Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፈረስ የብጽሕ’ምበር ኣይዋጋእን፡ – 1ይ ክፋል፡

ፈረስ የብጽሕ’ምበር ኣይዋጋእን፡ 12,01,2019፡                                                                       1ይ ክፋል፡ ወዲ ሰብ ሂወቱ ብምዕራባዊ ወገን ዕድመኡ ኮይኑ ክዕዘባ ዝሓለፎ ናይ ሕየትን ሞትን፣ ሓጎስን ሓዘንን፣ ክብረትን ውርደ ትን፣ ክብን ለጠቕን፣ ወዘተ ተሞኩሮታቱ ስለዝራኣዮ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር’ኳ እንተዘይካኣለ፡ ከምቲ ዘብቅዐ ነጋዳይ መዛ

ፈረስ የብጽሕ’ምበር ኣይዋጋእን 12,01,2019፡                                                                       1ይ ክፋል፡

ወዲ ሰብ ሂወቱ ብምዕራባዊ ወገን ዕድመኡ ኮይኑ ክዕዘባ ዝሓለፎ ናይ ሕየትን ሞትን፣ ሓጎስን ሓዘንን፣ ክብረትን ውርደ ትን፣ ክብን ለጠቕን፣ ወዘተ ተሞኩሮታቱ ስለዝራኣዮ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር’ኳ እንተዘይካኣለ፡ ከምቲ ዘብቅዐ ነጋዳይ መዛ ግብቱ እንክገናጽል ንገሊኡ ካብቱ ዝገበሮ እንተዘይገብሮ፣ እቲ ዘይገበሮ ድማ ብኻ ገይርዎ ክግምግም ግድን’ዩ። ሕሳብ ዓለማዊ ውዕሎኡ እናሕነቕነቐ ዝዓጽወሉ ምኽኒያት፡ እቲ ዝነበረ ተጸባጺቡ ናብ ወሎዶኡ ከውርስ ሰባዊ ሓላፍነቱ ብም ዃኑ’ዩ። ውርሻ ማለት ድማ ጽቡቑን ክፉኡን ኮይኑ፡ ነቲ ዝዓገበሉ ክቕጽልን ክውሰኾን፣ እቲ ክሳራ ክጽገን፣ ከምኡ ድማ ታሪኽ ምስ ሓደስቲ ፍጻመታት እናተቛረነ ክሰፍሕን ክቕጽልን እናሓሰበ’ዩ ዘመሓላልፎ።

ነዚ ቀሪበዮ ዘለኹ ስእሊ ዘዝራኣኹም ትሕዝቶ ጽሑፈይ ምስ ኣርእስቲ ዓንቀጸይ ብምዝማድ ከየንበብኩም ከምተረዳእ ኩሞ እግምት። ድሮ’ውን ብዛዕባ ሚ/ር መስፍን ዝመጸ ገለ ጽሑፋት ኣቕሪበ’ኳ እንተነበርኩ፡ ሎሚ ድማ ኣብራኸይ ብምዕ ጻፍ ነቲ ምስ ቲ ቪ ሰነድ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ሰሚዐ ምስ ዘዋህለልኩዎ ታሪኽ ከገና ዝቦ ክብል ገለ-ገሊኡስ ነቲ ሃይቂ ቁምነገሩ ንዝዘረገለይ ዛዕባታት እን ተተዛረብኩ’ኡ ሕማቕ ኣይመስለንን’ሞ ሃየ’ስከ ሓቢርና ንዝለቕ።

መስፍን ከም ኣባል መሪሕነትን ባንኪ ህዝባዊ ሓይልታትን፡ ትሕዝቶ ና ኣብ ሓንቲ ሳንጣን ኣብ ትኡሽቱሹን ሸጒጥዋ ክንቀሳቐስ እንከሎ’የ ኣርኪበሉ። ኣብ ሰማኒያታት ድማ ኣብታ ንሱ ዝመርሓ ክፍሊ ቁጠባ ከምተመደብኩ ከቐድም። መቸም ናይቲ እዋን ነገር ሎሚ ምልዓሉ ት ርጉም የብሉን። ንምጥቃሱ ጥራይ ግዳ ሽዑ እታ ክፍሊ ልክዕ ከም ኣ ብ ዘይፈልጣ ካልእ ውድብ ዘለኹ ብዝመስልን፡ ክሳብ’ውን ብውድባ ናብ ፍርሰት ገጻ ትጋልብ ከምዝነበረትን ብዝግመት ኣብ ሓደገኛ ኩነ ት ተወጢራ ከምዝነበረት እዝክሮ። ብዙሕ ተጋዳላይ ኣባል’ቲ ክፍሊ ድማ ንሱዳኑን ንቤት ማእሰርቱን ዝተደርገመ ከም ዝነበረ ኣይረሳዕኩዎን። ንርእሰይ ሓደ ካብቶም ካብቲ ዓዘቕቲ ተዘቚቖም ዝተረፉ ብምዃነይከ ከመይቢለ ክርስዖ!

ኢሳይያስ ኩሉሳዕ ብመስፍን ፖለቲካ ከምዝሰርሕ ዝላደናሉ ነገር ምንባሩ አረጋግጽ ኢየ። ንምሳሌ ኣብ ሰላሕታ ወራር ን ሱ ውድብና ጠቕሊላ ደድሕሪ ተሓኤ ንሱዳና ከተዝልቕ መደብ ከምዘሎ ኣምሲሉ ምስጢር ከምዘዝሮቘ ተመሲሉ ልሒ ኹ ነበረ። እዚ ማለት ዳግማይ ምንስሓብ ምዃኑ’ዩ። እንተኾነስ እቶም ካብ ምልኪ ኢሳይያስ ክወጹ ዘይከኣሉ መራሕት ና፡ ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦም ምሕላፍ ዝኸልከሎም ኢሳይያስ ኣይነበረን። ንኣብነቱ እቲ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናይ ባርካ ው ግእ ፈጺሙ ንምእማኑ ብዘጸግም ብቀትሩ ናቕፋ ዘዕረፈ ተርግእ ሰራዊትናን ጥበብ መራሕቱን ታሪኽ ሰኒድዎ ኣሎ።

ኣቶ ኢሳይያስ ግና ንውድብና ሽዑ ከሕቅቓ መዲቡ ከምዝነበረ ብወገነይ ምንም ኣይጠራጠረሉን። እቶም ዘይትቐብጹ ት ማሊ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዘይምኽኑይ ውግእ ከፊቱ ኣድሚዩና ከይኣክል፡ ዝሰተዮ ሓፊስ ደምና ቀጢንዎ “ዓሰብ ጠ ንጢንኩማ ንሳሕል ኣንሳሕቡ!” ክብል ንዘሕለፎ ስዑር ውሳነኡ፡ ሚ/ር ዞባዊ ምምሕዳር ማሕሙድ ሸሪፎ ከምዘማሓለፎ ኣምሲሉ ምቕራቡ ካብ መን ይሕባእ? ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣደስኪሉ ንምንታይ ዓላማ ትእዛዝ ብዞባዊ ምምሕዳር ክማሓላለ ፍ ከምተበላሓተ ተረዲእኩሞን ተዋሒጥልኩምን እንተነይሩ፡ እቶም ዝዋሓጥኩማስ ብኻ ሓኒቓትኩም!

ወዮ ንዳርጋ ኩሉ ዝሕተቶ ጉዳያት ከምዘይረኣየ፣ ከምዘይሰምዐን ከምዘይነበረን ኣምሲሉ ዝገልጽ መስፍን ንምንታይ ናብ መራኸቢታት ከምዝቐርብ የተሓሳስበኩም እንተሊዩ ምርጫኡ ንዕዑ ገዲፍና፡ በቲ እዋን’ቲ ግና ብመስፍን ዝተኸወለ ፖ ለቲካ ከምዝስራሕ ኮይኑ ይርዳኣና ስለዝነበረ፡ ከምቲ ንኻልኦት ንዑዑ’ውን ሓራ ከነውጽኦ ብምሕሳብ ኣብቲ ሓለዋ ሰው ራ ብዛዕባ ኣባናን ኣብ ሓለፍቲ ክፍልናን ወሪዱ ዝነበረ ፈተና ንከንቱ ምጉት ከምዝኸፈትና ይዝከረኒ። ድሕሪ ግዜ ካብቲ እንዳረኣኻን እናሰማዕካን ስቕ ክትብለሉ ዘገድድ ክፍሊ ወጺአ ብመጠኑ ናብ ክዛረብን ምስ ሰባት ከዕልለሉን ዝኽእል ክ ፍሊ ስለዝተቀየርኩ ምስሓደ ወዲኣሃዱይ ክንራኸብ ዕድል ረኸብና’ሞ ብዛዕባ ዝወሪድና ጸገም ኣስፊሕና ተመያየጥናሉ።

ተጋዳላይ ከቢድ ብረት ናይሩ ከምቲ ከማይ ድሕሪ መውጋእቱ ናብቲ ክፍልን ንኡስ-ጨንፈር ምዉፋርን ዝተመደበ ስሙ ንግዚኡ ክዕቅቦ ዝመረጽኩ ብጻይ በቲ ቅድሚ ምስላፉ ኣብ ኣስመራ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ትካል ይጽዋዕ ነበረ። ክልቴና ምኩ ራት ተጋደልቲ በቢጉዳይና ከምተኣሰርና’ኳ እንተውረዩሉ ሕመረቱ ግና እቲ ነታ ውድብ ንምፍራሳ ተጠጂኡ ዝነበረ ፖለ ቲካዊ ዕንወት ምንባሩ ኣይሰሓትናዮን። ካልእ ማልእ ገዲፈ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ክፍልና ተኻዕዩ ዝነበረ “ሰውራ ሸቃሎ” ዝብሉ ዎ ነበልባል መንቀሊኡን ዓላማኡን፡ ከምኡ’ውን ብከመይ ከምነጥፍኦን፡ መራሕትናን ነብስናን ብከመይ ከምንከላኸልን ብዙሕ ኢልና’ኳ እንተኾና፡ ክሳብ ንሕልፈትና ንርእስና ኣብቲ ባርዕ ክንጥበስ ምምራጽና እንተዘይኮይኑ ክንፈትሖ ከምዘ ይንኽእልን ነቲ ሰውራ’ውን ብኣስማቱ ክንጥንጥኖ ከምዘይንደልንሲ ኣጽደቕናዮ ድኣ!

ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ብዙሕ ዘዝኸፍአ ኣጋጢሙኒ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ብጻይ ቅድመይ ብምውጽኡ ሰናይ ተመንየ እናፋነ ኹዎ ነገር ንዓይ መመሊሱ ይኸረኒ ከምዝነበረ ስለዝመሰለኒ ምናልባሽ’ውን ሓንቲ መዓልቲ ናብታ ንበዓል ሰለሙን ወል ደማሪያም ዝገደፍኩላ ቦታ ከምተመለስኩ እንተሰሚዑ ከም ነጋር መርድእ ክቐብጽ ከምዘለዎ ሓቢረ ተፋነኹዎ’ሞ። ንነ ብሰይ ድማ እቲ ዘይተርፍ ከምዘይተርፋ ምዒደያ ጥራይ ዘይኮነ “ካብኡ ኣይሕለፉ!” ካብዝብል’ውን ንፍጻመ ኣዳለኹዋ።

ኣይከምዝሓሰብኩዎን፡ ኣነ’ውን ንሳልሳይ ግዜይ ናብቲ ናይ መወዳእታ መፋነዊ ክፋል ክወጽእ ስለተነጊርኒ ብሓቂ የውጽ

ኡኒ ምንባሮም እናተመናተኹሉ፡ እቲ ቁማለይን ጨናይን ዝሰተረ መናጽፈይ ጠቕሊለ ወጻእኩ። ከምቲ ዝበሉዎ ድማ ና ብቲ “ተሓድሶ” ዝተባህለ ናይ መፋነዊ ቦታ በጻሕኩ። ኣብ ተሓድሶ ብስም ‘ምፍናው’ ልዕሊ ናየብቲ ውሻጠ ዝዕየ ድራማ ታት ከምዘሎ ብዓንተቦኡ እመስለኒ ስለዝነበረ ምውጻእ ተኣማኒት ኣይነበረትን። ምእንቲ ርእሱ ናይ ማእሰርቲ መሰነይታ ስለዝዋሃብ፡ ነብሲ ናብ ናጻ መሰል ክፍሊ ምቕያራ እንተዘይኮይኑ ቀይድስ ምስተወጸ’ኳ ይገድድ። ግናኸ ዝኸውን በየን ከ ምዝመጽእ ከይገደሰ ክሳብ’ታ ናይ መወዳእታ ናይ ኮነ ‘ተኹሲ’ ተስፋ ንዘይምቑራጽ መንፈሰይ ከምሕሱም ኣጽናዕኩዋ።

ኣብ ተሓድሶ ወዮ እንተ ብህየቱ እንተ ብወረኡ ክጸንሓኒ ዝተተስፈኹዎ ብጻይ ድሃዩ ኣይጠዓመንን። ወረኡ ኣይጠዓመን እቲ ብጻይ! ግን ንመንከ ብዛዕባ መንን እንታይን ዝሕተተሉ መድረኽ ነይሩ? እሞ ኩሉ ኣብ ውሽጠይ ብምሽጓጥ ኣነ’ውን ዕጫይ ክጽበ ግድን ኮነኒ። ክብል-ክብል ድማ ተራይ በጺሑ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ‘ምስወጻእኩ’፡ ከም መብጻዓይ ሳልሳ ይ ርእሰይ ነታ ብሕሹኽታ ከም ጠንቂ ሕልፈት ናይቲ ብጻየይ ዝተነግረትኒ ቦታ በጻሕኩዋ። እንተኾነስ ግደፍ ንሞት ዘብ ጽሕ ነገርሲ ከምገለ ኮይኑ እንተኾይኑ ንቅብጸት ዝኣክል መቓብር’ውን ክረክብ ኣይከኣልኩን። እቲ ፍጻመ ድማ ድሮ 37 ኣመታት’ኳ እንተሕለፈ፡ ወዮ መማኽርተይ ይኹን ታሪኹ ስለዝበነነ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ረኺበዮ ወይ ኣኽባሩ ሰሚዐ ኣይ ፈልጥን። እናጸናሕኩ ዝተወሰኸኒ ነገር እንተነይሩ፡ “ብርሃነ ኣፍሮ” ዝተባህለ ኣባል፡ ብዛዕባ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤ ቶ ዘሎ ጉድ ከዘንቱ ስለዝሰማዕኩዎ፡ እቲ ዝተፈልየኒ ብጻይ’ውን ወዲ’ታ ዓዲ ምዃኑ እሰምዕ ስለዝነበርኩ፡ ደቂ ኣቤቶታ ት ዘዘኽተመት ዓዲኸ ብከመይ ንመሐየሪት መላእ ዜጋታትና ክትከውን ከምተሓርያት ከይገረመኒ ኣይተረፈን።

ሃለውለውዶ ኣብዚሐልኩም ሓቀይ! ኣነ ብእዋነይ ብመንነት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተስፋ ዝቖረጽኩ ዘይዓጀውኩድኣ መን ክ ዕጀወለይ? ብዝኾነ ስለምንታይ ንድሕሪት ከምተመለስኩ ከይበልኩዎ ተረዲእኩም ኣሎ። ምባሉ እንተድሊዩ ግና ንሕና ነ ቲ ባዕሎም ዘዳለውዎ ተዋስኦ ሰኣን ምፍላጥ፡ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ብነቕርቦ ሓቀኛ ሓበሬታ ሰኒቖም ንመስፍን ኮነ ካልኦት መራሕትና ሓራ ከነውጽኦም ብምሕላን ክሳብ ብዋጋ ሂወትና ንከንቱ ከምዝሃለኽና ከብርህ ስለዝደለኹ ኢየ። መስፍን’ው ን ኣየሐረረናን ጥራይ ዘይኮነ ንርእሱ ካብቲ መሪሕነት ክፍሊ ከምተኣልየ ሰማዕና። ዳሕራይና ገዲዱ ድማ ካብ ጎቦታት ጀ ግንነት ተበጊስና ሓራ ንዘውጻእናያ ሃገር ጠንጥንናያ ብምህዳም ኣብ ሃገረ-ስደት ብሓደ ተኾርሚና ምህላውና።

ኣብ ከምናህና ዝኣመሰለ ዝተጠናነገ ታሪኽ ምውርዛይ ኣይጽቡቕን። እንተኾነስ ታሪኽ ብናይ መወዳእታኡ ኢዩ ዝፍረድ’ ሞ ሎሚ ኩላህና መእወይቲ መርድእ ሞት፣ ኩላህና ቆዘምቲ። ከምኡ ከኣ ኣዘንተውቲ ጥራይ ኴንና ምትራፍናስ ክንደይከ ይኸፍእ! ሰራሕ ታሪኽ ዝነበረ ተራኺ ፍጻመታት ምቕያሩ ብከመይ ትግምግሙዎ? ጸሓይ ከሎ ዲዩ ገብ-ገብ ኢልዎ? ምስ ሰይቲ ወዱ ከምዝምገብከ ርግጸኛዶ ትብሉዎ? ነዛ ዓለም ክኸደላ እንተነቒሉኸ ንታሪኽ ብከመይ’ዩ ከውርሶ ዝግብኦ?

ምሸት፡ ከምዛ ዶርሆ ብእዋኑ’የ ናብ መዳቕሶይ ዝሓኩር። ኣብታ ጽምዋ ቤተይ ዘላ ዓራተይ ድማ ክንዲ ኩሉ ዓለማዊ ጸጋ ታተይ ኢያ። ከይደቀስኩ ብዛዕባ ቡዙሕ ነገራት እሓልም። ብኣምዛኒ ግና ዓራተይ ከም ዕምርቲ መጋባእያይ ኢያ። ኣብኣ ኩሉ ዝዓመጸኒ ናይ ሂወት ፈተናኳ እንተኣእወኹሉ፡ ኣይክንዲ’ቲ ዝተቓለስናሉ ጉዳይ መሰል ዜጋታትን። እሞ ብመሰረት ሕጊ ቅዋምና እምድር እምጉት፣ እጫበጥ እረትዕ። ግንከ እቲኩሉ ‘ስብእነት’ሲ ንበይነይን ኣብጽምዋ ቤተይን ጥራይ ባቃ!

-ኣብ ኣጋ ምህራሰይ ድሃያ ክገብር፡ “ከመልኪኸ ውዒልኪ” ክብል እሓታ ንነብሰይ። ዝወሃበኒ መልሲ የለን።                                       -ንጽባሒቱ ተንሲአ ክረኽባ እናተተስፈኹ ድማ፡ “በሊ ድሓን ሕደሪ” እብላ’ሞ ሽዑ’ውን መልሲ የለን።                                             -ብንጉኡ ኣዒንተይ እናሓሰኹን ድሓን ከምዘላ እናተተስፈኹን፡ “ከመይ ሓዲርኪ?” ኢለ እንተተወከስኩዋ መልሲ የለን።            -ድሓን ክትውዕል ብምሕላን፡ “በሊ ቡሩኽ መዓልቲ” እብላ። ተግባራተይ መመሊሱ ግዲ የቃጭጫ ኮይኑ፡ ኣስቅጥ ባቃ!

“ዓሚ መልሲ ኣይነበራን፡ ሎሚ’ውን መልሲ ካብዘይሃለዋስ እምበርዶኸ ንሓዋሩ ትምልሰለይ ትብሉዋ? ንነገሩ ኣነ መን   ዲየ?” ክብል ዘስዕቦ ሕቶታት ኣየርእኹም። ንነብሰይ ጥራሽ ንዒቐያ ብምቕጻል፡ “እምበርዶኸ ተስፋ ነይርንን ኣለንን? ወላ ዲተይከ ወዲ ብምብዃራ ዶኾን ብታሕጓስ ተፈንጪሓ ትነብር? ወየን መሕረስቲኸ ወዲ ከምተወለድኩ ብምሕሳብ ክን ዲ ናይ ወዲ ተባዕታይ ዶኾን ኣዕሊለናለይ ይኾና ንዓይ ንከንቱ?” ክብል እማዓታ ነዛ ክርታቲያ ነብሰይ። ጉድ!! . . .

ቡኡ ኣቢለ ገለ ካብዚ እዋናዊ ፖለቲካ እገናጽለልኩም። እሞ ናብ ቃለ-መሕትት ሚ/ር መስፍን እድርገም። መስፍን ክዝ ክር እታ ክፍሊ’ውን ትራኣየኒ። ክፍሊ እንተዘኪረ ድማ ግድን ኮይኑ ምሽጥር ‘ንሕናን ዓላማናን’ በሪለይ ከምሕሱም እቑ ዝም። መስፍን’ውን ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምኽፋት ዶብ ኣመልኪቱ ከብርህ እንከሎ፡ “ምስ ኢቲዮጲያዊያን ተዳሚና ኢናኮ’ ክብል ነቲ ቅድም ክመጽእ ዝነበሮ ምዝዛም ጉዳይ ዶብ ኢሳይያስ ዕሽሽ ምባሉ ብዕምቆት ክወቕሶ ሰሚዕኩሞ ኣለኹም።

“እወ ተዳሚና ሚ/ር መስፍን! ግናስ ኣየናይ ምድማይ’ዩ ኣቐዲሙ ክድበስ ዝነበሮ? ኣብ ውሽጥናን ቀጻልን እንዲዩ ዘሎ እ ቲ ቀንዲ ምድማይ! ልቢ ህዝብና ደም ትነዝዕ ከምዘላ ክርዳእ ዘይደለየ ስርዓት ከመይቢሉ ብጸላእትና ዝወርደና ድምየት ከሕምሞ ይኽእል?” እናልኩ ንብሕተይ እማጐት። እቲ ምጉት ክንደየናይ ኣብ በይነይ ጥራይ ከይኸውን? ግናስ ብዛዕባኡ ከጋፍሕ ድሌት`ኳ እንተዘይብለይ፡ ቃለ-መሕትት ሚ/ር መስፍን ኣብከምኡ ዝዓይነቱ ግድል ከይሸመመና ከምዘይተረፈ ምጥቃሱ ክንደየናይ ከይኸፍእ። እሞ ስለምንታይ ኣብ ሎሚ በጺሑ ከምተላዕለ ከየገደሰ ካብቲ ቡዙሕ ንዓይ ንክዛረብ ዝገደደኒ በታ ብዛዕባ ኣሰዋውኣ ኣብራሃም ተወልደ ከዕልል እንከሎ ዘቕረባ ትረኻ እንተቐደምኩ ንቡር’ዩ’ሞ ስዓቡኒ።

መስፍን ብዛዕባ መስዋእቲ ኣብራሃም ጥራይ ዘይኮነስ ኣስከሬኑ’ውን ብክብሪ ብዘይምዕራፉ ኣጉሂዎ ክነጥፍ እንከሎ፡ እን ኮላይ ንኣሰዋውኣኡ ንዝምልከት ብዝኣከቦ ሓበሪታ ከምዝዓገበን’ውን፡ ብከምዚ ገሊጽዎ፦

“ከምቲ’ተን ሰበይቲ ዝነገራኒ ኢሳይያስ ኢድ የብሉን ኣብ መስዋእቲ ኣብራሃም። ፍጹም የብሉን! ምኽኒያቱ ኢሳይያስ ጥዑ ይ ገዲፍዎ ከይዱ ተሰዊኡ ከኣ ጸኒሕዎ። ምኽኒያት ናይ መስዋእቱ ካኣ እተን ሰበይቲ ነጊረናኒ ኢየን። ዝዓበየ ኸኣ በራኺ ንጉ ሰ ከኣ ኢዩ ነይሩ ምስኡ። ወዲ ዓዱ ኢዩ ኣሕሊፉ ዝህቦ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዚኣ ሓራ ወጺኡ ኢሳይያስ ኢለ ገሚተ። ስለዚ ኢሳይያስ ነታ ቀብሪ ክሕወሳ ጥራይ ዘይኮነ ንሱ ዝወደባ ክትመስል ኣለዋ ኢለ ጽሒፈሉ።” . . . .

እተን ከምዝሓበራኦ ዝጠቕሰን ሰበይቲ፡ “ክዳውንቶም ብማይ ዝተጀልሐ ፈውሲ ቁማል ምስ ባህብህዎ ኣብራሃም ከይነ ቐጸ ስለዝተኸድኖ ከምዝቐተሎ፡ ብራኺ ግን ምስ ነቐጸ ስለተኸድኖ ከምዘይተጎድኦ” ክብላ ከምዝሓበርኦ’ዩ ከም ናይ ዓ ይኒ ምስክር ክትውሰድ ዝሓለነ መስፍን ኣብ መግለጺኡ።

መቸም ብዛዕባ ዋናታቱ ዝበረሱ ታሪኽ ንዛረብ ከምዘለና ይርዳኣኩም ኢዩ። እንተኾነ ንከምዚ ዓይነት ምስክር ዘይብሉ ፍ ጻመ ብተባህለ፣ ተገብረ ጥራይ ሓቅነቱ ክድፈን ከምዝካኣል ምሕሳብ ንርእሱ ዕሽነት ኢዩ። ከመይሲ በቲ ሓደ በትሪ ሓቂ ተደፊና ስለዘይትድፈን። በቲ ካልእ መልሓሶም ዝተቖለፈ ፈለጥቲ ታሪኽ ብህየቶም ስለዘለዉ። ስለኡ እንተድኣ ሓቂ ከነና ዲያ ተበጊስና በቢኩርናዑ ዝተሰምዐ ሓበሬታ ምእካብ ምሓሸ። ንርእሰይ ዋላ’ኳ ኣብቲ ፍጻመ እንተዘይነበርኩ፡ ከምሰበይ ካብ’ቶም ዝፈልጡ ግን ክዛረቡ ዘይተዓደሉ ብዝዓቀብኩዎን ኣብ ቦታ ፍጻመ በጺሐ ዝፈለጥኩዎን ሓበሪታ ኣለኒ። ስለኡ መስፍን ብዝረኸቦ ሓበሬታ ንኢሳይያስ ናጻ እንተውጺእዎ፡ ኣነ ብዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ድማ ቀታሊ ሕጂ’ውን ኢሳይያስ ጥራይ ኮይኑ’ዩ ዝስማዓኒ።

“ከምድላይካ ተለፋሊፍካ ምኻድ የለን ኣንታ ዕንዝራ!” ትብሉኒ እንተሊኹም ሓቅኹም! ኣብ እንግዳዓ ድኹም ተኾይጥካ ‘ዩ’ኮ ዝንዋሕ። ጽሬት እንተዘየሊዩ’ዩ’ውን ኣፍንጫ ርስሓት ዘይሽትታ። እምበር መስፍን ዝኣክል ዓንዲ-ማእከል ቃልሲ’ኳ እዘን ኣደ ብዝበልኦ ኣሚኑ ሓርነት ኢሳይያስ ዝኣወጀስ፡ እቲ ካልእ ዝፈልጥከድኣ እንታይ መጺዎ ንታሪኽ ዘየድምቖ?

ካብቲ ኣቐዲሙ ክዝንቶ ዝሰማዕኩሞ ብምብጋስ መስቀላዊ ሕቶታት ክህልወኩም ይኽእል። ኣብራሃም ስለምንታይ ካብ ብጾቱ ተሪፉ? ሰይቸንቶ ገይሩ እንተነይሩ ድሕሪ ብጾቱ ምኻዶም ወይስ ከይከዱ? መቸም ሰይቸንቶ ትቐትል እንተኾይና ንግዳያ ቅጽበት’ያ ከተዕፍሮ ትጅምር። ንምንታይከ ይኸውን ኢሳይያስ ንበራኺ ሓርዩ ምስኡ ገዲፍዎ ዝኸደ? . . . . . .

ኣብ ሓደ መደምደምታ ንምብጻሕ ነቶም ፋሕ ዝበሉ ፍጻመታት ምእራይን ምግጥጣምን ኣገዳሲ ኢዩ። ከምንኣብነት ኣብ ራሃም ጸባ ምስ ሰተየ ከምተኸስአ ብትሒም-ትሒም ቡዙሕ ሰብ የዕልለሉ ምንባሩ እዝከረኒ። እንታይ ዓይነት ጸባ’ኮን ሰ ቲዩ ይነብር? መቸም እቲ “ሰይቸንቶ” ዝባሃል ንቁማል ንጥቀመሉ ዝነበርና ፈውሲ ባልዕ ብማይ እንተተበጽቢጹ ጨናኡ ገዲፍካ ብማሕዲግ እንክርአ ንርእሱ ጸባ’ዩ ዝመስል። ኣብራሃም ነቲ ስሚ ከምዘይሰተዮ ምንም ኣየዳግምን። ጸባ ብመንጽ ር ሰይቸንቶ ምምስቓላኸ ስለምንታይ? ኣብቲ ዝሰተዮ ጸባ ዝተሓወሰ ቀመም እንተነይሩኸ ሎሚ መን ይንገር?

ኢሳይያስ ሰራዊቱ ሒዙ ዝተዘባዘበ እምባኣር ድሕሪ ሕማም ኣብራሃም ምንባሩ ሩጡብ ዕላል ከምዝነበረ ኣይረሳዕኩዎን። ኣብራሃም እንተዘይሓምም ድማ ካብ ጉዕዞ ስመጃና ንድሕሪት ዘትርፍ ምኽኒያት ኣይነበሮን። ንሱ ብጾቱ ከይከዱ ፈውሲ ቁማል እንተዝገብር’ውን፡ ባህሪ’ቲ ፈውሲ ስለንፈልጦ ኣብ ኢዶም ምዓረፈ። ጠንቂ ሕማም መታን ከይጥርጠር ኢዩ’ውን ብሕሪያ ንወዲ ዓዱ (ወዲ ፈንቅል) ገዲፍሉ። ምስ ተመልሱ ኣብራሃም ኣይጸነሖምን። ብምንታይ ከምዝዓረፈ መታን ከየ ቀናጡ ተባላሒቱ ከኣ ኢሳይያስ ነቶም ኣባላቱ ኣብራሃም ሰይቸንቶ ገይሩ ከምዝመተ ከልሑኾሎም ከመይ ከይጽግሞ። ን ሳቶም ድማ ካብ ሓሊዮት ብምብጋስ ተኾነ ኣጸባቢቖም፡ ብዝተረፈ ከምዘለታ ንብጾቶም ይኹን ንማንም ሰማዒ ሰይቸን ቶ ተለኽዩ ከምዝተሰውአ ከውርዩ ግድን’ዩ። በቲ እዋን’ቲ መቸም እምነት ነይሩ’ዩ። ብተወሳኺ ከምዚ ሎሚ ዶ/ኣቢዪ ካ ብ ሰማይ ከምዝወረደ ዝዕለለሉ ዘሎ፡ ሽዑ’ውን ንኢሳይያስ ይውረየሉ ስለዝነበረ፡ ንብጾቱ ከጥፍእ ኢልካ ኣይሕሰብን።

በሉ ተዓዘብቲ፡ መስፍንሲ ተንቲኑ። ኣነድማ ትንታነይ በዘን ክልተ ሓሳባት ንምጥቕላል፦

1, “ኣብራሃም ብናይ ቁማል ፈውሲ ተሰዊኡ” ካብትብል ወረ፡ ጥበብ 03 ልክዕ ሽዓ መዓልቲ ከምዝጀመረት ትመስለኒ።                                         2, ኢሳይያስ ቅትለት ኣዚዙ ምግላል ዝጀመረላ’ውን ሽዓ ከምዝጀመረት ርጥብቲ ኢያ። ዘርዝርዎ’ንዶ፡ መቸም ውግእ ክግ በር ንሱ ኣብ ሜዳ ነይሩ ኣይፈልጥን። ቅትለት ወዲዓፋ ኣዚዙ ኦፐረተሩ ኣብ ሰስዓት ክትድውለሉ ነጊርዋ ንሱዳኑ ከምተ መርቀፈ ሰሚዕኩሞ ኢኹም። ውግእ ወያነ ኣዚዙ ከምዘይከደ ሳባ ከምዝነገረቶ ኣውጊዕና። ኮታ እኪት ፈፍሒሱ ዝገለሉ ምኽኒያት ግና ከይፍለጥ ትራይ ዘይኮነ ብነብሱ ውቃበኡ መግነብነቢ’ዩ። ሞቱ’ውን ምስገሸ ክትኮነሉ ይምነ ይኸውን!

መስፍን እምባኣር ንሓበሬታ እንዳቦይ ዑቕባሚካኤል ምስጉን ከም ንጽህና ኢሳይያስ ክጥቀመላ ምሕሳቡ ብወገነይ ገዚፍ ጌጋ ተጋጊዩ። ሽዑ ካብ ኢቲዮጲያ ትሰግእ ዝነበረት ስድራኸ ካብቲ ንጉስ ኣንቆራ ቃልሲ ኣርኪቡ ከንጡቕ ‘ሹት’ ዝተባህ ለ ቀታሊ ኣብራሃም ሰጊኣ ዝራኣየቶ ዘየሕብእ እንታይ ነይርዋ? እንተ’ቲ ቡሱልን ጥረን ቀሪቡ ጎቦ-ጎቦ ዘኹድድ ሚ/ር መ ስፍን ዘይፈልጦ ክምስክር’ኳ እንተዘይገደድናዮ፡ “ባዕሎም ይብጽሕዎ” ማለቱ እንተኾይኑ ጸበቐ። ቀደሙ’ውን ፈረስ የብ

 ጽሕ’ምበር መዓስ ይዋጋእ! “ስልጣን ጽምንዛዕ’ምበር ኣይወሃብ” ዝተባህለ’ውን ዳርጋኡ እንዲዩ።

በርኔንተ ለሚን-ለሚነይ!

እስከ በሉ ብዛዕባ ትሕዝቶ ደብዳበ ሚኒስተርና ክሳብ ንዝትየሉ ድሓን ቀንዩለይ!

ወዲ ጥሮታ፡

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Amanuel January 14, 2019

    I am sorry but I think you need to be more specific and easy when expressing. I struggled to understand your complicated language. eg. እንተኾነስ ግደፍ ንሞት ዘብ ጽሕ ነገርሲ ከምገለ ኮይኑ እንተኾይኑ ንቅብጸት ዝኣክል መቓብር’ውን ክረክብ ኣይከኣልኩን። ?? and again ብኣምዛኒ ግና ዓራተይ ከም ዕምርቲ መጋባእያይ ኢያ። I have no idea what you mean. I wish your writing was simple and to the point.

    • Ghirmay January 14, 2019

      I struggle to understand your comment or complain too, is this Amanuel Eyasu’s article?
      Mesfun Hagos should just enjoy his nice comfortable pensions with his family.
      He is a very lucky man to get out of Eritrea (HELL) safely and also to get his family out safely.

      • Seicento_600 January 15, 2019

        Ghirmay: I don’t know how system works in Europe and America. How can Mr. Mesfun Hagos earns any pensions when he doesn’t not have any work history.or contributed towards his retirement?

        • Ghirmay January 15, 2019

          Seicento_600, are you planning on applying a pension in the West?
          The kind and civilized Western world would give you full state pension without any contributions towards your retirement as a refugee and on humanitarian ground. Mesfun Hagos would probably get more as an ex-politician.

      • Alazar January 15, 2019

        Brother Ghirmay,
        I would just like to add to your second line, enjoy his pensions “quietly & discretely”.

        • Ghirmay January 15, 2019

          Thank you brother Alazar.
          Yes, he is becoming an embarrassement to his close friends and family.
          What he should really be doing is exposing Higdefs evil secrets and crimes
          as well as advocating relentlessly for his former unfortunate comrades.

    • Ageb Belu January 15, 2019

      @Amanuel: how is it complicated ? The fact that being non native Tigrigna speaker, I did not struggle with his Tigrigna. I don’t know wodi Turota personally but he comes as I and straightforward person to me — doesn’t mince his words. I was very impressed with his chronicles, I agree with his conclusions. Mesfun Hagos is a double agent and he might even had his hand in Abraham Tewolde”s murder. I don’t trust Mesfun and he should be challenged. Abraham Tewolde . He did not even provide us credible credible evidence about his finding other than what the old lady told him:

    • Berhane Haile January 16, 2019

      ከመይ ቀኒኻ ወዲጡረታ፡ ጽቡቕ ትንታኔን መግለጽንዩ። የግዳስ ብዙሓት ሰባት ጽሑፋቱ ንጹር ኣይኮነን፡ ሕልኽልኽ ዘብሎ ኮይኑ ክብሉ ስለ ዝሰምዕ፡ ሕጽር ዝበለን ንጹርን ቀሊልን ቃላት ክትጥቀም እላበወካ። ካብኡ በለ ስለቲ መብርሂኻ ከመስግነካ ደስ ይብለኒ።

  • Asmerom January 15, 2019

    Why is it Ato Mesfin Hagos always gets interviewed by the same man, is this man related to him??

  • ወዲ ሓማሰን January 16, 2019

    ኣየ መስፍን ሓጎስ ሓደ ጅግና ነረ ዝብል ሲ እንዳ ኣዘንተወ ከሎ ኩሉ ግዜ ዓወት የለን ሓደ ግዜ ሽግር ከምዘጋጠሞ የዘንቱ እሞ ሰፈይ ተማሪኻህኒ ኢሉ የዕልል ወዮ ሰማዒ ድማ ሰፈር ሰፍካ ኸ እንተበሎ እዋ ንሳ ድኣ መይተድየ ምስሳይ ኣብዛ ሞንኩቡይ ሒዘያ ሃዲመ ኢሉ ተጃህረ። ቃለ መጠይቅ መስፍን ድማ ከምኡታት እዩ።

    • kokhob January 16, 2019

      Wedi Hamasein, your story is so good and so entertaining
      but it is the whole people of Eritrea who are the heroes.
      Mesfun Hagos is not a hero for Eritreans he is only a chicken runner hadami.

      • gerima January 18, 2019

        ኲና ት ዘይወዐለ፥ በሊሕ።

  • ወዲ ጥሮታ January 16, 2019

    ጽቡቕ ሓሳባት። ተሞኩሮና እናተቐራረበ ይኸይድ ብምህላዉ ኣብ ሞንጎ ኣቕራብን ኣንባብን ዝህሉ ፍልልያት ንክጸብብ ክቃለስ ኢየ።

Post a Reply to Asmerom Cancel Reply