Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ብዝገበረሉ ዘሎ ምቅላዕ ዝተሻቐለ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምፍሓስ ከምዝርከብ፣ ምስኡ ብዝተኣሳሰር ምኽንያት ‘ውን 7 ኣባላት ምክትታል ዶባት ከምዝኣሰረ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ን 15 ዓመታት ብዘይ ገበንን ፍርድን ኣብ ማሕዩር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ክሳቐ ጸኒሑ ብጅግንነት ምቑሕ ናይቲ ጨካን ስርዓት ሰይሩ ብትብዓቱን ብልሓቱን ነጻ ዝወጽአ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ምስ ድምጺ ኣሰና ብዝገብሮ ዘሎ ግሉጽን ዓሚቝን

እቲ ን 15 ዓመታት ብዘይ ገበንን ፍርድን ኣብ ማሕዩር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ክሳቐ ጸኒሑ ብጅግንነት ምቑሕ ናይቲ ጨካን ስርዓት ሰይሩ ብትብዓቱን ብልሓቱን ነጻ ዝወጽአ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ምስ ድምጺ ኣሰና ብዝገብሮ ዘሎ ግሉጽን ዓሚቝን ተኸታታሊ ቃለመጠየቕ ንባርባርነትን ውዲትን ኢሳይያስን ስርዓቱን ዝገብሮ ዘሎ ጽጹይ ምቅላዕ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ውዕዉዕ ተሰማዕነት ብምርካቡ ዝሰንበደ ሽፍታ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ኣብ ህዝቢ ሓዲሩ ዘሎ ቁጥዐን ነድርን ንምዝሕሓል መድሓኒ ገጽ ንምርካብን ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳ ይኣልም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሎሚ ቕነ ናይ ካድረታቱ ጸበብቲ ኣኼባታት ብምክያድ፣ ፓይሎት ደጀን ምስ CIA ርክብ ከምዝነበሮ፣ ናብ መንግስቲ ኣመሪካ ሓበሬታ የታሓላልፍ ከምዝነበረ፣ ካብ ቤትማእሰርቲ ነጻ ዘውጽኡዎ ‘ውን ናይ ኣመሪካ ሰለይቲ ምዃኖም ናይ ሓሶት ጸብጻብ ዝሓዘ ዘነድ ብምድላው ብወግዓዊ መንገድን ባዶ ሰለስተን ነዚ ናይ ጸለመ ወረ ናብ ህዝቢ ንምዝርጋሕ መደባት ሂቡዎም ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

በዚ ኣብ ስውራ ዓብዩ ሃገሩ ንምግልጋል ተወፋይነቱ ብግብሪ ዘርኣየ በሊሕን ተባዕን ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ዝገብሮ ዘሎ ምቅላዕ፣ እቶም እሙናት ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ከይተረፈ ብጭካኔን ሕጊ ኣልቦነትን እቲ ዓማጺ ስርዓት ሰኪሖም ብጋህዲ ይጽይኑዎ ስለዘለዉ፣ ነቲ ወትሩ ምስጢራቱን ክፍኡን ምስ ተቓልዐ ነዚ ዓቅሊጽበታዊ ኣጕል ናይ ጸለመ መደብ ክኣትዎ ከምዝተገደደ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፣ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ‘ኣጻምእ ደንከል ሰጊሩ ባሕሪ ቆሪጹ ክሳብ ዝሳገር እንታይ ትገብሩ ኔርኩም’ ብዝብል ምኽንያት 7 ኣባላት ምክትታል ዶባት ኣሲሩ ከምዘሎ ‘ውን ተፈሊጡ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
107 COMMENTS
  • farhan mahamed May 31, 2014

    እቲ ዝገርም ህዝቢ ኤርትራ ሓቂ ዝይምፍታዉ እዩ ምክንያቱ እዚ ስርዓት ህግድፍ ዘላመዶ ነገር ኣሎ እሱ ካኣ እንዳሞትካ ትንብር ከም ዘለካ እንዳ ሃደምካ ከም ተዝልቅ ዘለካ ነገራት ወርቂ ኣልማዝ እንዳበልካ ክትሓልፎ መንገዲ እንዳ ሃለወካ ጓል መንገዲ ምምጻእ ሎሚ ብዛዓባ ጀግንነት ምዝራብ ኣብ ዓልም እቲ ዝክፍእ ባርነት እንዳኣሕለፍካ በዛዓባ ናጽነት ምዝራብ ማእለያ ዝይብሎም ኤርትራዊን ኣብ ፍቆዶ ቤት ማእስርቲ ሂዎቶም እንዳ ሓለፈ ብዛዓባ ውልቂ ጉዳይካ ምዝራብ እቲ ዝገርም ካኣ ብኣውራጃ ተፋላሊካ እሞ ብጀካካ ካሊእ ከም ዘይብላ ሃገር ካልኦት ቤሄራት ከም ሰብ ዝይሕሰቡላ ሃገር ናይ ሰብ መሰላት ዝይሕለዎላ ሃገር ሒዝካ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን እቲ ዝገርም ኣዚዩ ዘስደምም ካኣ እቶም ዝመርሕካ ላዕልን ታሕትን ዘቡሉካ ክም ሰብ ምንባርካ ናብ ዝይምንባር ዝለዎጡ ሰባት ዳርጋ ኮሎም ኢትዮጵያዊን ክንሶም ምስኦም ኮይንካ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያዊ ክትጽልእ ብፍላይ ግን እቲ ዝግርም ክርስትያን ኢና ባሃልቲ ነቶም ፎቆዶ ጉድጓድ ታኣሲሮም ዘሎው ይሕዋትክም ዝክሮውም እንተ ንሕና እሞ ማዓልቲ ——

    • ahmed saleh June 2, 2014

      Itom haleyti christiyan behalti netom tegefiom zelewu ahwatkum zekerwom .
      Brother Farhan you said the truth . AB NAY HAKI METEREAS DEKISKA AB MENGEDI
      BABUR DEKS YIBL MISLA ABOTAT .

  • gabru May 31, 2014

    ዝኸበርካ ኣማኒኤል ብትገብሮ ዘሎኻ ሓቀኛ ሓበሬታን ምቅላዕ ንዲክታቶር ኢሰያስን ብጣዕሚ የመስግነካ። ብተወሳኺ ነቲ ጅግና ወዲ ጀጋኑ ዝኾነ ደጀን ዓንደሕሸል ካብቶም ኣብ ሰውራ ዝፈረዩ ኣብነታውያን ቤት ትምህቲ
    ሰውራን ኣብነት ውልዶ ሓይሊ ኣየር ኤርትራን ኣብነት ብዘይ ገበን ፍርድን ን15 ዓመታት ዝተመቕሐን ዝተኣስረን ውልዶ መንእሰይ ሲምቦል ታሪክ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ እሞ ኩሎ በዓል ዓቕሚ መጽሓፍ ክጽሕፈሉ ይላቦ።

    ዓወትና ናይ ግድንዩ!!!

  • Asgedet May 31, 2014

    ክቡር መራሒና ፕረዚደንት ሃገረ ኤሪትራ ደጀን ዓንደ ሒሸል

    ዓቕሉ ዝጸበቦ ህግደፍ ንሺምካ ከጥፍእ ላዕልን ታሕትን ከምዝብል ፍሉጥ እዩ እዚኻኣ አንታይእዩ ዝነግረና ንህግደፍ ከምዝሳዓርካዮ እዩ ዘርእየና ዘሎ ከምቲ ኢሳያስ ካብ ገሃነምእሳት ዝተላእከ ንስኻ ኻኣ ካብ ኣርያም ካብ ሰማይ ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነትን ሰላምን ራህዋን ከተምጽኣሉ ዝተላኣኽካ ሰብ ኢኻ።

  • Ibrahim Mohammed May 31, 2014

    The great Escape!!!
    this is the greatest escape from the dictator’s prison ever attempted by any mankind in our history.I don’t call it escape bur rebirth.This is an extraordinary escape well planned and well executed.This is high time for our writers, firm directors and artists to produce a film based on this true story of man’ heroic action of great bravery, courage,determination and well planned action of survival.When you hear all the story of Degen, you say aha!! Alewuna!! Alewana!!Yes we have great men and women like Dejen who can save Eritrea and its people.Congratulation Degen.
    God bless you

  • temesgen May 31, 2014

    hi aminalial bitgebre zeloka ketselo

  • hadnet May 31, 2014

    ደጀን ጅግና ወዲ ጀጋኑ ኣንበሳ እንቃኣ ብሰላም ካብ ኣፍ ገህሀበል ኣውጻኣካ ኣምላኸ ኣብ ኩሉ ማዐልታዊ ጉዐዞካ ምሳካ ይኩን ኣጆካ

  • hadnet May 31, 2014

    ካብ ተንኮለና አሰያስ ድኣ ኢንታይ ትጽበዩ ብጀካ ጸለመ ክፍኣትን ኣንበርናይ ደጀን ኑጹህን ሐቀኘ ሙካኑስ ደንቆሮ ኢንተዘይ ኮይኑ ንአሰያስ ዝኣምን ኣይክህሉን ኢዩ

  • teberaber May 31, 2014

    Bankruptcy at its height !
    If the CIA is getting to even deep the prison cells then what are “the long arms” of PFDJ doing?

  • Ashebir May 31, 2014

    ከም ውትሩ ህግደፍን ኮራኩሩን ዝግብርዎ ነገር ተሃሊዩ ኣብ ከምዚ እዎን ን የዋህ ን ምድንጋር ጎኒ ጎኒ እት ሓቀኛ ድምጽ ናይ ጸለመ መናፍሕ ምንፋሕ እዩ።ኣብዚ ሞያ እዚ ካኣ ሙኩራት እዮም ፥ ፐርከ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ምምስራት ስልፊ ናጽነት መጀመርያ ሰብዓታት ኣትሒዞም ዲክታቶር ኢሰያሲን ሳዓብቱን ንዝተቃውሙውን ን ዝበድህዎን ኮራኩር ዳላኣኸ ምንሻው ምውራድን ምጽላምን ስርሑ እዩ።እዞም ናይ ዘበና ኮራኩር ዳያስፖራ YPFDJ ኣብ ናቕፋ ዳወሰዱ ዚማሃሩዎም ዓባይ ምህሮ ካኣ ንሳ እያ፥ ን ፍኒሕኒሕ ዝበለ ወይ ሓቂ ኪዛረብ ዚፈተነ ዓጋመ ኣልካ ምጽላም ጽቡቅ ጌሩ የማነ ማንከይ ካብ ዘስነቖም ስንቂ እያ።ደጊም ግን ክንደይ ግዜ ከተታሉሉና ,,,,ጸለመ ይፋሓስ ከምዘሎ ርዱእ እዩ፠፠፠ ሓቢርና ካኣ ክንሰምዖ ኢና፤ ኣማንኤል ደጀን ከሙኡ ውን ኣሰና ፋውንዴሽን ብሓፈሻ በርትዑ. . . ኣማንኤል ኣፍ እንተዘይ ትኾኖ ንደጀን እዚ ዓለም ሙሉእ ቃንዩ ዘሎ ዛንታ ተደፊኑ ምተረፈ ። ስለዚ ን ኹሉ ተጻብኦታት ኣቀዲምኩም ኣብ ግሚት የእቲኩም በርትዑ።

    ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!!!

  • yemane May 31, 2014

    ሰላም ንኩሉ
    ኣማንኔል እዚ ናይ ደጀን ቃል ምሕትት ክትሰምዖ ዓቅሚ ዝስእነካ ነፍስ ወክፍ ካብ ኣፉ እትውጽእ ረዛን ቃል ናይ ባዓቂ ንሰብኣውነትካ ትፍትኖ ክይተፈልጠካ ካኣ ኣዒንትካ ክነበዕ ይጂመር ደጂን ዓቢ መምህር ትዕግስትን ለውህ ትሑትን ሙኮኑ ካብታ ካብ ኣፉ እትውጽእ ቃል ትፍልጦ ደጀን እስካ ንዓይ ዓቢ መምህር ኮይንካኒ ክንድዚ ዛኣኩል ጊዚ ሓሳረ መክራ ሬኢካ ክትብቅዕ ረጊኢካ ሃዲኢካ ኩሉ እተውጾኦ ቃል ሂውት ሂብካ ቃል ምሕትት ምግባርካ ንመጻኢ ዓቢ ነገር ይጽበየካ ኣሎ እሞ ኣጆካ እንብር እቶም ውንጀለኛታት መጋብሪያ ዝነብሮ ብሚሎናት ገንዝብ ሰሪቆም ዝተሰዎሩ ክም እኒ ዓሊ፣ሸንገብ ዝፈልጦዎ ማእለያ ዘይብሉ ገብን ዓቂሮሞ ኣለው እንት እቶም ሰብ ብርሃን ግን ኣብ ጽልማት ብርሃን ኣብ ብርሃን ካኣ ብርሃን ሰለዝኮንኩም ገና ነቲ ጽልሚቱዎ ዝሎ ህዝቢ ብርሃን ክትኮኑ ኢኩም።
    ካሊእ ግን ኣማኔል እቲ ናይ ሓገዝ ኣብ ዓዲ ዓረብ ንቅመጥ ናይ ቪዛ ናይ ባንኪ ኣገልግሎት ኣይንረክብን ኢና እሞ እንታይ ክም ንግብር ሓብረና ሰላም።

POST A COMMENT