Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓጺር መግለጺ ውጽኢት ቀዳማይ ኣኼባ ምስ ፖሊቲካውን በርገሳውን ውድባት ኤርትራ

ሓጺር መግለጺ ውጽኢት ቀዳማይ ኣኼባ ምስ ፖሊቲካውን በርገሳውን ውድባት ኤርትራ ጥቅምቲ 23-25፡ 2014፥ ቪየና፡ ቨርጂንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ   ብእንግዶት ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ (ኤምሃዘ) ኣብ ተቓውሞ ንዝርከባ ሃገራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ንምሕባር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 23-25

ሓጺር መግለጺ ውጽኢት ቀዳማይ ኣኼባ ምስ ፖሊቲካውን በርገሳውን ውድባት ኤርትራ

ጥቅምቲ 23-25፡ 2014፥ ቪየና፡ ቨርጂንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

 

ብእንግዶት ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ (ኤምሃዘ) ኣብ ተቓውሞ ንዝርከባ ሃገራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ንምሕባር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 23-25 ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ርዝነትን ምክብባርን ብዝዓሰሎ መንፈስ ተዛዚሙ። እዚ ነቲ ሓደገኛ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ዕቱብ ጠመተን ሚዛንን ብምግባር፡ ንሽግር ኤርትራ ብዘተ ንምፍታሕ ካብ ዝብል መሰረታዊ እምነት ዝተበገሰ ኣኼባ፡ ብውሱን ዓቕሚ ኤምሃዝን (EFND) ብሰናይ ድልየትን ጻዕርን ወከልቲ ውድባትን ተሳተፍቲ ህዝብን ኢዩ ተመዊሉ። ኤምሃዘ ነዚ ተሞኩሮ’ዚ ንባዕሉ ከም ሓደ ኣወንታዊ ኣብነት ናይቲ ህዝብና ንናጽነቱን መሰሉን ኣብ ዝገብሮ መሪር ቃልሲ፡ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ፡ ናይ ጉዳዩ ቀንዲ ወናኒን ኣውሓስን ክኽውን ከምዝደልን ከምዝኽእልን ጌሩ ይቖጽሮ።

 

ኣብ ዝሓለፉ ናይ ጽሑፍን ቃለ-መጠይቓትን መግለጺታት ኤምሃዘ ተገሊጹ ከምዝነበረ፡ ፍሉይ ኣጀንዳ ናይዚ ኣኼባ’ዚ ነቲ ኣብ መንጎን ኣብ ውሽጥን ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ናይ ተቓዎም ፓርቲታትን በርገሳውያን ማሕበራትን ዝርከብ ፍልልያት ብዘተ ንምጽባቡን ሓቢሮም ንምልኪ ስርዓት ህግደፍ ብብቕዓት ክምክትዎ መገዲታት ምንዳይን ኢዩ ነይሩ። ነቲ ዘተ መበገሲ ዝኾኑ ወረቓቕትን ሓሳብትን ካብ ኤምሃዘን ዕዱማት ወከልቲ ውድባትን ቀሪቦም፡፡ ኣኼበኛታት ድማ ብዕምቆት ዘትዮምሎም። እቶም ዝቐረቡ ሓሳባት ብዙሓትን ኣገደስትን ኢዮም። ካብ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ናይ ቃልሲ ተሞኩሮትታትን ጠመታትን ዝተበገሱ ክኾኑ’ውን ባህርያዊ ነይሩ። እንተኾነ፡ ገለ ካብቶም ፍልልያት መሰረታውያን ይንበሩ’ድኣምበር፡ እቲ ፍልልያትካ መሚኻ ብሓባር ናይ ምቅላስ ድልየት ኣዝዩ ግሁድን ሓያልን ምዃኑ ፍጹም ዘየጠራጥር፡ ዘሕብንን ተስፋ ዝህብን ሓቂ ኢዩ፡፡

 

ኣኼባ ኣብ ምዝዛሙ ካብ ተሳተፍቲ ብዝቐረቡ ብዙሓት ጠቐምቲ ሓሳባትን ለበዋታትን ብምውህላልን፡  ኣብዚ እዋን’ዚ ከም ህጹጻት ዕማማት ተራእዮም ክትግበሩ ዝጥለቡ ፍሉያት ስጉምታት ብምልላይን ተሰማሚዑ ደምዲሙ። ብፍላይ ኣብ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣተኲሩ፡ ከም ቀንዲ “ጠርነፍቲ መትከላት” (memorandum of understanding) ናይቲ ኣኼባ ተቖጺሮም ናብ ህዝቢ ክቐርቡ ድማ ብምሉእ ደገፍ ኣርጊኡ።

 

ናይ ኣኼባ “ጠርነፍቲ መትከላት”   (memorandum of understanding)፤

  1. ብኤምሃዘ (EFND) ኣብ ጉባኤ ዝቐረበ ጽሑፍ (“Proposed Platform, Internal Working Memorandum”) መታን ህዝቢ ከንብቦን ክካትዓሉን ምዝርግሑ።
  2. ኤምሃዘ (EFND) ኩሉ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝግበር ዘተ፡ ብዘይጸጊዕነት፡ ኣብ መንፈስ ናይ ሕድሕድ ምክብባር ዝተመርኮሰ፡ መሰል ውልቀሰባትን ወድባትን ዘኽብር፡ ኣብ ግሉጽነትን ርትዓውነትን ተመርኲስካ ንሽግራት ኤርትራ ብዘተ ንምፍታሕ ዘለዎ ፈተነታት ኪቕጽል ምትብባዕን ምሕጋዝን።
  3. ኤምሃዘ (EFND) ምስ ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰሉ፡ ተማሳሳሊ ዕላማ ንምዕዋት ዝጽዕሩ፡ ህሉዋትን ናይ መጻእን ኤርትራውያን ኣካላት ብሓባር ክሰርሕ እቲ ጉባኤ ተማሕጺኑ።
  4. ንህላወ ናይ ሕድ-ሕድ ምክሳስን ዘይምትእምማንን ንምእራም፡ ኩለን ፖለቲካውን በርገሳውን ውድባት ንተሓታቲ ኣሰራርሐአን፡ ኣብ ውሽጠንን ምስ ካልኦት ንዝህልወን ስልጡን ዝምድናታትን ኣመራርሓን ዝሕግዝ “code of conduct” ከም መሳርሒ ቅቡል ክገብርኦን ኣብ ግብሪ ክትግብራን።
  5. ቀጻሊ መጽናዕታት ብምክያድ፡ መደባት፡ ቅርጻን፡ ኣባልነትን ፖለቲካዊ ውድባት፡ መዚንካ ብመንገዲ ቀጻሊ ዘተ ንሃገራዊ ዕርቂ ምጽዓር። ኣብዚ መስርሒ’ዚ ፖለቲካዊ ውድባት ዘለወን ስትራተጂ ንዝህቢ ብግቡእ ከረድኣን ብግሉጽነት ክሰርሓን ሓላፍነት ኣለወን።

 

ኤምሃዘ (EFND)

 ሕዳር፡ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Gura November 16, 2014

    እዚ ተብገሶ ኣዝዩ ዝነኣድ፣ መሃርን ሰናይ ተስፋ ዘስንቕን ዕዮ እዩ። ኣተሓሕዛኹም ከምዚ ግርም ጅማረኹም ክኸ ውን ሙሉእ እምነት ኣለኒ።
    ንሰናይ ተበግሶኹምን ጽቡቕ ምንዮትኩምን፣ ብቕንእን ክፍኣትን ተበጊሶም ከተዓናቕፍኹም ዝፍትኑ፣ ቀደም ዝፈሸሉን ዝኸሰሩን ባእታት፣ ኣብኲዖም ክስንክቱ ዘይክሉ ጡፉሻት፣ ከዕንቅፍኹም ወይ ኣብቲ ዝለመድዎ ናይ ነገር ሓሸውያ ክኣልይኹም እንተፈተኑ፣ እዝኒ ኣይተሃብዎም። ጥራይ ስራሕኩምን ቀንዲ ዕላማኹም ግበሩ።
    ህዝቢ እዩ ሃገር ዝፈጥር፤ ሃገር ህዝቢ ኣይትፈጥርን እያ። ህዝቢ ይጠፍእ፣ ይጸንት ስለ ዘሎ።

  • Abraham Hanibal November 16, 2014

    ዝነኣድ ስጉምቲ
    ተበግሶ ናይ ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ ዝነ ኣድ ኮይኑ፥ በተን ዝምልከተን ኣብ ናይ ተቓውሞ ደምቢ ዝርከባ ውድባትን፥ ደለይቲ ፍት ሕን ደሞክራስን ዉልቀሰባትን፥ ከም ኡ ድማ መላእ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ክስዕቦ ዝግባእ ሰናይ ተግባር ኢዩ።
    ከም ዝፍለጥ ናይ ተቓውሞ ውድባት ክሳብ ሎሚ፥ ወርቃዊ ግዜአን፥ ኣብ ክንዲ ምርድዳእን ኣብ ሓባራዊ ናይ ቃልሲ ዛዕባ ምእታውን፥ ኣብ ክርክርን ሓድሕድ ምክሳስን እየን ኣሕሊፈነኦ።
    ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ብህጹጽ ዝጠልቦ ጉዳይ እንተሃልዩ፥ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ኣብ ናይ ሓባር ህጹጽ ዕላማ፥ ናይ ኣረሜናዊ ስርዓት ኢሳያስ ምእላይ ከተኩሩ ኢዩ።

  • FAILED PEOPLE November 17, 2014

    እንቋዕ ጥራይ እቲ ኣኼባ ብዓወት ተዛዘመ ጥራይ.እዛ ኣኼባ እዚኣ ንኢሳያስ ትግልብጥ ኣኼባ ምዃና ካብ ኣሳናኽታኣ ትፍለጥ።ነገር ተወዲኡ እዩ።በቃ ነዛ ኣኼባ እዚኣ ኢሳያስ ክምክታ እዩ ማለት ኣብ ኖርወይ በረድ ኣይወቅዕንዩ ምባል ይቐልል።

  • Bere November 17, 2014

    This is the type of honest political discussions that Eritreans at home are dying to hear.
    These are the hopes and the rough sketches of the political road maps that Eritreans at home want to listen in their own languages.
    Don’t be worried of what the die hard Higdefites and some of the very few disgruntled and hopeless “professional” oppositions may say against you. Like it or not, the disgruntled elements who don’t want to know who they really are, let alone the State of Eritrea, will keep on opposing anything in order to live, because that is the only thing they know and live for.
    These “professionals” only hear their own voices.

  • Abraham Hanibal November 20, 2014

    There is only one way the suffering Eritrean people can win against the Isayas tyranny. Eritreans need to form a united front against dictatorship. The main agenda of the opposition should be the removal of the corrupt and oppressive Isayas regime. We’ve to suspend all minor and silly disagreements between us in order to focus on the main and emergency issue of saving our People and youth from disintegration. Above all, we’ve to uphold the promise that our martyres passed on us to form a democratic, and just society in our country.

    1)All forces of change in the diaspora should convene an international conference that would discuss how to better organise the Eritrean People to stand up against tyranny.
    Forces of change in the diaspora should coordinate with those inside the country and try to organise members of the Eritrean defense forces to help in eventual popular uprising.

    2) We’ve to alienate the PFDJ regime by boycotting its diplomatic, political, social, and economic activities.

    3) We’ve to work hard to expose all the human rights abuses of the regime, and bring them to the UN Human Rights Council.

POST A COMMENT