Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፎርቶ 2013

ፎርቶ ዝወዓልካ ጅግና ኣባ ዳህሪ ጥዋፍ ወሊዕካልና ብርሃን መበሰሪ ከይዳ ተላቢዓ ኮይናትልና ጓህሪ ናይ ጸላእቲ ህዝቢ ከተሕጽሮ ዕምሪ ቃልሲ ናይ ውጹዓት ክዕንብብ ክፈሪ! ጻውዒት ጀጋኑ ሰማዒ ረኺቡ ህዝብና ሰሚሩ ኩሉ ተኣኪቡ ይኣኽለኩም ክብል ሒዙ መመዝገቡ ፋሕ ዝበለ ዓቕሙ ኣብ ሓደ ኣኪቡ! ህዝቢ ተላዒሉ ብቕጽበት

ፎርቶ ዝወዓልካ ጅግና ኣባ ዳህሪ
ጥዋፍ ወሊዕካልና ብርሃን መበሰሪ
ከይዳ ተላቢዓ ኮይናትልና ጓህሪ
ናይ ጸላእቲ ህዝቢ ከተሕጽሮ ዕምሪ
ቃልሲ ናይ ውጹዓት ክዕንብብ ክፈሪ!

ጻውዒት ጀጋኑ ሰማዒ ረኺቡ
ህዝብና ሰሚሩ ኩሉ ተኣኪቡ
ይኣኽለኩም ክብል ሒዙ መመዝገቡ
ፋሕ ዝበለ ዓቕሙ ኣብ ሓደ ኣኪቡ!

ህዝቢ ተላዒሉ ብቕጽበት ብናህሪ
ንኽርዳድ ክጽሂ ክፈልዮ ካብ እኽሊ
ንዓለም ከፍልጦ ናይ ህግደፍ ምስሊ
ጥራዩ ከውጽኦ ነዚ መታለሊ!

ሃየ ሕጂ ኦስሎ ተልዓሊ
ሃየ ሕጂ ኖርዋይ ተልዓሊ
ንጀጋኑ ምሳኹም’የ በሊ
ንህዝብና ሰላም ኣበስሪ!

ኩልና ብሓባር ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ
ብሓደ ንመርሽ ድምጺ ከኣ ሓንቲ
ጽሓይ ክትበርቕያ ክወግሕ`ዩ ለይቲ
ናይ ዓማጺ ስርዓት ነሕጽሮ ምዓልቲ!

ኣስቂጥካ ዘለኻ ኩልኻ ወዲ ሃገር
ነብስኻ ’ይነታልል ሃየ ተበራበር
ዓይኒ ‘ንዳራየት ኣይትበል ጠምበርበር
ሕጂ`ዩ ግዝዪኡ ዓዓቕምኻ ምግባር
ዘረባ ገዲፍካ እቶ ናብ`ቲ ተግባር
ካልእ ፋይዳ ‘ይብሉን ንሱ’ዩ ቁምነገር!

ባርዕ ፎርቶ
ንህግደፍ ሃፈጭ ኣብልዮም
ነቶም ዘይሳዕረሮም ሻቡ ‘ጠንቅቕዮም
ንዋህዮ ንማሕዮ ሃየ ለብልቢዮም
ንጎይተቶም ከኣ ፋሓም ግበርዮም፡፡

ዓወት ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ንደገፍ ስርሒት
ፎርቶ ዝግበር ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት፡፡
ወልድኣብ ፍስሓጽየን ኦስሎ ኖርወይ
ዕለት፡ 07 ለካቲት 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • HGDEF February 8, 2013

    ፎርቶ ንልቢ ተቃወምቲ ናብ ሸንኮለል የእትያቶ፤
    ን Awate.com ሳልሕ ሳልሕ ኣቢላቶ፤
    ን National salvation ጉዱ ቀሊዓቶ፤
    ን Aigaforum ናብ ምጥርጣር የእትያቶ፤
    ን Simerr ጃከቱ ኣሺጣቶ፤
    ን demo.archive.assenna.com ቶባእ ኣቢላቶ:

  • GULLIBLE PEOPLE February 8, 2013

    HGDEF
    ምዕዋት ሲ ክዕወትዩ ፎርቶ
    ንኢሳያስ ዚምባብወ ክሰዶ
    ንተኽለ ማንጁስ ብኻራ ክሓርዶ
    ግን ብድሕሪኡ መንዩ ከራምዶ ፧
    ተተካኢ ሓይሊ ዘየለ ዝወስዶ
    ወትሃደር´ዩ ስልጣን ክግብቶ
    ይሕሸና ህግደፍ ገደል ይእቶ !!!

  • Semhar February 9, 2013

    The mad dog Isayas is the #1 enemy of Eritrean people.
    He doesn’t belong to Eritrea. He is a crazy dog. Eritreans must finish this mad dog and his son just like the Libyans did to their mad dog Gadafi and his sons.

POST A COMMENT