Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፖለቲካ ሬሳ – ወየ፡ ወየ፡ ወየ! ወየ ንመዋቲ ወየ ነታ ስድራ!

ወየ፡ ንመዋቲ ዘይንፈግ መግነዚኡ ህያብ ኢዩ። ወናኒ ሓቒቕ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ገለ ካብቲ ወረጃ ስነ-ምግባ ራቱ ንሞት’ውን ንጹር ወግዒ ገይርሉ ኢዩ። ሞት ብውዕዩ ሬሳ ኣብቃሬዛኡ ኣብ ቅድሚ ቀባሮ ኣብዝተጋደመሉ ግ ዜ፡ ብኩሉ መለክዒ “’ወየ

ወየ፡ ንመዋቲ ዘይንፈግ መግነዚኡ ህያብ ኢዩ። ወናኒ ሓቒቕ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ገለ ካብቲ ወረጃ ስነ-ምግባ ራቱ ንሞት’ውን ንጹር ወግዒ ገይርሉ ኢዩ። ሞት ብውዕዩ ሬሳ ኣብቃሬዛኡ ኣብ ቅድሚ ቀባሮ ኣብዝተጋደመሉ ግ ዜ፡ ብኩሉ መለክዒ “’ወየ “ይበሃል። መዋቲ ከኣ ብከይብሉንን ካልእ ብዝወርዶ ሳዕቤናትን ከይተሰከፈ፡ ከምቲ ኩሉ ተመዓራርዩ ምስተገንዘ፡ ነናትካ ትንታነ ኣሎ ሽዑ። መራሕቲ ሃይማኖት፡“ፍትሓት“ ተባሂሉ ነታ ኣብ ኢድ ሰብን ፈ ጣርን ዝተንበርከኸት ቀጣፊት ነፍሲ በቲ ዘይርደኣና ዘረባ ግእዝ ክመዓቱዋ እንከለዉ፡ ሰብ ወየ’ውን ነናቶም መብከ ይ ዛዕባ ኣለዎም። ስድራቤት ምፍላይ ኣካሎም መሪርዎም ይውጭጩ። መላቐስቲ ድማ ብልቦም ታሪኽ መዋቲ ክት ንትኑ ይጅምሩ። ከምገለ ተግባራት መዋቲ ቅጭ እንተኣምጺእሎም፡ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ሞት ኣቐዲሞም ብዝሓለፉ ፍቑራቶም ከምዝቑዝሙን ንብዓቶም ከምዝዛርን ይውሳእ። ዝኾነ ኮይኑ ዓበይትን ቀባሮን ከምቲ ግቡእ፡ “ሓዘንተኛ ክነፍሰሉ“ ብምባል፡ ገለ ግዜ ምስተነብዐን፡ መዋቲ በቲ ግቡእ መስርሕ ሓሊፉ ናብታ ዕጫ ኩላህና ዝኾነት ኣፋ ከፊ ታ እትጽበ ጋህሲ ክድርገም ይግደድ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ቛሬጣን ተዝካርን ኣሰንዩ ዝሳለጥ ዓለማዊ ስንብታ ካብኮነ፡ ስለ’ቲ ብሉጽ ባህልናን ሓያልነትናን፡ ነቲ ንቡር ዘይረኸበ ገዲም ተጋዳላይ ነፈሲ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ “መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ“ ንበል፡ ምዉት ክንሕርም ስልጣንና ስለዘይኮነ። ብዓቢኡ ድማ ስድራኡ ኣላ። ከምኡ’ውን ዓለም ተራመን ተረፈ እንድያ፡ እቶም ዘይኣ በረኛታት ድማ ይልብሙ’ሞ ምስኦም ይጸንብረና ኣምላኽ፡ ኣሜን!!

“መለበምን ኣይኽላእካ፡ መለበምን ኣይግበርካ“ ኢሎሙና ወለዲ። በየናይ ኣእዛንና’ሞ ሰሚዕናዮ! እምበር ምርኣይሲ ንርእዮ ኣለና። ናይዝጊ ከምዚኣ ክገብርዎ ምዃኖም ተሰቝራቶ እንተትነብር ገለስ ምገበረላ ንታሪኹ። እንተኾነስ እቲ ስራሕ ዕማም ፈጣሪ ብምዃኑ ኣይተኻእሎን ናይዝጊ። ታሪኽከ ብኸመይ ድኣ ክገሃድ! ካብዘይተኻእሎስ በሉከምታ ተግባሩን “ይርከባ ድኣ“ ዝብልዎ ካሕዳያት ደቂ-መዛሙርቱ ኣይንዝምርን። እታ ስድራ ስለዘይኣበሰት ካብቲ ወሪድዋ ዘሎ ምክልባት ዝኸፍእ ውርደት ከኣ የለን እሞ ጽንዓትን ኣኻእሎን ድማ ይፍጠረላ ኣምላኽ ንስድራቤት መዋቲ!

መሸም እቲ ጫውጫውታ ብኩሉ  መዳያቱ ማለት ስድራ ምፍላይ ኣካሎም ኣጉህይዎም፡ ተቓወምቲ ድማ ንመዋቲ  ከየላፋለፍዎን ከየናዘዝዎን ብምኻዱ፡ ካሕዳያት ብቐንዶም’ውን ምስጢሮም ቛጺሩ’ዃ እንተኸደ፡ ገለ እንተተ መሰለሎም ከምስሉ ስንብራቱ ከይሃሰሰ ክኸድዑዎ ኢዩ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሕማም ድሓር። ኣኸለ በሉ፡ እቲ ዝኾነ ታሪኽ ኮይኑ እንድዩ፡ እቲ ቛሬጣ ጫውጫውታስ፡ ካብኡ ገለ’ዃ መኽሰብ ስለዘይብልና ንውሓጦ ጥራይ። ንሕና ንሐይሽ፡ ከም ንታሪኽ ምንባር ዝጥዕም ስለዘየለ። ብዓቢኡ ሬሳ እንተኸደ ምስ ታሪኽ ተሪፍና ኣለና’ሞ ከምቲ ታሪኽ ናይቶም ብግፍዒ ህግደፍ ዝተፈለዩና ካብ ጉድጓዱ ኣውጺእና ነዘንትወሉ ዘለና፡ እኪት ተልእኾ ምዉታትንን ህሉዋ ትን ኣባላት ህግደፍ ድማ ከምከብዲ ኢድና ስለእንፈልጦ ኣብዝኸደና የብሉን።

ስለምንታይ ኢዩ ናይዝጊ ሓመድ ዓደብኡ ተሓሪሙ?

 ድሕሪ ሓመድ ድበ ቅብጸት እንድዩ፡ ውራይ ተዝካርን ምዝንጋዕን፡ ዳግማይ ፍትሓት ኮይኑ ሓዘን ከይዛዘም ዝሓለነ ብቐንዱ ናብ ህዝቢ ናብ ወግዒ ዝቐነንዐ ውጹእ ዓገብ ህግደፍ ዝተጋህደሉ ኣጋጣሚ ናይ ሬሳ ፖለቲካ ከኣ ተገቲርል ና እንሆ። ከምቲ ትፈልጥዎ ህግደፍ ቁማርተኛ እንድዩ፡ ብሞትን መሸጣ ዜጋታትን ከምዝጣላዕ ክግለጽ ኢልዎ ድማ ምስ ሬሳ ክታረኽ ይርአ ኣሎ። ካብዚ ሰለስተ ነገራት ይጋሃዱ። በቲ ሓደ መራሕ ህግደፍ ፍጹም ኪዳን ዝበሃል ከም

ዘይብሉ፡ ብካልኣይ፡ ሬሳ ጅሆ ሒዙ ቁጠባውን ዲፕሎምስያውን ረብሓ እንተረኸበ፡፡ ብሳልሳይ ብፖለቲካ ያኢ ናይ ዝጊ ጠሊሙ ተባሂሉ ተሓላቕነት ህግደፍ ንህዝቢ ክደምቀሉ። ነቶም ካብ ማዕዶ ግደፍ ብህይወቶምስ ሬሳኦም’ዃ ዓዲ ከምዘይኣቱ ዝተነግሮም ተቓወምቲ ድማ ጉድ ክኾነኩም ምስክር ኢዩ ሬሳ ናይስጊ። ብዙሕ ባዶን ነውርን!

ወዮ ድኣ ክበላሸውካ እንከሎ ከምኡ ኮይኑ’ምበር መዋቲ በዓል ዕቁብ ኢሰይያስን ተረፍ መረፍን ኢለሞ እንድዮም ለባማት። እቲ ቁልፊ ገሃንብ ሒዙ ዝሰሓግ ዘሎ መራሒ፡ ተሰሪዖም ንዘለዉ ኣባላቱ ሰስሒቡ ናብ ጋህሶም ክድርግሞም እንከሎ ንርእሱ ክተርፍስ መዓስ ምጸልአ። ክንድቲ ዝናን ሃብትን ገዲፍካ ንዝኽየድከ እንታይ ኣህጸጾ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኦኦም ዝሓልፈሉ እንተኾይኑ ክጠላልም ነይርዎ። ግን ኣይከኣል ኮይኑስ ጥልመት ዝፈጠረሉ ትንግርቲ ብዘይምንባሩ ከኣ “ገባር ክፉእ ክንደየናይ ከይጥዕሞ“ ከምዝበሃል፡ ብተግባሩ ስጋኡን መንፈሱን ተፈላልዩ፡ እቲ መሐጐስ ሓያማት ዝብልዎ ውቃበኡ ብሽብርያታት ተሸቢጡ’ውን ዘይልከፍ ወጅሂ ኮይኑ ግዳማዊ ምስሉ ባዕሉ ደዊንዋ ጉዳም!

ኣችለንተ ወዲኣፎም ብሪ! ኪደላ’ምበር ዓለምዶ ትጽገብ ድኣ ኮይና! ግና መዘክርካ /ድያሪ/ ጽሑፋት ኣይትረስዕ ኣብ መንግስተ-ሰማያት ድማ ኣንጻር ፈጣሪኻን መንግስቲ ኣመሪካ ክትማጎት ስለዝኾንካ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይዝጊ ቅድሚ ምኻዱ፡ ብመንፈስ በዓል ወደ-ባቴ፡ በዓል ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ደቂ- ዕቁቡ ከርክብዎ ምዃኖም ኣተንቢህና ኔርና። እቲ ናብ ሰማያዊ ዓለም ዝጠመተ ስደት ካብተጀመረ እምበኣር ተሰሪዖም ዘለዉ ኣባላት ህግደፍ ኩሎም ክዘራጠቡ ግድን ኢዩ። ከምቲ ሞት ሓንሳብ ኣብውሽጢ ስድራ እንተኣትያ ትለኻኽም፡ ከምቲ ሞት ዓርኪ መሰታ/ሞትክናና/ ዘየደቅስን ዘየናሕስን፡ ተር ድኣ በሉላ ንሞት ዕሉላት ገበነኛት። ብሂወትኩም እ

ንከለኹም ፍዳኹም ኣርኪቡ ኢዩ’ሞ ንነብስኹም ብኸዩላ ውበታት። እምበር ናይዝግስ ሎሚ ኣይኮነን መይቱ፡፡ ኢሰይያስ ከኣ ከምቲ ባህርያቱስ ብግዳይነት በዓልኪዳኑ ትተርፍ ሩሕ ዘላቶ መሲልዎ፡ ከምቲ ንድሙ መጻወቲታ………….ዝተባህለ ከላግጸሉን ክኸድዖን ካብዝጅምር መዓስ ውሒዱ!!

ከምኡ ኢዩ ሕማቕ ሕልና። መለኽቲ ኣዝዮም’ዃ እንተኣጉባዕብዑ፡ ከምቲ ከይቀደምናዮም ዝበልዎ፡ ፈራሃትን ጥርሑ ገረወይናን ብምዃኖም ባህርያቶም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። ጠባያት ግዝኣተ- ማክያቨሊ ምዃኑ እንድዩ፡ ኣብ ቅድሚኦም ፍቅርን ስኒትን የለን፡ ኣማዕድዮም ዝርእይዎ ዕግርግር እንተዘይሃልዩ ሰላሞም ዝሕሎ ኣይመስሎምን……… ክሳብ ድማ ምስሬሳታት ኢዩም ዝናቘቱ። ከይረሓቕና መቓብር ሓርበኛታት ዝተሓረሙ ጀጋኑና መዓስ ውሒዶም። መንግስቱ ሃይለማርያም ንንጉስ ቀቲሉ ከይትንስኡ ሰጊኡ ግዲ ንምቁጽጻሮም ክጥዕሞ ኣብ ትሕቲ ቤትጽሕፈቱ ቀበሮም። ዓርኪ ኢሰይያስ ሙዓመር ኣልቓዛፊ ድሕሪ ምዕናዉ ንዝፈርሆም ፖለቲከኛታት ቀቲሉ ንዕስራን ሓሙሽተን ዓመታ ት ኣብ ፍርጅ ዘጽንሖም ረሳታት ተቓሊዖም። እዚ ምስ ምንታይ ትቖጽርዎ? ካልእ ብዙሕ ብዙሕ። ጎብየ’ውን እኮ  ዘፍርህዎ መይቶም ተቐቢሮም ጥራይ ዘይኮነ፡ መዋትቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ብስሚንቶ እንተዘይተረጪኖም ዝኣምን ኣይኮነን። በሉ፡ ካል ብዙሕ ዝተረፈ እኪት ንሰምዓሉ ግዜ ተቓሪቡ እንድዩ፡ ሕጂ ህግደፍ ክሰርሖ ንዝደሊ ድራማ ምዉታን ንተኣለየሉ። እቲ ፖለቲካ ሬሳ ከኣ ሬሳ ፖለቲካ ጥራይ ኢዩ’ሞ ሓድሽ ድማ ኣይኮነን። ከመይሲ ናይዝጊስ ዃ ብሙሉእ ኣካላቱ ክቕበር ኢዩ። ብተወሳኺ ተነቢዕሉን፡ ጸበቐ ከፍአ ድማ ታሪኽ ተዘንትይሉን ኢዩ። እቲ ካልእ መስዋእትን ምእንቲ ዶላራት ዝተፈናጥሐ ኣካላት’ኮ ድማ ኣሎ ። ደጊመ ንነፍሲ-ሄር መንግስተ-ሰማያት፡ ንስድራቤት መዋቲ ድማ ጽንዓት፡ እምነ።

ዓወት ንሓፋሽ!!

ጎደፋ

25-02-12

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Selamawi February 25, 2012

    Please, please! How low can we descend! This is not acceptable note. I beg assenna to remove this kind of comments. They simply are disgusting and repellent.

    Please offer condolences to the bereaved. And wish the dead man’s soul mengistesemayat – you know there is no physical dimension there, no politics… We all condemn PFDJ and its matrix Halewa sewra. But if God has mercy on them, well so be it, as long as they do not perpetuate our suffering…

    Thanks.

    • Baraee February 26, 2012

      Selamawi,

      Why are you just trying to suggest the a hearlt felt comment and with facts….You can negate and rebutt the opinion but to categorically suggest it get removed is amazing….What is bothering you? Is there a statement that needs to be corrected or you disagree with the substance of the message? To the contrary I am impressed with the details of the background to the culture on “death” and narrowing of a Tegadalay Naizghi-his deeds and loyalty to the dictator ,yet dispensable …

      • Selamawi February 26, 2012

        Dear Baraee,
        I was referring to the comment that was posted before mine. It was extremely offensive and in my view it was below what is acceptable … I suggested assena.com to remove it and, to their credit, they did.

        Thanks

    • mahta_yohannes@yahoo.com February 26, 2012

      may nayzgi kuflu’s soul burn in hell forever!
      may nayzgi kuflu’s soul burn in hell forever! amen
      may nayzgi kuflu’s soul burn in hell forever! amen
      and i wish Isayas and his supporters follow him to hell.

Post a Reply to Selamawi Cancel Reply