Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፖሊስ እስራኤል ኣሲሮሞም ዝነበሩ ልዕሊ 50 ኤርትራውያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይካ ክልተ ኩሎም ነጻ ተለቒቖም፣ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዘካይደሉ ሰነዳት ብጭብጢ ተታሒዙ።

ፖሊስ እስራኤል ኣሲሮሞም ዝነበሩ ልዕሊ 50 ኤርትራውያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይካ ክልተ ኩሎም ነጻ ተለቒቖም፣ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዘካይደሉ ሰነዳት ብጭብጢ ተታሒዙ። ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሕን ደገፍቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ትማሊ ቐዳም

ፖሊስ እስራኤል ኣሲሮሞም ዝነበሩ ልዕሊ 50 ኤርትራውያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይካ ክልተ ኩሎም ነጻ ተለቒቖም፣ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዘካይደሉ ሰነዳት ብጭብጢ ተታሒዙ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሕን ደገፍቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ትማሊ ቐዳም 21 ታሕሳስ ኣብ ገሊላ ዝተኻየደ ግጭት ፖሊስ እስራኤል ኣሲሮሞም ዝነበሩ ልዕሊ 50 ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብዘይካ ክልተ፣ ኩሎም ነጻ ክልቀቑ ከለዉ፣ ካልኦት ክልተ ብመውቃዕቲ ዝተሃሰዩ መንእሰያት ገና ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ እስራኤል ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፣ እቶም ኣብቲ ግጭት ዝተገብረሉ ኣጋጣሚ ዝወዓሉ መንእሰያት፣ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ) ኣብቲ ኣኼባ ዘካይደሉ ዝነበረ ኣዳራሽ ገዲፉዎ ዝሃደመ ሰነዳት ሎሚ ኣብ ዝገበሩዎ መደበራት ቴለቭዥን እስራኤል ዝተረኽባሉ ጋዜጣዊ ዋዕላ ብጭብጢ ብምቕራብ፣ እቲ ስርዓት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ዘካይደሉ ሜላታት ኣቃሊዖም።

Housing_formመንግስቲ እስራኤል ስደተኛታት ብቐጥታ ናብ ኤርትራ ዝልእኩዎ ገንዘብ ደረት ገይሩሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣባይቲ ንምግዛእ ክብ ዝበለ ገንዘብ ናብ ኤርትራ ክሰዱ ኣብ ዝደልዩሉ ግዜ ብመንገዲ ፍራንክፈርት (ጀርመን)፣ ነቲ ናይ እስራኤል ሕጊ ብምድንጋር ከመይ ኣቢሎም ብዙሕ ገንዘብ ከምዝልእኩ ዝሕብር ናይ ባንክ ሕሳብ፣  ምስቲ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ወዲ ባሻይ ገዲፉዎ ዝሃደመ ሰነዳት ከምዝተረኽበ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ) ኣብቲ ኣኼባ ክዛረበሉ ዘዳለዎ ኣጀንዳ ዝሓዘ ደብተር ከይተረፈ ኣብቲ ኣዳራሽ ገዲፉዎ ክስወር ከሎ፣ እቶም ሰዓብቱ ‘ውን ሰለስተ ኮምፒተራትን ሞባልይላትን ገዲፎም ከምዝተበተኑ ተፈሊጡ። እቶም ደለይቲ ፍትሒ ነተን ዝረኸቡወን ሞባይላት ቆጺሮም ንፖሊስ እስራኤል ከምዝረከቡዎም ‘ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኣብቲ ሎሚ ዘካየዱዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንስርዓት ህግደፍ ወቒሶም ኣብ እስራኤል ኢዶም ሂቦም ክንሶም ተመሊሶም ናይ ዝድግፉዎ ኤርትራውያን ዝርዝራዊ ጸብጻብ ረኺቦም ከምዘለዉ ብምምልካት፣ መንግስቲ እስራኤል ብሓቂ ነቶም ብሓሶት ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ተገዳስነት እንተልዩዎ ኮይኑ፣ ብጭብጥታት ክተሓባበሩዎ ከምዝኽእሉ ኣዘኻኺሮም።

505131210971797490522no

ብዝኻልእ ወገን፣ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘካየዱዎ፣ ነቲ ናይ ትማሊ ኩነታት ዝግምግም ርክብ፣ ኣብቲ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም ዝተኻየደ ምንቅስቓስ፣ ሰራዊት ሕድሪ፣ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር፣ ከምኡ ‘ውን ነጻ ደለይቲ ፍትሒ ብዘይኣፈላላይ ብሓድነት ደው ኢሎም ደሞም ብሓባር ከምዘፍሰሱ ብምግንዛብ፣ ነዚ ኣብ ስራሕ ዝተጓናጸፉዎ ስምረት ዓቂቦም ብዘይኣፈላላይ ሓደ ኣካል ኮይኖም ክንቀሳቐሱ ከምዝወሰኑ ኣረጋጊጾም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
48 COMMENTS
  • Yohan Be December 23, 2013

    Well done xeba astikumna xeba steyu anabs.
    Ajokum ab godnkum alona hgdef mendef kab suru kbrkokk alewu.

  • wedi keren December 24, 2013

    What a secret,these acts are the sign of hoplesnes. ..the documents are no secret anybody could find it on line. .loosers

  • Mesinas December 24, 2013

    ዝኸበርኩም ጀጋኑ ደለይቲ ፍትሒ፡ ብመጀመርያ በቲ ትማሊ ኣብ መንጐ ክልተ ኣሕዋት ዝተፈጸመ ማህሰይቲ ዝተሰማዓኒ ልባዊ ሓዘን ክገልጽ እፈቱ። ብምቕጻል፥ ነቶም ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ክቡር ደምኩም ዘፍሰስኩም ኣሕዋት ኤርትራውያን ክብርን መጐስን እናተመነኹ፡ ነቶም ነቲ ንጥፍኣት ሃገርን ህዝብን ዝሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ጓይላ ብምድጋፍ፡ ደም ንጹሃት ኣሕዋትኩም ዘፍሰስኩምን ዝፈሰስኩምን ኣሕዋት ድማ ዓገብ እብል!

    ንመን!? ንመን ኢኹም ኣታ ደም ክትከፍልሉ!? ቁሩብ እባ ሕሰቡ! ዕላማ ደለይቲ ፍትሒ ንጹር’ዩ። “ንሰባት ብምኽሪ፣ ንእንስሳታት ብበትሪ፣ ህዝብን ሃገርን ካብ ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!” እዩ ዚብል እቲ ሓርነታዊ ጭርሖኦም። ስለዚ፡ ሰባት ኩኑ’ሞ ተመኸሩ! ከም እንስሳ ኣይትደከሩ! ንመን ኢኹም ኣታ ክትጣበቑሉ? ነዚ ገንዘብ ዝእምነቱ፡ ስልጣን ዝሃይማኖቱ ደማሒ!? ዝግ ኢልኩም እሞ ብዓይንኹም ዘይኮነስ ብልብኹም ብምርኣይ፡ ከም ሰብ ህድእ ኢልኩም ሕሰቡ! ዕላማ እዚ ፈያታይ (ሽፍታ) እዚ ትማሊ ዝረኣኹሞ’ዩ። ኣብ መንጐኹም ሓዊ ምስ ተኣጉደ፡ ዝሓዝካ ሒዝካ ህድማ። እምበኣርከስ ንሎሚ እዛ እዋናዊት ጭርሖ ብምድጋም ክሳናበተኩም፥ “ንሰባት ብምኽሪ፣ ንእንስሳት ብበትሪ፣ ህዝብን ሃገርን ካብ ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!

    ሓውኹም መሲናስ 24/12/2013

  • Keren December 24, 2013

    Good to see a demonstration of Eritreans in Israel:

    http://www.youtube.com/watch?v=aHBNXs1AheA&desktop_uri=%2Fwatch%3Fv%3DaHBNXs1AheA&app=desktop

    ……..

  • amiro mario December 24, 2013

    Misnas deleyti fitihi do elkayom nimintai ab zeymilkotomgudai kiatiwu yifutuni .kale wen alo….

  • Hidat December 24, 2013

    MESINAS

    NETOM HAGEROM ZEGDEU JEGANU
    NETOM ANEXAR HAGER ZENKASAKESU GEGANU
    NETOM FEKEDO AKEBA MIS AHWATOM ERITRAWIAN ZEBASUN ZEFGUN GEGANU……….TIXAREFOM IKA ZELEKA.BEABEUU NEAKA MIHRET YEWREDELKA.NENSESA ZEIKONU NEKEMATOM SEB EYOM ZEHARMU ZELEWU.WEYS ETOM ZEHIREMU ZELEWU ENSESATAT EYOM ABHAHILAKA????TEHIZEN
    EZOM DEYOM DELEYTI FETHI.

  • Mesinas December 28, 2013

    ዓለቕ፥

    ዝኸበርኩም ኣሕዋት፡ ኣሚሮ ማሪዮን ህድኣትን መሰልትኩምን፡ ንነፍሲ ወከፍ ወሃቢ ዓለቕ (ርእይቶ) ክምልስን ከረድእን’ኳ እኹል ግዜን ዓቕምን እንተዘይሃሎወኒ፡ ነቶም እንተ ብሃውሪ እንተ ብክፍኣት ግብሪ፡ ኣንጻር ህዝብኹምን ነብስኹምን ብምስራሕ፡ ንውልቀ መላኺ ትድግፉ ዘለኹም ዝሩዓት ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ዝኾንኩም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምርዳእን ምምካርን ግን ዋና ዕላማን ወፍርን ደላይ ፍትሒ ስለ ዚኾነ፡ መልሲ ክህበኩም ተቐሲበ ኣለኹ። ክቡራት ኣሕዋት፡ ብመጀመርያ ኣነን ንስኻትኩምን ብኣካል፡ ኣብታ ብደም ጀጋኑ ስውኣትና ዝተረኽበት’ሞ ሎሚ ውልቀ መላኺ ዚጻወተላ ዘሎ ሃገርና ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣብታ ብዓለም ደረጃ፡ ብመልክዓን ጽባቐኣን ኣብ ራባዓይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ፡ ማለት ኣብ ሓንቲ ካብተን ህይወት ዝመልሳ ተባሃግቲ ካፈተርያታታ ኴንና፡ ካፑቹኖ እናሰተና፡ (ሕሳብ ባዕለይ ዝኸፍሎ ማለት’ዩ) ብዛዕባ ሕማቕን ጽቡቕን ተግባራት ደለይቲ ፍትሒ ኣሕዋትና ከነዕልል ምእንቲ፡ ዘበነ ምልኪ ኣብቂዑ፡ ዘበነ ደሞክራሲ ሰፊኑ፡ ዓመተ 2014 ንኹልና እንኮላይ ነቶም ብውልቃዊ ጥቕምን ራዕድን ንሕሱም ምሕደራ ምልኪ ዝድግፉ ሰብና፡ ዓመተ ሓርነት ክትኮነልና ብልቢ እምነ።

    ብምቕጻል፥ ኩልና ከም ዝሰማዕናዮን ከም ዝተኸታተልናዮን እዞም ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ካብ ኣፍንጫኦም ቁሩብ ፍንትት ኢሎም ክርእዩ ዘይከኣሉ ኣሕዋትና ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ማለት፡ ያኢ ኣብ ማዕዶ ኮይኖም ብሬሞት ኮንትሮል ዝዓጽዉዎን ዝኸፍቱዎን ኣባይቲ ክውንኑ ብሕልሚ ተራእዩዎምስ ነቲ ንመላእ ህዝቦም ካብ ማይ፣ ካብ መብራህቲ፣ ካብ ሕክምና፣ ካብ ባንን ካልእ መሰረታዊ ሰብኣዊ ጠለባትን ሓሩሙ፡ ብራዕድን ሽበራን ሃብቲ ሃገር ዘባኽን ዘሎ ጉጅለ ሕሰም፡ ዶላርን ዩሮን ንምውፋይ፡ ኣብ ኣዳራሽ ተኣኪቦም፡ መታለሊ ቃላት ልኡኽ ውልቀ መላኺ ዝሰምዑ ስሱዓት ኣሓዋት ክትርኢ እንከለኻ፡ ከም ኤርትራውስ ይትረፍ ከም መሓዛ ኤርትራዊ እውን ብሕልናስ ኣይወሓጠልካን’ዩ። ስለዚ ድማ’ዮም ነፍሲ ወከፍ ሕልና ዘሎዎ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ተግባር ዝገበሩ።

    እዞም ምስ ኳደረ ህግደፍ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት፡ ሕልና እንተዝህልዎም ኔሩ፡ ነዚ ልኡኽ መታለሊ ጉጅለ’ዚ ዚኾነ ሰብ፡ እዋእ! ንህዝብና ሰብኣዊ ክብሩ ሓሊኹም መሰረታዊ ቀረባት ብምድላው፡ ንኣኡ ካብ ጸሓይን ዝናብን ዘዕቕለሉ ቤት ዘይሰራሕኩሙሉስ፡ ነዞም ሳላ ስደት ኣብ ምዉቕ ቦታን ንጹፍ ዓራትን ንነብር ዘሎና ኣህዛብ ገዛ ክትሰርሑልና ገንዘብ ትሓቱና ኣለኹም! ስለምንታይ!? ስለምንታይ ንቕድም ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ውጹዕ ወገንና መዕቐሊ ዘይትሰርሑሉ!? እቲ ዕላማ ጽበት ኣባይቲ ምቅላልዶ ኣይኮነን ዝብል!? ንሕናዶ ነጻብብ ኣለና ኢና ደኣ ቅድሚያ ንኣና ዝስረሓልና!? ወዘተ. ብምባል ዓገብ ዕየራ (ላግጺ) ክብሉዎ ምተገብአ። እዚኣቶም ግን ከምቶም ውሑዳት፡ ብብዙሓት ዝከዓቡ ዘለዉ ዝገብሩዎ፡ ዘሕፍር ተግባር ክገብሩ ልዕሊ’ቲ ብምልኪ ተጸቒጡ ዘሎ ሓዎም ክርኣዩ ምእንቲ፡ ቤትን ማኪናን ክውንኑ’ዮም ተጓይዮም። እዚኣቶም ድዮም ደኣ ሃገራውያን ዝበሃሉ!? እዚኣቶምድዮም ኣፍቀርቲ ህዝቦም!? ኣዚኣቶምድዮም ተግበርቲ ሕድሪ ስውኣት!? መልሲ ናባኻትኩም እገድፎ ኣሕዋት። ህዝብኻ ሓንቲ ንቕጽቲ ባኒ ንኽረክብ ኣብ ሪጋ እናሓደረ እንከሎ፡ ንስኻ ርግኦን ኣጅቦን ከም ድላይካ እናተመገብካ፡ መክት! ተጸመም! ክሓልፍ’ዩ! ወዘተ. እናበልካ ብውጹዕ ህዝብኻ ከተላግጽ ደበራ (ጽዩፍ ተግባር) እዩ። የቐንየለይ።

    “ንሰባት ብምኽሪ፣ ንእንስሳታት ብበትሪ፣ ሻቦያ ኢልና ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!”

    ርሑስ ልደተ ክሩስቶስን መቕሰኒና ዓመተ ሓርነትን ይግበረልና! ኣሜን!!!

    ሓውኹም መሲናስ 28/12/2013

Post a Reply to Keren Cancel Reply