Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅድሚ ናብ መዛረብየይ ኣርእስቲ ምእታወይ ነቶም ድምጽና ከነስምዕ ሓሳብና ከነካፍል ርኢቶና ናብ ኩሉ ከነሰጋግር ባይታ ዝከፈቱልና መርበባትን ማዕከናት ዜናን ከም ዘይሕለሉ በዓል ኣሰናን ቶጎርባ፤ ገረግር ፤ኣዝማሪኖ፤ ዓዋተ . . ብስም መላእ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዕዙዝ ምስጋናይ የቅርብ ንመስተንክር ሞያኩም ድማ ቅልጡፍ ጻማ እምነ።

ዝኾነ ይኹን ሃገሩ ዘናሹ ዜጋ የሎን።ምኽንያቱ ሃገሩ ትውልዱ፡ዓጸመ ስጋን፡ታሪኽን ዝሓዘት ለዝኾነት።ኤርትራዊ ዜጋ ከኣ ካብዚ ሓቅዚ ተበጊስና፡ሃገሩ ይፈቱ እንተበልና፡ኡንኮ ተሓጉሹ ዝኸደላ፡ ብዘይስኽፍታ ዝነብረላ ንኹሉ ማዕረ ትብጸሖ ስለዝኾነትዩ።

እቲ ብምኽኒያት 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ብጨናፍ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ ዝተዳለወ ታሪኻዊ በዓል ብዓወት ተጸንቢሉ።

 

United for Eritrea (ሕቡራት ምእንቲ ኤርትራ) ብዝብል ስም ዝፍለጥ ማሕበር መንእሰያት ኣብ ጀርመን ዝወደቦ ንዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ በርሊን ፊት ቤትጽሕፈት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ባሕቲ መስከረም ተኻይዱ።