Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፈስቲቫል ሓሽሽ ስርዓት ህግደፍ ‘ዩ፣ ወልፉ ከይልክመና ኸኣ ንጠንቀቕ

ፈስቲቫል ሓሽሽ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ፣ ወልፉ ከይልክመና ንጠንቀቕ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ውኒኡ ዝፈልጥ ህዝቢ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝውዕሎ ዘሎ ሞራላዊ ስነምግባሩን ሰብኣውነትን ዝጠፈሸ ሸለውለው ዝበለ ህውቱት ምሕደራኡ ክስዕቦ ከምዘይክእል ስለዝተገንዘበ፣ ሓደ ካብቲ ብቐጻሊ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ምህዞ እንተልዩ

ፈስቲቫል ሓሽሽ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ፣ ወልፉ ከይልክመና ንጠንቀቕ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ውኒኡ ዝፈልጥ ህዝቢ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝውዕሎ ዘሎ ሞራላዊ ስነምግባሩን ሰብኣውነትን ዝጠፈሸ ሸለውለው ዝበለ ህውቱት ምሕደራኡ ክስዕቦ ከምዘይክእል ስለዝተገንዘበ፣ ሓደ ካብቲ ብቐጻሊ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ምህዞ እንተልዩ ንህዝቢ ኤርትራ ብጓይላን ፈንጠዝያ ፈስቲቫላትን የዐዊንካ ሃለዋቱ ከምዝጠፋኦ ጌርካ ምግዛእ እዩ።

እዚ ወልፊ ‘ዚ ካብቲ ድኹማት ወይ ከኣ ስሱዓት ስፖርተኛታት ዘይነበሮም ሓይሊ ወሲኾም ካብ ሕጊ ወጻኢ መታን ክዕወቱ ተሓቢኦም ሓሽሽ ብምውሳድ ነብሶም እናዕነዉ ዘካይዱዎ ስርቂ ዝፍለ ኣይኮነን። ነዚ ናይ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓሽሽ ካብቲ ናይቶም ስፖርተኛታት ዝፈልዮ ነገር እንተልዩ ኣወሳስዳኡ ጥራይ እዩ። ህግደፍ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ተበጊሱ፣ ብኣዋጅ ኣግሂዱ ክውዕሎ ኸሎ፣ እቶም ስፖርተኛታት ግን፣ ከይስጎጉ ምእንቲ ተሓቢኦም፣ እናተሸቝረሩ እዮም ዝወስዱዎ። ብሓቂ ፈስቲቫላት ህግደፍ፣ ካብ ናይቶም ዉሉፋት ሓሽሽ ዝፍለ ኣይኮነን።

ነቲ ኣብ ስኽራንን ብዕልግናን ተኣሊኹ ዝውዕል ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ሓሽሽ መኻይዱ ስለዝኾነ ነውሪ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ግን፣ መህለኺ ሓሽሽ ህግደፍ ሃገሩ እናዓነወት ክስዕስዕ ሃየንታ እዩ። ነዚ ጽላለ’ዚ ከቶ ሕልናዊ መስመር ክገብረሉ ኣለዎ።

ሓሽሻዊ ፈስቲቫላት ህግደፍ ሎሚ ዝጀመረ ኣይኮነን፣ ኣብዚ ኣዋን’ዚ ብዝያዳ ትዅረት ክንኵንኖ እንድረኸሉ ምኽንያት ግን ኣሎ።

1ይ –  ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፣ ኣብ ዓዲ ጥልያን ደሴት ላምፐዱዛ 357 ኤርትራዊ ትንፋስ ኣብ ሓደ ንጕሆ ሃሊቑ ክንሱ፣ ሬሳታት ግዳያት ናብ ሃገሮም መሊሱ ስድራቤታት ግዳያት ከጸናንዐንዕ ዘይተራእየ፣ በንጻሩ ብድዐን ጸርፍን ዝወሰኸሎም ሰይጣናዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ቦለኛ ብኣዋጅ ፈንጠዝያ ፈስቲቫል ምክያዱ ጽላለ እዩ።

2ይ – እቲ ካልእ ነቲ ሓሽሻዊ ስጉምቲ ሕልና ኣልቦ ዝገብሮ፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ንኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ጊላዊ ምዝመዛ ጸሚዱዎም ዘሎ ስርዓት፣ ነቲ ብነጻ ጉልበት ካብ ወርቂ ቢሻ ዘጠራቐሞ ሚልዮናት ዶላራት፣ መዐንደሪ ናይቶም ሓልዮት ህዝብን ፋዕራ ሃገርን ዘይብሎም፣ ልቦም ብእግሮም ዝረገጹዋ፣ ሓሽሽ ህግደፍ ክቐምሱ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደት ንቦለኛ ዝተጓዕዙ ዕሩባት ሕልና ምብኻኑ እዩ። ሕሰቡዎ ‘ሞ እቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ቦለኛ ዝሃሞኾ ሚልዮናት ዶላራት፣ ንስድራቤት ናይቶም ብ 10 ዶላር ንወርሒ ዝነብሩ ዘለዉ፣ ኣቦታቶም ኣለዉ እናተባህሉ ዝዘኽረሙ ቆልዑን ስድራቤትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክንደይ ኮን መጻንሖም።

3ይ- ምስዚ ተታሓሒዙ ዘስተንክር ጉዳይ እንተደኣሃልዩ፣ ኣብዚ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቦለኛ እልቢ ዘይብሉ ባውዛታት ወሊዑ ኣብ ፈንጠዝያን ዳንኬራን ተጸሚዱሉ ዝቐነየ መዓልታት፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ከኣ ከተማ ኣስመራ ካብቲ ልሙድ ብዝኸፍአ መብራህቲ ጠፊኡዋ፣ ኣብ ጸልማት ተደፊና ምቕናዩ እዩ።

እቲ ስርዓት ኮነ መዳምቕቲ ዕብዳን ናይቲ ስርዓት፣ ጽላሊኦም ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታትን ቦታን ይገብሩዎ ከምዘለዉ ከስተብህሉ ዘይክእሉ እንተደኣኮይኖም፣ ብሓገዝ ሓሽሽ ዝውዕሉዎ ዘለዉ ጥፍኣት ጥራይ እዩ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ዝገርም፣ ቁሩብ ዕረፍቲ ረኺቦም ማይ ሰትዮም መታን ናብ ነብሶም ከይምለሱ፣ ገና ዳስ ቦለኛ ከይፈረሰ፣ ኣብ ሳዋ ካልእ ዳስ ተኺሎም ክጽለሉ ይዳለዉ ምህላዎም እዩ። ብርግጽ፣ ፈስቲቫልን ፈንጠንዝያን ንህግደፍን ሰዓብቱን ልክዕ ወልፊ ሓሽሽ እዩ ኮይኑዎም ዘሎ።

ንሳቶም ዓቢዶም ከምዘለዉስ ርኢናዮ ኣለና፣ ንረስዓዮም፣ እታ ዘይትምሕር መዓልቲ ትዘክሮም። እቲ ወግሐ ጸብሐ ዝናዓቕን ዝዋረድን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኸ፣ ብኣራግጽ ሳዕስዒት ዝድርቀም ዘሎ ሬሳኡ ሃይ ክብል ዲዩ ስቕ ኢሉ ክርኢ ክነብር? ኣይፋል፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሕልናዊ መስመራት ሃንጺጹ፣ ዜጋታቱ ከይሰግሩዎ ከጠንቅቕ፣ ንዝሰገሩዎ ድማ ዓገብ ኢሉ ክገንሕን ሞራላዊ መቕጻዕትን ክህብን ኣለዎ።

በዚ መሰረት፣ እታ ድምጺ ናይቲ ዝተዓብሰ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ክትከውን ዝወሰነት ድምጺ ኣሰና፣ ነቶም ተደጋጋሚ ምኽርን መተሓሳሰብን ኣሕዋት ዕሽሽ ኢሎም፣ ሕልናዊ መስመር ህዝቢ ኤርትራ ጥሒሶም ኣብ ፈንጠዝያ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ክዓብዱን ሕሩር ማህጸን ኣዴታት ኤርትራ ክረግጹን ዝቐነዩ ሕልና ኣልቦ ኤርትራውያን ኣብ ጸሊም መዝገብ ሰፊሮም ኣስማቶም ንህዝቢ ክግለጽ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ እዚ ዝስዕብ መተሓሳሰቢ ዘርጊሓ ኣላ።

ነቲ መተሓሳሰቢ ከምዘለዎ ነቕርበልኩም።

መተሓሳሰቢ፣ ምድላው ጸሊም መዝገብ ኣብ መቓብር ናይቶም ኣብ ላምፐዱዛ ዝተቐዝፉ 357 ኤርትራውያን ግዳያት ዝሳዕስዑ ሕልና ኣልቦ

እቲ ጥፍኣት ህዝብናን ዕንወት ሃገርናን ድምብርጽ ዘይብሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ስድራቤት ናይቶም ኣብ ላምፐዱዛ ዝተቐዝፉ 357 ኤርትራውያን ይኹን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ሓዘኖም ከይዓጸዉ፣ ኣብታ ንሳቶም ዝተቐዝፉላ ሃገረ ኢጣልያ ንዝኣወጆን ዘካየዶን ናይ ፈንጠዝያ ፈስቲቫል ዓገብ ክትብሉ ብኣካል ቦለኛ ወፊርኩም ዝቐነኹም ዕዉታት ደለይቲ ፍትሒ እንኳዕ ነቲ ቅዱስን ዕዉትን ሞራላዊ ዕማምኩም ፈጺምኩም ብሓበን ነናብ እቲ እትነብርሉ ሃገር ስደት ብሰላም ተመለስኩም። እንቋዕ ንሕልናዊ ቅሳነት ኣብቅዓኩም።

እቲ ንዕቀትን ላግጽን መላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ከም ጨው ኣብ ቁስሊ ተወሲኹዎ ዘሎ ቃንዛ ወለዲ ግዳያት ላምፐዱዛን ህዝቢ ኤርትራን ግን በዚ ናይ ቦለኛ ዕዉት ውዕሎኹም ጥራይ ዝሃድእ ኣይኮነን እሞ ሕጂ ‘ውን ቀጻሊ ስራሕን ቃልስን ይጽበየኩም ስለዘሎ፣ ሃየ ሓደራ ህዝብኹም ንምትግባር ትግሃትኩምን ትኩርነትኩምን ቀጽሉ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ቅዝፈት ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይዓጦ ደጋጊሙ ብምእዋጅ፣ ነቲ “ህዝቢ ኤርትራ፣ እንተቐተልካዮ፣ ሬስኡ ምምላስ እንተኸላእካዮ ኣይኮነን ዋላ ኣብ ልዕሊ ሬስኡ እንተሳዕሳዕካሉ ‘ውን ዋላ ሓንቲ ዝገብር ህዝቢ ኣይኮነን” ኢሉ ብንዕቀት፣ ነቲ ነውራም ፈስቲቫል-ፈንጥዝያ ምትግባሩ መቸም ነታ ተቓሪባ ዘላ መዓልቱ ይጸበ። ካብኡ ዘይሰንፍ ገበን ግን ናይቶም ኣውያትን ምሕጽንታን ህዝቢ ኤርትራ ሸለል ኢሎም ናብ ቦለኛ ብምጋሽ፣ ኣብ ቀጽሪ ሰይጣን ኣብ ዝተተኽለ ፈንጠዝያ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት እቶም መሳኪን ኤርትራውያን ግዳያት ክስዕስዑን ክዓብዱን ዝቐነዩ ሕልና ኣልቦ እዩ።

ብዘይካ ‘ቲ በብወገኑ ዝቐርብ ዝነበረ ህዝባዊ ምሕጽንታ፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና፣ ንፈስቲቫል ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ “ትድግፍ ዶ ትነጽግ” ተባሂሉ ኣብ ዝቐረበ መሕተት ዛጊት ካብ ዝመለሱ ኣስታት 5 ሽሕ ኤርትራውያን’ውን እቶም 86 ሚእታዊት ማለት ልዕሊ 4200 “ኣይፋል ክዅነን ኣለዎ” ክብሉ ከለዉ፣ 11 ሚእታዊት 500 ጥራይ እዮም ደገፎም ገሊጾም፣ 3 ካብ ሚእቲ (136) ከኣ ኣብ ክሊቲኡ ከምዘየለዉ ተቒሶም።

ስለዚ እዞም፣ ነቲ ንኣውያትን ምሕጽንታን ህዝቢ ኤርትራ ረጊጾም፣ መተዓብድቲ ናይቲ ከዳዕ ስርዓት ኢሳይያስ ዝኾኑ ሕልና ኣልቦ፣ ኣስማቶም በብሃገሩ ተዘርዚሩ ኣብ ጸሊም መዝገብ ላምፐዱዛ ክሰፍር፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ‘ውን ክዕዘቦ ምእንቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ክዝርጋሕ፣ ኣብ ራድዮ ‘ውን  ክቐርብ ስለዝኾነ፣ በብሃገሩ ጽፉፍን ርጉጽን ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣብ ቦለኛ ገይሾም ኣብ ፈስቲቫል-ፈንጠዝያ ህግደፍ ዝተሳተፉ ሕልና ኣልቦ ክትልእኩልና ብትሕትና ንሓተኩም።

ቅጥዒ ምድላው መዝገብ፣

–       ምሉእ ስም እንተተኻኢሉ ክሳብ ኣብሓጎ

–       ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣስማቶም ምጽሓፍ ኣየድልን፣ ምስ ስድራኦም እንተደኣ ገይሾም፣ ወለዲ ተጠቒሶም ቁጽሪ ናይቶም ቆልዑ (ምስ ክንድዚ ደቆም) ተባሂሉ ጥራይ ይጥቀስ

–       ዋላ ኣዋርሕ ይውሰድ እቲ መዝገብ ተደጋጊሙ ዝተጻረየ ክኸውን ኣለዎ

–       ኣሰና ‘ውን ብቴለፎን እናተራኸበት ቅንዕና ናይቲ መዝገብ ንምርግጋጽ ክትጽዕር እያ

ቅጥዒ ኣዘራግሓ፣

1-      ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ፈንጠዝያ ህግደፍ

2-     ደረፍትን ሙዚቀኛታትን

3-     ተሳተፍቲ

ክቡራት ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ነቲ ብዘይንሕስያ ንህዝብና ዘጽነት ዘሎ ስርዓትን ተሓባበርቱን ኣብ ምቅላዕ ነግፈረግ ከይበልኩም፣ ብዘይተጕላባነት ክትዓዩ ብስም ግዳያት ላምፐዱዛን ስድራቤቶምን ደላዪ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ንጽውዓኩም። ሃገርና ኤርትራ ዝተረፋ የብላን፣ ሩሓ ተመሊሱ ክትንስእ፣ ነብሳ ክትረክብ ከኣ እዚ መላኺ ስርዓት ክጠፍእ ኣለዎ። እዞም ኣብ ስደት እንነብር፣ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዘለና ኤርትራውያን ከኣ ነዚ ዕማም’ዚ ካብቲ እንነብረሉ ከተማታት ክንጅምሮ ይግባእ።

መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ነዚ ሕነ ግዳያት ላምፐዱዛ እትገብብሮ ዘላ ምድላው ጸሊም-መዝገገብ በብሃገሩ ዝቐደመ ከተውጽእ ምዃና ደጊማ ተረጋግጸልኩም።

ነዚ መደብ’ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ሰብ ሕልናን እዮም ግብራዊ ክገብሩዎ ዝኽእሉ። ኣብተን ከተማታት እትርከቡ፣ ሽማግለታት ደለይቲ ፍትሒ፣ ሰብ ሕልና ውልቀሰባትን ግዱሳትን ክትተሓባበሩ ድማ ደጊምና ንጽውዕ።

እዚ መዝገብ’ዚ ዘመደይ ዘመድካን ምንሕሓፍን ከይተሓወሶ፣ ኣብ መትከልን ሕልናን ዝተመርኮሰ፣ ጽሩይን ጽፉፍን መዝገብ እንተደኣ ኮይኑ፣ ግዝያዊ ካሕሳ ናይቶም ኣብ ላምፐዱዛ ዝሃለቑ 357 ኤርትራውያን ግዳያት፣ ሕነ ናይቶም ኣብ ሲናይ ዝሃለቑ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ እልቢ ዘይብሎም መሳኪን ኤርትራውያን ክኸውን እዩ። ኤርትራውያን ካብ ልማድ ውርደትን ሕስረትን ወጺእና፣ ይኣክል ክንብል፣ ሓበናን ክብረትናን ክንመልስ ኣለና። እዚ ኸኣ ጻዕሪ ከየፍሰስካ፣ ዋጋ ከይከፈልካ ዝርከብ ዓወት ኣይኮነን። ብፍላይ እዞም ኣብ ወጻኢ እንነብር፣ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ስጉምቲ ብዘይምውሳዶም ክንሓሚ እንውዕል ዜጋታት፣ ነዛ ኣዝያ ንእሽቶ ዕዮ-ገዛ ዓሚምና ተወፋይነትና ነመስክር። ዘዘለናዮ ከተማ እንተጽሪና፣ ናብቲ ዝዓበየ ሃገር ናይ ምድሓን ጉዕዞ ክንሰግር ክቐለልና እዩ። ሃየ ኢደይ ኢድካ ንበል፣

ዘልኣለማዊዝኽሪንግዳያትላምፐዱዛ!

ዳግማይ ሓርነት ንህዝቢ ኤርትራ

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

 

10 ሓምለ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Paradiso July 10, 2014

    ዘይምሰጡ ዝምስጣ said on his Facebook walls:·

    ሓደ በሉለይ !
    ብ ኣቆጻጽራ ኤርትራ ጽባሕ ዓርቢ ኩነታት ሓይሊ ኤለትሪኽ ሓዲኡ ከፍልጥ’ዩ ። ወይ ክሰርር ሓደው ………….
    “ ሓደ በልለይ” ትብል ህጻን ማኩ ጎረቤተይ ነበር።
    ኤርትራ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ብሓይሊ ኤለትሪክ ተጣሪዓ ከም ዘይተልጥ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብረና። ኮንደኮን ኣብ ተስዓ !
    ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዋላ ኣብቲ ዝጸንከረ ዝብሃል መግዛእቲ ኢትዮጵያ( ደርግ) በበየ ከባቢኡ ‘ መሰራጨዊ ( ምዘርግሒ ተገይርሉ ) ምልእቲ ኣስመራ ብዘይ ገለ ጉድለት ይበርህ ነበረ ።
    እዚ ክትሓቱ እንተደኣ ደሊኹም ዓበይቲ ኣያታትና ኣቦታትና ‘ ኣበይ ኮይኖም ኣጽኒዖም ሕጂ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ኮይኑም ህዝቦምን ሃገሮምን የገልግሉ ከም ዘለዉ ቀሊል ኣብነት’ዩ።
    ኣብ ኣስመራ ዝነበራ ነቑጣታት ፣ ገጀረት ፣ ዕዳጋ እኽሊ ፣ በለዛ ድማ ህያው ኣብነት’የን ።
    ሕጂ ግና ኣይትሕተቱኒ !
    ሓደ በሉለይ !
    ሕርጊጎ ዝዓበየ መመገቢ ! ኣብ በለዛ ዕዳጋ እኽሊ ፣ ገጀረት ዝርከባ ድማ ከም ን ኡሳን ዘርጋሕቲ ኮይነን ክሰሓ ድሕሪ ምጽናሕ ‘ ወዮ ጥዑይ ምዕዳግ ዘይፈልጡ ህግደፋውያን ፣ ነቲ መጋቢ ዝበልዎ ናይ ሕርጊጎ መጋቢ ኪበላሾ ምስ ጀመረ ( ደሓን ይእቶ ጥልያን ) ንዝሰርሖ ምዕናው ጀሚሮም ። ናይ በለዛን ገጀረትን ድማ ዕርቃኑ ወጺኡ ።
    ሓደ በሉለይ !
    እነሆ ድማ ፣ ውጺኡት ፣ ሃገር ቃው ቃው ኢላ።
    ዝኾነ ኾይኑ ምቕናይ ትብል ዓባየይ ንቐኒ’ሞ
    ክልተ በሉለይ ዝብሉ ድማ ይመጹ ይኾኑ!

  • ahmed saleh July 10, 2014

    ASSENNA attempt to teach them a lesson that we reached on dateline of enough is enough never let
    damn politics more worthy than Eritreans blood will feed them self-doubt . The free ride from our
    comfortable zone at the expense of our unfortunate people suffering must stop .
    The fight between notorious liar forces and forces of truth start to begin and our people will
    witness to judge . At the end the truthful will prevail .
    BETRI HAKI TIKETN IMBER AYTISEBERN

  • yonas July 10, 2014

    Hji grm

  • haile July 10, 2014

    Assenna, start by the two fat guys who are among main organizers Yared Tesfay and Sirak Bahlbi.

    • ERITRAWIT July 11, 2014

      haile
      You are write this two they were stealing since back 2000 Sirak Bahlbi wedi Esepa!!!! let’s not forget they ask money for DNA for victims family in Lambedusa!!!!!!!
      Assena,
      This people they don’t care what happened to our people Sina, Lambedeusa in side Eritrea how many people are dead?
      nhseya zbahal yelen.

  • Warsay July 11, 2014

    Ayeeeee Haleka amanuel Eza negram melahaska menakotitit melhaskas enqua semaiet zeybila lokumegha

  • goitom July 11, 2014

    hizbi ereatra bhabar yiserih bhabar yikales bhabar yiswae bhabar yikiber bhabar kea yiseasea nkulu bgize medibu anfetu keysihate yeguaz kemizy natkum hade kilite teref meref bibeleka lekeaka nidhrit zgotwo aymeguaeztun eyom tselaeti senayat ere dea yiteamikin enber festivalatna akal kalsina koynom kiktslu eyom kelbi yinebih gemel gin guezeu yekitsl

  • Yohannes July 11, 2014

    Guayla after guayla,…, I don’t know how many times per year? I am tired of counting PFDJ endless guaylas and festivals. You can imagine the RESOURCES AND CAPABILITIES committed to this successive worthless guaylas.
    Eh, the damage is tantamount to destroying the basic foundations of the Eritrean social fabric, the future young talent and the dear Eritrean future leaders of tomorrow. Imagine students are wasting their previous time in PFDJ training camps for festivals.
    Artists and singers are just consistently wasting the time and talent just to fulfill the wishes and orders of PFDJ. Can you imagine??????? All these wastages of our human talent for propaganda and sheer dictatorship of the ignorant and the malicious, etc,……., and to protect the vindictive power monopoly.
    AGAIN, Please note that thousands of students spending thousands of their time and energy to conduct rehearsals and getting prepared for the unproductive and rent seeking festivals. At this information technology era, TIME is very important factor. Wow, how can we Eritreans tolerate the imminent destruction of our beloved country if we continue being passive? Let us work hard to get read of this evil system.

  • awget July 11, 2014

    Don’t cry,life is going.

  • awget July 11, 2014

    guala is our cloture no matter what, we will never stop at any time at any moment.our slogan is saesie emo hadarka iytresie,did you forget that fool.life is going.didin’t i see you dancing at the wedding one week after lanpadusa,life is going fool.

Post a Reply to yonas Cancel Reply