Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍትሒ ኣልቦ ንብዓት ኮይኑ ዝጸነሐ ኣውያት፡ ሕጂ’ውን ከብቅዕ ዶብ ክሕንጸጽ ኣለዎ።

ነጻነት ኤርትራ ንኸትርከብ ናይ ኣቦታትናን  ኣዴታትናን ሕዝብናን ዝደኸመሉን ዝተሰወኣሉን ከምኡ ድማ እታ ሓያል ቅልጽም እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝተገለጸትሉ ምንባሩ ይዝከር። ሎሚ ድማ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ጭራ ናይ ሰላም ኩላትና ክንስዋኣሉ፡ ሰላምና ክነውሕስ ግዜ ባዕሉ

ነጻነት ኤርትራ ንኸትርከብ ናይ ኣቦታትናን  ኣዴታትናን ሕዝብናን ዝደኸመሉን ዝተሰወኣሉን ከምኡ ድማ እታ ሓያል ቅልጽም እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝተገለጸትሉ ምንባሩ ይዝከር። ሎሚ ድማ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ጭራ ናይ ሰላም ኩላትና ክንስዋኣሉ፡ ሰላምና ክነውሕስ ግዜ ባዕሉ ይጠልበና ኣሎ። ክንስዋእ ክብል ከለኹ፡ ከምቲ እቶም ኣቦታትናን ኣዴታትናን ዕሸል ዕድሚኦም ብምውፋይ ክቡር ደሞም ዝኸፈልዎ መሪር መድረኽ ዘይኮነስ፡ እታ ኣብዚ እዋን ክንፈጥራ ዘይካኣልና ዘሎና ሓድነት ንምፍጣር ማለተይ እየ።

ኣብዚ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽ ኣምላኽ  ኣፈደገ ዕርቅን ሰላምን ከፊትልና ኣሎ። እዚ መደረኽ እዚ ድማ ደጋፋይን ተቓዋማይን ዝሓትት መድረኽ ኣይኮነን፡ ልቦናን ቅንዕናን ብስለትን ዝሓትት መድረኽ’ዩ። ከም ኤርታራውያን ኩላትና ነፍስና ንፍትሸሉ ሰዓት በጺሕና ኣሎና ክብል ይደፍር። ነዚ ዝተቐልቀለ ተስፋ ንሎምን ንዝመጽእ ትውልድን ናብ ዓወትን ምዕባለን ከነሳጋግሮ እንተ ኽኢልና ጥራይ ኢና ተዓዊትና ክንብል ንኽእል።

ኩላትና እቶም ተራሓሒቅና ዝነበርና ደቂ ሓንቲ ሃገር፡ ደጋፋይን ተቓዋማይን ንዝብል መንፈስ ስዒርና፡ ናብ ማኣዲ ዘተ ክንቓራረብ ትብዓት እንተረኺብና ናይ ጸጋ ሰማእታት ክንከውን የኽእለና’ዩ። ከመይ ዶብ ሰጊርና ምስቲ ብዙሕ ደም ዝኸፈለ ከቢድ ጽልኢ ገይሩ ዝጸነሐ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሃገራት፡ ንምፍዋስ ተባሂሉ ልኡኻት ብዘይ ሞንጎጃ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ክዝትዮን ክዛወሩ እንዳተዓዘብና። ደቂ ሓንቲ ሃገር ክንቃራረብ ዘይምፍታና ዕሽነት ዝዓብለሎ ትዕቢት እንተዘይ ኮይኑ ዝፈላልየና ምኽንያት ከምዘየለ ግዜ ባዕሉ ቀላሊዕዎ ኣሎ። ነታ ንጽበያ ዘሎና ትስፍውቲ ሃገር፡ ኣብ ስደት ዘብቆልናዮ ጸሃያይ ማለት ናይ ምፍልላይ ክርዳድ ሒዝናላ ከይንኣቱ ሎሚ ነዚ ኣምላኽ ከፊትልና ዘሎ መድረኽ ተጠቂምና መስዋእቲ ክንከፍል ክንዳሎ ኣሎና።

ብጉልባብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ኣቢሉ ክዝራእ ዝጸነሓ ክርዳድ ካብ ስሩ ምሒና ዓወትና ኣብ ሓድነትን ለውጥን ክንኣምን ልዑል ፈጣሪ ይደግፈና ይብል። ምኽንያቱ እዚ መድረኽ እዚ ብምኽንያት ኣራኣእያና ይኹን ኣማላኻኽታና ንባኣሰሉ ኣይኮነን። ሃገር ንኽትቅጽል ካብዚ ተኣሲራቶ ዝጸነሓት መድረኽ ከመይ ጌርና ነጋላግላ ናይ ኩላትና ደቂ ሃገር ትጽቢት ክኸውን ይላቦ።

ኩነታት ፖለቲካ ሃገርና ከም ነፋሒቶ 360 ዲግሪ ክቃያየር ዝተዓዘበ ሕዝብና፡ ኣብ ከቢድ ኣርምሞ ተሸሚሙ ይርከብ ኣሎ። ደቂ ሓንቲ ሃገር ክነስና ብምኽንያት ኣታሓሳስባና ጥራይ ሰላምታ ናይ ፈጣሪ ተሓሪምና ዝጸናሕና ሕዝቢ ምኻና ምስክር ዘየድልዩ’ዩ። ኣቦታትና ክምስሉ “ዓሻ ክጸልእ ሰላምታ ይኸልእ” ከምዝባሃል መግለጺ ዕሽነትና ምንባሩ ሎሚ በሪህልና ክኸውን ተስፋ ይግበር። ከመይ ነቶም ጸላእትና እንዳተባሃሉ ከምጽረፍን መነወርን  ገይሮሞም ዝጸንሑ፡ ሓደ ሕዝቢ ኢና ዶብ ዝጋርደና ኣይኮነን እንደተባሃለ ዝሰመዐ ሕዝብና ኣብ ከቢድ ናፍቆት ናይ ሰላም ሰላ ዝርከብ እምበር ካብ ኣርምሞ ንላዕሊ ሰጢጡ ክኸይድ መተገበኦ። ዶብ ከይተሓንጸጸ ምንም ለውጢ  የሎን ዝብል ዘረባ ብሃንደበት ሽታማይ ኮነ።

እምበኣር ካብዚ ናይ ዕሽነት ዘመን ወጺና ሃገራዊ ሓድነት ንምፍጣር ኩላትና ብትብዓት ክንላዓል መንፈሳዊ ምሕጽንታይ እቅርብ። ፈውሲ ኣብ ሃገርና ንምምጻእ ንመንፈስ ትዕቢት ክንስዕሮ ኣሎና።  ብኸመይ ክንስዕሮ? ካብ ብሕሉፍ ታሪኽ ምክሳስ ወጺና ሓዱሽ ታሪኽ ንምስራሕ ብቅንዕና መንፈስ ምብጋስ።  ንጽልእን ንምፍልላይን ዝዕድም ነገራት ገዲፍና ንምቅርራብን ንዘተን  ምዕያይ። ከምቲ ቤተክርስቲያን ነቶም ሓያል ገድሊ ተጋዲሎም  ብሰላም ዝዓረፉ “ሰማእታት ዘእምበለ ደም” ዝበለቶም ማለት ደም ኣልቦ ሰማእታት ንማለትዩ። ሎሚ ድማ ኩላትና እቶም ንምቅርራብን ንሓድነትን እንጽዕር ሰባት ናይ ጸጋ ሰማእታት  ክንከውን ኣብዚ ከቢድ እዋን ግዜ ባዕሉ ኣፍ ከፊቱ ይዕድመና ኣሎ።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ እዋን ምፍልላይ ንሕዝብና ክንረድኦ እንተዘይ ክኢልና መሎኮታዊ ጻዊዕት ኣምላኽ ከሲርናዮ ኣሎና ማለት እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ተበቲምኩም ዘለኹም ሕዝብና ሰላም ናይቲ ሰማይን ምድረን ዝፈጠረ ኣምላኽ ይብጻሕኩም እንዳበልኩ። በዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኣፍደገ ሰላም ተጠቂምና ነባሪ ፍታሕ ኣብ ሃገርና ክነምጽእ እምበር ሰላም ብዝመስል ተጠቢርና ረብሓ ዘይንረኽበሉ ከይከውን ኣበርቲዕና ክንጽዕር ይግባኣና። “ፈውሲ ሓሞት ደልዮም ዝሓረድዎ፡ ሓሞት ሰኣንሉ” ከምዝተባሃለ ካይኮነና። ብፍላይ እቶም ዓቅሚ ዘለኩም ዘመን ብጥዑሙ ዝተማሃርኩም ከምኡውን ለባማት ዓዲ ክትሕወስዎ ተስፋይን እምንቶይን’ዩ። ምኽንያቱ ንሕዝብና ዘየርበሖ ከይኑ ከይርከብ፡ ማይ ሓቊና ከይንተርፍ ሓባራዊ ስራሕ ንምዕያይ ውዕል ሕድር ዘየድልዩ እዋናዊ ዛዕባ’ዩ።

ከምዝፍለጥ ሃገርና ኤርትራ ካብ ኣቦሓጎታትና ኣቦታትና ናይ ሎሚ ወሎደና ሓዊስካ  ኩሉ ብሑሱም መግዛእትን ስደትን ግፋዕን ዕስክርናን ዘመናት ኣብ ከርተት ኣሕሊፉን ይሕልፍን ኣሎ። ክሳብ እዛ እዋን እዚኣ ሓርነትን ዲሞክራስን ኣሰተማቂርና ዘይንፈልጥ ሕዝቢ ኮይና ኣብ ኮለልን ስደትን ድኽነትን ንሕልፎ ኣሎና። ነዚ መስገደል ኮይንና ዘሎ ኩፍእ ዘመን ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምእላዩ ሎሚ ብሓድነት ኮይና ክንትስእ መንፈስ ትብዓት ክንውንን ግዜ ባዕሉ ይሓተና ኣሎ።

ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ኣመና ጥንቁቓት ብሙኻን ንሽግርና ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምእላይ እምበር፡ ብምጥባር ዘረባ ንታለል ሕዝቢ ኮይና ክንርከብ ኣይግበኣናን። ብኣፎም ዝነገሩና ጥራይ ምቅባል ዘይኮነስ ኪኖ መገራጃ ዘሎ ሓሳቦም ምፍትሻን ኩነታት ናበይ ገጹ ይኸይድ ከምዘሎ ምንባብን ክንማሃር ኣሎና። ሰላም ኮይኑ ዝብል ቃላት ብዙሕ ይስማዕ እዩ። መጀመሪ ዝኽውን ማዕጾ እምበር ንሃገርና ውሑስ ዝገብር መገዲ ክሳብ ሕጂ ክቅልቀል ዘይምኽኣሉ ሻቅሎተይ ይዛይድ ኣሎ።

ከም ኣብነት ንህሉው ኩነታት ተዋህዶ  ቤተ-ክርስቲያና በዚ  መነጽር ገይረ ክርእዩን ከንብቦን   ከሎኹ ነዚ ናይ ሰላም ዝባሃል ዘሎ ብናይ ክፋኣት ስቅታ ከይወሓት የሰክፈኒ። ጉዳይ ፓትርያሪክ እንጠንዮስ ኣይውዑይ ኣይዙሑል ገይሮም ጠልጠል ኣቢሎም ከምዝገደፍዎ ክንማሃረሉ ንኽእል ዓቢ ኣብነት’ዩ። ብወግዒ ኣይተፈትሑን ከምኡ’ውን ናብ መንበሮም ኣይተመለሱን፡፡ ብዘይ ሕጋዊ ምዝርራብ ከምቲ ልሙድ መስርሕ  ሽሞም ክትጽውዕዎም ትኽእሉ ኢኹም ጥራይ ስለ ዝተባሃሉ ስሞም ክጽውዕዎም ዝጀመሩ ብዙሓት እዮም። ኩሉ ግዜ ብዘይ ወግዒ ትገብሮ መንሽሮ ኮይኑ ስለ ዝተርፍ ዕንወት እመበር መሰረታዊ ለውጢ ኣየምጽእን እዩ። ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ሽግራትና ሓንቲ ዓይነት’ዩ፡ ሃንዳሲኡ ሓደ ስለ ዝኾነ። ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሰለስተ ተገሚዓ ትርከብ። እቶም ኣብቲ ሕጋዊ ቀኖና ማለት ኣብቶም ሕዩር ፓትርያሪክ እንጠንዩስ ዘለው: ብመሪሕነት ብፁእ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ ዝእለዩ፡ ካላኣይ መንግስትና ዝሾመልና ንቅበል ዝብሉ፡ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ድማ ደቂ ሞንጎ ዝባሃሉ ኣይውዑይ ኣይዙሑል ዝኾኑ እዮም። እዚኦም ብዓይኒ ፖለቲካ ሃገርና ክሪኦም ከለኹ ምስቶም (Silent Majority) ዝባሃሉ እዮም። ተቃላሳይ ቀሺ ማርቲን ሉተር ከምዝበሎ “ናይቶም ጽላእትና ዝገበሩና ዘይኮነስ፡ ስቅታ ናይ ፈተውትና ገሪምና ኣሎ” ዝበሎ ስቅታ ለባማት ሰባት፡ ስቅታ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ስቅታ ዝተማሃሩ ሰባት፡ ስቅታ ጀነራላት፡ ሃገር ይዕኑ እምበር ልቦናን ክእለትን ኣይኮነን። ነዚ መራዛም ጸረ ምዕባለ ዝኾነ ኣካይዳ ልቦና ዝቆጽርዎ እንተኾይኖም ልቦናና ኣይግበሮ።

ናብ ጉዳይ ሃገር ምልስ እንተበልና ተማሳሳሊ እዩ። ብወገን ደላይ ፍትሒ ቅዋም ይተግበር ዝብል ርኢቶ ክስማዕ ከሎ በቶም ደገፊቲ ዝባሃሉ ወገን ድማ ዶብና ከይተሓንጸጸ ሰላም ይኹን ምዝርራብ የሎን ዝብል መርግጺ ከምዝጸነሐ ይፍለጥ። ስለምንታይ ካብቲ ሒዞሞ ዝጸንሑ ቦታ ከይወጹ ኣብ ዘተን ምብላዕን ምስታይን በጺሖም ዝብል ሰለ ዘይጠቅመና ከልዕሎ ኣይደልን። ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ እምበኣር ጉዳይና ኣይዙሑል ኣይውዑይ ኮይኑ ከይቅጽል ኩላትና ክነቅሓሉ ዘሎና ጉዳይ’ዩ። ንኹላትና ዘራኽበና ኣርእስቲ ተቀልቂሉ ስለ ዘሎ፡ ዶብና ክሕንጸጸልና ናይ ኩላትና ደቂ ሃገር ክኸውን ይላቦ። ሎሚ ነዚ ዓቢ ዕድል  ብዕበጦ ዕበጦ እንተ ኣሕሊፍናዮ፡ ምናልባት ገለ ዘድልዮም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተራዳዲኦም ንሕዝብና ኣብታ ዝነበራ ባርነት ከይጉሕፍዎ ክነቅሓሉ ዘሎና’ዩ።  ጉዳይ ዶብ ከብቅዕ ክሕንጸጸልና፡ ቅዋም ክጸድቀልና፡ እሱራትና ክፍቱሑልና እዚ መሰረታዊ ጠለብ ሕዝብና ስለ ዝኾነ ናብዚ ክንሳጋገር ክንክእል ኣሎና። ደጊምና ናብ ጽንጽዋይ ጉዳይ ዶብ ዝብል ክንምለስ ስለ ዘይንደሊ፡ ብፍላይ እቶም ፈተውቱ ኢና ትብሉ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ልዕሊ ማንም ድምጽኹም ተስምዕሉ ክኸውን ጸሎተይ’ዩ “ደርሆ ተሓመመቶምሲ ብዕራይ ይማባፅዑ” ከምዝተባሃለ ብሓንቲ ዘይትጠቅም ቦታ ባድመ ብዝብል ሽፋን ሃገርን ተካኢ ወለዶን ከሲርና ኢና፡፡ በዚ ዘይጠቅም ምኽንያት ሕዝቢ ኤርትራ ተታሊሉ ኣብ ከምዚ ምውዳቁ ናይ ብዙሃት ለባማት ማዓንጣ ዘሕረረን ዝበተኽን ኩፍእ ዓመታት’ዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ንመራሕቲ ኤርትራ ክሕልፎ ዝደሊ ሕጂ’ውን ንሰላም ብቅኑዕ መንፈስ ድልዋት ክኾኑ። ከምቲ ምስ ሕዝቢ ኢትዮጵያ ተራኺቦም “ይሕዋት ኢና፡ ሓደ ሕዝቢ ኢና፡ ዶብ ዝጋርደና ኣይኮናን” ዝበልዎ ሰላም ኣብ መላእ ሕዝብና ኽሰፍን ኣሕዋት ኢኹም ተፋቀሩ ሓደ ኩኑ ዝብልን ምእዋጅ ጠለባት ሕዝብና ኣብ ተግባር ከውዕሉን ይላቦ።

 

እቲ ቅዱስ ጽሑፍ  ከምዚ ይብል “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ”፡ ጸላእትኹም ዝገብርዎ ኩፍእ ነገራት ኣይትግበሩ (ማቴ 5፡ 44)። ንሕና ከም ሕዝቢ ኤርትራ ናይ ሓሳብን ኣማላኻኽታን ፍልልይ እምበር ኣብ ሞንጎ ሕዝብና ጸላኢ ንቆጽሮ የብልናን፡፡ ብምኽንያት  ኣማላኻኽታና ዝፍጠር ፍልልያት ኣወጊድና ብዛዕባ ሃገርና ክንሓስብ ግዜ ባዕሉ የለብምና ኣሎ። ደድሕሪ ሰብ ፖለቲካ ዝበልዎ ሆ ምባል ኣቃሪጽና፡ ባህሪ ፖለቲካ ክንፈልጥን ከነላልን ምፈተኹ። “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ” ንምንታይ ክንዕወት፡ ኣብ ህልኽ ዝመልኦ መንፈስ ከይንነብር “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ” ተስፋ ሃገርና ከይጽልምት። “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ” ኣብ ኪናት ሕድሕድ ከይንነብር፡ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ “ከምቲ ዝሓለፈ ወሎዶና ጥዑም ከየስተማቀረ ዝኸደ ናዓናን ንዝመጽእ ትውልዲ፡ ውሑስቲ ሃገር ከይገደፍና ኩላትና ናብ መቃብር ከይንወርድ። “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ” ።

ልዑል ፈጣሪ ንሃገርናን ሕዝብናን ይባርኽ። ሰላም ኩንለይ።

Minister of religion Revd Yohannes Ghebrehiwet

Medhani-Alem Eritrean orthodox Church, Manchester.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Wedi Hagher July 1, 2018

    “ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ እምበኣር ጉዳይና ኣይዙሑል ኣይውዑይ ኮይኑ ከይቅጽል ኩላትና ክነቅሓሉ ዘሎና ጉዳይ’ዩ። ንኹላትና ዘራኽበና ኣርእስቲ ተቀልቂሉ ስለ ዘሎ፡ ዶብና ክሕንጸጸልና ናይ ኩላትና ደቂ ሃገር ክኸውን ይላቦ። ሎሚ ነዚ ዓቢ ዕድል ብዕበጦ ዕበጦ እንተ ኣሕሊፍናዮ፡ ምናልባት ገለ ዘድልዮም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተራዳዲኦም ንሕዝብና ኣብታ ዝነበራ ባርነት ከይጉሕፍዎ ክነቅሓሉ ዘሎና’ዩ። ጉዳይ ዶብ ከብቅዕ ክሕንጸጸልና፡ ቅዋም ክጸድቀልና፡ እሱራትና ክፍቱሑልና እዚ መሰረታዊ ጠለብ ሕዝብና ስለ ዝኾነ ናብዚ ክንሳጋገር ክንክእል ኣሎና። ”

    Revd Yohannes Ghebrehiwet

    You said it all,
    I hope your message reaches all Eritreans inside the country.
    Thank you

  • መፍቀሬ ኢየሱስ July 1, 2018

    ኣሜን ወኣሜን፡ ለይኩን ለይኩን!
    ክቡር ዲያቆን ዮሓንስ፥ እወ ቅዋም የድለየና፡ ሕጊ የድልየና፡ እሱራት ክፍትሑን ክከሓሱን፡ መሰል ውልቀሰባት ክሕሎ፡ መሰል ደቀንስትዮ ክሕሎ … ግቡእ እዩ።

    ኣቡነ እንጦንዮስ ይቕሬታ ተሓቲቶም፡ ናጻ ተለቒቖም፡ ናብ ክብሪ መንበሮም ተመሊሶም፥ ኣብቲ ቅዱስ ታቦት መስዋዕተ ቅዳሴ ጸሎቶም ኬዕርጉ ይግባእ።

    ሕግን ፍቕርን የድልየና ኣሎ።
    ስለዚ፡ ጉዳይ ዶብ ብሕጊ እንተ ተወዲኡ፡ እዚ ክልተ ኣሕዋት ዝኾነ ሕዝብታት፡ ብሰላም ክነብር ኣይክጽግሞን ኢዩ።
    ክብረት ይሃበልና ።
    ጉዳይ ሕዝቢ ግን ብሕዝቢ ክእለ ይግባኦ እምበር፡ ብቐይደ-በተኻውያን ክውዳእ የብሉን።

  • Abrehaley Asheber July 2, 2018

    To all Eritreans all over Our Planet Earth.
    Think deeply unthinkable. Enough is enough. We must surrender to Our Mighty Braves and Heroes Martyrs Willfulness. Unity is Power. One Heart. One Love.

  • k.tewolde July 2, 2018

    Lets pray for the Lord to soften our rock hardened hearts,let Him wash away the bitterness and hurt that engulfed this little nation for so long,let the innocent blood that was spilled among us become the holy water by which we will be baptized for a lasting peace of our soul.This nation cannot continue along this path of self mutilation and deception. Rev.Yohannes,it is people like you who gives me comfort to say,there is hope for this nation.

  • Abrehaley Asheber July 2, 2018

    Wake up Eritrawi! Wake up Eritrawi! Wake up Eritrawi !

    ኣዋጅ ብዛዕባ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ቁጽሪ 11/2018.

    Expect the Unexpected. There is no Price Tag for our beloved ” Eritrean Independence. Eritrea is a land of Heroes and Braves. Glory for Our Martyrs for ever.