Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽቡቕ ታሪኽ መዕለሊ ሕማቕ ታሪኽ መምሃሪ – 4ይ ክፋል

ሓበሬታን ቴክኖሎጅን ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን፣ ተክኖሎጂ ነቲ ኣብ መንጎ ሰባት ዝነበረ ናይ ሓበሬታ ዝምድናታት ቀይርዎ ኢዩ። ተክኖሎጂ ኣብ ብዙሕ ጽላታት እኳ ዓቢ ዝላ እንተኣምጸአ ብፍላይ ንሓበሬታ ዝምልከት ግን ኣዝዩ ገፊሕ ዝኾነ ፍልልያት ኢዩ ጌሩ። ኣዋርሕ

ሓበሬታን ቴክኖሎጅን

ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን፣ ተክኖሎጂ ነቲ ኣብ መንጎ ሰባት ዝነበረ ናይ ሓበሬታ ዝምድናታት ቀይርዎ ኢዩ። ተክኖሎጂ ኣብ ብዙሕ ጽላታት እኳ ዓቢ ዝላ እንተኣምጸአ ብፍላይ ንሓበሬታ ዝምልከት ግን ኣዝዩ ገፊሕ ዝኾነ ፍልልያት ኢዩ ጌሩ። ኣዋርሕ ዝወስድ ዝነበረ መልእኽቲ ሎሚ ብሓንቲ ደቒቕ ይበጽሕ ኣሎ። ብፍላይ ድሕሪ 1990፣ ምስ ምቕልቃል መርበብ ሓበሬታ ሓደ ዓቢ ዝላ ኣብ ታሪኽ ፈጢሩ ኢዩ። ነቲ ኣብ መንጎ ወሃቢ ሓበሬታን (Publisher) ተቐባሊ ሓበሬታን (subscriber) ዝነበረ ዝምድና መሰረታዊ ለውጢ ከምዝገብር ጌርዎ ኢዩ። ንነዊሕ ዘመናት (ምናልባት’ውን ንኣሻሓት ዓመታት) ተቐባሊ ሓበሬታ ነቲ ወሃቢ ሓበሬታ ጥራሕ ኢዩ ዝሰምዕ ኔሩ። መብዛሕትኡ ህዝቢ ከኣ ልኡም ዝኾነ ቦታ ሒዙ ኢዩ ተቐባሊ ሓበሬታ ጥራይ ዝኸውን ነይሩ። ምኽንያቱ ወሃብቲ ሓበሬታ ብዙሕ ገንዘብ ኣጥፊኦም ኢዮም ነቲ ትካሎም ዝተኽልዎ። ኩሉ ሰብ ከኣ ከምኡ ዓቕሚ የብሉን። ናይ ተለቪዥን፣ ጋዜጣ፣ ረድዮ ትካል ክገብሩ ዝኽእሉ ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም። ንሳቶም ዝደለይዎ መልእኽቲ ጥራይ ከኣ ኢዮም ዘሕልፉ። ብቀንዱ’ውን ነቲ መልእኽቶም ከሕልፉ ኢዮም ነቲ ትካሎም ደኩነሞ። ብዘይካ ናይ ገንዘብ ዓቕሚ ምስኡ ዝተኣሳሰር ሕግታት እውን ኣለዎ። ተክኖሎጂ ወይ ከኣ እዚ ድሒሩ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ዝመጸ (“ናይ ሓባር ሜድያ” ንበሎ፣ Social Media ከም በዓል ፈይስ ቡክ፣ ትዊተር፣ ዩትዩብ፣ ፓልቶክ ወ.ዘ.ተ.) ነቲ ልኡምን ንጡፍን ተራ ናይ ወሃቢ ሓበሬታን ተቐባሊ ሓበሬታን ሓደ ዓይነት ተራ ከምዝህልዎ ጌርዎ ኢዩ። ሽሕ እኳ ድኻታት እንተኾንና ሎሚ ኣነን ንስኻትኩምን ተቐበልቲ ሓበሬታን ወሃብቲ ሓበሬታን ኢና። ኣነን ንስኻትኩምን ናይ ባዕልና ተለቪዥን ብሕሱር ዋጋ ክንተክል ንኽእል ኢና። ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ሳላ ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂ፣ ኩልና ወሃብትን ተቐበልትን ሓበሬታ ንምዃን በቒዕና ኢና።

ካልእ ተክኖሎጂ ዝቐየሮም ኣቀራርባ ናይ ሓበሬታታት ኣለዉ። ንነዊሕ እዋን ብጋዜጣ፣ ተለቪዥንን ረድዮን ክመሓለለፉ ዝጸንሑ ሓበሬታታት ሓደ ግዜን ምስ ከምኣቶም ካልእ ሓበሬታታት ዘይተኣሳሰሩን (Single layer reporting) ኢዮም ኔሮም። ተክኖሎጂ ነዚ ኣገባብ እዚ ቀይርዎ ኢዩ። ሕጂ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ እትረኽባ ንእሽቶ ሓበሬታ ምስ ካልእ ንዓኣ እትመስል ብካልኦት ዝቐረበት ሓበሬታ ክትረክብ ጸገም የብሉን። እዚ ዓይነት ኣገባብ ድማ ብዙሕ ድርዒ ዘለዎ (Multiple layer reporting) ሓበሬታ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ኣገባብ’ዚ ነቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክዝርጋሕ ዝኽእል ዝተሰነዐ ሓበሬታ ኣጉዲልዎ ኢዩ። ንኣብነት ረድዮ፣ ተለቪዥን፣ ጋዜጣ ነቲ ከመሓላልፎኦ ዝደልያ መልእኽቲ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ኢየን ዘመሓላልፋ። ተንተንቲ ይሕብሩ፣ እከለ እትበሃል ማዕከን ገሊጻ፣ ዶክቶር እከለ ኣረጋጊጹ…ወ.ዘ.ተ. ዝኾነ ተቐባሊ ሓበሬታ (ሰማዒ፣ ተዓዛቢ ወይ ኣንባቢ) ነቲ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ ኣበይ ከይዱ ክረኽቦ ከምዝኽእል ዋላ ሓንቲ ምልክት ኣይወሃብን ኢዩ ኔሩ። ስለ ዘይደለዩ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ምቹእ ሰለ ዘይኮነ እውን ኢዩ። ስለዚ ልምዳውያን መመሓላለፍቲ ሓበሬታ ነቲ ዘሕልፈኦ መልእኽቲ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ፈነወ ዝመሓላለፍ እንተደኣ ኮይኑ ኣብ ፍርቂ ሰዓት ኢዩ ዝውዳእ። ክሳብ ባዕላቶም ዝደግሙልካ ወይ ዘይመላእካዮ ከኣ እታ መልእኽቲ ሓሊፋ ኢያ። ተክኖሎጂ ብፍላይ ከኣ ዓለማዊ መርበብ ሓበሬታ (www) ነዚ ኣገባብ’ዚ ቀይርዎ ኢዩ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ዝቐርብ ሓበሬታታት (online reporting) ግን ናይ ፍርቂ ሰዓት ጽሕፍቲ፣  ካብ ሓደ ገጽ ናብ ካልእ ዝተፈልየ ገጽ ብምኻድ (Hayperlink) እታ ሓበሬታ ብካልኦት እንታይ ከምእትበሃል፣ ብዛዕባኣ ሕሉፍ ጸብጻብ እንታይ ከም ዘሎ፣ እታ ሓበሬታ ብካልኦት ቀሪባ’ዶ? ዝብሉ ኣማኢት ሕቶታት ክትምልስ ትኽእል ኢያ። ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ድማ ነዛ መልእኽቲ ወይ ሓበሪታ ናይ ምርካባ ዕድል ኣዝዩ ገፊሕ ኢዩ። ሰለዚ ሓቂ ካብ ኣብ ተለቪዥንን ረድዮን ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ዝያዳ ትርከብ። ንኣብነት እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ብ731 ቃላት ዝቖመት 8 ድርዒ ዘለዋ ጽሕፍቲ ኢያ። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ድማ ብ936 ቃላት ዝቖመት ሓንቲ ድርዒ ዘለዋ ጽሕፍቲ ኢያ። ስለዚ ዋላ’ኳ ክልቲአን ጽሑፋት ዳርጋ ሓደ ዓይነት ንውሓት እንተሃለወን፣ ካብታ ዳሕረወይቲ እታ ቀዳመይቲ ብዕጽፍጻፍ ዝያዳ ሓበሬታ ኣለዋ።

ብዛዕባ ታሪኽ ክዝረብ ከሎ ኩሉ ግዜ እትለዓል ብዊንስተን ቸርችል ዝተባህለት ዘረባ ኣላ። “History is written by the victors” ታሪኽ በቲ ዝሰዓረ ኢዩ ዝጸሓፍ ወይ ዝስነድ ስለዚ ሓቂ ኣይኮነን ማለት ኢዩ። ወይ ድማ እቲ ዝተሳዕረ ንኽጽሕፍ ዕድል ስለዘይወሃቦ እቲ ዝሰዓረ በቲ ንሱ ዝደልዮ ጥራይ ኢዩ ዝጽሕፎ ማለት ኢዩ። ተክኖሎጂ ኣብዚ ሕቶ’ዚ እውን ፍልልይ ጌሩ ኢዩ። ሎሚ ዝኾነ ክጽሕፍ ወይ ክዛረብ ዝኽእል ሰብ ናቱ ታሪኽ ሰኒዱ ክኸይድ ይኽእል ኢዩ። ኣሻሓት ጥራይ ዘይኮነ ሚልዮናት ሕሉፍ ዶኩመንትታት ኣብ ጁቡኡ ሒዝዎ ክኸይድ ስለ ዝኽእል፣ ዋላ እቲ ሓበሬታ ከጥፍእ ዝደሊ ሰብ ክረኽቦ ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ ታሪኽ ከተጥፍእ ኢልካ ምሕሳብ ከኣ ድኻም ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ዝሰዓረን ዝተሳዕረን ሓደ ኮይኖም ማለት ኢዩ። ዝሰዓረ ዝሰነዶ ዝተሳዕረ ከፍርሶ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እታ ንዓመታት ዝጸነሐት ብሂል እንዳራኣናያ ትፈርስ ኣላ።

ተክኖሎጂ ካልእ ምስ ታሪኽን ሓበሬታን ዝተኣሳሰር ለውጢ’ውን ጌሩ ኢዩ። እቲ ብጽሑፍ ጥራይ ዝንገር ዝነበረ ታሪኽ ሎሚ ድምጽን ሙዚቃን ተሓዊስዎ ኣብ ሰማዒ ሓደ ቀደም ዘይነበረ ስምዒት ከምዝፈጥር ጌርዎ ኢዩ። ነቲ ኣብ ጽሑፍ ክርከብ ዘይከኣል ቃንዛ፣ ሻቕሎት፣ ኣውያት ናይ ግዳያት ኣጉልሒዎ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ዓለምና እንዳከፈአት ትኸይድ ዘላ ኮይኑ ዝስመዓና ምኽንያት ከኣ እዚ ኢዩ። ንኣብነት እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ገበናት ኩላትና ንፈልጦ ኢና። እዚ ከኣ እቲ ጽባሕ ታሪኽ ኮይኑ ዝስነድ ኢዩ። ኣብ መጻኢ (ታሪኽ ምስ ኮነ) ነዚ ግፍዒ’ዚ ብኣካል ክፍጸም ከሎ ኣብ ቪድዮ እንተንርእዮ እንታይ ዓይነት ስምዒት ምሓደረና ዘተሓትት ኣይኮነን።  ታሪኽ ኣይኮነን’ዶ ብድምጽን ተንቀሳቓሲ ስእልን ቀሪቡ፣ ብድሩቕ ስእሊ ጥራይ እንተተሰንዩ’ኳ ዘሕልፎ መልእኽቲ ነንበይኑ ኢዩ።

ተክኖሎጂ ዝዓበየ ነገር ዝገበሮ እንተሎ ግን፣ ምንኣስ ግዝፊ ኮምፒተርን ምስኡ ዝኸዱ መሳርሕን (Hardware) ምዕባይ ዓቕሚ መትሓዝ ዶኩመንትታትን (Memory) ኢዩ። እዚ ነቲ ሰባት ገዛ ምሉእ ዝሕዝዎ ዝነበሩ ናይ መቕረጺ ኣጽዋርን ዶኩመንትታትን ኣብ ሓንቲ ኣብ ጁባ ክትኣቱ እትኽእል ኣቕሓ ከምዝቕመጥ ጌርዎ ኢዩ። ብፍላይ ተንቀሳቓሲ ተክኖሎጂ (Mobile Technology) ሓቂ ሓበሬታ ኣብ ምስናድ ፈጢርዎ ዘሎ ምዕባለ ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን። እቲ ንነዊሕ እዋን ብፖሊስን ናይ ጸጥታ ትካላትን ጥራይ ዝወጽእ ዝነበረ ሓበሬታታት ሎሚ ብዝኾነ ኣብቲ ውዕሎ ዝነበረ ሰብ ከም ዝቃላሕ ጌርዎ ኢዩ። ብሰንኪ እዚ ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለ ድማ ንታሪኽ ክሓልፍ ዝኽእል ኣገደስቲ ስእልታትን ጽሑፋትን እንተላይ ብድምጺ ዝተሰነየ ጭብጥታትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጁባ ኣለዉ። ኣብ መጻኢ ጥራይ ዘይኮነ ዋላ በዚ ሕጂ ዘለዎ ዶኩመንትታት ናይ ምትሓዝ ዓቕሚ፣ ብዘይ ምግናን ናይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ኣብ ጁባኻ ናይ ምሉእ ህዝቢ ዓለም ታሪኽ ድማ ኣብ ሳንጣኻ ክትሓዝ ይከኣል ኢዩ።

ሽሕ’ኳ ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂ ብዙሕ ኣወንታዊ ለውጢ እንተገበረ፣ ገለ ገለ ጸገማት እውን ምስኡ ሒዙ መጺኡ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ጸገማቱ ድማ ጻዕቂ ናይ ሓበሬታ (Information Overload) ኢዩ። ወዲ ሰብ ሽሕ’ኳ ኣብ ሓደ ካልኢት ሚልዮናት ሓበሬታታት (Signals) ናይ ምእካብ ዓቕሚ እንተለዎ፣ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓንጎሉ ኣእትዩ ከመስርሖም ዝኽእል ግን ኣዝዮም ውሱናት ኢዮም። እዚ ድሩትነት እዚ ድማ ሰባት ሓበሬታ ንኽመርጹ የገድዶም። ሎሚ ሰባት ኣይኮነን’ዶ ምስ 4 ቢልዮን ናይ ዓለም መርበብ-ሓበሬታት ምስ ሓንቲ መርበብ ሓበሬታ’ኳ ክስጉሙ የጸግሞም ኣሎ። ከምቲ ናይ ማሕተም ምህዞ ንሰባት ካብ ሰማዕቲ ናብ ኣንበብቲ ከምዝቕየሩ ዝገበሮም፣ ብሰንኪ እዚ ጻዕቂ ናይ ሓበሬታ ድማ ሰባት ካብ ኣንበብቲ ናብ ሰማዕቲ መሊስዎም ኣሎ። ስለዚ ሰባት ዋላ’ውን ከምብቡ እንተደለዩ ኣብ ኣዝዩ ኣዛራቢ (Controversial) ዝኾነ ኣርእስታት ወይ ድማ “ንሂወተይ ጸለውቲ ኢዮም” ኣብ ዝብልዎም ሓበሬታታት ዝያዳ ከምዝግደሱ ጌርዎም ኢዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ መርበብ-ሓበሬታ ዓቢ ቤት-ንባብ ኢዩ። ዓቢ ቤት-ሙዚቃ ኢዩ። ዓቢ ቤት-ትምህርቲ ኢዩ። ዕድመ ንመድለይ-ሓበሬታ (Search Engines) ዝደለኻዮ ሕቶ ክትሓተሉን መልሲ ክትረኽበሉን እትኽእል ባሕሪ ዝኾነ ናይ ፍልጠት ቦታ ኢዩ። በዚ ሕቶ’ዚ መርበብ-ሓበሬታ ኣዝዩ ዝነኣድ ኣበርክቶ ኢዩ ጌሩ። ይኹን እምበር ነቲ ካብ መጻሕፍቲ ክርከብ ዝኽእል ዝነበረ መሰረት ዘለዎ ትሕዝቶ ኣጉዲልዎ ኢዩ። ሰባት ኣብ ክንዲ መሰረት ዘለዎ ፍልጠት ዝድልቡ፣ ጥምዓዊ ፍልጠት ሂዞም ከምዝኸዱ ጌርዎም ኢዩ። ካልእ ምስኡ ዝኸይድ ተበላሓትነት እውን ኣጥፊኡ ኢዩ። ሰባት ኣብ ክንዲ ናይ ባዕላቶም ሓሳባት ኣንቂሎም ዝመራመሩ ኣብ ናይ ካልኦት ምርምራት ከምዝምርኮሱን ከምዝቐድሑን ጌሩ ኢዩ።

ሓበሬታ ሓይሊ ኢዩ። ሓበሬታ ሃብቲ ኢዩ። ብሓበሬታ ዝጸገበ ሰብ ንቕሓቱን ፍልጠቱን ብኡ መጠን ይስጉም። ኣብ ሂወቱ ሓደ ኣድላዩ ውሳኔ ክወስድ ይሕግዞ። ኣብ ነብሱን ሃገሩን ቁጠባዊ ዕብየት ንኸመዝግብ ኣበርክቶ ይገብረሉ። ይኹን እምበር ኩሉ ሰብ ብማዕረ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ክሳብ ሕጂ ኣይተተግበረን። ብሰንኪ ውሱንን ዘይምዕርዩን ዝርገሐ ናይ መፈነዊ ሓበሬታን ምስኡ ዝተኣሳሰር ፖለቲካዊን ቁጠባውን ማሕንቖታት፣ ህዝቢ ዓለም ኣብ ክልተ ከምዝምቀል ጌርዎ ኢዩ። ተክኖሎጂ፣ ናይ ሓበሬታ ሃብታማትን ናይ ሓበሬታ ድኻታትን (Digital Divide) ፈጢሩ ኢዩ። ኣብ መንጎ ዓበይትን ንኣሽቱን፣ ኣብ መንጎ ኢንተርነት ዘለዎምን ዘይብሎምን፣ ኣብ መንጎ ዝተማህሩን ዘይተማህሩን ዝነበረ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ጋግ ኣግፊሕዎ ኢዩ። ብመጠን ግፍሒ ናይዚ ጋግ ድማ ናይ ኣተሓሳስባ ረጽሚን ናይ ሃብቲ ፍልልይን ክፍጠር ባህርያዊ ኢዩ።

ካልእ ዓቢ ጸገም ኣብ እንግድዓ ተቀበልቲ ሓበሬታ ዝወድቕ ጾር’ውን ፈጢሩ ኢዩ። ብዙሓት ሃገራት ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ክጻወራ ዘይክእላ ኣለዋ። ስለዚ ከምቲ ኣብ ካልእ ኣብ ናይ ሓበሬታ መዘርግሒ ትካላት እውን ብርቱዕ ምቁጽጻር ብምግባር ሓበሬታ ናብ ካልኦት ከይበጽሕ ይገብራ። ክሳብ ማእሰርትን ሞትን ዘብጽሕ ናይ ባዕለን ሕግታት ወይ ምፍርራሕ ስለዝገብራ ድማ፣ ሰባት መንነቶም ሓቢኦም ክጽሕፉን ክዛረቡን ይግደዱ። መንነቱ ዝሓበአ ከኣ ድላዩ ናይ ምጽሓፍ ዝምባለ ኣለዎ። ምኽንያቱ ተሓታትነት ብኡ መጠን ስለ ዝንኪ። ስለዚ ሓበሬታ ኣብ ግዚኡ ናብ ተቐባል-ሓበሬታ ንምብጻሕ በቲ ሓደ ወገን፣ ሓቅነት ናይቲ “ሓበሬታ” ኣብ ምጽራይ ድማ በቲ ካልእ ብርቱዕ ወጥሪ ኣብ ዘርጋሕቲ ሓበሬታ ፈጢሩ ኢዩ። ስለዚ እቲ እንኮ ኣማራጺ እቲ ሓበሬታ ናብ እንግድዓ ተቐባል-ሓበሬታ ምድርባይ ጥራይ ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ – ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂ ዘምጸኦ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ካብቲ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ብዕጽፍጻፍ ኣዝዩ ይዓቢ። ኣብ ምዕራብ ዓለምን ገለ ክፋል ኤስያን ድሮ ኮምፒተር ዘይፈልጥ ወይ ዘይጥቀም ሰብ ከም መሃይም ክቑጸር ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመታት እንታይ ዓይነት ለውጢ ክመጽእ ከምዝኽእል ንምእማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ኤርትራ ኣብዚ ሕቶ’ዚ ከመይ ኣላ? ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ኣብ ኣፍሪቃ ድሒረን ናይ ኢንተርነት ተክኖሎጂ ዘእተዋ ሃገራት ኢያ። ሶማልያ ብሰንኪ ምእኩል መንግስቲ ዘይምንባራ። ሊብያ ብሰንኪ ካልእ ፖለቲካዊ ኩነታት፣ ኣብ ትሕቲ እገዳ ምጽናሓ። ኤርትራ ድማ ካብ ኢሳያስ ፍቓድ ብዘይምርካባ ኢዩ። ካብቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዘርጊሑ ዘሎ (3,000 ማይል) ዝበጽሕ ናይ ፋይበር ኦፕቲክ ገመድ እውን ኤርትራ ተጠቃሚት ከይትኸውን ክሳብ ሕጂ ኢሳያስ ኣጊዱ ኣሎ። እዚ ገመድ’ዚ ኣትዩ ከምቲ ዝድለ ምሕደራ እንተተጌርሉ ኣብ ህዝቢ ክፈጥሮ ዝኽእል ንቕሓትን ከንህሮ ዝኽእል ብዝሒ ናይ ተጠቀምትን ኣዝዩ ዓቢ ኢዩ። ብመሰረት Acamai Internet Ranking ኣብ ዓለም ደቡብ ኮርያ እታ ቀዳማይቲ ናይ ኢንተርነት ፍጥነት ዘለዋ ሃገር ክትከውን ከላ (13,972 kbps) ኤርትራ ግን እታ ዝደንጎየ ናይ ኢንተርነት ፍጥነት ዘለዋ ጭራ ሃገር ኮይና ኣላ። (ኤርትራ 148 kbps፣ ሶማልያ 589 kbps፣ ኢትዮጵያ 638 kbps) እዚ ከኣ ብሰንኪ ናይ ገንዘብ ዓቕምን ኪኢላታትን ዘይኮነ፣ ብሰንኪናይ ኢሳያስ ድርቅና ኢዩ። ከምዚ እንድሕር ቀጺሉ ኣብ ቁጠባ ናይታ ሃገርን ምዕባለ ደቃን ከስዕቦ ዝኽእል ሃስያ ንግዜ ዝግደፍ ኢዩ።

ይቕጽል…

ጸጋይ ገብረሂወት
tgbokru@yahoo.co.uk

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • g.tesfay June 27, 2013

    Why do you run around the bush ????? Say it direct and hit the road. aytxaHxH,

    • hawileyto June 30, 2013

      ይቕሬታ ዳኣ ግበረለይ እምበር ንስኻ ዱልዱል ሓሳድ ኢኻ። ናይ ብሓቂ ጥዕና ዘለዎ ኣእምሮ እንተሃልዩካ ካብዛ ሕጥበ ጽሑፍ እንታይ ኣበር ረኪብካ ?

    • fithawi July 2, 2013

      g.tesfay,
      eti tserfi entay amtsooo, MiHret yewridelka Hawey. zetytekebelkayo Hasab enteleka koynu bi tiHtina aredeA. kalatka megletsi meninetka silezikkonu nab tserfin difretin aytikedadem. mis akkbirot.

  • Dr Kibrab June 27, 2013

    ኣቱም ሰባት በጃኹም ናይዚ ወዲ ጽሑፍ ካብ መጀመርታ ኣምብብዎ። ብፍላይ መንእሰያት ዓቢ ትምህርቲ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ከምዚ ገ.ተስፋይ ትብሎ ዘለኻ ኣይኮነን። ከመይ ጌሩ ናብቲ ደሊኻዮ ዘለኻ ክበጽሕ ከምዝደለየ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። ንነገራት ከኣ ካብ መጀመርያ ብሳይንሳዊ መንገዲ ጌሩ ይትንትነልካ ኣሎ። እቲ ዓቢ ጸገም ናይ ኩላትና ከኣ ንሱ ኢዩ። መሰረት ከይፈለጥካ ምህላል ጽቡቕ ኣይኮነን። ብዛዕባ ተክኖሎጂ ዝዛረብ ዘሎ፣ ብኸመይ እዚ ተክኖሎጂ ኣብ ኣእምሮና ለውጢ ከምዝገብር ኢዩ ክነግረካ ደልዩ። ምናልባሽ ንስኻ ብዙሕ ትፈልጥ ክትከውን ትኽእል ኢኻ እቲ ዘይፈልጥ ግን ክመሃር ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ኸማይ። ሥለዚ በጃኻ ተጸመም ክሳብ ዝውድእ።

    • ahmed saleh June 30, 2013

      Our greatest enemy happened to be arrogance .
      Rudeness become smart like their leader . The good , honest and righteous hunted . No mourn for the
      death of truth . In front our own eyes while good people keep their silence but evils in the country
      would keep reap destruction on human lives . At the end Eritrea exposed itself when it weep for her
      children .

  • Stefanos Temolso June 28, 2013

    እዚ ጽሑፍዚ ብዙሕ ገንዘብ ከፊልካ ክርከብ ዘይክእል ዘይነጽፍ ምንጪ ናይ ፍልጠት ስለ ዝኾነ ነፍስወከፍ ሰብ ከንብቦ ይግብኦ። ብወገነይ ብዙሕ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዝፈልጦ ዝመስለኒ ዝነበረ ግን ጽቡቕ ገይረ ዘይፈልጦ ነገራት ክግንዘብን ክርዳእን ክኢለ። ንትኩእ ገብረሂወት ልባዊ ምስጋናይ እናኣቕረብኩ ድማ ከምዚ ዝጽሕፎ ዘሎ ትምህርታዊ ሓበሬታ ከይነፍገና እላበዎ። ነዚ ጽሑፍዚ ዘንበበ ሰብ ኣብ ቃልሲ ብዙሕ ዝጠቕሞ ነገራት ክረክብ ከም ዝኽእል ክሕብርውን እፈቱ። ንገ.ተስፋይ ድማ ነቲ መሃሪ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ ከይተረዳእካ ዘየደሊ ቃላት ኣይትጽሓፍ፡ ኣብዚ ዘድልየካ ምምሃርን ምፍላጥን እዩ ዝብል ለበዋ አቕርበሉ። ዝጐድኣና ዘሎ ከምዚ ዓይነት ነገራት እዩ። ኣብ ክንዲ ፍልጠት ክንሰንቕ ምፍታን ክንወቅስ ምጕያይ።

  • Dr. Solomon T. G June 28, 2013

    Tsegay G. m thank you so much for your free lectures!!

  • Yosief June 28, 2013

    Very good analysis Tsegay. Let me say some thing how you would progres from here. I am sure people are expecting you to say some think about Wedi Temnewo or Adhanom. Please be clear on that. Do not align yourself with the ageing mentality. You will need to take your own stand not following one and opposing the other. If you do that people will accept your argument. Thanks

  • ዮውሃንስ June 28, 2013

    ብሓቂ ኣስተምህሮኣዊን ኣገዳሲን ምኽሪ ወይ ሓበሬታ ሂብካና ጸጋይ!

    ሓደ ኣንባቢ፡ ወይ ሰማዒ ዜና፡ ነቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ምስ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ዝርከብ ሓበሬታ እናኣዛመደ ከነጻጽርን ክመራመርን ከምዝግባእን ብክፉት ሕልና ወይ ሓንጎል ንነገራት ክጥምት ከምዘለዎን፡ ጽሑፍካ ይመኽረና። ኣገናዕ ጸጋይ!

    ኩሉ ኣንባቢ ተገዲሱ ክመሃረሉ ድማ ርእይቶይ ኢዩ።

    ዮውሃንስ ጸጋይ

  • ida June 28, 2013

    It is sad that Eritrea is not going backward because of lack of resourses, but because of a control freak president.

  • Bereket B. June 29, 2013

    Selamat Tsegay,

    Superb! This is the 4th round and still going fresh,casual, easy to read, educational, and what’s more focused!

    Thanks.

    Bereket B.

  • hawileyto June 30, 2013

    ኣገናዕ ጸጋይ

    ኣነ ግርም ዝብለኒ ገለ ገለ ዓያሹ ንስነ-ፍልጠት ብዓንደ ርእሱ ጀብሃ አዩ ሻዕብያ እዩ ምባል እዩ ተሪፍዎም ዘሎ.

    • ahmed saleh June 30, 2013

      Some arrogant people miss the point that JEBHA -SHAEBIA are part of their real history as Eritreans .

  • Selam June 30, 2013

    WOW! very educational Tsegay. Have you written this article yourself. I can’t believe it! I am so impressed by your language and content. If we had 5 people like you we would have clear understanding of what is happening in our country. Your article teaches not only for the supporters of PFDJ but also for the so called opposition. clear and cocise. well done Tsegay.

POST A COMMENT