Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ ሰልፊ ANC ብዝገበረሉ ጸቕጢ ስልጣን ድሕሪ ምልቃቑ ሚስተር ሲሪል ራማፎዛ ሎሚ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ብምዃን ቃል ማሕላ ፈጺሙ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ፡ ዝመርሖ ዝነበረ ሰልፊ ANC ማለት ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ፡ ስልጣን ክለቅቕ እንዘየለ ግን ንምውጋዱ ኣብ ፓርላማ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ክካየድ ምዃኑ ብዝገበረሉ ብርቱዕ ጸቕጢ ስልጣን ክለቅቕ ድሕሪ ምግዳዱ ሚስተር

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ፡ ዝመርሖ ዝነበረ ሰልፊ ANC ማለት ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ፡ ስልጣን ክለቅቕ እንዘየለ ግን ንምውጋዱ ኣብ ፓርላማ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ክካየድ ምዃኑ ብዝገበረሉ ብርቱዕ ጸቕጢ ስልጣን ክለቅቕ ድሕሪ ምግዳዱ ሚስተር ሲሪል ራማፎዛ ሎሚ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ብምዃን ቃል ማሕላ ፈጺሙ።

ንሱ ትማሊ 14 ለካቲት ኣብ ቴለቭዥን ደቡብ ኣፍሪቃ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ናይ ስንብታ መግለጺ፡ ዋላ ኳ ምስቲ ናይ ሰልፊ ANC ውሳኔ ዘይሰማማዕ እንተኾነ፡ እቲ ሰልፊ ምእንቲ ከይገማማዕ ብህጹጽ ካብ ስልጣን ክሰናበት ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ኣብ መግለጺኡ፡ `ብስመይ ሓንቲ ህይወት ክትጠፍእ የብላን፡ ANC `ውን ብሰንከይ ክከፋፈል የብሉን` ብምባል እዩ ከም ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስልጣኑ ከምዘብቅዐ ኣገንዚቡ።

ካብ 2009 ኣትሒዙ ከም ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ከገልግል ዝጸንሐ ወዲ 75 ጃኮብ ዙማ፡ ሓያለ ናይ ብልሽውና ክስታት ክቐርቡሉ ድሕሪ ምጽንሖም፡ ስልጣን ነቲ ከም ምኽትል ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ፡ ከም ሓድሽ መራሒ ሰልፊ ANC `ውን ዝተመርጸ ሲሪል ራማፎዛ ከረክብ ቀጻሊ ጻውዒት ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ።

ሓደ ካብቶም ብብልሽውና ዘኽሰሱዎ ጉዳያት፡ ምስቶም ህንዲ ዝመበቆሎም እንዳ ጉፕታ ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣዝዮም ሃብታማት ስድራቤት ዝጸንሖ ጥቡቕ ርክብ እዩ። በቲ ምስ ጃኮብ ዙማ ዝፈጠሩዎ ምትእስሳር ቁጠባዊ ረብሓታት ካብ ምኽዕባት ሓሊፎም ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት `ውን ገበርትን ሓደግትን ናብ ምዃን ደረጃ ምብጽሖም፡ ብቐንዱ ኣባላት ናይቲ ንሱ ክመርሖ ዝጸንሐ ሰልፊ ANC ቀንዲ ነቐፍቱ ከምዝኾኑ ገይሩዎም ጸኒሑ።

በዚ ምኽንያት እቶም ነቲ ናይ ውሑዳት ጸዓዱ ዓሌታዊ ምሕደራ ናይታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየት እንዳስትርያላዊት ሃገር ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ምቅላስ ብጾቱ ዝነበሩ ቀንዲ ነቐፍቱ ኮይኖም ድሕሪ ምጽንሖም ካብ ስልጣን ምውራዱ ብሓጎስ ክቅበሉዎ ከለዉ፡ ገለ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ካብ ስልጣን ተደፊኡ ብዝብል ቅሬታ ዝደናገጹሉ `ውን ከምዘለዉ ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ይኹን`ምበር እቲ ካብ ስልጣን ክወርድ ዝተሰማምዐ መሪሕነት ANC ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጃኮፕ ዙማ ካብ ስልጣን ምውራዱ ንህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ቅሳነት ከምዝፈጠረሉ ኣገንዚቡ።

ምኽትል ዋና ጸሓፊ ናይቲ ሰልፊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ `ፕረዚደንት ዙማ መትከላዊ ኣባል ANC ኮይኑ ክቕጽል እዩ፡ ንዝገበሮ ልዑል ኣበርክቶ ድማ ነሞግሶ ኢና` ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ደቡብ ኣፍሪቃ ንብዙሕ ዓመታት ዝተቓለሰ ምስቲ ከም ኣቦ ናይቲ ቃልሲ ዝፍለጥ ኒልሰን ማንዴላ `ውን ን 10 ዓመታት ዝተኣስረ ጃኮብ ዙማ ብኣዝዩ ቅልጡፍ ፍጻሜታት ተደሪኹ ስንብትኡ ትማሊ ክዉን ድሕሪ ምዃኑ፡ ሚስተር ሲሪል ራማፎዛ ሎሚ ብኡ ንብኡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ብምዃን ቃል ማሕላ ፈጺሙ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Gedamu February 16, 2018

    Good luck to the people of South Africa for the future.
    Lets also hope in a very near future there would be similar positive changes in Eritrea,
    although in our poor Eritrea it looks like when only God decides enough is enough
    that positive change and lasting peace and freedom will happen or arrive. But change will come soon.

  • Berhe Tensea February 17, 2018

    Africa is heading for a democratic governments. The few blood sucking parasites like Iseyas who are causing death,hunger, and poverty need to be eliminated by any means necessary. Dictators like Iseyas are turning nations in to deep trouble and heading them to the cliff for final doom..

    The Eritrean dictator is leading a banana republic populated by herd like humans paralyzed to do any thing sensible to live in this world happy.
    Death to the dictator or grandson of Bashai Lema and his compatriot Yemane Monkey or Yemane Ghezheng Meshesha .

POST A COMMENT