Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

2ይ ስሩዕ ጉባኤ ማሕበር ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር፣ ጨንፈር ስቶክሆሎምን ከባቢኣን ብዓወት ተዛዚሙ።

2ይ ስሩዕ ጉባኤ ማሕበር ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር፣ ጨንፈር ስቶክሆሎምን ከባቢኣን ብዓወት ተዛዚሙ።   ማሕበር ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ኤርትራ ጨንፈር ስቶክሆልምን ከባቢኣን 2ይ ዓመታዊ ጉባኤ ዕለት 01 መጋቢት 2014 ኣካይዱ። ኣዳላዊት ኮሚቴ፣ ጉባኤ ንምዕዋት ዝመጹ ተሳተፈቲ ምስጋና

2ይ ስሩዕ ጉባኤ ማሕበር ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር፣

ጨንፈር ስቶክሆሎምን ከባቢኣን ብዓወት ተዛዚሙ።

 

ማሕበር ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ኤርትራ ጨንፈር ስቶክሆልምን ከባቢኣን 2ይ ዓመታዊ ጉባኤ ዕለት 01 መጋቢት 2014 ኣካይዱ።

ኣዳላዊት ኮሚቴ፣ ጉባኤ ንምዕዋት ዝመጹ ተሳተፈቲ ምስጋና ኣቕሪባ። ብዝክረ ሰማእታት ጉባኤ ከፊታቶ። ኣዳላዊት ኮሚቴ ጉባኤ ንምክያድ ዝተዋባ ሓላፍነት ኣኽቢራ፣ ዝግባእ ጻዕሪ ኣካይዳ፣ ንጉባኤ ክዝተየሎም ዘለዎ ንድፊ ኣጀንዳ /ዛዕባ/ ዝርዝራቱ ኣቕሪባ። ምልኣተ ኣኼባ ድማ ሕጋውነት ከምዘለዎ ኣረጋጊጻ።

ጉባኤኛ ብኣዳላዊት ኮሚቴ ብቐደም ተኸተል ዝቐረበ ንድፊ ጉባኤ፣ በብኣርስቱ ብዕቱብ ዘትዩ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ንኣጀንዳ ኣዳላዊት ተቐቢሉ ኣጽዲቕዎ። ክትመርሕ ዝጸንሔት መሪሕነት ጸብጻባ ንጉባኤ ኣቕሪባ ሓላፍነታ ኣውሪዳ። ተቕጻጻሪት ኮሚቴ ብወገና ጸብጻባ ንጉባኤ ኣረኪባ ተሓታትነታ ኣረጋጊጻ ሓላፍነታ ኣረኪባ። ኣዳላዊት ኮሚቴ ነቶም ብተወፋይነት ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣባላት ንጻዕሮም ኣመስጊና፣ ዕምባብ ኣወፍያትሎም።

ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ብወገና፣ ዝተዋህባ ዕማም ፈጺማ፣ ጸብጻባ ኣረኪባ፣ ተሓታነታ ንጉባኤ ኣረጋጊጻ ስልጣና ኣረኪባ፣ መድረኽ ንጉባኤኛ ገዲፋ።

ንጉባኤ እትመርሕ ሰለስተ ኣባላት ዘለዋ ሰክረታርያ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ተመሪጻ። ጉባኤኛ ኣቐዲሙ ብኣዳላዊት ኮሚቴ ዝቐረበ ንድፊ ኣጀንዳ ጉባኤ ብቐደም ተኸተል በብኣርስቱ ብዕቱብ ዘትዩ። ጉባኤ ዝለዓለ ሕጋዊ ስልጣን ማሕበር ስለዝኾነ፣ ኣብ መስርሕ ዝነበሩ ምዕባሌ ማሕበር ይኹን ንጉባኤ ዝምልከቱ ዘይተፈትሑ ገለ ጉዳያት ብዕምቖት ዘትዩ። ዘድሊ ምምሕያሽ ገይሩ ንጉዳያት ፈቲሑ፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ውሳኔታቱ ኣሕሊፉ።

ካብ ላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ዝነበሩ፣ ክሓትት ምስተፈቐድሉ፣ ሰክረታሪያ መሰሉ ኣኽቢራ ክሓትት ኣፍቒዳትሉ። ንነብሱን ገለ ካልኦትን ዝውክል ጽሑፍ ኣንቢቡ። ትሕዝቶ ጽሑፎም ድማ፣ ኣብ ኣካይዳ ናይ ማሕበር ዕግበት ስለዘይብልና፣ እንመርጾ ካልእ ናይ መቃልሲ ማሕበር ስለዘለና፣ ካብዛ ዕለት’ዚኣ ኣባልነትና ስሒብና ኣለና ዝብል፣ ብወግዒ ንጉባኤኛ ብጹሑፍ ኣንቢቡሉ። ንሱን ገለ ካልኦትን ድማ ካብ ጉባኤ ብድሌቶም ወጺኦም። ጉባኤኛ ንምርጭኦም ኣኽቢሩ፣ ሰናይ ናይ ቃልሲ ጉዕዞ ተመንዩ ኣፋነዎም።

እቲ ጉባኤ ግና ብስሩዕ ኣገባብ ቐጺሉ። ንሕሉፍ ኩነታት ማሕበር ገምጊሙ፣ ክምዕብሉ ዝድለዩ ይኹን ምምሕያሽ ዘድልዮ ጉዳያት ብክትዕ ኣብሲሉ ውሳኔታቱ ኣሕሊፉ።

ጉባኤኛ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዘጽደቖ ናይ ስራሕ መደባቱ ኣብ ግብሪ ትፍጽም፣ ሽሞንተ ዝኣባላታ መሪሕነት መሪጹ። ካብኦም ሓሙሽተ ቖወምቲ፣ ሰለስተ ድማ ተጠባበቕቲ እዮም። እዛ ሓዳስ መሪሕነት ስልጣና ንሓደ ዓመት እዩ። ንዝመጽእ ሳልሳይ ጉባኤ ድማ ተሓታትነታ ከተረጋግጽ ከምዝግብኣ ጉባኤ ወሲኑ።

ጉባኤኛ ንሓዳስ መሪሕነት፣ ብጉባኤ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተወሰኑ ጉዳያት፣ ካልእ ምስ ግዜ ዝኽሰቱ ምዕባሌታትን ኣዛሚዳ፣ ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ንክትመርሕ ሕድርን ሓላፍነት ኣሰኪሙዋ። ሃነጽቲ ምኽርን ለበዋታት ሂቡ፣ ዕዉት ናይ ስራሕ ኣስላጦ ክህልዋ ድማ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ።

2ይ ጉባኤ ብዝተመደሉ ግዜ ተኻይዱ፣ ንሕሉፍን ህሉው ኩነታት ሃገርና ገምጊሙ፣ ንመጻኢ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣሕሊፉ፣ ኣብ መወዳእታ ብዝኽሪ ሰማእታት ተዛዚሙ።

ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ቃልሲ ኤርትራ !

ዓወትና ብቓልስና ከነረጋግጾ ኢና !

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Haben March 12, 2014

    Well done and keep it up. You will definitely achieve you goal,in a short period of time.

  • Okubay March 12, 2014

    እንታይ ዶረን ዶረን እዩ አንታ እዚ ነርና እኮ አብ ጉባኤ ቢመጀመርያ እቶም ዝነበሩ መሪሕነትን እቶም ብወገንን ጸቢብነቲን ዘይአምኑ ሊዒልይ ፍርቂ ደቂ ማሕበርን እዮም ተሲኦም ወጺኦም ሓደ ወዲ ማሕበርና እንታይ ዲዮ ኢሉና ነብሲና ንሕክኽ ራአዩዋ እሞ እዛ ገዛ በዓል መን ተሪፍና ኢሉና ኢሉ ክሓተና ረሲዕኩም ዶ

    እንተ እታ ዝነበረት ሽማጊለ እሞ ተጻዊታትልኩም እያ ንስኩም አብ ገንዘበን ሰልጣንን ሃረምረም ክትብሉ አብ ቂድሚ እቶም ጠፋእና ርድኡና ኢልኩም ዘምጻእኩሞምን አብ ልዕሊ መናእሰይን አበይትን ደለይቲ ፊትሒ በዚ ዓመት እዚ ክምለስ እዩ ዘይባሃል ፖለቲካዊን ጸቢብ አተሓሳስባኹምን ክሳራ አክሲራትኩም እያ ከይዳ

    ኡቁባይ ስቶክሆልም

  • Okubay March 12, 2014

    ሓሶቲን ቆርበቲን እንዳ ሓደረ ይፎኪስ ተሰተሩ እስኪ ኩሉ ሰነዳት አለዎም አብዚይ ከይዲርጉህዎ

  • ermias March 12, 2014

    What is going on with “SMRET” ?
    I dont thik they are telling us the trues.
    Just a good news as usual like ERI/TV or?

    Lets wait……

  • Munir March 12, 2014

    gudamat Hasewuti Anta kindey yiHsuwu eziatom Oaunina nziraAyo neger kindzi ziHsuwu nizeyraAnayo entay kiblunaa eyom. gin eti xubuqu kula gedifatom miskedet hiji beynKa terifka deqi hade kebabi kebaHbaH eya.
    kitkewun.

  • Daniel 9metaabity) March 12, 2014

    ብሓቂ ዘሕዝን ተርኽቦታት ናይ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር

    ደብዳቤ ኣባላት ኣካያዲት ባይቶን ፈጻሚትን ጨንፈር ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ኣብ ከተማ ስቶክሆልምን ከባቢኡን፡
    http://erigazette.org/?p=7684

  • Zufana March 12, 2014

    All the best for “Mahber semret Meneseyat in Stockholm” or anywhere else in the world.
    The young generation of Eritrea needs to learn better conflict resolution skills than resorting
    to kalashnikovs (like hgdefs style) and violent uprisings.

  • Kabire March 12, 2014

    The people of Asmara said today: btsay wuchu rHus is already reporting from heaven. It has been raining the whole week unusually during tsome Arb’A all over Kebesa. Today’s rain was including hail storm all over Hamassien and the rivers are flooding.
    Thank you Wuchu rHus

    Asmara witnesses ice rain of extensive distribution

    Asmara, 12 March 2014 – Asmara city witnessed an ice rain of extensive distribution today in the afternoon hours, local time.

    Subsequently, a number of streets of the city experienced heavy flooding and ice clusters of 1-meter height in some cases, thus giving rise to traffic jam.

    A significant amount of rainfall has been registered in the capital city and its environs since last week, today’s gauge being highly exceptional.

  • hawileito March 13, 2014

    Whether you like or not kalsi simret qalsi hizbi iyu. qalsi hizbi dma bguhilatat kihme nay gidn iyu. Etom laelewot merihnet neber nsmret kiserquwa ziguayeyu zneberu nnebsom wen kiwiklu zeykielu mkaunom rienayom. abzi lomi gizie awrajawi, xebibnet endabelka qalat higdef mzimar higdefawi kemzigebreka aytiresie.

    To me we know who left and why. We know who is behind them and who are the main actors. We will take your accusation in erigazette.org as serious as possible. I don’t think you can claim as members of EYSNS any more. EYSNS enda suwa aykonen entedelekum kitxerfuwo entedelekum yelenan kitiblu entedelekum kitmilesu.

    My advice to you is keep struggling to create your own mahber where you think you belong. Find half Eritreans like you.

  • Ermias March 13, 2014

    ካበይ ናበይ፤

    እዚ ጉባኤ’ዚ ንናይ ስምረት ዕላማታት ዘርዊ ፤ ንሓድነትን ረብሓታት ህዝብን ዝማጎትን ይግደስን ኣይኮነን ኣንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን:: የግዳስ ኣብ ጽቢብ ዕላማታት ተቖሪኑ ነቲ በድሮ ብቤት/ጽሕፈት ፈጻሚት ዝተራእየ ጉጉይን ዘይምዕቡልን ኣካይዳ ዝደግም እዩ:: ጭቡጥ መረጋገጺ ናይዚ ድማ እቲ ኣብ ደብረዘይት ዝተመባጻሃሎም ክልተ ዕላማታት ስምረት ኣብ ተግባር ብዘይምውዓሉ እዩ:: ቀዳማይ መብጽዓ ምጥርናፍ ናይ ዝተፈላለያ ናይ መንእሰያት ማሕበራት ካልኣይ ድማ እቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክተግብሮ ዝተዋህበ ሓላፍነት ጉባኤ ስምረት ኣበርዒኑ ምትራፉ እዩ::

    ነዘን ክልተ ኣገደስቲ ዕላማታት ከተግብር ዘይበቐዐ ፈጻሚ/ቤትጽሕፈት ሕጂውን ስምረትን ሓድነትን ከም ቀዳማይ ዕላምኡ ሰሪቱ ኣብ ዓወት ከብጽሕ’ዩ ዝብል ትጽቢታት የብለይን::

    ምሽም ስምረትን ሓድነትን ኣንዳመኽነኻ ዝግበር ጸቢብ ፖሎቲካ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ዘሰልቸዎን ዘረብረቦን ምኹዋኑ መሪሕነት ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ክርድኦ ይግባእ:: እቲ ዝኸፈአ ታሪኽ ናይ ውድባት ኤርትራ ምድጋም ከኣ ኣብ ሙሽሙሽ ፖሎቲካ ተጨማሊቕካ ዕድላት ህዝብን ሃገረ ኤርትራን ምብኻን ጥራሕ እዩ::

POST A COMMENT