Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ፍሉያት ኢና”

“ፍሉያት ኢና” “ንሕና ኤርትራውያን ፍሉያት ኢና” ቃል ዕሉል ሽፍታ ፕረሲደንት ናይ ኤርትራ ሓቂ ዳኣ??????????   ፍሉያት ኢና! ብኹሉ ተግባርና ፍሉያት ኢና!! ርኢና ከምዘይረኣና ፍሉያት ኢና!! ሰሚዕና ከምዘይሰማዕና ፍሉያት ኢና!! ኣብ ቀብሪ ጓይላና ፍሉያት ኢና!!! ንፍትሒ ቐቢርና ፍሉያት ኢና!! ሸየጥቲ ደቅና ፍሉያት ኢና!!!ጥለምት ናብራና ፍሉያት ኢና!! ብሽፍታ ተመሪሕና ፍሉያት

“ፍሉያት ኢና”

“ንሕና ኤርትራውያን ፍሉያት ኢና”

ቃል ዕሉል ሽፍታ ፕረሲደንት ናይ ኤርትራ

ሓቂ ዳኣ??????????

 

ፍሉያት ኢና! ብኹሉ ተግባርና

ፍሉያት ኢና!! ርኢና ከምዘይረኣና

ፍሉያት ኢና!! ሰሚዕና ከምዘይሰማዕና

ፍሉያት ኢና!! ኣብ ቀብሪ ጓይላና

ፍሉያት ኢና!!! ንፍትሒ ቐቢርና

ፍሉያት ኢና!! ሸየጥቲ ደቅና

ፍሉያት ኢና!!!ጥለምት ናብራና

ፍሉያት ኢና!! ብሽፍታ ተመሪሕና

ፍሉያት ኢና!! ፈዳይ ሕነ ዘይወለድና።

 

ዓለም ብዓለማ ክትበኪ ክትሓዝን

ኣደራዕ ኮይኑ ተግባርና ዘይንደንን

ዝገበርካ ገርካ ወይከ!!ድንን

ስንፍናኻ ክትሽፍን! ትቑዝም ተስተንትን።

 

ወዳጃ ድርቅና ወዳጀ ትምክሕቲ

ዝነበረ እናኣጥፋእካ ኣለኹ ብሃልቲ

ብደናቑር ኣይተሰርሔን ሓወልቲ

ሓድሽ ኣይኮነን ዝነበረ ካብ ጥንቲ።

 

ፍሉይ እዩ ነሮ ናይ ኤርትራ

መንእሰይ ኣጢፊኡ ይገብር ፈኸራ

ኣደታት ኣብክዩ ዝገብር ዳንኬራ

ዕሸላት ኣብሪሩ ዝልምን ባጠራ

ብጭካነ ሲንጋፖር ክትከውን ኣስመራ።

ሓማሴ! ዳዕሮ ቓውሎስ ታይ? ተገብረ

ኣዳርሽ! ኣፍሪሹ ፈሪሱ ግዳምዶ! ሓደረ!

ጾሎትውን ተደግሙ ኣዳራሾም ተኾመረ

ነዚድዩ!! ወዲ ላመይ ኢልካ ምግዓረ

ነሮ!!! ህዝቢ ከጽንት ቀደምዩ ዝጀመረ።

 

ፍሉይ ዝኾነ ነገሰ ኣብ ማእከልና

ዝበላዕናዮ ዝበልዕ እዩ ዝመስለና

ካባና ዝተወልደ  ዓመጸኛ

ንትግራይ ትግርኚ መጥፊኢና

ጅግና ኣልቦ ገይሩዋ ነዛ! ሃገርና።

 

ፍሉያት ኢሉ ክምህረና ዘይኸውን ሓቂ

ሓመድ እንተ ተኣከበ ኣይከውንን ወርቂ

ሃገርዶ ይምዕብል? ብቕጥፈት ብስርቂ?

ሓሶት እንተተቖጽረ ኣይከውን ስንቂ።

 

ፍሉያት ያኢ ካብ ኤርትራ ዝተወልደ

መፍለጢና ካብ ኮነ ህጻናት ምስዳደ

ብረሻይዳ ኢዱን እግሩ ምስ ተቐየደ

ልቡን ኮላሊቱ ኣብ ዕዳጋ ምስ ወርደ

ሕሳብ ዝቕበሉ ኣብ ፈቐዳኡ ኣዋደደ

ወልዲ ብውላዱ ከይሕጎአ ዘዕበደ።

 

ፍሉያት ኢና በለ ነሮ ኤርትራ

ዓዲ ሓሎ ሰፊሩ ገዲፉ ኣስመራ

ኣብ ሓዘን የላእኽ ገበርቲ ዳንኬራ

ኣብ ቤት ጸሎት ይሰድድ ኣመንዝራ

ህዝብና በታቲኑ ከም ደቂ ዛግራ።

 

ፍሉታ ኢና ንጀጋኑ እናኣሰራ ኣብ ጎዳጉዲ

ሓለውቶም እንተኾነ ከማኦም መራጉዲ

ምሕረት ዘይፈቱ ኣጽኒዑ ቐያዲ

ናእዚ ስርዓት ዘይተራእየ ሓድሽ ቅዲ

ጭካነታቱ ንዓለም በሊጹዎም ኣብ ዓዲ።

 

ፍሉታ ኢና !!!!

ክልተ ኣሕዋት በበይኑ ጸለቶም

ዋል እንተነበሩ ኣብ ስደቶም

ፍቕሪ ንኸይገብሩ ምሒላቶም

ከይተላዘቡ ይነብሩ ጸሓይ ዓሪባቶም

ሓኽሊ ምሳር ኮኑ ንጸላእቶም

ሳኣን ኢህን ሚህን ኣጽነትዋ! ታዓዶም።

 

ፍሉያት ኢና በለ ፈርዖን ኣስመራ

ዕሽነት በዚሑ ሓደን ክልተን ዘይቁጸራ

ዝተሸሙ ጀነራልት ኮኑ ሰብ ጹሩራ

ንህዝቦም ኣብረሶ ሓረድዎ ብኻራ

ረሳታት መንእሰይ ተሪፉ ኣብ ሳሃራ

ዝተረፉ ኮይኖም ቀለብ ንኣሞራ

መራኽብ ማእከላይ ባሒሪ ደጋጊመን መስከራ

ኣየወ!! ፍሉይ ህዝቢ!!

ኣብ ሓዘን ዝገብር ዳንኬራ።

 

ፍሉያት ኢና!! ንነጻነት ተርጎምቲ

ብዙሓት ኣለዉ!! ንፍትሒ ደለይቲ

ብዛዕባ ህዝቦም ንዓለም መሃርቲ

ገለን ክኣ ወቀርቲን ሓሰውቲ

ንዝመተ ስርዓት ኣለናካ ብሃልቲ

ጸነተ ሓገሮም እናፈለጡ ሓባእቲ

ደቂ ሰብ ይመስሎም ነበርቲ።

 

ሰብ ፍልያት ኢና ዘብሎ

ምቕማጥ ኣብ ዓዲ ሓሎ

ስራሕካ ኩሉ ጎደሎ

ብርሃን ጠፊኡሎ

ማይ ተሳኢኑሎ

ሲንጋፖር ኣብ ሕልሚሎ

ህዝብኻን! ዓድኻ!!  ኩሎሎ!!!

ብሕልናኻ!!!ደጊምካ ኩለሎ!!!!

ድሕሪ ሰብ ተሪፉሎ!!!!!!

ይበርስ እዩ!!!ይበርስ እዩ ዘሎ!!!!!

 

ዉድቀት ንስርዓት ማፍያ ህግደፍ

ዓወትን ፍትሕን ንህዝቢ ኤርትራ

 

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

31 ግንቦት 2015

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Ghebsi June 7, 2015

    Ato haile well said as usual,but think the old days nostalgia having Duqua Suwa/xiray in our beautiful town Adi-Quala.

  • Michael Giorgis June 7, 2015

    Genet
    I am sorry no one is telling the Eritrean people to give up about being Eritrean except Higdef and their henchmen.

    • Genet-orginal June 11, 2015

      Mr Michael

      “I am sorry no one is telling the Eritrean people to give up about being Eritrean except Higdef and their henchmen”
      Michael Giorgis.
      I will refer you to Mr Teclay’s and others like him’s numbers of posts about denial of Eritrean.
      Genet-O

  • Smira June 13, 2015

    God bless you my brother senator ሃይለ ገብረትንሳኤ.

    You are gifted and talented. Please write a book about our land and our people ( Eritrea ).

Post a Reply to Michael Giorgis Cancel Reply