Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽቡቕ ታሪኽ መዕለሊ ሕማቕ ታሪኽ መምሃሪ – 7ይን መወዳእታን

ጽቡቕ ታሪኽ መዕለሊ ሕማቕ ታሪኽ መምሃሪ - 7ይን መወዳእታን ብዛዕባ ጽቡቕ ምዝራብ ዕላል ኢዩ። ብዛዕባ ሕማቕ ምዝራብ ግን ትምህርቲ ኢዩ። ኣብዚ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ዘማዕበልናዮ ነቲ ሓቂ ከይንፈልጥ ጎልቢቡ ሒዙና ዘሎ ኣተሓሳስባታታት ኣሎ። ሓደ ካብኡ ከኣ

ጽቡቕ ታሪኽ መዕለሊ ሕማቕ ታሪኽ መምሃሪ – 7ይን መወዳእታን

ብዛዕባ ጽቡቕ ምዝራብ ዕላል ኢዩ። ብዛዕባ ሕማቕ ምዝራብ ግን ትምህርቲ ኢዩ።

ኣብዚ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ዘማዕበልናዮ ነቲ ሓቂ ከይንፈልጥ ጎልቢቡ ሒዙና ዘሎ ኣተሓሳስባታታት ኣሎ። ሓደ ካብኡ ከኣ እቲ መበገሲ (Motive) ናይ ምግዳልና ኢዩ። መበገሲ ናይ ቃልስኻ ወይ ምግዳልካ ቅዱስ ዕላማ ዋላ እንተነበረ ጌጋ ወይ ገበን ኣይትፍጽምን ማለት ኣይኮነን። ሓደ ካብቲ ንመብዛሕቱ ተጋዳላይ ህግ ኣብ መጀመርታ ናጽነት ሰብ ክሰምዕ ዘየኽእሎ ዝነበረ’ውን እዚ ኢዩ። ንሓደ ኣብ በረኻ ዕድሚኡን ደሙን ምእንቲ ህዝቢ ዝኸፈለ ሰብ፣ ተጋጊኻ ክትብሎ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ብግብሪ ርኢናዮ ኢና። ንሓደ በዓል ስልጣን ንዓመታት ከምድላዩ ሰብ እንዳኣዘዘ ዝመጸን ተቓውሞ ሰሚዑ ዘይፈልጥን ሰብ እሞ ከኣ፣ ካብ ተጋጊኻ ክትብሎ ክትእለየሉ ወይ ከኣ ሽምጥኻ ገቲርካ ክትቃለሶ ጥራይ ኢዩ ዝምረጽ። ስለዚ፣ ሰብ ብጽቡቕ ተግባሩ ክምጎስ ብሕማቕ ተግባሩ ከኣ ክውቀስ ንቡር ኢዩ። ሕማቕ ተግባር ወይ ሕማቕ ታሪኽ ግን ኣይድምሰስን ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ኢዩ ከኣ ይቕረታ፣ ዕርቂ፣ ካሕሳ ዝበሃሉ ብዙሓት ናይ ሰላም ቃላት ዘለዉና። ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ገበን ፈጺሞም ንህዝቢ ብመስዋእቶም ዝኸሓስዎ ሰባት ከምዘለዉ ፍሉጥ ኢዩ። ብኣታቶም ከኣ ንኾርዕን ንሕበንን። ኣብ ዝኾነ ይኹን ሰዓት ድማ ብታሪኽ ኣምኽኒና ክንከሶምን ክንውንጅሎምን ሞራላዊ ዕግበት የብልናን። ይኹን እምበር ን40 ዓመታት ብጩቕ ትብል ቃል ከይትወጽእ ከይደቀሱ ዝሓድሩ፣ ገበን ኣብ ልዕሊ ገበን እንዳተደራረበ ከሎ፣ ኣብ ክንዲ “ልቢ ውሒዱና ተጋጊና፣ ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ እቲ በደል ነጊርና ክንክሕስ ድሉዋት ኢና” ኢልካ ታሪኽ ከይደጋገም ምምዓድ፣ መምስ ዝወጸት ምስጢር ክዓብሱ ዝጎዩ ሰባት ምርኣይ ኣብ ኤርትራ ልሙድ እንዳኾነ መጺኡ ኣሎ። እዚ ድሕሪ ጉጅለ 15 ዝወጸ ምስጢራት፣ ህዝቢ ብውሑዱ ቅድሚ ናጽነት ሰሚዕዎን ተዛሪብሉን ኔሩ እንተዝኸውን፣ እዚ ድሕሪ ናጽነት ዘጋጠመ  ኣሻሓት ቅዝፈት መንእሰያት መድሓነ ኔሩ። ብሰንኪ ኣብ ቃልሲ ዝፈጸምዎ ገበን ኣይሰላም ኣይኩናት ኮይና ዕድሜኦም ብዘይ ክሲ ከሕልፉ ዝደልዩ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ኣለዉና። እዚ ክልተ ነገራት ከነታዓርቕ ሓያል ጻዕሪ የድልየና ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ክንመሃረሉን ክንምኮረሉን ዝግበኣና ሓደ ጽቡቕ ዕድል ኣጥፊእና ኢና። ስለዚ በቲ ኣብ በረኻ ዝነበረ ባህሊ ህግ ኢዩ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝመሓደር ዘሎ። ቅድሚ ናጽነት ተጋዳላይ ይኹን ህዝቢ ብዛዕባ ሕማቕ ናይ ባዕሉ ምሕደራ ኣይዛረብን ኢዩ ኔሩ። ምኽንያቱ ባዕዳውያን ጸላእቲ ስለዝነበሩና ኩሉ ንዛረቦ “ሕማቕ” ንጸላእትና ዲል ምሃብ ኮይኑ ስለ ዝስማዓና ዝነበረን ንህዝብና ከኣ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ስምዒት ከሕድረሉ ስለ ዝኽእልን ከም ሳዕቤኑ ድማ ናብ ቃልሲ ናይ ምጽንባር ዘለዎ ድሌት ከጉድሎ ስለዝኽእልን ኢዩ። ስለዚ እቲ ዝዝረብ እውን ኣብ ኣዝዩ ዕጹው ዝኾነ ኣጋጣሚ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት ከም ኣኼባ ውሽጣዊ ሰልፊ። ድሕሪ ናጽነት እዚ ባህሊ’ዚ ብመሰረቱ ክቕየር ኔርዎ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን ካብዚ ባህሊ’ዚ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ክንወጽእ ኣይከኣልናን ዘለና። ስለዝኾነ ኢዩ ከኣ ሰሚዕናዮም ዘይንፈልጥ ሓበሬታታት ክመጹ ከለዉ ዘሰንብዱና ዘለዉ። ተቐዳዲምና ከይተፈለጠና ናብ ነብሰ-ምክልኻል ንኣቱ። ታሪኽና ከምተዘርገን ዕላማታት ቃልስና ኣብ ዒላ ከምዝኣተወን ጌርና ንወስዶ። ነጻ ሓሳባት ጽቡቕ ሓሳባት ማለት ከምዘይኮነ ንርስዖ። እቶም ንሰማማዓሎም ከም ጽቡቕ እቶም ዘይንሰማማዓሎም ድማ ከም ሕማቕ ቆጺርና ሻምላ ነልዕል። እዚ ሃጓፍ እዚ ክሳብ ዘሎ ከኣ ነዚ ተጠቂሞም  እቲ መሪሕነትን እቲ ታሪኽ ዝሰረሐ ሓፋሽ ተጋዳላይን ዝሓዋውሱ ኣይክሳኣኑን ኢዮም። እቲ ሽግር ናይ ነጻ ፕረስ ባህሊ ስለዘይኮስኮስና ኢዩ።

ሰውራ ኤርትራ ብሓፈሻ ህግ ከኣ ብፍላይ ክሳብ ዕለተ-ናጽነት ን30 ዓመታታት ዝኣክል ተቓሊሱ ነቲ ዘይሕሰብ ዝነበረ ኤርትራዊ መንነት ክውን ከምዝኸውን ጌርዎ ኢዩ። ብዘይ ምግናን ኣብ ዓለም ውሑድ መወዳድርቲ ዘለዎ ዓወት ተጓናጺፉ ኢዩ። እዚ ዓወት እዚ ግን ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ዝኾነ ይኹን ካልእ ሓይሊ የለን። በቲ ዘይሕለል ህዝቢ ኢዩ ከኣ ተፈጺሙ። ስለዚ እዚ ታሪኽ እዚ ክትንከፍ ወይ ብኣሉታ ክግለጽ ዝደሊ ኤርትራዊ ፈጺሙ የለን። በዚ ታሪኽ እዚ ክሕበን ዘይደሊ ፈጺሙ የለን። ዋላ “ጽልኢ ኤርትራውነት” ዘምስል ዘረባ እንተሰማዕና፣ ተስፋ ምቑራጽ ዘንቀሎ ብስምዒት ዝልዓል ዘረባ እምበር ሱር ዘለዎ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሃገሩ ዝጸልእ ሰብ የለን።

ኣብዚ ዝመጽእ ሕቶ ጽቡቕ ሸነኽ ናይ ቃልስና ሕጂ ንምንታይ  የድልየና ኢዩ? እቲ መልሲ፣ ወለዶታት ታሪኾም ክፈልጡ’ሞ ነታ ብደም ዝመጸት ሃገር ከመይ ኢላ ከምዝመጸት ፈሊጦም ክዕቅብዋ። ስለኣ ከኣ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሓለፉ ንሳቶም ከኣ ክሓልፉ ኢዩ። ካብዚ ሓቂ እዚ ተበጊስና ድማ ካብ ዓቀን ንላዕሊ ብዛዕባ ጽቡቕ ታሪኽና ተዛሪብና፣ ደሪፍና፣ ሳዕሲዕና፣ ተዋሲእና፣ ገጢምና፣ ፈሲቫላት ወዲብና፣ ባንዴራ እንዳኣንበልበልና ተላሂና፣ ዓመት መጸ ኣብ ኤርትራን ዓለምን ጨፊርና፣ ንዓለም ብዘደንቕ መንገዲ ጥርናፈና ኣርኢና። ኣብ መወዳእታ ብዓወት ሰኺርና እታ “ሳላኻ ህዝባዊ ሰራዊትና” ዝነበረት ቃልና በብቑሩብ ከይተፈለጠና “ሳላ ክቡር መራሒና” ቀይርናያ። እታ “ስለኺ” ዝነበረት ቃልና ናብ “ስለኻ” ለዊጥናያ። “ሳላ መራሒናን ሳላ ስዉኣትናን መሬትና መሊእና ረጊጽና” ኢልና መራሒ ምትንካፍ ማለት ስዉኣት ምትንካፍ ከምዝኸውን ጌርና። ብድሌትና ከኣ ኣብ ፍጹም ምሕረት ሓደ ውልቀ-መላኺ ወዲቕና። እቲ ኣብ ቃልሲ ዓሚቱ ዝሓዘነ ልዑል ሃገራውነት ኣብ ግዜ ናጽነት’ውን ደጊሙና። ሕጂ ኣብ መንጎ ኤርትራን ህዝባን፣ መንግስትን ህግን፣ ኢሳያስን ስዉኣትን ምፍልላይ ስኢንና። ሓዳሽ ሃገር ክንደሊ ኣብ ዓለም ተዘሪና።

ስለዚ እቲ ሕማቕ ሸነኽ ናይቲ ቃልሲ ደኣሉ ሕጂ ዘድልየና እምበር እቲ ጽቡቕ ሸነኻት ናይቲ ቃልሲ ንምንታይ የድልየና? ብፍላይ ካብ ታሪኽ፣ ነቲ ሕማቕ ሸነኹ ኢኻ ዝያዳ ትመሃረሉ እምበር ነቲ ጽቡቕ ሸነኹ ደኣ እንታይ ክጠቕመካ። ልክዕ ኢዩ ብዝሓለፈ ታሪኽ ክትመናጨት ግዜኻ ምሕላፍ ትርጉም የብሉን። ነቲ ሕማቕ ሸነኹ እንተዘይኣልዒልካዮን ዘይተማሂርካሉን ግን ታሪኽ መመሊሱ ክደጋገም ከሎ ኣይከነስተብህለሉን ኢና። ብሓንቲ ሜላ ን40 ዓመታት ሓድሕድ ዝተበላላዕና፣ ዓገብ ንዝበሉ ለባማትን ምሁራትን ዝዘለፍና፣  ንዓበይቲ ብዘይ ጠዋሪ ዘትረፍና፣ ሃገር ክትባድም ዓይንና ዝተዓመትና እኮ ሓቂ ስለ ዘይፈለጥና ኢና።

እስኪ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ሓንቲ ናይዚ ንብሎ ዘለና ኣብነት ዝኾነት ሃገር ታሪኽ ከልዕል። ሰሜን ኮርያ ኩልና ከምንፈልጣ እታ ሓንቲ ኣብ ዓለም ብምዉት ሰብ እትመሓደር ዘላ ሃገር ኢያ። ካብ 1948 ጀሚራ ክሳብ ሕጂ ብ ኪም ኢል ሳንግ (Kim ll-Sung) ትመሓደር ኣላ። ሽሕኳ ኪም ኢል ሳንግ ኣብ 1994 እንተሞተ፣ ህዝቢ ሰሜን ኮርያ ግን ክሳብ ሕጂ ህያው ምዃኑ ኢዮም ዝኣምኑ። እቲ ኣብ 1948 ሰብ ኮይኑ ናብ ስልጣን ዝመጸ ኪም፣ ሕጂ ናብ ዘይመውት ዘልኣለማዊ ፍጡር ተቐይሩስ እነሆ’ኳ ንሰሜን ኮርያ ክሳብ 2013 ይመርሓ ኣሎ። ከመይ ጌራ ግን ሰሜን ኮርያ ናብ ከምዚ ደረጃ በጺሓ? እንታይ ኮይኑ’ከ ህዝቢ ሰሜን ኮርያ ን65 ዓመታት ኪም ሰብ ምዃኑ ክፈልጥ ዘይከኣለ? ነዚ ንምምላስ ንድሕሪት ተመሊሰ ብዛዕባ እቲ “ብኮርያን ዎር” ዝፍለጥ ውግእን ዘመዝገብዎ ዓወታትን ኣሕጽር ኣቢለ ክትንክፍ።

ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም እታ ብጃፓን ተታሒዛ ዝነበረት ኮርያ ብሓይልታት ኪዳን (ኣመሪካ፣ ዓዲ እንግሊዝ፣ ሶቬት ሕብረት) ነጻ ምስ ወጸት፣ ኣመሪካ ነቲ ሕጂ ብደቡብ ኮርያ ዝፍለጥ ቦታ፣ ሶቬት ሕብረት ከኣ ነቲ ሕጂ ብሰሜን ኮርያ ዝፍለጥ ቦታ ሒዘነኦ። ኮርያ ኣብዚ ናይ መሳጋገሪ እዋን ከላ ድማ እቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሶቬት ሕብረትን ዝነበረ ምትሕብባር ስለ ዝላሕለሐ፣ ሰሜን ኮርያ ብሶቬት ሕብረትን ቻይናን፣ ደቡብ ኮርያ ድማ ብኣመሪካን መሓዙታን እንዳተደገፋ ክልተ ዘይራኸባ ሃገራት ኣብ 1948 ቆይመን። እቲ ብዙሑል ኩናት ዝፍለጥ መድረኽ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ጀሚሩ።

ኣብ ሰነ 1950፣ ክልተ ዓመት ድሕሪ ኪም ኣብ ስልጣን ምምጽኡን፣ ደቡብ ኮርያ ብወግዒ ናጽነታ ምስ ኣወጀትን፣ ሰሜን ኮርያ 75 ሽሕ ዝኸውን “ብህዝባዊ ሰራዊት” ዝፍለጥ ናይ ሰሜን ኮርያ ሰራዊት ናብቲ ብ “38th Parallel” ዝፍለጥ ንሰሜን ኮርያን ደቡብ ኮርያን ዝፈሊ ዶብ ይልኣኽ። እዚ ወራር’ዚ ናይ መጀመርያ ናይ ዝሑል ኩናት ወራር ተባሂሉ ኢዩ ኣብ ታሪኽ ዝፍለጥ። ነዚ ኩናት ኣመሪካውያን ብዕሊ ንደቡብ ኮርያ “ንምድሓን” ኢዮም ኣትየሞ። ሱቕ ምባል ከም ምርጫ ክወስድዎ ዘይከኣሉ ድማ ማሕበርነታዊ ክልሰ- ሓሳብ ከስፋሕፍሕ ይኽእል ኢዩ ዝብል ስግኣት ስለ ዝነበሮም ኢዩ። ይኹን እምበር ኣመሪካውያን ብዙሕ ክሳራታት ኢዩ ኣጋጢምዎም። ምዝላቕ ጌሮም ድማ ንሳቶምን ሰራዊት ደቡብ ኮርያን ንውሽጢ ደቡብ ኮርያ ብምንስሓብ ኣብ ጸቢብ ቦታ ከምዝሕጸሩ ኮይኑ ኔሩ ኢዩ። እንደገና ናይ ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ሰራዊት ሓይሉ ጠራኒፉ ንሰራዊት ሰሜን ኮርያ ንድሕሪት መሊስዎም። ድሕሪ ተኸታታሊ ምጥቃዕን ምዝላቕን ኣመሪካ ካብቲ ዝተጸበየቶ ንላዕሊ ክሳራ ስለዘጋጠማ ነቲ ውግእ ደው ከተብሎ ኢያ ወሲና። ብሰሜን ኮርያውያን እዚ ከም ዓቢ “ስዕረት” ናይ ኣመሪካ ኢዩ ዝቑጸር። ብሓቂ ከኣ ኣብቲ ዘበን’ቲ ከምኡ ክቑጸር ምኽኣሉ ዘገርም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣመሪካ ብክልተ ምኽንያታት’ያ ነቲ ውግእ ደው ከተብሎ መሪጻ። ሓደ ኣስታት 40ሽሕ ሰራዊት ከሲራ። ካልኣይ ከኣ ሰሜን ኮርያ ብራሻን ቻይናን ትድገፍ ስለዝነበረት እቲ ውግእ ናብ  ሳልሳይ ኩናት ዓለም ክዓርግ ይኽእል ኢዩ ዝብል ግምት ኣብ ገለ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ሓዲሩ ኔሩ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ኩናት ብክልቲኡ ወገን ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰራዊትን ህዝብን ለኪሙ ኣብ 1953 ጠጠው ኢሉ። ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ልክዕ ከማና ህዝቢ ሰሜን ኮርያ ቁጽሪ ስዉኣቱ ብልክዕ ኣይፈልጥን ኢዩ። እዘን ክልተ ብሓንሳብ ዝነበራ ሃገራት ብሰንኪ እዚ ውግእ’ዚ 240 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ናይ ጸጥታ ቦታ (Demilitarised Zone) ሓንጺጸን ክሳብ ሕጂ ይነብራ ኣለዋ። (Source: www.history.com)

ደቡብ ኮርያ ልክዕ ከም ሰሜን ኮርያ ሽግር እኳ እንተነበራ፣ ብሰንኪ ዘተኣታተወቶ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ከባቢኣ ዝማዕበለት ሃገር ኮይና። ኣብ ሓጺር እዋን ካብታ መዘናኣ ዝነበረት ሰሜን ኮርያ ብኣዝያ ዝተዓጻጸፈት ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን ኣለዋ ዝብሃላ መገብቲ ምዕቡል ተክኖሎጂ ክትከውን በቒዓ። ሰሜን ኮርያ ኣብቲ ናይ መጀመርያ እዋናት ብራሻን ቻይናን ተደጊፋ ምዕቡል ዝኾነ ትሕተ-ቅርጺ ሃኒጻ ኢያ። ይኹን እምበር ኪም ኢል ሳንግ ኣብቲ ናይ ፈለማ ስልጣኑ ብዙሕ ተቓውሞታት ካብ መዛንኡ ኣጋጢምዎ ኢዩ። በዚ ተቓውሞ ዝሰገአት ራሻ፣ ኪም ንሰሜን ኮርያ ብስታሊናዊ ምሕደራ ክሕዛ ተሓባቢራቶ። ነዚ ምሕደራ’ዚ ከገልግል ይኽእል ኢዩ ዝበለቶ ኩሉ፣ ናይ ስለያን ፕሮፖጋንዳን መሓውራት ድማ ብቐንዱ፣ ከምዘመቻችእን ብርቀት ከምዝጥቀመሉን ሓጊዛቶ። ኩሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን ንስርዓቱን ኣመጻጽኡን ዝፈልጡ ሰባት ከኣ ኣብ ዘመነ ግዝኣቱ ሓደ ብሓደ ኣጽሕይዎም። ብሰንኪ ዝፈጸሞ ገበናትን ኣዕናዊ ፖሊሲኡን፣ ኣብ ክንዲ ከም ደቡብ ኮርያ  ብዲሞክራስያዊ ምሕደራ ሰብ ምህናጽ፣ ሃገሩ ኣብ ሓያል ናይ ታሪኽ ቁዘማ ከምትጽመድ ጌርዋ።

ስርዓት ሰሜን ኮርያ ኩሉ ኣሎ ዝበሃል ናይ  መድያ መሳርሒኡ ተጠቒሙ ነዛ ዓወት እዚኣ ን60 ዓመታት ኣቃሊሕዋ። ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ዩኒቨርስቲ እዛ ታሪኽ እዚኣ ኢያ ትደጋገም። ብፍላይ ኣብ መባእታዊ ትምህርቲ “ውግእ ኮርያ” ዝብል ታሪኽ ዘይሓለፈ፣ ናብቲ ቀጻሊ ትምህርቲ ኣይሓልፍን ኢዩ። ሰሜን ኮርያ ብስእልን ሓወልትን ኪም ምስ ኣጥለቕለቐት ኢያ። ዝኾነ ይኹን ቆልዓ ኣብ ትርኣሱ ስእሊ ናይ ኪም ብሕጊ ከምዝህሉ ኢዩ ተጌሩ። ዓበይቲ መዛናግዒ ቦታታትን ናይ ኩዕሶ መጻወትን ብስም ኪም ይጽዋዕ። ሙዚቃን ድራማን ዳርጋ 90% ነዛ ዓወት እዚኣ ይምጉስ። ዝኾነ ይኹን መንእሰይ ኮርያ እቲ መንግስቲ ኪም ዝበሎ ጥራይ ሓቂ ምዃኑ መታን ክኣምን ንኹሉ ናይ ደገ ፈነወታት ከምዘይሰርሕ ተገይሩ። ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ፣ ብዓይኒ ሰሜን ኮርያውያን ናይ ሰሜን ኮርያ “ጸላኢት” ደቡብ ኮርያ ኣይኮነትን እንታይ ደኣ “ኣመሪካ” ኢያ። ደቡብ ኮርያ “ከዳሚት” ኢያ። ኣብ ዓለም ኣንጻር ኣመሪካ ደው ኢላ “ዝሰዓረት” ሃገር እንተላ ሰሜን ኮርያ ኢያ ኢሎም ይኣምኑ። ህዝቢ ሰሜን ኮርያ ልዕሊ 250 ሽሕ (ግምት) ስዉኣት ከፊሉ ከብቅዕ፣ “ሳላ ዓቢ መራሒና ኪም ኢል ሳንግ ካብ ናይ ኣመሪካ ተጻብኦ ድሒንና” እትብል ሓረግ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ከምእትኣቱ ጌሮማ። ኣብ መወዳእታ ሰሜን ኮርያውያን ንግሆ ክትስኡ ከለዉ “ሳላ ‘ዓቢ መራሒና’ ልዋም ለይቲ ሓዲርና ኢሎም” ናብ ስርሖም ከምዝኸዱ ተጌሩ።

ህዝቢ ሰሜን ኮርያ ግን ን65 ዓመታት ሰላም ለይቲ ሓዲሩ ኣይፈልጥን። ብሰንኪ እዛ ዓወት እዚኣ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዛዕባ ጌጋ ናይቲ ስርዓት ኣይዛረብን ኢዩ። ብዛዕባ ጌጋ ምዝራብ ማለት ነታ ብክንደይ ደም ካብ “ወረራ ኣመሪካውያን” ዝደሓነት ሃገር “ምኽሓድ” ማለት ስለ ዝኾነ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ኣባሓጎካ ወይ ድማ ኣቦኻ ምስ ኣመሪካውያን የዕሊሉ ኔሩ እንተኾይኑ፣ ብምሉኣቶም ወለድኡ ከም ማንቲለ ኣብ ላባራቶሪ መምሃሪ ሓካይም ይኾኑ። ህዝቢ ሰሜን ኮርያ ከኣ ነዚ ብዕሊ ይፈልጦ። ምኽንያቱ እዚ ወለዶ’ዚ “ብሓድነት ሰሜን ኮርያ ዘይኣምን፣ ንታሪኽ ስዉኣትና ዝኽሕድ ኢዩ” ስለዝበሃል ከም ማንቲለ ይተሓረድ ዋላ ከም ብዕራይ ዝግደስ ሰብ የለን። ቻይና ዋሕዲ ደቀንስትዮ ስለዘለዋ ገባሮ ሰሜን ኮርያ ኣዋልድ ደቆም ብ3000 ዶላር ንቻይናውያን ሸይጦም ይናበሩ። ለቢሙ ካብ ሰሜን ኮርያ ክሃድም ዝደሊ ሰብ እንተሎ መጀመርታ ብዝወሓደ ደቁን ኣሕዋቱን ወለዱን ክወጹ ኣለዎም። እንተተታሒዙ ድማ ኣብታ ዝተተሓዘላ ቦታ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይርሸን። ብጥቓ ሓወልቲ ኪም ኢል ሳንግ ዝሓልፍ ሰብ ክሰግድ ኣለዎ። ዘይምስጋድ ዓቢ ገበን ኢዩ። ሰሜን ኮርያ መንእሰያታ ነቲ ኣብ ራሻ ዝርከብ ሕርሻ ብጥርሑ ክሰርሑ ትልእኽ። ኣምሳይኡ ድማ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ካብ ራሻ ገንዘብ ይቕበል። በዚ ከኣ ህዝቢ ሰሜን ኮርያ ንልዕሊ 60 ዓመታት ጸገሙ ከይተዛረበ ንዝኣረገ ዓወቱ ክሕሉ ከይተፈለጦ ባዕሉ ኢዱ ሂቡ ኣብ ፍጹም ምሕረት ሓንቲ ስድራ ቤት ወዲቑ።

ኤርትራ ሎሚ እታ ሓንቲ ኣብ ዓለም ብሓደ ኣብ ቃሬዛ ዝደቀሰ መራሒ ትመሓደር ዘላ ሃገር ኢያ። እዚ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ብምልኡ ኣብ ሰሜን ኮርያ ተፈጺሙ ኢዩ። ኣብ ሰሜን ኮርያ ብዛዕባ “ውግእ ኮርያ” ዝኾነ ህጻን ክመሃር ኣለዎ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብ መባእታዊ ደረጃ  “ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ” ዝብል ኩልና ኣስተብሂልናሉ ዘይንፈልጥ ትምህርቲ ይወሃብ ኣሎ። ኩሉ ኣሎ ዝበሃል ናይ ስርዓት ኢሳያስ መፈነዊ ሓበሬታ ኣብዚ ጎዶሎ ታሪኽ ተጸሚዱ ለይትን መዓልትን ኣብ ርእስና የዝንብ ኣሎ። እዚ ምስ ስርዓት ህግደፍ ተሪፉ ዘሎ ሰብ ብረብሓ ጥራይ ስለ ዝተታሕዘ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ በዚ ፕሮፖጋንዳ’ዚ ለይትን መዓልትን ጸሚሙ ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ዘሎ ጋግ ክፈልጥ ስለዘይከኣለ እውን ኢዩ። ድሮ ብዙሓት ደገፍቱ ኣብቲ “ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ” ዝብል መድረኽ በጺሖም ኣለዉ። እዚ ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲ ዝሓቕቕ ዘሎ ሰብ ነዚኣቶም ኣይንታዮምን ኢዩ። ናበይ ገጽና ንኸይድ ከምዘለና ዝእንፍቱ ማእለያ ዘይብሎም ኣብነታት እንዳሃለዉና ገና ብዛዕባ ክፋእ ናይቲ ቃልስን ናይዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓትን ኣብ ክንዲ እንዛረብ ንዝኣረገ ዓወታትና ጥራይ ክንሕሉ 22 ዓመታት ሓሊፉ። ነዚ ዘስተብሃለ ዓሻ ስርዓት ከኣ እንሆ ኣብ መዓልቲ ናጽነትናን መዓልቲ ስዉኣትናን ዝተጨበጡን ዘይተጨበጡን ታሪኽ እንዳኣምጸአ ይሃልል። ናብታ ዝና ክትህቦ እትኽእል ታሪኽ ህግ እንዳተመላለሰ፣ ታሪኽ ናይቶም ሰራሕቲ-ታሪኽ ካብ ታሪኽ ኣውጺእዎ። ድሮ እቶም ኩሎም ምስ ኢሳያስ ንበረኻ ዝወፈሩ መዛንኡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ሓቒቖም ኣለዉ። ታሪኽ መላግቦ ስኢና፣ ኣብ ክንዲ ሰራሕቲ ሓድሽ ታሪኽ ዋርድያ ኣረጊት ታሪኽ ኮይና ተሪፍና። ኢሳያስ ድማ ብድርዒ ታሪኽ ተኸዊሉ እንሆ ንዓመታት ኣብ ልዕሌና ሸይ ሸይ ይብል ኣሎ። ነዚ ሓድሽ ወለዶ ምምሃር ዘድልዮ  እምበኣር ጽቡቕ ናይ ቃልስና ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ እቲ ሕማቕ ኢዩ። ካብቲ ሕማቕ ተማሂሩ መታን መንገዱ ክቕይስ ከኣ ሕጂ ብዛዕብኡ ምንጋር የድልዮ። ነዛ ኢሳያስ ተሓቢኡላ ዘሎ “ታሪኽ” ከሎ ገና ውሽጣ እንተዘይጓሕጒሕናያ እዛ ሕጂ ኣብ ሓደ ሰብ ወዲቓ ንብላ ዘለና ሃገር ጽባሕ ከም ሰሜን ኮርያ ኣብ ሓንቲ ስድራ-ቤት ክትወድቀና ኢያ።

ጸጋይ ገብረሂወት
tgbokru@yahoo.co.uk

መወከስ

ታደሰ ኪዳነ (2013) ፍረ ሓርነታዊ ቃልሲ ብመንጽር ሓንቲ ስድራ፣ ካብ ኣማረ ክሳብ መኣዛ፣ ኣብ http://demo.archive.assenna.com/author/tadesekidane/

ቲቪ ኤሪ (2002) ዕላል ባይቶ ኤርትራ፣  ኣብ http://www.youtube.com/watch?v=sbjdQ1G9pmA

BBC (2013) North Korea – a country never at peace [online] at http://www.bbc.co.uk/history/0/22033825
[Accessed on 2 June 2013]

Habte Selassie, B, (2011) Wounded Nation, How a once promising Eritrea was betrayed and its future compromised, The Red Sea Press

History.com (2013) Korean War [online] at http://www.history.com/topics/korean-war [Accessed on 31 May 2013]

Katz, J. (2012) Designing Information: Human factors and common sense in information design, New Jersey: Wiley

ድምጺ ኣሰና (2013) ቃለ-መሕትት ምስ ኣድሓኖም ገብረማርያም፣ ኣብ http://www.youtube.com/watch?v=ceNgSHEh89U

ድምጺ ወጋሕታ (2012/13) ቃለ-መሕትት ምስ ተስፋይ ተምነዎ፣ ኣብ http://www.sallina.com

ድምጺ ማሕታ ኔት (2013) ቃለ-መሕትት ምስ ኣድሓኖም ገብረማርያም፣ ኣብ http://www.mahhta.net

ድምጺ ሓርነት (2013) ቃለ-መሕትት ምስ መስፍን ሓጎስ፣ ኣብ http://www.harnnet.org

ቲቪ ድምጺ ህዝቢ (2013) ቃለ-መሕትት ምስ መሓመድ ብርሃን ብላታ ኣብ http://www.youtube.com/watch?v=ghr0BkHqXuI

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • NEW HOPE ERITREA July 21, 2013

    People ,

    ሓንቲ ክንርስዓ ዘይብልና ግና ሰሜንን ደቡብን ኮረያ ሓደ ኮይነን ኣይፈልጣን እየን።ደቡብ ኮረያ ካብ ደቡባዊ የመንን እስራኤልን እዮም በቝሎም።ሰሜን ኮረያ ግና ከም ፍሉያት ፍጥረት ¨SPECIAL BREED¨ካብ ሲንጋፖር ዝፈለቑ እዮም።
    ደቡብ ኮረያ ድማ ንሰሜን ኮረያ ነታ ኣብ ዶብ ትርከብ ኪምቾንግባድመ ትብሃል ገጠር ገዲፋታ ብምውጻእ ንሰሜን ኮረያ ወሪራታ __ሰሜን ኮረያ ድማ መኻልፍ እንተዘየጋጥማ ኔሩ ክሳዕ ዚምባብወ ምበጽሔት ኔራ። ድሓር ሰብ ሓደ ህዝቢ እዮም ዝብሃል ብዓለምን ሓቅነትን ዝተማህዘ ሓሶት ታሪኽ እዩ።ቀንዲ መረዳእታ ህዝቢ ሰሜን ኮረያ የቐንየለይ ክብሉ ___(¨ሕጂ¨ካምሳ ሚታ) ክብሉ ከለዉ ደቡብ ኮረያውያን ግን (¨ሔዚ¨ካምሳሚታ)ይብሉ። ኣየ ለይቲ ዶላርካ ሂብካስ ን*ውርቲ በለ.

    source –the hizbe tigrinya journal of invention ..

    • HGDEF July 22, 2013

      ኣየ ኣይተ ኣረጋዊ መቸም እዛ ሲንጋፖር ትብል ቃል ዘይወጽእ ስምባደ ገዲፋትልካ እያ ሓሊፋ። ኮይኑካ ጸማም ሓደ ደርፉ እኳ ኮንካ ተሪፍካ። ሽፍትነት፣ ፈይክ ናጽነት፣ ህዝበ ትግርኛ፣ሲንጋፖር፣ መኻልፍ ኣጋጢሙና፣ኢትዮጵያ ከደት ማዕበለት ንጃፓን ቀደመታ፣ኤርትራውያን ባንዳ ናይ ጣልያን፣ባሮት ዓረብ፣ ብዝብላ ቃላት መናድቅ ኢንተርነት ኣዕልቅሊቅካዮ። እስከ ኪድ ቁሩብ ለውቲ ክኮነካ ምስቶም ትምክሕተኛ ትብልዎም ኣምሓራ ከኣ ጽረፎም። ንኤርትራውያሲ ጸርፊ ዝገደፍካሎም የብልካን። ሕዱር ጽልኢ ዘሎካ ኢኻ ትመስል።

      • NEW HOPE ERITREA July 22, 2013

        HGDEF

        እንታይ እሞ ኽብል ወዲ ጎይታይ ህግደፍ _ ____ንሶም ኣምሓርኛ ኣይጠፍኦምይ__
        _ኣማራና ግሪክ ለኣፈ ታሪክ።
        _በምሓርኛ ሓቦ ልብሃይ ቃል የብሎምይ፣ሓቦ ስለ ለይብሎም።መኻልፍይ ሜላው ምሕራእ__ይቕርታ ሜላዊ ምዝላቕ ልብል ኣፍ´ዩ ።ላይ ኣምሓራ ኣገዛዝ ኣ እኮ እዩ ለቶም ስፔሻል ብሪድ ይ ለቶም ተጋሩይ ልፈለዮም ፣ሃጼ ምሊሊክ ልብሃል ዩ።
        ፡ኣምሓራማ ጥረ ስጋይ ሰበይትይ እንተግንዮም ሰማይለ እንተፈረሰ ኣይግድሶምይ።
        _ ኣምሓራማ ሽረ ክሳዕ ልበጽሑ ምትኳስ ኣይክእሉይ ኔሮም።ውይ ውይ ይቕሬታ __ልሱማ ኣንሕና ኢና።
        እዙይ ይኣኽሎም ወዲ ጎይታይ።
        ወጋሕ ትበልለ ለይቲ፣ለቲ ወዲ ሓፍትና እሰያስ ሰላም በላቶ።ሓውኻ ኣረጋዊ።ጽጋብ ምስ ልበዝሓካማ ቆረጣ ልብሃል እንኤና እዩ።

        ሓውኻ ባዶ ገረወይና ኣረጋይ ገረጻዲቕ

  • Truly Truly i say to you July 21, 2013

    ብሰንኪ ኣብ ቃልሲ ዝፈጸምዎ ገበን ኣይሰላም ኣይኩናት ኮይና ዕድሜኦም ብዘይ ክሲ ከሕልፉ ዝደልዩ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ኣለዉና። እዚ ክልተ ነገራት ከነታዓርቕ ሓያል ጻዕሪ የድልየና ኣሎ።
    This is why Mesfin Hagos Adhanom and alike unnecessarily start to attack and discredit Tesfay Temenowo´s preeminent work. These useless just to cover ap their crime instead Isayas, they blaming Tesfay Temenwo. like the Tigrigna say goes” ኣድጊ ገዲፍካ ዝሓበጠ ጕላ ተኵስ። But the result is oppositely they are exposing self how wicked they are. If they mean they are offend because Gedli story spoken lie, and they mean we are the better one who can tell the Gedli story truthfully, who forbidden them not to speak for decades? But now when begin the truth exposing they start blowing dust? Normally if their motive was good, as soon as when they mean Tesfay was doing wrong in gentile manner they should to set right before for years they late him speaking.
    In this opportunity i would like thank 7 times to brother Tsegay Gebrehiwot for very precious brilliant teachings.

    • Bravo Truly July 23, 2013

      Ata nezom kulom merahti wdbat guhf abilu do neziatom zemxalna seanna. Anta tsegay gele zeytgebru, kando eza hager baela tfelt elkuma ekum. kemaka zameselu meliom alewu. kemgele tehababirkum nezom menEseyat zethgzwom. bezom wdbat eziatom eko tekek elna tewaridna. lomi ysemru xbah yfnthu. natom keyakl nabzom menEseyatna uka ahlifoma. bejaka tsegay kem gele gerkum tehababeru.

  • tewoldemedhin July 22, 2013

    ቅርጡው ኣዘራርባ፡ጥልቕ ዝበለ መጽናዕቲ ግርም ይበል።መን ይብሉኻ ኣበይ ትርከብ ምእንቲ ክንዳቐለልካ።ብሓቂ ብሕግን ባህልን ከይተቐየድካ እምባሕ ክትብል ዝግበኣካ ኣርሓ ኢኻ።ምእንቲ ከምዚ ናትካ ሓንጎል ዘለዎም ክፈርዩ።ኣቦታትና ኣርሓ ክከውን ኢሎም ዝሃረዩዎ ወዲ ርብሕቲ ላም፡ጽቡቕ ኣካልን፡ኣብ ጋናን ጸገምን ተጻዋሪ ዝበሉዎ ዝራብዕ ይመርጹ’ሞ።ምእንቲ ከይድፈር ክበኣስ ከሎ ንተባኣስቱ ብመላልስ ስሒቦም ምእንቲ ክስዕር ይተሃጋገዙዎ።ስለዚ ንስካ ከኣ ምእንቲ ከይትሰዓር ሃገዝ ዘድለየካ ሰብ ኢኻ።ኣጆካ ምጽሃፍ ጸጊሙዋ፡ቃላት ምትፋኣ ጸጊሙዋ፡ገለ ከኣ ኣዚ ኣ እንተበልኩ ክጽርፈየ ስለዚ ምስቲ ዝጽለል ዘሎ ምጽላል ክብሪ ይህበኒ ብማለት ተጉላባ ባህሪ ምሒዙዋ’ምበር ከምዚ ናትካ ኣረኣኣያ ዘለዎም ኣለው።ግን ኩሉ ዝሃሰብካዮ ናብ ተግባር ክተውዕል ቆራጽነትን ሃቦን ይሰኣን’ዩ።ስለዚ ገና ካልእ ጽሑፍ ክለንብብ ይጽበ ኣለኹ ካባካ።ተ.መድህን

  • Sam BB July 22, 2013

    Tsegay for the 7th time you have written a very briliant article. Well done. What I would like to recomend to all opposition leaders is that try to identify gifted young generation like Tsegay and give your post to them one or two at a time. I think that is the only option we can go forward. You can be advisors and pass on your hard gained experience to them. Watch out what evil PFDJ is doing over YPFDJ. By doing that we will all benefit and you will be respected for generations to come.

  • Said July 22, 2013

    this picture is boring, who is he anyway

  • kk July 22, 2013

    Brilliant articles I have read all and I learned a lot from them well done we expect more from you in the future.

  • የማነ ብላይ July 23, 2013

    ጸጋይ ኣነ ክኣምን ኣይከኣልኩን። ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ትጽሕፍ እንድሕር ኮይንካ ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ኣይጸሓፍካን በጃካ ጸሓፍ. ብዘይቅልዓለም ካብዚ ናትካ ብዙሕ ተማሂረ. ንኹሎም ምሁራት ከኣ ከምዚ ጌሮም ብትግርኛ ክጽሕፉልና ይላቦ. እዞም ብእንግሊዝ ዝጽሕፉ መን ክሰምዖም ኢሎም ይጽሕፉ ከምዘለዉ ayfeltn. ዳርጋ ዝበዛሕና ከምዚ ከማይ እንግሊዝ ጽቡቕ ኣይርደኣናን ኢዩ. ናይ ብሓቂ ይቐንየልና. በጃካ ቀጽሎ ጸጋይ.

  • Berhe Tsaeda July 23, 2013

    ናይ ብሓቂ ውሃ ዘበለ ጽሑፍ። ናይ ብሓቂ ለባም ዝኾነ ጽሑፍ ጽሒፍካ ጸጋይ። እታ ናይ ብሓቂ ልበይ ዝረኸበት ጽሕፍትኻ ግን እዚኣ ኢያ። “ታሪኽ ኣይበክን ኢዩ። ምኽንያቱ ንብዓት የብሉን። ታሪኽ ኣይስሕቕን ኢዩ። ምኽንያቱ ስኒ የብሉን። ስለዚ ሕማቕ ታሪኽና ንገለ ክጎድእ ይኽእል ኢዩ። ንገለ እውን ከስሕቕ ይኽእል ኢዩ። ምእንቲ ናይ ሓባር ረብሓ፣ ነቶም ብታሪኽና ዝጉድኡ ይቕረ ንበለሎም። ነቶም ብታሪኽና ዝስሕቁ ስኒ ነለቃሓዮም። ካብ ብታሪኽካ ምስሓቕ ዝርከብ መኽሰብ ወላሓንቲ የልቦን። እዚ ነዚ ዝሓለፈ ዛንታ ዝተኸታተለ ልዕሊ 75% ነቲ ፈጻሚ ሳልሳይ ወለድኡ ኢዩ። ክልተ ወለዶ ምሉእ ሓቢእናዮ ክሕባእ ኣይተኻእለን። ስለዚ ክልተ ምርጫ ኣብ ቅድሜና ኣሎ። ወይ ሓቂ ተዛሪብካ ብሓባር መፍትሒ ምድላይ ወይ ድማ እንታይ ገደሰኒ ኢልካ ንኻልእ ወለዶ ዕዳ ደርቢኻ ምሕላፍ ኢዩ። እታ ቀዳመይቲ ዝሓሸት ምርጫ ይመስለኒ።” ኣቱም ኣንበብቲ ካብዚ ዝዓቢ ልቦና ዝመልኦ ጽሑፍ ኣሎ። ጸጋይሲ ክልተ ልቢ ክህልወካ ኣለዎ።

Post a Reply to Berhe Tsaeda Cancel Reply