Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍታሕ መጨቖኒ ጥበባት – (ቀዳማይን ካልኣይን ክፋል)

ፍታሕ መጨቖኒ ጥበባት (ቀዳማይ ክፋል) ብደብረ   ሓደ ወሃባይ ርእይቶ ኣቶ ዘሙይ ዝበሃሉ ኣብ መጨቆኒ ጥበባት ዝብል ጽሑፈይ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክምልሰሎም ሓቲቶምኒ ነይሮም። እተን ሕቶታት እዘን ዝስዕባ እየን። እሞ ኩሉ ሽጣራ ኢሰይያስ ካብ ፈለጥናዮ ጹቡቅ፡ ሕጂ እንታይ ይገበር? መፍትሒ

ፍታሕ መጨቖኒ ጥበባት

(ቀዳማይ ክፋል)

ብደብረ

 

ሓደ ወሃባይ ርእይቶ ኣቶ ዘሙይ ዝበሃሉ ኣብ መጨቆኒ ጥበባት ዝብል ጽሑፈይ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክምልሰሎም ሓቲቶምኒ ነይሮም። እተን ሕቶታት እዘን ዝስዕባ እየን።

  • እሞ ኩሉ ሽጣራ ኢሰይያስ ካብ ፈለጥናዮ ጹቡቅ፡ ሕጂ እንታይ ይገበር?
  • መፍትሒ ሽግርና ከመይ እዩ ክከውን?
  • ዶስ እሰያስ እዚ ገበረ እንዳልና ‘ና ክነብር?
  • አብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ፖሎቲካዊ መዳይ ይኹን ናይ ህዝብና ስቅታ ገምጋም ጌርካ መፍትሒ እንታይ ‘ዩ ትብል?

 

ከም ኩሉ ኤርትራዊ ፍታሕ ክኸውን ኣለዎ ኢለ ዝሓሰብክዎ ብኸምዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ከቀርብ ፈቲነ ኣለኹ። ኣቶ ዘሙይ ይኹን ካልእ ኣንባባይ የዕግበኩም ‘የ ኢለ ተስፋ እገብር። ብዙሕ ናይ ቃላት ኣመራርጻን ኣሰዃኹዓን ጸገማት ክህልዎ ስለዝኽእል ቀሰይ ኢልኩም ከተንብብዎ እላቦ። ንዝኾነ ግን ኣይተስተዋሕድዎ።

 

  1. ብስኻር ዝፍብረኽ ሽጣራ ኢሳይያስ ኣይውዳእን ‘ዩ

ኣቶ ዘሙይ ሽጣራ ኢሳይያስ ካብ ፈለጥናዮ ንዝበልኩሞ፡ ኣነ ኩሉ ሽጣራ ኢስይያስ ፈሊጥናዮ ኣሎና ዝብል እምነት የብለይን። ክርዳድ ዘርኢ ኢሳይያስ ሚሒካ ዘይትውድኦ ኣሪኻ ክትፈልዮ ዘይትኽእል ዝተጠናነገ ነገር ‘ዩ። ዘይፈለጥናዮም ብውሽጢ ውሽጢ ዝተዘርአ ብዙሕ ሽጣራታት ኢሳይያስ ይህልዉ ‘ዮም። ኢሳይያስ ኣብቲ ዘሎ ሽጣራታት ሓደሽቲ ምህዞታት እንዳወሰኸ እዩ ዝሓድር። ንሱ ንምህዝኡ ደቂሱ ኣይሓድርን ‘ዩ። ደቂሱ ይሓደር እዩ ኢልና ንሓስብ እንተዄንና ተጋጊና ‘ሎና። እቶም ኣጸቢቆም ዝፈልጥዎ ከምዝብልዎ ኢሳይያስ ንዕላምኡ ከይሰልከየ ሌትን ቀትርን ከምዝሰርሕ ‘ዩ። ተጋዳላይ ተስፋይ ተምንዎን ተጋዳላይ የማነ ተክለገርጊሽን ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ገሊጾሞ ‘ዮም። ንሱ ብግብሩ ቅሳነት የብሉን። ውሽጡ ርቡሽ ‘ዩ። ናይ ስነ ልቦና ሊቃት ከምዝብልዎ ርቡሽ ሰብ ከኣ ሰታይ ‘ዩ። ኣልኮሊዛቶ። ኢሳይያስ ከኣ ከምኡ ‘ዩ። ብዙሕ ጊዜ ኣብ ባራት ኣትዩ ደረቅ ኣረቂ ክሰቲ ተራእዩ ‘ዩ። ካልእ ኣብነት ኣብ መርዓ ወዱ (ኣብርሃም) ኣረቂ ጠርሙስ ምስ ኣፋረቀ ‘ዩ ሳዕሲዑ ኢሎም ይሓምይዎ። እቶም ዝረኣይዎ። እዚ ካብ ኮነ ባህርያቱ ሽጣራ ኢሳይያስ ምስ ስኽራን ‘ዩ ዝፍብረኽ። ስኽራኑ ደው ክሳብ ዘይበለ ፍብረኻ ሽጣራ ኢሳይያስ ደው ኣይብልን ‘ዩ። ፈሊጥናዮ ንብለን ሽጣራታት እንተሃልዩ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ኣዝየን ዉሑዳት ‘የን። ሽጣራታት ኢሳይያስ ብዙሕ ካብ ኮነን ፍብረኽኡ ደው ከብል ዝኽእል ካብ ዘይኮነ እስኪ እቶም ፍታሕ ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም ንብሎም ንርኣዮም።

 

  1. ኣመራጺታት ፍታሕ

ካብ ሽጣራታት ኢሳይያስ ክነዕርፍ እንተዄንና እቲ ፍታሕ እንታይ ‘ዩ ክኸውን? ብኸመይ ከብቕዕ ይኽእል? ኢሳይያስ ብኸመይ ካብ ስልጣኑ ይተኣለ? ስኽራን ኢሳይያስ ዘብቕዓሉ መንገዲ ‘ከ ከመይ ‘ዩ? ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ክምለሱ ኣለዎም። እዚ ስርዓት ካብ ስልጣኑ ከልግስ ብዙሕ ኣማራጺታት ክቐርቡ ይኽእሉ ‘ዮም። እቶም ኣማራጺታት ኣብ ክልተ ክንመቅሎም ንኽእል። ሰላማዊን ጎነጻዊን። ሰላማዊያን ዝበሃሉ ኣብ ዙርያ ጣውላ ኮፍ ኢልካ ብሰላማዊ መንገድ ብምይይጥ ዋጋ ዕዳጋ ጌርካ ስልጣን ምስቲ ስርዓት ምምቅራሕ ወይ እቲ ስርዓት ጡረታ ዝወጻሉ መንገዲ ክህሉ ዝብሉ ኣለዉ ወይ ኢስይያስ መልካም ፈቃዱ ኮይኑ ስልጣን ከረክብ ምጽባይ ወይ ኢሳይያስ ዕለተ ሞቱ ኣኺላ ስልጣን ናብ ካልእ ክሰግር ምጽባይ (ፍታሕ ካብ ኣምላኽ ምጽባይ) ዝብሉ ኣለዉ። እቶም ጎነጻዊ ዝበሃሉ ንኢሳይያስ ምቅንጻል ወይ ካልእ ሳልሳይ ኣካል ለውጢ ከምጻኣልካ ምጽባይ ወይ ዉዱባት ኣቁምካ ብጥርናፈ ተቃሊስካ ነቲ መንግስቲ ኣሊኻ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ምቛም ዝብሉ ‘ዮም።

 

  1. ሰላማዊ መንገዲ

ብሓፈሻ ብሰላማዊ መንገዲ ዝፍተኑ መንገዲ ፍታሕ ካብ ዝዕጸዉ ነዊሕ ‘ዮም ጌሮም። ተስፋ ተሳኢኒሎም ‘ዮም ‘ዩ። ኢሳይያስ ኣብ ዙርያ ጣውላ ኮፍ ኢሉ  ብልዝብ ተመያይጡ ስልጣን ከረክብ ‘ዩ ማለት ኣይሕሰብን ‘ዩ። ኣብዚ ዝለዓል ሕቶታት ክንዲ መልኣኽ ተራእዩ ክንዲ ዲያብሎስ ዝተራእየ ኢሳይያስ ብጽቡቕ ድልየቱ ፍታሕ ክመጽእ ይኽእል ዶ? ኢሳይያስ ‘ከ ምስቲ ዝነዓቆን ዘዋረዶን ህዝቢ ንልዝብ ኮፍ ይብል ‘ዶ? ንዕቀት ትዕቢት ኣብዘሃለወሉ ልዝብ ቦታ የብሉን። እቲ ምንዕዓቅ ብኽሊቲኡ ሸነኽ ካብ ኮነ ልዝብ እንተተገብረም ብዘይ ፍሬ እዩ ዝውዳእ። እዚ ድሮ ተቀቢጩ። እቲ ካልእ ኣይገብሮን ‘ዩ ‘ምበር ብወለንትኡ ጽቡቕ ፈቓዱ ኮይኑ ይኣኽለኒ እንተዝብል ወይ ጡረታ ክወጽእ ‘የ ኢሉ ንካልእ ዲክታተር ስልጣን ኣረኪቡ እንተዝወርድ ብኣቛራጭ ምተኣለየልና ነይሩ። ናይ ኩባ ፊደል ካስትሮ ንሓዉ ንራውል ካስትሮ ስልጣን ኣረኪቡ ጡረታ ወጺኡ ‘ሎ። ኩሉ ብእዱ ኢሳይያስ ንወዱ ኣብርሃም ስልጣን ከረክቦ መን ይኽልክሎ? እቲ ካልእ ሰላማዊ ፍታሕ ብተስፋ ንጽበዮ እቲ ፍታሕ ካብ ኣምላኽ ክመጺእ ‘ዩ። መዓልቲ ሞይቱ ኣኺላ ክሞተልና። እዚ ከኣ ተስፋ ዘቁርጽ ነገር ኣለዎ። ገባር ክፉእ ቀልጢፉ ኣይመውትን ‘ዩ ኢሎም እዮም መራሕቲ ሃይማኖት ዝሰብኩና። ከም ወዲ ተስዓ ዓመት ሮበርት ሙጋቤ። ሓደ ናይ ኣቛራጭ ፍታሕ እዚ ክኸውን ይኽእል። እቲ ካልእ ጎነጻዊ ግን ከኣ ክውን ዘይኮነ ሳልሳይ ኣካል ለውጢ ከምጻኣልካ ምጽባይ ‘ዩ። ከም ኢትዮጵያ ወይ ኣመሪካ ንጥቕሞም ክብሉ ንኢሳይያስ ካብ ስልጣን ኣልዮም ንዕኦም ዝውክል መንግስቲ ከቁሙ ምጽባይ። ሓዜኔታ ካብ ካልእ ምጽባይ። ኽሓዝኑልካ ይኽእሉ ግን ኣኽንዳኻ ኣይሓልፉልካን ‘ዮም። እዚ ኩሉ ሕልሚ ኣንጭዋ (ኣንጭዋ ቀትሪ እያ ትሓልም እቲ ትሓልሞ ከኣ ነቲ ባህ ዘብል ዘይትረኽቦ ነገር ‘ዩ።) ‘ዩ። ብወለንታ ልዝብን ካብ ሳልሳይ ኣካል ለውጢ ምምጻእ ካብዘይሰለጠ እቲ ፍታሕ እንታይ ክኸውን ‘ዩ ድኽእል? ናይ ኩሉ ሰብ ሕቶ ‘ዩ። እተን ፍታሕ ምቅንጻልን ወይ ብጥርኑፍ ሓቢርካ ምቕላስን ጥራይ እየን ዝኾና።

 

  1. ምቅንጻል

ኣብዚ እቲ ሕቶ መን ይቀንጽሎ? እዩ። ብኸመይ ንዝብል ሕቶ ለባማት ይምከርሉ ጥራይ እየ ዝብል። ኩሎም ለባማት ዝበሃሉ ዓብይቲ ዓዲ፡ ሰብ ጸጋ፡ ምሁራት፡ መንእሰያት ብሓባር እቲ ፍታሕ ምስኦም እዩ ዘሎ። ምናልባሽ ካብቶም ሓለውቱ ሓደ ክዕወት ‘የ ዝበለ፡ ወይ ካብቶም ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ብግብሩ ዘማረረ፡ ወይ ካብቶም ጀነራላት ሓደ ኣብ ስልጣን ክድይብ ዝበሃገ፡ ወይ ሓደ ዉፉይ ናብራ ዝኸፍኦ፡ ወይ ብቁጹራት ማፍያታት ብሰብ ጸጋ ዝተገዝኡ። ክትምልሶ ዘጸግም ሕቶ ‘ዩ። ብተስፋ፡ ሓደ ‘ባ ዝዕወት እንተዝርከብ ኢልና ዶ ክንትስፎ? ትምኒተይ ሕልሚ ኣንጭዋ ከይከውን ‘ዩ።እዚ ግን ኢሳይያስ ይተኣለ ’ምበር፡ ብድሕሪኡ ዝመጸ ካልእ መራሒ ይምጻእ ብዝየገድስ ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ ዘሳሲ። ድሕሪ ኢሳይያስ ዝመእ መራሒ ካብኡ ዝገደድ ክኸውን ይኽእል። ብሓደ ጎድኑ ክትርእዮ ከሎኻ ምናልባሽም ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል። ኣነ ግን ብእምነተይ ካብ ኢሳይያስ ዝገደደ መራሒ ይመጻና ‘ዩ ኢለ ኣያምንን ‘የ።

 

  1. ምንቃሕ ምውዳብ ምጥርናፍ

ዝላደየ ኣተሓሳስባ ኢሳይያስን ተንኮላቱን ኣንፈት ቃልሲ ደንበ ተቃውሞ ናበይ ገጹ ከምርሕ ከም ዘለዎ ይሕብር ‘ዩ ዘሎ። እቲ ኣንፈት ትኽ ዝበለ፡ እቲ ቃልሲ ቀሊል፡ እቲ ናይ ለውጢ ጊዜውን ሓጺር ኣይኮነን። ኣብ ሓጺር ጊዜ ህዝቢ ‘ሆ!!’ ኢሉ ለውጢ ከምጽእ ኣንተኾይኑ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ንቕሓት ክመጽእ ኣለዎ። ካብ ህዝብና ክንደይ ነቂሑ ኣሎ? እቶም ነቒሕና ንብል ዘሎና ክንደይ ኢና? ኢሳይያስ ‘ኳ ጭፉናት፡ ሕሙላት፡ ዱሁላት፡ ተኸተልቲ ኣለዉዎ። ኣብነት ከቅርብ። ኣብ ኣሰና ዶት ኮም ኣምኑኤል ሳህለ ኣውጺእዎ ዘሎ ኢሳይያስ ነቲ ናይ 1997 ቁዋም ብሓድሽ ቁዋም ክልውጦ ሕጋዊነት ኣለዎ ዶ? ንዝብል ‘ኮ 20% ደጊፎሞ ‘ዮም። 20% ብዙሕ እዩ። እዚኦም ንኣሰና ዶት ኮም ዘንብቡ ጥራይ እዮም። እቲ ካልእ “ጥራዝ ነጠቕ” ዝበሃሉ (cover book readers)፡ ብኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ጥራይ ትሕዝቶ ናይ መጽሓፍ ዝትንትኑ ሰባት ነቂሖም ኣለዉ ክንብል ንኽእል ‘ዶ? መታለሊ መጨፍለቒ ጥበባት ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ብቅኑዕ ተርጉሚና ተሓሚልና ዝኸድናን ዘሎናን ኣዚና ብዙሓት ኢና። ብናይ ባዶ ተስፋ ተተስፊና ዝነበርናን ዘለናን ብዙሓት ኢና። ክሳብ ሕጂም ካብዚ ዘይነቕሑ ደቂሶም ዘለዉ ብዙሓት እዮም።  ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ክሳብ ሎሚ ለይቲ እቲ ናቱ ናይ ሰካራም ሜላ ዝሰርሕ ዘሎ። እዞም ሎሚ ነቒሕና ኣሎና ንብል ዘሎና ኣዚና ውሑዳት ኢና። እቲ ሕጽቦ ሓንጎል (ብሬይን ዎሽ) ክትኣልዮ ጊዜ ዝሓትት እዩ። ከምዚ ስለዝኾነ እቶም ጭፉናት ዓይኒ ከንቁሑ ዓይኖም ክኸፍቱ፡ እቶም ሕሙላት ክበራበሩ ክነቕሑ፡ እቶም ድሁላት ካብ ፍርሆም ክወጹ፡ ምንቃሕ ዘድልዮም።

 

ሓላፍነትና ነቶም ዘይነቕሑ ብዝርዶኦም ኣገባብ ብዝፈልጥዎ ቋንቛ ከምዝነቕሑ ምግባር እዩ። እቲ ሓጹር ብኸመይ በሲዕና ናብ ውሽጢ ኣቲና ህዝብና ነንቕሕ ቅድሚያ ክወሃቦ ዘለዎ ዕማም ‘ዩ። ለውጢ ንኽመጽእ ኩላህና ውድብ ኣድላይ ምዃኑ ንሰማማዕ ኢና። ግን እንታይ ዓይነት ውድብ? ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ሲቪካዊ፡ ናይ ቁጠባ ወዘተ? ንመን ዝውክል? ንናይመን ጥቕሚ ዝሕሉ? ማእለያ ዘይብሎም መልስ ዘድልዮም ሕቶታት ኣለዉ። ክትውደብ ክትነቅሕ ኣለካ። ምንቃሕ ብሓደ ለይቲ ዝመጽእ ፍጻሜ ኣይኮነን። ምንቃሕ ክበሃል ከሎ በየናይ ኩርናዕ? እንታይ ሒዝካ ኢኻ ተንቕሕ? መንዩ ዘንቅሕ መንዩ ዝነቅሕ? ዘይነቕሐ ኣተሓሳስብኡ ክፈልን ክውደብን ኣይክእልን እዩ። ዘይነቕሑ ሓድነት ሓድነት እንተበሉ እንታይ ዓይነት ሓድነት እዮም ከቁሙ ዝኽእሉ? ዘይነቕሐ ብዛዕባ እንታይ ይቃለስ ከምዘሎ’ኳ ክፈልጥ ኣይክእልን እዩ። ዘይነቕሐ ተመንዐ እዩ ነገሩ። ንዝነቃሕኻሉ እከይ ጥበብ እንተወሓደ ብከመይ ትገጥሞ ኣንፈት ይህልወካ እዩ። ክንርድኦ ዘለና እቲ መስርሕ ምንቃሕ ቀሊል ዘይምዃኑ ‘ዩ።

 

ብዛዕባ ውዳበ ክንዛረብ እንተዄንና፡ ውዱብ እንታይ ማለት እዩ ኢልና ኢና ንጅምር። ናይ ፖለቲካ ውዱብ ማለት ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ዝተኣኻኸብሉ ማሕበር ማለት እዩ። ኣውራጃዊ ወይ ሃይማኖታይ ኣይኮነን ዝብል ዘለኹ። ካብዚኦም ወጻኢ። ዓለማዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ‘ኮ ብሓፈሻ ካብ ኣርባዕተ ዓንዃር ኣተሓሳስባ ኣይወጽእን ‘ዩ ምበልኩ። እተን ክልተ ጫፋት ኮሚንስትን ካፒታሊስትን ክኾና ኮለዋ እተን ክልተ ኸኣ ኣብ መንጎአን ዘሎዋ እየን። (ሶሻሊስት፡ ፒቲ ቡርዣ ክንብለን ንኽእል)። ከምንሰምዖ ኣብ ኣውሮፓን ኣሜሪካን ልዕሊ 30 ዝኾና  ኤርትራዊያን መቦቆል ዘለወን ውድባት ከምዘለዋ እዩ። (ተጋጊየ ከይከውን ኣርሙኒ)። እዘን ናይ ፖለቲካ ውድባት ደኣ በየን ኣቢለን በቁለን? መሰረታዊ ሓሳበን ንናይመን ጥቅሚ ክሕልዋ ‘የን ቆይመን? እዘን ውዱባት ናይ ብሄር ውዱባት ዲየን? ሓደ ናይ ትግሪኛ፡ እቲ ካልእ ናይ ኩናማ፡ እቲ ሳልሳይ ናይ ትግረ፡ ወዘተ። እዚአን እንተበዝሓ ትችዓተ እየን ዝኾና። ወይስ እዘን ውዱባት ናይ ኣውራጃ ውዱባት ዲየን?ሓደ ናይ ሓማሴን፡ እቲ ካልእ ናይ ኣከለጉዛይ፡ እቲ ሳልሳይ ናይ ዓንሰባ፡ ወዘተ። እዚአን ‘ውን እንተበዝሓ ሽዱሽተ እየን ክኾና። ወይስ እዘን ውዱባት ናይ ሃይማኖት ውዱባት እየን? እቲ ሓደ ኣስላማይ እቲ ካልእ ኪስታናይ። ወይስ እዘን ውዱባት ክፋል ህዝቢ ዝውክላ ውድባት እየን? እቲ ሓደ ናይ ሓረስታይ እቲ ካልእ ናይ ሸቃሎ። እዘን ዝጠቀስክወን ተደሚረን ‘ኳ 30 ኣይበጽሓን እየን። እስከ ሕሰቡ ነዛ ቁንጣሮ ዝኾነት ሃገር ኣይኮነን እተን ዓበይቲ ዝበሃላ ሃገራት እንተኾና ‘ውን ክንዲዚ ዝኣክል ናይ ፖለቲካ ማሕበራት ኣየድልየን ‘ዩ። እዘን ዝበሃላ 30 ዝኾና ዘለዋ ውድባት በብዝኽተልኦ ርእዮተ ዓለም ኣተሓሳስበአንን እምነተንን ፈልየን ናብ ኣርባዕተ ወይ ክልተ ናይ ፖለቲካ ውድባት ክጥርነፋ ይግባእ። ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ሓይለን ኣብኡ ‘ዩ ዝረአ።

 

ሕጊን ስርዓትን ፍትሒን ኣብ ባይታ ንኽነግስ ዝግበር ቃልሲ ቀሊል መስርሕ ኣይኮነን። ጥምረት ሓይሊ ‘ዩ። ጥምረት ዘይብሉ ቃልሲ ፍረ ዘይብሉ ግራት ‘ዩ። ኣብ ደንበ ተቃውሞ ፍልልይ ክህሉ ባህርያዊ’ዩ። ዘለካ ፍልልይ ሓድነት ንኸይትፈጥር ዝዓግት ባእታ ኣይኮነን። ዝተፈልላለየ ኣረኣእያ ዘለዎን ተቃወምቲ ይኹኗ ውልቀ ሰባት ተጠሚሮም ክቃለሱ ይግባእ። መሰረት ጥምረት ዘለካ ናይ ሓባር ረቋሒ ‘ዩ። ጥምረት ኣብ ቕኑዕ መትከል ዝቆመ፡ ብሕግን ስርዓትን ዝምራሕ ኮይኑ ክቀውም ኣለዎ። ዘለዉኻ ናይ ሓባር ረቋሒታት ኣወሃሂድካ ሕብረት ፈጢርካ ሓይሊ ክትድልብ ይግባእ።

 

እቲ ካልኣይ ነጥቢ ምእላይ ህልኽ ‘ዩ። ህልኽ ካብ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዝመጽእ ውድድር እዩ። ህልኽ ቁዱስ ቅንኢ ኣይኮነን። ዓዕናዊ ውድድር’ ዩ። ህልኽ ክእለ ‘ለዎ። ናይ ካልኦት ሓሳብን እምነትን ከየነኣኣስካን ናትካ ከየዕበኻን ሚዛን ምሕላው ንህልኽ ይኣልዮ። እስኪ ሓደ ሰብ ከምዚ፡ “ካብ ሰበይትኻስ ሰበይተይ ትሕይል” እንተሊካ እንታይ ምመለስካሉ? ምናልባሽ “ሰበይተይባ!!!” ኢልካ ምመለስካ ዶ? ኣብ ናብ ዘይተደለየ እንካን ሃባን ክትዕ ዶ ምኣተኻ? ኣኣንስትኹም ነናትኩም እየን። ንሰን ይሓይላ ይድከማ ነንሕድሕድኩም ከተኽብርወን ጥራይ ‘ዩ ካባኹም ዝድለ። እንካን ሃባን ከኣ ብሳላ ምክብባር ይተርፍ። ካባኻ ዝተፈለየ ናይ ካልኦት ሓሳብን እምነትን ምኽባር፡ ብኣንጻራዊ ኸኣ ናትካ ብኣታቶም ከምዝኽበር ይገብር። ሳልሳይ ናይ ኒውቶን ሕጊ (ንዝኾነ ፍጻመ መዓረን ኣንጻራዊ ፍጻመን ኣለዎ) ዝብል ምዝካር ይኣክል። ፍልልይ ሓሳባት መሰረት ዲሞክራሲን መልክዕ ቃልሲ ምዃኑ ኣሚንካ ምቕባል እዩ። ፍልልይ መልክዕ ፖለቲካዊ ውድድር ቃልሲ ‘ዩ። ናይ ሓሳባት ፍልልይ እንተዘየሎ ዲሞክራሲ ባይታ የብሉን በሃላይ እየ።

 

ምጥርናፍ ቀሊል ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ኤርትራ። ጊዜን ተወፋይነትን ዝሓትት ዕማም ‘ዩ። ምኽንያት ነዘን ኣርባዕተ ናይ ፖለቲካ ኣተሓሳስባ ዝመርሕ ቅዋም ኣብ ባይታ ከይተበገሰ ስለተቆጽየ። ቅዋም ስለተቆጽየ ኢልናም ኣእዳውና ኣጣሚርና ክንዕዘብ የብልናን። እቲ ቅዋም ‘ኮ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። ነቲ ቅዋም ካብ ዝሓንጸጹ ዜጋታት እዛ ሃገር ከም በዓል ፕሮፈሰር በረኸት ዝኣመሰሉ ተቀባልነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ደምበ ተቃወምቲ እዮም ዘለዉ። በቲ እቲ ቅዋም ዝብሎ ውድባት ተወሃሂደን ክጥርነፋ ይኽእላየን። ናይ ሕጂ ድኽመትናን ሕመቅናን ንኸምዚ ዘይምብጋስና እዩ። ቅዋም ተኣውጁ ኣብ ግብሪ ዊዒሉ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ብዝኽተልኦ ርእዮተ ዓለም ተወዲበን ቆይመን፡ ቃልሰን ኣወሃሂደን ተጠርኒፈን፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኣልየን፡ ኣብ ትሕቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ተወዳዲረን ኣብ ስልጣን ክመጻ ኣለወን። ከም ፍታሕ ከም ሓደ ኣማራጺ እዚ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ ይብል።

(ካልኣይ ክፋል ይቕጽል)

 

ፍታሕ መጨቖኒ ጥበባት

(ካልኣይ ክፋል)

ብደብረ

 

  1. መቃለሲ ቦታ

ሓደ ናይ ፖለቲካ ውዱብ ንህዝቡ እንዳማዕደው ይቃለስ እንተሃልዩ፡ ህርመት ልቢ ህዝቡ ኣይሰምዕን ‘ዩ። ዘማዕድው ይደናገጽ ጥራይ ‘ዩ እምበር ኣየድምጾን እዩ። ምኽንያት ምትንኽኻፍ ስለዘይብሉ። እቲ ዉዱብ ኣብቀረባ ኮይኑ ክጋደል ይግብኦ። እንተወሓደ እቲ ውዱብ ማእከልነቱ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ክገብር ዝግብኦ። እቲ ጨቛኒ ሃስያ ከውርድ ከሎ ኣብ ቀረባ ኮንካ ተመሳሳሊ ሃስያ ናብኡ ከምዝግምጠሎ ክርድኦ ምእንቲ፡ እቲ ውዱብ ብዓቅሙ ኣብቲ ጨቛኒ ሃስያ ከውርድ ክኽእል ‘ለዎ። ንዓይ ቃልሲ ብማዕዶ ሽማዊ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ። ኣብያተ ጽሕፈት ኣብ ማዕዶ ይኽፈት ‘ምበር ማእከል መቃለሲ ቦታኻ ግን ኣብ መንጎ ህዝብኻ ወይ ኣብ ጎኒ ህዝብኻ ክኸውን ኣለዎ።

 

ክንደይ ዝኾና ውድባት እየን ማእከለን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይነን ዝቃለሳ ዘለዋ? ክንደይ ዝኾና ውድባት እየን ማእከለን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት (ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዕድያ፡ የመን፡ ጁቢቲ) ገይረን ዝቃለሳ ዘለዋ? ክንደይ ውዱባት እየን ኣብ ናይ ሩሑቅ ቀረባ ጎረባብቲ ሃገራት (ኡጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ከንያ) ገይረን ዝቃለሳ ዘለዋ? ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሓርነት ዓርቢ ወረቀት በቲኖም ህዝቢ ኣጎሳጊሶም ክበሃል ንሰምዕ ካልእ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ኣብዘን ጎረባብቲ ሃገራት ብዘይካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቀሳ ዉሑዳት ውዱባት ከምዘለዋ ኣይሰማዕኹን። ክህልዋ ይኽእላ ‘የን። እተን ኣለዋ ዝበሃላ ግን ኣብ ኣውሮፓ ኣብ ኣመሪካ ከምዘለዋ ንሰምዕ። ኣብ ኣውሮፓን ኣመሪካን እንታይ ይገብራ ኣለዋ? ኣብ ኣመሪካን ኣውሮፓን ንዘለዉ ሰደተኛታት ኤርትራዊያን ድየን ድቃለሳ ዘለዋ? ኣብ ፍትሕን ስርዓትን ንዘለዉ ህዝቢ እንተወሓደ ከብደም የዐንጊሎም ዝሓድሩላ ሃገር ረኺቦም ከለዉ እንታይ ከይኮኑ?

 

ኢሳይያስ ‘ዃ ኢትዮጵያ ንዝቃወሙ ብርክት ዝበሉ ውድባት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብረኣዩለይ ከሳሲ እንዳረኣናዮ፡ ንሕና ብተመሳሳሊ ኣብ ጎረባብቲ ከምኡ ናይዘምግባርና ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ኮይነን ዝንቀሳቀሳ ከም ናይ ኩናማ ውድብ፡ ናይ ዓፋር ውድብ፡ ስሙር ዲሞክራሲያዊ ግንባር ዝበሃላ ከምዘለዋ ንሰምዕ። ሰለይቲ ቀቲሎም፡ ኣብ ገለ ገለ ቦታ ኣጥቂዕም ንሰምዕ። ጥምረት ግን ክፈጥራ ዝኸኣላ ኣይመስለንን። ውዱብ ናይ ኩናማ ንህዝቢ ኩናማ ጥራይ፡ ዉዱብ ዓፋር ንህዝቢ ዓፋር ጥራይ፡ ሓራ ከውጽኣ ተበጊሶን እንተሃሊየን ኤርትራዊያን ውዱባት ኣይኮናን። ብጥሙር ናብ ኤርትራዊ ውዱብ ተቀይረን ምስ ስሙር ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓቢረን ሰይፈን ናብ ኢሳይያስ እንተዝመዛ ሓያል ዉዱብ ክፈጥራ ምኸኣላ ምበልኩ። ንዓይ ካብዘን ኣብ ኣውሮፓን ኣመሪካን ካብ ዘለዋ ውድባት እዘን ኣብ ቀረባ ህዝበን ኮይነን ዝቃለሳ ዘለዋ ውዱባት ኣዝየን ይሕሻ ይብል።

 

ኣብ ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ኣብ ኡጋንዳ ዘማረረ ሓሰኽሰኽ ዝብል ስደተኛታት ኣለዉ። ነዚእም ዘወሃህድ ሓደ ውዱብ ዘይምህላዉ ዘሕዝን ተርእዮ ጌረ ይወስዶ። ሓደ ኤርትራዊ፡ ኪኢላ ወይ በዓል ጸጋ ክገብርዎ ዘይምኽኣሎም ክሳብ ክንደይ ተዳሂልና ከምዘሎና እና ንርኢ። 03 ትፍብርኾ ናይ ሓሶት ዜና “ኢሳይያስ ኢዱ ነዊሕ ‘ዩ” ዝብል ክነሕጽሮ ይግባእ።

 

  1. ንገዛእ ርእሴና ንድለያ፣

ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ድሮ ቀደም ‘ዮም ንገዛእ ርእሶም ኣብ ነፍሰ-ምትሓት ረኺቦማ። ብፍልጠት፡ ሞያ፡ ትምህርቲ፡ ምህደራ፡ እምነት፡ ገርህነት፡ ወዘተ ከምተበልጹ ድሮ ‘ዩ ተገሊጽሎም። ድሕሪኡ ‘ዮም ነፍሶም ክከላኸሉ ክብሉ ናብዚ ኣደራዕ እዚ የእቴሙና። ነፍሰ ምትሓት ዝፈጠሮ ነፍሰ ምክልኻል ሳዕሪሩ፡ እነሆ ሎሚ ንነፍሶም ልዕሊ ኩሉ ሰሪዖም ንሶም ጥራይ ዝፈልጡ ጌሮም ስለዝቆጽሩን፡ ነቲ ዘሸዉዎ ገርሂ ህዝቢ ከም ዓሻ ዘይፈልጥ ጌሮም ቆጸርዎ። ንሕና ንፈልጠልካ ኢሎም ስራሕ ዓሻ ይሰርሑ ኣለዉ። ሓደ ኣብነት ጥራይ ምጥቃስ ይኣክል። ሓደ ናይ ሕጊ ተመሃራይ ይግባይ ዘይበሃለሉ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ንምንታይ ኣድለየ ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ፡ ኢሳይያስ ክምልስ ከሎ “ፈሊጠ ፈሊጠ ኣይትበል ኪድ ትምህርትኻ ኣጽንዕ” ብዘስምዕ ቃና እዩ መሊስሉ። እቲ ተመሃራይ እቲ መጻኢ ተራኢዎ ነይሩ ክንብል ንደፍር። ነፍሱ ይምሓር ኣይጸንሐን ብሓደጋ መኪና ኣብ ከባቢ ቀለተ ሆቴል ምሟቱ ሰሚዕና።

 

ንሕና ‘ውን ንገዛእ ርእስና ንድለያ። መን ኢና? ኣበይ ኢና ዘሎና? ተራና እንታይ። ንኤርትራ ዋንኣ ‘ኮ ንሕና ኤርትራዊያን ኢና። እቲ ዝጸንሕ ንኤርትራ ከምቲ ናይ ሓባር ባህጎም ከተግብር ይኽእል ‘ዩ ‘ሎም ክንዲ ዘርኢ ኣድሪ ከይተጠራተሩ “እስኻ ጽናሕ አነ ክሐልፍ” ኢሎ ‘ም ‘ዮም እቶም ጀጋኑ ሓሊፎም። ሕልፈቶም ከንቱ ከይከውን ኣብነቶም ክንስዕብ ይግባእ። ንሕና ኢና ኣለናልኪ ክንብላ ዝግባእ። ካልእ ክዓየልና ክንጽበ ኣይግባእን። ብኢሳይያሳዊያን ተኣታትዩ ዘሎ ትምህርቲ ወይ ከኣ ብሬይን ዎሽ (ሕጽቦ ሓንጎል) ጸገምካ ኣብ ክንዲ ባዕልኻ ትፈትሖ ካልእ ሰብ ክፈትሓልካ ምጽባይ ክንስዕሮ ይግባእ። ኢደይ ኢድካ ኢልና እንተዘይተቃሊስና ለውጢ ባዕሉ ንኽመጽእ ተጸበይቲ ኢና ክንከውን ንኽእል። ለውጢ ከኣ ባዕሉ ብእግሩን ብእዱን ኣይመጽእን እዩ።  ባዕልና ክነምጽኦ ይግባእ። ከምቶም ኣያታትና ክንውፈ ክንቅረብ ይግባእ። ድኽመትናን ሓያል ጎንናን እንታይ ኢዩ? ንዓይ ናይ ሕጂ እቲ ዝዓብየ ድኽመትና ኣብቶም ነቂሖም ጌጋና ንኣርም ዝብሉ ሰባት መመልከቲት ኣጻብዕና ምቅሳርና ‘ዩ። ‘እዚ ትማሊ ምስኦም ነይሩስ ሎሚ ምስተረኸበ እንታይ እዩ ዝብለና ዘሎ’፡ ‘ኣበይ ነይሩ’ ኢልካ ኣነኣኢስና ምርኣይና ኣጻብዕና ቀሲርና ክንፍክረሉ የብልናን። ኣብታ ጌጋኡ ዝፈለጠላን ጊዜን ወይ እዚስ ይኣክል ኣብ ዝበለሉ እዋን ክቃወም ምስዝጅምር መርሓባ ኢልና ክንቅበሎ ኢዩ ዝግበኣ። ኣመልካቲቶ ምቅሳር ሰባት ኣብ ቃልሲ ንኸይጽንበሩ ዝኽልክል ኢሳይያሳዊያን ዝሕግዝ መሳርሒ ‘ዩ። ንሳቶም ከምኡ እዮም ሚሂሮምና። ኣበይ ነይሩ!!! ሕጂ ምስተረኸበ!!! ወዘተ። እዚ ንዕዖም ጥራይ እዩ ዝሕግዝ። ክንነቕሓሎም ይግባእ። መንነትና ፈሊጥና እንታይ ክንገብር ከምዘለና ክንፈልጥ ብልህ ምዃን ‘ዩ።

 

  1. መደምደምታ

ኩሉ ነገር ኣብ ጊዚኡ ክኸውን ተመራጺ ነገር ‘ዩ። ሓደ ለባም ርእይቶ ወሃባይ እዛ ትስዕብ ኣብነት ጺሒፍለይ፡ “ብዙሕ ዘገልገለ ዝላደየ ራድያቶር ዘላታ መኪና ንሕሰብ። ዋንኣ ኣብ ጊዚኡ ኣብ ውሽጢ ሂደት ኪሎ ሜትራት ዝሑል ማይ እንዳመልአ እንተዘይተጓዒዚላ ሞተራ ስለዝበላሾ፡ ዋንኣ መዓስ ክመልኣ ከምዘለዎ እንተዘይፈሊጡ ክጥቀመላ ኣይክእልን እዩ።” ሓደ ነገር መዓስ ተተግብሮን ትፍጽሞን እንተዘይፈሊጥካ ክትዕወት ኣይትኽእልን ኢኻ። ኢሳይያስ ኣንፈት ክስሕት ከሎ ኣብ ጊዚኡ ስለዝዘንጋዕና እኳ ኢና እነሆ ሕጂ እዚ ንርእዮ ዘሎና ኣደራዕ ወሪድና ኣሎ።

 

እንተዘይኮነ እቲ ፍርሀይ ብሕጂም ሰላሳ ዓመት ኢሳይያስ ከምዚ ገበረ እንዳበልና ከይነማርር ‘ዩ። እስኪ እቲ ዝወርድ ዘሎ ቁጠባውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣደራዕ ስቃይን ሓሳረ-መከራን፡ ዝፍጸም ዘሎ ምብራስ ሃገር፡ ዝዓኑ ዘሎ ባህልን ሕጊ እንዳባን ንሕሰቦ። እስኪ እቲ ዝመክን ዘሎ ወለዶ፡ ፈቀዶ በረኻን ባሕሪን ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ፡ ኣብ ፈቀዶ ስደት ዝኽርትት ዘሎ ዜጋ ንሕሰቦ። እስኪ ኤርትራ ትማሊ ዝነበረትሉ ምዕባለን ሎሚ ዘላቶ ምዕባለን ነወዳድሮ። ኢሳይያስ ቀይዲ በተኽን መታለሊን ካብ ኮነ ክንዲ ቅንጣብ ትኸውን ሓልዮት ካብኡ ክንጽበ ዲና ጊዜና ክነሕልፍ? ሰባትና ኣወሃሂድና ሓይልና ኣደሊብና ሓቢርና ለውጢ ክነምጽእ እንተዘይኪእልና፡ ኩሉሻዕ ኣማረርቲ ንኽንከውን ባዕልና ንባዕልና ፈሪድናያ ማለት እዩ።  እቲ ሓቂ ከምዚ ሕጂ ዘለናዮ ሃዋሁ ማለት ‘ዩ። ኣብዚ ኣብቲ እንዳኼድና ንሓሚ ነማርር። ንድበጽሓና እንግልትን በደልን ‘ኳ ተጠሊዕና ክነእዊ ኣይንኽእልን። መርገም ‘ዩ።

 

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!!!

ሓውኹም

ደብረ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • ERITRAWIT February 3, 2015

    Dear Debre,
    You did very well excellent written. I like the way you explain the issue we are facing in different ways.

  • fthawi February 4, 2015

    ደብረ
    እተን ሕቶታት ብፍላ እታ አባይታ ዘሎ ክውንነት ህዝብና ናይ ስቅታ ምርጫ ወሲድዎ ዘሎ ዝብላ ሕቶታት አቶ ዘሙይ አይመስለንን አነ እየ ሐቲተካ ተመሊስካ ርኤየን እተን ሪኢቶታት ደጊሙዎ ትኮይኑ እቲ ናተይ ሕቶ አይፈልጥን

    • Debre February 4, 2015

      ኣቶ ፍትሓዊ
      ብጣዕሚ ይቕረታ ብትኽክል ንሱኹም ኢኹም ሓቲትኩኒ። እዛ ዘሙይ ትብል ሽም ኣብ ኣፈይ እንዳመጸት ተሸግረኒ እያ። ቁሩብ ዘንጊዐ። ብዝኾነ እቲ ሕቶኹም መሊሰዮ ይኸውን ኢለ ይኣምን። ብኽብረትኩም ርእይቶኹም እጽበ ለኩ።
      የቐኝየለይ።

  • fthawi February 4, 2015

    ደብረ thank you
    ከምሰብ ክፋለጠካ እደሊ እየ ጹቡቅ ጌርካ መሊስካዮ አለካ ብዝኮነ ነብሰይ ከፋልጠካ ዓቢ ፖሎትሻን አይኮንኩን ታራ ሰብ እየ ክምሃር ዝደሊ ብሃገረይ ዘሕምም ኢለ ዘለኩ ወዲ ሃገር እየ ዓድና ናይዞም ደቅዛ ለመንቲ መጻወቲ ኮይኑ ብጣዕሚ ከብደይ እቀርጸኒ if you don.t mind give me your email አጆካ ቀጽል ጹቡቅ ኢካ ዘለካ።

    • Debre February 5, 2015

      የቀንየለይ ኣቶ ፍትሓዊ
      ኣብ ሂወትኩም ራህዋን ቅሳነትን ሰላምን ኣብ ስራሕኩም ከኣ ኣስልጦ ይምነየልኩም። ኣነም ከማኹም ፖለቲሻን ኣይኮንኩን። ብዝኾነ ኢ-መይለይ እዚ sina_debre@yahoo.com እዩ። ጽሓፉለይ ክምልሰልኩም እየ።
      እምላኽ ምሳኹም ይኹን
      ደብረ

  • fthawi February 4, 2015

    ደብረ ሐደ ጆክ ክነግረካ
    ሐደ ኤርትራዊ ሰብአይ ምስ ሐዳሮም አብ ሽረ እነብሩ ነበሩ ጓሎም ንሐደ መንእሰይ ትግራዋይ ተፍቅር ነዚ እየ ዝምርዓዎ አቦ ትብሎም አይኮውንን እዩ ኤርትራዊ ኢኪ ትምርዓዊ እብልዋ ጓል ፍቅሪ ሕጅዋ ትጠንስ ዳሐር የመርዕውዋ ከይፈተው ሕርሲ መጽዩ ክትጻዓር ከላ አቦየ አቦየ ትብል አቦአ ድማ ተቀብል አቢሎም እዞም ዓጋመ እዚኦም አብ ከብድካ አትዮም አይኮነን አብ ደንቤካ አትዮም አይወጹን እዮም ኢሎማ እብሃል ። ሕጂ ድማ አከለጉዛይ ሰራየ ሐማሴን አስላማይ ክንብሃል ንሕና ሀላያት ተጻዊቶሙልና እዚ እዩ እቲ ሐቂ ንዓይ እዚኦም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጽልኢ አሎዎም እሰያስን ሞሶልቱን።

Post a Reply to ERITRAWIT Cancel Reply