Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽልኢ ኣይነጎሃህር (ቀዳማይ ክፋል) (ብደብረ)

ጽልኢ ኣይነጎሃህር   (ቀዳማይ ክፋል)   ብመጀመርታ  ንኹሎም ኣንበብቲ ሰላም ክብል ኣፍቅዱለይ። ሰላም ልባዊ ትምኒተይ እዩ። ድሕሪ ሰላም ኩሉ ይመጽእ። ሰላም ኣብዘለወሉ ቅሳነት ይነግስ፡ ጸጋ ይመጽእ። ንቡር ናብራ ይህሉ፡ ምትሕስሳብ ምትሕልላይ ይህሉ፡ ኮታስ እቲ ጽቡቕ ዝበሃል ኩሉ ተፈጻምነት ይህልዎ

ጽልኢ ኣይነጎሃህር

 

(ቀዳማይ ክፋል)

 

ብመጀመርታ  ንኹሎም ኣንበብቲ ሰላም ክብል ኣፍቅዱለይ። ሰላም ልባዊ ትምኒተይ እዩ። ድሕሪ ሰላም ኩሉ ይመጽእ። ሰላም ኣብዘለወሉ ቅሳነት ይነግስ፡ ጸጋ ይመጽእ። ንቡር ናብራ ይህሉ፡ ምትሕስሳብ ምትሕልላይ ይህሉ፡ ኮታስ እቲ ጽቡቕ ዝበሃል ኩሉ ተፈጻምነት ይህልዎ ብዓቢኡ ከኣ ፍቅርን ሕውነትን ግቡእ ቦትኦም ይሕዙ። ኩሉ ኣብ ፍቕሪ እዩ ዘሎ። ኣብ ጽልኢ እንታይ ይርከብ? ዋላ ሓንቲ። ኣብ ጽልኢ ምብኣስ፡ ምቅትታል፡ ምቁስሳል፡ ምጽራፍ፡ ምዝራግ እዩ ዘሎ። በዚ ሓሳብ ምሳይ ከምትሰማሙዑ ይኣምን። ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቅርሕንቲ ክፈጥር ዝኽእል ጽልኢ ከምዘየሎ ንምግላጽ ዝጸሓፍክዋ ስለዝኾነ ህድእ ኢልኩም ከተንብብዋ እምሕጸን። መሃዝቲ ጽልኢ ክንነቅሓሎምን ነቂሕና ክንገብሮ ዝግበኣና ክሕብር ፈቲነ ኣለኹ። እዞም ንህዝቢ ንቃለስ ኣለና ንብል ማእከል ቃልስና ዝኾነሉ ቦታ በዛ ንእሽቶይ ኣተሓሳስባይ ክሕብር ፈቲነ ኣለኹሞ ኣይተስተዋሕድዋ። ንዝተጋገየ ፈውሱ መአረምታ ስለዝኾነ ንዝጽሕፎም ጌጋታት መአረምታ እንተገርኩምለይ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን። ብጽቡቕ ክትንቀፍ ግቡእ እዩ። ደሓር ከኣ እንዳተመላላእና ኢና ክንጎዓዝ ዘሎና።

 

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ‘ምበር ክልተ ህዝቢ ኣይኮኑን። ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትሓስብ ኮለኻ ኣብ ርእሰኻ ቅጅል ዝብሉ ሕቶታት ብዙሓት እዮም። እቲ ናይ መጀመርታ ሕቶ፡ እዚኦም ህዝቢ እዚኦም መን ‘ዮም? ትብል ሕቶ ‘ያ። ሕቶ መንነት ምምላሽ ኣገዳሲ ‘ዩ። ድሕሪ እዚ ሕቶ፡ ሕቶ  ህላወ ናይዞም ክልተ ሃገራት ኣህዛብ፡ ዘለዎም ናይ ሓባር ረቋሒ፡ ናይ ሓባር ረብሓ፡ ምስቲ ክፈላልዮም ዝኽእል ረቋሕ ዝምልከት ‘ዩ። እንታይ እዩ ዝጠምሮም? እንታይ ‘ዩ ኸ እቲ ዝፈላልዮም? ናይ ሓባር ጸላኢኦም መን ‘ዩ? መን እዩ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን? ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ትግራይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ድዩ? ብኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ጸላኢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድዩ? እዞም ናይ ክልተ ሃገራት ኣሕዋት ኣህዛብ ናይ ሓባር ረቛሒ የብሎምን እንድዮ ‘ም? እዞም ክልተ ህዝብታት ነንሕድሕዶም ኣይተዋሰቡን ድ ‘ዮም? እዞም ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት ኣብ ሓደ መኣዲ ናይ ሓባር ሕብስቲ ኣይተቋደሱን ‘ዮም? እዞም ክልተ ሓደ ዓይነት ህዝቢ ናይ ሓባር ባህሊ ናይ ሓባር ቋንቛ የብሎምን እንድ ‘ዮም? ጉዳይ ቋንቋ ካብ ተላዕለ ፊደላትን ቛንቋን ግእዝ ናይ ክሊቲአን ሃገራት ናይ ውልቆም ነንሕድሕዶም ዝረዳድእሉ ናይ ሓባር ሃብቲ ኣይኮነን ‘ድዩ? ፊደላትን ቋንቋን ግእዝ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ናይ ሓባር ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ቛንቋ መረዳድእን መዕረጊ ጸሎትን ዶ ኣይኮነን? ኣብ ክሊቲአን ሃገራት ዘሎ ናይ ኣስላሙ ይኹን ክርስትያኑ ኣብያተ ጸሎትን ኣገባብ ጸሎትን ብሓባር ዝተጠረየ ናይ ሓባር ባህሊ ዶ ኣይኮነን? መን ‘ደኣ ይመልሶም ‘ምበር፡ እቶም ሕቶታት ማእለያ የብሎምን። ሊቃውንቲ ታሪኽ ቅኑዕ መልስ ክህቡሉን ህዝብታት ክሊቲኦም ሃገራት ከስተምህሩሉን ተስፋይ ሉዑል ‘ዩ።

 

ኣነ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ሕቶቶታት እንተዝሕተት ንኹሉ ብኣወንታ ምመለሽኽዎ። እዞም ናይ ነዊሕ ጊዜ ናይ ሓባር ታሪኽ ዘለዎም ህዝብታት ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሕሱም ጊዜውን ይኹን ሓቢሮም ዝተጎዓዙ ዘይተፈላላዩ ክነሶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ደኣ እንታይ ረኸቦም? እዞም ናይ ሓባሪ ረቋሒ ዘለዎም ህዝብታት ደኣ ሕጂ ከብዲን ሕቆን (ሆድን ጀርባ) መን ገበሮም? እምበርከ ከምዚ ንብሎ ዘሎና ተፈላልዮም ድዮም ከ?  እንተ ኮይኖም ከ ንክልቲኡ ህዝብታት ዝዓርቁ መስተውዓልቲ ለባማት ዓበይቲ ኣብ መንጎኦም የብሎምን እንድ ‘ዮም? እቶም መራሕቲ ሃይማኖት እቲ ቀንዲ ስርሖም ንዝተባእሰ ምዕራቕ ንዝሓመመን ተስፋ ዝቆረጸን ምብጻሕን ተስፋ ምሃብን ከሎ ፡ ትም ኢሎም ህዝቦም ኣማዕድዮም ክርእዩ ሕጂ እንታይ ወረዶም?

 

እቲ ምኽንያት ካልእ እዩ። ፍሉይ ሰብ ረብሓ ፖለቲከኛታት ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከናቁቱ ዝፈጠርዎ ሽርሒ ‘ዩ። ንሶም ከምዚ ይብሉና፡ ኢትዮጵያውያን ባሕሪ እዩ ሕልሞም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣይንታዮምን ‘ዩ፣ ብኣንጻሩ ኤርትራውያን ንኢትዮጵያውያን ይንዕቅዎም ይብልዎም። ሃይለስላሴን ደርግን፡ ኤርትራ መሬታ ‘ምበር ህዝባ ኣየድልየናን ‘ዩ ንምባል “ኣብ ባሕሪ ዘሎ ዓሳ ንምጽናት ነቲ ባሕሪ ምድራቕ” ኢሎም ንህዝቢ ኤርትራ ኣለዓዒሎሞን ጽልኢ ኣንጻር ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዘሕድር ጌሮሞ። ብኣንጻሩ ንዕቀት ኤርትራዊያን ንምግላጽ ንኣብነት  ኣቶ ገብሩ ኣስራት ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ከሎን ነቲ ውግእ ከጎሃህር ከሎ ዝተጠቀመለን ክልተ ሓረጋት፡ “ኤርትራዊያን ሓንቲ ድሙ ንሓምሳ ኣናጹ፡ ሓንቲ ፊሊት ንሚእቲ ሃመማ ኢዮም ዝብሉና”  ዝበሎ ዓይነት፡ ከምኡ ኢሎም ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኤርትራዊያን ከምዝቅየሙዎም ጌሮም። እቲ ሓቂ ግን ከምቲ ዝብልዎ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኒዒቁ ኣይፈልጥን ‘ዩ። ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከኣ ባሕሪ ንኸይጥቀም ህዝቢ ኤርትራ ኣይከልከሎን። እቲ ዘሕዝን ክሊቲኡ ህዝቢ መጋበርያ ፍሉይ ሰብ ረብሓ ፖለቲከኛታት ክሊቴን ሃገራት ምዃኑ እዩ። እቲ ጭቡጥ መርትዖ፡ ድሕሪ እቲ ግናይ መጋበሪ ውግእ፡ እቶም ህዝቢ ኣብ ዝተራኸብሉ ኣጋጣሚታት ጽልኦምን ቅየመይቶኦምን ገዲፎም ከም ቀደሞም ሕውንውቶም ንኽቕጽሉ ኣይኣገሞምን። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ ርዋንዳ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራዊያንን ኣብነት ሂበ ኣለኹ።

 

ትዕዝብተይ ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተንቀሳቀስኩሉ ዝተዓዘብክዎ ‘ዩ። እዞም ህዝቢ ነንሕድሕዶም ዝተሓላለዩ ዝተሓሳሰቡ ኣሕዋት ህዝቢ’ዮም። ኣብ መንጎኦም ዘሎ ምትሕስሳብን ምትእልላይን ምትሕልላይን መግለጺ ትስእነሉ። ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ናይ ገብርኤል ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ብሓባር ሃኒጾም ሓቢሮም ንእግዚሂሮም የምልኹ። ክልተ ካሕናት ማለት ሓደ ካህን ካብ ኤርትራ ሓደ መነኩሴ ከኣ ካብ ኢትዮጵያ ኣምጺኦም ምስቲ ሓደ ካህን ብኣጋጣሚ ብስደት ካሕን ብሓባር ከምልኹ ምራኣይ ንላዕሊ ዘሐጉስ ነገር እንታይ ኣሎ? መርዓን ጥምቀትን ጸብልን ሓቢሮም ይጽንብሉ። ንናይ ክሊቲኡ ህዝብታት ኣጋይሽ ክሊቲኦም ወገናት ብመዓረ ይቅበሉ። እሞ ነዚኦም ወከልቲ ናይ ክልተ ጸላእቲ ሃገራት ህዝቢ ክንብሎም ንኽእል ዶ? በየናይ መዐቀኒ! እንድዒ። ትማሊ ትማሊ ንኣቦይ ወይ ሓወይ ወይ ሓፍተይ፡ ሓውኻ ወይ ሓፍትኻ ወይ ኣቦኻ ቀቲሊለይ ነይሩሞ ንሕና ‘ውን ተባኢስና ንንበር ኣይበሉን። እቲ ሓቂ ኣብኦም ‘ዩ ተገሊጹ። ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህዝቢ ኢትዮጵያ ውግእ ኣየልዓለን። ህዝቢ ኢትዮጵያም ከምኡ። እዚ ዓቢ ጭብጢ ‘ዩ። እቲ ውግእ ዝተወለዐ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ዝተገብረ ምትፍናን ‘ምበር። በዚ ኣጋጣሚ ንልቦናን ውሕልነትን ወደብቲ ናይዞም ክልተ ህዝብታት ልባዊ ኣድናቆተይ ክገልጸሎም እፈቱ። ናይ ክሊቲኦም ህዝብታት ለባማትን ዓበይቲን ወከልቲ ኣብዛ ኪጋሊ ተራኺቦም። ከምኦም ይብዙሑልና።

 

ኣብዛ ቀረባ መዓልቲ ብዛዕባ ፍረሰላም ሙሴ እዩ ዘሎ እቲ ዘረባታት። ምስ ራድዮ ወጋሕታ ኣብ ገበሮ ቃለ ምሕትት ካብ ዝተዛረቦ  “ካብ ‘ቲ ሓደ ቤተይ ናብ ‘ቲ ካልእ ቤተይ እየ መጺአ” ትብል ሓረግ ቆንጺልካ ብምውሳድ፡ ንብዙሓት ዓያሹ ወይ ዑሱባት መንግስቲ ኢሳይያስ ከምዘቆጠዓቶም ካብቲ ዝሃብዎ ርእይቶታት ተዓዚበ። ንሱ ብናይ ንእስነት ኣተሓሳስብኡን ብገርሂ ልቡን ነቲ ቅኑዕ ሰብ ዝሓስቦ ሓቂ እዩ ተዛሪቡ። ንሱ ከም ህዝቢ ኮይኑ ‘ዩ ሓሲቡ ‘ምበር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣየከሻከሸን። ደሓር ከኣ እዚ ፉሕ ፉሕ ዝብል መንእሰይ ናይ ንእስነት መንፈሱ ዝተጎድአ መንእሰይ ናበይ ይኺድ? ናብ ሱዳን እንተልኩም፡ ተጋጊኹም። ሓቂ ‘ዩ ህዝቢ ሱዳን ሓው ህዝቢ ኤርትራ ‘ዩ። እቲ ካልእ ሓቂ ከኣ መንግስቲ ኣልበሽር ሽርካ መንግስቲ ኢሳይያስ ‘ዩ። እቲ ዝግበር ንርእዮን ንሰምዖን ከምዘሎና መንግስቲ ኣልበሽር ነዚ ዕምባባ መንእሰይ ቀንጢሱ የሕሊፉ ንመንግስቲ ኢሳይያስ እንተሃቦ ኸ? ኣይግበርን ኣይበሃልን፡ ይግበር ‘ዩ። እንተወሓደ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዚ ኣይገብርን።

 

እዚ ብሰበብ ኣስባብ ዝተወለዐ ናይ ዶብ ውግእ፡ ዘበገሶ ብህዝቢ ናይ ምቁማር ጠላዕን ህልኽን ንኽሊቲኦም ህዝብታት ግዳይ ክገብር ከሎ እዞም ክልተ የሕዋት ህዝብታት ነንሕድሕዶም ተደናጊጾም እዮም። ደም ዝንዛዕ ነቢዖም እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ብኣልማማ ካብ ኢትዮጵያ ክስጎግ ከሎ ዝተደናገጹ ኢትዮጵያውያን ኣይነበሩን ‘ድዮም? ከምኡ’ውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ክስጎጉ ከለዉ ዝተደናገጽና ኤርትራዊያን የለናን ‘ዲና? ኣነስ ከምዘሎና እየ ዝኣምን። ኣነ ንባዕለይ ጭብጢ ‘ዩ። ካብ ወረደና ኢልና ዝተቀበልናዮ ምፍልላይ ‘ምበር ብልብና ዝተቀበልናዮ ኣይነበረን። ኣነ ዝኣምን እዞም ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዘይ ናይ መንግስታት ምትእትታው፡ ንግሆ ነጻ እንተዝግደፉ፡ ድሕሪ ፋዱስ ኹሎም ኣብ ሓደ መኣዲ ከምዝርከቡ ብዘይ ጥርጥር ምተዛረብኩ። እስኪ የሓዋት ከምቲ ንዓይ ዝስመዓኒ ንዓኹም ይስመዓኩም ‘ዶ ይኸውን? እስኪ ክሓተኩም፡ ምስ አሕዋት ሶማላውያን ወይ ምስ ኣሕዋት ኢትዮጵያውያን ንሓደ ለይቲ ደቅሱ እንተትበሃሉ ምስ መኖም ቀሲንኩም ምደቀስኩም? እንተ ኣነ፡ ሶማላውያን ዘይጓድኡ ጥዑማት ሕያዋት አሕዋት ‘ዮም። እንተኾነ ካብ እመትም ስድሪ ኣላታ እዩ ዝበሃል እሞ ኣነ ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋተይ በጥ ኢለ ከሓድር ቅሳነት ይህበኒ። ህዝቢ ሶማል ሰላማዊ እዩ እንተኾነ ‘ውን ምስ ኢትዮጵያውያን እንተሓዲረ እየ  ልበይ ዝወድቀለይ ምበልኩ። ምኽንያት ናይ ሓባር ባህልን እምነትን ቋንቋን ስለዘለና።

 

ኣነ ዝኣምን፡ ውግእ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ህዝብታት ዝተከሰተ ሰኣን ድኹም ምሕደራ እዞም መራሕቲ ተብየው ክልተ መንግስታት እዩ ነይሩ። ኣብ ክቢ ጠረጰዛ እሂም ሚሂን ተባሂሉ ዝውዳእ ነገር፡ ውግእ ንከይልዓል ትብዓት ዝሰኣኑ ክልተ ደለይቲ ሰብ ዝና  እዞም መራሕቲ እዞም ክልተ ህዝብታት ዝተወለዐ ‘ዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣሎኒ። ብመትከል ኣመኽንዮም ዝነገሩና ፕሮፖጋንዳ እንተ ተታሊልና እንተ ተገዲድና ተቀቢልና ዶ ኣይኮነን ስዒብናዮም? ብሰንኪ ድፉን ኣተሓሳስባ እዞም መራሕቲ ዘንቀሎ ሕሰምን መከራን እዞም ኣሕዋት ኣህዛብ ይሳቀዩ ‘ለዉ።

 

ህዝብታት ምኽንያት ውግእን ጽልእን ከምዘይኮነ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርክብ ዓቢ ጭብጢ እዩ። ንዓይ እዚ ሓቂ እዚ ተደጋጊሙ ክቃላሕ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ናይ ዜና ኣውታርና ግን ኣይግድን። ብፍላይ ንህዝቢ ቆይምና ኣለና ዝብላ ተቃወምቲ ሜድያታት። ኣብ ዝተፈላለየ ሜድያታት ብዛዕባ ህልው ኩነታት እዞም ህዝብታት ዝዝርግሑ ዜናታት ወይ ዝንበቡ ጽሑፋት ዕግበት ኣይህቡንን እዮም። ብቀንዱ ነተን ቀንዲ ሕቶታት ኣብክንዲ ዝምሉሱን መፍትሔ ዘናድዩሉን ዝተዘበራረቀ ውዥንብር ዝነዝሕ ዝፈላልን ዜናታትን ጽሑፋትን ክፍንዋ ከለዋ ትግረም። ዕላማ እቲ ጸሓፋይ ዘይኮነስ ዕላማ እተን ናይ ዜና ኣውታራት ኣብ ምጥርጣር ትኣቱ።  እቶም ጸሓፍቲ ዝበሃሉ ምናልባሽ ካብቶም ሰብ ፍሉይ ረብሓ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እተን ንህዝቢ ኢና ንውክል ዝብላ ሜድያታት ግን ክወቅሰን ይደሊ። ክሳብ መዓስ ኢና መጋበርያ ንኸውን? መዓስ ኢና ነቲ ህርመት ልቢ ህዝቢ ኣድምጺና ነቃልሖ? ሕቶይ ክሳብ መዓስ ኢና ንዕረ ብማዓር ሸፊንና ክንከይድ?  ንኽፋእ መሸፈኒ ምኽንያት መሃብ መዓስ ኢዩ ደው ዝብል? ክሳብ መዓስ ኢና ነቲ ሓቂ ክንዓብጦ ክንፍትን? መዓስ ኢና መቀነት ኣደይ ዓንቂፊኒ ገዲፍና ኣብ ነኣሽቱ ነገራት ኣድህቦ ምሃብ ገዲፍና ኣብቲ መሰረታዊ ነገር ነተኩር?

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
46 COMMENTS
  • berhe February 26, 2015

    LEBAM WEDI LEBAMAT KEMAKA YEBZIHAYOM, ABI SEB ABI HASAB YIHASIB…….

  • brhane February 26, 2015

    Fikiri love, amore, mahiba,wezet eritreawianin ethiopiawianin gele kab tarik kem nrdio, zimdina raesi welde-michealen raesi-yohansin bwuhudu kidmi 150 amet abilu egebr raesi welde-micheal ms msrawin ab eritrea kunat getimu buzuhi bret sle zimareke raesi yewhans mekeleni elu leminiwo mimkal sle ziabeyo raesi ms serawitu sedidu tewageewo melasi awyat zeyblu ab kebabi Asmara tsenitu terifu, bdhiri ezi raesi yohans ms raesi alula temakirom gziatkan shimetkan kinfetelka ena elom, mihilom tihilo. Raesi welde-micheal wn sle ziamenom tsnbl nay raesinetu ab tigra kigberelu sidrueun ashekurun hizu nab eti tsibl atewe. Raesi yohans wn dbya atswidulu sile zitsnhe.ab das ms atew akibibu maroko. Bdhri ezi dma eyu nderho ekili hibka nhamasienay mihilka tihilka zitebahile. Slezi ato debre nisika wn timihil tithil zeleka temesil, wey wn bzuh zey besele negerat alewo tsuhufka.

  • crystal clear February 26, 2015

    ጢልያውን ይፋተዉ እሞ ግን በብብያትኦም ይበልዑ ዝብሃል ኣዛራርባ ኣሎ።ኤርትራዊ ንኢትዮጵያውያን ኣይጸልእን እዩ ዝተማረኹን ጠበንጃታቶም ገዲፎም ዝሃደሙን ወትሃደራት ቅጫን ማይን እናሃበ የሳግሮም ኔሩ።ንኤርትራ ብተወልጀ ደቂ ትግራይ ጎጃምን ጎንደርን ዝኾኑ ማሕበር ኣንድነት መስሪቶም ንህዝቢ ኣፋራሪሖም ንሃገርና ብሓይሊ ምስ ሃገሮም ዘላግቡ ንመሬትና ባድመ ቅድሚ ዓሰርተ ሾውዓተ ዓመት may 1996 ወሪሮም ምስ ሓዙ ክሳዕ ሕጂ ኣይተ ወለሓርያትዶ ኣይተ ገረችኣል ዝጓስየሉ ዝነበረ መሬት ትግራይ እዩ ኢሎም ምስ ሕብረተሰብ ዓለም ብሕልፊ ምስ ኣሜሪካ ተማሳጢሮም ደቂ ሃገር ካብ ኢትዮጵያ ኣውጺኦም ሃብቶም ራስዮም ክሳዕ ሕጂ ንኤርትራ ከጥፍኡ ዝደልዩ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን እዮም።ብጀጋኑ ተጋደልትና ከቢድ መሳርያ ተዋጊኦም ኣብ ስልጣን ኮፍ ዘበልዎም ንኤርትራ ብኤኮኖምያዊ ሽጣራ ተጠቒሞም ዓሰብ ክንዲ ዝጥቀሙ ጅቡትን ኬንያን ፖርት ሱዳንን ተጠቒሞም ሃገርና ንታሕቲ ዝሰድዋ ዘለዉ ዘልኣለማውያን ጸላእቲ ከመይ ጌርና ከነፍቅሮም ? እንተዘይጸላእናዮም እውን ፈጺምና ክንትዓረቖም ኣይንኽእልን።

  • Felega February 26, 2015

    ዝኸበርካ ደብረ፤

    ለባም ወረጃ፣ ብመንነትካን እንታይነትካን ብትሕትና እትኮርዕ፤ ታሪኽካ ኣሕዋትካን ጎረባብትኻን ብጉብእ እትርዳእ ስለ ዝእዝኾንካ ምስጋናይ ይብጻሕካ። ከምዚ ናትካ ሃናጺ ሕውነታዊ ርኢቶታት ይብዝሑ። ንኣሓዋት ህዝብታት እትዮጵያን ኤርትራን ዘደልድል ሕውነታዊ ጽሑፋት ቀጽሎ፣ ተስፋ ከይቆረጽካ።

    ከምዚ ናትካ ኩርዓትን ሕውነትን ኣብ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያን ዓፋር ተዓዚበዮ ኣለኹ። ስጋብ ሕጂ ዶብን ፖለቲካን ከይዓጀቦም ይዋሰቡን ይተሓላለዩን ኣለዉ።

    ኣሕዋትናን ኣሓትናን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝብታት ዓፋርን ትግራይን፣ ንኹሎም ንስደተኛታት ኤርትራውያን፣ ካብ ብሄረ ሳሆ ትግሪኛ ኩናማ ዓፋር ብሓባር፣ ጆባእ ኢሉ ተቐቢሉ ዑቕባ ስለ ዝሃበ ምስጋናይ ኣብጽሓለይ።

Post a Reply to Felega Cancel Reply