Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍሉይ ቤትፍርዲ ይግባይ እስራኤል፡ ካብ ሰራዊት ኤርትራ ምምላጥ ሕቶ ዑቕባ ንምቕራብ ዘኽእል ብቑዕ ምኽንያት ምዃኑ ምውሳኑ፡ ማዕከናት ዜና እስራኤል እቲ ፍርዲ ንኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ተስፋ ዝህብ ኣገዳሲ ውሳኔ ምዃኑ ይገልጹ ኣለዉ።

ፍሉይ ቤትፍርዲ ይግባይ እስራኤል፡ ትማሊ ሓሙስ 15 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ፡ ካብ ሰራዊት ኤርትራ ምምላጥ ሕቶ ዑቕባ ንምቕራብ ዘኽእል ብቑዕ ምኽንያት ምዃኑ ምውሳኑ፡ ነቶም ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣምሊጦም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ፡

ፍሉይ ቤትፍርዲ ይግባይ እስራኤል፡ ትማሊ ሓሙስ 15 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ፡ ካብ ሰራዊት ኤርትራ ምምላጥ ሕቶ ዑቕባ ንምቕራብ ዘኽእል ብቑዕ ምኽንያት ምዃኑ ምውሳኑ፡ ነቶም ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣምሊጦም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ፡ ካብ ዕለት 1 ሚያዝያ 2018 ናብ ዘይተፈልጠት ሳልሰይቲ ሃገር ክስጎጉ ምዃኖም ምፍርራሕ ክበጽሖም  ዝጸንሐ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ናይ ተስፋ ጩራ ዝህብ ኣገዳሲ ውሳኔ ምዃኑ Jerusalem Post  ኣብ ዜናዊ ጸብጻቡ ገሊጹ።

እቲ ሕጋዊ ዓወት፡ ኣብ ተልኣቪቭ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ Clinic for Refugee Rights `ሕክምና ንመሰል ስደተኛታት`፡ ንጉዳይ ሓደ ካብ ሰራዊት ኤርትራ ኣምሊጡ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤርትራዊ ዝምልከት ናይ ይግባይ ጥርዓን ናብቲ ፍሉይ ቤትፍርዲ ምስ ኣቕረበ፡ እቲ ኤርትራዊ ዜጋ፡ `ካብ ሰራዊት ምምላጡ ብዝወሃቦ ፖለቲካዊ ትርጉም ካብ ሰበስልጣን ኤርትራ ግፍዒ ክወርዶ ከምዝኽእል ዘረጋግጽ ጭቡጥ ስግኣት ኣለዎ` ዝብል ውሳኔ በቲ ናይ ይግባይ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምውሳኑ እዩ ተረኺቡ።

እዚ ፍርዲ`ዚ፡ ንኹሎም `ቶም ተመሳሳሊ ምኽንያት ዑቕባ ዘለዎም፡ ጉዳዮም ብብዓል መዚ ህዝብን ኢሚግሬሽንን ተነጺጉ ዝጸንሐ ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብነት ከምዝኸውን ምትእምማን ከምዘለዎ ድማ፡ Hotline for Refugees and Migrants ዝብሃል ንመሰል ስደተኛታት ዝጣበቕ ኣካል ሓቢሩ።

ልዕሊ ፍርቂ ናይቶም ኣብ እስራኤል ዝርከብሉ ጉዳዮም ዝተነጽገ ልዕሊ 28 ሽሕ ኤርትራውያን፡ መሳርዕ ሰራዊት ገዲፎም ዝተሰደዱ ብምዃኖም፡ እቲ ውሳኔ ንረብሓኦም ዘገልግል ነቲ ብመንግስቲ እስራኤል ተወጢኑ ዘሎ ናይ ምስጓጒ መደብ ቁልቊል ኣፉ ዝደፍእ መሰረታዊ ስጉምቲ እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ኦሪ ላሓት ዝተባህለ ሓላፊ African Refugee Development Center ምግላጹ ድማ መርበብ ሓበሬታ Jerusalem Post  ጠቒሱ።

ምዕራባውያን ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምስ ጊላነት ዝመሳሰል ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ሰራዊት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘን ከም ብቑዕ ምኽንያት ስደት ተቐቢለናኦ ክጸንሓ ከለዋ፡ እስራኤል ነዚ ሓቂ እዚ ብምንጻግ፡ ከም ስደተኛታት ዘይኮነ ከም `ኮብለልቲ` ክትገልጾም ምጽንሓ እቲ ጋዜጣ ብተወሳኺ የረድእ።

እቲ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ዝነጥፍ ብዓል መዚ ህዝቢ፡ ኢሚግሬሽንን ዶባትን፡ ካብ 2013 ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ናይ 6,500 ጉዳያት ዑቕባ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክርኢ ኸሎ ን 10 ኤርትራውያንን ሓደ ሱዳናውን ጥራይ ከምዝተቐበለ `ውን Jerusalem Post የገንዝብ።

ኣባል ከነሰት እስራኤል ሚቻል ሮዚን፡ ሃገራት ዓለም ንኤርትራውያን ከም ስደተኛታት እናተቐበላኦም መንግስቲ እስራኤል ብኡንብኡ ክነጽጎም ምጽንሑ፡ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ዝፈረመሉ ኣህጉራዊ ውዕል ስደተኛታት 1951 ይጻባእ ከምዘሎ ዘምልክት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ውሳኔ ደጊሙ ነቲ ዝንቡዕ ዝኾነ ናይ መንግስቲ እስራኤል ፖሊሲ ስደተኛታት ከምዘቃልዕ ምግላጻ እቲ ዜና ጠቒሱ።

እታ ኣባል ከነሰት እስራኤል ብተወሳኺ፡ መደብ ምስጓጒ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ፈጺሙ ደው ክብል ጥራይ ዘይኮነ፡ መንግስቲ እስራኤል፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ይግባይ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት እስራኤል ምስቲ ኣህጉራዊ ውዕል ስደተኛታት ዝጠልቦ ደረጃ ከምዘይሳነ ንዝሃቦ ውሳኔ መሰረት ብምግባር፡ ነቲ ነጺጉዎ ዘሎ ሕቶ ዑቕባ ስደተኛታት ዳግመ ግመት ክገብረሉ `ውን ኣተሓሳሲባ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Yemane February 17, 2018

    Ati mefthi amo Eseyasn,yemane monkey mktal eyu kala Wela hanti mefthi yelen.

  • Haddnet February 18, 2018

    Please read this and sign
    ዝኸበርኩም ደቂ ሃገርና፥ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣሕዋትና፡ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ርዋንዳ የሰጉዎም ስለዘለዉ፡ መንግሥቲ ብሪጥናንያ፡ ንመንግሥቲ እስራኤል ዝግባእ ጸቕጢ ክገብረሉ፡ ልመና ነቕርብ ኣለና`ሞ፡ በጃኻትኩም ኣብዚ ዝስዕብ ጠዊቕኩም ድምጽኹም ወስኹ። ሓንሳብ ምስጥወቕኩም፡ ኢመይል ክሰዱልኩም ኢዮም። ነታ ብኢመይል ዝመጸትኩም ምስ ጥወቕኩማ ጥራሕ ኢኹም ድምጽኹም እተስምዑ። በጃኻትኩም ኣብዚ ጠውቑ፥
    https://petition.parliament.uk/petitions/211564

    ምሉእ መጸዋዕታ ክተንብቡ እንተደሊኹም ኣብዚ ጠውቑ፥ https://storage.googleapis.com/wzukusers/user-28803632/documents/5a724e7fdb1ffzxNoqTu/Petition%20to%20stop%20the%20illegal%20deportation%20of%20African%20Refugees%20in%20Israel.pdf
    እዞም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣሕዋትና ብዙሕ ሓደጋን ጭንቀትን ወዲቑዎም ስለዘሎ፥ ኩልኻትኩም ዜጋታትን ነበርትን ዓባይ ብሪጣንያ ድምጽኹም ክትውስኹሉን፡ ንእትፈልጡዎም ሰባት ድማ ክትሕብሩን ብትሕትና ንሓትት። እንተ ኾይኑልና ነቶም ድሮ ተሰጒጎም ዘለዉ እውን ክንጣበቐሎም ኢዩ ዝግባእ።
    ኣሕዋትኩም ኮሚቴ ሓድነት ኤትርራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ
    ==
    Dear Friends,
    We are alarmed by the Israeli government’s plan of deportation of refugees and asylum seekers in its territory. If this plan is not reversed the refugees could face abductions, enslavement, torture, and death trying to reach Europe. We are appealing to the British government to urge the Israeli government to abandon this plan.
    If you are a British citizen or you live in the UK, please sign this petition. When you fill your details you will receive an email. When you click and confirm the email your signature will be counted. Please click here to sign the petition: https://petition.parliament.uk/petitions/211564

    For more details: https://storage.googleapis.com/wzukusers/user-28803632/documents/5a724e7fdb1ffzxNoqTu/Petition%20to%20stop%20the%20illegal%20deportation%20of%20African%20Refugees%20in%20Israel.pdf

    Committee of Eritrean Unity for Justice – UK.

  • merhawi February 18, 2018

    Dear Yemane
    A citizen who can not secure a daily necessity (daily food and shelter) can not think about politics. Help each other once they secure their shelter they can think about other things. put your self in their shoes.

  • merhawi February 18, 2018

    Dear Yemane
    A citizen who can not secure a daily necessity (daily food and shelter) can not think about politics. We should help each other during the emergency period. If they secure their shelter they can think about other things. put your self in their shoes.
    Thank you Haddnet for the post. I have signed it, I hope others to do the same.

  • Haddnet February 18, 2018

    Dear Merhawi,

    Thank you for signing the petition.

    Please kindly spread the news and any one you know to do the same, Together we will make changes.

    Ahwatkum committee Gaddnet

POST A COMMENT