Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ዝሞቱን ዘይሞትናን” 2ይ ክፋል

እቲ ሓቂ ብልምዲ ዝግበር ለውጢ የለን። ለውጢ ዝግበር ነቲ ዝነበረ ልምዲ ብምፍራስ፥ ብሓዲሽ መልክዕ ምትካእን ብቓልሲ ዝረጋገጽ ግብራዊ ጥራይ ኢዩ። ናይ ተበላጽነት ቃልሲ ክሳብ ሕጂ ንህዝብናን፤ ብፍላይ ንመንእስያት ኤርትራ ኣዝዩ ሃስዩ፤ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ክጉትተና

እቲ ሓቂ ብልምዲ ዝግበር ለውጢ የለን። ለውጢ ዝግበር ነቲ ዝነበረ ልምዲ ብምፍራስ፥ ብሓዲሽ መልክዕ ምትካእን ብቓልሲ ዝረጋገጽ ግብራዊ ጥራይ ኢዩ። ናይ ተበላጽነት ቃልሲ ክሳብ ሕጂ ንህዝብናን፤ ብፍላይ ንመንእስያት ኤርትራ ኣዝዩ ሃስዩ፤ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ክጉትተና ጸኒሑ። ንሱ ኸአ ድነነለይ እሞ ክውጣሓካ ዝለመዱ፣ ነበር ካድረታትን ተዋሳእትን፣ ከም በብግዚኡ ዝወጽእ ናይ ክዳን ፋሽን፣ ቅድን ሕብርን ስፌትን ለዋዊጡ ከም ሓዲሽ ዝቕልቀል፥ ቃላትን ዘረባን ኮሓሒልካ፤ ነቲ ሕሉፍ ጌጋ ፖለቲካዊ ሕንጻጽ ውድባትን ሰልፍታት፣ምስ መራሕተን፣ ክእረም ዝግብኦ ኣሰራርሓ ኣሪመን፣ ናይ ህዝብን ሃገርን ጥቕሚ ከቐድማ ይግባእ እምበር፣ ቃላት እንዳጸባበቕካ ኣብ ሓዲስ ዝበቁል ምንቅስቃስ ምህጃምን ምርብራቡን ምውጣጥን ዋጋ የብሉን።

ከምቲ ፋሽን ዝቀያየር እቲይ ጨርቂ ዓይነት ጽርየቱ እንተዘይጸቢቑ ብዙሕ ከም ዘይጸንሕ፥ ዝኾነ ፖለቲካዊ ትካል ትሕዝቶን ዕላማን መንፈስ ፖለቲካዊ ጽፈቱ ከይኣረመን ከይተማህረን ነዚ ሓዲስ ሃዋሁ ለውጢ ከምቀደሙ ክጻወሮ ስለዘይኽእል፣ ንባዕሉ ክቃለስን ከቃልስን ባይታ ኣይክህልዮን ኢዩ።  ቀልጢፉ ከአ ናብቱ ልሙድ ምፍንጣሕን ነንሕድሕድካ ምጽልላምን እዩ ዝመለስ። እዚ ንነዊሕ ዝተዓዘብናዮን ዝደኸምናሉን ተመኩሮ ህዝቢ ብምኻኑ ህዝቢ ክድግፎን ከአምኖን ኣይከአለን። ደገፍ ህዝቢ ንምኽሳብ ድምጺ ህዝቢ ምስማዕን ምምዛንን የድሊ። በዚ እዋን ንሽም ቃልሲ ኢልካ ኣብ ድኹምን ዘይተኣማምን ፖለቲካዊ መርገጽ ዘሎዎ ምንቅስቓስ ሓድሽ ኣድማዒ ፍሬ ከምጽእ ኢልካ ክእተ ምሕሳቡ ዝሞተ ጉዳይ ኢዩ። ምኽንያታት እዳደርደርካ ብቓላት እትሓብኦ ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ኣብ ቅድሜና ከም መስትያት መልክዕና ዘርኤና እንከሎ፤ ነቲ ዘይርኤ ተስፋ ክንርኢ እትጠልቡ ኣካላት ኣብ ምንታይ ጭብጢ ተመርኩስኩም ከምዝኾነ ኣይርድኣንን አሎ።

እቶም ክንጽሕፍ ብኽለት ኮነ ብቓልሲ ንፍትን ኩላህና ናይ ታሪኽ ሓላፊነት ክዝስማዓና ይግባእ። ነቲ ንርእዮን ንሰምዖን ናይ ታሪኽ ምስክር ክንከውን ናይ ግድን ስለዝኾነና፥ ብዓቕምና ክንጽሕፍ ከለና፤ ንሕልናና ጥራይ ከይኮነስ ነቲ ብዕሪ ሒዙ ዝሕንጥጥ ስጋና’ውን ኣንቀጥቂጥዎ እንተበልና ካብ ሓቂ ኣይረሓቕናን። ቃልስን ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሐደ ሰብ ዕድመ ንላዕሊ ተመጢጡ። ብዙሓት ብኸንቱ ብሰንኪ እልህኽን ድንቁርናን ኣጽኒቱን፣ ኣዘኽቲሙን፣ ስለዝኾነ፤ ዓው ኢልና ይኣክል ዘይንብለሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን። ኩሉ ብስም ህዝብን ሃገርን ክዛረብ፣ ከዕገርግርን፣ ኣብ ፈቐዶ ኣኼባታት ተዓዚብና። እንተኾነ ንህዝብና ክጎድእ እምበር፣ንህዝብና መቕሰንን፣ ንሃገርና ምዕባለን፤ መኽበርን ዝኸውን ስራሕ ክስራሕ ኣብ ግብሪ ኣይረኣናን። እዙይ ከአ ሕብረትና ክሳብ ብግቡእ ዘየረጋገጽና፡ ናይ ህዝብና ስቓይ ክናዋሕ ናይ ግድን ኢዩ።

ውሑዳት ህድገፍ ንበይኑ ዝሕተተሉ ገይሮም ኣብ ናይ ሕልሚ ባሕሪ ዝሕንብሱ ባእታታት ኣይሰኣኑን። ተቓወምቲ ዝብል ሽም ተጠሚካ መዋእልካ ኣብ ምቅዋም ምንባር ባዕሉ ሽግር ኣይፈትሕን። እትቃወሞን ትድግፎን ኣነጺርካ ምልላይ ባዕሉ ሐደ ንቕድሚት ዘሰጉም መርገጽ ከሎ፣ ንኹሉ ኣንጻር ምኻንን ብናተይ እምነትን ድሌትን ጥራይ ኢልካ ንበይንኻ ምስ ውሑዳት ክትጉዓዝ ምፍታን ናይ ጸቢብነትን ዘይሓላፊነትን ነጸብራቕ ኢዩ። ፍልልያቱ ከጽብብ ዘይከአለ ደምበ ተቓውሞ ዘዕውቶ ሽቶ ኣይክህልዮን ኢዩ። እንታይ ደአ ናይ ህዝቢ ድሌትን ባህግን ከደስክል፣ “ህድግፍ” ከም ድላዩ ነቲ ግሁድ ድኽመታት ክምዝምዝ ዕድል ካብ ምሃብ ካልእ ዘበርክቶ ተራ ኣይተጻወተን። ብሰንኪ ናትና ድኽመት፣ እቲ ኩርማጅ ኣብ ዝባን ህዝብና ክጥቀመሉ ንህቦ ዘለና ባዕልና ኢና።

እቶም መተንፈሲ ዝጸበቦም ገዛን ንብረትን ገይርና ኣለና ኢሎም ብፍቓዶም ኣፎም ዝተዓብሱ ጥቕሚ ስለዘሎዎምን ዘዘጎዖምን ክበሃል ይከኣል። እቶም ብፍርሂ ዝተሓቑኑ’ኸ? እንታይ ትብሎም? ኣበናይ መስርዕ ክኣትዉ ኢዮም። ኣብ ገዛኻን ንዓኻን ምስ ከማኻን ዝኣምስሉ ኣዕሮምሮምቲ ኮይንካ ትሓምን ካብ ተንጸርጽርን እቲ ቅኑዕ መርገጽ ምሓዝ ኢዩ። 2%፤ መሕወዪ ውግእ፤ ዝተፈላለየ ወፈያን ውጺኢትን ቦንድን፤ ንዝተፈላለ ምኽንያት እትኸፍሎ ገንዘብ፥ ንህዝብና መሳቐዪ ምኹኑ ጥራይ ከይኣኽሎ ንኻልኦት ጎረባቢቱ ብሰላም ሽግሮም ከይፈትሑ መጎሃሃሪ ሓዊ፥ “ህግደፍ” ከምዝጥቀመሉ እንዳፈለጥና ነረክቦ ዘለና፤ ካብ ተሓታቲ ገበን ምኻና ኣይንዘንግዕ።

ኦ መንእሰይ ኤርትራ! ስቓይ ህዝብኹም ብየማን ጸጋም ርድኡ እንዳበለ ይጽዋዕኩም አሎ። ምስ ኩሎም ተገደስትን፤ ብቕንዕና ዝቃለሱን ኣባል ሕብረተ ሰብና ብምኻን ሓቢርኩም ተቓለሱሉ። ዝሓለፈ ጌጋን ዘይምትእምማንን ዝፈጠሮ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ከየሰንበደኩም፣ ብቖራጽነት ተተሓሕዝዎ። ብቓልስን ብስርሓን ዘይቕየር የለን። ብፍርሃትን ብምኽንያትን ዝቕየር ስርዓት ከአ ኣብ ታሪኽ ኣይተረኣየን። እቲ መብጽዓ ህዝቢ ዝጠለመን፤ ልዕሊ ዕስራ ዓመት ብዘይ ሕግን ፍትሕን ንህዝብና ዝረገጸ ትዕብተኛ ኢሳያስ ከይሓፈረ፣ ተጠሊዑ “ ናይ ሎሚ መንእሰይ ሙሽሙሽ ኢዩ፤ ነኣስመራና መሕቢኢ ጭካ ገይርዋ” ዝበሎ ዘክሩ። ኣመራሲሑን ኣናእእሹን ምቁንጻብ ሓዲስ ባህርያቱ ኣይነበረን። ነቶም ነጻነት ዘብረቑ ገዳይም ናይ ቃልሲ ምኩራት ከጽንት ዝተጠቐመሉ ምጽላም ናይ ትማሊ ኣመሉ ዝበሎ ዘክሩ። ሓቅነት እንተዝህልዮ ምስ ብጾቱ ኣብ ሕጋዊ ፍርዲ ቤት ቀሪቦም ርትዖም መቕረቡ። ብደም ንጹሃን ዝዓበደ ግና ብዛዕባ ፍትሕን ሕግን ክሰምዕ እንከሎ ዝሓምም። እቶም ካብኡ ንላዕሊ ዝሓመሙ ግና፣ እንዳፈለጡ ምሕማሙ፥ ብናቱ ትእዛዝ ንጹሃን ዜጋታት ዘሕቕቑ ዘለዉ ተበለጽትን ደናቑር ሓላፊነት ደም ንጹሃን ተሓተቲ ምኻኖም ዘይተርፎም ኢዩ።

እምበኣርከስ፣ ንመንእሰያት ኤርትራ ክብሎ ዝደሊ መልእኽቲ እንተሎ ብዛዕባ ነፍሶም ኣዕሚቖም ክሓስቡን ክምርምሩን፥ ድሕሪኡ ብዛዕ ስድራኦምን ፈተውቶምን፥ መተዓቢቶም ክሓስቡን ኩነታት ህልውና ህይወቶም ክስእሉ እንተኺሎም፤ ብድሕሪኡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝቦምን ሃገሮምን ክግንዘቡ ኣየሸግርን ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ቁሽት፣ ኣውራጃ፣ ወረዳ፣ ከተማ፣ ኣመሓድራ፣ ምስራቕ፣ ምዕራብ፤ ሰሜን፣ ደቡብ፣ ቆላ ደጋ ፣ ከበሳ መታሕት፣ ክርስትያን እስላም፣ ዓይቢ ንእሽቶ፣ ኩሉ ኣብ ሓንቲ ረመጽ ተኣጉዱ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ምኻኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ‘ህግደፍ’ መምርሒቱ ሓንቲ ወላ እንተኾነት፣ መላታቱ ህዝቢ ንምድንጋር ብዙሕ ናይ መፈላለይ ካርድታት ይጥቀም። እታ ሓንቲ ሓቂ መምርሕቱ ብዘየገድስ ግና “ ኣሜን ኢልካ ተረጊጽካ ትግዛእ ወይ ተዋሪድካ ትጠፍእ” ኢያ።

ስለዚ ጊዚኡ ኣንጻር እኩይ ተግባር ነቕንዓሉን ንበራበረሉን እምበር ኣማዕዲኻ ተዓዛቢ ትኾነሉ እዋን ኣይኮነን። “A Time to Stand Against Evil” – ኢሎም ዝተልዓሉ ብዙሓት መንእስያትን ሃገራውያን ኣብ ከባቢ ዓለም ዘርአይዎ ተባዕ መርገጺ፣ ዘሕብን ታሪኽን ቅያን ሰሪሖም ዝተዓወቱ ብዙሓት ከም ነልሰን ማንደላ ኣለውና። ምእንቲ ራህዋን ቅሳነት ህዝቦምን፣ ፍትሕን ዝተሰውኡ ከአ ታሪኾም ህያው ኮይኑ ንኹልሳዕ ሃውልቲ ተተኺሉ ይነብር። ንአብነት “ The White Rose and the German resistance” ብዝበሃል መጽዋዕታ ዝፍለጡ ጉጅለ ኣንጻር “Nazi” ዝተቓለሱ መናስያት ከም “Sophie Magdalena Scholl ሓዋ Hans ምስ ብጻዮም Christoph Probst” ኣብ ኢድ ጸላኢ ምስ ወደቑ፤ ድምብርጽ ከይበሎም ነቲ ዝተበገሱልን ዝኣምኑሉን ዕላማ ክስየፉ ኣያጣዕሶምን። ግዳስ እቲ ዝገርም ጽንዓቶም መረጋገጺ ቃላት ኣብቲ ተሓቢሶምሉ ዝነበረ መንደቕ ዳግም ሓንጢጦሞ። ፍቕሪ ናጽነትን ፍትሕን ከአ ዋጉኡ ክቡር ህይወት ከይተረፈ ስለዝኾነ፣ ብግሪ ኣርይኦም ሓለፉ።

ካብቲ ዝብትንዎ ዝነበረ ጽሑፋት ከምንርድኦ “The motto of the White Rose” ብሩህን፣ መነጸሪ ዕላምኦምን ብዘየጠራጥር ዝገልጽ ነበረ። ካብቲ ጽሑፋቶም ቁሩብ ቅንጭብ ኣቢለ ከንብበልኩም።

It is unbelievable to what extent one can must betray a people in order to rule it”. Adolf Hitler, quoted in the second of the ‘leaflets of the White Rose’ (1942)

ግፍዒ እንዳረኣናን እንዳሰማዕናን፣ ኣይነጽቅጥን፣ ኣይንተሓባበርን፣ ግና ምእንቲ ራህዋን ሰላምን ብዙሓት፣ ውሑዳት እንተተሰውኡ ጸጋን ክብርን ኢዩ። ነዚ ጸጋን ክብርን ኤርትራውያን ብዙሕ ተኸፊሉሉ። ሕጂውን ዕድልና ሕማቕ ኮይኑ ዳግም ክንሕተት ተገዲድና። እንተለቢምናን፣ ሕብረትናን ሓድነትናን ኣረጋግጽና፣ ኢሳያስን ኮራኹሩን ክኸፍሉና ምኻኖም ኣይንጠራጠር። እቲይ ክሳብ ሎሚ ኣብ ጎዳጉድን ሕሉምን ተሓይሮም ዝሓቁ ዘልዉ ንጹሃን ዜጋታት ከምዘለዉ ዓለም ዘረጋገጾ ሓቂ ንዘክር።

(ስለዚ We Will not be silent. We are your bad conscience. The White Rose will not leave you in peace” ending the fourth ‘leaflets of the White Rose’ ኢሎሞ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት “Nazi” ብምእታው ቃልሶም ዘጋሃሩ መንእስያት ከም ንዓል “Christoph Probst” ይርከቡዎም።

እዚይ ዝስዕብ ቃላት ከአ – “Somebody, after all, had to start. What we wrote and said is also believed by many others. They just do not dare express themselves as we did”.  ‘Sophie Scholl, at her trail, 22 February 1943’. ንምት ፍርዲ ክፍረዳ ከሎ ዝተዛረበቶ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሕልና ደቂ ሰባት ከቃልሕን፤ ንፍትሕን መሰልን ደቂ ሰባት ዝኽፈል ዋጋ ከዘኻኽር ይርከብ።

ብዛዕባ እዞም መንእሰያትን ካልኦት ብጾቶም እቲ በቲ እዋን ኣብስደት ዝነበረ ፍሉጥ ደራስን ተቓላስን ብረድዮ ዘስምዖ ናይ ደገፍን፣ ትብዓትን ተወፋይነትን፣ መግለጺ ከምዚ ኢሉ ገለጾ።

Good, splendid young people! You shall not have died in vain; you shall not be forgotten.”  ‘Thomas Mann, the exiled German novelist and Noble Laurent, broadcasting in the radio series German listeners, 27 June 1943’.

ስለዚ መንእሰይ ማለት እቲ ዓይቢ ጊደ ንሃገሩን መጻኢ ወለዶ ዘበርክቶ ቀሊል ኣይኮነን። ካብቲ ዓይቢ ተራ ክጻወቶ ዝግብኦ ንመጻኢ ወለዶ ዘመሓላልፎ ናይ ቅሳነትን፣ ቀጻሊ መንነቱ መረጋገጺ ዘውሕስ ግብሪ ጥራይ ኢዩ። ንሕና ብዋጋ ዘይትመን ብሉጻት መስዋእትነንት ኤርትራዊነትና ተረጋጊጹልና። እንተኾነ መሰልናን ሓርነትናን ከም ነጻ ህዝቢ ከይንሕጎሰሉ፤ ብህግደፋውያንን ኣጣቓዕቲ ጭፍራ ተበለጽቲ ተመንዚዕና። እቲ ሐደ ኣማራጺ ዘይብሉ ግና መሰልናን ሓርነትናን ከነምልስ፣ ጽሩይን ጽፉፉን ቃልሲ ምክያድ ጥራይ ይኸውን። እዞም ናይ ተቓለስቲ ዲኖ ንሰላሳ ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ዝባኖም ዝሓንገጡ’ውን ንመግለጺ ተውፋይነትን ጀግንነትን ጥራይ ከምዘይኮነ ተረዲኦም፣ እቲ ቀንዲ ትርጉም ናይ ቃልሲ ለውጢ ምምጻእ ስለዝኾነ ኣብ ለውጢ ዘየምጽእ ምትሕልላኽ ኣብቂዖምን ካብ ጌጋኦም ተማሂሮም ብሓቂ ንረብሓ ህዝቢ ክሰርሑ ይላቦ።

እቶም ብቐንዱ ኣብ ቃልሲ ክኣትዩ ከለዉ ናይ በጊዕ ኣጎዛ ኣብ ዝባኖም ጠቂዕም ግን ናይ ብሓቂ ተኻሉ ኣብ ሞንጎ ኣትዮም ንጥቕሞምን ንዕላማኦምን ብጸላኢ ዝተዓስቡ፤ ካብ ድሌት ህዝቢ ምብርዓንን ምድኻምን ጠጠው ስለዘይብሉ ኣነጺርካ ምግላፎም ኣድላዪ ስጉምቲ ይኸውን።

ኤርትራ ታሪኽ ዝምስክሮ ናይ ውፉያት  ጅጋኑ ወላዲት እምበር ናይ ተምበርከኽትን፣ ኣጣቓዓትን አደ አይነበረትን። ሕጂ ግን ናይ ህዝብኹም ኣውያት ኣብ ፈቐዶ ኩርንዓት ዓለም ክተድህብሉ የቓጭል አሎ። ከም ቀደምኩም ተንስኡ፣ ተበራበሩ ትብለኩም ኣላ።

“አነ ንስኹም፣ ንስኻትኩም አነ”

ካብ ኮነ ዝጠምረና

“ንምንታይ ንጸንት ተኾርሚናን ተበቲና”?።

 

ሞት”

 

ሞት ንመን መኣስ

ከይበለት ኣብ ዓለም

ስዓት ቆጸሮ ዘይትጠልም

ከምታ ሐንቲ ዕድል

ምውላድ ንፍጡር

ካላኣይቲ ዘይትድገም

ንዘረባ ግና ይበሃል

ካልኣይ ጊዜ ተወሊዱ

ምስ ጠዓሞ ምስ ሓለፈሉ

ካብ ሽግር ተገላጊሉ።

ግና ነቲ ከይሞተ

ሞይቱ ዝብልዎ

ቀባሮ ሲኢኑ ንበይኑ

ቀንፈዘው ክብል ይነብር

ሞት ቆጸሮ ኣንዊሒሉ።

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 10/25/11”

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT