Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

2ይ ስሩዕ ጉባኤ ማሕበር ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር፣ ጨንፈር ስቶክሆሎምን ከባቢኣን ብዓወት ተዛዚሙ።

2ይ ስሩዕ ጉባኤ ማሕበር ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር፣ ጨንፈር ስቶክሆሎምን ከባቢኣን ብዓወት ተዛዚሙ።   ማሕበር ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ኤርትራ ጨንፈር ስቶክሆልምን ከባቢኣን 2ይ ዓመታዊ ጉባኤ ዕለት 01 መጋቢት 2014 ኣካይዱ። ኣዳላዊት ኮሚቴ፣ ጉባኤ ንምዕዋት ዝመጹ ተሳተፈቲ ምስጋና

2ይ ስሩዕ ጉባኤ ማሕበር ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር፣

ጨንፈር ስቶክሆሎምን ከባቢኣን ብዓወት ተዛዚሙ።

 

ማሕበር ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ኤርትራ ጨንፈር ስቶክሆልምን ከባቢኣን 2ይ ዓመታዊ ጉባኤ ዕለት 01 መጋቢት 2014 ኣካይዱ።

ኣዳላዊት ኮሚቴ፣ ጉባኤ ንምዕዋት ዝመጹ ተሳተፈቲ ምስጋና ኣቕሪባ። ብዝክረ ሰማእታት ጉባኤ ከፊታቶ። ኣዳላዊት ኮሚቴ ጉባኤ ንምክያድ ዝተዋባ ሓላፍነት ኣኽቢራ፣ ዝግባእ ጻዕሪ ኣካይዳ፣ ንጉባኤ ክዝተየሎም ዘለዎ ንድፊ ኣጀንዳ /ዛዕባ/ ዝርዝራቱ ኣቕሪባ። ምልኣተ ኣኼባ ድማ ሕጋውነት ከምዘለዎ ኣረጋጊጻ።

ጉባኤኛ ብኣዳላዊት ኮሚቴ ብቐደም ተኸተል ዝቐረበ ንድፊ ጉባኤ፣ በብኣርስቱ ብዕቱብ ዘትዩ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ንኣጀንዳ ኣዳላዊት ተቐቢሉ ኣጽዲቕዎ። ክትመርሕ ዝጸንሔት መሪሕነት ጸብጻባ ንጉባኤ ኣቕሪባ ሓላፍነታ ኣውሪዳ። ተቕጻጻሪት ኮሚቴ ብወገና ጸብጻባ ንጉባኤ ኣረኪባ ተሓታትነታ ኣረጋጊጻ ሓላፍነታ ኣረኪባ። ኣዳላዊት ኮሚቴ ነቶም ብተወፋይነት ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣባላት ንጻዕሮም ኣመስጊና፣ ዕምባብ ኣወፍያትሎም።

ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ብወገና፣ ዝተዋህባ ዕማም ፈጺማ፣ ጸብጻባ ኣረኪባ፣ ተሓታነታ ንጉባኤ ኣረጋጊጻ ስልጣና ኣረኪባ፣ መድረኽ ንጉባኤኛ ገዲፋ።

ንጉባኤ እትመርሕ ሰለስተ ኣባላት ዘለዋ ሰክረታርያ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ተመሪጻ። ጉባኤኛ ኣቐዲሙ ብኣዳላዊት ኮሚቴ ዝቐረበ ንድፊ ኣጀንዳ ጉባኤ ብቐደም ተኸተል በብኣርስቱ ብዕቱብ ዘትዩ። ጉባኤ ዝለዓለ ሕጋዊ ስልጣን ማሕበር ስለዝኾነ፣ ኣብ መስርሕ ዝነበሩ ምዕባሌ ማሕበር ይኹን ንጉባኤ ዝምልከቱ ዘይተፈትሑ ገለ ጉዳያት ብዕምቖት ዘትዩ። ዘድሊ ምምሕያሽ ገይሩ ንጉዳያት ፈቲሑ፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ውሳኔታቱ ኣሕሊፉ።

ካብ ላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ዝነበሩ፣ ክሓትት ምስተፈቐድሉ፣ ሰክረታሪያ መሰሉ ኣኽቢራ ክሓትት ኣፍቒዳትሉ። ንነብሱን ገለ ካልኦትን ዝውክል ጽሑፍ ኣንቢቡ። ትሕዝቶ ጽሑፎም ድማ፣ ኣብ ኣካይዳ ናይ ማሕበር ዕግበት ስለዘይብልና፣ እንመርጾ ካልእ ናይ መቃልሲ ማሕበር ስለዘለና፣ ካብዛ ዕለት’ዚኣ ኣባልነትና ስሒብና ኣለና ዝብል፣ ብወግዒ ንጉባኤኛ ብጹሑፍ ኣንቢቡሉ። ንሱን ገለ ካልኦትን ድማ ካብ ጉባኤ ብድሌቶም ወጺኦም። ጉባኤኛ ንምርጭኦም ኣኽቢሩ፣ ሰናይ ናይ ቃልሲ ጉዕዞ ተመንዩ ኣፋነዎም።

እቲ ጉባኤ ግና ብስሩዕ ኣገባብ ቐጺሉ። ንሕሉፍ ኩነታት ማሕበር ገምጊሙ፣ ክምዕብሉ ዝድለዩ ይኹን ምምሕያሽ ዘድልዮ ጉዳያት ብክትዕ ኣብሲሉ ውሳኔታቱ ኣሕሊፉ።

ጉባኤኛ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዘጽደቖ ናይ ስራሕ መደባቱ ኣብ ግብሪ ትፍጽም፣ ሽሞንተ ዝኣባላታ መሪሕነት መሪጹ። ካብኦም ሓሙሽተ ቖወምቲ፣ ሰለስተ ድማ ተጠባበቕቲ እዮም። እዛ ሓዳስ መሪሕነት ስልጣና ንሓደ ዓመት እዩ። ንዝመጽእ ሳልሳይ ጉባኤ ድማ ተሓታትነታ ከተረጋግጽ ከምዝግብኣ ጉባኤ ወሲኑ።

ጉባኤኛ ንሓዳስ መሪሕነት፣ ብጉባኤ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተወሰኑ ጉዳያት፣ ካልእ ምስ ግዜ ዝኽሰቱ ምዕባሌታትን ኣዛሚዳ፣ ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ንክትመርሕ ሕድርን ሓላፍነት ኣሰኪሙዋ። ሃነጽቲ ምኽርን ለበዋታት ሂቡ፣ ዕዉት ናይ ስራሕ ኣስላጦ ክህልዋ ድማ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ።

2ይ ጉባኤ ብዝተመደሉ ግዜ ተኻይዱ፣ ንሕሉፍን ህሉው ኩነታት ሃገርና ገምጊሙ፣ ንመጻኢ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣሕሊፉ፣ ኣብ መወዳእታ ብዝኽሪ ሰማእታት ተዛዚሙ።

ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ቃልሲ ኤርትራ !

ዓወትና ብቓልስና ከነረጋግጾ ኢና !

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • McKefa March 13, 2014

    Simret Bzuhnet zekatete Ab melae alem zelew zisatefwo haqeGna mesmer yu….Eti Zehzin Biniam Debesai EMC elu zimesreto 10 zeybeziHu teweledti Deqi Seraye bzeykewin hasot Adenagiru…Hayle Menqeriosn Meriyiem Umer zeleAkiwo ketegbr..Niyimsel Nfozia Hasen Ab qidmit gerka Simret kemzitebetene Gerom kitsawetu yifitnu alew…

  • osman March 16, 2014

    ሰላማት ያ ጀምዓ
    ከመይ ቀኒኹም ኣነስ ብጣዕሚ ኢዩ ኮ ዝገርመኒ ሰብስኒ ካብ ብኣካል ዝረኣዮስ ብወረ ዝሰምዖ ዝያዳ ሓቀኛ ምስክር ኮይኑ ክቐርብ ይፍትን ኣነ ሓደ ካብቶም ኣብ ጉባኤ ዝተሳተፍኩ ኢየ። ካብ መጀመርታያ ክሳብ መወዳእታ ድማ ኔረ ካብቲ ኣዝዩ ዝምስገንን ዘሕጉስን ስራሕ ዝረኣኹዎ ድማ መሪሕነት ኣብ ጉባኤ ጸብጻቦም ኣቕሪቦም ካብ ሓላፍነት ነጻ ምስተባህሉ፣ ኣብ ኣካይዳ ማሕበር ዝነበሮም ዘይዕግበት ብትብዓት ገሊጾም ቀጺሎም ድማ ኣባልነቶም ብምስሓብ ካብ ኣኼባ ወጺኦም እዚኦም 4ተ ሰባት ኢዮም ካልኦት 2ተ ድማ ደድሕሪኦም ዘይዕጉባት ምዃኖም ተዛሪቦም ወጺኦም ድሕሪዚኦም ድማ ካልኦት 3ተ ብዘይዝኾነ ምኽንያት ንዕዖም ዝመስሉ ስለዝወጹ ጥራሕ ካብ ኣኼባ ወጺኦም ናብ ናብቶም ኣቐዲሞም ዝወጹ ተጸንቢሮም ብጠቕላላ 9ተ ሰባት ወጺኦም ጠቕላላ ተሳተፍቲ ድማ ከባቢ 46 ኔሮም። ያ ጀምዓ መን ኢዩ ኣብዚ ወገናዊ ዝጽዋዕ እቶም ብዙሓት መምጽኢ ጉዳዮም ፈሊጦም ክሳብ መፈጸምታ ጉባኤ ብስነስርዓት ዝጸንሑ ወይስ እቶም ንዕዖም ዝመስሉ ምስ ወጹ ጉባኤ ገዲፎም ዝወጹ እስከ ብዓይኒ ሕልናኹም ፍረዱ ካብቲ ጸቢብ እተሓሳስባ ወጺእኩም፣ ኣነ ባዕላይ ካብቶም ዘይዕግቡባት ኢየ እንተኾነ ነቲ ዘምጻኣኒ ዓቢ ጉዳይ ገዲፈ ተለኪመ ዝወጽእ እንተኾይነ ዘምጽእ እውን ኣይምስነበረንን ከይመጻኩ ክሓቶም ይኽእል ኔረ። ስለዚ ብፍላይ ገለ ገለ ሰባት ብዛዕባዚ ጉዳይ ሕማቕ ክጽሕፉ ምስ ረኣኹ ዒብ ክብሎም ኢየ ተበዚሰ ካብዝገርመኩም ብሕጊ ማሕበር ገበነኛታት ከለውስ ንኻልኦት ክፈርዱ ጽቡቕ ኣይኮነን ብፍላይ ድማ ኣብቲ ኣባላት ኣብዝነበርሉ ግዜ ናይ ኣባልነት ግቡእ ዘየማልኡ ከይኣክል ማሕበር ግዲፍናዮ ክብሉ ከለዉ እውን መባዝሕቲ መታን ክኾንኦም የዕርኽቶም ዝነበራ ፎርም ናይ ኣባልነት ዘየማልኣ ኣባላት ከምዝነበራ ጌሮም ኣሽማተን ኣሽማቶም ኣመዝጊቦም ዝሰደዱ ኢዮም። ስለዚ መጀመሪያ ሓደ ሰብ ናይ ኣባልነት ግዴታ ምስ ኣማልኤ ናይ ኣባልነት መሰሉ ድማ ይሕሎ ድሓር ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ክህልወና ብወገነይ ቅቡል ኢዩ እዚ ማለት ግና ኣንጻር ወይ ተጻረርቲ ኣየስምዕን። እዞም 9ተ የሕዋት ብዓንና ክወጹ ዝረኣናዮም ድማ ኣድላዪ እንተኾይኑ እውን ኣስማቶም ክዝርዘሩ ይከኣል ኢዩ ምኽንያቱ ስለምንታይ ኢና ንሓቂ ሸፊናያ ክንከይድ ንፍቲን ኣይርድኣንን ኢዩ። እሳቶም ድማ ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልኩዎ ተባዓት ኢዮም ሓሳባቶም ኣብ ቅድሚት ወጺኦም ብድፍረት ዝገለጹ ኢዮም።እቲ ዘይነበረን ዘይወዓለን ነቲ ጉዳይ ካልእ መልክዕ ከትሕዞ ክፍትን ከሎ ኢዩ ዘሕርቐካ። ነቶም ከምዚ ዓይነት ባህርያት ዘለኩም ብፍላይ ኣቀዲምና ንፈልጠኩም መን ምዃንኩም ዒብ እብለኩም።

  • osman March 16, 2014

    ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኩነታትኩም ተዓዚበዮ ኢየ ኣዚኹም ጸበብቲ ተበለጽቲ ብፍላይ ገሌኹም ብመንነትኩም ዘይትኾርዑ ሽግር ናይ መንነት ዘለኩም ኢኹም። ኣነ ሰብ ብምርጫ ከምዘይውለድ ኣጸቢቐ ይኣምንን ይፈልጥን ኢየ ስለዚ ትውልደይ ካበይ ኢዩ ብዘየገድስ ሓቅነተይን ቅንዕናይን ኢዩ ዘኽብረኒ። ተመሃሩ ለብሙ ብመንነቱ ዘይኮርዕ ፍጥረት ድማ ደንቆሮ ኢዩ።

Post a Reply to osman Cancel Reply