Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

2017 ከ ከምሻምኡዶ ይሕለፍ ወይስ ንድሕነት ህዝብና ንስለፍ? – ኤስደለ

------------------------------------------------------------------------------------------------------ 2016 ወዲእና ሓዲሽ ዓመተ 2017 ኣብ እንቕበለሉ እዋን ብዘይካቲ ልሙድ ምንዮት ናይ ወዲ ሰብ፡ ጥዕና፡ ቅሳነት፡ ብልጽግና ወዘተ፡ ኣብ  ኣእሙሮ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ብጸሎት ይኹን ብሓሳብ ዝወርድን ዝድይብን ነገር ኣሎ። 2017 ስደትና የብቅዕዶ ይኸውን? ዝወለድናዮም

——————————————————————————————————

2016 ወዲእና ሓዲሽ ዓመተ 2017 ኣብ እንቕበለሉ እዋን ብዘይካቲ ልሙድ ምንዮት ናይ ወዲ ሰብ፡ ጥዕና፡ ቅሳነት፡ ብልጽግና ወዘተ፡ ኣብ  ኣእሙሮ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ብጸሎት ይኹን ብሓሳብ ዝወርድን ዝድይብን ነገር ኣሎ። 2017 ስደትና የብቅዕዶ ይኸውን? ዝወለድናዮም ደቅና ሓቚፍናዶ ንነብር ንኸውን? ዝቓደረ ግራውትና ንዘርእዶ ንኸውን? ጠዋሪ ዝሰኣኑ ወለዲ ዝናብዮምዶ ይረኽቡ ይኹኑ? ካብ ራሻይዳን ተሓባበርቶም ጓሓሉ ኤርትራውያንን ንግዲ ሰብ ሓራ-ዶ ንኸውን? ብሓፈሽኡ ስደት ኣብቂዑ ኣብ ሃገርና እፎይ ኢልና ንነብረሉ እዋንዶ ንረክብ ንኸውን? መልሱ ሓጺርዩ። ህግደፍ ከሎ ኣበደን ከይርከብ!!! ኣብ ልዕሊ መቓብር ህግደፍ ግን ኩሉ ይከኣልዩ!!!

ጽቡቕ ምትምናይ ጽቡቕዩ። ንጽቡቕ ትምኒት ዘሰኒ ተግባር እንተዘይተሓዊስዎ ግን ትምኒት- ትምኒት ኮይኑ ጥራሕ እዩ ዝተርፍ። ህግደፍ ከኣ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዓቅምናን ንያትናን መሬት ዘቢጡ ተጸበይትን ተተምነይትን ጥራሕ ኮይንና ክንተርፍ እዩ ዝደልየና። ተተምነይቲ ጥራሕ ኮይንና ክንተርፍ እዩ ድሌቱ – ይሰልጦ ከኣ ኣሎ። ህግደፍ ብኽፉእ ማእለማታቱን ውዲታቱን ኣብ ዓለም ካብቶም ውሑዳት ጥራሕ ክወዳደርዎ ዝኽእሉ ጉጅለዩ እንተተባህለ ሓቂዩ። ርእሰ ፋሺሽቲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝወዳደሮ ወይ ዝብደሆ ዘይፈቱ ምዃኑ ብዙሓት ብቐረባ ዝፈልጥዎ ሰባት ዝብልዎ ኮይኑ፡ እታ ዝርካባ ሓንቲ መዋዳድርቲ እተፍሪ ዩኒቨርሲቲ ናይ ኤርትራ ክዓጽዋ ምግባሩ ዝዓበየ ምስክርዩ። ሃብታማት ነጋዶ ኤርትራ ጠፊሾም ኩባያ ሻሂ እንዳኣንጀባረሩ ሕጂ ዝገብርዎ ስኢኖም ብናይ ቀደም ዝሓለፍዎ ጥዑም ዘመን ጥራሕ ከውግዑ ምርኣይና ካልእ ምስክርዩ። መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሕምብርቲ ደርጊ ድምብርጽ ከይበሎም ተኣምራታዊ ስርሒት ይፍጽሙ ከምዘይነበሩ ሎሚ ብክቱር ጭንቀት ናይ ኣእምሮ ሕማም ኣሕዲሮም ተዓዚሞም ፈቐዶ ጎደናታት ናይ ከተማታትና መለለዪ ኮይኖም ምርኣይ ካልእ መግለጺ ህግደፍዩ።

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣውሪድዎ ዘሎ ጸገም ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብዙሕ ካብቲ ጸገማት ህግደፍ ድሕሪ ምውጋዱ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ክዕረዩ ዝኽእሉ ነገራት ክኾኑ ይኽእሉ  ይኾኑ። ካብቲ ኩሉ በደላት ንላዕሊ ኣብ ሕብረተሰብና ንነዊሕ እዋን ኣሉታዊ ኣሰር ክገድፍ ዝኽእል እንተልዩ ግን ኣብ ኣእምሮ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣእትይዎ ዘሎ ማሕበራውን ሞራላውን ሕማምዩ። ኣብ ልዕሊ ባዕዳዊ ጸላኢ ብዝነበሮ ሕራነ ይከኣሎ ተባሂሉ ብዙሕ ከምዘይተደርፈሉ ሎሚ መንእሰይና ካብ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ጸላኢኡ ህግደፍ ንላዕሊ ኣብ ሕድሕዱ ዘሎ ጎንጽታት ክዓቢ ይኸውን ኣሎ። ማሕበራዊ ፈትሊ (social fabric) ህዝብና ተበጣጢሱ ውልቃውነት ክነግስ ዝገብረ መንግስቲ ተኣኪብና ቁምነገር መታን ከይንገብር ሕብረተሰባዊ ጸገማትና እናጻሕተረ ይፈላልየና ኣሎ። እቲ ካብ ብዓንተብኡ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ዝብድሆ ዘይብሉ እንኮ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ ክነብር ባይታ እናኣጣጠሐ ዝመጸ ውልቀ መላኺ፡ ድሕሪ ነጻነት ኣረሜናዊ ባህርያቱ ኣብ ምልእቲ ሃገር ከተግብሮ ብዙሕ ኣይተጸገመን። ድሕሪ ሃገራዊ ነጻነት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ኣትዩ  ንኣዎንታዊ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ከኽብርን ከማዕብልን ዘይኮነስ ብስም ህግደፍ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓድሽ ህግደፋዊ ባህሊ ከንበርክኽ ዝገበረ ስርዓትዩ። ክቡር ኤርትራዊ ባህሊ በብእዋኑ ኣብ ሳዋ እናተጣሕነ፡ ተለዊሱ ተሰንኪቱ ሓድሽ ናይ ስስዕቲ፥ ናይ ዓመጽ፥ ናይ ድኽነትን ናይ ድንቁርናን ባህሊ፥ ኩሉ ዜጋ ባይታ ክዘብጥ ዝገብር ባህሊ፥ ብማእሰርትን ምቕጥቃጥን ጃጂዩ ክሳዱ ከድንን ዝገብር ባህሊ፥ – ናይ ጥፍኣት ባህሊ ዝሰነዐ`ዩ (ዝመሃዘዩ) ህግደፋዊ ስርዓት።

እዚ ኣብ ዓለም ተወዳዳሪ ዘይብሉ ገበን ዝፈጸመ ስርዓት ኣብ ልቡ ክምለስዩ ኢሎም ዝጽበዩ የዋሃት ዜጋታት ኣለዉና። እዚ ካብ ሰማይ ማና ምጽባዩ። ከመይሲ ኢሰያስን ጉጅለኡን ብዓንተብኡውን እንተኾነ ጥዑይ ልቢ ኣይነበሮምን ስለዚ ናብ ልቦም ክምለሱዮም ዝበሃል ዘረባ መሰረት የብሉን። ኢሰያስን ጉጅለኡን በላሕቲ ኣእሙሮ ሃገራውያን እናበልዑ ዝዓበዩ እዮም። ጥዑይ ልቢ ኔርዎም እንተዝኸውን እውን ሕጂ ድሕሪ እቲ ዘይተኣደነ ገበናትን ብደም ዝጨቀወ ታሪኾምን ናብ ልቦም ክምለሱ እዋኑ ሓሊፉዩ። ከመይሲ፡ ናብ ጥዑይ ልቦም ክምለሱ ማለት ስልጣኖም ንህዝቢ ኣረኪቦም ንዝፈጸምዎ ገበናት ኣብ ቅድሚ ነጻ ቤት ፍርዲ ክናስሑን ክቕጽዑን ክቕበሉ ማለት እውን ስለ ዝኸውን። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብድሌቱ ኣብ ቅድሚ ነጻ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ርእሱ ኣድንን ኣቢሉ በዲለየ ኣይትሓዙለይ! ይቕረ በሉለይ ክብል? ጥዑይ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ዘይቅበሎ ሓሳብዩ። ስለዚ ናይ 2017 ትምኒትና ኢሰያስን ህግደፍን ኣብ ልቦም ክምለሱ ክኸውን የብሉን። ክኸውን ዝኽእል ጥራሕ ንተምነ።

ኢሰያስ ኣፈወርቅን ግብረ ኣበራቱን ተገዲዶም ኣብ ነጻ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ግን ይከኣልዩ። ዝከኣል ስለ ዝኾነ ከኣ ናይ 2017 ትምኒትናን መብጽዓናን ክንገብሮ ንኽእል ኢና። እዚ ዓቢ ዋኒን እዚ ንሓደ ሰብ ወይ ንሓደ ውድብ ዝወሃብ ዕማም ኣይኮነን። ናይ ከምኡ ዓቕሚ ዘለዎ ውድብ ስለ ዘየጥረና እምበር ከምቲ ንነጻነት ዝኸፈልናዮ ኩሉ መዳያዊ ህያብ ምሃብና። ግን እቲ ውልቀ ውድብ ከጥርዮ ዘይከኣለ ዓቕሚ ተኣኪብና ክንገብሮ ግን ይከኣልዩ። ነዚ ንምግባር ጸጊሙ ዘሎ ኣብ መራሕቲ ውድባት ዘሎ ዓዲ ዘየግብር ምትህልላክ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ኩሎም ተጻረርቲ ሓሳባት ቅኑዓት ክኾኑ ከምዘይክእሉ ማንም ዝርደኦ ነገር እዩ። ህዝቢ እንተተሓዊስዎ ግን ነቲ ቅኑዕ ክቕበል እሞ ደገፉ ክህብ፡ ነቲ ጌጋ ፈሊጡ ከኣ ኣይፋልኩምን ክብል ክበቅዕ የኽእሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ ህዝብና ካብቲ ብቐረባ ዝምልከቶ ሃገራዊ ጉዳይ ርሒቑ ተዓዛቢ ክኸውን የብሉን። ፖለቲካዊ ውድባትና ህዝቢ ተኣኪቡ  ወክላና ዝበለን እኳ እንተዘይኮና፡ ንስለ ህዝቢ ኢለን ይቃለሳ ክሳብ ዝሃለዋ ኣብ መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ክህልወን ዝኽእል ተራ ኣቃሊልካ ዝረኤ ኣይኮነን ስለዚ ሕጂውን ካልእ ናይ ጥፍኣት ሓዊ ይእጎድ ከይህሉን ኣብ ምጥሓንን ምልንቃጥን ከይበጽሐ ህዝብና ንውድባቱ ከለሊ ብኡ ኣቢሉ ድማ ክድግፍ ወይ ክቃወም ንጽባሕ ዘይበሃሎ ዕማምዩ።

ሓድሽ ዓመተ 2017 ኩላትና ኣብ ፖለቲካ ንዋሳእ ሃገራውያን ብግብሪ ነቲ ኩሉ ግዜ ንዝምረሉ ምድሓን ሃገርን ህዝብን ልዕሊ ኩሉ ዝብል ጭረሖና ክንመስል ክንመባጻዕ ይግባእ። በበይንና ፋሕ ኢልና ሃገር ከነድሕን ስለ ዘይንኽእል ድማ እቶም ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዘለና ክንሰምር፡ እቶም ፍልልይ ዘለና ውድባት ድማ ኣብቲ  እንተወሓደ ነዚ በላዕ ሰብ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምእላይ ዘትከለ ሓባራዊ ስራሓት ንከይንሰርሕ ዝኽልክል ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን። ሕማቕ እውን ይልመድዩሞ፡ ጽምዋ ለሚዶም ጸረ ሓድነት ዝኾነ ኣረኣእያ ዘንግሱ ኩሎም፡ 2017 ኣይዓመትኩምንያ ንበሎም። ንብዓት ኣዴታት ተክሊ ሓድነት ከጠጥዕ እዩ። መርገም ኣረጋውያን ኣቦታትውን ንጉጅለ ህግደፍ ከዕነኒ እዩ። ዝሰመረ ቅልጽም ተቓለስቲ ድማ ዓወት ውጹዓት ከቀላጥፍዩ። ነዚ ኩሉ ክዉን ንኽንገብር ከኣ ተዛሪቡ ዘስምዕ ሰሪሑ ዘድምዕ ደሞክራሲያዊ መሪሕ ውድብ ኣብ ምህናጽ ክንቃለስ ኢና!!

ቅኑዕ መስመርን ህዝብን ሒዝና ክንዕወት ኢና!!!

ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኤስደለ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT