Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ተዓቝቦምሉ ዘለዉ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ዝተሰዱ መንእሰያት፡ ንውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ብምእላይ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዝጀመሩ ኣፍሊጦም።

ኩሉኹም ደላይቲ ሰላም፣ ፍትሕን ደሞክራስን ዝኾንኩም ኤርትራውያን፡ ጽባሕ ቀዳም 13 ነሓሰ 2011 ኩልና ብሃገርናን ህዝብናን እንግደስ ኤርትራውያን ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ኦክላንድ ዝዳሎ ናይ ኣሽካዕላልን ሸፈጥን ፌስቲቫል ክንቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣዳሊና ስለዘለና ኣብቲ ቦታ መጺኹም ንስርዓት ውልቀ መላኺ ንኽትኩኑኑ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

 

ካብኡ ስዒቡ መድረኽ ንኣደ ወንበር ሽማግለ ሙሉ ነጋሲ ተዋሂቡ። ኣደ ወንበር ድሕሪ እቲ ሽማግለ ዘካየዶ ልዕሊ 36 ኣኼባታትን ዘፍረዮ ቑምነገራትን ፤

ዝኸበረ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን ነቲ ስለ ናጽነት ሃገር ክብል ንሰላሳ ዓመታት ሱባኤ ኣትዩ ፍረ-ጻማ ናጽነት ዝረኸበን፤ ክብርታቱን መሰላቱን ብህግደፍ ዝተጨውየን ኣስላማይ ክስታናይ ወዲ ኤርትራ።

ብወገንና ተሪፉ ኣሎ እንብሎ፡ መላእ ናይ ባይቶ ጸጥታ ኣባላት ነቲ ብሞኒተሪን ግሩፕ ዝቐረበ መተሓሳሰቢ ዝለዓለ ኣቓልቦ ብምሃብ ዝተረረ ውሳነ ምሕላፍ ክኸውን እንከሎ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ድማ ነቲ ዘይሕጋዊተግባራቱን ሓደገኛ ጠባያቱን ቅቡል ክምዘይኮነን ደጊም ኣብ ልዕሊኡ ተጻዋርነት ከምዘየብልኩምን ንጹር ክትገብሩሉ እዩ።

 

ወናኒ ዕደና ወርቂ ቢሻ፡ ካናዳዊ ኩባንያ ዕደና ወርቂ ነቭሱን ሪሶርስ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ካብ ዕደና ኤርትራ፡ ቀሪጹ ከፊሉ $60.6 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ከምዝረኸበ ምግላጹ፡ ‘ማይኒን ዊክሊ’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ካብ ቶሮንቶ ገሊጹ።

ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብምኽንያት ‘ቲ ስርዓት ህግደፍ ንኣሸበርቲ ዝገብሮ ደገፍ ኣህጉራዊ እገዳ ክግበረሉ ምሉእ ብምሉእ ከምዝድግፎ ዎል ስትሪት ጆርናል ሓቢሩ።

ካብ እዝኒ ብዝበለጸ ዓይኒ ተኣማኒ ምስክር ኢዩ፡፡ ብርግጽ!! ምርኣይ ምእማን ስለዝኾነ፡፡ ምብራዕ ኩናት ባድመ ወዝቢ ብሃንደበት ዘጋጠመ ፍጻመ ወይ ውን ብናይ ደገ ሓይልታት ዝተስገደደ ዝተሰነዐ ናይ ዶብ ኩናት ዘይምኻኑን ዘይምንባሩን ኣጸቢቖም ዝፈልጡ ዜጋታት ብዙሓት ኢዮም፡፡

እታ ዓዲ ኹሉ ብምዃና፡ ዋና ከተማ ናይ ዓለም ክትብላ እተድፍር ምጭውቲ ከተማ ለንደን ንሳስልቲ ብናዕቢ ተሃዊኻ ቐንያ። ለንደን ብጽሬታን ጽባቐ ህንጻታታን ኣይኮነትን እትንኣድ፡ ብሕሱር መነባብሮኣን ኩነታት ኣየራንውን ኣይኮነትን እትምስገን።

 

ዝኸበርካ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ዝኣገረ ልባውን ሃገራውን ሰላምታና ነቐድመልካ። ኣብዚ እዋን ንዓና ንኤርትራውያን መዓልታዊ መነባብሮና ምስ ሞት፡ ስቓይ፡ ስደት፡ ማእሰርትን ግፍዕን ተኣሳሲሩሉ ዘሎ እዋን