Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፖለቲካ ኣፍሪቃን ማሕለኻታቱን

ፖለቲካ ኣፍሪቃን ማሕለኻታቱን መራሕቲ መንግስታት ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ብዙሕ ምድላዋት ዝተገብረሉን ኣብ ሓድሽ ህንጻ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኻየደን ጽንብል መበል 50 ዓመት ምምስራት ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ/ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክዉሕዙ ድሕሪ ምቕናይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት

ፖለቲካ ኣፍሪቃን ማሕለኻታቱን

መራሕቲ መንግስታት ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ብዙሕ ምድላዋት ዝተገብረሉን ኣብ ሓድሽ ህንጻ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኻየደን ጽንብል መበል 50 ዓመት ምምስራት ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ/ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክዉሕዙ ድሕሪ ምቕናይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ነቲ ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ከም ዝጸንበልዎ ዝዝከር ኢዩ። ካብ ዝምስረት 50 ዓመቱ ረጊጹ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ጥራይ ኣይኮነን። ሃገራት ኣፍሪቃ እዉን ካብ ኤዉሮጳዊ መግዛእቲ ተናጊፈን ናጽነተን ካብ ዝእዉጃ 50 ዓመተን መሊአን እየን። ክሳብ ሕጂ ግና ድምጺ ምርጫ እናሰረቑን ህዝቢ እናረገጹን ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ዙፋን ናይ ምጽናሕ ሕማም ዘይተጋደፎም መራሕቲ እዮም ዝመርሕወን።

ዕልዋ መንግስቲ፡ ኲናት ሓድሕድ፡ ምልኪ እንኮ ሰልፊ፡…… ገለ ካብቶም ኣብ ፖለቲካ ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ ጎሊሖም ዝረኣዩን ፈዉሲ ዘይተረኽቦምን ሕማማት እዮም።  ናይ ቀረባ ግዜ ኣብነታት ክቐርቡ ይኽእሉ እዮም። መራሒ ሊብያ ዝነበረ ሙዓመር ኣልቓዛፊ፡ ድሕሪ ናይ 42 ዓመታት ምልካዊ ኣገዛዝኣ፡ ህይወቱ ብዝሰኣነሉ ዓቢ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ተኣልዩ።  መራሒ ግብጺ ዝነበረ ሑስኒ ሙባረክ እዉን ብተመሳሳሊ ህዝባዊ ናዕቢ ካብቲ ን30 ዓመት ዝነገሰሉ ቤተ መንግስቲ ናብቲ ናይ ሕልፈት ፍርዱ ዝፍጽመሉ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ኣምሪሑ። መራሒ ኣይቮሪኮስት ዝነበረ ሎረን ባግቦ፡ ካብቲ ኣብ ምርጫ ንዘጋጠሞ ስዕረት ምቕባል ሓንጊዱ ዝተወጠሓሉ ኮረሻ ስልጣን ተጎቲቱ ክወርድ ዝኸኣለ፡ ጠንቂ ሞትን ስደትን ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር ብዝኾነ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ እዩ። ፕረዚደንት ቱኒዝያ ዝነበረ ቢን ዓሊ ነቲ 21 ዓመታት ዘቑጸረ ዕድመ ስልጣኑ ራሕሪሑ እግረይ ኣዉጺኒ ብምባል ናብ ስዑድያ ክሃድም ዝኸኣለ፡ ምሩቕ ዩኒቨርሲቲ ክነሱ ንደረጅኡ ዘይበቅዕ ሕሱር ስራሕ ሰሪሑ እዉን ድራር እለቱ ክምእርር ዘይተፈቕደሉ መንእሰይ ነብሱ ብምቅጻል ዝጀመሮ ተቓዉሞ ናብ ዓቢ ህዝባዊ ናዕቢ ክቕየር ስለዝኸኣለ እዩ።

ናብቲ ኣብዚ እዋን ዝረአ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ምስ እንሰግር፡ ጉዕዞ ናይቲ ንሰሜናዊ ግዝኣት ማሊ ተቖጻጺሩ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር (ባማኮ) ኣብ ምግስጋስ ዝነበረ ቱምቡክቱ ዝተባህለ ብእስላማዊ ጥሩፍነት ዝኽሰስ ዕጡቕ ጉጅለ ክግታእ ዝኸኣለ ፈረንሳይ ብዘዋፈረቶ ሓይሊን ጎረባብቲ ሃገራት ናብታ ሃገር ብዝለኣኻኦ ዓቃብ ሰላም ሰራዊትን እዩ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ፡ ነቲ ወትሩ ካብ ኣጀንዳታቱ ዘይፈልዮ ጉዳይ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣልዒሉ ብምዝታይ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ወተሃደራዊ ምትእትታዉ ንኽግበር ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዘፈናቐሉን ኣሽሓት ንጹሃን ዝቐዘፉን ዕጡቓት ጉጅለታት ብምምካት ካብ ተግባራቶም ከም ዝቑጠቡ ንምግባር እዩ። ገለ ካብዞም ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ብሩዋንዳ ከም ዝሕገዝ ዝንገረሉ ንነብሱ “ምንቅስቓስ መጋቢት 23” ብዝብል ስም ዝጽዉዕ ጉጅለ፡ ዲሞክራቲኪዮስ ዲ ሊብሬሽን ዲ ሩዋንዳ፡ ኣልያስ ዴስ ፓትመይትስ ኣን ኮንጎ ሊብረ ኤት ሰቨርያ፡ ዲሞክራቲክ ፎርስ ማይ ማይ፡ ጌዲዮን፡ ማይ ማይ ካታ ካታንጋ ከምኡ’ዉን ሎርድ ረዚስታንስ ኣርሚ ዝተባህሉ ዕጡቓት ጉጅለታት ብ“ጸረ ህዝቢ”ነት ተወንጂሎም ኣለዉ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ዉሳነ እዚ ክበጽሕ ዝኸኣለ፡ ነታ ነዞም ዕጡቓት ጉጅለታት ትሕግዝ እያ ብምባል ዝኾነና ርዋንዳ ወሲኽካ፡ ኣንጎላ፡ ብሩንዲ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ታንዛንያን ኡጋንዳን ብ24 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝፈረማሉ ሓባራዊ ሰነድ ተቐቢሉ ብምጽዳቕ እዩ ነይሩ። ብመሰረት እዚ ዉሳነ እዚ፡ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ተልእኾ ምርግጋእ (United Nation Stabilization Mission in DRC) ዝተሰምየ ዓቃብ ሰላም ሓይሊ ተመስሪቱ ነቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ንምድምሳስ ናብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣምሪሑ ኣሎ። እዚ ዉሳነ እዚ ምስ ተመሓላለፈ፡ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሚካኤል እቶድያ ብዝተባህለ  ሰብ ዝምራሕ  ዕጡቕ ጉጅለ ንርእሰ ከተማ እታ ሃገር ብምቁጽጻር መንግስቲ ምዃኑ ኣወጀ። ምዕራባዉያን ሃገራት ሓላፍነቶም ብዝግባእ ኣየልዓሉን እናበለ ወቐሳታት ከቕርብ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ፍራንሲስ በዚዜ ድማ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣመና እናደፍአ ምስ ከደ እግረይ ኣዉጽእኒ ብምባል ናብ ካሜሩን ሃደመ።

መጽሔት ዘ ኢኮኖሚስት ንጉዳይ ደሞክራሲን ምርጫን ኣብ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ጽሑፍ ንንባብ ኣብቂዑ ነይሩ። ዘ ኢኮኖሚስት ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ብምቕዳም እዩ ሓተታኡ ኣስፊሩ። ፖለቲካ ኣፍሪቃ በየናይ ኣንፈት እዩ ዝጓዓዝ? ቅድሚ ትሸዓተ ወርሒ ኣብ ሴኔጋል ብዝተገብረ ምርጫ፣ እታ ሃገር ካብቲ ነጻ ዝወጸትሉ 1960 ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ብልዕልና ሓደ ሰልፊ ከም እትምራሕ ዝገበረ ምኽንያት እንታይ እዩ? ተቓወምቲ እታ ሃገር’ኸ ነቲ ምርጫ ብዓብላሊ ድምጺ ክዕወቱሉ ዝኸኣሉ፡ ነቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት “ብ90% ተዓዊተ እየ” ብምባል ስልጣን ጨቢጡ ዝነበረ ሰልፊ ብምስዓር ድዩ? ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት’ከ ብኸመይ ዉጽኢት ምርጫ ብኣንጻሩ ክኸዉን ክኢሉ? ማላዊ ኣብ ኢድ ዕጡቕ ጉጅለ ከም እትኣቱ ዝገበራ እንታይ እዩ? ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብኸመይ ንዕጡቓት ጉጅለታት እታ ሃገር ምግታእ ስኢና ናይ ሓገዝ ጻዉዒት ሓቲታ? ብኸመይ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዕጡቕ ጉጅለ ስልጣን ክቆጻጸር ክኢሉ?

ነዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ሕቶታት ንምምላስ ክኢላን ተንታኒን ፖለቲካ ምዃን ኣይሓትትን እዩ። ዋላ እኳ ኣብ ኣፍ ጥራይ ዝተርፍ እንተኾነ መንግስታት ኣፍሪቃ ደረት ብዘለዎ መንግስታዊ ስልጣንን ስርዓተ ምርጫን ከም ዝምእዘዙ ካብ ዝዛረቡ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣቑጺሮም እዮም። እንተኾነ ግን እዚ ብእዉጅ ኣገባብ ደረት ከም ዝግበረሉን ብሕጊ ከም ዝምራሕን መብጽዓ ዝተኣትወሉ ዘመነ ስልጣንን ስርዓተ ምርጫን፡ ዕድመ ስልጣን ብዘናዉሕ ሕጋዊ ሽፋን ጥራይ እዩ ተጎልቢቡ ተሪፉ እምበር ስልጣን ዘካፍልን ንተቓወምቲ ዘሳትፍን ኮይኑ ኣይተረኽበን። እቶም ንመንግስታዊ ስልጣን ዝምረጹ እዉን ተወከልቲ ሰልፍታት እምበር ተወከልቲ ህዝቢ ኣይኮኑን።  ስልጣን ዝሓዙ መንግስታት ሕጹያት ባዕሎም ክመርጹ ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ምርጫ ማለት ገንዘብ እናነስነስካን ብቅልጽም ብረት ድምጺ ህዝቢ እናሰረቕካን ኣብ ስልጣን ምቕጻል ማለት እዩ። ተቓወምቲ ሰልፍታት ብምርጫ ተዓዊቶም ኣብ ስልጣን ክመጹ እንተኾይኖም ከምቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰልፍታት ገንዘብ እናዘርኡ መረጽቲ ክዕድጉ ኣለዎም። ከምኡ ክገብሩ እንተኾይኖም ድማ ከምኡ ንኽገብሩ ዘኽእሎም ዓቕሚ ከጥርዩ ኣለዎም።  ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ላይበርያ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ፡ ብወገን ተቓወምቲ፡ ሕጹይ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝቐረበ ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ዮርሚ ጆሃንሰን፡ ቀይሕ ባድላ ወድዩ ፎርድ ዝዓይነታ ዘመናዊት መኪና እናሽከርከረ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብምዝዉዋር ንደገፍቱ ብመስኮት መኪናኡ ናይ ባንክ ቼክ እናዓደለን ገንዘብ እናበተነን እዩ ንኽመርጽዎ ዝምሕጸኖም ዝነበረ። ሚስተር ጆሃንሰን ንናይ ብሕቲ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብርክት ዝበለ ገንዘባዊ ጉንዖ እናሃበ ነቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ መንግስቲ ብብልሽዉና ከም ዝኽሰስ ይገብሮ ከም ዝነበረ ኩሉ ዝፈልጦ ናይ ቅርዓት ምስጢር እዩ።

ዘ ኢኮኖሚስት ኢንተሊጀንት ዩኒትኮም ዝተባህለ ትካል ምስ ትካል ኢብራሂም ፋዉንዴሽን ብምትሕብባር ንናይ ኣፍሪቃ ምርጫታት ብዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ሓበሬታ፡ ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሓሙሽተ ጉጅለታት ከፊልወን ኣሎ። ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ ደሞክራሲ ኣስፊና እያ ተባሂላ ዘላ ኣፍሪቃዊት ሃገር ካብ ደቡባዊ ግዝኣት ኣፍሪቃ ተነጺላ ኣብ ህንዳዊ ዉቅያኖስ እትርከብ ሞሪሸስ ጥራሕ እያ። ብካልኣይ ደረጃ፣ ዘይርጉእን እናሻዕ ቁጠዐ ዘለዓዕልን ደሞክራስያዊ ስርዓት ከም ዝሃነጻ ተገሊጸን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቦትስዋና፡ ናሚብያ፡ ዛምብያ፡ ቤኒን፡ ጋና፡ ሴኔጋል፡ ቱኒዝያን ሲሸልስን እየን።  ብሳልሳይ ደረጃ፡ ኣብ ቀቢላነት ዝተመስረተን ዝተዳቐለን ደሞክራስያዊ ስርዓት ከም ዝሃነጻ ተገሊጸን ዘለዋ ሃገራት ከኣ ሞሮኮ፡ ሞሪታንያ፡ ጊኒ ኮናክሪ፡ ኮትዲቯር፡ ኒጀር፡ ናይጀርያ፡ ሊብያ፡ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያ፡ ብሩንዲ፡ ታንዛንያ፡ ማላዊን ሞዛምቢክን እየን።

ብጉልባብ ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት ልዕልና ሓደ ሰልፊ ጥራይ ብምንጋስ ምልካዊ ስርዓት ከም ዝተኸላ ተጠቒሰን ዘለዋ ሃገራት ድማ ሱዳን፡ ጫድ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ማሊ፡ ኣልጀርያ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ጋምብያ፡ ጊኒ ቢሳዉ፡ ዚምባብዌ፡ ቤኒን፡ ኣንጎላ፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ማዳጋስካርን እየን። እዚ መጽናዕቲ’ዚ፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ሓንሳብ እዉን ምርጫ ተኻይዱላ ዘይፈልጥን ሕሱም ምልካዊ ኣገዛዝኣ ዝሰፈነላን ሃገር ምዃና ብምግላጽ ንበይና ኣብ ፍሉይ መዝገብ ከስፍራ ከሎ ንሶማል ድማ “ዝተኸፋፈለትን መንግስቲ-ኣልቦን ሃገር” ብምባል ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ሰሪዕዋ ኣሎ።

ነዚ ሓበሬታ’ዚ ምርኩስ ብምግባር ክንግምግም ከለና ብዙሕ ነገራት ክረኣዩና ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣፍሪቃ ሰናይ ምሕደራ ካብ 2007 ጀሚሩ ዓመታዊ ብ5% የንቆልቁል ኣሎ። ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ 49 ሃገራት፡ ኣብ 2005 ንተቓወምቲ ዘሳተፈ ምርጫ ናይ ዘካየዳ ሃገራት ቁጽሪ 24 በጺሑ’ኳ እንተነበረ ኣብ 2012 ግን ናብ 19 ወሪዱ። ኣብታ ናይ ደሞክራሲ ኣብነት ተባሂላ ትጥቀስ ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃ ብልሽዉና ሱር ሰዲዱ ሕብረተሰብ ይሕምስ ኣሎ። ፕረዚደንት ማዳጋስካር ዝነበረ ኣንድረ ራጀሊና ነታ ሃገር ብደም ኣሕዋት ዘጨቀወ ዕልዋ ብምክያድ እዩ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ስልጣን ጸኒሑ። ፕረዚደንት ኣንጎላ ጀሲ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ ካብ 1979 ክሳብ ሕጂ ልዕልና እንኮ ሰልፊ ብምርግጋጽ እዩ ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ። ኣብ ሴኔጋልን ላይበርያን ዝተኻየደ ምርጫ “ድምጺ ተሰሪቑ እዩ” ዝብል ስምዕታታት ከም ዘስዓበ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ኮትዲቯር፡ ኬንያ፡ ናይጀርያን ዚምባብዌን ዝተኻየዱ ምርጫታት ህይወት ኣሽሓት ንጹሃን ኣፍሪቃዉያን ዝለከሙ ከም ዝነበሩ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። መራሒ ናይታ ብሃብቲ ነዳዲ እትፍለጥ ኢኳቶርያል ጊኒ ፕረዚደንት ቴድሮስ ኣብያንግ፡ ነታ ሃገር ልዕሊ 30 ዓመት ምግዝኡ ከይኣክል፡ ኣብ ዝሓለፈ ምርጫ 95% ድምጺን 99% ናይ ፓርላማ መናብርን ከም ዝረኸበ ዝገልጽ ዝነበረ፡ ልዕሊ 90% ህዝቢ እታ ሃገር መዓልታዊ ብትሕቲ ሓደ ዶላር እናነበረን ናይ ተቓዉሞ ኣዉያቱ እናኣስምዐን ከሎ እዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ምርጫን ከም ኣምር እዉን እናሃሰሰን ከም ዝኸይድ ዝገብሩ ዘለዉ ምኽንያታት ብዙሓት እዮም። እቲ ከም ቀንዲ ምኽንያት ዝግለጽ ግና እቲ ንረብሓ ማእከል ዝገብር ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ዓለምና እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ስልጣን ዝጨበጡ ስርዓታት ብብልሽዉና እናባዕለጉ ዕድመ ስልጣኖም ከናዉሑ ከለዉ ኣብ መስመር ንምእታዎም ዝዉሰድ ዉሳነታት ኣብ ኢድ እተን ብቁጠባ ዝዉንጨፋ ዘለዋ ከም በዓል ቻይና ዝኣመሰላ ሃገራት እናኣተወ ይኸይድ ኣሎ። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት እንተርኢና፡ መንግስታት ኣፍሪቃ ካብ ምዕራባዊ ዓለም መናዉሒ ስልጣን ዝኾኖም ገንዘብ ብስም ልምዓት ክልምኑ ከለዉ ነቲ ከም ቅድመ ኩነት ዝቐርበሎም ሕቶታት (ምርጫ ምክያድ፡ ሕገ መንግስታዊ ምሕደራ ምህናጽ፡ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ምኽባር፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቲ ብWashington Consensus ዝፍለጥ ሊበራላዊ ሕጋጋት ምትግባር) ከማልእዎ ይሕተቱ ነይሮም እዮም። ሕጂ’ዉን እዚ ቅድመ ኩነት’ዚ ዋላ እኳ ንኣፍሪቃውያን ብምሕላይ ዝስግደድ እንተዘይኮነ ጠቕሊሉ ኣይጠፍአን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ዝተራእየ ሓድሽ ምዕባለ እንተልዩ ምትእትታዉ ቻይና ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ እዩ። ከምቲ ኣብ ዘመነ ዝሑል ኲናት መንግስታት ኣፍሪቃ ገጽ ምዕራባዊ ወይ ምብራቓዊ ደንበ እናረኣዩ መወልቶም ንምሕጓስ ኣብ ጎድኒ ሓደ ደንበ ተሰሊፎም ኣንጻር እቲ ካልእ ደንበ ዝቃለስዎ ዝነበሩ፡ ሕጂ’ዉን ምስ ምምጻእ ቻይና፡ ህንድን ብራዚልን ናብ ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ካብቲ ብምዕራባዊ ዓለም ዝቐርበሎም ግዴታታት ዘምልጡሉ ኣማራጺ ሓይሊ ዝረኸቡ ይመስሉ። ስለዚ ድማ ዋላ ንይምሰል ዝቕየዱሉ ኣሰርቲ መምርሒታት ኣየጋጥሞምን እዩ ዘሎ። ብ“ሕኸኸኒ ክሓከካ” ናብቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናጎልበተ ዝኸይድ ዘሎ ሓድሽ ደንበ ገጾም የቋምቱ ብምህላዎም ኣካይዳኦም መዉረርያ ክግበረሉ ኣይተኻእለን። ብኻልእ ወገን፡ ብሰንኪ ምትእትታዉ እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ሃገራት፡ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበሮ ረብሓታት ብቻይና እናተመንዝዐ ይኸይድ ብምህላዉ ኣንፈት ጠመተኡ ይቕይር ኣሎ። ንቻይና ከም ኣማራጺ ምሓዝ ዝመረጹ መራሕቲ ኣፍሪቃ ድማ ነቶም ብግበር ኣይትግበር ዘፈራርሕዎም ዝነበሩ ሃገራት ምዕራብ፡ “ከም ቃሕታና ክንከዉን ዘይትገድፉና እንተኼንኩም ዋላ ረድኤትኩም ይትረፈና” ክብሉ ትብዓት ይረኽቡ ኣለዉ።

ብኸምዚ ኣገባብ ግን ክሳብ መዓስ እዩ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ዝከኣል? ኣብ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮ፡ ኩሎም እቶም ኣብ ዝሞቐሎም ደንበ እናሰሓኑ ልቢ ህዝብታት ዘድመዩ ዉልቀ መለኽቲ፡ እንተስ ብዕልዋ፡ እንተስ ብብረታዊ ቃልሲ፡ እንተስ ብህዝባዊ ናዕቢ እናተገለፉን ህይወቶም እናሰኣኑን ጠፊኦም እዮም። እዞም ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ እዉን ንወሳንነት ህዝቢ ተገዛእቲ እንተዘይኮይኖም ዉዒሎም ሓዲሮም ኣዋድቓኦም ከም ዘይጽብቕ ተመኩሮታት ናይቶም ኣብ ማሊ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ኮትዲቯርን ዝነቶጉ ህዝባዊ ነድሪታት ብቑዓት መርኣያታት እዮም። እቲ መፍትሒ ኣብ ኢዶም እዩ ዘሎ። ንሱ ድማ ንብዙሕነት ኣረኣእያታት ዘአንግድ ናጻን ርትዓዊን ምርጫ ምዝዉታር፡ ሰናይ ምሕደራ ምርግጋጽ፡ ከምኡ’ዉን ንጻዉዒት ህዝቢ ጽን ኢልካ ብምስማዕ ግቡእን እዋናዊን መልሲ ምሃብ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ብዘይካ ኣማዉታኻን ኣጣፍኣኻን ምኽፋእ ካልእ ኣማራጺ የልቦን።

ንመዘኻኸሪ ክኾነና፡ ህዝባዊ ምልዕዓል ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ክነቱግ ከሎ ስልጣን ክገድፉ ዝተገደዱ መራሕቲ ገሊኦም ሃዲሞም ገሊኦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ ከለዉ ስልታዊ መሓዛ ኢሳያስ ዝነበረ ጋዳፊ ድማ ን42 ዓመታት ኣንበሳ ከም ዘይነበረ ኣብ ናይ ማይበላ ቱቦ ተደርብዩ ሞት ከልቢ እዩ ሞይቱ። ካብ ሞቱ ዉርደቱ ዝኸፍእ ሞት ዝበሃል ከምዚ እዩ። ስለዚ ከምዚ’ዉን ኣሎ’ሞ ዝሰምዕ እዝኒ እንተልዩ ሕጂ’ዉን መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ መገዲ ምስትዉዓል ክመላለሱ ምዝኽኻር፡ ናይ ወትሩ ምሕጽንታ ህዝብታት ኣፍሪቃ እዩ።

ኣማኑኤል ማህደረ

(iamamanuel@yahoo.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Yerihiwo June 2, 2013

    Welcome Amanuel Mahedere!!! We missed your articles. I hope you are doing well. Keep up the good work Amanuel gigna!

  • fthi delye June 2, 2013

    Ema great keep revealing the hidden secret of pfdj.good job

  • Harnetna. June 2, 2013

    Ama, good article, i like your Tigrigna, it take me 5-7 minutes to read the whole article…its readable,

  • kemal June 2, 2013

    What an articulated piece brother Amanual, you put the overall political, cultural and economical scenario of mother Africa in one page. One thing what we African have not invested well and we need to do it in the future is a peoples healthy movement. Which I believe could produce a sustainable and consistent change and progress in the above mentioned key factors to a lasting piece and stability of the Continent. For this matter the elite and the intellectuals along the youth have to play a key role in galvanizing their society along education, economic development and an over all socioeconomic progress.

  • Truly truly i say to you June 3, 2013

    What an outstanding journalistic talent. I love, enjoy and very impressed by the beauty of the Tigrigna language brother Amanuel Mahdere expressing. Defiantly you will be one of the leading star journalist in coming free democratic Eritrea even now it be you are simply the best. Such a talented person unfortunately has no place in Isayas era. But the time will come all our gifted citizens they be respected. God´s will!

  • Habte Michael June 18, 2013

    Amanuel, I read all your articles , you’ve done a wonderful job exposing the hidden agendas of the criminals in Eritrea. Your dedication and determination is always recognized and apperciated by all peace loving Eritreans.
    Habte Michael

POST A COMMENT