Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፕረዚደንት ምስሪ ነበር ሑስኒ ሙባረክ ኣብ መበል 91 ዓመቱ ሎሚ ዓሪፉ።

ድሕሪ ምልዕዓል ህዝቢ ምስሪ፡ ካብቲ ን 30 ዓመት ሒዙዎ ዝጸንሐ ስልጣን ብ ሰራዊት ግብጺ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ሑስኒ ጅሙባረክ ኣብ መበል 91 ዓመቱ ሎሚ ኣብ ካይሮ ከምዝዓረፈ ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን። ሑስኒ ሙባረክ ካብ ስልጣን ድሕሪ

ድሕሪ ምልዕዓል ህዝቢ ምስሪ፡ ካብቲ ን 30 ዓመት ሒዙዎ ዝጸንሐ ስልጣን ብ ሰራዊት ግብጺ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ሑስኒ ጅሙባረክ ኣብ መበል 91 ዓመቱ ሎሚ ኣብ ካይሮ ከምዝዓረፈ ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን።

ሑስኒ ሙባረክ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፡ ህዝባዊ ምልዕዓል ኣብ ዝተኸስተሉ እዋን ኣብ ሞት ብዙሓት ሰልፈኛታት ኢድ ነይሩካ ተባሂሉ ገበነኛ ኮይኑ ከምእተረኽበ ይፍለጥ።

ይኹን`ምበር እቲ ፍርዲ ተቐልቢሱ ኣብ መጋቢት 2017 ነጻ ተበሂሉ ነይሩ እዩ።

ሞቱ ሃገራዊ ቴለቭዥን ግብጺ ኣረጋጊጻቶ ኣላ።

ኣብ 1928 ዝተወልደ ሑስኒ ሙባረክ ኣብ እዋን ንእስነቱ ኣብ ሓይሊ ኣየር ግብጺ ተጸንቢሩ ኣብቲ ብ 1973 ዝተኻየደ ናይ ዓረብ-እስራኤል ኲናት  ኣገዳሲ ተራ ከምእተጻወተ ይፍለጥ።

ዓሰርተ ዓመት ድሕሪ ኲናት ዓረብ እስራኤል፡ ፕረዚደንት ኣንዋር ሳዳት ድሕሪ ምቕታሉ ድማ ፕረዚደንት ምስሪ ኮይኑ ን 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸኒሑ። ኣብ መስርሕ ሰላም እስራኤል ፍሊስጤም ዓቢ ተራ ከምዝነበሮ `ውን ይፍለጥ።

ኣብ ዘበነ መሪሕነት ሑስኒ ሙባረክ፡ ምስሪ ካብ ኣመሪካ ብሕልፊ ቢልዮናት ዶላራት ወተሃደራዊ ሓገዝ ትረክብ ኳ እንተነበረት፡ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ድኽነትን ብልሽውናን ኣብታ ሃገር እናዓበየ መጺኡ። ኣብ 2011 ዘይዕጉብነት ህዝቢ ምስሪ እናገንፈለ ድሕሪ ምኻዱ ኸኣ ንናይ ቱኒዝያ ህዝባዊ ምልዕዓል ተኸቲሉ ኣብ ምስሪ ድሕሪ ዝተጋህደ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ብሰራዊት ምስሪ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተገዲዱ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Zeregabir Teaghes February 25, 2020

    RIP,

  • Embaye February 28, 2020

    RIH – Rot In Hell Egyptian dictator soon to be followed by Eritrean dictator IA.
    Rest in peace is only for good (peoples) leaders like Fidel Castro.