Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ፍትሓውነት”

ፍትሓውነት ካብ ሰማይ ኣይትነጥብ፤ ካብ መሬት ኣይትቦቁል። እንተኾነ ኣብ ደቂ ሰባት ልቦና ትሰፍርን፥ ሕልናዊ ምምዝዛን ክንገብር ተገድድ። መጀመሪያ ሐደ ሰብ ፍትሓዊ ክብሃል እንተኾይኑ መምዘንን መዕቀንን ግብሩ ብጋህዲ ርእይትኡ ከቅርብ ኣብ ዝኽለሉ ክፉት መኣዲ ምስተሳተፈ ጥራይ

ፍትሓውነት ካብ ሰማይ ኣይትነጥብ፤ ካብ መሬት ኣይትቦቁል። እንተኾነ ኣብ ደቂ ሰባት ልቦና ትሰፍርን፥ ሕልናዊ ምምዝዛን ክንገብር ተገድድ። መጀመሪያ ሐደ ሰብ ፍትሓዊ ክብሃል እንተኾይኑ መምዘንን መዕቀንን ግብሩ ብጋህዲ ርእይትኡ ከቅርብ ኣብ ዝኽለሉ ክፉት መኣዲ ምስተሳተፈ ጥራይ ኢዩ ዝፍለጥ። እቲ ግልጹነት ዘየዘውትር ግን ካብ ግልጹነት ክሕባእን ካብ ሓላፊነትን ክህድምን ጥራይ ንነፍሱ ከታልል ጊዜ የጥፍእ። እዚ ከአ ብንእስነቱ ዝርእዮን ዝተዓዘቦን ጽልዋ ይህልዎ። መጀመሪያ ካብ ስድራቤቱን ቀረባ ቤተሰቡን፥ ድሕሪኡ ከአ ካብ ጎረባቢቱን ከባቢኡን እንዳተማህረ ዘመጽኦ ጠባያት ብዕድመን ምስ ትምህርቲ ቅሩብ ብቅሩብ ምዕባለ ምውሳኽን፥ ዘኻዕበቶ እኩብ ድምር ተመኩሮ ካብ ኣካባቢኡ ተበጊሱ ኣብቲ መንን እንታይ ዓይነት ሰብ ክኸውን ከምዝደሊ ወዲ ሰብ ናይ ባዕሉ ጠባይን ባህርን ወሳኒ ይኸውን።

“The crookedness and the sleaziness it doesn’t come easy”, they learn it. (እቲ ናይ ምጥፍፋእን ናይ ተንኮልን ባህርያት ስቕ ኢሉ ኣይኮነን ዝመጽእ፥ ይመሃርዎ ግና) ከምዝብሃል፥ ሰባት ንጥቕሚ ኮነ ብፍርሂ ዝወስድዎ ኣቛምን መርገጽን ብገርሂ ወይ ብዕሽነት ኣይኮነን። ንነብሶም ከርብሑ ብጉሒላነትን ተበላጽነትን ወይ ብነፍሲ ፍትወት ነቲ ካልእ ዋጋ ክኸፍል ዝውስኑ ናይ ዕለት ተንቀሳቐስቲ ሰብ መሓውር እምበር ሰብ ሕልናን ፍትሕን ክኾኑ ኣይክእሉን። ግና ብዙሕ ናይ ሃጠው ቀጠው ምኽንያታትን መደናገርን ሓሳብ ከቕርቡ ወላ እንተፈተኑ፥ እቲ ሰብ ሕልናን ፍትሓውን ሓቂ ካብ ሓሶት ክመምዮ ኣየሸግርን። እንታይ ደአ ናይ ጊዜ ጉዳይ ይኸውን እምበር ሓቂ ክትቀብር ኣይከኣልን ምኻኑ፥ ዓለም ካብቶም ትማሊ መወዳደርትን ከማና ስልጡናትን ምዕቡላትን የለን ዝብሉ ሰብ ጎብለል ዓለምና፥ ምስ ኩሉ ዘመናዊን ብርቱዕን ሓያል ኣጽዋር ተጠቒሞም ንሓቂ ክቐብርዋ ኣይከኣሉን። ንብዙሓት ግና ንግዚኡ ከታልሉ ኪኢሎም።

ዓለም መታለሊት ኢያ’ሞ ንሕናም ኣታለልትን ሰዓብትን ንኹን ኢሎም፤ ብድሌቶም ዝመረጹ ህግደፋውያን ግን ንጥቕሚ ህዝብን ሃገርን ናብ ቁልቁል ደፉኦም ንምዕብል አለና እንተበሉ፥ ነቲ ብዓይኖም ዝርእይዎን ብእዝኖም ዝሰምዕዎ ክኣምኑ ስለ ዘሽግሮም እምበር ኩነታት ኣሕዋቶምን ኣሕቶምን ኤርትራውያን ብሰንኪ ግፍዕን ገደብ ዘይብሉ ጭቆና ዝፈትዋ ሃገሮም ጠንጢኖም ኣብ ስደት ይንከራቱቱ ምህላዉ ክኽሕድዎ ኣይክእሉን። ወላ ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ውሽጣ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ናይ እምነት ኮነ ናይ ብሄራት ፍልልይ ባህላዊ ነጸብራቅ ዘለዎም ህዝቢ ይንበራ እምበር፥ እቲ ሐደ ካብቲ ሐደ ዝዓብየሉን ዝንእሰሉን ናይ መበቆል ዘረሓሕቕ መሰረታዊ ፍልልይ ከቶ የብሉን።

እንታይ ደአ እቶም ናይ ስልጣንን ናይ ህርፋን ስስዐ ባህርያት ዘዓብለሎም ዝምህዝዎን ዝፈጥርዎ ድሑር ናይ ህዝቢ ነንሕድሕዱ መገራጨዊ ሓሶት ይነዝሑ። ኣውራጃን ወረዳን፤ ሃይማኖትን ቀቢላን፤ ቆላን ደጋን እንዳበሉ ክኸፋፍሉዎ ዝንስንስዎ መርዚ (ስሚ) ቀንዲ መሳርሒኦም ህዝቢ ነቒሑ ክሳብ ዝነጽጎን፤ ንመሰሉ ጠጠው ኢሉ ዝምክቶም ኩሉ ናይ ሃገር ጉዳይን፤ ናይ ህዝቢ ጥቕምን ብውሑዳት ቁጽጽር ይውዕል። ንኣብነት ፍሉይ ሃገራዊነት (Patriotism) ብሓሶትን ብዝንቡዕ ኣቀራርባን መግለጽን እንዳቅረቡ ሰብ ነንሕድሕዱ ከም ዝናቖት ይገብሩ። ስለዚ ነቲ ብድሕሪ መጋረጃ ሽም ሃገራዊነት ዝፍጸም ገበን ግን ህዝቢ ከየስተውዕለሉ መሸፈኒ ይጥቀሙሉ። ሰብ ከአ ካብ ብፍትሕን ሕግን ዝግዛእ፥ ብስሚዒትን ጸቢብ ኣተሓሳስባ ክምራሕ የዕሽዎን ኣብ ጥቕሞም ዝግዛእ ባርያ ይገብሩዎ።

ባርያ ከአ ነጻ ክሳብ ዘይወጽአ ንጎይቱኡ ክቃወም ከምዘይክእል ስለዝፈልጡ ጅሆ ይሕዝዎ። መብዛሕቲኦም ሰዓብቲ ህግደፍ ከአ ከም ባራዩ ኣገልገልቲ ምኻኖምን፥ ገና ነጻ ከም ሰብ ዘይወጽኡን ክፈልጡ ጊዜ ክወስድ’ዩ። ብዛዕባ ጥቕሞምን ረብሓኦምን ጠጠው ክብሉ ዘይክእሉ ብዛዕባ ካልኦት ዜጋታቶምን ሃገሮምን ወጸዓ ተገዲሶም ክቃለሱ ኢልካ ምሕሳብ ከአ ግጉይ’ዩ።

The premise is that patriotism – or love of country – includes, but goes beyond attacking those who attack us. If that all it meant, how could we distinguish between a democracy and a dictatorship oppressing people in the name of their thrones or theologies? But, A cramped and strange definition of Eritreans patriotism is to exclude Eritreans who exercises the constitutional rights they fought to defend. — ቀንዲ ሓመረት ናይ ሃገራዊነት — ምፍታው ሃገርካ ካብ ኮነ- ምስኡ ከአ ዝኸይድን ኪነዉ ነቶም ዘጥቅዑና ምጥቃዕ ጥራይ ኣይኮነን። ንሱ ጥራይ እኹል እንተኾይኑ ትርጉሙ፤ ከመይ ኢልካ ኢኻ ክትፈልዮ ኣብሞንጎ ደሞክራስን ውልቀ መላኺ ስርዓት ዝጭቁን ንህዝቡ ብሽም ስልጣኑ ኮነ ሃይማኖታዊ እምነቱ? —ግና ብዝተጨፋልቐ መልክዕን ኣስደማሚ ኣገላልጻን ናይ ኤርትራውያን ሃገራዊነት ማለት ንኻልኦት ኤርትራውያን ፍልይ ዝበለ ኣራእያ ኮነ ኣተሓሳስባ ንዘለዎም፥ ካብ ግቡእ ቅዋም መሰሎም ብግብሪ ምትግባር ጠጠው ከተብል ምንጻል ማለት፥ ነቲ ዝተቓለስሉ ዕላማ ነጻነት ምኽሓድ ይኸውን።

Real patriotism must mean not only defending but also improving our country via dissent, debate, and elections. Hence, where all the main ingredients for real democracy are ignored by the ruling party in Eritrea and still supporting it can’t be translate a sound mind, except being a sheer ignorance. —ቅኑዕ ሃገራዊነት  ማለት፥ ምክልኻል ጥራይ ኣይኮነን። ግና ምምሕያሽ ናብራ ህዝብኻን ሃገርካን’ውን ዝጻረር ንዘይ ቅኑዕ ሓሳብ ኮነ ግብሪ ብተሪር ተቓውሞን፥ ብምክታዕን ምርጫ ህዝቢ ተካይድ። እንተኾነ ንኩሉ ናይ ደሞክራሲ ዕላማ ዘድሊ ቀንዲ ሓሳባትን መትከላት ነጺጉ፥ ብውልቀ መላኺ ንዝምራሕ ናይ ሸፋቱ ስርዓት ምድጋፍ ማለት ብዘካ ድንቁርናን ዕሽነትን መግለጺ ናይ ጥዕና ኣይኮነን።

ንሐደ ዓይነ ስውር ሙሁር፤ ሐደ ጋዘጠኛ ቃል መሕተት ክካይደሉ ከሎ፤ ካብ ሓልዮትን ስኽፍታን ዝተበገሰ ከምዚ ኢሉ ይሓቶ። ምስዚ ኩሉ ትምህርትኻን ፍልጠትካን ዓይነ ስውር ብምኻንካ ብዙሕ ካብ ዘይትሪኦ ነገራት ነየናይ ክትርእዮን ዓቢ ቦታ ክትህቦን ትደሊ? ዝብል ነበረ። ንሱ ከአ ብቐሊሉ ከምዚ ዝስዕብ ይምልሰሉ። ዋላሓንቲ ዝጎደለኒ ነገር የለን። ብሰንኪ  ዘይምርኣየይ ዘሕዝነኒን ዝጎደለንን ነገር የለን። ሓታታይ ተገሪሙ ከምቶም ከማና ንርኢ፥ ንስኻ ስለዘይትሪኢ፤ ብዛዕቡኡ ግና ብዙሕ ዝሰማዕኻዮ ኣገዳሲ ነገር መሳጢ ንዓኻ ኮይኑ ዝባህግኻዮ፥ ዝተመናኻዮ፥ ዝተሃንጠኻዮ ነገርሲ ይህልው ኢለ ገሚተ ኢሉ ሕትኡ ደገመሉ።

ካልኣይ ጊዜ መልሱ ምንም ነገር የሎን ይብሎ። ግና ንስኻን አነ ኣረኣእያና ነንበይኑ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት ናይ ሐደ ገዛ ኣፍደገ መብራህቲ ኣምፖል ስለዝጠፍአ ፥ እቲ ናይ ውሽጢ ገዛ መብራህቲ ሓሪሩ ወይ ጠፊኡ ማለት ኣይኮነን። ናተይም ናይ ደገ መብራህቲ ኣምፖል ስለ ዝጠፍአ ውሽጢ ገዛይ ጸልማት ኣይኮነን። ንሱ ስለዝኾነ ከአ ኢየ ሕጉስ ኮይነ ዝነብር። ብሕልናይን ሓሳባተይን ዝርእዮ፥ ብኣእምሮይ ዝሓስቦን፥ ሰፊሒን ዓሚቕን ብምኻኑ ካብቶም ዝርእዩ ዝጎደለኒ የለን በሎ።

ኣነ’ውን ከም ጸሓፊ እዛ ሓጻር ርእይቶ ብዛዕባ ፍትሓውነትን ዘይፍትሓውን ምኻን ጠባያት ባህርና ክንቅይሮ ኣድላይን ሓላፊነታውን ግዴታ ኮይኑ ይስምዓኒ። ንዓይ ከአ ከም ሰብ መጠን ዘሕዝነኒን ዝገርመኒ ነገር እንተሎ እቶም እንዳረኣዩ ዝዓወሩ ኣብ ውሽጢ ሕልንኦም ጸልማት ብድሌቶም ዝዳጎኑ፥ ነቲ ብቐትሪ ፀሓይ ዝርእይዎን ዝሰምዕዎን ሓቂ ዝነጽጉ መሻኽን ኤርትራውያን ሃላዋት ኢዩ። ከም ሜጋፎን ዝተነግሮም ከቃልሑን፥ ብጋህዲ ከመይ ክሕስዉ ከም ዘለዎም ብዕሊ ናይ ልምምድ/ ፕራክትስ (Work Shop Instruction) ዝወሰዱ ብሓቂ እንታይ ከምዝኾነ ረብሕኦም ይድንጽወኒ። እቲ ቀጻሊ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ከአ ዝወስዱን ንመጻኢ ወለዶ ብግጉይ ዘመሓላልፉ ዘለዉ፥ ሃገራዊ ሓላፊነቶም ብግቡእ ኣይርድእዎን ጥራይ ከይኮነ፥ ሃገሮምን ህዝቦምን ይብድሉ ከምዘለዉ ከዘኻኽር ሓላፊነተይ ይኸውን።

“ከመይ’ላ ሰሚራ”

ከመይ’ላ ሰሚራ? ናይ ቀደም

አደ ኩሉ ዘፍቅራ ኣብ ዓለም

ከደራይ ቀይሖም ጸሊሞም

ንደቃ ትሓቅፍ ንኩሎም

ከበሳ መታሕት ክነብሩ ሓቢሮም

ቆላ ደጋኦም ገማግም ባሕሮም

ተሳኒ ተፋቅር ፍትሒ ከማሕድሮም

ዘይፈላለ ህዝቢ ብሕጊ ትገብሮም

ንኹሉ ትዕንግል ዓቃቢት ሚስጥሮም

ትነብር ዝነበረት ብፍቕሪ ተኣሳሲሮም

ሎሚ ተውጺዓ ሓሚማ ሰሚራኦም።

 

ከመይ’ላ? ናይ ሎሚ ሰሚራ

ብሕማም ብስቓይ ብሽግር ዓቢራ

ብጽልኢ ብግፍዒ ብቕርሕንታ ተሰይራ

ደቃ ተበታቲኖም ብጥልመት ብጃህራ

አደ ጀጋኑ ዝነበረት ብጋሂ ሓሪራ

ደንበኣ ተደፊራ ንዕዳጋ ባሕራ

ሕጊ ምስ ተጨውየ ብሽጣራ ሻራ

ህግደፍ ዝብልዎ ምስ ሰፈረ  ኣስመራ

መንድዓት ኮይኑዎ ንህዝብና ብሓበራ።

 

ናይ ጽባሕ ከመይ ትኸውን ሰሚራ

ህዝባ ተበታቲኑ ነጻነት ብዘይሓራ

ሎሚ ተቖርጢማ ተበሊዑ ኣዕጽምታ

ደማ ተመጽዩ ምስ ዓወረ ኣዕይንታ

ደቃ ገቢሮማ ትሕቲ መሓዙታ

ንውልቂ ዕሱባት ንገበቲ ሃብታ

ባዕሎም ዘውግሑ ቀንጢጦም ጸልማታ

ሎሚ ተገልቢጦም ክምንጥሉ ስልማታ

አደ ጀጋኑ ዝነበረት ዓዲ ዋልታ

ንድኽነት ሸመምዋ በቲኖም ሓድነታ

ስልጣን ዘዕወሮም ደቂ ሓንቲ ጋንታ

ባርነት መሪጾም ካብ ምርኣይ ዕብየታ።

 

ድሕሪ ሕጂ ከመይ’ላ ሰሚራ ኣይትበሉ

ኪዱ ርኣእይዋ ኣብኩሉ ኩለሉ

ኣናጹ ወኻሩ ተኣኪቦም ክበልዑ

ንወለዲ ጀጋኑ ንህዝቢ የንብዑ

መእስያት ወለዶ ንጥቕሞም ክምንዝዑ

ንጹሃን ክሕይሩ ብኣልማማ ከጋፍዑ

ህግደፍ ዝተባህሉ ብግፍዒ ክመርሑ

ኣሳብኡት ዘይብሎም ንሓቂ ዘቃልዑ

ብዋጋ ደቆምን ብህዝቦም ዝጣልዑ።

 

ንመጻኢ ከመይ’ላ ሰሚራ ኣይትበሉ

ኣብ ሃገር ዘለኹም ኣብ ወጻኢ ኩሉ

ዘረባን ዕላልን መፍትሒ ከምዘይብሉ

ሓሰውትን ቀጠፍትን ዝመርሕዎ ጎሓላሉ

ጉሒፍና ጸርጊና ሕጊ ፍትሒ ንትከለሉ

ሕብረትና ሲኒትና መሰረት ነንብረሉ

ካብ ዝወደቐቶ ክትንስእ ሰሚራ ክትህሉ

ንበገስ ብቅንዕና ክብርና ክንሕሉ

ሃገርና ክትምዕብል ህዝብና ክወግሓሉ።

 

ሰላምን ራህዋን ንውጹዕ ህዝብና

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣት ጀጋኑና

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና 02-16-2016”

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • ogbai February 19, 2016

    Welqawi rebha nzeytrbhalu nwelqe sebat keteTaqaalu ageb
    nlebm dea axebiqna nhsebelu hager keytTerf seb zeyeblu

  • Berhe Tensea February 19, 2016

    Excellent article, as far as justice in Eritrea is concerned, it is taken hostage and and we must fight to return it.

  • AHMED SALEH !!! February 19, 2016

    Selamat Solomon
    We observed the beginning of crooked and corrupted influences from the
    first day our nation born . Many wise elders tried to speak up because
    they want preserve our societies rich culture . But these thugs Sahel
    bred disconnected group whose reputation was to live in pleasure guilt
    consciences by eliminating unsuspecting comrades prefer to use fear as
    their weapon against general public .
    At this moment Eritreans start to speak up which is good but the damage
    of psychological warfare in more than twenty years take it’s toll that
    left us in this present predicament.
    Worst scenario in society is when young men and women began to give up
    life and escape like herds toward every direction .

  • k.tewolde February 20, 2016

    Lebam Solomon,just like the old tigrigna adage,’KABTA ZIGEBRUKAS ITA KIFUUE ZIMHRUKA.’Like brother Ahmed said,the psychological havoc that was done by this reactionary clique for decades is crippling.

POST A COMMENT