Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ዝሞቱን ዘይሞትናን” 1ይ ክፋል

እቱይ ብሞት ዝተፈልየን፡ ገና ዘይሞተን ብምንታይ ይፈላለዩ ዝብል ሕቶ፣ ብሓጺር ክምለስ ይከአል ይመስል። እንተኾነ ግና ሙዉት ዝተቐብረን ተስካሩ ዝተብልዓሉ፡ ቤተሰቡን ሃገርን ዝቐብጾ፥ ዝተፋነወን ንቡር ዝተፈጸመሉን ዕድለኛ ፍጡር ኢዩ። እቱይ ከይሞተ ሞይቱ፡ ናይ ባዕሉ ተስካር ዕለታዊ

እቱይ ብሞት ዝተፈልየን፡ ገና ዘይሞተን ብምንታይ ይፈላለዩ ዝብል ሕቶ፣ ብሓጺር ክምለስ ይከአል ይመስል። እንተኾነ ግና ሙዉት ዝተቐብረን ተስካሩ ዝተብልዓሉ፡ ቤተሰቡን ሃገርን ዝቐብጾ፥ ዝተፋነወን ንቡር ዝተፈጸመሉን ዕድለኛ ፍጡር ኢዩ። እቱይ ከይሞተ ሞይቱ፡ ናይ ባዕሉ ተስካር ዕለታዊ ዝምገብ ግና እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ፍጡር ኢዩ። እዚይ ከም ሰብ ፍጡር ግና፥ አለኹ እንዳበለ ምማቱ ዘይፈልጥ፤ ሽኽሚ ሃገሩን ቤተሰቡን፤ በቲ ዘስተንፍሶ ናይ ህይወት ዘይምሕላፋ ተተንብህ ናይ ልቢ ትርግታ ተታሊሉ ዝነብር ጥራይ ኢዩ። ከም ሰብ መጠን ሓሲቦምን መዚኖምን ክነብሩ ዘይኽእሉ፥ ብትንግርት ዕንኪሊል፡ ብናይ ዕድል ከይኮነስ ብናይ ባዕሎም ዘንቀልዎ ናይ ዕሽነት ማራቶን ክምርሹን ኣብ መፈጸምታ ከብጽሕዎ፥ ንሓቅን ፍትሓዊን ህይወት ኣላሽ ድሓን ኩኒ ኢሎም ዝተፋነውዋ፥ ናይ ህይወት መቐረት ከይተፈለጦም ንህይወቶም ኣብ ኢድ ካልኦት ዘረከቡን፣ ንመጻኢ ወለዶ ዝኾነኑ፥ ከም እንስሳ ንሎሚ ጥራይ ዝነብሩ ኢዮም።

መራሒኦም በጺሐ ክብል፥ እቶም ከም ስዓት ዝምልኡን ዝጥወዩ ሰዕብቱን፡ ተሓባበርቱን፥ ብዕሙት እምነት ዝተመነይዋን ዝጸዓሩላን ነጻነት ከይተፈለጦም፥ ዓወት ከየስተማቐርዋ ከምትሓልፎም ዘላ ምስተረደኦም ብጋሂ ኮነ ብጣዕሳ ተወዳዳሪ ዘይርከቦ ሽልማት ወርቃዊት ብልጫ ክወስዱ ናይ ግድን ኢዩ። እቱይ እንዳፈለጠን እንዳላገጸን ናብቲ ሓዊ ክጠብሶም ኣብ ቅድሚት ዝመረሸ መራሕ “ህግደፍ” ግና ከምቶም ናይ ቀረባ ብጾቱ ዝነበሩ ዲክተተራውያን መራሕቲ ከም መዓመር ገዳፊን፤ ሁሰን ሙባረኽን፥ ካልኦት ከምኦም ዝኣምሰሉ ግፈዔኛታት መራሕቲ ዝተማህሮ ውጺኢት ከየተሓሕሰቦን ከየደንገጾን ኣይተረፈን። ብሰንኩ ላዕልን ታሕትን ክጻፋዕ፤ ሃበድብድ ምባሉ ዘደንቕ ራእይ ኣይኮነን። እቲ ንሰላምን ናይ ዕርቅን መኣዲ ጸዋዒት ብጾቱን ዓለምን ነጺጉ፥ ነቲ ትርጉም ዘይብሉ ብ“senseless war” ዝፍለጥ ውግእ ክመርሕ  “ወላ ፀሓይ ኣይትብረቕ” ኢሉ ንዘረባን ምኽርን ለባማት ኣናኢሱ፥ ንብዙሓት ንጹሃን ዜጋታት ብዘይ ሓላፊነት ኣብ ሓዊ ክጠብስ ዝመረጸ መራሒ ኢሳያስ ባህሪኡ ናይ ስልጣን ህርፋን እምበር፤ ናይ ሃገርን ሰላምን ከምዘየገድሶ ህዝብና ጥራይ ከይኮነስ ዓለም አጸቢቑ ተረዲእዎ’ዩ።

እምበኣርከስ ተፈተውቲ ደቂ ዓደይ ኤርትራውያን፥ ቅድሚ ሕጂ  ዝኣመናዮን ዝመሓልናሉን ናይ ገድሊ ጽፉፉነት እንሆ ናይ ኣሽሓት ንጹሃን ዜጋታትና ናይ ስቅያት እቶን፤ ናይ ሓዲሽ ወለዶ ረመጽ ጋሂ ኮይኑ፥ ህዝብና ፈቐዶ ክብተንን ክጸንትን ዳሪጉዎ። ብዙሓት ሰባት ብሓደ ሰብ፥ ብመራሒ “ህግደፍ” ኩሉ ገበናት ክድፍድፍዎ ላዕልን ታሕትን እንተበሉ፣ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ መሸፈኒ ድኽመታቶም ጥራይ ኢዩ። እቲ ንሱ ዝተጻወቶን ዘበርከቶን ጊደ ወላ ዛይዱን ጎሊሑን ይረኣይ እመበር፥ እቶም ናይ የማንን ጸጋምን ደገፍቱ፤ ነቲ እኩይ ትእዛዛቱ ኣተገበርትን ፈጸምትን፥ ፍርቆም ሎሚ ቀንዲ ደገፍቱ ምኻኖም ዘየጠራጥር ናይ ግፍዒ ተሓባባሪነቶም ዝገልጽ መሰረት ዘንበርሉ እምኒ ሎሚ ድኹዒ ኮይኑ ማለት ዘይሕሰብ እዩ።

እቶም ከም እንስሳ ዝኹብኮቡ ደገፍቱ ዘበርከትዎን ዝቕጽልሉ ዘሎ ናይ ድሑር ስሚዒታት ተገዛእቲ ብኣውራጃውነት፥ ብሃይማኖት፥ ብቀቢላዊነት፤ ኮታ በታ ድኽመቶም ተጸኒዑ ከም ከም ዓቕሞም ተመጢኑ ዝወሃቦም ከፋፍሊ ናይ ሓሶት ፈጠራን፤ እኩይ ተግባራት ተደማሚሩ ነዚ ንርእዮን ንምስክሮን ዘሎ ናይ ጥፍኣት ጉዕዞ ከሰስኖ ኪኢሉ። ፍርቆም ከአ ከም ኣምላኽ ዘምለኹዎ ኢሳያስ ከም ሰብ ገይሮም ክሓስቡዎን ክቕበልዎን ስለ ዘይተዋሕጠሎም ሃማይኖቶም ከይኑ ከምሉኹዎ ዝመረጹ ኢዮም።

እቶም ዲክታትሪውነት (ውልቀ-መላኽነት) ስርዓት ክጅምር ከሎ ብውልድኡ ተረዲዎም ዓገብን መእረምታ ይገበረሉ ንዝበሉ ንጹሃን ዜጋታት፣ ብዘይ ሓታትን ወከልትን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ክጸንቱን፣ ኣብ ፈቐዶ ስንጭሮታትን ሕሉም ጎዳጉድን፥ ኣብ ጎላጉል በረኻ ሑጻ ተደፊኖም ተረሲዖም ክተርፉ ዝገበረ። አርትራ እኮ ሎሚ ኣይኮነትን ናይ ንጹሃን ደም ከም እሾኽ ኣንዳወግኣ ክትዓብጦ ዝተገደደት። ሎሚ ነዚ ታሪኽ ህዝብናን ገድልናን ብዕሊ መርሚርና መደምደምታ ክንበጽሕ እንተኾይና፥ በቶም በዚ ናይ ታሪኽ ገበን ተዋሳእቲ ዝነበሩ ተመሪሕናን ተደናጊርናን ንበጽሖ ምዕባለን ሰላምን የሎን። በዚ ናይ ታሪኽ ሓተላ ተመሪዝና፤ ነቲ ጽቡቕ መዳያቱ ናይ መስእዋእቲ ንጹሃን ደቂ ሃገር ዝተኸፍለ፤ ዋጋ ናጽነትና ኣብ ኢድ ብቓላት ተዋራዘይቲ ከይወድቕ፣ ካልእ ኢሳያስን ጽላሎቱን ኣብ ስልጣን ከይድይቡ፥ ይኣክል ዝሓለፈ ገበን ንበሎም።

ኣብዚ ምዕቡል እዋን ስቓይ ህዝቢ ናይ ፖለቲካን ናይ ውልቂ ህርፋን መጣልዒ ቂምታን፣ ድሕሩነትን ዘንቀሎ ናይ ምትህልላኽ ቦታ የብሉን። ሕቶ መሰል ህዝብን ናይ ዶብ ጉዳይ ዘራኽብ የብሉን። መሰል ዘይብሉ ህዝቢ እንኳን ብዛዕባ ዶብ ክዛረብ ብዛዕባ ህይወቱ ክዛረብ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት ስለዝበጽሐ ይበታተን ኣብ ዘለወሉ ስዓት፤ ኮነ ኢልካ ንህዝቢ ዝመቓቕልን ናይ ‘ህግደፍ” መሕብኢ ሽፋን ጥራይ’ዩ ዝኸውን። ደድሕሪኡ ተኸቲልካ ንናይ ህዝቢ ጠለብ ን“ህግደፍ” ስልጣን መናውሒ ክትሸጦ ሓላፊነት ዘይብሉ መርገጽ ጥራይ ከይኮነስ፤ ህዝቢ ድሓን ይጨፍጨፍ፤ መሰሉን ሓርነቱን ተቐንጢጡ ኣብ ዓዱ ይዋረድ፤ ክሳብ ዶብ ዝሕንጸጽ እንዳበልካ ንነብስኻ ኣብ ዝማሞቐ ገዛ ምስ ስድራኻ ኣቐሚጥካ ከም ጠለብ ህዝቢ ገይርካ ክተቕርቦ ጌጋ ኢዩ። ኩላህና ንፈልጦ ሓቂ፤ ናይ ዶብ ሕቶ ኣብ መፈጸምታ እንተበጽሐ፤ ናይ ህዝቢ መሰል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን ስለዝኾነ፤ ኢሳያስን ብጾቱን ኣጸቢቖም ስለዝፈልጡ፤ ንስልጣኖም መናውሒ ዝጣሉዑላ ሓንቲ ተሪፋቶም ዘላ ካርድ ናይ መደናገሪ ኢያ።

ኤርትራውያን ድሕሪ ናጽነት ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነፃ ምውጻእ ዝረኸቡዎ ሓበንን ኩርዓትን፤ ከይወዓለ ከይሓደረ፤ ንሊዕሊ ዕስራ ዓመታት ኣብ ሃገሮም መሰሎም ተነጺጎም፤ ኣገልገልትን ከደምትን ላዕሎዎት ሰበ ስልጣን ተቖጺሮም ክከላበጡን፥ ሰጥ ለጥ ኢልኩም ተግዝኡ ብዝብል ናይ በረኻ አተሓሳስባ ብኩርማጅ ክቕለጡን፤ ሓሊፉ ተሪፉ በብሐደ ክጭወዩን፤ ክእሰሩን፥ ኣብ ኣሰሮም ዘይርከበሉ ጎዳጉድ ከም ኣናጹ ክድርበዩን ከለዉ፤ ንፍትሒ ዘይተዛረበን ዘይቆመን ኣካል ሎሚ፣ ናይ ዶብ ሕቶ ካብ ናይ ንጹሃን ዜጋታት ደም ኣብሊጹ ክርኢ ዝደሊ ዜጋ ሽግር ዘለዎ ጥራይ ኢዩ። ነዚ ግፍዕን ኣረመናዊ ተግባራት ከም ብልሓትን ፈላጥን ኣቕጹሩዎ፥ ዓገብ ንዝብል ብጊዚኡ ሰማዒ ኣብ ዘይነበረሉ ስዓታት፤ ብዙሓት ካብ ወጻኢ ንዓዶም ክሕግዙ ዝኣተዉ ሰላሕ እንዳበሉ ክወጽኡ እንከለዉ፥ እቶም ሕጋዊ መውጺኢ ዘይነበሮም ህይወቶም ንምድሓን፤ ሓድሽ ናይ ስደት ጉዕዞ ብነጠብጣብ ድሕሪ ናጽነት ሃገርና ህዝብና ዝተተሓሓዝዎ።

ዝገደደን፣ ዘሕዝንን፣ ግብሪ መራሒ “ህግድፍ” ግና ድሕሪ እቲ ኣብ ሐደ እዋን ዝነበረ እምነት መራሕትን ናይ ሃገር ዕብየትን፤ ብናይ ውልቀ ጥቕምን ስስዐን ዓብሊሉ፥ ሓሊፉ’ውን ናይ ሽም ነጽብራቕ ንምኹሓል ዝገብሮ ዝነበረ ዘለፋ ከም ብሓድሽ ናይ ሕድ ሕድ ምቁርቃስ ከም ኣመሉ ኣሞንጎ ላዕሎዎት ብጾቱ ሓዊ ጻሕቲሩ ንሃሱሳቱ ኣዋፊሩ። ድሕሪኡ እቲ ሽግር ካብ ዓይንን እዝንን ህዝቢ ንምሕባእ ስለዘይተኻእለ ኣብ ዘየድሊ ውግ ምስ ጎረባብቲ ብምንቃል ናይ ብዙሓት ህይወት ንፁሃን ዜጋታት ክጣላዕ ስርሐይ ኢሉ ዝሓዞ። ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ወጻኢ ሪሒቑ ብምኻድ ኣብ ካልእ ዘየድልን ንህዝቢ ኤርትራ ዘይምልከቶ ውግእ ኢዱ ብምእታው ንብዙሓት ንጹሃን ዜጋታት ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ህይወቶም ንገንዘብ ዝተጣላዓሉ። ካብ ቀደሙ ብደም ንጽሃን ዝዓበደ መራሒ ምስ ሰዓብቱ፤ ናብ ዝዓበየ ሃለልታ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ዝጻሕተሮ ብዘይ መደብ ኣይነበረን። እንተሲዒሩ ጎብሎል ኣፍሪቃ ክገብራ ንነብሱ፤ እንተተሳዒሩ ኸአ መን እሞ ክኸስር ብዘይካ ህዝቢ ኤርትራ። ሎሚ ድሕሪ ዓሰርተ ሐደ ዓመት እቲ ኣሰቃቒ ውግእ ጠጠው ምባሉ፣ ወላ እቲ ሓዊ ይጥፋእ እምበር እቲ ረመጽ ጋህሪ ንህዝብና ጥራይ ከይኮነስ ነቲ ከባቢ ኩሉ ይጠብስ አሎ። እቲ ዝገርምን ዘስደምምን ከአ ከም ጀብዱነት ተጠሊዑ ተሓታቲ እዚ ኩሉ ጥፍኣት ውግእ ምኻኑ ብዘይ ሕፍረት ክቅበሎ ከሎ ኢዩ።

ድሕሪ እዚ ትርኢት ዕብዳን ግና፤ እቲ ካብ ሕብረተ ሰብና ኣዝዩ ዝተሃሰየ ኣካል መጻኢ ተቕባላይ ሓላፊነት ሃገርና፣ መንእሰያት ኤርትራውያን ፥ ብመደብ ኢሳያስን ኣጣቓዕቱን፥ ነቶም ካብ ሓዊ ውግእ ንዝተረፉን ዝሰንከሉን ኣብ ፈቐዶ ድፍዓትን በረኻን ህይወቶም ክዝሕትል ብዘይ ፍርዲ፣ ካብ ተሓታትነት ክሃድም ብዝሓንጸጾ እኩይ ተግባር ነይሩ። መንእስያት ኤርትራ ብሰንኪ ዓገብ ዝብልሎም ለባምት መራሕቲ ሃገርን፥ መራሕቲ ሰራዊትን ብምስእኖም፥ ከም ብሓዲሽ ናብ ፈቐዶ ስደትን ውርደትን፣ ከይፈተዩን ከይመረጹን፣ ህይወቶም ንምድሓን ጥይታት ናይ ግፈዔኛ ስርዓት ኣብ ርእሶም እንዳፋጸ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክስደዱ ዝተገደዱ።

ብሰንኪ ኣደዳ ስደት ከአ ኣብ ምድረ በዳ ስቅያትን ሞትን፤ ኣብ ባሕርን ውቅያኖስን ክጸንቱ ምስማዕን ምርኣይን ከም ንቡር ዝወስድዎ እቶም ብህይወቶም ብቑሞም ዝሞቱ ጥራይ ከይኮንስ ናይ ዝሞቱ ምውታት በድናት ናይ ሰብኣውነት መንፈስ ኮነ ሕልና ካብ ቀደሞም ዘይነበሮም ዘይተዓደሉ ፍጡራት ጥራሕ ክኾኑ አለዎም።  ከምቲ እቱይ ፍሉጥ ለበናናዊ ፀሓፊ ካህሊል ጊብራን (KAHLIL GIBRAN) ዝበሎ “Much in you is still man, and much in you is not yet man,

But a shapeless pigmy that walks asleep in the mist searching for its own awakening”. THE PROPHET page 39-40) ወይ ከአ “Captive held mind as hostage” – (President Abraham Lincoln) ኢሉ ዝገልጾም ተሳሕብቲ ናይ ባዕሎም ጥቕምን መሰልን ዘይፈልጡ ስለዝኾኑ ብዛዕባ ካልኦት ክግደሱ ዘይክእሉ ዘረባ ከም መቓልሕ ዘዳምቑ ኢዮም።

“ዝሞቱን ዘይመትናን”

ንሰብ ሰብ መሲልና

ብደጌ ሐደ ኩላህና

እቲ ፍልልይ እቲ መቐረትና

እቲ መጺጽ ምስ ጥዑም ጸባይና

እቲ ኩራ ምስ ሰሓቕ ተሓጋስና

እቲ ለጋስ ምስ ስሱዕ ባህርና

እቲ ዕሽውነት ምስ ለባማትና

ተሓጺብካ ዘይጸሪ ከም ደጌና

ከምቲ ውሽጢ ናይ ልብና

እዳዓበና ዝቕየር ብተሞኩረና

ምስትውዓል ዝበሃል ምስ ፈለጥና

ዘኽፍእን ዘጸብቕን ምስ ፈለጥና

ሽዑ ንባሃል ሰብ ከም ሰብና

ኣይኮነን ንሰብ ሰብ መሲልና።

ብግብሪ እኩያት ብኣተሓሳስባ ድሑራት

ዓብዮም ዘይዓብዩ ናይ ዓበቲ ሕጻናት

ብኽፋእ ርእዮም ዘይርኡ ኣብ ቅድሜኦም

ሰሚዖም ዘይሰምዑ ዝደቀሱ ብጠጠዎም

ናብ እንስሳ ተቐይሮም ክበልዑና

ንሰብ ሰብ መሲሎም ኣሕዋትና

ብኣተሓሳስባ ዘይመስሉ ከማና

ብሓሶት ፈኸራ  ዕንደራ

ብሽም ሃገር ባንዲራ

በቲ ንኹላህና ማዕረ ዝብጻሓና

ወነንቲ ህይወትና ክኾኑላና

የማን ጸጋም ይጻፍዑ ደናቑርና።

ኣይኮነን ሰብ ሰብ ዝገብረና

ብግብሪ ብስራሕ ብጸባይና

ባህልና ምስ ፈለጥና ብኽብረትና

ጽቡቕ ምስ ሓለና ንስድራ ቤትና

ንበይነይ ገዲፍና ንኹላህትና

ምዕባለ ሃገርን ህዝብን ኣቐዲምና

ንሓሳብ ብሓሳብ መኪትና

ዕላማ ብዕላማ ኣዳሚርና

ብፍቕሪ ኣሲርና ኣጽኒዕና

መሰረት ዘይዝንብል ተኺላና

ብመሰላል ማዕርነት ደይብና ወሪድና

ብፍቓድ ህዝቢ ወጺእና ኣቲና

ሃገር ምስ ገበርና ንኹላህና

ሽዑ ኢዩ ክብረት ዕብየት ህዝብና።

ከም ሰብ ሰብ ዝገብረና

ከም ሰብ ሰብ ተኸባቢርና

ብሓሳብ ፍልልይ ግን ይሃለና

ሐደ ከይኮውን ወስኒ ዕድልና

ንኹሉ ዝነጽግ ሰብኣዊ መሰልና

ነቶም ብጠጠዎም ዝሞቱን ዘሞትና።

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 11/10/11”

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT