Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽምብል ዝኽሪ ንኹሎም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን ኣብ ዋሽንግቶን ዲ. ሲን ከባቢኣን ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) ካልኣይ ክፋል

ጽምብል ዝኽሪ ንኹሎም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን ኣብ ዋሽንግቶን ዲ. ሲን ከባቢኣን ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) ካላኣይ ክፋል “ዲኤንኤ (DNA) ናይ ነብሰሄር ሃይለ ወልደንስኤ (ድሩዕ) እንተዝምርመርሲ፡ ኤርትራ ኣብኡ ንተረኽበት።” ዝብል፡ ኩሎም ናይቲ ወግዒ ተሳተፍቲ ዝነበሩ

ጽምብል ዝኽሪ ንኹሎም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን ኣብ ዋሽንግቶን ዲ. ሲን ከባቢኣን

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ካላኣይ ክፋል

“ዲኤንኤ (DNA) ናይ ነብሰሄር ሃይለ ወልደንስኤ (ድሩዕ) እንተዝምርመርሲ፡ ኤርትራ ኣብኡ ንተረኽበት።” ዝብል፡ ኩሎም ናይቲ ወግዒ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ዝተሰማምዕሉ፡ ናይ ምደምደምታ ምሉእ ሓሳባት ዝሰማዕኹ፡ ብዛዕባ ሃይለ ድሩዕ  “ከም ቆልዓ፣ ከም መንእሰይ፣ ከም ተማሃራይ፣ ከም ድያቆን፣ ከም ናይ ከተማ ስሩዕ፣ ከም ተጋዳላይ፤ ኣብ ከተማ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ፣ ኣብ ሜዳ/ገድሊ፣ ኣብ ናጻ ኤርትራ፣ ወ.ዘ.ተ.” ንስለን ምእንትን ኤርትራ ዝገብሮም ዝነበሩ ጸብጺብካ ዘይውድኡ መስተንክራዊ ስሪሒታትን ንጥፈታትትን፡ ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ተዘክሮታቶም ዝለዋወጡ/ዘዕልሉ ዝነበሩ እኩባት ተሳተፍቲ እቲ ጽምብል ብኣጋጣዊ ሕውስ ምስበልኩዎም ኢዩ። እቶም ንሃይለ ድሩዕ ኣብ ጊዜ ንእስነቱ ዝፈልጥዎ፡ “ከመይ ገይሩ ለይቲ ለይቲ ደወል ናይ ቤተ ክርስትያን ክድወል ኢየ እንድበለ ካብ ገዛ ወጺኡ፡ ወረቕቕቲ (ባዕሉ ዝጻሓፎም ከይተረፉ) ኣብ ፈቆዶ ቦታታት ይልጥፍ ከምዝነበረ፤ እቶም ኣብ ቤት ትምህርቲን ዩንቨርሲቲን ዝፈልጥዎ፡ ከመይ ገይሩ ንተማሃሮ የንቅሕ፣ ይውድብን ይመርሕን ከምዝነበረ፤ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝፈልጥዎ፡ ከምይ ገይሩ ንሱራት የንቅሕ፣ የተባብዕን ውሽጢ-ውሽጢ ይውድብን ከምዝነበረ፤ እቶም ኣብ ሜዳ/ገድሊ ዝፈልጥዎ ከመይ ገይሩ ንካድር ህግ ሓደ ማኣዝን ብምትሓዝን ንተጋዳላይ ህግ ብምንቕቓሕን ንህግ ኣድማዒ ውድብ ኮይኑ ናጽነት ኤርትራ ክውን ከምዝኸውን ከምዝገበረ፤ እቶም ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝፈልጥዎ ካኣ “ዲሞክራስያዊት፣ ፍትሓዊትን ምዕብልትን ኤርትራ” ክውን ንምግባር፡ ኣብ ዝተመደበሉ ጽፍሕን ቦታን ለይትን ማዓልትን እንዳሰርሐ ከመይ ገይሩ ከም ሽምዓ ይመክኽ ከምዝነበረን ኣብ መወዳእታ ካኣ ነዚ ክውን ንምግባር ድሕሪ ናይ 17 ዓመታት ናይ ዒራዒሮ ኢሰብኣዊ ማእሰርቲ፡ ከመይ ገይሩ ሂወቱ ከምዝኸፈለን፤ ወ.ዘ.ተ. ዘርዚሮም ዘርዚሮም ክወድእዎ ስለዘይካኣሉ እዮም፡ “ኤርትራ ኣብ ዲኤንኤ ሃይለ ድሩዕ ኣላ” ኢሎም ዝደምደሙ።  እቲ ተዘክሮታት ተዘርዚሩ ዘይውዳእ ዓሚቕን ሰፊሕን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ተዝክሮታት  ናይ ሓደ ካብቶም ገድሊ ኤርትራ ካብ ዘፍረዮም ልልያት መራሕቲ ኣብ ቀዳይ ደረጃ ዝስራዕ፡ ሃይለ ድሩዕ፡ ዕምቖት ብላሒ፣ ጥበብ፣ ተባላሓትነት፣ ብስለት፣ ተወፋይነት፣ ቆራጽነት፣ ጽንዓት፣ ሓልዮት፣ ብጻይነት፣ ተጻዋርነት፣ ገድልን መስዋእትነትን፡ ማዕረ ከንደይ ጥልቐት ከምዘለዎ ዘንጸባርቕ’ውን ኢዩ ነይሩ።

ነብሰሄር ሃይለ ድሩዕ፡ ኣብ በሊሒ መላጸ ተቐሚጡ፡ ንቕድሚት ከቓሙት ዘኽእል ገምሪ ዝነበሮ፡ ምዑት መራሒ ከምዝነበረ ዋላ ነቶም ብኣካል ብዙሕ ዘይንፈልጦ ሰባት’ውን ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ፡ ኤርትራ ኣብ ዓለም ዲፕሎማስያዊ ኣፍልጦ ንኽትረክብን ሉዕላውነት ሃገረ-ኤርትራ ንኽኽበርን ኣብ መጋባእያታት ዓለም ካብ መዲሮምን ሞጉቶምን ዝተዓወቱ መራሕቲ ኤርትራ፡ ድሩዕ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ኢዩ። መስርሕ ምሕራር ኤርትራ ንኽቀላጠፍን ንኽስስንን፡ ምምስራት ቅዋማውን ዲሞክራሲያውን መንግስቲ ኣገዳስን ወሳንን ስለዝኾነ፡ ነዚ ንምርጋጋጽ ዝገበሮም ቃልስታት’ውን ልሉያት ኢዮም ነይሮም። እቶም ከም ኣባል ብጉጂለ 15 ዝፍለጥ መንቕስቓስ ኮይኑ ዝገበሮም ንምምስራት ቅዋማውን ዲሞክራሲያውን መንግስቲ ዝጠልቡ ሰላማዊ ቃልስታት ዋላኳ ክሳብ ሕጂ ጭቡጥ ፍረ ኣይርኸቦም’ምበር፡ ሰፋሕትን ምስትውዓል ዝሓተቱን ምኻኖምስ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ክረደኦም ዝጀመረ ይመስለኒ። ኩላትና ከነስትውዕለሉ ዝግባኣና ሓደ ነገር ግን ኣሎ። “ንሕና” ኢሉ ነብሰሄር ሃይለ ድሩዕ፡ “ንሕና ብወታሃደራዊ ጎነጽ (ብመፈንቀለ-መንግስቲ) (coup de tat )፡ መንግስቲ ክንልውጥ ኣይንደልን ኢና። እቱይ ምንታይሲ፡ ኤርትራ ከም ሓዳስ ሃገር ብኽምዚ ኣገባብ ስልጣን ምስግጋር ክትጅምር ኣይንደልያን ኢና። እዚ ንመጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ሕማቕ ኣሰር ኢዩ ዝገድፍ።”  ነሰብሰሄር ሃይል ድሩዕን ብጸቱን፡ ኣብዛ መትከል ኢዚኣ ረጊጾም፡ ኣብ መጨረሻ ሳዓት እንትኾነ’ውን ወታሃደራዊ ጎነጽ ከም ኣማራጺ ኣይወሰዱን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ መትከሎም ክሳዶም ንሴፍ ብማሃብ ኩቡር መስዋእቲ ከፊሎም ኢዮም። እዚ ሓቂ እዚ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ክግንዘቦ ዘለዎ ኣገዳሲ ቅርሲ ኢዩ። እቲ ጨካን ስርዓት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ሂወቶም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ታሪኾም’ውን ክቐብሮን ከጥፈኦን ኢዩ ክቃለስ ጸኒሑን ዘሎን። ስለዝኮነ፡ ቅርስና ክንዕቅብን ታሪኾም፡ ታሪኽ ጀጋኑ ክንዝክርን ሰኒድና ክንዕቅብን ዘለና፡ ንሕና እቶም ህዝቢ ኤርትራ ኢና’ሞ ሃየ ኣይንዳህለል።

ነዚ ሓቂ እዚ ዝተገንዘቡን/ባን ኤርትራውያን ኢዮም፡ ምስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ተሰዊኡ ተባሂሉ ብማሕበራዊ መድያ ዝተነግረሉ፡ ነብሰሄር ሃይለ ወልደንስኤ (ድሩዕ) ብዝተኣሳሰረን ብዝተላዓዓለን፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዓለም ጽምብላት ዝኽሪ ንድሩዕን ንብጸቱን ክገብሩ ዝቐነዩ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ ዝተገለጸ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይት ፍትሒ’ውን፡ ብ24 መጋቢት 2018 ዝኽሪ ንኹሎም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን ጸምቢሎም ነይሮም። ሰንበት 25 መጋቢት 2018 ካኣ ሰነስርዓት ጸሎተ-ፍትሓትን ናይ ስውኣት መፋነዊ እንግዶትን (ተስካር) ተገይሩ ነይሩ።

ስነስርዓት ጸሎተ-ፍትሓት ነብሰሄር ሃይለ ወልደንስኤ (ድሩዕ)፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ኣናንዴል ክፍለ-ግዝኣት ቨርጂንያ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኣብ ቅዱስ መንፈስ ካተሊካዊት ቤተ-ክርስትያን (Holy Spirit Catholic Church) ስንበት 25 መጋቢት 2018 ካብ ሳዓት 2፡30 – 5፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኢዩ ተካይዱ። ብዙሓት ኣባላት ቤተ-ሰብ ድሩዕ፣ መቃልስቱ፣ መታዓብይቱ፤ መሳርሕቱን ካልኦት ብዙሓት ኤርትራውያን ዜጋታትን ዝተሳተፍዎ ክሳብ ክልተ (2) ሳዓታት ዝወሰድ ጥልቐትን ዕምቖትን ዝነበሮ፡ ጸሎተ-ፍትሓት ኢዩ ነይሩ። ምሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ፡ ነዚ ጠውቑ።

ስነስርዓት ጸሎተ-ፍትሓት ነብሰሄር ሃይለ ወልድንስኤ (ድሩዕ) ኣብ ቅዱስ መንፈስ ካተሊካዊት ቤተ ክርስትያን፡ ኣመሪካ፡ 25 መጋቢት 2018

 

 

ድሕሪ ጸሎተ-ፍትሓት፡ ብቤተ-ሰብ ነብሰሄር ሃይለ ወልደንስኤ (ድሩዕ) ዝተዳለወ ናይ መፋነዊ መስተንግዶ (ተስካር) ኢዩ ተገይሩ። ዋላዃ ብዝሒ ሰብ ይንበር’ምበር፡ እቲ ዝተዳለወ መስተንግዶ እኹልን ትሩፍ ነይሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብየት  “ኢደ-ሰሎሞን” ብዘብል ውሕልነት ዝተዳለወ ጥዑም ሽሻይ ኢዩ’ውን ነይሩ። ተሳተፍቲ እቲ ጽምብል፡ እንዳተመገቡን እንዳሰተዩን  ተዘክሮታቶም ብዛዕባ ነብሰሄር ሃይለ ድሩዕን ብጾቱን ንኸዕልሉን ንኽለዋወጡን ዕዳላት ዝከፈተ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ’ውን። ነቲ ዝነበረ ዕላላትን ህሞትን ንምኽትታል፡ ነዚኣ ጠውቑ።

ድሕሪ ስነስርዓት ጸሎተ-ፍትሓት ዝተካየደ ስነስርዓት መስተንግዶ ንዝኽሪ ነብሰሄር ሃይለ ወልድንስኤ (ድሩዕ) ኣብ ኣመሪካ፡ 25 መጋቢት 2018

ምኽባርን ምዝካርን ሰማእታት ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ውራይ ኢዩ። ተቃላሳይ ኣይንብርን ኢዩ፤ ታሪኩ ጥራሕ ኢዩ ዝነብር። ስለዝኾነ፡ ከም ህዝቢ፡ ስማእታትና ምኽባርን ታሪኾም ሰኒድና ምዕቃብን ኣካል ናይቲ ዲሞክራስያዊ ቃልስና ክኸውን ይግባእ። እዞም ኣብ ዝሓልፈ ቅንያት ክግበሩ ዝቐነዩ ናይ ዝኽሪ ጽምብላት፡ ቀጻልነትን ድሪኺትን ንኽረኽቡ ቃልስና ከነሐይል ከድልየና ኢዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብመደብ ተታሒዝዎ ዘሎ ጉዳይ፡ ንተቃለስቲ ምሕቓቕ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ታሪኾምን ውርሻ ቃልሶምን ንምጥፋእን ከምዘይነበረ ንምግባርን’ውን ኢዩ። ዝተገብረ ናይ ጀግንነት ታሪኽ ቀቢሩን ኣጥፊኡን፡ ዘይነበረን ዘይተገብረን ናይ ባዕሉ ታሪኽ እንዳለጋገበ ብምስናድ፡ ንምጻኢ ወሎዶታት ኤርትራ ዘይኮነ ታሪኽ ከውርሶም ክጽዕት ይረአ ኣሎ። ንሓደ ሕብረተ-ሰብ ከተጥፍኦ እንተዳኣ ደሊካ፡ ታሪኹ ከምድላይካ ገርካ ኢኻ ትነግሮ። እዚ ኣረመኔ ስርዓት ካኣ ከምኣ ኢዩ ዝገብር ዘሎ። ኣይፋል ኢልና ንሓቀኛ ታሪኽ ጀጋኑ ኤርትራውያን ምዕቃብ ምቅላስ፡ እምነ-ኩርናዕ ናይ ቃልሲ ንፍትሒ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ነቲ ስርዓት ኣጸቢቓ ተፍርሖን ተባህርሮን ነገር እንተዳኣ ሃልያ ካኣ እዚኣ ኢያ – “ምስናድን ምዕቃብን ሓቀኛ ታሪክ ጀጋኑ ኤርትራውያን”።

ኣብ መወዳእታ፡ ከም ኤርትራዊ ዜጋ (ጉዳይ ኤርትራዊ ስለዝኾነ)፡ ነቶም ጊዜኦም፣ ገንዘቦምን ጉልበቶምን ብምውፋይ ነዞም ጽምብላት ዕውታት ዝገበሩ ኤርትራውያን ጉልበትኩም ይጽናዕ፡ ሕሰም ኣይትርከቡ እብሎም። ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንቀረባ ቤተ-ሰብ ነብሰሄር ሃይለ ወልደንስኤን ስውኣት ብጸቱን ካኣ ብፍላይ፡ ጽንዓት ይሃብኩም እንዳበልክ፡ ንዝሓልፉ ካኣ መንግስተሰማይ የዋርሶም እብል።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • k.tewolde March 31, 2018

    There is hope for this nation,the Lord is working in his subtle ways,He will never forsake it,and that is his promise.

    • Danilo March 31, 2018

      Indeed, God bless us all. ኣምላኽ ጎቦን ጽድፍን ከም ዝፈጠረ፡ ጎልጎልን ሰትን ፡ፍስሃን ‘ሰላምን ንምፍጣር ዘጸግሞ ኣይኮነን’ሞ ንመን ኢሉዎ። “ሓይሊ ጽበት ይቅርቅር ይኸውን ሓይሊ ስፍሓት’ውን የሳፍሕ ይኸውን ። ግን፡ ንጽበት መዚንና ድሕርሕር ምባልን ስፍሓት ሪኻ ምንሃርን ናይ ሓቀኛ ገድላዊ ኣልፋን ኦሜጋን እዩ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ክብሪ ስውኣት ሓርበኛታት ምዝካርን ምጽምባልን ማለት ምቅሳን ማለት ኢዩ። ድሕሪ ምቅሳ’ውን ሕነ ምፍዳይ ማለት፡ፍትሒ ምንጋስ ኢዩ’ሞ ብዘይ ጥርጥር ኣብ ግዝየ እቶ-እቶ ኢና ዘለና።

      • k.tewolde March 31, 2018

        Graciously put Danilo,I see the innocent kids growing up in diaspora tens of thousands miles away from their counterparts at home,at no fault of their own,no clue why their uncle is not coming home to visit,why their aunt is estranged,why their cousin on the other side of town is aloof and indifferent,that’s what had become of our society,a society once intimately close,so close one can discern another ones distinct scent….HGDEF did a number on us, but I am hopeful one day these kids will look back and say how dumb we were and cast aside the discourse of their parents and grandparents, join hands and build a nation from ground up on the solid foundation of those who gave everything for us.It is a self inflicted wound we trying to hide which the kids will soon discover.

        • Gezae April 1, 2018

          Nice!but I couldn’t agree more,
          With all due respect, I feel that hiding one´s feelings from is maybe not the problem. However I feel that hiding one´s feelings from one’s self can be a problem. When one can consciously go with the flow of one’s own feelings, one can also go with the flow of the feelings of others. Then there is no hiding …. just flowing.

          Any how- your words are so true I have experienced this too! My heart was broken I am like you. It’s recognizing and understanding where your wounds started and knowing you can’t change what happened but you can transform the wound and not repeat the pattern because it is a pattern handed down. I am proof of this! I have never been to Asmera since 1971, but my whole family members are there in my old grandfather home. So take away any expectations and understand her limitations and let them go and shed those limitations which have been handed down from generation to generation. I’ve done this and my daughter is benefiting from it.!
          Thank you for sharing!!

          • k.tewolde April 2, 2018

            You welcome,after all,despite our polarized views, you and I might be close relatives.

  • Danilo April 1, 2018

    ” it is self inflicted wound we trying to hide which the kids will soon discover ”

    Brother K. tewolde, you are raised a question that must be answered. despite the current situation our grandparents had tendency to give up because had problems to coup as we have exactly now. We fought against all odds that lead just freedom of land. The rest with out doubt our kids have task but very soon make story. For just just democratic, fully peace full Eritrea, thanks to their mentality. Thus why I have no doubt referring my above comment.

    • k.tewolde April 2, 2018

      Danilo, there is no hidden message there,it is a statement which encapsulates the post in a sentence.

      • Danilo April 2, 2018

        Of course there is no hidden massage . Not even grave wound and serous question. My point is, do we correctly inherit the true value of struggle? Look what the youth group Eprdf parents are doing nothing to correct their kids? I thought you raised valid question to be answered Meant, our kids will sertainly will discover. I think we are on same understanding..by the way, you and me, despite your good English, and mine lucks explanation. Thank you brother.

POST A COMMENT