Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍረሰላም ሙሴ!

ፍረሰላም ሙሴ!   ኣንታ ንኡስ ፍጥረት ፍረ ናይ ናጽነት ጅግና ወዲ ጅግና ብዓል ድርብ ሓሞት ካብ ጉድጓድ ወጺእካ ስዒርካያ ንሞት 'ዕጡቕ'የ' ምባልካ ንወፍሪ ሓርነት ልበይ *ተሸኒሁ ኰሪዐልካ ብኡነት!     *ደስ ኢሉዎ   ብርግጽ ኰሪዑ ደስ ኢሉዎ ልበይ 'ክቃለስ'የ' ምባልካ ነዚ ውጹዕ ህዝበይ ብልሕኻን ትብዓትካን ወኒኑዎ ቀልበይ ናይ

ፍረሰላም ሙሴ!
 
ኣንታ ንኡስ ፍጥረት ፍረ ናይ ናጽነት
ጅግና ወዲ ጅግና ብዓል ድርብ ሓሞት
ካብ ጉድጓድ ወጺእካ ስዒርካያ ንሞት
‘ዕጡቕ’የ’ ምባልካ ንወፍሪ ሓርነት
ልበይ *ተሸኒሁ ኰሪዐልካ ብኡነት!     *ደስ ኢሉዎ
 
ብርግጽ ኰሪዑ ደስ ኢሉዎ ልበይ
‘ክቃለስ’የ’ ምባልካ ነዚ ውጹዕ ህዝበይ
ብልሕኻን ትብዓትካን ወኒኑዎ ቀልበይ
ናይ ደስታን ሓበንን ዛሪዩ ንብዓተይ
ንኣኻ ምውላዳ እዛ ዋዕሮ ሓብተይ
ምስጋና ይኹና ጎይታ ናጽነተይ!
 
ብዕድመን ብሞያን ካባኻ ዝዓብዩ
ቅድሜኻ ደኣ’ሞ ክንደይ ዘይጎየዩ
ደሃዮም ግን የለን ኣብ መዓሙቚ ኣትዩ
ሕድገት ካብ በዳሊ ግዜ ክጽበዩ
ከም ተመን ምድረ በዳ ኣብ ሑጻ እተሰትዩ
ብዙሓት’ወ ኣሎዉ ስቓይ ዝረኣዩ
*ስልንስል ብሙዃን ልቦም ምርጋእ ኣብዩ!            *ክልተ ልቢ ሙዃን
 
እቲ ጥበበኛ ግን ህዝቢ ዝቓላዩ
ብኽቡር ሞያኡ ንቓላት ቃንዩ
ነውጺ ናይዚ ማዕበል እንተዘይ ኣእውዩ
*በሃም እንተኾነ ካብ ህግደፍ ተኣልዩ    *ዓባስ
ኣይሞተን ክንብሎ እዚ ዓሳ ህያው’ዩ
ከመይ ጌርካ ይኸውን ትንፋሱ እንተ ዓጽዩ!?
 
ንስኻ ግን ሃብሮም ምኽኒት ኣይደለኻን
ኪትብጆ ነቒልካ ንሃገርካን ህዝብኻን
ንኹሉ ኪትገጥም ኣብ ዓድን ኣብ በረኻን
ጅግና ወዲ ጀጋኑ ፍጹም ኣይጀጀኻን
ተሓበኑ ኢልካዮም ነቦኻን ኣደኻን
ራህዋ ከም ትመጽእ ብኣኻን ብኣሕዋትካን
ብወፍሪ ሓርነት ኣይተጠራጠርካን!
        
ብሓሶት ኪትውድስ ንስርዓት *ደማሒ            *መላኺ
ብታህዲድ ምስሉያት ብራዕዲ ብፍርሒ
ጸሓይ እዩ ዘይበልካ ንባና ናይ ወርሒ
ከም እሾኽ እተፈጥርካ ወኒንካ ንብልሒ
ንጉጅለ ምልኪ ኴንካ መሳርሒ
መጋበርያ ኣይኮንካን ስቓይ መናውሒ!
 
ንሰለስተ ዓመት ብዕጫ ሎተሪ
ከምዘይፈረዱኻ መቚሕ ትሕቲ ምድሪ፡
ኣብ ጓይላ ምስሉያት ግን ንምልኪ ኪትውድስ
ካብ መቚሕ ኣውጺኦም ብናይ ገንዘብ ዋሕስ፡
ብመግረፍቲ ኩርማጅ ቆሲሉ ኣካልካ
ሰንከልከል እናበልካ ከይነቐጸ ደምካ
‘ድረፍ’ ኢሎሙኻ ክንዲ ምሕካምካ!
 
ኣሕዋት ኤርትራውያን ልብታትና ኣይቕነን
ዝገዝኣና ዘሎ ፍጥረት ሰብ ኣይኮነን
ቀትሪ ሰብ ኪመስል ምስ ጸልመተ ጋኔን
ኣደታት ኤርትራ ብሰንኩ መኺነን
ጸገይቲ ክነሰን ውላደን ስኢነን
ወትሩ ይነብዓ ኣለዋ ብጓሂ ሓዚነን
ሃየ’ንዶ ኣታ ንስመር ደበስቲ ንኹነን!
 
* ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ብሕሱም ምሕደራ ምልኪ ደም ድፋጫኡ እናሰተየ ከሎ፡ ስነ ጥበበኛ ተባሂልካ፡ እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ ክትከውን፡ ብሰብን ብእዝግን ብዓብይኡ ድማ ብሕጊ ሞያኻ ዚፍቀድ ኣይኮነን! እዚ ብዕድመ ንኡስ ክነሱ ልዕሊ ዓበይቲ ኣሕዋቱን ወለዱን ግን ትብዓትን ብልሕን ወኒኑ፡ ንሓርነት ኪቃለስን ምልኪ ኪምክትን ምዃኑ፡ ነቲ ኣብ መከራ ገዲፉዎ ዝመጸ ውጹዕ ህዝቡ ቃል ዝኣተወ ሃብሮም ስነ ጥበበኛ ከኣ ኣሰር’ቶም ውሑዳት ቅድመኡ ዕጥቂ ሓርነት ዝዓጠቑ ብምስዓቡን ነቶም ከምቲ ናቱ ተባዕ ስጉምቲ ዘይወሰዱ ምስ ሞያኦም ኣብ ስደት ተቐቢሮም ዘለዉ ብዙሓት ስነ ጥበበኛታት ከኣ ጽባሕ መሬት ምስ ወግሐ፡ እቲ ባሕሪ ዳግም ክትሕንብሱሉ ከሸግረኩም’ዩ ብምባል፡ ብንጹር ቃላት ነጊሩዎም ስለ ዘሎ፡ ምእንቲ ጽባሕ ኢሎም ሎሚ ግበኦም ክገብሩ ተስፋ እገብር። የቐንየለይ።
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 18/02/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Smhar February 19, 2015

    Well done Freselam, I wish you all the best in the future.

  • comment February 19, 2015

    FreSelam is on the right path. Be brave and don’t listen to people like Algiena on and others.

    It is understood that people like Algiena on could be from the PFDJ central office, those who torment our people in places like Adi-Abieto, those who sell the kidney of the Eritrean people.

    If anyone follows the right path then they are very quick to defame him or her instead of the facing the reality in Eritrea.

    People like Amanuel, be encouraged. Those who torment the people of Eritrea will keep on barking on anyone who talks the truth or follows the right path. In the end the truth will prevail and justice will be done and the people who are working against Eritreans will reap what they saw.

    I am wondering who is the pure Eritrean? There is no such thing as the people in power will tell you because almost all of them have identity crisis.

    People like Amanuel (Assena) should be motivated as they are working hard to expose the truth.

    Peace and prosperity to the people of Eritrea.

    • AHMED SALEH !!! February 19, 2015

      Comment questioned ;
      ” I am wondering who is the pure Eritrean “?
      In deed it is the true picture of our current sociopolitical reality
      which become difficult to find satisfactory conviction mainly when
      you observe some commentators negative feedback .

  • Deset February 19, 2015

    Freselam you are an amazing young man, God bless, I can’t wait to hear your lovely music in the near future.

  • AHMED SALEH !!! February 19, 2015

    Maik
    Until ASSENNA staff recognize your sinister motives to provoke , for a while enjoy the
    forum .

  • Dala Ksha February 20, 2015

    Brother
    Dawit M. I agree with you every thing what you said is right,but our young Generation are Confused to make things worst they Do not where they are heading

  • Sied February 20, 2015

    Hi Eritrawyan Fere selema Dammo Dege sele zeykede eyu hadimo Asmera dema bira sele zeyele.

  • Aaron February 23, 2015

    Well done freselam Congratulations to you and family.

POST A COMMENT