Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቀስተ-ደበና ረቡዕ 18 ሓምለ 2001. ቀደም ዘመን፡ ስልጣን ንፍሉያት ስድራ-ቤታት ጥራይ ተሓዚኡ እንከሎ ዝተመሰለ ብምዃኑ ሽዑ ዓማጺ ህዝቢ ከምዘሎ ኣይተፈለጠን ወይ ኣይተደፍረን ይኸውን። ኣብ ታሪኽ ሕ/ሰብ ቁጠባዊ ረብሓ ብፖለቲካን መንግስታዊ መሳርሕን ተሰንዩ ካብ ዝነጣጠፍ ዓመጽ ካብ ቀንዲ ጠባይ ኮይኑ ኣሎ። [gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2013/08/Weditureta.pdf"]

READ MORE

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፣ ነቲ መሪሕነት ባይቶ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ልዕሊ ኣቦ ወንበር ፈጻሚ ሽማግለ ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብዝምልከት፣ ምስ ዶር ዮሱፍ ከምኡ ‘ውን ነቲ ስጉምቲ ምስ ዝወሰዱ መሪሕነት ባይቶ (ኣቶ ጸጋይን ወሮ ፍረወይንን) ከምኡ ‘ውን ምስ ምኽትል ኣቦ ወንበር ፈጻሚ ሽማግለ

READ MORE

እቶም ‘ተኣኪቦም መኽደን ድስቲ ከልዕሉ ዘይከኣሉ ድኹማን‘ ተባሂሉ ዝባጨወሎም ዘሎ ግዳያት እምባአር፡ ክሳብ ሎሚ ድምጾምን ኣውያቶምን ይንድር ይጭድር ኣሎ። ሓንቲ መዓልቲ ከምዝስማዕ መቸም ፍጹም ኣይጠራጠረሉን ኢየ። ‘ስለምንታይ እቲ እናሰምዐ ዘስቀጠኸ ጸሚሙ‘? ድማ ግዜ ክምልሶ ኢዩ። [gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2013/08/qestedebena.pdf"]

READ MORE

aseye.assenna@googlemail.com ናብ ኣቶ ኣማኑአል ኢያሱ፡ ንጉዳይ ናይ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዶክተር ዩሱፍ ብርሃኑ፡ ብመሪሕነት ባይቶ ካብ ሓላፍነቱ ምውራዱ ዝተዋህበ ውሳነ ኣመልኪትካ፡ ምስ ኣቦ መንበር ባይቶ ኣቶ ጸጋይ ዮውሃንስን፡ ምክትል ኣደ መንበር ወ/ሮ ፍረወይኒ ሃብተማሪያምን ኣብ ዝገበርካዮ ቃለ መሕትት፡ ካብቲ ዝሃብዎ መልስታት ብዙሕ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ

READ MORE

 ውጉዛት ጳጳሳትን ካህናት  ሽሞኛታት ናይ ፖሊቲካን ንቅዱሳን ካህናት ምስ መእመናን ክውግዙ ክንርኢ ዊዒልና ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ August 10, 2013 ኣብ ከተማ ኦታዋ ካናዳ፡ ገለ ካብ ታቦት ዮሃንስ መጥምቅ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ተፈንጭሎም ዝወጹ ጉጂለ፡ ብስም ቅዱስ ጴጥሮስ ኢሎም ነብሶም ዘጠመቁ፡ ብፖሊቲከኛታት ዝተሸሙ ጳጳሳት ካብ ሕቡራት ሃገራት

READ MORE

ጠዓመ ኣብርሃም ጎይትኦም (መቐለ) ትውልዲ ዓዲ ስመጃና ዕለተ ልደት 1956 ቁጽሪ ፓስፖርት - Diplomatic Passport No D0001060 ቁጽሪ ፓስፖርት Laissez – Passer 02154 መዓርግ - ብሪጋደር ጀነራል ምንጭታትና ከምዘረጋገጹዎ ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ ካብ መዝነቱ ወሪዱ፣ ነቲ ናይ ስለያዊ ስርሒታቱ ጉልባብ ዝነበረ Horn Building Inc ንወልዱ ባርያን ካልኦት ሓለፍትን ኣረኪቡ። ቀንዲ መደስከሊኡ ኮይኑ

READ MORE

እቲ ዓመት ዓመት ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ብህግደፍ ተማእኪሉ ዝግበር ፡ ብጉልባብ ህዝባውን ባህላውን ፈስቲቫል ፡ ሎሚ ዓመት ድማ ብስለስተ ዓበይቲ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ተወኪሉ ሓሊፉ። ንሳቶም ድማ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ፡ ኣደመንበር ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብን ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱን

READ MORE

ብቕድሚ ትማሊ ዕለት 08 ነሓሰ 2013 ብለይቲ አብ ከባቢ ሃይኮታ ብዝወቕዓ ቡሩቱዕ ዝናብ ነታ ብሚኒስትሪ ሕርሻ አብቲ ከባቢ ዝተሰርሓት ዲጋን መእለይ ውሕጅን አፍሪሱ ነቲ አብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ብማይ የዕለቕሊቕዎ። በዚ ዘጋጠመ ሓደጋ ድማ ሓያለ ገዛውቲ ዓንዩን ንብረት ብውሕጅ ተወሲዱን ከቢድ ክሳራ አስዒቡን አሎ። ስርዓት ህግደፍ ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ብመንገዲ

READ MORE

ሓደ ታሪኽ: ተመሳሳሊ ዕድመ እዩ ነይርዎም፡ ጽቡቕ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምርካቦም ምሁራት እዮም፡ ካብ ንእስነቶም ንናጽነት ኤርትራ ተቓሊሶም፡ ኣብዝተቐራረበ እዋን ናብ ሰውራ ተጸምቢሮም፡ ኣብ ህግሓኤ ተሰሊፎም፡ እሙናት ወኪላት ውድብ ኮይኖም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ወጻኢ ተመዲቦም ሰሪሖም። ኣብ 1987 ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህግሓኤ ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ተኣፋፊ

READ MORE

ኣንታ ‘እዚኣ ስቕ ኢላ’ያ ውላዳ መይቱዋ’ያ’ ዝብሃል ኔሩ ዝበሉና ህይወት ዘሪኡ፡ እግሪ ተኺሉ፡ ድዩ ተመሊሱና!  መንእሰያትና ኣብ በረኻ፡ ኣብ ባሕሪ ጠፊኡዎም ኣብ ሲናይ ተጠቢሑ ተሸይጡ ኣካላቶም ህዝቢ ሕርሙኳ ከየውጽእ ከልኪሎም ‘መን ነጊሩኩም ሓዘን ተቐሚጥትኩም!’ እናበሉ ዝስልበጡ ዘሳቕዩ መዓት ንዝወረዶም  ምስቲ ነይሩ ዝብሃል ዛንታ ኣይመሳሰልንዶ ግብሮም? እዝጊ ጸሊኡሎም’ምበር ኣሕዋትና’ዮም ኔሮም ግን እዞም ስልጣን

READ MORE

ንህግደፍ ኣለና ምሳኹም ንደለይቲ ፍትሒ ኣጆኹም ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 09/08/2013 Norway ኣብ መሰልን ፍትሕን ዘለዎ ሃገር ክትፈርሑዎ ነዚ ስርዓተ ዱሑር ሊቀ መምበር ብሓሶት ዘዳናግር 20 ዓመት መብጽዓ ንዘይትግበር ኣይትእመኑዎም ንገጅለ ፈገራግር   ስረኻ ዕጠቆ ጎበዝ ኤሪትራዊ ክሳብ ምዓስ ተሓቢእካ ከተኢዊ ከም ጓና ኣይትኹን ከም ባዕዳዊ ይኣክል ፍርሒ ኣይትኹን ጀጃዊ ሓዲኡ ምረጽ ከይትበሃል ኣዕናዊ   ንጠፍ ተሓባበር ምስ ተቓለስቲ ዝዕዘቡ በዚሖም ሕቡኣን ፈለስቲ ንድኽመቶም ክሽፍኑ

READ MORE

ከም ዝፍለጥ አብ ኤርትራ አብ ግዜ ክራማት ኢና ንርከብ። ብሰንኪ አብ ኤርትራ አጋጢሙ ዘሎ ናይ ነዳዲ ሕጽረት እቲ ክሕረስ ዝኽእል መሬት ክሕረስ ኣይክኣለን ዘሎ። እዚ ዝኽውን ዘሎ ነተን ዝርካበን ትራክትራት ሚኒስትሪ ሕርሻ ከምቲ ዝድለይ ንኸዋፍረን አይክኣለን። እዚ ድማ ቀረብ ነዳዲ እቲ ስርዓት ከቕርብ ብዘይምኽአሉ ኢዩ። አብ መላእ

READ MORE

ኣብ ዝሓለፈ 4ይ ክፋል ጽሑፍ ሰነዳት ቢተወደድ ኣብርሃ ኣብ ዘቕረብናሉ ግዜ እታ ክፋል መወዳእታ ናይታ ሰነድ  ምንባራ ሓቢርና ኔርና። ስዒቡ ካብ ዝመጸና ርኢቶታት (ከምኣድላይነቱ ክንምለሶ ይካአል ኢዩ) ናቱ ተወሳኺ ወይ ድማ ናይ ካልኦት ሰነዳት እንተኣል ዩ ከነቕርብ ዘተባብዕ ነይሩ። ገለ‘ውን “ተግባር‘ዩ ተሳኢኑ‘ምበር ጥረ-ነገር ድኣ በዚሑ‘ዃ“

READ MORE

ኣብዚ ብዙሓት ሓለፍቲ ህግደፍ: ሳልሳይ ዕስራ ናይ ህይወቶም ወዲኦም: ናብ እርጋን ዝተጋማገሙሉ እዋን: ገለ ብዝሓደሮም ሕዱር ሕማም: ገለ ድማ መስጣ ናይቲ ንህዝቢ ዘሕደሩሉ: ሕማም: ብወዝቢ: ብሃንደበት በጋጣሚ: ብድኻም ልቢ: ናብ መዕረፊኦም ክፋነው ንርእን ንሰምዕን ኣለና:: ኣሽንኳይዶ ካብ ሰብ ዝተወልደ ሰብ: ዝበቖለ ገረብ'ውን ንዘለኣለም አይነብርን:: ሞት

READ MORE

ሩሕ ኣካል ንፋስ እያ፡ ንፋስ እንድሕሪ ዘይሃልዩ ንሳውን የላን፡ (መጽሓፍ ስነ-ሕይወት)። ብመሰረት  ናይ እምነት መጻሕፍቲ ግን ሩሕ ፍሉይ መግለጺ ኣሎዋ። ንፋስ’ሞ ንፋስ እያ: እንተኮነ ንሳ (ሩሕ): ካብ ኣፍ እግዝኣብሔር ንኣዳም ዝተለገሰት  ፍልይቲ ንፋስ (wind of God) እያ ይብል ። ስለዚ ናይ ወዲ ሰብ ሩሕ ካብ

READ MORE

 መግለጺ ሽማግለ ጨንፈር ዓባይ ብርጣንያ ኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ   ንሕና ሽማግለ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ  ለውጢ ብዕለት 4 ነሓሰ 2013 ስሩዕ ኣኼባና ኣካይድና፤ ሓደ ካብቲ ኣገደስቲ ኣጅንዳታትና ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣቦወንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት (ኤሃባዲ) ድ/ር ዩሱፍ ብርሃኑ ዝተወሰደ ስጉምቲ 

READ MORE

ሃንደበት ዝብሉዋ እንታይ እዩ ብልሓታ ሰበ ስልጣን ህግደፍ በብሓደ ኣጽኒታ እነሀት ትቐብሮም መዓሙቕ ኲዒታ ኩነታታ ይመርመር እዚኣስ ገለ ኣላታ መርዚ ከይትኸውን ናይዚ ዕሉል ሽፍታ! ንሕማም ሳልስቲ ዘይትፈቅድ ዕድል ብሃንደበት መጺኣ ብወቕዒ ትቐትል ሓለፍቲ መሪጻ ወትሩ ካብ ትምንጥል ኣየጸግምንዶ ወዝቢ እያ ክንብል!? ሃንደበት ዝብሉዋ እንታይ እዩ ሚስጢራ? ሰባት እተጥፍእ ብቕጽበት ሰዊራ ሓድሽ ግን ኣይኮነን እቲ እኩይ ግብራ ከምኡ’ዩ

READ MORE

ሓባራዊ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለን ሰክረታርያን ባይቶ ካብ ዝጅመር ንደሓር ብዛዕባ ሃገራዊ ባይቶ ጽቡቕ ወረ ክነፍስ ኣይቀነየን። ምዃን እዚ ባይቶ’ዚ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ መዓስ’ከ ንቃልሲ ዘዐዉት ብስራት ኣስሚዑና ይፈልጥ ትብሉ ትኾኑ። ብዝኾነ እቲ ኣብ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ዝተራእየን ብዙሕ ዘዛረበን ሽግር ሕጂ’ዉን ኣብዚ ኣኼባ’ዚ

READ MORE

ናይ መወዳእታ ዕርዲ ህግደፍ ቀዳማይ ዕርዲ ተቓወምቲ - 2ይ ክፋል  ወገናዊ ፖለቲካ የዋጽእ ዶ? እቲ ኣብ መንጎ ተጋዳላይን ዘይተጋዳላይን (ተጋዳላይ - ገባር፣ ዋርሳይ - ይከኣሎ) ዝተመርኮሰ ፍልልይ፣ ዝፈጥሮ ዘይምትእምማን ብእዋኑ ለውጢ ካብ ምምጻእ ዘዐንቅፍ ተርእዮ ‘ኳ እንተኾነ ካብ ሓደ ወለዶ ዝሓልፍ ዕድመ ስለዘይብሉ ኣመና ዘሻቕል ኣይኮነን። ምስ

READ MORE