Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽባሕ ከይከልእዎም! – ራባዓይ ክፋል፥

ጽባሕ ከይከልእዎም! ራባዓይ ክፋል፥ “ስማዕ ዝወደይ! እዛ ሃገር ታሪኻ ብዛንታ ከም ንሰምዖ፡ “ቀደም ባሕረ ነጋሽ” ክትብሃል ከላ ትኹን ደሓር ብጣልያን “ኤለትርያ” ካብ ትስመ ንደሓር፡ ከምዚ ሕጂ ኣጋጢሙና ዘሎ ሽግር ኣጋጢሙና ከምዘይፈልጥ፡ እዚ ኣብ ታሪኽና ንመጀመርያ ግዜ ናብ

ጽባሕ ከይከልእዎም!
ራባዓይ ክፋል፥
“ስማዕ ዝወደይ! እዛ ሃገር ታሪኻ ብዛንታ ከም ንሰምዖ፡ “ቀደም ባሕረ ነጋሽ” ክትብሃል ከላ ትኹን ደሓር ብጣልያን “ኤለትርያ” ካብ ትስመ ንደሓር፡ ከምዚ ሕጂ ኣጋጢሙና ዘሎ ሽግር ኣጋጢሙና ከምዘይፈልጥ፡ እዚ ኣብ ታሪኽና ንመጀመርያ ግዜ ናብ ትግራይ ተሰዲዱ፡ ኣብ ትሕቲ ቴንዳታት ዝነብር ዘሎ ብኣሻሓት ዝቑጸር ኤለትራዊ ህያው ምስክር’ዩ። ኣብ ታሪኽና ዋላውን ኣብቲ መሪር ዝብሃል ግዝኣት ቱርኪውን እንተኾነ፡ ከምዚ ዓይነት ሕሰም ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን’ዩ! ስለዚ ህዝብና ካብዚ ኹሉ መዘና ዘይብሉ ጸገም ክድሕን እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ንሕናውን ዝሓዝና ሒጅና ናብ ዓድና ክንምለስ እንተ ደኣ ኴንና ዝወደይ፡ ነዚ ብዓመጽ ዘሳቕየና ዘሎ ጅር (ጃንዳ) ከምቲ ኣብ ምምጻኡ ብሓባር እናኣጣቓዕናን እናዓለልናን ዝተቐበልናዮ፡ ሎሚውን ብሓባር ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና፡ ነዚ ዕያውቲ ኣባጊዕ ካብ ቅርዓትን ካብ ደንበን እናመንዘዐ ዘጽንት ዘሎ ሕሱም ኣራዊት፡ በቃ ይኣክል! ክንብሎ ኣለና። ኣንታ ወደይ፡ ኣበይ እያ ደው ኢላ ዘላ እዛ ባቡር? እቲ ዝወርደሉ ቦታ’ባ ከይሓልፎ ረኣየለይ? ጉድ ናይዚኣቶም ተዛሪብካ ኣይውደኣን’ዩ!” በላኒ ኣብ መንጎ ዕላለን ናብ ደገ ገጸን እናጠመታ።
ሓደ ኣርባዕተ ፌርማታ ኣቢሉ ዝኸውን ኣለክን ኣደይ ወጋሕታ መዓረይ፡ ጌና ኣይበጻሕክንን። ምስ በልኩወን፡ ናብታ እታ ባቡር ዝበጻሓቶ ቦታታት ዝሕብር ጽሑፍ ዝሓዘት ኮምፕዩተር እናኣምበብኩ ኸኣ፡
“ኣይበጻሕኩንዶ? ሕራይ ደሓን” በላኒ። ሽዑ ኣነ ናብአን ጽግዕ ኢለ፡ በላ ኣደይ ወጋሕታ መዓረይ፡ ናብቲ ኤምባሲ ምስ ከድክንሲ ከምዚ ኢልክን ደኣ ቁጥዕ ኢልክን ኣይትዛረብኦም ኢኽን! ምኽንያቱ፡ ኩሉ ዝሰምዑዎ ዘበለ ሐሕማቑ ኣርዮም፡ ናብ መሓውር ጸጥታ ናይቲ ስርዓት ስለ ዘማሓላልፉዎ፡ ከየአስሩኽን ተጠንቀቓ ኢኽን! ብምባል እናኣጠንቀቕኩወን ከለኹ፡ ብሃንደበት ክልተ ሰብኡት ከባቢ ኣርባዓ ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን ዝዕድመኦም፡ ብድሕሬና መጺኦም፡ ሕውስ በሉና’ሞ እቲ ሓደ ቅልጥፍ ኢሉ፥
“ኦኦኦኦ… ኣደይ ወጋሕታ፡ ከመይ ሓዲርክን? ደሓንዶ ቀኒኽን? ኣንትን ጅግና!” ብምባል ሓቊፉ ምስ ሰዓመን ንኣይውን “ሰላም ዝሓወይ” ብምባል የማናይ ኢዱ ሰደደለይ።
“ኣንትን ጅግና ኣደ! ኣብዚ ዝሓለፈ ፈስቲቫል፡ በታ ንልኡኽ ህግደፍ ሓጐስ ክሻ ዝሓተትክነኦ ወጣሪት ሕቶ’ኮ ሰብ ጸባ ኣስቲኽንኦ ኢኺን!” ኢሉ ምስ ነኣደን፡ ናብቲ ኣብ ጎድኑ ደው ኢሉ ዝዕዘቦ ዝነበረ መማጽእቱ ጥውይ ኢሉ፡ “ዋይ! ኣንታ ረሲዐካዶ? ነደይ ወጋሕታ ምስ ረኣኹ’ንድየ ሰንቢደ።” ኢሉ ናብ የማነ ጸጋሙ ቁሊሕ ምሊሕ ድሕሪ ምባል፡ ናብተን ኣብ ጸጋማይ ጎድንና ዝነበራ ኣርባዕተ ፊት ንፊት ዝጠማመታ ሳሎናት ብምምልካት፡ ናብኣተን ክንግዕዝ ብዝገበረልና ዕድመ መሰረት፡ ኣነን ኣደይ ወጋሕታንውን ካብ ኮፍ መበሊና ብምትንሳእ፡ ናብተን ሳሎናት ገዓዝና’ሞ ኣነን ኣደይ ወጋሕታን ጎድኒ ንጎድኒ፡ ንሱን መማጽእቱን ድማ ኣብ መንጽርና ጎድኒ ንጎድኒ ኮፍ በሉ።
“በላስ’ከ ኣደይ ወጋሕታ፡ ከመይ ኣለኽን? ናበይ ኢኽን ደኣ ብንግሆኡ ትግስግሳ ዘለኽን?” ብምባል ሓደ ካብቶም ኣዕሩኽ ዓይኒ ዓይነን እናጠመተ ምስ ሓተተን፡ ሽዑ ኣነ ነደይ ወጋሕታ ቀዲመ፡ ኣነስ ከምኡ ኢለ’ንድየ ክሓተን ጸኒሐ በልኩዎ። ብልበይ ግን ነታ ንሓጐስ ክሻ ኣቕሪበናሉ ዝበላ ወጣሪት ሕቶ ንምፍላጥ እናተሃንጠኹ።
“እሞ ናበይ እየ ደኣ ኢለናኻ?” በለኒ እቲ ሰብኣይ ገጹ ናባይ ጠውዩ።
ጉዕዞአን ዘገርም’ዩ! ምስ በልኩዎ ከኣ፡
“ብኸመይ?” በለኒ ህውኽ ኢሉ።
‘ጽባሕ ንግሆ ኣነ ምስ ሞትኩ፡ እቲ ኣብ ዓዲ ብቦንድ ዘስራሕኩዎ ገዛይ፡ ህግደፍ ክልተ ካብ ሚእቲ ኣይከፈልኩምን ኢሎም ብድሕረይ ንደቀይ ከይከልእዎምስ ሕጂ ኣቐዲመ ክኸፍለሎም’የ ዝኸይድ ዘለኹ’ ኢለናኒ። ምስ በልኩዎ፡ ካዕካዕ ኢሉ ሰሓቐ’ሞ፡
“ኣንታ እንታይ ዘረባኡ ኢኻ ተስማዓኒ ዘለኻ!? ድሕሪ ሞተይ ገዛይ ንደቀይ ከይከልእዎም ኢለንስ ሕጂ ክልተ ካብ ሚእቲ ክኸፍላሎም ይኸዳ ኣለዋ!?” ብምባል ተገሪሙ ሓተተኒ።
እወ። ዝገርም’ዩ ድማ በልኩዎ ኣነውን ርእሰይ እናነቕነቕኩ።
“ጽባሕ ንግሆ ድሕሪ ግብኣተ መሬት ህግደፍ፡ ካብ ሰብ ሓገዝ ዝደሊ ኤርትራዊ ኣይክህሉን’ዩ! መሶብ እታ ብልዕለን ትሕተን ምድሪ ሃብታም ዝኾነት ኤርትራ ሃገርና ከኣ ካብ ኣብ ደገ ዝቕመጡ ዜጋታታ ምጽወታ ኣይከድልዮን’ዩ! ሃገርና ሽሻይ ብሽሻይ ክትከውን’ያ! ባሕርናን ፍርያቱን ንኣና ኣይኮነን ናብ ሃገርና ንዝስደዱ ወጻእተኛታትውን ከይተረፈ ኪቕልብ’ዩ ዘይትብለን!” ምስ በለኒ ዕትብ ኢሉ፡ ኣደይ ወጋሕታ ንኣይ ቅድም ኣቢለን፡
“ኣፍካ ይስዓር ዝወደይ! ይግበረልና ፈጣሪ ኩሉ ኣለም! ንመን ኢሉዎ ዝወደይ! ኪኸውን ድማ’ዩ!” ብምባል፡ ኣእዳወን ዘርጊሐን ንላዕሊ ገጸን ኣንቃዕረራ።
“እሞ ሕጅስ ናይዞም ደቀይ ዘኽፍል ምኽንያት የብለይን? ድሕሪ ሞት’ዚ ርጉም ሰብኣይሲ ክልተዶ ሰለስተ ካብ ሚእቲ ዝብሉዎ ነገር የለን ድኻ ትብለኒ ዘለኻ?” ብምባል ንሰልስቴና በብታራ ጠመታና።
“ብፍጹም ኣደይ ወጋሕታ!” ምስ በለን እቲ ኣቐዲሙ ኪዛረብ ዝጸንሐ ሰብኣይ ቅልጥፍ ኢሉ ኸኣ ሽዑ እቲ ትም ኢሉ ክዕዘብ ዝጸንሐ ካላኣዩ፡ “እሕሕሕሕ” ኢሉ ጎሮርኡ ድሕሪ ምጽራግ፡
“ኣንቱም ሰባት ነዘን ሰበይቲ ኣይተጋግዩወን፡ እዚ ትብሉዎ ዘለኹም ዘረባ መሰረት ዘሎዎ ኣይኮነን! መን’ዩ ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ ሞተ ክልተ ካብ ሚእቲ ምኽፋል ክተርፍ’ዩ ዝበለኩም?” ብምባል ናባይን ናብቲ መማጽእቱን ምስ ኣፋጠጠ፡
“እዋእ! እንታይ ትዛረብ ኣለኻ ሓይለእዝጊ? ምስ ሞት ኢሳያስ ደኣ 2% ጥራይ መዓስ ኮይኑ ክተርፍ፡ ኩሉ ሽግርን ድኽነትን ኤርትራውን እኮ ምስኡ ክሞውት’ዩ!” በሎ እቲ ካላኣዩ ቅልጥፍ ኢሉ።
“ብኸመይ?” ሓተተ ሓይለእዝጊ ቁጥዕ ኢሉ።
“ብኸመይዶ? ብመጀመርያ፡ እዚ ዉልቀ መላኺ ምስ ሞተ፡ እዚ ኹሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ተጸቒጡ ዝነብር ዘሎ ሃብታም ኤርትራውን፡ ኣብዛ ብኹሉ ተባሃጊት ዝኾነት ሃገርና ርእሰ ማሉ ከውፍር ዝደሊ ወጻእተኛን፡ ሃብቱ ሒዙ ከይወዓለ ከይሓደረ ኪኣቱ ስለ ዝኾነ፡ ሽዑ ሸቅል ሸቃላይ፡ ሕረስ ሓረስታይ ተባሂሉ፡ ዓዲ ብስራሕን ፍርያቱን ፉሕፉሕ ክትብልያ። ሽዑ ኩሉ በብጽላቱ ምስ ወፈረ፡ ኩሉ ዜጋ ኣብ ንእኡን ንሃገሩን ዘርብሕ ስራሕ ኪዋፈር’ዩ ማለት’ዩ። እቲ ሽዑ ዝትከል ህዝባውን ደሞክራስያውን መንግስቲ ከኣ ካብ ኩሉ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ቀረጹ እናኣከበ ቆፎ ሃገር ክመልእ’ዩ! ቆፎ ሃገር እንተ መሊኡ ከኣ መሶብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራ መሊኡ ኣሎ ማለት’ዩ።” ምስ በሎ፡
“ወዳጀ ትምቢት! ካልእከ ክቡር ነብዪ፡ ትንበዮ ኣላካድዩ?” ብምባል ሓጨጨሉ ሓይለእዝጊ።
“ካልእዶ? መሊኡ!” በሎ እቲ ብጻዩውን ቁጥዕ ኢሉ፡
“እንታይ?” በለ ሓይለእዝጊውን ድምጹ ክብ ኣቢሉ።
ኤርትራዊ’የ ኢሉ ንነብሱ ዚጽውዕ

ብብሉጽ ታሪኹ ዝሕበን ዝኾርዕ
ዓይኑ እናረኣየ ወላዲ ኪነብዕ
ኣብ መድረኽ ወጺኡ ንጥፍኣት ዘጣቕዕ
ዘይነቐሐ እንተሎ ናይ መላኺ *ሽርዱዕ    *ጸፋዕጸፋዕ ዘብዝሕ፡ ጽጋብ ዝሰንጠቖ
ምሕረቱ ይሃቦ ለኪሙ ከይጠፍእ!
ይቕጽል፥
ካብ ሓውኹም መሲናስ 19-03-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT