Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸጒረይ ክምሸጥ! “ኣንታ ነዚ ዲኻ ተበጂኻ!? መልሰለይ’ባ!?” ብሓቂ ዘጓነፈኒ ፍጻመ።

ጸጒረይ ክምሸጥ!   "ኣንታ ነዚ ዲኻ ተበጂኻ!? መልሰለይ'ባ!?"   ብሓቂ ዘጓነፈኒ ፍጻመ።   ኣብ ከባቢ ገዛውትና፡ ኣብ ማይጭሆት እትርከብ፡ ኣብ ቤታ ቁጅና ሳሎን ዘሎዋ መሻጢት'የ፡ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ንግሆ ኣትየ። ጸጒረይ ፈቲሓ ክሳዕ ብቢጎዲኒ ትጥቕልለለይ ከኣ ናብታ ካብ ሓደ ኣንጎሎ

ጸጒረይ ክምሸጥ!
 
“ኣንታ ነዚ ዲኻ ተበጂኻ!? መልሰለይ’ባ!?”
 
ብሓቂ ዘጓነፈኒ ፍጻመ።
 
ኣብ ከባቢ ገዛውትና፡ ኣብ ማይጭሆት እትርከብ፡ ኣብ ቤታ ቁጅና ሳሎን ዘሎዋ መሻጢት’የ፡ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ንግሆ ኣትየ። ጸጒረይ ፈቲሓ ክሳዕ ብቢጎዲኒ ትጥቕልለለይ ከኣ ናብታ ካብ ሓደ ኣንጎሎ ጀሚራ ንጸጋም ወገን ናይቲ ዝነበርኩዎ ገዛ፡ ኣብ ላዕለዋይ ኣካል ናይቲ መንደቕ፡ ናብቲ ናሕሲ ገጻ ተስፋሕፍሕ ዝነበረት ሓረግን ናብቶም ኣብ ትሕቲኣ ዝነበሩ ሓደ ስውእ ዝርከቦም፡ ስእሊ ስድራ ቤት ናይቲ ገዛን ይዕዘብ ነበርኩ። ንኹሉ ጸጒረይ ብቢጎዲኒ ጠቕሊላ ምስ ወደአት ከኣ ካስኮ ኣብ ርእሰይ ኣእትያ፡ “ንቐጺ በሊ፡ ጋዜጣዶ ዚንበብ ክህበኪ?” ብምባል፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣቐቢላትኒ ናብተን ካልኦት ዓማዊላ ገጻ ኣዞረት። ነታ ዝሃበትኒ ጋዜጣ ገናጺለ ኣርእስታት ጥራይ እናነበብኩ ሕልፍ ሕልፍ ምስ በልኩዋ፡ ንኣኣ ንጸጋመይ ድርብይ ኣቢለ፡ እንደገና ኣዒንተይ ናብታ ጽብቕቲ ሓረግ መለስኩወን። ከባቢ ሓሙሽተ ደቂቕ ይኸውን ኣብ ርእሰይ ‘ጂጅ’ ዚብል መንቀጽ ጸጒሪ ኣጥሊቐ ምስ ኣንቀጽኩ ከኣ ብሃንደበት ኤለትሪክ ስለ ዝወሰዱዋ ኩሉ ነገር ጸጥ በለ።
 
“እውይ! ኣየ ናብራ! ኣየ ውርደት! ግብዶ ኣቢሎማ ኣቲ ከም ኣመሎም!?” እናበለት፡ እታ ንሓንቲ ካብተን ኣብ ጎድነይ ዝነበራ ጎራዙት፡ ጸጒሪ ርእሳ ንምሕጻብ ትሻባሸብ ዝነበረት ዋና ገዛ፡ ናባይ ገጻ ቀረበት። ኣነውን ዋላ ደኣ ናብ ኤርትራ ካብ ዝኣቱ ሰሙነይ ይግበር’ምበር እቲ ኤለትሪክ ብሃንደበት ናይ ምጥፋእ ጉዳይስ ተለማሚደዮ እየ ቀንየ። ንክልተ ዓመት ዚኣክልውን ተመኲረሉ’የ። በዚ ከኣ ግዜ ክቐትለለይ ብምዃኑ ደኣ ሓሪቐን ጉህየን’ምበር ከምቲ ፈላማስ ኣይሰንበድኩን። ብልበይውን ‘ለካ ዘይንቡር ነገርውን ከም ንቡር ይልመድ’ዩ!’ በልኩ። እተን ብየማነ ጸጋመይ ዝነበራ ጎርዙት’ሞ ከኣ “ኣየ እንዳ ሻዕብያ፡ ናብ ገጠር ቀይሮማ ነስመራና!” ብምባል’የን ብሰሓቕ ክርትም ኢለን።
 
“ኣቲ ቀስ’ንዶ በላ? ነዛ ጋሻ’ኮ ረቢሽክናኣ!” ብምባል፡ ድምጻ ዓው ኣቢላ ኣጓጠጠትለን ዋና ገዛ። ‘ኣይ ጸገም የብሉን፡ እንታይ ጌረናኺ?’ ምስ በልኩዋ ነቲ ኣብ ርእሰይ ኣጥሊቐዮ ዝነበርኩ ካስኮ እናውጻእኩ ከኣ፥
“እዋእ! እንታይከ ዘይገብራ! እዚ የብኪ’ምበር የስሕቕድዩ ክንድ’ዚ ካዕካዕ ዝብላ! ጉድ እኮ ኢና ረኺብና ዘለና! በዛ ጉልበትናን ብልሓትናን ሰሪሕናውን እኮ ድራር ዕለትና ክንምእርር ኣይከኣልናን!” ብምባል፡ ነቲ ካብ ርእሰይ ዘውጻእኩዎ ካስኮ ተቐቢላ ኣብቲ ኣብ ጸጋማይ ጎድና ዝነበረ ጣውላ ብምቕማጥ፡ ናብታ ኣብ እግሪ’ታ ሓረግ ዝነበረት ተሌፎን ከይዳ ስልኪ ክትድውል ጀመረት።
 
“ሃለዉ ምጽላል ሓብተይ? ከመይ ውዒልኪ? ኣምላኽ ይመስገን። እወ ኤለትሪክ ወሲዶማ! ኣባኻትኩም ግን ኣላ ምሽ? ጽቡቕ። በሊ ኣርባዕተ ዓማዊል ኣሎዋኒ’ሞ ሕጂ ክሰደልኪ’የ። በቃ ሕራይ። ሕጂ ሕጂ ክሰደን’የ። ሕራይ በሊ ቻው” ብምባል፡ ለዓት ተሌፎን ኣብ ሰፈራ ኣቐሚጣ ናባይ ገጻ ብምምጻእ፡
“በሊ ዝሓፍተይ ከሸግረኪ? መሳርሕተይ ኣብ ጣባ ስለ ዘላትንስ ናብኣ ክትከዲ’ሞ ንሳ ጸጉርኺ ክትውድኣልኪ?” ብምባል፡ ዓይኒ ዓይነይ እናጠመተት ተወከስትኒ።
‘ንጣባ ክኸይድ?’ ክሳደይ ኣንቃዕሪረ ሓተትኩዋ።
 
“እወ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር መዓረይ? ኣይትሓዝለይ? ከምዛ ዝረኣኻያ ኮይና ናብራና!” ብምባል፡ ምስ ኣስተማሰለት፡ ‘ኦኬ ጸገም የለን ደሓን ይኸይድ’ ብምባል፡ ሞባይለይ ካብ ቦርሳይ ኣውጺአ፡ ናብቲ ቅድሚ ሰሙን ካብ ኤየርፖርት ናብ ገዛና ዘብጽሓኒ ታክሲስታ ተሌፎን ደዊለ፡ ቀልጢፉ ኪመጸኒ ከም ዘለዎ ሓበርኩዎ። ኣይደንጎየን ንሱውን ቀልጢፉ ስለ ዝመጸኒ፡ ኣድራሻ ናይ መሓዛኣ ሂባትና፡ ነተን ኣብኡ ዝጸንሓ ሰለስተ ዓማዊላውን ‘ንእግረ መገድኹም ተማልኡለይ?’ ብምባል፡ ምሳና ኣበገሰተን።
 
ኣብ ጉዕዞና፡ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ኣብ ድሕሪት ኮፍ ኢለን ዝነበራ መጓዓዝትና፡ ናባይ እናጠመተት፡
“ኣሸጊርናኪዶ ዝሓፍተይ?” ክትብል ተወከሰትኒ።
‘ኣይ ጸገም የብሉን። ኣየሸገርክናንን። ዘይንእግረ መገድና ኢና ንማላኣክን ዘለና’ ምስ በልኩዋ ፍሽኽታ ኣሰንየ ከኣ፥
“ጋሻ ኢኺ ምሽ? ካበይ ኢኺ መጺእኪ?” ሕቶኣ ቀጸለት።
‘ካብ ጀርመን’ መለስኩ ክሳደይ ጠውየ ናብኣ እናጠመትኩ።
“ኦ! ጀርመን? ሓንቲ ኣስመረት ትብሃል፡ ብዓልቲ ሓዳር  ሓብተይ፡ ኣብኡ ትቕመጥ ኣላትኒ። ትፈልጥያዶ ትኾኒ?” ብምባል ምስ እንደገና ተወከሰትኒ፡ ‘ኣይ፡ ኣይፈለጥኩዋን።’ መለስኩላ ቅልጥፍ ኢለ።
“እዋእ! ኣንቲ ሓብትና ጀርመን’ኮ ኣባሻውል ኣይኮነን! ኩሉ ሰብ ንሓድሕዱ ኣይፋለጥን’ዩ። ከመይ ጌራ ክትፈልጣ!” ብምባል፡ እታ ኣብ ማእከለን ዝነበረት መሓዛኣ ብሓውሲ መግናሕቲ መለሰትላ።
 
“ኣንቲ መዓረይ፡ ኣብቲ ጀርመንከ ከምዚ ናይ ዓድና ጸጒርኽን እናተመሸጥክን ከለኽን ወይ መጎጎ ኣጒድክን እናሰንከትክን ከለኽንስ ኤለትሪክ ከይዳትክንዶ ትፈልጥ?” ኢላ እታ ብድሕረይ ኮፍ ኢላ ዝነበረት ሳልሰይቲ መጓዓዝትና ምስ ሓተተት፡ ክልቲአን መሓዙታ ካዕካዕ ኢለን ሰሓቐኣ’ሞ ኣነን ብርሃነ ታክሲስታንውን ምስኣተን ፍሽኽ በልና።
 
“ኢሂ እንታይ ኴንክን ደኣ ትስሕቓ!? ኖርማል ሕቶ እኮ’የ ሓቲተ ይመስለኒ!?” መለሰት ሓታቲት ድምጻ ዓው ኣቢላ፡ ብሳሓቕ መሓዙታ ከም ቁጥዕ ኢላ።
“በጃኺ ኢለኪ መሓዛይ! ከመይ ጌሩ’ዩ ኖርማል ዚኸውን! ብዛዕባ ጀርመን’ኮ ኢና ንዛረብ ዘለና! ኣይኮነንዶ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ጀርመንስ ኣብዛ ድሕርቲ ትብሃል ኣፍሪቃውን ትኹን፡ ከምዚ ኤርትራ ዘላቶ ጸገም፡ መከራ ዘሎዋ ሃገር የላን! ባኒ፣ ማይን ኤለትሪክን’ኮ መሰረታዊ መሰላት ወዲ ሰብ’ዮም መሓዛይ! ዓለም ከኣ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን’ያ ትነብር ዘላ! በቃ ወዲ ቅጫን ጀነራላቱን ብናይ ዓራርብ ምሕደራ እናማሓደሩ፡ ‘ንሕና ብላምባዲና እናተጓዓዝናን ኣቑጽልቲ እናበላዕናን ኢና ካብ በረኻ ናብ ከተማ በጺሕና’ሞ ንስኻትኩምውን እቲ ንሕና ዝሓለፍናዮ መከራ ቅሰሙዎ’ ብምባል፡ ኣብ ጸላም እንተ ኣንበሩናስ ገና ዓለም ኩላ ከውታ ዘላ መሲሉኪ! በቃ ጀርመን ትኣክል ምዕብልቲ ሃገርስ ከም ሃገርና ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ክትነብር ደሊኽያ!” ብምባል፡ ዕትብ ኢላ መለሰትላ።
 
ኣነውን ብግደይ ንሕቶኣ ከብርሃላ ፈተንኩ። ብድፍረት ናይታ ጓል ስለ ዝተጠራጠርኩ ግን ትም ክብል ሓሰብኩ። ምናልባት ሓንቲ ካብዞም እዚ መንግስቲ ‘ሃገራዊ ድሕነት’ ዝብሎም ሰብ ዘሕቕቑ ኣጋንንቲ ከይትኸውን ሰጋእኩ። ደሓር ግን እዚ ኣባሃህላ’ዚ፡ መንግስቲ ንህዝቢ ንሓድሕዱ ከምዘይትኣማመን ንምግባር፡ ኮነ ኢሉ ዘተኣታተዎ ናይ ራዕዲ ሜላ’ዩ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ መለስኩላ ደኣ።
 
‘ኣብ ወጻእስ ብገለ ጸገም ማለት፡ ዋላ ብሓደጋ ይኹን ብተክኒክ ምኽንያት ኤለትሪክ እንድሕር ደኣ ተቛሪጻትና፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰዓት ኣዕርዮም ክመልሱዋ ኣለዎም። ከምኡ እንተዘይጌሮም ግን ንነፍሲ ወከፍ ገዛ ይቕሬታ ሓቲቶም፡ ናይ ገንዘብ ካሕሳ ክኸፍሉዎ ይግደዱ’ዮም። ክትጠፍእ እንተ ኮይና ከኣ ብዘይካ ብሓደጋን ናይ ተክኒክ ጉዳይን እንተዘይኮይኑ ብኻልእ ምኽንያትስ ኣይትጠፍኣናን’ያ! እዚ ዝበልኩኺ ሓደ ግዜ ንኣይ ካብ ዘጋጠመኒ’የ ዝነግረኪ ዘለኹ’ በልኩዋ ህድእ ኢለ።
 
“እንታይ ኣጋጢሙኪ?” ሓተት እንደገና ህውኽ ኢላ።
‘ሓደ ግዜ ኣነ ኣብ ስራሕ ከለኹስ ኤለትሪክ ናይ ገዛውትና ወሲዶማ ኔሮም ይመስለኒ፡ ንኣይ ግን ኤለትሪክ ሰዓት ኣርባዕተ ካብ ስረሕይ ምስ ተመለስኩውን ከምታ ንግሆ ክወፍር ከለኹ ዝገድፍኩዋ’ያ ከይጠፍአት ጸኒሓትኒ። ድሕሪ ክልተ ሰሙን ግን በዚ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም ናይ ይቕሬታ ደብዳቤ ኣቢሎም፡ 35 ዩሮ ካሕሳ ንኽኸፍሉኒ ቊጽሪ ባንከይ ምስ ሓተቱኒ’የ ብድሕረይ ወሲዶማ ከም ዝነበሩ ፈሊጠ። ቊጽሪ ናይ ባንኪ ሕሳበይ ምስ ሃብኩዎም ከኣ ኣብ ሳልስቱ ከፊሎሙኒ’ ምስ በልኩዎም፡ ሓንቲ ካብተን ብጽሞና ክሰምዓኒ ዝጸንሓ ሰለስተ መሓዙት ቅልጥፍ ኢላ፥
 
“ረአይ በሊ! ዓዲ ሰብ ዚብሃል እዚ’ዩ! ኣብዚ ነቲ ካሕሳ ኣይኮናን ክንርኢ ዘለና፡ ብሕጊ ዝመሓደር ሃገር ክሳዕ ክንደይ ክብሪ ሰብ ከም ዚሑሉ ኢና ተገንዚብና ዘለና። እምበር ብ35 ዩሮ ዝህብትም ወይ ዝደኪ ሰብ የለን! እዚ መሰረታዊ ቀረባት ምስኣን ማለት፡ ምስ ግህሰት መሰል ሰብ ስለ ዚቚጸር ከኣ ብሓደጋ ንዘጋጠመ ጉድለት ከይተረፈ ካሕሳ ከፊሎም ይቕሬታ ይሓትሉ ኣለዉ! ኣቤት ንሕናስ ኣበይ ኢና ንነብር ዘለና!? ወረ መዓስ ኢና ካብቲ በረኻ ሳሕል ንወጽእ!?” ብምባል፡ ናብ ናሕሲ ናይታ ተሳፊርናያ ዝነበርና ታክሲ ክሳዳ ኣንቃዕረረት።
“ትማሊ ኣብዛ ታክሲሲ ሓደ ሰብ እንታይ ኢሉ የዕሊሉኒ ይመስለክን” በለ ታክሲስታውን ብግደኡ።
“ህ? እንታይ ኢሉካ?” ሓተተት እታ ኣብ ማእከል’ተን ኣዋልድ ኮፍ ኢላ ዝነበረት ውዕይቲ ጓል ንመሓዙታ ብምቕዳም ናብ መንኩቡ ጽግዕ ኢላ።
 
“ገለ ካብዘን ‘ዋላ ዓዲ ግብ ትበል መንግስትና ወይ ሞት! ዕድመን ጥዕናን ጥራይ ንመራሒና!’ ዝብላ ኣደታት ዓዲ ጥልያንሲ፡ ከምቲ ኩሉ ሰብ ዝገብሮ ኣቐዲመን ፍቓድ ከይሓተታ፡ ክክልተ መኻይን ካብ ዓዲ ጥልያን ብመርከብ ናብ ኤርትራ ልኢኸን ካብ ወደብ ባጽዕ ከውጽአአን ምስ ከዳ፡ ሓላፊ ወደብ ከኣ ‘ብዘይናይ ፍቓድ ወረቐት ኣይነውጸአንን ኢና!’ ኢሉ ስለ ዝኸልከለን፡ ናብ ሚኒስተር ኣስካሉ መንቀርዮስ ከይደን መኻይነን ብዘይጸገም ካብ ወደብ የውጽኣ ማለት’ዩ። ኣብዚ ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተዋ እውን ክፍሊ መጓዓዝያ ነታ ናይ ፍቓድ ወረቐት ሓቲቱ፡ እንደገና የዋጥረን! መልሲ ስኢነንውን ዝገብርኦ ጠፊኡወን ፈጠጥጥ ኢለን። ክሳዕ ሓደ ሓያል ረኺበን እንደገና ዘገላግለን ከኣ ላዕልን ታሕትን ይብላ ኣለዋ’ ኢሉኒ፡ እታ ማኪና ናብ ሃገር ንምእታው እትወሃበካ ናይ ፍቓድ ወረቐት ከኣ ሎሚ ኣብ ዕዳጋ 50.000 ቅርሺ ትሽየጥ ኣላ ኢሎማ። ኣብዛ ሃገር’ኮ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ምርዳእ ኣቢዩና!” ምስ በለ ታክሲስታ፡
 
“ኣንበሲት! ጓል ልጃም ድያ ፍቓድ ከየምጻእክን ኣይህበክንን’የ ኢላ ከልኪላተን?” ሓተተት ሓንቲ ካብተን ብድሕሬና ዝነበራ ኣዋልድ።
“ኦይ! ጓል ልጃም ደኣ ቀደም ዝደስከለት! እዚ ሓድሽ ሚኒስተር’ምበር” መለሰ ታክሲስታ ቅልጥፍ ኢሉ። ‘እውይ! ሰናይት ልጃም ደኣ እንታይ ጌራ ደስኪላ ወደይ!? ኣይ ንፍዕቲ እንድያ ኔራ!’ ሓተትኩ ኣነውን ስንብድ ኢለ።
“እዋእ! ወዲ ቅጫ ደሞ ንፉዕ! ንህዝብን ሃገርን ዝሓሊ ሰብ ይፈቱ’ዩ! ንትእዛዛቱ ጥራይ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ብዘየገድስ ‘እሺ ሕራይ’ እናበለ ዘተግብርን ህዝቢ ዝብድልን’ምበር ንህዝብን ሃገርን ብጽቡቕ ዘገልግል ሰብ ደኣ ቦታ የብሉን! ዘይብዓል ለይቱ!” በለ ኣብ ከባቢኡ ወሳድ ዘረባ ዘሎ ኪመስል ንየማነ ጸጋሙ ቁሊሕ ምሊሕ እናበለ። ‘እሞ እንታይ ጌራ ደኣ ይብሃልከ?’ ሓተትኩ ደጊመ።
 
“ከምቲ ዝውረ እንተ ኮይኑ ደኣ እዚ ኣብዚ ከተማ፡ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ዘሎ እንዳ ኣውቶቡስ፡ ማለት ቀደም ዕዳጋ ከብቲ ዝነበረ መካበብያ እዩ እቲ ጠንቂ ይመስለኒ።” ኢሉ ትም ምስ በለ፡
“ዕዳጋ ሓሙስ ደኣ ብኸመይ?” ሓተተት ሓንቲ ካብተን ኣዋልድ ህውኽ ኢላ።
“እዚ ዕዳጋ መቸም ኩሉ ከም ዝፈልጦ፡ ክረምቲ ብጭቃ፡ ሓጋይ ብደሮና ሰብ ስለ ዘዋረደ፡ ሚኒስትሪ መጓዓዝያ፡ ምስቲ ንሸነኽ እንዳ ስላሴ ዘሎ እንዳ እስታላ ነበር ሓዊሱ፡ ሓደ ዓቢ መዕርፎ ኣውቶቡስ ብዘመናዊ ኣገባብ ንኽስራሕ ኢሉ ዲዛይን ኣዳልዩ ንምምሕዳር ዞባ ማእከል የረክብ ማለት’ዩ። ምምሕዳር ዞባ ማእከል ከኣ ምስቲ ከተማታት ምስ ገጠራት ምድልዳል ዚብል ምስሉይ ፖሊሲ መንግስቲ ወዲ ቅጫ ከይጋራጮ ግዲ ፈሪሁ ኮይኑ፡ ከምዚ ዝበለ ምዕቡል እንዳ ኣውቶቡስ ኣብ ኣስመራ ክሰርሕ ስለ ዘይደፈረ፡ ‘እዝስ ኣይንሰርሖን ኢና! ምኽንያቱ፡ ጋግ ከተማን ገጠርን ከግፍሕ ይኽእል’ዩ! ኣብኡ ከሎ ግን እምኒ ጥሒንና ጀያ ከነፍስሰሉ ንኽእል ኢና’ ብምባል፡ ምስራሕ ይኣቢ።
 
ጓል ልጃም ግን ነዚ ተሪራ ትቃወም ማለት’ዩ። በዚ ከኣ ሓደን ክልተን ምስ ተባሃሃሉ፡ እዚ ነገር ኣብ ወዲ ቅጫ ይበጽሕ’ሞ፡ ሽዑ ንሱ ብቐጥታ ካብ ‘ስራሓ ኣደስክሉዋ’ ኢሉ ይእዝዝ። በዚ ምኽንያት ከኣ ጓል ልጃም ንብጾታ ዝበጽሖም ዕጫ ድስከላ በጺሑዋ ኣሎ ማለት’ዩ። እዚ ኸኣ እቲ ወትሩ ንህዝቢ ጽቡቕ ነገር ክገብር ዝፈተነ ሰብ ዝወርዶ ልሙድ መቕጻዕቲ’ዩ!” በለ ታክሲስታ፡ ማኪናኡ ኣብ ሓደ ኣፍደገ ገዛ እናዓሸገ።
 
ኣብ ጣባ ስለ ዝበጻሕና፡ ቀልጢፍና ካብታ ታክሲ ወረድና’ሞ ኣነ ናብቲ ብሰላም ዘብጽሓና ታክሲስታ ጽግዕ ኢለ፡ ‘ብርሂነይ ምስ ወዳእኩ ክድውለልካ’የ፡ ኪድ ሕጂ ስራሕካ ስራሕ።’ ኢለዮ ብጉያ ደድሕሪ’ተን ‘የቐንየልና በል ሽኮሪና ወዲ’ ኢለናኦ ቀዲመናኒ ናብቲ ዝተላእኽናዮ ቁንጅና ሳሎን ዝኣተዋ መማጽእተይ ኣተኹ።
 
ኣብ ካልኣይ ክፋል ይቕጽል…
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 13/02/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • ERITRAWIT February 13, 2015

    Mesinas,
    Meshateyt, Enda Tehaneyt, Sefai kdan,Enda shahey kulu tewaredew drar elet senew. Ezey n Asmara hade ms Geter k-gebra hakot zble zelo srat maltew da thaser eya zela enber.
    Gole Ljam Senait mdskala gen nay Geden eu. N hager zhaley ms Isaias aykadon.
    Geyashet bselam temelesa ktkewen tesfa ngeber.

  • Stefanos Menghesteab February 13, 2015

    ጽቡቅ ኣቃራርባ ፡ ኣጆኻ! ሓዉ መሲናስ ንኹሉ ግዜ ኣለዎ ፡ በዚ ትገብሮ ዘለኻ ዘይሕለል ቃልሲ ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጎድንኻ ኣሎና። እቶም ኣእዛኖም ዝተሎኾኹ ኣፎም ዝታዓበሱ ካኣ ንጽሑፋት ክካታተሉን ንሕልንኦም ክቅስቅሱ ይላበዎም። ንኣኻ ካኣ ጸጋን ጥዕናን ይምነየልካ በርትዕ ቀጽለሉ ይብለካ።

  • ghezai February 14, 2015

    I didn’t get it mesinas is this your story or other woman’s story

  • black February 14, 2015

    Mesinas ab asmara kemzi tat zereba entelo dea mesl mizirab alo emo

  • Mesinas February 15, 2015

    ክቡራት ኣሕዋት ገዛኢ ወ black ኣነውን በቲ ኣጋጢሙኒ ተባሂሉ ዝተዘንተወለይ ዕላል ንምእማኑ ተጠራጢረ ኔረ’የ። ‘ሎሚ ካብዚ ንላዕሊ’ዩ ዘሎ! ሰብ ኩሉ ነገር ክሳብ ዓንቀሩ ዒቕ ኢሉዎ’ዩ! ወስ ጥራይ እያ ተሪፋቶ’ምበር ተወዲኡዎ’ዩ!’ ስለ ዝበሉኒ ድማ’የ ነዛ ዛንታ ከም ዘላቶ ከቕርባ ተገዲደ። ‘ኩሉ ማእሰርቲ’ዩ! ዝገበሩ ይግበሩ!’ ዘይብል ሰብ የለን። ብምባል፡ ድፍረትን ትብዓትን ህዝብና ሰማይ ዓሪጉ ከም ዘሎ፡ በዚ መሰረት ከኣ ሰዓታት ምልኪ ሓደ ክልተ ክብላ ጀሚረን ከም ዘለዋ’የ ተረዲአ። ምስጋናይ ንኽብርቲ ሓብቲ ኤርትራዊትን ክቡር ሓው እስቲፋኖስ መንግስትኣብን ኣይረሳዕኩን። የቐንየለይ።

    • wedi keren February 24, 2015

      ኣገናዕ ክቡር ሓው መሲናስ ግዜ እንተሊዩካ ክሳብ ውልቀ መላኺ ተገሊፉ ወይ ኣብ ናይ ታሪኽ ጐሓፍ ዝድርበ ወይ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ከም ንቡር ዝፍረድ ቀጽሎ ጠቃምን መሃርን ዝኾነ ጽሑፋትካ

POST A COMMENT