Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (EYC) ገምጋም ስራሕን ሰሚናርን ኣካይዱ

ማሕበር ኤርትዋውያን መንእሰያት ንለውጢ (EYC) ናይ 2011 ሳልሳይ መንፍቓዊ ስሩዕ ኣኼብኡ ብኽብ ዝበለ ድምቀትን ተሳታፍነትን ኣብ ጥቅምቲ 15 ኣብ ከተማ ኦክላንድ ኣካይዱ:: እዚ ኣብ መርያት ኮርትያርድ(Marriotte Courtyard) ዝተጋብአ ኣኼባ: ብቑጽሮም ብርክት ዝበሉ ካብ በይ ርኤርያን

ማሕበር ኤርትዋውያን መንእሰያት ንለውጢ (EYC) ናይ 2011 ሳልሳይ መንፍቓዊ ስሩዕ ኣኼብኡ ብኽብ ዝበለ ድምቀትን ተሳታፍነትን ኣብ ጥቅምቲ 15 ኣብ ከተማ ኦክላንድ ኣካይዱ:: እዚ ኣብ መርያት ኮርትያርድ(Marriotte Courtyard) ዝተጋብአ ኣኼባ: ብቑጽሮም ብርክት ዝበሉ ካብ በይ ርኤርያን ካልኦት ከባቢታትን ዝተፈላለያ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ዝተሳተፍዎ እዩ ኔሩ:: ቀንዲ ዕላማ እዚ አኼባ ንኣብ ዝሓለፈ መንፈቕ ዝተኻየዱ ንጥፈታትን ዕማማትን ጸብጻብ ንምሃብን ንምዝታይን ኮይኑ: ግን ኣብዚ ከይትሓጽረ ንህሉው ቃልሲ ተቓውሞ ኣብ መላእ ዓለምናን መጻኢ ኩነታትን ዝዳህሰሰ እዩ ኔሩ:: እዚ ኣኼባ መደቡ: ብኣብ ሕልና ተጋባእቲ ፍሉይ ጦብላሕታ ዘሕደረ: ሽምን ቅያን ቀዳሞትን ዳሕረዎትን ሰማእታት ዘካተተ ግጥሚ ብምንባብን ዝኽሪ ኩቡራት ሰማእታትን ብምግባር እዩ ፈሊምዎ:: ሓጺር መግለጺ ኣመዓባብላ ማሕበርን ዘሰላሰሎም ዕማማትን ምስ ናይ ግዘ ስሌዳ ድሕሪ ምቕራብ ክእ ነቲ ጉባኤ ብወግዒ ከፊትዎ::

ትሕዝቶ ኣኼባ ብዝርዝር ድሕሪ ምግላጽ: እቲ ቀዳማይ ዛዕባ ናይዚ ኣኼባ ማለት ፍይናንሳዊ ጸብጻብ ስርሒት ኒው ዮርክ ብዝርዝር ንተጋባእቲ ቀሪቡ:: ኣቕራቢ ስም ዝርዝር መወልቲን መጠን ምወላን በብሓደ ድሕሪ ምትንታን ድምር መወላን ኣወዓዕሉኡን ብጽፈት ገሊጹ:: ኣብዚ ንጥፈት እዚ ድሌትን ተወፋይነትን ተቓለስቲ ብርእዮ ዝተንጸባረቐሉ ኮይኑ: እቶም ዝኽእሉ ባዕሎም ክሳተፉ: እቶም ክሳተፉ ዘይክእሉ ድማ ነቶም ክሳተፉ ዝደልዩ ግን ዓቕሚ ዝሓጸሮም ንመገሻ ከኽእሉ ብምኽኣሎም: ነቲ ዝሰዓበ ስርሒት መሰረት ከምዘንጸፉሎም መዘኻኸሪ ቐሪቡ:: ኣበርከትቲ ክንዮ ገንዘባው ሓገዝ ሞራላዊ ድጋፍ ከምዝሃቡን ግዚኦም ከይበቐቑን ከይሰልከዮም ብቴለፎን ይከታተሉ ከምዝነበሩ ድሕሪ ምግልጽ: ኣቕራቢ ብስም ማሕበርን ማሕበረሰብ ቃልሲ ነቶም ካብታ ቡዙሕ ሓላፍነት ዘለዎ ማሕፉዳኦም ብዘይ ነግፈረግ ሓገዝ ዝለገሱ: ልባዊ ምስጋና ኣቕሪቡ::  ናይ መወዳእታ ሚዛን ምወላ ድሕሪ ምግላጽን ዝቐረቡ ሕቶታት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ ክኣ ናብ ዝስዕብ መደብ ስርሒት ኒው ዮርክ ተሰጋጊሩ::

መሪሕነት ማሕበር: ስርሒት ነውዮርክ 2011 ኣብ ሓጺር እዋን ዝተፈለጠን ዝተመደበን ሙኻኑ ብምብራህ ኣዩ ንመግለጺኡ ፈሊምዎ:: ኣካይደቲ ስርዓት ህግደፍ ብኣካል ክመጹ እዮም ምስተባህለ: እዚ ንሎሚ ጽባሕ ዘይበሃሉ ጉዳይ ከምዝኾነ ብምግንዛብ ክኣ ኣብ ሰሙን ዘይመልእ ግዘ ብዝተረኽበ ዓቕሚ ኩሎም አባላት መሪሕነትን ብርክት ዝበሉ ኣባላትን አብ ዓርቢ ህልውነቶም ኣብ ኒው ዮርክ ከምዘረጋገጹ ገሊጾም:: ዝርዝር ንጥፈታት ኣድማ ሰንበት ኣብ ፊት መአከቢ ኣዳራሽ ማንሃተን ኮንቨንሽን ሰንተርን ኣድማ ሰኑይ አብ ፊት ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክኣ ብሰፊሕ ተገሊጹ:: ተቓውሞ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ካብ ነዊሕ እዋን ይዝውተር ከምዝንሐ ድሕሪ ምግንዛብ: ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ንፈተነ ዝቐረበ ኣገባብ ቃልሲ: ማለት ፊተፊት ምግጣም ሓለፍቲ ሕግደፍ ሓደ ካብቲ ኣቓልቦ ተጋባእቲ ኣዝዩ ዝመሰጠ ዛዕባ እዩ ኔሩ:: ኣቕረብቲ: ነዚ ኣገባብ ከም ሓሳብ ዝጸንሐ ኮይኑ: ነዚ ኣጋጣሚ ማለት ህላወ ሓለፍቲ እዚ ስርዓት ተጠቂምካ ናብ ተግባር ንምውዓሉ ከመ ቅጽበት ናብ ተግባር ዝተሰጋገረ ከምዝነበረ አብሪሆም:: ኩሉ ሰብ ከምዝፈልጦ ኣብ ምፍታን ሓደ ኣገባብ ንኣብነት ኣብ ስነ ምርመራ: መርማሪ ንካልእ ኣካል (ስፐሲመን) ተጠቒሙ ነብሱ ፈንቲቱ እዩ ነቲ ምርመራ ዘካይዶ:: ኣብ ስርሒት ኒውዮርክ ግን  ኣባላቱ ጥራይ ዘይኮነስ: መሪሕነቱ ብኣካል ዝተሳተፍዎ ንጥፈት ስለዝነበረ: ሕሉፍ ተወፋይነት ማሕበር ዘንጸባረቐ ኣጋጣሚ ከምዝነበረ ተገሊጹ:: ጽቡቕ ጎድንታት እዚ ስርሒት ብመንጽር ዕላማ እዚ ማሕበርን ሓፈሻዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ደራኽነቱ ንዝስዓበ ንጥፈታት ብዝርዝር ድሕሪ ምብራህ: አቕረብቲ ንጎድናዊ ሳዕቤን እዚ ስርሒት ሓድሽነቱን እዋናውነቱን (spontaniety) ኣብ ግምት ብምእታው: ኣቕረብቲ ድፍረትን ተኣማማንነትን ብዝመልኦ ኣገባብ ናይ ይቕሬታን ሓላፍነት ምስካምን መልእኽቲ ምስ ኣመሓላለፉ ተጋባእቲ ብድሙቕ ጣቕዒት ኣሰነዮሞም:: ብርክት ዝበሉ ሕቶታትን ለበዋታትን ሃነጽቲ ርእይቶታት ድሕሪ ምቕባል: መድረኽ ናብ እቲ ዝስዕብ ኣቕራቢ ማለት: ኣቶ ዳኒኤል ተረኻኺቡ::

ኣብ መእተዊ እዚ ዛዕባ ሓጺር ድሕረ ባይታ ኣቶ ዳኒኤል ድሕሪ ምቕራቡ: እዚ ኣቕራቢ ብስለት: ነዊሕ ተመክሮ: ኣበርክቶን ተወፋይነትን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝለዎ ምስ ተገልጸ ኣቓልቦ ተጋባእቲ ንኽወስድ ጊዜ ኣይወሰደን:: ኣቕራቢ ካብ ፖሎቲካ ናጻ ዝኾነ መርገጺ ዝኽተል ኮይኑ ካብ ህልው ኩነታት ሰጊሩ ናብ ርሑቕ መጻኢን ዝዓበየን ዕላማ ዘድሃበ ዛዕባ ዝነበሮ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ “ለውጢን ዕርቕን” ” Change and Reconciliation” ዝብል ኣርእስቲ ንተጋባእቲ ካብቲ ሃብታም ተሞክርኡ ብዘይብቀት ኣካፊሉ:: ኣቕራቢ ትሕዝቶኡ ብተምሳኣጥ ንጥፈታት ማሕበር መንእሰያት ንለውጥን ትምኒት ቐጻልነት እዛ ማሕበርን ዘንጸባረቐ ቃል “ክንዲ እንቅዓ ጣፍ ኩኑለይ” ብምባል እዩ ፈሊምዎ:: ኣቕራቢ ናብ ቐጻልነት ምዕባለ ( sustainable development) ዞባና ዘድሃበ ኣስተምህሮ ከምዘለዎ: ብመግለጺ ሓድሕድ ተሞርካስነት ቁጠባውን ጸትታዊ መዳያት ኤርትራን ኢትዮጵያን እዩ ኣተንቢህዎ:: ንሃገረ ኢትዮጵያ ከም “ጽቡሕ መኣዲ” ኤርትራውያን ጌሩ ዘቕረበ ኣቶ ዳኒኤል: አፍ ተጋባእቲ ማይ ዘምለአ እኳ እንተነበረ: እቲ ክውንነት ግን ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ድሉው መኣዲ ብሰንኪ ግጉይ ኣተሓሕዛ ሓለፍቲ ስርዓት ህግደፍ ስኢንዎ እዩ ዘመልክት:: ህዝቢ ኤርትራ ደላይ ስላምን ምትሕግጋዝን ክነሱ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓይልታት ምክልኻሉ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ርሑቕ ማዕዶን አብ ግርጭት ይርከብ ዘለወሉ ምኽንያት: ድሕረ ባይታን መብርሂን ሂቡ::ታሪኻዊ ኣመዓባብላ ምልኪ ካብ ምጥምዛዝ ዕላማ ህዝባዊ ቃልሲ ናብ “ዝናን ባህታን” ኣካየድቲ ስርዓት ሓደ ካብቲ ብተጋባእቲ ኣድናቖት ዘትረፈ መግለጺ እዚ ኣቕራቢ እዩ ኔሩ::

ካብዚ ብምቕጻል: እዚ ህልዉ ወለዶ ከም ቀላሲ መጻኢ ኤርትራ ክገብሮ ዝግባእ ነገራትን ከተኣታትዎ ዘለዎ ለውጢ ናይ ኣተሓሳስባን አተሓሕዛ ነገራትን ውሕልነት ብዝመልኦ ኣገባብ ንተዓዘብቲ ሓሳባቱ ኣካፊሉ:: ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ: ህዝቢ ኤርትራ ከም ወናኒ ተፍጥሮኣዊ ጸጋ “በሪ-ባሕሪ” ከም ሙኻኑ መጠን: ኣድህቦን ተደላይነንት እዚ ጸግኡ ብጎረባብቲ ሃገራት ብፍጹም ዘይንፈጎ ከምዝኾነ ኣቕራቢ ብደሚቕ ኣስሚሩ:: ነዚ ምድራዊ ማና ናብ ጠቕሚ ህዝቢ ንምውዓል ግን ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ፊንጠጋር ኣቀራርባ ኣተሓሕዛ ነገራትን እዚ ህሉው ስርዓት ንጎኒ ገዲፉ: ከም ናይ ወሃቢ ኣገግሎት ( customer service) ዝግብኦ ምቑሉልን ዓዳሚ ኣቐራርባን ብሱል ዝኾነ ኣተሓሳስባን ከምዘድልዮ ብዓሙቕ ገሊጹ:: ኣብ መወዳእታ ክኣ ካብ ተጋባእቲ ዝቐረበሉ ሕቶታት: ርእይቶታትን ለበዋን ድሕሪ ምቕባል ንዝተውህቦ ዕድል ምስኣመስገነ: ዓጸፊእትኡ ብተጋባእቲነቲ ኩሉ ኣበርክቱኡ ብዕጽፍ ድርብ ምስጋና ዝገልጽ ጣቕዒት እናተቐበለ መድረኽ ንኣካየድቲ ኣኼባ ኣረከበ::

ክፍሊ ሓበሬታ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ
ኦክላንድ ቤይ ኤርያ ካሊፎርኒያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Semhar October 21, 2011

    Gaddafi is dead Isayas is next!

    Yes we can DISTROY the dictator ISAYAS and his terrorist organization the PFDJ where ever they are.
    Yes we will DISTROY the dictator ISAYAS and his terrorist organization the PFDJ where ever they are.
    Eritrea will be free soon!

    – The international community’s talking peace and carrying big stick [sanctions] is having an effect.
    – The Eritrean people are beginning to realize that there is no point in waiting for the regime to reform itself — that it needs to be overthrow.
    This is the moment we must come together to save our land and our people.

    Let freedom ring in Akeleguzay!
    Let freedom ring in Barka!
    Let freedom ring in Denkel!
    Let freedom ring in Hamasien!
    Let freedom ring in Sahil!
    Let freedom ring in Semhar!
    Let freedom ring in Senhit!
    Let freedom ring in Seraye!

    Let freedom ring in ERITREA!

    Let freedom ring allover Eritrea!
    Let’s LIVE FREE OR DIE with dignity.
    Our martyrs did not die to crown the tyrant.
    We must reclaim our flag, our constitution, Highi Indaba, our land (our original provinces), our people, and our culture.
    DISTROY the dictator ISAYAS and his terrorist organization the PFDJ where ever they are.
    Eritrea will be free soon!

  • Suzan October 22, 2011

    I Follow all the news and the out come of a different meeting. The Eritreans are suffering tremendously becouse of one thing that is “UNITY” I was not expecting the Eritrian people like this. I use to love them, but now I’m really heasitating. The daily news from different source not onyl since I try to help the prisoners in differnt detention in Egypt, my expirence is no TRUST among themselves. How many people are deing. How much mony is lost in “Sainay” and still continung. The thing that I couldn’t belive is, last month or at the begining of this month when your president went to U.S how many people from different state went to meet him. So I don’t understand any more, try to come together and do your part. Don’t complaine to one person, there are many more colaboraters. I’m not against of any one, just I want to share my feeling and expirence. Let us be people of peace as I use to hear about you people. At the end I would like to asure you that I pray for each and every one who struggle to build pease. I pray also for the leaders who are the reason of suffering may God touch their heart and change. Rivenging do not help any one. UNITY.UNITY UNITY UNITY IN DIVERSITY and TRUST TRUST TRUST……….

  • Taddesse T Gebremussie October 23, 2011

    ERITREANS please understand our world countries are looking for market , we Eritreans are againest our market ,who is mud ISAYAS only or all Eritreans? Ethiopia is our great market we can sell our salt,our sea port,our prodact. The border problem can solve by understanding each other.ISAYAS is using excuose to stay in power. Yang Eriteans be wise look right &left , the dictators they are not deing themself nor thier children or relatives why do you daiy for them or build their proporeits as slave?becouse they are smart and young Eritreans are fools.

  • Wedi Memhir October 25, 2011

    Semhar just i want say for you what do you mean Gedafi dead i think befor Gedafi you are dead, so don’t say abut Iseays king of kings he is the pawer of worlds.

POST A COMMENT