Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽባሕ ከይከልእዎም! – ሓሙሻይ ክፋል፥

ጽባሕ ከይከልእዎም! ሓሙሻይ ክፋል፥ “ወዳጀ ትምቢት! ካልእከ ክቡር ነብዪ፡ ትንበዮ ኣላካድዩ?” ብምባል ሓጨጨሉ ሓይለእዝጊ። “ካልእዶ? መሊኡ!” ምስ በሎ እቲ ብጻዩውን ቁጥዕ ኢሉ፡ “እንታይ?” ደገመ ሓይለእዝጊውን ድምጹ ክብ ኣቢሉ። ኣነን ኣደይ ወጋሕታንውን ፍጀቱ ማለት ናይ ምጉት ተራኡ ዝጽበ ብዓል ነገር

ጽባሕ ከይከልእዎም!
ሓሙሻይ ክፋል፥
“ወዳጀ ትምቢት! ካልእከ ክቡር ነብዪ፡ ትንበዮ ኣላካድዩ?” ብምባል ሓጨጨሉ ሓይለእዝጊ።
“ካልእዶ? መሊኡ!” ምስ በሎ እቲ ብጻዩውን ቁጥዕ ኢሉ፡
“እንታይ?” ደገመ ሓይለእዝጊውን ድምጹ ክብ ኣቢሉ። ኣነን ኣደይ ወጋሕታንውን ፍጀቱ ማለት ናይ ምጉት ተራኡ ዝጽበ ብዓል ነገር ክንመስል፡ ዓይኒ ዓይኖም እናጠመትና ትም ኢልና ክንጽበ ምስ ጸናሕና፡ ኣደይ ወጋሕታ ንኣይ ቅድም ኣቢለን፡ ከምዚ ክብላ መኸረኦም፥
“ስምዑ’ሞ እዞም ደቀይ ብሩኻት፡ ነዛ እንተስ ብፍሉይ ናይ ጸላእቲ ናይ ተንኮል ርቀት፡  እንተስ ብናትና ሕምቀት፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ክሳዕ ሕጂ ዘይሰዓርናያ ዘለና ሓንቲ ነገር ኣላ። ንሳ ኸኣ ስምዒትካ ገቲእካ፡ ንጉዳይካ ብዘተ ተላዚብካ፡ መማጉትኻ ኣእሚንካ፡ ፍልልያትካ ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ካብ ትጠፍኣና ሓያለይ ግዜ ገራ ኣላ። ኣቦታትና ከምኡ ከምዘይነበሩ መሸም ትስሕትዎ ኣይመስለንን። እዚ ሕማቕ ባህሪ’ዚ ደሓር ዝመጸና ጸገም’ዩ። ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ኸኣ ኣብ ክንዲ እናጸበበ ዝኸይድ እናገፍሐ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ ክቡር ባህሊ’ዚ ናብ ናይ ቀደሙ ክንመልሶ ሓያል ስራሕ ከድልየና እዩ። ካብ ሕጂ ክንጅምሮ ድማ’ዩ ዝግባእ።”
“ስለዚ እዞም ደቀይ ብሩኻት፡ እቲ ጨጭብጥኹም እናኣምጻእኩም ትካትዕሉ ዘለኹም ጉዳይ፡ ህድእ ኢልኩም እሞ ተኻትዕሉ፡ ንሕናውን ክንርደኦ። መሙን ከለኹምሲ ሕጂ ከም በሬሳው ክትታፋነኑ። ኣይፋልኩምን ቀስ ደኣ በሉ።” ብምባል ምስ መኸረኦም፡ ኣነ ቅልጥፍ ኢለ፡ ‘ኣንትን ኣደይ ወጋሕታ መዓረይ፡ ብመጀመርያ’ሞ ይቕሬታ ግበራለይ፡ ኣቐድም ኣቢልክን ዝተዛረብክነኦ ቃል ስለ ዘይተረደኣኒስ ክሓተክን እናበልኩ፡ ሕጂ ኸኣ መሊስክን ካልእ ክልተ ዘይፈልጠን ቃላት ተዛሪብክን። መሙን ከምኡውን በሬሳው እንታይ ማለት’ዩ?’ ብምባል ምስ ሓተትኩወን፡
“ኣየ ተስፊት ወደይ፡ እንታይ’ሞ ክትገብሩ ደቂ ሎሚ! ቋንቋኹም ረሲዕኩም ናይ ባዕድን ናይ ከተማን ተሓዋዊሱኩም፡ ከመይ ጌርኩም እሞ ቋንቋ ኣቦታትኩምን ኣደታትኩምን ብቐሊሉ ክትርድኡ!? እዚ ወገሐ ጸብሐ ኣብ ተልቪዞን ኤለትርያ ንሰምዖ ዘለና ቋንቋዶ ኣይኮነን’ዩ እቲ ትሰምዕዎን ትማሃሩዎን ዘለኹም ቋንቋ! እ? መን ተገዲሱሉ ንቋንቋና ሎሚ!? መንግስትና ኣብኡ የለን ዝወደይ። በል እቲ ዓንተቦ ዝበልኩዎ’ኳ እንድዒ ኣይዝክሮን’የ፡ ሕጂ ግን መሙን እየ ኢለ። መሙን ማለት ከኣ ትኽ ትንፋስ ኣዕሩኽ ማለት’ዩ። ቤረሳው ማለትውን ዝራብዕ ሓርማዝ ማለት’ዩ ዝወደይ!” ብምባል ምስ ተርጎማለይ፡ ‘እዋእ! ኣንቱም ሰባት፡ ብኹሉ’ባ ኢና ንጠፍእ ዘለና! እዚ ቋንቋናውን ካብ ናይ ሎምስ ናይ ቀደም ይበልጽ ነይሩ ማለትድዩ!?’ ብምባል ነቶም ኣብ መንጽረይ ዝነበሩ ሓይለእዝጊን ዓርኩን እናጠመትኩ ኣስተንተንኩ።
“ይቕሬታ ኣደይ ወጋሕታ፡ ቊሩብ ዓውዓው ኢልና ረቢሽናኩም ምሽ? ብምባል መማጽእቲ ሓይለእዝጊ ምስ ሓተተን፡ “ኣይ ጸገም የለን ዝወደይ፡ ነቲ ነገሩ’የ ዝብለኩም ዘለኹ’ምበር ምርባሽስ ኣይረበሽኩሙናን። ነቲ ነገሩ’የ ተዛሪበ፡ ቀጽሉ ደኣ ዕላልኩም” ምስ በላኦ፡ ሓይለዝጊ ቅልጥፍ ኢሉ፡
“በል እስከ ቀጽል እቲ ትንበዮ ትንቢታት ንገረና ነብዪ ኤልያስ” በሎ ፍሽኽ ኢሉ፡ ብጎቦ ዓይኑ ንዓርኩ እናጠመተ፡ እቲ ዓርኩ ግን ዕትብ ኢሉ፡
“ስማዕ ሓይለእዝጊ! ንዋዘ ኣይኮናን ዘለና ሕጂ! ቁምነገር ኢና ንዛረብ ዘለና እመስለኒ። ኣብዛ ኣነን ንስኻን ንካታዓላ ዘለና ካልኢት ጥራይ፡ ክንደይ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ሃገሮምን ካብ ሃገሮም ወጻእን ብሓለንጊ ስቓይ ይግረፉ ከምዘለዉን ህይወቶም ብኾንቱ ይሓልፍ ከም ዘሎን ኣስተውዕል!” በሎ ገጹ እስር ኣቢሉ።
“ኖኖ ሕጂ እኮ’ሞ ብዛዕባኡ ኣይኮናን ነዕልል ዘለና፡ ብዛዕባ ቁጠባ ሃገርና’ዩ ኣርእስትና እመስለኒ” በሎ ሓይለእዝጊ፡ ንነድሪ ዓርኩ ንምህዳእ ኪመስል እናሰሓቐ።
“ኦኬ ደሓን! ካልእ ክብለካ ዝደሊ ነገር እንተልዩ፥ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ሓራ ኤርትራ፡ ባሕርናን ታሪኻዊ ቦታታትናን ንኺበጽሑ ብዙሓት ዓዋዶ ማለት ቱሪስት ናብ ሃገርና ኪውሕዙ’ዮም። ካብዚኣቶም ዝርከብ እቶት ከኣ ቀሊል ኣይኮነን። ፍርያት ባሕርና ዝኾኑ ብሉጽ ጨውናን ዓሳናን ድማ ብመራኽብና ተተጻዒኖም፡ ናብ ሃገራት ዓለም ምስ ተላእኩ፡ ኣምሳያኡ ኸኣ መራኽብና ነዚ ሎሚ ከም ሓርኢ ተመን ምርካቡ ሓርቢቱና ዘሎ ንባኒ ዝኸውን ፊኖን ነዳድን ጽዒነን፡ ናብ ሃገርና ክምለሳ ስለ ዝኾና፡ ጽባሕ ንግሆ ህዝብና፡ ንሓንቲ ንቕጽቲ ባኒ ከናዲ ኪብል፡ ኩፖን ህግደፍ ሒዙ፡ ኣብ ቁርን ጸሓይን ሪጋ ንኪስራዕ ዝጸቓቐጠሉ ምኽንያት ኣይክህልዎን’ዩ። ኣብዚ ጸቒጠ ከዘኻኽረካ ዝደሊ ነገር ድማ፡ እዚ ሎሚ ህግደፍ፡ ኣብቲ ጣፍ፡ ጒናዛን ርእሶን ዘፍሪ ሽዕበትና፡ ንእኡ ዘይሰማማዕ ናይ ፊኖ ስርናይ እናዘርአ ዘባኽኖ ዘሎ ፈራዪ መሬትና፡ ናይ ሓይለ መልጢ ስራሕ ብምኽታል፡ ከምቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓይሊ ብረት ኣንበርኪኹ ዝገዝኦ ዘሎ፡ ንመሬትናውን ብግዲ ከፍሪ ይገብሮ ስለ ዘሎ፡ ከምዚ ሎሚ ኣይካብ ንዳእቲ ኣይካብ ምህርቲ ካብ ኩሉ ሓዲግ ኮይኑ ዝተርፍ ከምዘይኮነ’ዩ። ኩሉ ነገር ተጸኒዑ፡ ዘዝሰማምዖ እኽሊ ብምዝራእ፡ መሬትና ዝግባእ ምህርቲ ከም ዝህብ ኪግበር’ዩ።” ምስ በለ፡ ኣነ ህውኽ ኢለ፡ ‘ኦ ሶሪ ዝሓወይ ክኾልፈካ፡ ገለ ቃላትካ ስለ ዘይተረደኣንስ ክሓተካ። ኣቐድም ኣቢልካ ዝበልካየን ክልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይፈለጥኩወንን።’ ምስ በልኩዎ፡ ኣደይ ወጋሕታ ንእኡ ቀዲመን፡
“ኣየ ተስፊት ወደይ፡ መሸም ዘይፈለጥካዮ ኪትፈልጥ ምህንጣይካን ምሕታትካን ከየሐጐሰኒ ኣይተረፈን። በል ጽቡቕ፡ ምምዝጋብን ምጽናዕን ደኣ ኣይትሕመቕ’ምበር ንሕናውን ትርጉሙስ ደስ እናበለና ክንነግረካ ኢና። በል፡ ጒናዛ ማለት ኣርባዕተ ጥርዚ ዘሎዎ ዓይነት ስገም ኪኸውን ከሎ፡ ርእሶ ማለትውን ከምኡ ኣርባዕተ ዝጠሬሩ፡ ሓዋይ ዝሕብሩ፡ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ ማለት’ዩ። ሽዕበት ማለት ከኣ ማይ ዝጸገበ ረጒድ መሬት ሕርሻ ማለት’ዩ ዝወደይ” ብምባል ምስ ተርጎማለይ፡ ኣብታ ካብ መንጎ’ታ ኣቐዲመ ዘንብባ ዝነበርኩ “ኣይንፋላለ” ዘርእስታ መጽሓፍ ዘውጻእኩዋ ቁራጽ ወረቐት፡ ነተን ክሳዕ ሽዑ ዝሰማዕኩወን ኣቐዲመ ዘይፈልጠን ዝነበርኩ ቃላት፡ ምምዝጋብ ምስ ጀመርኩ፡ ዓርኪ ሓይለእዝጊ ዘረባኡ ብምቕጻል፡ ከምዚ በለ፥
“ብተወሳኺ ጽባሕ ንግሆ፡ እዘን ኩለን ሕጂ በዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉጅለ ሽፍታ ተዓጽየን፡ መኺነን ዘለዋ፡ ገዳይም ፋብሪካታትናን ካልኦት ሓደስትን ክኽፈታ’የን። ሽዑ ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ተዓዲጉ ናብ ሃገርና ዝኣቱ ኣቕሓ ኣይክህሉን’ዩ ማለት’ዩ። በዚ ኸኣ ሃገርና ካብቲ ኣብ ግዜ ጥልያን ዝነበረቶ ምዕባለ ንላዕሊ፡ ንቕድሚት ክትውንጨፍ’ያ! ከምኡውን እቲ ከምዚ ሕጂ ዘሎ፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ተነጺሉ፡ ኣብ ጫካ ምልክነት ተሓቢኡ ዝነብር መንግስቲ ዘይኮነ፡ ምስ ዓለም ተሰማሚዑን ተላዚቡን፡ ንስልጣኑ ዘይኮነ ንህዝቡን ንሃገሩን ዝሓስብ መንግስቲ ምስ ተተኽለ፡ ብሕጊ ዓለም መሰረት፡ እተን ቀደም ዝገዝኣና ዝነበራ ሃገራት ጣልያንን እንግሊዝን እውን ዝግብኣና ካሕሳ ክኸፍላና’የን። እዚ ኸኣ ነቲ በዚ ስርዓት’ዚ ይኹን በቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ስርዓት ደርጊ ዝዓነወ ትካላትን ትሕተ ቅርጽን ናይዛ ሃገር ንምምዕባል ክንጥቀመሉ ኢና። እዚ ከም ዝኸውን ድማ ሚእቲ ካብ ሚእቲ እየ ዝተኣማመን!” ብምባል ሰናይ ትምኒቱ ምስ ገለጸ፡ ኣደይ ወጋሕታ ከም ኣመለን፡ ክልቲአን ኣእዳወን ንላዕሊ፡ ናብቲ ናሕሲ ናይታ ባቡር ገጸን ብምዝርጋሕ፡
“ይበሎ ፈጣሪ ኩሉ ኣለም ዝወደይ! ንመን ኢሉዎ እዚ ኣምላኽ! ኣፍካ ወለላ መዓር ይፍሰሶ! ዋላ ንሕና ኣይነርክበሉስ እዞም ደቅና እንተ ተመጒሶሙሉውን ከፊኡና ነሩ ኣይንብልን።” በላ ኣደይ ወጋሕታ፡ ነቲ ብኣሉታ ርእሱ ንየማነ ጸጋም እናነቕነቐ ንኪዛረብ ዚርበጽ ዝነበረ ሓይለእዝጊ ብምቕዳም።
“ስማዕ በል ክሓተካ! ብመጀመርያ እዚ ኣብ ቲቪ ኤረ መዓልታዊ ዝቃላሕ ዘሎ ናይ ልምዓት መደባት፡ ኣብዛ ሃገር ለውጢ ከም ዘምጽእ ትኣምነሉ ዲኻ ትኽሕዶ እስከ ንቕድም ነዚኣ ንገረኒ?” ብምባል ከናፍሩ ነኺሱ ሓተቶ።
“እዋእ! ሓይእለዝጊ፡ ቀስ’ሞ በል! ኣነ ኣብ ባይታ፡ ኣብ ሃገረይ ዘሎ ብዓይነይ ዝሪኦ ሓቂ’ምበር ንናይ ፈጠራ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ስለ ዘይከታተልን ዘይኣምንን እዚ ተጌሩ ትብለኒ ዘለኻ መደባት ልምዓት፡ ኣይረኣኹዎን” ምስ በሎ፡
“እሞ እንታይ ደኣ ትብል ኣለኻ? ኩነታት ሃገርካ ዘይትከታተል እንተ ኴንካስ ከመይ ኣቢልካ ደኣ ብዛዕባኡ ሕማቕን ጽቡቕን ኪትዛረብ ትኽእል!?” በሎ ሓይለእዝጊውን ብምግራም።
“እዋእ! ሓይለእዝጊ፡ ከመይ ማለትካ’ዩ? ኩነታት ሃገርካስ ብቲቪ ኤረ ጥራይ ኢኻ ትከታተሎ ማለትካ? በቃ ሕማቕን ጽቡቕን ሃገርካስ ኤሪ ቲቪ ጥራይ ኢኻ ክትነግረካ ትጽበ?” ተገምጢሉ ሓተቶ እቲ ዓርኩ።
ዝተረግጸ ህዝቢ ዓቕሉ ጸቢብዎ
ኣርዑት ናይ መለኽቲ ብሓይሊ ሰይርዎ
ሓርነት ጨቢጡ ፍትሒ ኣንጊሱዎ፡
ኪመርጽ ኪምረጽ መሰል ወኒኑዎ
ዓለም ብዓለሙ *ሃንአ ኪብልዎ      *ዮሃና
ድምጺ ሓቂ ኣፍኪ፡ እንታይ ዓቢስዎ?
ህዝቢ ኤርትራኸ እንታይ ኣፍሊጥዎ
ኪመርጽ ኪምረጽ ንቕሓት ኣበሎዎ
ወፈራ’ዚ ቀውዒ እስከ ኣይተስምዕዎ!
ወዲ ዓከር ሂብኩም ማይ’ሞ ኣስትዩዎ
ምልኣኹ ኪጥዕም ቀለም ኣቕምስዎ
ስርሑ ኪፍጽም ኣብ እትልእኽዎ
ብሕማም ከይበኩር መድሃኒት ሃብዎ
ወሓይዝ ዓጊትኩም ሓጽቢ’ሞ ኣስርሕዎ
ፍትሕን ደሞክራስን ንሱ’ዩ በልዎ!
ይቕጽል፥
ካብ ሓውኹም መሲናስ 23-03-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT