይስ ከምቲ ዝሕመዮ ናብ ንጉሰ ነገስት ዘሕቡራት አትዮጵያን ኤርትራን ከተብጽሕዎ ኢኹም?

ብፉንፉንን ዘስገድግድን፡ ብናይ ዘመን እነ እነ ፖለቲካ ዝተካህነ ኢሳይያስ፡ ዲሞክራሲ ብበራሚል ማይ ዘይወሓጠሉ፡  ብሓሶትን ሸፍጥን ዝጰጰሰ ኢሳይያስ፡ ኣብ ሃገሩ ንዘየቆሞ ንክፉእ ባህርያቱ ንጨዃን ግብሩ፡ ንናይ ጎረቤት ሃገር ዝሰዓርዎ ጸላእቱ ዘለዉዋ፡ ዲሞክራሲ ክተኽለላ፡ ብሽም ዲሞክራሲ ጉልባብ እንተኣናደየ ባህርያዊ ክንብሎ ንኽእል። ንዓመታት ተቃሊሰሎም ዝብሎም ህዝቢ ዲሞክራሲ ዝበሃል ከምዘየድልዮም ብትምክሕትን ንዕቀትን እንዳረገጸ ክፉእ ትርኢት እንዳርኣየ ዝመጸ ኢሳይያስ ከመይ ዓይነት ዲሞክራሲ እዩ ኣብ ኢትዮጵያ ክተክል ዝኽእል? ቁንጣሮ ህዝቢ ከመሓድር ዘይከኣለ ኢሳይያስ ከመይ ኢሉ እዩ ሪፐብሊክ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከመሓድር ዝኽእል? ኢሳይያስ ንገዝኡ ከመሓድር ዘይክእል ሰብ ሽርሒ እዩ። እዚ ምዃኑ እንዳተፈልጠ፡ ኣብ ዓለም ቃልዑ ወጺኡ እንዳተራእየ ምሁራኑ በዓል ዶ/ር ብርሃኑ ንህዝቢ ኤርትራ ኣመራሲሖም ተንበርኪኮም ንኢሳይያስ ክሰግድሉን፡ ንቃልዑ መሸፈኒ ምዃንን፡ ካብ ምሁር ዘይትጽበዮ ዘሕፍርን ፍንፉን ምሁራዊ ስነ ምግባር እዩ።

እቲ ካልኣይ ዓገብ ንምሁራት ዓድና ‘ዩ። ሓደ ዘተሓሳስበኒ ነገር ብዛዕባ ምሁራት ዓድና ክዛረብ እደሊ። ምሁራት ኤርትራ ካብ ምሁራት ተብየው በዓል ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ዝሓሸ ኣፍልጦን ተመኩሮን ከለኩም ኣብ ዝኾነ ከምዚ ዓይነት ቃልሲ ክሳተፉ ‘ኳ ይትረፍ፡ ወስ ዘይማለትኩም ጓሂና ዕጽፊ ይገብሮ። እንታይ ኢና ኮይንና ሱቅ መሪጽና፧ በዓል ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ክላገጹልና ከለዉ ኣይሕመንና ድዩ? ወይስ ንሕና ‘ውን ከም በዓል ንሶም፡ ነዚ ህዝቢ ባዕሉ ይፈልጥ ኢና ንብሎ ዘሎና? ብዙሕ ሚስጢር ትፈልጡ ኣስቂጥኩም ዘለኹም ምሁራት ንፈልጥ ኢና። ኣብነት ምሃብ ይከኣል እዩ። ብዛዕባ እቶም ጀጋኑ ስንኩላን፡ ብወዲ መምህር ድራር ጥይት ዝኾኑ፡ ኣብቲ እዋን እቲ በቶም ስንኩላን ጂሆ ተታሒዝካ ዝተበሃልካ? ትፈልጦ ብዙሕ ሚስጢራት ዘለካ፡ ኣበይ ኣለኻ? እቲ ሚስጢር ደሕዳሓዮ ንመዓስ ክኾነካ እዩ? እቶም ሽዕዑ ዝተሰውኡ መሰል ዝሓተቱ ስንኩላን እኮ መጋደልትኻን ብጾትካን እዮም። ኣብ ኣመሪካ ትነብር ንፈልጥ። ትም ማለትካ ግን ኣይተወሓጠልናን።

ንዶ/ር በረኸት ‘ውን ዓገብ ክብል እደሊ። ምጥንኻር መዋጥር (ምንህውላል) መሰል ወዲሰብ ኣብ ጊዜና፡ ብዝብል ዘቕረብኩማ ትምህርታዊ መግለጺ ሰሓቢን ተነባብን ካብ ምሁራትና ንጽበዮ ትምህርቲ ‘ዩ። ከምዚ ከማኹም ብዙሓት ምሁራት ከምዘለዉ ንፈልጥ ኢና። ንሕና ግን ብፍላይ ብኣኹም ንኾርዕ። ነዛ ውጽዕቲ ሃገር ዘበርከትኩሞ ነባሪ ታሪኽ ከምዘለኩም ስለንፈልጥ ከም ቅርሲ ሃገር ጌርና ከኣ ንሓስበኩም። ግን ከኣ ቅር ዝበለኒ ከስተንፍስ ደልየ።

ኣብዛ ትምህርታዊ መግለጺኹም፡ ንምብራቕ ኣፍሪቃን ማእከላይ ኣፍሪቃን ብሙሉኣ ዳህሲስኩም፡ ዘሎ ጽቡቕ ነገርን ሕማቕ ነገርን ብምሁራዊ ስነ ኣእምሮ ገሊጽክምዎ ከተብቕዑ ነታ መሰል ወዲ ሰብ ተረጊጽዋ ዘሎ ሃገርኩም ግን ዘሊልኩም ሓሊፍክምዋ።  እዚ ሚስጢሩ ኣይተረደኣንን። ፍርሂ አሕዲረ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ትንፍሽ ከይትብሉ ብዘመድ ኣዝማድኩም ጌሩ ኣፈራሪሂኩም ዶ ይኸውን? ሽው ኢሉ ዝሓልፍ ጥርጣሬ ኣሕዲረ። በኻ ከየንበብክዋ ተሪፈ ኢለ ንነፍሰይ ወቂሰ። ከተብርሁለይ እንተትኽእሉ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን።

ናብ እቲ ኣርእስተይ ክምለስ፥ ንሕና ካብ ምሁራትና ብዙሕ ትጽቢት ኢዩ ዘለና። ብምሁራዊ ጥበብኩም ከተወሃህዱና ኣብ ሓደ መኣዲ ከትተኣኻክቡና ክትመርሑና እቲ ዝሕእሸ ምሕደራ ክተቁሙልና ወዘተ ካብቲ ንጽበዮ ማይ ብጭልፋ ካብ ባሕሪ እዩ። እንተኾነ ከምዛ ተበለጽቲ በዓል ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ዝገብርዋ ዘለዉ እታ ዝነኣሰት ንዕዖም ክትቃወሙ ‘ኾ ኣይተራኣኹምን። ጸገምኩም ምርዳእ ኣብዩና። ሕጂስ ሽም ኣብ ምርቋሕ ክንኣቱ ክንግደድ ኢና።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ሓውኹም ደብረ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • solii March 23, 2015

    Great article Debre….

  • Habte March 23, 2015

    timely a must read article

  • bruke March 23, 2015

    You said it right. Dr. Berhanu is the most chauvinist Ethiopian scholar. I remember during the Ethio-Eritrea war (1998). Dr. Berhanu along with other scholars were appearing frequently on the Ethiopian tv to push the escalation of the war. At the expense of the two poorest peoples’ unfortunate destruction, he was looking for a hole to slip through and get to power. Whenever i here about dr. Berhane,that instance and dark moment in our history always comes to my mind. I am not surprised to see him here and there as he is power thirsty.

  • hara March 23, 2015

    hakika kbur debre
    sgab maas u suk awyatna ayneqarts
    amlak ybarkika

  • ERITRAWIT March 23, 2015

    Dear Debre,
    Isaias ansar hzbei Eritrea kemzkone mebzahtna dongena ena teredena. Nezom kemzey aynet seb ab hagerna bkemey tekebalnet yrekeb.
    Link bmntay nrekbo?

  • Zeray March 23, 2015

    You can be the most educated, intelligent and bright person in the entire world. You can be Eisenstein for everything but if you are an opportunist and corrupt because of the ulterior motives all your rationality, education and “intelligence” amounts to nothing but destruction. Such is the so called Dr Nega and many who cater to the dictator. Forget cancer they are the Ebola of society.

    • Debre March 24, 2015

      Thank you Zeray, you expressed him nice. But we can not forage and ignore because he is calling conflict and then war between innocent people.

    • Natu March 24, 2015

      @Zeray <— Anbesa !

      A very good summary to all opportunists, who are going to have no more place in the modern, transparent und concious world of the 21st century.

    • Debre March 24, 2015

      ክቡር ረዘነ፡ እዛ ዝጸሓፍካያ ርእይቶ ብትግርኛ ተርጉሜ ከቅርባ ፈትየ። ጌጋ እንተሃሊዋ ኣርመኒ። እቲ ትርጉም ብኸምዚ ዝስዕብ ተርጉመዮ ኣለኹ።

      “ምንም ኩን ምን፡ ኣብ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ብጻሕ፡ መስተውዓሊ ፉሃምን ትኩርን ሰብ ኩን ብዘየገድስ፡ እንተደኣ ብስውር ብዕበጥ ዕበጥ ኣብ ባህርያትካ ተበላጽን ብዕሉግን እንተኾንካ፤ ርትዓውነት ኣጥፊኢኻ፡ ደረጃ ትምህርትኻን፡ ዘጥረኽእዮ ፍልጠት፡ መስተውዓልነትካን ክእለትካን፤ ዕንወት ንኸተሳሲ ‘ዩ ዝዕድመካ። ናይ ‘ዚ ውጺኢት ከኣ ‘ዩ ንበዓል ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ዲክታተር ንኸሳስዩ ዝገበሮም። እዚኦም ኢቦላን መንሽሮን ናይ ሕብረተሰብ ስለዝኾኑ ምርስዖም እዩ ዝሓይሽ።”
      ደጊመ የቀንየለይ ክብል።

      • Debre March 24, 2015

        correction
        Please read Zeray Instead of Rezene

  • rezene berehe March 24, 2015

    birhanu nega is playing a gamble on the eritrean people.He will test the great heat of the eritrean people along with the isayas dictator soon!

  • wedimeriet March 24, 2015

    My brother ,if i may talk about the educated Eritreans, this land beside the few good educated brothers is destroyed by the so called educated. Starting from the dictator “Eritrean Leader” and down were selfish and brutal ,they knew exactly what was going on ,while the masses were in dark.Even after all the 50 year’s of struggle, misery and thousands of dead ,and our people on the edge of perish, they never learn. I really don’t care about Ethioipia, but it is the same.”Educated Africans ” they betrayed the land that made be what they are…

  • hailino March 24, 2015

    I am not surprised about Ethiopian Scholars who have been pushing Prime Minister Melles for conquering Assab at the cost of the lives of the people of the two poor countries. I agree calling them Ebola too. But I am more worried about Eritrean Scholars who side with the dictator in Asmara. What should we label these NAY MHURAT DENAQR?

Post a Reply to hailino Cancel Reply