Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ መበል 45 ፕረዚደንት ኣመሪካ ብምዃን ሎሚ ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ መበል 45 ፕረዚደንት ኣመሪካ ብምዃን ሎሚ 20 ጥሪ 2017 ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ። ንሱ ኣብ ጽምብል ቃለ-ማሕላኡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ኣመሪካ ፋብሪካታት ዝባደሙላ፣ ገበናት ዝሳዕረረላ፣ ስርዓተ- ትምህርቲ ዝወደቐላ ሃገር ኮይና ምህላዋ ብምጥቃስ፣ ዘበነ ፕረዚደንትነቱ ኣብታ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ መበል 45 ፕረዚደንት ኣመሪካ ብምዃን ሎሚ 20 ጥሪ 2017 ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ።

ንሱ ኣብ ጽምብል ቃለ-ማሕላኡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ኣመሪካ ፋብሪካታት ዝባደሙላ፣ ገበናት ዝሳዕረረላ፣ ስርዓተ- ትምህርቲ ዝወደቐላ ሃገር ኮይና ምህላዋ ብምጥቃስ፣ ዘበነ ፕረዚደንትነቱ ኣብታ ሃገር ለውጢ ከምጽእ ምዃኑ ተመባጺዑ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ዘስምዖ መደረ፣ ንምስሊ ኣመሪካ ዝድውን፣ ብዓቢኡ፣ ነቲ ካብ እዋን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣትሒዙ ክሳብ ‘ዚ እዋን ‘ዚ ኣብቲ ሕብረተሰብ ተኸሲቱ ዘሎ ፍልልይ ናይ ምጽጋን ኣመት ዘይብሉ፣ ናብ ደገፍቱ ዝቐንዐ ሰንኮፍ መደረ ምንባሩ ገሊጾም።

ብደረጃ ዓለም ክርአ ኸሎ ‘ውን፣ መደርኡ፣ ኣህጉራዊ መሪሕነት ኣመሪካ ዕሽሽ ብምባል ናብ ውሽጢ ዘተኮረ፣ ጸቢብ ሃገራውንት ዘንጸባርቕ ቃና ዝበጽሖ ምንባሩ ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ጽምብል ንምስታፍ፣ ጸዓዱ ኣመሪካውያን ዝበዝሑዎም ከም ፕረዚደንት ክምረጽ ብድምጾም ዝሓገዙዎ ኣሽሓት ደገፍቱ ክርከቡ ከለዉ፣ ንመሪሕነት ፕረዚደንት ትራምፕ ከም ስግኣት ዝረኣዩዎ ካልኦት ኣሽሓት ተቓውሞኦም ክገልጹ ውዒሎም።

Trump obama

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማን ስልጣን ብሰላም ይለዋወጡ

 

 

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ፕረዚደንታዊ ስልጣኑ ሎሚ ዘረከበ ባራክ ኦባማ ሓደ ካብቶም ምስ ልዑል ህቡብነቶም ስልጣን ዝለቐቑ መራሕቲ ኣመሪካ ኮይኑ ክፋኖ ከሎ፣ እታ መዋዳድርቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝነበረት ሂላሪ ክሊንተን ምስ ብዓል ቤታ፣ ፕረዚደንት ነበር ቢል ክሊንተን ኣብቲ ጽምብል ተሳቲፋ።

ኣብ ሕብረተ ሰብ ኣመሪካ ዝተኸስተ ፖለቲካዊ ፍልልይ ምረቱ ብዘየገድስ፣ እቲ ምስግጋር ስልጣን፣ ከምቲ ንሓያለ ዓመታት ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ያታ እታ ሃገር ብሰላም ተፈጺሙ።

Adama- Yahya

22 ዓመታት ፕረዚደንት ጋምብያ ኮይኑ ዝጸንሐ ያሕያ ጃምዕ ዛጊት ንምሩጽ ፕረዚደንት ኣዳማ ባሮው ስልጣን ካብ ምርካብ ይሕንግድ

ብፍላይ ብመንጽር ‘ቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር፣ ጋምብያ፣ ንምርኽኻብ ስልጣን ብዝምልክት ኣብ መንጎ ‘ቲ ኣብ ምርጫ ተሳዒሩ ክንሱ ዛጊት ስልጣን ምርካብ ኣቕቢጹ ዘሎ ፕርዚደንት ነበር ያሕያ ጃምዕን ምሩጽ ፕረዚደንት ኣዳማ ባሮውን ተኸሲቱ ዝቐነየ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክርአ ኸሎ፣ ዋላ ‘ኳ ኣብ ኣመሪካ በብግዚኡ ጸብለል ኢሎም ዝርኣዩ ፖለቲካዊ ምፍሕፋሓት እንተለዉ፣ ሃገራዊ ቅዋምን ድልዱላት ፖለቲካዊ ትካላት ኣመሪካን ዘተኣማምኑ ውሕስነታት ‘ታ ሃገር ምዃኖም ዘማትእ ኣይኮነን።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • andom January 21, 2017

    As usual our beast will condemn the intervention by west african forces instead of the cuase for the intervention, which is dictatorship and lust for power or jamehs refusal to accept peaples whish and choice.

  • k.tewolde January 21, 2017

    It is a stark contrast,one hands over the mightiest power on the face of the earth by exchanging a box of gift from Tiffany’s the other hides behind his rogue armed gang and dares his brother to come take it.Sounds familiar? The African machismo,loves drinking his brothers blood,nobody else’s.

    • Degoli January 21, 2017

      Whoever you are Kalid or Kalifa for K, when are you going to speak about the savage Arabs that you worship and emulate here? Why did the Abeed slave minded leaders of Jebha burn Eritrean languages such as Tigre to Arabize Eritrea?
      When are you going to speak about the pain of Eritreans in the hand of the savage Arab Muslims or about the genocide on the Muslims of Darfur?

      • k.tewolde January 21, 2017

        Geography 101, Darfur is located in Sudan,and Sudan is an African nation.As for the other garbage,I could have answered you,but that is not the topic of this article. Capiche Degoli.

POST A COMMENT