Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጻውዒት ንሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀኔቫ

ኩላቶም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ኣህጉራውያን መሓዙቶምን ከምዝፈልጥዎ፡ ናይ ስርዓት ህግደፍ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ካብ 2012 ጀሚሩ፡ ኣብ ጽዑቕ ምርመራ ከምዝርከብ ፍሉጥ’ዩ። እቲ ብናይ ወድብ ሕቡራት ሃ

ኩላቶም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ኣህጉራውያን መሓዙቶምን ከምዝፈልጥዎ፡ ናይ ስርዓት ህግደፍ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ካብ 2012 ጀሚሩ፡ ኣብ ጽዑቕ ምርመራ ከምዝርከብ ፍሉጥ’ዩ።
እቲ ብናይ ወድብ ሕቡራት ሃ…ገራት ፍልይቲ መርማሪት ሚስ. ሸይላ ኪታሩት ዝጀመረ ምጽራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ተሰጋጊሩስ፡ ካብ ሰነ 2014 ኣትሒዙ ከኣ ብደረጃ መርማሪት ኮምሽን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይስርሓሉ ከምዘሎ ብሩህ’ዩ። እታን ሓያሎይ ኣዋርሕ ጽዕቕ ምርመራ ከተካይድ ዝጸንሐ መርማሪት ኮምሽን፡ ዛዛሚ ናይ ስራሕ ጸብጻባ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ሰነ 2015፡ ናብቲ ዝመዘዛ ኣካል ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ማለት ናብቲ ኣብ ጀኔቫ ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ፡ከተቕርብ ትጽቢት ተነቢሩላ ኣሎ። ከምቲ ድሮ ኣብ ናይ መጋቢት 2015 ሓጺር ጸብጻባ ገሊጻቶ ዘላ፡ እታ መርማሪት ኮምሽን፡ ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ናይ ኤርትራ ትርንዕ ዝበለ መደምደምታታት(solid findings) ከተቕርብ ምዃና ትጽቢት ተነቢሩላ ኣሎ።
እቲ መስርሕ ምርመራ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ስርዓት ህግደፍን ኣመኻነይቱን “ብናይ ወጻኢ ሓይልታት” ዝተጠጅአ ውዲት ኣምሲሎም ክገልጽዎ ከምዝጸንሑ ፍሉጥ ኮይኑ፡ እቲ ሓቂ ግን ካብኡ ዝፍለ ምዃኑ ንኹሉ ብጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝግደስ ዘበለ ብሩህ’ዩ። ብርግጽ ድማ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ፡ ብገበናት ህግደፍ ዘስካሕክሑ፡ ይዕበ ይንኣስ ድማ በቲ ስርዓት ዝተፈላለየ በደላት ዝወረዶም ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝድግፎዎን፡ ንትርግታ ልቢ ብዙሓት ኤርትራውያን ድማ ዘድመጸን መስርሕ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን።
ነዚ ንምርጋግጽን ነቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምምርማር ገበናት ዘለና ደገፍ ብዘየማትእ መገዲ ንምምስካርን፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዕለት 26ሰነ 2015፡ ኣብጀኔቫ (ስዊዘርላንድ) ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር መዲብና ስለዘለና፡ ኩሉ በዚ ጉዳይ’ዚ ዝግደስ ኤርትራዊ፡ ኣብቲ ዕለት’ቲ ክጽንበረና ጻውዒትና ነቕርብ።
ኣብ ስዊዘርላንድ ዝመደበሮም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ምስ ካልኦት ጉዱሳት ኤርትራውያን ድሕሪ ዘካየድዎ ዝርርብን ምርድዳእን፡ ነዚ ዝግበር ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ እተማእዝን ኣወሃሃዲት ሽማግለ ተመዚዛ ነቲ ስራሕ ድሮ ጀሚራቶ ከምዘላ እንዳዘኻኸርና፡ ካብ ስዊዘርላንድን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ከዐውቱ ዝብገሱ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ፡ ንምውሃህድ መደባት መታን ክጥዕም፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ናይ ኢመይል ኣዳራሻን ናይ ቴሌፎን ቁጽርን ብምጥቃም ብዛዕባ መደባቶም ምስታ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ከመያየጡ ንጽውዕ። ንዝርዝር መደባት ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ከምኡውን ቅድምን ድሕርን እቲ ዕለት ብዛዕባ ዝህሉ ተመላላኢ መደባት ብዝምልከት፡ በብግዚኡ ኣብ ዝወጽእ መብርሂ ክሕበር ምዃኑ ድማ ነዘኻኽር። እቲ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ትሕቲ “ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የብቅዕ!” (End Impuniy in Eritrea!) ዝብል ጠማሪ ጭርሖ ወይ ቴማ ዝካየድ ክኸውን’ዩ።
ቀንዲ ዕላማ ናቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምርመራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘለና ደገፍ ዝገልጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ክገትእ ዝኽእል ጭቡጥን ግብራውን ስጉምታት ክወስድ ዝጽውዕ እንኮላይ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሳሕቲ ጥራይ ዘጋጥምን ዘይድገምን ዕድል ተረኺቡ እንከሎ ብኣድማዕነት መታን ክንጥቀመሉ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ተሳታፍነቱ ከዕዝዝ ይጽዋዕ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የብቅዕ!

ኢ-መይል፡- demogeneva@gmail.com
ቁጽሪ ቴሌፎን(ብቛንቋ ዓረብ ንዝግበር ርክባት)፡-+41 765445445;+41765416096
ቁጽሪ ቴሌፎን (ብቛንቋ ትግርኛ ንዝግበር ርክባት)፡-+41 76 492 32 89; +41 76 382 86 06; +41 766154203

ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Baduri himedin June 5, 2015

    It is definite that the special envoy from Human Rights is going to confirm Human Rights Violation in Eritrea!!

  • Natnael June 5, 2015

    “…ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ክገትእ ዝኽእል ጭቡጥን ግብራውን ስጉምታት ክወስድ ዝጽውዕ እንኮላይ እዩ። ”

    Where is ማሕበረሰብ ዓለም by the way? Does it still exist at all? Or is ስርዓት ህግደፍ authorized by ማሕበረሰብ ዓለም to inflict the crimes, because Eritreans would understand only the language of terror und crime? The behaviour of UNHCR and its Chief is a clear testimony! It watched the crimes (especially in Sinai) but it does nothing since 2006.

    For myself the results of the investigation will have neither a meaning nor any consequences, it is just a theatre as a usual UN-Job. This psychological investigation process can atmost keep the Eritreans in a protesting mood hoping for results that use nobody. My expectation from UN = NULL. From systematical annexation of Eritrea with Ethiopia until the Badme-verdict, UN has been unjust to Eritrea!

    ስርዓት ህግደፍ does crimes and ማሕበረሰብ ዓለም is always silent. What is the difference then between ማሕበረሰብ ዓለም and ስርዓት ህግደፍ? Both are just criminals !

    => Blessed are those who believe without seeing anything!

Post a Reply to Baduri himedin Cancel Reply