Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ እንዳ ህግደፍ’ስ ዘይተነግረ’በር ዘይተገብረ የሎን !!!

ትማሊ ምስ ሓደ ዓርከይ ቡን ኪንሰቲ ተቛጺርና ፡ ቡን’ና እንዳሰተናን ፡ እንዳዕለልናን ከለና እዩ ኣዚዩ ዘስደምም ዕላል ኣዕሊሉኒ። ከምትፈልጥዎ ብዘበልካ ኣቢልካ ፡ ዘየደቅስ ሕዱር ሕማም ናይ ሃገርና ከይተንከፍና ወይ ከይልዓልና ዳርጋ ዝሓለፍናሉ መዓልቲ የሎን እንተበልኩ ምግናን

ትማሊ ምስ ሓደ ዓርከይ ቡን ኪንሰቲ ተቛጺርና ፡ ቡን’ና እንዳሰተናን ፡ እንዳዕለልናን ከለና እዩ ኣዚዩ ዘስደምም ዕላል ኣዕሊሉኒ።

ከምትፈልጥዎ ብዘበልካ ኣቢልካ ፡ ዘየደቅስ ሕዱር ሕማም ናይ ሃገርና ከይተንከፍና ወይ ከይልዓልና ዳርጋ ዝሓለፍናሉ መዓልቲ የሎን እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን።

መቸም ኣብ ዕላልና ከሎና ብገል ኣቢልና ካብ ሓደ ኣርእስቲ ናብ ሓደ ኣርእስቲ ዕላል ማለት ናብቲ ዘየደቅስ ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ሓዲሽ ኣርእስቲ ከፈትና።   ተመክሮኡ ኣብ ግንባር ዓሰብን ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራትን  ኣብዝነበረሉ ምስ ክፍለሰራዊት 29 ብርእሲ ምራኽ ብዝፍለጥ መራሕ ክፍለሰራዊት ትመሓደር ኣሃዱ  ኮይና ኣብ 3ይ ብርጌድ 2ይ ቦጦሎኒ 3ይ ሓይሊ  እንከሎ ድሕሪ ወራራት ወያኔ ኣስሒቡ ኩሉ ምስተረጋግኤ፡ ማለት ዝስዋእ ተሰዊኡ ዝውጋእ ምስተወግኤ ፡ ኩሉ ቦቦቱኡ ምስ ሓዘ፡ ናይ ፋይናንስ (finance)  ናይ ታ ኣሃዱ ደሞዝ ወይ ብናይ ጁባ ዝፍለጥ ክኽፈሉ ምስ ተኣከቡ መርድእ ዝኾነ ነገር ኣስሚዖሞም።

ሕጂ እቶም ካብ መስዋእቲ ዝተረፍኩም  ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት፡ ኩሉኹም ዕዳ ናይ ስውኣት ተጋደልቲ ቅድሚ ምስውኦም ካብ መንግስቲ ዝተለቅሕዎ ገንዘብ ዘይተኸፍለ ዕዳ ናይ መንግስቲ ገዲፎም ስለ ዝተሰዉኡ ፡ እዚ ዕዳ ‘ዚ ባኣኻትኩም ብሓይልታት ምክልኻል ንክጥወር ትእዛዝ ካብ ላዕሎዎት ሓለፍቲ ተመሓላሊፉ ኣሎ።  ስለ’ዚ ኣብ ወርሒ  ካብ ደሞዝኩም ብምቁራጽ ፡ እዚ ዕዳ፡ ንመንግስቲ ከነሕውዮ ኢና ምስ በለ ብዙሓት ዒምም ከም ዝበሉ ካብ ዒምም ናብ እምቢ ዘይምስጋራ ግን ብጣዕሚ ሓዘን ተሰሚዑኒ ይብል። ብድሕሪኡ በብታራ እንዳ ፈረሙ ነቲ ዝተፈረድዎ ጎዶሎ ደሞዝ ወይ ናይ ጁባ ገንዘቦም ተተቀቢሎም ክወጹ ተራኢዮም ይብል።

ብታህዋኽ ፡ ናይ ስዉኣት ዕዳ እኮ ኢኻ ትብል ዘሎኻ ፡ ማለት መንግስቲ ዕዳ መስዋእቶም ክኸፍል ወይስ ፡ ስውኣት ዕዳ መንግስቲ ክኸፍሉ? ክብል ሓተትክዎ ፡ ብዝኾነ ይኹን መትሓዚን መጨበጢን ስለ ዝሰእንኩሉ!!! ። ካብዚ ብምቅጻል ኣብ ባሕሪ ሓሳብ ጢሕለ ስቅ ኢለ ንክሰምዕ ጥራሕ መረጽኩ፡ ነገሩ ግን ኣዚዩ ተሓዋወሰኒ ። እሞከኣ ዕዳ ናይ ስዉኣት !! እንደገና ኣብ ኣዚዩ መትሓዚ ዘይብሉ ባሕሪ ሓሳብ።

ዓርከይ እንዳተዛረበ ኣብ ሓሳበይ ሓንቲ ነገር ጥራሕ ትመላለሰኒ ኔራ፡ ንሳ ከኣ እዞም መሳኪን ስዉኣት እኮ ብገንዘብ ዘይትትመን ሊዕሊ ኩሉ ነታ ሓንቲ  ዝውንንዋ ሂወቶም ንህዝቦምን ንሃገሮምን ኢዮም ከፊሎም ። ማለት ሃገሮም ክንብል ከሎና’ኳ ን’መንግስቶምን ን’ህዝቦምን ማለትና ዶ’ኣይኮነን? ክብል ባዕለይ ንባዕለይ ሓተትኩዋ።

ዓርከይ ዘረቡኡ ብምቅጻል፡ ብረት ሒዝና ንሞት ዝተቀረብና ካብ መንግስቲ እንዳ ፈራሕና ኢና ንነብር ኔርና ፡እሞ ደኣ መስኪን ህዝብና እንታይ ክገብር። ካብተን ቅሩብ ቅራቦ ዝህቡና ደሞዝ ኣብ ወርሒ መጸ እንዳ ወሰዱ ተዓዲዮሞ ዝተሰዉኡ፡ ዕዳ ስውኣት ከፊልና፡ ስርዓት ህግደፍ ከኣ ገንዘቡ ተቀቢሉ ቡኡ ተፋነወና  ይብለኒ’ሞ ኣዚዩ ኣግረመንን እቲ ኩሉ ረሳሕ ተግባራት ጃንዳ ህግደፍ እንደገና ተሓደሰኒ። እንደገና ንቁሩብ ግዜ ዝን ብምባል ነቲ ኩነታት

ክድህስሶ ፈተንኩ ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት’ስ ከምዚ ምስትንክር ናይዚስርዓት’ዚስ ይግበር ዶኾን ይኸውን እንተ ዝርከብ’ከ እንታይ ካብ’ዚ ኩነታት ሃገርና ዝተፈለ ክግበር ምረኤና ፡ ክብል ንነብሰይ ብተደጋጋሚ ሓተትኩዋ።

እንደገና እቲ ናይ ደገ ወጃዕጃዕ ዝገብሮ ንረኣዩለ ስምዕለይ  ናይ 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣት እንዳበለ ንልቢ የዋሃን ክሰልብ ኣብ ፈቆዶ ጎቦታትን ጎላጉልን ኣእዕጽምቲ ሰማእታት ክኣሪ ዘርኢ ናይ ፈንጠዚያ ኣብ ቲቪ ኤሪ (TV ERI) ዝገብሮ ተዋስኦ ቅጂል ኢሉ ተራኣኒ፡ ሰማይ ዝዓረገ ንዕቀቱ ኣብለጭሊጩ’ውን ኣብ ገጸይ ተደቀነ።  ብጣዕሚ ከኣ ሓዘንኩ ፡ ናይ ኩሎም ቤተሰብናን ኣሕዋትናን ኮንቱ መስዋእቲ’ውን ንልበይ ኣነደሮን ንስምዒተይ ናህሪ ወሰኸሉ።

ስዉእ ክሳብ ክንዲዚ ክጥለም ፡ ስዉኣት ንዘለኣለ መኒኖም ንድሕነት ህዝቦም እታ ክብርቲ ሂወቶ እንዳ ከፈሉስ እንደገና ኣብ ቲሕቲ ጉድጓድ ኮንኩም ለቓሕ መንግስቲ ኪፈሉ? እሞ ለቓሕ መንግስቲ !!  ኣብ ዝብል ኣብ ናይ ሓሳብ ዕንደራ ኣተኹ።  ግን እንቋዕ ቅዱም ኣይትኹን ኣብ ምድረ ኤርትራ ኣብ ዝብል ገምጋም ኢየ ኪድምድሞ ዝፈተንኩ።

ገለ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ፡ መጺኡ ኣይፋልካን እዚ ስርዓት ኣይኮነን እኮ  “ስ” ጥራሕ እዩ ናይ ሰርዓት ምልክት ዘይብሉ ጎዶሎ። የግዳስ ኣበርቲዕካ ተቃለስ፡ እቲ ህዝባዊ መንግስቲን ህዝባዊ ማሕደራን ንስኻትኩ ምስተሳተፍኩሞ ኢዩ ኩውን ዝከውን። ንሕና ንሓቂን ንመትከልን ተሰዊእና ከዳዓት ጠሊሞምና ግን ሰፊሕ ህዝቢ ኣሎ ኩልሳዕ ሂወት ዝዘርኣልና፡ እቲ ንዝኣመንናሉ ራኢን ሕገ ስርዓትን ከተግብር ዝኽእል መንእሰይ ዎሎዶ ዝልዓል ዘሎ ትርእዮ’ዶ የለኻን ኢኻ? ሰለዚ ባና ሓርነት ዝኾነት ሽግ ናይ ህዝባዊ ማዕበል ተልዕል ዘላ ስምረታዊት ሓይሊ ሓፋሽ ኢስከ ኣስተውዕለላ ፡ ዝብሉኒ ዘሎዉ ኮኑ ይስምዓኒ፡ ሽዑ ካብ ሕልሚ ዝበራበር ዘለኹ ኪመስል ንህዋ ሰማይ ኣንቃዕሪረ ረኤኽዎ።  ተወፋይነቶምን ቅዮኦም ከም ጸሓይ ብርሃን ዘብለጭሊጭ ደሚቁ ተራኣየኒ። መወዳድርቲ ውን ሰኣንኩሉ። ብኡ መልክዕ ነቶም ዝመርሕዎም ዝነበሩ ሰብ መስል ተዃሉ በላዕቲ ሰብ ከም በዓል ርእሲ ምራኽ ፡ ከኣ ብደም ስውኣት ይጣልዑ ጥራሕ ዘይኮነ መሃብተሚኦም ይገብርዎ ኣለው ክብል ኣብ ዓቢ ናይ መርገም ፍርዲ ኣቀሚጠ ኣብ ናይ ጽባሕ መዓልቲ ሓርነት የራኽበና በልኩዎም።

ብፍላይ ከኣ ን’ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሰዓብቲ ህግደፋውያን ብዝገደደ መልክዕ ንዓቕኩዎም ።

እዚኦምስ ሓቆም ኢዮም ከም ዘመናዊ ሮቦት ሂወት ዘሎዎም ኪመስሉ ንሕና ንሱ ንሱ ናሕና እንዳበል ንዝነብሩ ኣዛዊሮም ክሪእዩ ዘይተዓደሉ ብምዃኖም ውን ሓዘንኩሎም። ብሓቂ ከኣ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ሰብ ብዛዕባ ከባቢኡን ፍትሒን ወይ ውን ብዛዕባ መሰል ኣዚሩ ክሓስብ ወይ ክሪኢ ትዕድሎቱ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ኢዩ ከኣ ብዓል ንዓይ ይጥዓመኒ ዘጸውዖም።

በቲ ሓደ ወገን’ውን ተቃወምቲ ኢና እንዳበልና ኣብ ማንታ መገዲ ንጉዓዝ።  ምናልባት እዚ ኩሉ ኮለል’ዚስ ጥልመት ናይ ስውኣትናን መርገሞምን  ከይከውን’ውን ይሰግእ።

ስለዚ ብሓቂ ከኣ ስዉእ ተጠሊሙ !!!!።

ተጠሊሙ ብመንግስቲ።

ተጠሊሙ ብሰራዊት፡

ተጠሉሙ ብህዝቢ!!!!!!።

ካብቲ ዝገርም ቲ’ሰራዊት ኩሉ ነገር ኣብ ኢዲ ከሎ ፡ ካብ ነብሰ ምፍታው ስዉኣቱ ባዕሉ ዝቀበሮም ከኣ ጠሊሙዎም።  ኣብ ግዜኡ ስለ ዘይሞጎተ እታ ሽግር ንዕኡ’ውን ኣይ ነሓፈቶን ፣

ብህዝቢ ወገን እንተተራኢዩ ውን ፡ እቲ ዘጣቅዕ ትዕድልቱ ንሳ ስለዝኾነት ካብ ምጥቓዕ ኣይ ክሓልፍን ኢዩ ፡ እንተ ናይ ተቓወምቲ ግን ናብቲ ጠላም ህግደፍ ኣትኲሩ ናይነዊሕ ፍታሕ ክንዲ ዝሕልንን ዘተኩርን ወይ’ውን ዘናዲን፡ ናብ ከምኡ ተቃለስቲ መኣዝኑ ኣቕኒዑ ብምሉእ ዓቕሙ ንኸምኡ ተቓለስቲ የጎናድብ ንምዕናዎም ይጋየን።  እምበኣር እዚ ምስ ኮነ ኢየ ስዉኣት ብኹሉ ተጠሊሞም ዘበለኒ።

ስለዚ ፡ ብሓቂ ካብ ንግሆኡ ስዉኣት ተጠሊሞም   !!!!!!

በራኺ ዮሃንነስ

November 24, 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Mokonen November 24, 2014

    ABU NRNA EMO AYSEMAENA AYREANA KOMU ZETEBAHALE SEB YELEN HASOT EU MENALBAT NAY GEZU EDA SIDRU KEFEL ELOMO KEYKONU ASSENNA.COM NAY HASEWETE MAEKEN KOYNA EFETWA NERE EMO LOMES KESELA JEMERE

  • dan November 24, 2014

    መኮነን
    ካብ ኣዘራርባኻ ኣብኡ ዝነበርካሞ ዝገደፍካዮም ትመስል ብዝኾነ ሓደ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ፈትዮም ክሳብ ዝጸልኡ ትቐጥቂጦም ሕጂ እንጀራ ስደት በሊዖም ምስ ኣጉስዑ መን ከም ህግደፍ አንዳበሉ ቀጥቃጢኦም ዝናፍቑ ዓይነት ሰባት ስለዝኾንካ እቲ ምቕጥቃጥ ኣብ ኤርትራ እዩ ዘሎ’ሞ ኣብኡ ኬድካ ተቐጥቀጥ ጥራይ እየ ክብለካ ዝኽእል።

  • Zeray November 24, 2014

    Beraki Yohannes is informing us saying:

    ሕጂ እቶም ካብ መስዋእቲ ዝተረፍኩም ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት፡ ኩሉኹም ዕዳ ናይ ስውኣት ተጋደልቲ ቅድሚ ምስውኦም ካብ መንግስቲ ዝተለቅሕዎ ገንዘብ ዘይተኸፍለ ዕዳ ናይ መንግስቲ ገዲፎም ስለ ዝተሰዉኡ ፡ እዚ ዕዳ ‘ዚ ባኣኻትኩም ብሓይልታት ምክልኻል ንክጥወር ትእዛዝ ካብ ላዕሎዎት ሓለፍቲ ተመሓላሊፉ ኣሎ። ስለ’ዚ ኣብ ወርሒ ካብ ደሞዝኩም ብምቁራጽ ፡ እዚ ዕዳ፡ ንመንግስቲ ከነሕውዮ ኢና

    Can somebody who knew about or was from ክፍለሰራዊት 29/ 3ይ ብርጌድ/ 2ይ ቦጦሎኒ/ 3ይ ሓይሊ verify this information and tell us if this is true. I am never surprised of PFDJ’s heartless cruel deeds but for history’s sake this needs to be verified.

  • Ahmed saleh November 24, 2014

    Well , I remember at that time after the end of Badme
    war we were asked to contribute for martyrs families
    minimum $300 dollars . And we knew the money will not
    be managed accordingly but most of our people paid to
    fulfill their obligations . Again we didn’t hear many
    official report about collected amount to dismay us .
    Either the above story is true or not , the fact is
    they had a culture to exploit our nationalist stance
    for financial interest . Remember when they used to
    charge $50.000 nakfa to missed recruits parents not
    knowing dead or alive , who knows some of them might
    end at the hands of their Rashaida gang associates .

  • Mendefera November 24, 2014

    “ብዙሓት ዒምም ከም ዝበሉ ካብ ዒምም ናብ እምቢ ዘይምስጋራ ግን ብጣዕሚ ሓዘን ተሰሚዑኒ ይብል።”

    በራኺ ዮሃንነስ

    People complain but cannot act alone, as long as there is a lot of mistrust that paralyzes the group. When people are not free to discuss an issue in the open, without fearing the consequences, cannot reach consensus which is essential for anything that may follow.
    Higdef know too well that unified action is mostly an outcome of consensus, and the latter is possible only if people are free to speak their mind.
    The truth is, “Ente zey tegombixka ziserreka elen”.

  • Mokonen November 25, 2014

    Dan ize radio Assenna eko haki zekone ketnegrena ember nay zekoreyun nay gezom shger zelowom mes HGDF ketnegrena intekoyna tetrefena DAN ize guday ize meketkaten zeymeketkaten zeteasaser yebelun astewel wey politekawe temhrtey temehar hasot fthi aykonen

  • true lies November 25, 2014

    ኣብ ሜዳ ከሎ ኣትሕዙ ወድኹም ንጸላኢ ኢዱ ሂቡ ኢሉ ጥሪት ገባራት ዝበልዕ ዝነበረ ,ንተጋደልቲ ዘይደልዮም ኣውራጃ ውሕዳት ናብ ህጁም እንዳልኣኸ ዘቕትል ዝነበረ ሰልፊ ናጽነት እንታይ ይገርመና እዚ ኩሉ ተግባራት እንተገበረ ።ኣራዊት ኔሩ ኣብ ሜዳ ከሎ ሕጂ ናብ ሜዳቝ ክቕየር ዲና ንጽበዮ ፧ ሰልፊ ናጽነት ናብ ህግደፍ ዝተቐየረ ተምቤን ከሎ ኤርትራዊ እየ ኢሉ ዘታለለና ።ሕጂ እውን ግዝኣት ተምቤን እዩ ዘለናዮ ዝብል ብዙሕ ህዝቢ ኤርትራ ኣሎ።

  • Stefanos Temolso November 26, 2014

    እቶም ኣብኡ ኔርናሞ ከምኡ ኣይነበረን፡ ኣይተባህለን ዝብሉ፡ ብዝኾነ መንገዲ ንህግደፍ ክከላኸሉሉ ዝደልዩ እዮም። ሓድ ቤተሰብ ዘዕለለኒ ዛንታ ክነግረኩም። ኣብ ግዜ ምዝላቕ ኣባላት ዋርሳይ ኣዝልቑ ተባሂሎም። ከምቲ ንሱ ዝብሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ክጅምር ከሎ በኦኣል ፍሊጶስ ወዲልብሱ ኣብ ባረንቱ ዊስኪ ይሰትዩ ነይሮም። ኮታ ጸላኢ ይብገስ ከም ዘሎ ኣይፈለጡን ምኽንያቱ ኣብ ስራሕ ኣይነበሩን ብዘይካ ኣብ ዓበድበድ። ጭራ ቝረጽ ዝዓይነቱ ህድማ ምስ ኮነ፡ ገለ ኣባላት ዋርሳይ ሒዞሞ ዝነበሩ ብሬን፡ ላውንቸር ምስ ጠያይቱ ስለ ዝኸበዶም ድሕሪት ክተርፉ ጀሚሮም። መራሕ በጦሎኒ ኣርክቡ ኢሉ ምስ ሃወኾም ብረት ከቢዱና ከመይ ኢልና ክንቅልጥፍ ምስ በሉዎ ደርብዩዎ ኢሉዎም ባዕሉ። ኩላቶም እናሰምዑዎ እዩ ድማ ከምኡ ኢሉዎም። ነገር ሃዲኡ ምጽብጻብ ምስ ኮነ ግን፡ እቶም ብረት ደርብዩዎ ዝተባህሉ ነፍስወከፎም ዓሰርተ ሽሕ ክፈሉ ተባሂሎም። ከመይ ኢልና? እንተበሉ መን ክሰምዖም። እቲ ዝገደደ ሰራዊት ኣዋጺኡ ክኸፍለሎም ምስ ሓሰበ፡ ኣይከውንን ስድራቤትኩም ክኽፈሉዎ ኣለዎም ተባሂሉ። እዚ ሕጂ ምስ ምንታይ ይቝጸር? እቲ ምስጢር ነናይ ሰራዊት ገንዘብ ድማ ንከምዚ ሓውና ክገልጾ ዝጸንሀ ገንዘብ ክቘርጹዎ ስለ ዝደለዩ ወይ ንካልእ ምጥፍፋእ ስለ ዝደለዩዎ ክኸውን ይኽእል። ህግደፍ ዘይገብሩዎን ጤል ዘይትበልዖን የሎን ኣሕዋት። እቶም ንህግደፍ ክትከላኸሉሉ ትፍትኑ ድማ ናብ ልብኹም ይምለስኩም፡ ክልተ ማይ ተሓጸቡ ኣብ እንዳ ኣምነ ተክለ ወይ ደርዓንቶ።

  • Adulis November 26, 2014

    What else do we expect from a govenment that collect tax even from whores? A whore that sells her body for a little amount of Nakfa is compelled to pay tax.
    So collecting martyrs’ debt from the war survival comrades is not that much astonishing. The maxim that says ‘there is nothing left in Eritrea that has not been done with the exception of what has not been announced’ is completely true.
    A lot of things have been done so far. But you guys were and still are blinded by the idiotic ideology ‘Wedi Lamna'(the son of our cow).
    What is the use of going to college and gaining bachelor’s degree or something else if we are not able to get rid of the “the wedi lamna” ideology or regionalism or religious stuff. If we want to establish A free Eritrea where martys’ debt are not collected, brothels closed let alone paying tax for their ditry jobs,where no Eritrean feels a guest or an estranger in his own country and so-on-so-forth, we need to be fully matured, accept differences and develope the culture of tolerance for each other.If we want to establish A free Eritrea where martys’ debt are not collected, brothels closed let alone paying tax for their ditry jobs,where no Eritrean feels a guest or an estranger in his own country and so on so forth, we need to be fully matured, accept differences and develope the culture of tolerance for each other.Unless otherwise, Eritrea that we dream of will no longer exist. It will be either splitted into many parts or a failed state like Somalia. That to say, Afars liberation front is alread on the ground known as ” asebe de3ande” means “redsea is ours” will go taking the redsea with them, the lowlanders join Sudan and the highlanders,as usual join tigray “3bay tigray, great tigray. “seb nab sebu zib’e nab gerebu.”

    ERITREA is wide enough for all all Eritreans. It will only be norrow and hell if we fail to learn from our past lessons.

  • Adulis November 26, 2014

    Narrow for norrow*

POST A COMMENT