Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

2ይ ክፋል – ኣምልኾ መህግዲፍ (ypfdj) – ትርጉም

"ኣብ ልዕሊ ሰባት ብጥበብ ዝተሰነየን ቀጻሊን ፕሮፖጋንዳ ብምክያድ ንመንግስተ-ሰማይ ከም ገሃነም እሳት ከምዝርእይዎ ይከኣል እዩ ከምኡ እውን ብኣንጻሩ፡ነቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሂወት ከም መንግስተ-ሰማይ ይርእይዎ።ሰባት ዘይምሕሳቦም ንመንግስታት ጽቡቕ ዕድል ኢዩ።” ሂትለር ነዚ ዝጸሓፈ እቲ ሚልዮናት ዘህለቐ ፋሽስት ኣዶልፍ

“ኣብ ልዕሊ ሰባት ብጥበብ ዝተሰነየን ቀጻሊን ፕሮፖጋንዳ ብምክያድ ንመንግስተ-ሰማይ ከም ገሃነም እሳት ከምዝርእይዎ ይከኣል እዩ ከምኡ እውን ብኣንጻሩ፡ነቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሂወት ከም መንግስተ-ሰማይ ይርእይዎ።ሰባት ዘይምሕሳቦም ንመንግስታት ጽቡቕ ዕድል ኢዩ።”

ሂትለር

ነዚ ዝጸሓፈ እቲ ሚልዮናት ዘህለቐ ፋሽስት ኣዶልፍ ሂትለር ኢዩ፡፡ንሱ ብተወሳኺ እቲ ንመንእሰያት ንበይኑ ዝወነነ ንረብሓ መጻኢኡ የረጋግጽ ኢሉ።

እቶም ቀንዲ ወደብቲን ኣወሃሃድቲን ኣኼባታት ባህላዊ ምርኢትን ዋዕላታትን መህግዲፍ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

ቴድሮስ ጎይትኦም(ኣቦኡ ኢትዮጵያዊ መበቆል ዘለዎ፡ካብ ስቶኮልም ሽወደን ሓላፊ መህግዲፍ፡ሕጂ ኣብ ጀርመን ዝርከብ)፡ሲራክ ባህልቢ ኣዝዩ ከሳዕ ብሲራክ ስቡሕ ልቢ ዝፍለጥ ካብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ሕጂ ሓላፊ መህግዲፍ ኣብ ስካንዲናቪያ ከምኡ እውን ብትእዛዝ ምክትል ህዝባዊ ጉዳያት ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ሽወደን ኣብ ትሕቲ ዝሩግ ዮናስ ማናን ሰላይ ህግዲፍ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባርን ኣባል ሓለዋ ሰውራ ዝነበረን ተኽለ መንግስቱ ይሰርሕ።ኣብ ትሕቲ እዞም ልዕሊ ኣርባዓ ዝዕድሚኦም ክልተ መንእሰያት መህግዲፍ ብኣጸዋውዓ ህግዲፍ ምዕራፋት ዝበሃላ ጨናፍር ኣለዋ።ነፍስወከፍ ምዕራፍ(ኣሃዱ)፡ንውልቃዊ ፖለቲካዊ ጥሙሕ ኣበርቲዖም ዝሰርሑ ኣገልገልቲ ኣለውዋ።

ዳዊት ሃይለ፡ሶፍያ ተስፋማርያምን ስታፍ ኤምባሲ ህግዲፍ ዋሽንግተንን ዳይረክተራት መህግዲፍ ሕ.መ.ኣ እዮም።ዳዊት ኣቦመንበር መህግዲፍ ኣብ ሕ.መ.ኣ ኢዩ።ነቶም ቀንዲ ኣገልገልቲ ምዕራፋት (ኣሃዱ)መህግዲፍ ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ከቃልዖም ኢየ።መህግዲፍ ናብ ማእከላይ ምብራቕ እውን ክዝርጋሕ ጀሚሩ ኣሎ።እቲ ሓሳብ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ኣባላት ህግዲፍ ብምግባር ከም ብዙሓት ማሕበርነታውያን ስርዓታት ንሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ እናተኣዘዙ ወለዶ ድሕሪ ወለዶ ንምቕጻል ኢዩ።

ኣብ ክሊ መንግስቲ ኤርትራ ገለ ስልጣን ወይ መዝነት ምርካብ እቲ ቀንዲ ሸቶ ብዙሓት ተበለጽቲ መህግዲፍ ኢዩ።መህግዲፍ ናብቲ ቀንዲ ሸቶ ገለ ዓይነት ስልጣንን መንግስቲ ኤርትራ ንምብጻሕ ዘገልግል ኣገባብ ኢዩ።ዘይከም እቶም ብደረት ኣልቦ ስርዓተ ሃገራዊ ጊልያነት ተቐፊዶም ዘለው ዘሕዝኑ መንእሰያት ፡ኣባላት መህግዲፍ ናብቲ ቀንዲ ዕላማኦም ማለት መራሕቲ መጻኢት ኤርትራ ንምኻን እናሰርሑ ጊዝያዊ ረብሓታት ኣለዎም።

በቲ ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ 2% ግብሪን ኣብ ኣኼባታት ካብ ወለዲ ብዝዋጻእ ገንዘብን ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ኣብ ዝግበር ዋዕላታት ኣብ ኤርትራ ክረምታዊ ዑደት፡ፈስቲቫል ሳዋ ብምጋሽ፡ይሰትዩ፡ይዝምው ፈንጠዝያ ይገብሩ።

ስለዚ መህግዲፍ ንብዙሓት ስሱዓት ኤርትራውያን ማሕበር መደሰቲን መዘናግዒን ኢዩ።እዚኣቶም ምስቶም ኣብ ኤርትራ ቁጠባዊ፡ማሕበራዊን ባህላውን ሕሰም ዘሕልፉ ዘለውን፡ምስቶም ንዝሓሸ ናብራን ሓርነትን ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ብኣሽሓት ዝሃድሙ ዘለውን ኣብ ኢድ ነጋዶ ሰብ ዝወድቁን ንጹሃት ኤርትራውያን ኣይደናገጹን ኢዮም፡፡ብፍላይ ድማ መራሕቲ መህግዲፍ።

መንእሰያት ገርሀኛታት፡ንጹሃት፡ሓዲሽ ነገር ዝቕበሉ፡ሓያላት፡ ህንጡያትን፡ ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ወለዶታት ዓቢ ስራሕ ንምፍጻም ብዘለዎም ድሌትን ካብ ጥንታዊ ዘመን ኣትሒዙ ኩሉ ጊዝያት ማእከል ስሕበት ገበትቲ ስርዓታት ይኾኑ ነበሩ።ገበትቲ ስርዓታት ነቲ ዘይማዕበለ ሓንጎልን ዘይበሰለ ቅርጺ ኣተሓሳስባን ብምዝማዝ ኣብ ውግእ መዝሓሊ ይጥቀሙሉ።ኣብ ጊዜ ሰላም ድማ ብጊልያዊ ዕዮኦም ምንጪ ኣታዊ ይገብርዎም።መህግዲፍ ካብዚ ዝተፈልዩ ኣይኮኑን።ንመንእሰያት ምንጪ ኣታውን ነቲ ህግዲፍ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ምሉእ ምቁጽጻር ከምዘለዎ ዘምስል ዝንቡዕ ሓበሬታ ብምቕራብ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለው መህደዲ ይጥቀመሉ።

ንመህግዲፍ ብዝምልከት ዝቐረበ 1ይ ክፋል ብዙሓት ዝተፋላለየ ርእይቶ ጽሒፎም።ብገነት ዝተባህለት ዝቐረበ ሓደ ርእይቶ፡ነቲ ራዕዲ ንምፍጣር፡ዘስገድግድን ዘሰቅቕን ኣምልኾ መህግዲፍ ዝገልጽ ንኣቓልቦይ ስሒቡ፡-

ጥቕሲ

”የቐንየለይ ሓቂ ብምንጋርካ: …ኩሉ እቲ ቃላት ብርግጽ ሓቂ ኢዩ። ዝሓለፈ ተሞክሮይ ኣገባብ ምልመላ መህግዲፍ ዳሕራይ ህግዲፍ ኣዘኻኺሩኒ።ስለዝሓተትኩ ከምዘይኤርትራዊ ከምዝስምዓኒ ንምግባር ዘካይድዎ ፈተነ ዘኪረ።ሓደ እዋን ንመልማሊ መህግዲፍ ንምንታይ ኣባላት ሰልፊ መህግዲፍ ክንከውን ከምዝድለ ሓቲተ።ንሱ ህግዲፍ ሰልፊ ኣይኮነን፡ንስኺ ከም ኣባሉ ማሕበር ከምዝኾነ ጥራይ ውሰድዩ ኢሉኒ።ቀጺለ እቲ ማሕበር ንኣባላቱ እንታይ ይገብር ሓተትኩ።ንሱ ብዛዕባ ባህሊ ኤርትራ ትመሃሪን ኣባላት ከኣ ኣብ ሓድሕዶም ይደጋገፉ በለኒ።ኣይፋልን ኣነ ናጻ ክኸውን ኢየ ዝደሊ።ኩሎም ኣነ ዝፈልጦም መልመልቲ ህግዲፍን መህግዲፍን ተወልጀ፡ወይ ደቓሉ  ኢዮም።እዞም ሰባት ብባህሊን ኣተሓሳስባን ኤርትራውያን ከምዘይኮኑ 100%ምስዚ ጽሑፍ ይሰማማዕ።ምስኣቶም እንተተኻቲዕካ፡ግናያትን ስድታትን ኢዮም።ንኤርትራዊ ኣኽብሮት ዘይህቡ ከም ግዋኖት ኢዮም።ዘሰቅቕ ስምዒት ይነዝሑልካ።እዚኣቶም ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ባንዴራ ኤርትራ ይጉምጎሙ።ንኤርትራዊ ጸገም ይፈጥሩ።ንጹሃት ኣይኮኑን። ነቲ ጽሑፍ ብዝነበብኩ ኣልቂሰ፡ ምኽንያቱ ኣብዚ ጽሉእ መደብ ዝጠሓሉህሃሕ  ብዙሓት መንእሰያትን ዓበይትን ይፈልጤ።ንህዝብና ንመንእሰያትን ዓበይትን ከነድሕን ትኩራት ክንከውን ኣሎና።ህግዲፍ ንህዝብና ናብ ኣእምሮ ዘይብሎ ባዕሉ ዝዝውሮ መሳርሒ ይቕይሮ ኣሎ።ኣብዚ እዋንዚ ገለ እንተዘይገይርና ምብራስና ዘይተርፍ ኢዩ።”

ገነት

ገነት፡ ስምዒትክን ስነኣእምሮኣዊ ጥዕናኽን ከይተተንከፍኪ ምውጻእኪ ዕድለኛ ኢኺ።ኣብ መህግዲፍ ብዙሕን ዘየድልን ሕቶታት ምቕራብ፡ንክትድሃልን፡ክትንጸልን ብኡ ቢልካ ክትባረርን ዝቐልጠፈን ዝተረጋገጸን ኣገባብ ኢዩ።መራሕቲ ህግዲፍ/መህግዲፍ እቲ ልክዕ ኣባል ዝብልዎ ዘይሓትት፡ጣቓዒት ኣብ ዘድልየሉ ንሳ ወይ ንሱ ዘጣቕዕ ነቲ የማነ ማንኪ ዝበሎ ወይ ዝደልዮ ዝደግም ኢዩ።

ኣንጻር ኣባላት መህግዲፍን ካልኦት ኤርትራውያንን  ዝጥቀሙሉ ሜላ ብጸቕጢ ናይ ምእማንን ምልዛብ ባህርያትን ብመምህር ካድር ህግዲፍ ኣብ ሳዋ ዝተማሃርናዮ ኣብ ቀዳማይ ጽሑፈይ ኣቕሪበ።ብዛዕባ ምሕጻብን ምቁጽጻር ሓንጎልን ሰሚዐ ነበርኩ።እንተኾነ ኣገዳሲ ዓውዲ ገይረ ኣይወሰድክዎን ዛጊት እውን ከምኡ ኢየ።ዋላ ኣብቶም ዘይተማህሩን ድሑራትን ህዝብታት እንተተግበረ፡ሜላ ምምሕያሽ ሓንጎል ወይ ምሕጻብ ሓንጎል ብደረጃ ሃገር ኣብ ሚሊዮናት ዜጋታት ተራ ሰባት ይሰርሕ ኢዩ ኢለ ኣይኣምንን።ንሒደት እዋን የገልግል ይኸውን፡እንተኾነ ክፍዳሕ ኢዩ።ሰባት  ንሓሶት፡ምትላል፡ፕሮፖጋንዳ፡ምሕጻብ ሓንጎልን፡ምድንጋርን መዚኖም ናብ ቅኑዕ መደምደምታ ክበጽሑ ኢዮም።እቲ ዘሕንኽ ታሪኽ ዝወደቑ  ሓዲሽቲ ዘመናውያን ገበትቲ ስርዓታት ድማ ንጹር ምስክርን መረጋገጺን ኢዩ።መንግስቲ ሰባት ብኣወንታዊ መንገዲ ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ዝረብሑሉ ጭቡጥ ቁጠባውን ማሕበራውን ሃዋህው እንተዘይፈጢሩ፡ነቲ ነብሶም ካብ ቁጠባዊ ማሕበራዊ ባህላዊ እገዳን ጥፈሻን ናጻ ንምውጻእ ዝገብርዎ ቃልሲ ብሓሶትን ፕሮፖጋንዳን ክብርዞ ዝኽእል ሓይሊ የልቦን።ብዘይካዚ፡ሰባት መለኽትን ገበትቲ ስርዓትታትን ብዝመሃዝዎ ሰብሰርሖ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ተመቁሖም ንዘይተወሰነ ጊዜ ከምዘይነብሩ ዝሓለፈ ታሪኽ ምስክር ኢዩ።ኣበደን።ካብ ዓቐና ንላዕሊ ዝመልአት ኩባያ ክትክዖ ባህርያዊ ሕጊ ኢዩ።

ደስበለ ዝደጋግማ ዛጊት ኣብ እዝነይ ትድውል።ንሱ፡ኩሉ እዚ ሜላ ምቁጽጻር ሓንጎልን ምልዛብ ባህርያትን ክሰርሕ ሓደ ኣገዳሲ ረቓሒ የድልዮ።እዚ ናይ መጀመርያን መወዳእታን ምቁጽጻርን ምሕጻብን ሓንጎል ኢዩ።እዚ እቲ ቁልፊ ረቓሒ ዓወት፡እምነ ኩርናዕን መሰረታውን ኩሎም ብልሓታት ምእማን ብጸቕጢ።

እዚ ድማ ብዝተፈላለየን ዝተወሃሃደን ስውር ኣገባብን ነቲ ሰብ ትጥቀመሉን ትቆጻጸሮ ከምዘሎኻን ከምዘይፈልጥ ምግባር ኢዩ።ብፍላይ ኣባላት መህግዲፍ፡ክጠራጠሩ፡እምነት ከጥፍኡ፡ኣዒንቶም ክኸፍቱ ወይ ህግዲፍ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ክፈልጡ ክሓቱ ከምዘይብሎም ክግበር ኣለዎ።ናብዚ ንምብጻሕ ድማ በቲ ኣብ ምዕራብ ዝለመድዎ ብሕንቃቐ ከምዝእለዩን ብኣኽብሮት ከምዝተሓዙን፡ንህዝባዊ ግንባርን ህግዲፍን ብዝምልከት  ሓቀኛ ወይ ዝተማህዘ ኣሉታዊ ታሪኽ ከምዘይሰምዑ ምግባር።

ንከምዚ ከማና ብብልሕናን ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ተወሊዶም ንዝዓበዩን ንምርዳእ ብዘሎና ብቕዓትን ንሓደስት ኣባላት መህግዲፍ ብዛዕባ ጽቡቕ ታሪኽ ቃልሲ ከነስተምህር ዝተሓረና ከምዝኾና ደስበለ መምርሒ ሂቡና።ንሱ፡ራእይ ህግዲፍ፡ዘይጭበጥ  ሸቶን ብዘገርም ዝተዋደደ ዘይክውን ርእሰ-ምርኮሳ፡ካብ ረዲአት ናጻ ዝኾነት ሓበን ኣፍሪቃ፡ካብ ዓጸቦ ናጻ ንኹለን ሃገራት ኣፍሪቃ ቀዲማ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሸቶ ሚለንየም ንምብጻሕ ትግስግስ ከምዘላ ክንሰብኽ  ምሂሩና።ብመሰረት ደስበለ እምነት ኣባላት ምስ ዝጎድል ሓደጋ ውድብ የኸትል።ኣብቲ ውድብ ዘይምእማን ብመሰረት ሕጊ ህግዲፍ/መህግዲፍ ማዕረ ስዕረትን/ክሕደትን ኢዩ  ብምባል ደስበለ ብድፍረት ይደጋግሞ።

ደስበለ ብተወሳኺ  ንዝኾነ ኣባል ካብቲ ማሕበር ክፍንተት እንተጀሚሩጀሚሩ፡ማለት ንኣስተምህሮ ህግዲፍ ሕቶ ክሓትት፡ወይ ምስ ዘይሰማማዕ እንታይ ከም ንብልን እንታይ ከምእንገብርን ሰቢኹና።ንሱ ነቶም ዝጠራጠሩ ብልዙብን መጀመርያ ብሕጉስ ኣገባብ ክንቀርቦምን ኣድላይ እንተኾይኑ ድማ ኣገባብ ምፍርራሕን ምጥቃንን ተጠቒምና ነቲ ሰብ ወይ ጉጅለ ኣብ ፈስቲቫላት፡በዓላት፡ኣብያተክርስትያንን ወ.ዘ.ተ ከምዘይጽንበሩ ብምግባር ካብ ዓንኬል መህግዲፍን ማሕበረኮም ኤርትራውያንን ክንጽሎም ሓቢሩና።ብሓፈሻ ከም ንጹላት፡ብሑታት ብምግላል ኣተሓሳስባኦምን ስነኣእምሮኣውን ኩነታቶምን ከምዝዓኑ ምግባርን ናብ ውሉፋት ዕጸፋርስ፡መስተን ኣጥሂልካ ዘርሞዘርሞ ብምግባር ንኻልኦት ጸረህግዲፍ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት መምሃሪ ክኾኑ ከምዘለዎም ገሊጹልና።በቲ ጸረ ህግዲፍ ስምዒቶም፡ግናይ ተግባራቶምን ቃላቶምን ይቕረታ ምስ ዝሓቱ ግን፡ ሓደሽቲን ውፉያትን ከምዝኾኑ ከረጋግጹ ኣብ ትሕቲ ጥብቂ ምቁጽጻር መራሕቲ መህግዲፍ/ህግዲፍ ካልእ ዕድል ክወሃቦም ኣለዎ በለና።

ኣብ ሳዋ ደስበለ ብዘይሕንከትን ፍርሕን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒሱ ነቲ ግልቡጥ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ደጋጊሙልና።የማናይ ዓይንኻ እንተዓንቂፉካ ቦጥቁልካ ደርብዮ።ነዚ ኣበሃህላ ዝተጠቕመሉ ንሕና ከም ካድራትን ሓቅኛ መራሕቲ ድሕሪ መጋረጃን ነቶም ኣብ መህግዲፍ ዘለዎ ተንቀሳቐስቲ ብደቂቕ ክንከታተሎምን መተንፈሲ ብምኽላእ ብህጹጽ ነጺልና ክንጉሕፎም ከምዘሎና ንምሕባርዩ።ከስርሑኹም ዘይክእሉ ጉሓፍዎም  መውጽኢት ኣፉያ።ንሳ እያ ማእከል ዕላማ ህግዲፍ።ንተቓወምቲ ናብ እንዳጎሓፍ ምድርባይን መምርሒ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ማኦ፡እቲ ዓብይ መራሒ ጥራይ ክንኣምንን ክንእዘዝን ካልእ የልቦን።

ደስበለ ንጸረ-ህግዲፍ ባእታታት እንቃለሰሉ ኣገባብን ምቁጽጻር ሓንጎል ህግዲፍን ዝሃበና መምርሒ ምቅላዕ ክቕጽል ኢየ።ብፍላይ ስመር,EYSC,EYSNS,ዓርቢ ሓርነት፡ኣሰና፡ረድዮ ወጋሕታ፡ረድዮ ኢሪና፡ደስበለ ጎሓፍ ደብረዘይት ዝሰመዮምን ኣኻልብ ወያነ ዝበሎምን።ነዚ ክብል ከሎ ግሁድ ጽልኡ ኣብ ገጹን ዓይኑን ይንጸባረቕ።እቲ መደርኡን ኣዒንቱ ደም ምስራቡን ህግዲፍ ብመንእሰያት ተሻቂሉ ከምዘሎ የቃልዖ።ንሱ ተረፍ መረፍ ጀብሃ ጉድኣት የብሎምን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ህግዲፍ ኢዮም፡ ንሃገራዊ ዽሕነት ሓደጋ ዝኾኑ መንእሰያት ጥራይ ኢዮም በለና።መንግስቲ ብዛዕባዚ ገለ ክገብርዩ፡ከም መራሕቲ መህግዲፍ ንሕና እውን ነዞም ባእታታት ብፕሮፖጋንዳ፡ሰላማዊ ሰልፊን ኢንተርነትን ኣብ ጽርግያታት ማለት ብተራ ዘረባን ብጎነጽ ብምድሃልን ጸረ መጥቃዕቲ ክንገብር ከምዘሎና ኣትሪሩ ተዛሪቡና።ብመሰረት ደስበለ ዝቕጽል ስጉምቲ ህግዲፍ ንጡፍ ተቓውሞ መንእሰያት ንምልማስ ኣብ ሕ.መ.ኣን ኤውሮጳን ጎነጽ ምጅማር ከምዝኾነ ተገሊጹልና።

ንመህግዲፍ ከም ኣምልኾ ምምዳበይ ታሪኽ እንግሊዛዊ ኒክ ስኪነር ምንባብ ኣገዳሲዩ።ንሱ ኣብ ኮስታሪካ በቲ ኣምልኾ ንዝተጨውየ ወዱ ከድሕን  ብሃይማኖታዊ ኣምልኾ ሓንጎሉ ተሓጺቡ፡ርእሰ-ቅትለታዊን ኮይኑ።

መብዛሕትኦም ደቂሰባት ምስ ሕብረተሰብ ክመሳሰሉ ህንጡያት ብምኻኖምን ንዝለዓለ ዕላማ ክቃለሱን ኣብ ዓለም ለውጢ ከምጽኡን ድሌት ስለዘለዎምን እቶም ክመልኩ ዝደልዩ ነዚ ህንጡይነት ናብ ረብሓኦም ከምዝቕይርዎ ንታሪኽ ኒክ ስኪነር ብምንባብ ዝኾነ ሰብ ኣብ መጻወድያ ኣምልኾን መቑሕ ፋሽስታዊ ውድባትን ከምዝኣቱ ክትርድኡ ተስፋ እገብር።ብልዑል ናይ ኣዘራርባ ክእለትን ግርማ ሞጎስ ብዘለዎም መራሕቲን ተጎልቢቦም ነቶም ኣባላት ብሉጽ ሞራል ብዝመስል ኣቀራርባን ራእይን የስድዕዎም።እቲ ቀንዲ ኣገባብ ምምልማል ድማ ብምትላልን ናብ ረብሓኻ ምቕያርን ዝቐንዐ ኢዩ።እቶም ዝምልመሉ ሓቀኛ ባህርይ ወይ ዕላማ እቲ ጉጅለ ኣይንገሩን ኢዮም።ብኣንጻሩ መልመልቲ ከም ቅቡላትን፡ጸቕጢ ዘይገብሩን ፍሱሃትን ኮይኖም ይቐርቡ።መልመልቲ  ንውሱን ዕላማ ወይ ድሌት ናይ እቶም ዝምልመሉ  ሰባት ብምንጻር ጥራይ መሳርሒ ይገብርዎም።ነቲ ንሰብ ዘስግኦን ድኹም ጎድኑ ብምውሳድን መለኽቲ ንድሌትን ትጽቢትን እቲ መሳርሒ ዝገብርዎ ከም ዝፍጽሙ ኮይኖም ይዋስኡ።

ዳርጋ መብዛሕትኦም መለኽቲን ፋሽስታዊ ውድባትን ካብ ኣባላቶም፡ቅጥዒ ኣለባብሳ፡መንፈሳዊ ጽንብል፡ሰሌዳ ጊዜ፡መዝሙርን ጭርሖን፡ናይ ሰማእታት ፍሉይ ሃገራዊ መዝሙርን ባንዴራን ይጠልቡ..እዚ

ገለ ዶ የዘኻኽር?

ብፍላይ ድማ ልዑል ተወፋይነት፡ጊዜ፡ ገንዘብ፡ደገፍ ካብ ተመልመልቲ እቲ ፈጣሪ ዝሃቦም ናጽነትን ይጠልቡ።

ኣምልኾ ንናጻ ኣተሓሳስባኻ ይዘምተካ፡እዚ ኢዩ ብኣጠቓላሊ ህግዲፍ ዝገብሮ ዘሎ።

 

ይቕጽል..

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • samsom March 25, 2013

    biteami sibuk sirah amanuel eyasu yikun feven selemun komu wen tshafi ezi sihuf ziweso yebilun werki emo keribina ena hzibna minikah kia wesani sile zikone kifiat ezi telam sirat ezi tetekeshihu malet ab hangol hzibina kemziatu tegerina ,telam siriat hgdef ab kereba giziee misidafu ayterifon eyou shelew tibel adue

  • David March 25, 2013

    “ብኣጸዋውዓ ህግዲፍ ምዕራፋት ዝበሃላ ጨናፍር ኣለዋ። ”

    neti nay CHAPTER zbl qal trgum diKa ” b’aSewaw’A HGDEF ” tblo zeloKa??? kkkkkkkkkkkkk

    smerrino, bqn’at nebsKa keytQetl netom kemaKa z’ameselu akhlabat Woyane Halwuni belom::

  • birhane March 26, 2013

    which remind me of Hitlers qoutes
    *”By the skillful and sustained use of propaganda, one can make a people see even heaven as hell or an extremely wretched life as paradise”
    *”If you tell a big enough lie and tell it frequently enough, it will be believed”

POST A COMMENT