Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍትሒ ንምርግጋጽ፡ ጂኦግራፊካዊ ዶብ ኮነ መበቆል መንነት ኣይሓትትን።

ትርጉም ፍትሒ (justice) ኣብ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ብኣቶ ተክአ ተስፋይ ተጻሒፉ ከምዘሎ “ብቕንዕናን ብዘይ ኣድልዎን ዝፍጸም ናይ ዕርቂ፡ ሽመት ምሃብ፡ መቕጻዕቲ ምብያን፡ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ተግባራት እዩ``። እታ ``justice`` ትብል ናይ እንግሊዝ ቃል ኣብ Collins English

ትርጉም ፍትሒ (justice) ኣብ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ብኣቶ ተክአ ተስፋይ ተጻሒፉ ከምዘሎብቕንዕናን ብዘይ ኣድልዎን ዝፍጸም ናይ ዕርቂ፡ ሽመት ምሃብ፡ መቕጻዕቲ ምብያን፡ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ተግባራት እዩ“። እታ “justice“ ትብል ናይ እንግሊዝ ቃል ኣብ Collins English Dictionary: 1, The quality or fact of being just. 2, The prin- ciple of fairness that like cases should be treated alike. 3, The administration of law according to the prescribed and accepted principles. ተባሂላ ምስ ካልእ ተወሳኺ መብርሂታት ተገሊጻ ት ርከብ። ብዓቢኡ ከኣ ንኹሉምምሕዳራዊ ጉዳያት ከም እትጠምር ምግንዛብ ይከኣል።
 
 ፍትሒ፡ ከም ቃል ወይ ሓረግ (law term) ስፍሕ ዝበለ ኣምር ከም ምሕቛፋ መጠን፡ እቲ ማእከል ስሕበታ ኣብ`ቲብቕንዕናን ብዘይ ኣድልዎንዝብል` ተጠሚሩ ዘሎ። እዚ ድማ ሕልናን ርትዕን ኣብ ሰናይ ድሌት፡ሕግን ስርዓትን ከኣ ኣብ ግቡእን ግዴታን ተሞርዂሰን የቑማኣ።
 
ናብ ኣተገባብራን ምርግጋጽን ፍትሒ ኣብ ሕብረተሰብና ተመሊስና ምስ እንምልከት ሚዛናውነት ሕልና ዝዕብልል ኮይኑ፡ ብሃይማኖታዊ ስነምግባርን ብኽብርታት ባህልን ልምድን ሕብረተሰብ ዝተሃንጸ`ዩ። ሓይሊ ሕግንስርዓትን እንዳ`  ንዘመናት እንዳተመሓየሸ ከም ዝተሰርሓሉ መጠን ኣብ ምድራት ገበነኛታት ይኹን ርትዒ ኣብ ምውጻእ ንኣመሓደርትን ዓበይቲ ዓድን ኣበርክትኡ ልዑል ምንባሩ ኣይከሓድን።
 
ሕልናን ስነ ምግባርን፡ ዘመነ ተክነሎጂ ብዘስዓቦ ስሰዐን ካልእ ምኽንያታትን እናተዳኸመ ምስ ከደ፡ ተራ ሕግን ስርዓትን ኣገዳስነቱ እናዓዘዘ ስለ ዝመጸ ኣብ ኢድ ፖለቲካዊ ስልጣን ወደቐ። ኣተግበርቲ ሕግን ተቖጻጸርትን፡ሓይሊ ፖሊስን ሰራዊትን ድ ቀላጽም ሰበስልጣን ኮኑ እቶም ናይ ፍትሒ ሕመረት ዝኾኑ ቅንዕናን ርትዓውነትን ስለ ዝጠፍኡ ፍትሒ ጓንጓ ተረፈት።
 
ሓያል ኣብ ልዕሊ ድኹም፡ ተንኮለኛ ኣብ ልዕሊ ግሩህ ዓመጽን ሽርሕን እንክፍጽም ዝረኣየ በዓል ሕልና ዓገብ ክብል ንተበዳሊ ክከላኸለሉ፤ ንዓመጸኛ ክገንሕ፤ ከቃልዕ፤ ክምክት ባህርያዊ ነገር እዩ። ኣብ ከምዚ ኣገጣሚእንታይ ገደሰኒ ኢሉ ሱቕ ዝብል ሳሕቲ`ዩ። እንተወሓደ ይኽዕቦ፡ ይኹንኖ፤ ይጽየፎ፤ ሕማቕ ሚዛንን ግምትን ይህቦ። ንተበዳሊ ድማ ብንዋት ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ይደጋገፎ ብሞራል ከኣ የተባብዖ። ከምዚ ዓይነት ምውሳኣትብዝኾነ ሰብ ንዝኾነ ወገን ዝፍጸም ናይ ሕልና ጽቡቕ ድልየትን ኣስሓኮን እዩ። ከምቲ ንገዛእ ርእስና ክንብደል ዘይንደሊ ካልኦት ክብደሉ ከለዉ`ውን ከምኦም` ኣይንቀንዞ ከምዘሕምመና ግን ርዱእ ነገር እዩ። ኣብ ከምዚህሞት መንነት በዳሊ ይኹን ተበዳሊ ኣይኮነን ዝዓጠና፡ ናብቲ ፍጻመ ወይ ዘጋጠመ ክስተት እና እነስተብህል። 
 
ኣብ ዓለምና ንስለ ፍትሒ ሂወቶም ዝበጀዉ ሰማእታት ብዙሓት እዮም። ካብቶም ኣስማቶም ዝተመዝገበን ኣድናቖት ኣትሪፎም ታሪኾም ብኣርኣያነት እንመሃረሉ ካልኦት ድንቂ ስራሕ ኣበርኪቶም ዘይተነግረሎምከምዝበዝሑ ግምታት ኣሎ። ኣርጀንቲናዊ ጉቨራ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ባቲስታ ንምውዳቕ ምስ ኩባውያን ብትብዓት ተቃሊሱ ዝተዓወተ፡ ናይ ደም ጽምኢ ስለዝነበሮ ወይ ፍሉይ ውልቃዊ ረብሓ ንምርካብ ኣይኮነን።ከምኡ እንተዝነብር ኣብ ማሕበርነታዊ ስርዓት ኩባ ዝተዋህቦ ናይ ሚኒስተርነት ስልጣንን ጥጡሕ ናብራን ራሕሪሑ ናብ በረኻታት ቦሊቭያ ብምኻድ ኣብ ጎኒ ፍትሒ ዝሰኣኑ ተቓለስቲ ቦሊቪያውያን ተሰሊፉ ፍትሒ ከናዲእናተራጸመ ሂወቱ ኣይምኸፈለን።
 
ርሑቕ ከይከድና ኣብ እንፈልጦ ናይ ሃገርና ጉዳይ ንምዝራብ፡ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምምጻእ ብትብዓት ተቓሊሶም ኩቡር ሂወቶም ዝበጀዉ ኤርትራዊ ስምዒትን ሕልናን እምበር ናይ ትውልዲ መበቆል ዘይነበሮምብዙሓት ኢትዮጵያውያን፡ የመናውያን፡ ኢጣልያውያንን ካልኦትን ነይሮም እዮም። ናይቶም ዝኾነ ሰብ ዘይገበሮ ተኣምር ዝፈጸሙ ከም ኣብነት ንምጥቃስ፥ ስውእቲ ነጃት ዒሳ ብር/23 /1 /13 ኣብ ዝባን ታንኪ ሓዂራንወተሃደራት ጸላኢ ካብ ዝተሓብእሉ ባኹራ ኣውጺኣ ዝማረኸት። ስውእ ጀሚል ሓሰን ብር/23 /1 /60 ጎብለል ታባ ብሉሕ ዝተሰምየ። ህሉው ገዲም ሓርበ ኛ ተጋዳላይ ኣሕመድ ቀይሲ ክሳብ ማእከላይ ሽማግለ... ተመዚዙ ብዝለዓለ ሓላፍነት ዝተቓለሰ ሕጂ እውን ገና ከይ ተሓለለ ኣብ ምርግጋጽ ፍትሒ ህዝብና ምስ ደንበ ተቓውሞ ዝነጥፍ ዘሎ ጅግና ወዲ ሃገር ካብ ብዙሓት ውሑዳት ኮይኖም  ትውልዲ መበቆሎምየመናውያን መንነቶም ግን ጽሩያት ኤርትራውያን እዮም።
 
ሕጅ`ውን ተወሊደላ ምባል የብሉን ጣቋ፡ መበቆል ብዘርኢ ሓረግ ዝትንተን  ሰንሰለት ትውልዲ ስለዝኾነ። እዚ ነቶም ጀነቲክስ ዘጽንዑ ናይ ሳይነስ ሊቃውንቲ ጥራሕ እዩ ዘገድሶም። መንነት ግን ኣብ ሓንጎል ዘሎኣተሓሳስባ፡ ድልየት፤ ሰብኣውነት፤ ሕልና ፤ ድልውነት እዩ። እቶም ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ፍትሒ ረጊጾም ንኤርትራውያን ኣብ ምጽናት ዝተዋፈሩ ናይ ኤርትራ መንነት ወረቐትን እዩ ዘለዎም እምበር ኤርትራዊ ስምዒትየብሎምን። ንዓና ንኤርትራውያን ድማ ሓውና፡ ሓብትና፡ እንብሎም ነቲ ኤርትራዊ ሕልና ዘለዎ ጽቡቕና ዝደሊ፡ ንስለና ምሳና ዝቃለስ እምበር ነቲ መንነት ወረቐት ዝወነነ ደመኛና ኣይኮናን።
 
ኣብ ግዜ  ብረታዊ ቃልሲ ናይ መንነት ምስክር ወረቐት ኣርኢኻ ኣይኮነን ንክትስለፍ ፍቓድ ዝወሃበካ ዝነበረ። ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ ስውእ ኮነሬል ወዲ ተካ ኣዛዚ ብርጌድ ህዝባዊ ግንባርኢትዮጵያዊ ኢኻ“ ተባሂሉምተኸልከለ። ስርዓት ኢህወደግ`ውን ተመሳሳሊ ንከም በዓል በረኸት ስምኦን ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን ዝመበቆሎም ክንድዚ ሒዞሞ ዘለዉ ዝኣክል ስልጣን ኣይምሃቦምን። ካልእ ገዲፍና ነቶም ኣብ ጎኒ ጸላኢ ተሰሊፎምክሳብ መጨርሻ ውድቀት ስርዓት ደርግ ኣንጻር ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና ዝተዋግኡ መዋልድና (ኣሕዋትና) ንዘክሮም` ንነብሱኹምመን አዩ ኤርትራዊ?” ኢልኩም ሕተትዋ። እቲ ካብ ማህጸና ወጺኡ ዘድመያ` ወይስ ካብከርሲ መሬታ ተዓንጊሉ፡ ብባህልን ስነምግባርን ኤርትራ ዓብዩ፡ ናታ ስምዒትን መንነት ሓዲርዎ ንብዓታ ዝሕንስሰላ፡ ቁስላ ዝሕክማ፡ ንስለኣ ሂወቱ ዘበጁ?
 
ቆራይ ኣይሰድር ዓባስ ኣይመድርከም ዝበሃል ሰብ ጸቢብ ኣተሓሳስባን ተበለጽትን ብመበቆል ክወራዘዩ፡ ንጽቡቕ ግናይ ሕብሪ ለኽዮም ከላግጹ፡ ርእሰ ነገር ገዲፎም ናብ ጓል መንገዲ ክእለዩ ንዕዘብ ኣለና እወ ሕጂ`ውንሕመረት ጉዳይና ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ`በር መበቆልን መንነትን ኣይኮነን እቶም ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብቐጥታን ብተዘወዋርን ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራዊ ናይ ዘርኢ መበቖል ዋላ ይሃልዎምኤርትራዊ መንነት ወረቐት ጥራሕ` ዘለዎም`በር ኤርትራዊ ሕልና፡ ሓልዮት፡ ባህሊ ክሳብ ዘይሃለዎም ምስቲ ጉራቔን ኣተሓሳስበኦም ጎበጨረ`ውን ኣይበቑዑን እዮም። ንስለ ፍትሒ ምቅላስ  ፍቃድ ምስክር ወረቐት(ልቸንሳ) ኣየድልዮን`ዩ። እቲ መለክዒ ቅንዕናን ሓልዮትን`ዩ።እንታይ ኣእተወኩም? ዝጸንት ዘሎ ህዝብና፡ ዝዓኑ ዘሎ ቤትና፡ ትበርስ ዘላ ሃገርና፡ ዝገሃስ ዘሎ መሰልና` ባዕልና ኣለናዮ፡ ነዓና ይምልከትምባል ንወለላዝጥዕም ላዛ ዘለዎ ውርዙይ ቃላት የማነ ገብረኣብተሓይሮም ዘለዉ ጉጅለ 15 ንዓና ይቐርቡና ብጾትናን መጋድልትናን እዮም ካባና ንላዕሊ ዝሓልየሎም የሎንዝበሎ` ዘዘኻኽረካ። ጨለነት ይብልኹም ከምዚ`ዩ!!!
 
ህዝቢ ኤርትራ ነታ ዝጠፈኣቶ ፍትሒ ከናዲ ገዛእ ርእሱ ይጠፍእ ኣሎ። ምንም` ዘጥፈኣናያ ብዓልና ዝጠፈኣትና ንዓና ትኹን እምበር እቶም ንጥፍኣታ ናይ ሓይለቦኦም ብምሉእ ኣፍልጦ ዝሰርሑ (ውልቃዊ ረብሐኦም ዘቐድሙ) ውሑዳት እዮም። ከይተፈለጦም ኣብ ምጥፋኣ ዝነጥፉ ግን ኣይግድን!!
 
ፍትሒ፡ እታ ቕንዕና፡ ርትዓውነትን ማዕረ መሰልን ዝኣንጉዓ ተፈጥሮኣዊ ህያብና፡ ኣስተርሒና ብዘይሹቕራረ ብሃፈ ጻማና ንኽንነብር እተኽእለና መሰረት ናይ ኣብ ልዕሊ መሬት ህላዌና እያ። እዚኣ ጆግርፊካዊ ደረት የብላን፡ኣብ መበቆል ዓድኻ ተቐመጥ ወይ ናብ ዓዲ እንጀራኻ ተሰደድ” ፍትሒ ዘይትረክብ እንተዄንካ ምንባር ኣጸጋሚ`ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ሎሚ ኣብ ዓለምና ካብ እንጀራ ከናዲ ዝሳግም ፍትሒ ስኢኑ ዝስደድ በዚሑ ንርእዮኣለና። ፍትሒ እንተዘየልዩ ብሰማይ ጸባ ዘኒቡ መሬት ጠስምን መዓርን ዋላ ይንታዕ ሰላም ስለዘይርከብ ህውከትን ዕግርግርን ኣይተርፍን`ዩ። ብዘይፍትሒ ምንባር ንሕሰም ምቅላዕ ስለዝኾነ ንህላዌኣ ኩሉ (ብዘይካ እቶምገበቲ) ይግደስ፡ በብዓቕሙ ከኣ ይሰርሓላ። እዚ`ፍትሒ፡ ናይ ጂኦግራፊካዊ ዶብ ናይ መበቆል ደረት የብላን” ዘብላ።
 
ጎርድም
 
ልዕልና ሕጊ ይከበር።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • ኣቶ ጎደፋ፡ August 19, 2015

    እቲ መስተውዓሊ ህዝቢ ኤርትራ ትርጉም መንነት፡ እምነትን ተግባርን’ምበር መበቆል ከምዘይኮነ ብጥንቱ ይፈልጦ ኢዩ። ትርጉም ዜግነትን ኣጠቓቕማኡን’ውን ከምኡ ይፈልጦን ኣብ 50ታት’ውን ኣብ ሕገ-መንግስቱን ሰኒድዎን ኣሎ። ተጋዳላይ ህዝብና ድማ እምነቱ ብርግጽ ከምኡ ብምንባሩ ምእንቲ እምነቱ ኣብ ብዓለሙ (ከም ኣብ ኢቲዮጲያ ወፊሩ ደም ኣፍሲሱን ተቐቢሉን) ተሰዊኡ ኢዩ። እንተኾነስ እቶም ካሕዳያት ምኽንያት ክሕደቶም ክጉልብቡ ንህዝብና ከደናግሩ ተዋፊሮም። ግዜ ዝሃቦ ሓምሓም እምኒ ከምዝፈግዕ እኒ የማነ ፍሻለ ኣብታ ብዓቲ ሓንቲ ዓለም ተወሽቦም ከደናግሩና ክብሉ ንከንቱ ይጋደሉ ኣለዉ። ክሳብ ብውሽጢ ውሽጢ ቃልስና ከራኽሱን መንነትና ሰብ-ሰርሖ (ኣርትፊሻል) ከምዝነበረን ዝነዝሑ መንእሰያት ከፍርዩ ፈቲኖም እኒ ህበይ። ብዛዕባ ዝሃብካዮ ትንተና ድማ ንጹር ኢዩ’ሞ ነቲ ቅኑዕ እምነትና ዘራጉድ ሓቅታትሲ ቀጽሎድኣ።

  • k.tewolde August 19, 2015

    An authentic,and comprehensive look at the meaning of justice.Job well done.Keep enlightening the masses.God bless.

  • Hagerey August 19, 2015

    ጸባ ስተ ልክዖም ሂብካዮም ንበዓል መሸርፈት

  • Amdemariam Berhane August 21, 2015

    ጽቡቕ ትምህርታዊ መልእኽቲ። ዝርዳእን ዝስማዕን ዘረባ ኣብ ኣእምሮና ኣትዩ ዘበራብረና ይግበሮ። ቀጽሎ ድኣ። ነመስግን

POST A COMMENT