Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸብጻብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ከተማ ሎንዶን

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ትማሊ ዕለት 23 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈ. ሕዝባዊ ኣኼባ ኣካዪድና፥ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዘቲናሎም። ዝኽሪ ስዉኣት ኤርትራን ዕላማታቶምን፣ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ኩነታት፣ ዕማም ናይ ሕቡራት መንግሥታት

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ትማሊ ዕለት 23 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈ. ሕዝባዊ ኣኼባ ኣካዪድና፥ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዘቲናሎም።

  1. ዝኽሪ ስዉኣት ኤርትራን ዕላማታቶምን፣
  2. ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ኩነታት፣
  3. ዕማም ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዝወከሉዎ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፣
  4. ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ዝርኤ ዘሎ ሓደ-ሓደ ዘሰንብድ ፍልልያት።

መጀምርታ፥ ነቶም ምእንቲ ናጽነትን፡ ምእንቲ ግዝኣተ ሕግን፡ ብጥይት ጸላኢ ወይውን ብኢድ ኣሕዋቶም ዝጠፍኡ፥ ነቶም ምእንቲ ቅዋማዊ መንግሥቲ ክትከል ሕይወቶም ዘሕለፉ፥ ስዉኣትን ስዉኣንን ኣሓትና ኣሕዋትናን፡ ብዝለዓለ ክብሪ ዘኪርናዮም። ኤርትራውያን ዝተሰውኡሉ ዕላማታት ምእንቲ ናጽነት ሃገርን ምእንቲ ክብሪ ሕዝብን ኢዩ ዝነበረ። ዕላማኦም፥ ካብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበርናዮ ዝሓይሽ ግዝኣተ ሕግን፡ ስኒትን፡ ማዕርነትን ኬምጽኡልና ዝብል ከምዝነበረ ኣስሚርናሉ።

እቶም ምእንቲ ክብሪ ሕዝብና ቢሎም ደቆም ዝሰኣኑ፡ ብጓሂን ብሕማምን ዝሓልፉ ዘለዉ ህልዋትን ምዉታትን ወለዲን ቤተሰባትን እውን ብተመሳሳሊ ዘኪርናዮም። ብተወሳኺ እውን፥ ነቶም ፈቖዶ ዶባትን፡ ኣብ ኣጻምእ ሰሃራን፡ ኣብ ባሕርታትን፡ ኣብ ሊብያን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ዝሳቐዩ ዘለዉ፡ ዝሞቱ፡ ዝተሓርዱ፡ ዝተዓመጻን ዝተዓመጹን ኣሕዋትና፡ ብዓሚቕ ሓዘን ዘኪርናዮም።

ነዚ ወሪዱና ዘሎ ስቓይን፡ ውርደትን፡ ጥፍኣትን መሠረቱ፥ ስእነት ሕግን፡ ቅዋማዊ መንግሥትን እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ኩናትን ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ሃዋህው እውን ዓብዪ እጃም ከምዘለዎ ኣኼበኛ ኣስፊሑ ዘትዩሉ።

በዚ መሠረት፥ ብዛዕባ ጉዳይ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣስፊሕና ዘቲና። ነዚ ኣመልኪትና ዜውጻእናዮ ጋዜጣዊ መግለጺ ተመከቱ።

ሳልሳይ ነጥቢ፡ ብዛዕባ እቲ ሕቡራት መንግሥታት ዝወከሉዎ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሳላት እዩ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ጌና ለውጢ ስለዘየርኣየ፡ ሕቡራት ሃገራት ንወ/ሮ ሺላ ኪትሃሩት ሓላፍነተን ክቕጽላ እንተ ዝፍቀደለን ዝሓሸ ምኾነ። ንሱ እንተ ዘይተኻእለ ግን፡ ካልእ ሰብ ተመዚዙ ነቲ ዝተጀመረ ሥራሕ ኣብ ግቡኡ ኬብጽሖ ኣኼበኛ ድልየቱ ገሊጹ እዩ። ውጽኢቱ ርኢና፡ ኣብ ዝመዝጽእ እንታይ ስጉምቲ ከምእንወስድ ክንማኸረሉ ኢና።

ራብዓይ ነጥቢ፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ዝርኤ ዘሎ ሓደ-ሓደ ዘሰንብድ ፍልልያት ኣቃልቦ ሂብና ተዛሪብናሉ። ንሕብረተሰብ ኤርትራ ንምብትታን ሓደ-ሓደ ፍልልያት ተፈጢሮም ከምዘለዉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ። ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰብና ፍልልያትን ጽልእን ኣጒዶም ዜንበድብዱዎ ኣካላትን ውልቀሰባትን ከምዘለዉ ኩላትና ክንፈልጥ ኣለና።  ብፖሎቲካዊ፣ ብሃይማኖት፣ ብኣውራጃ፣ ብወረዳ፣ ብዓሌት፡ ወዘተ. ኣመኽኒኻ ዝግበር ፍልልያት፡ ንሕብረተሰብና ኬጥፍእ እምበር ክጠቅም ከቶ ስለዘይክእል፡ ኩላትንና ኤርትራውያን ነቒሕና ብልዙብን ብዕቱብን ክንቃወሞ የድልየና።

ገሊኣቶም ኤርትራውያን ብኣውራጃ ተጠሪፍና ንቃለስ ይብሉ ኢዮም። ገሊኣቶም ብብሄር/ዓሌት ገሊኣቶም ድማ ብሃይማኖት ንጠርነፍ ይብሉ። እዚ ብቕንዕና ዝበሃል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከይዱ-ከይዱ ግን መገዲ ጥፍኣት ምኹኑ ክንፈልጥ የድለና። በበይንኻ ኴንካ ዝካየድ ቃልሲ፡ ውዒሉ-ሓዲሩ ብዙሕ ጉድለታት ክህልዎ ኢዩ። ተሳኒኻ ብሓደ ኴንካ ዘይተካዪዶ ቃልሲ፡ ኣብ መወዳእታ ነንሓሕድካ ምቅጻጽን ምስሕሓብን ምርጻምን ኬኸትል ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺ፡ እቶም ካብ ተሓታትነትን ካብ ወቐሳን ክኽወሉ ዝደልዩ ሰባት ኣብቲ ናትና ዝብሉዎ ወገን ከም ዝሕብኡ ኢዩ ዝገብር። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ነንሓድሕዶም ክጻረሩን፡ ክጻረፉን፡ ክተሃራራሙን ክረኣዩ ከለዉ፡ ዘሰንብ ኢዩ። እዚ ነገር እዚ፡ ብቕልጡፍ እንተ  ዘይኣሪምናዮ፡ ናብ ካልእ ከይልሕም እሞ ንኹላትና ከይልክመና ዜስግእ ኢዩ።

እቲ ኡንኮ መገዲ ድሕነት ኤርትራውያን፡ መገዲ ስኒትን መገዲ ሓድነትን ኢዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ክንብል ከለና፡ እንኮላይ ንደገፍቲ ህግደፍ ዝምልከት ኢዩ። ጉዳይ ሓድነት ሕዝቢ ኤርትራ ነፍሲ ወከፍና ዝስከሞ ሓላፍነት ኢዩ።

ንሕና ኤርትራውያን፡ ቀንዲ ሽግርና፡ ጉድልነት ሕግን ሕጋዊ መንግሥትን ስለዝኾነ፡ ቅዋምና ክትግበረልና፡ ግዝኣት ሕጊ ክረጋገጽ፡ ደያኑ ብርትዒ ክፈርዱ፡ መንግሥትና ክንቀያይር ክንበቅዕ፡ እሱራትና ክፍትሑልና፡ ምስ ጎረባብትና ብሰላም ክንነብር፡ መሰልና ኢዩ። እዚ ክነረጋግጽ ድማ፥ ኩላትና ኤርትራውያን፡ ብዘይ ኣፈላላይ፡ ብሓደነት ክንጽዕረሉ ይግባእ።

ኣብ መደምታ፥ ኣኼበኛ ካብ ዝተሰማምዓሎም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

  1. ኮሚቴ ሓድነት፡ ንመንግሥቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቲ ናይ ሰላም መሥርሕ ብጽፈትን፡ ብግሉጽነትን፡ ብምልኣተ-ሕጊ፥ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክፍጸም፡ ዜድሊ ሓገዝ ኬበርክቱ ክንምሕጸን፣
  2. መንግሥቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ጀሚርዎ ዘሎ መንገዲ ሰላም ንኽልቲኡ፡ ህዝብታት ነባሪ ሰላም ብዘምጽእ መንገዲን፣ ሕጊ ተኸቲሉ፥ ክፍጽሞ ክንምሕጸን፣
  3. ነዚ ናይ ሰላም መሥርሕ፥ ንሕዝብና ዜርብሕን፡ ብቕልጡፍን ክኾነልና ዝጽውዕ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ክነካዪድ።
  4. ኣብ ሃገር ብሪጣንያ ዝንቀሳቐሱ ደለይቲ ፍትሒ ብምሉኣቶም፡ ኣኪብና፥ ብሓደ ዝሥርሓሉ መገዲ ክንዝቲ። ነቶም ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ኣካላት ረኺቦም፡ ኣብ ዝጥዕም መዓልቲ ክንራኸብ ኬሳልጡልና 3 ሰባት መዚዝና።
  5. ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ወከሉ፡ ንመሰል ሕዝብና ዝጣበቕ፣ ነቲ እንደልዮ ለውጢ ዜሰላስል ዓለምለኻዊ ኤርትራዊ ኣካል ክነቕውም ካብ ኣኼበኛታት ለበዋ ቀሪቡ ኢዩ። ኮሚቴና ነቲ ጀሚራቶ ዝነበረት ሥራሕ ክትቅጽሎ ምኹና ነፍልጠኩም። ኣብ ካልእ ሃገራት እትርከቡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ድማ ነዚ ጉዳይ ሰላም ድሌት ናይቲ ድምጹ ተዓቢሱ ዘሎ ሕዝቡኹም ሰላም ምዃኑ ተዛቲኹ ድምጹ ከተቃልሕሉ ብትሕትና ንላቦ።

 

“ሕጊ ይግዝኣና፡ ለባም የመሓድረና፡ ምሁር ይምሃረና”

 

ኣሕዋትኩም ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ -ዓባይ ብሪጣንያ

23 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈ.

 

Subscribe to ASSENNA NEWS channel

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Merhawi June 25, 2018

    Welldone Hadnet, god job. you discussed the peace initiative with people and published the outcome. We need a lot of discussion to build trust amongst ourselves. I also would like to congratulate you for representing and voicing our people’s aspiration for peace.

POST A COMMENT