Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸብጻብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ከተማ ሎንዶን

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ብዕለት 30 መስከረም 2018 ዓ.ም.ፈ. ሕዝባዊ ኣኼባ ኣካዪድና፥ ግዱሳት ኤርትራውያን ካብ ሎንዶንን ከባቢኣን ተሳቲፎሞ፣ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዘቲናሎም።   ሕዝብናን ሃገርናን ዝርከቡዎ ዘለዉ ህልው ኩነታት ዳህሲስናን፣ ከመይ ጌርና ተሓባቢርና ዜድምዕ ስጉምትታት ክንወስድ

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ብዕለት 30 መስከረም 2018 ዓ.ም.ፈ. ሕዝባዊ ኣኼባ ኣካዪድና፥ ግዱሳት ኤርትራውያን ካብ ሎንዶንን ከባቢኣን ተሳቲፎሞ፣ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዘቲናሎም።

 

  1. ሕዝብናን ሃገርናን ዝርከቡዎ ዘለዉ ህልው ኩነታት ዳህሲስናን፣ ከመይ ጌርና ተሓባቢርና ዜድምዕ ስጉምትታት ክንወስድ ዝብል ዛዕባ ኣልዒልና ተዛቲና።

 

ተሳተፍቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ኩነታት ዝምልከት ሓሳባት ሂቦም። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ንሕዝቢ ኤርትራ ይኹን ንሕዝቢ ኢትዮጵያ ዜከባብር እንተ ኾይኑ ጸቡቕ ኢዩ።

እንተ ኾነ ግን፡ ሕዝቢ ኤርትራ ጌና ብጉልነት ሕጊ ይሳቐ ከምዘሎ ኩላትና ንፈልጥ ኢና። መንእሰያት ሃገርና ኣብ ዕርድታት እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ብዙሕ ዝቑጽሮም ዜጋታትና ኣብ ቤት ማሕዩር ብዘይ ክስን ብዘይ ክስን ይሳቐዩ ኣለዉ። በዚ ምኽንያት`ዚ ብዝሓት ዜጋታት፡ ጌና ካብ ሃገር ይስደዱ ኣለዉ። እቲ ኣብ ሞንጎ መንግሥቲ ኤርትራን መንግሥቲ ኢትዮጵያን ዝግበር ዘሎ ውዕላት ድማ፡ ብዘይተሳታፍነትን ኣፍልጦን ሕዝብና፡ ብሕቡእ ይፍጸም ስለዘሎ፥ ውጽኢቱስ እምበርዶ ንረብሓ ሕዝቢ ኤርትራ ክኸውን ኢዩ ዝብል ስግኣት፡ ኣብ ተሳተፍቲ ጎሊሑ ተራእዩ ኢዩ።

 

እዚ ተጀሚሩ ዘሎ መገዲ ሰላም፡ ንረብሓ ሕዝቢ ኤርትራ መታን ኪከውን፡ ሎሚ ደጋፋይን ተቓዋማይን ኢልና ከይተፈላለና፡ እዚ ሃገር ግሃነም ስለ ዝኮይናቶ፡ ብጅምላ ካብ ሃገር ዝወጽእ ዘሎን መንእሰይን፡ ንስለ እዛ ከንቱ ትጸንት ዘላ ሃገርን ብሓደነት ክንቃለስን ክንምክትን ከምዘሎና፡ ኣኼበኛታ ኣድሚቖም ኣስሚሮምሉ።

 

  1. ድልየትናን ርእይቶናን ዝያዳ ናብ ሕዝቢ መታን ክበጽሕ፡ ኣድማዒ ክኸዉን መራኸቢ ብዙኃን ብፍላይ ተሌቪዥን ምጥቃም ዝብል ርኢቶ ኣብ ኣሜሪካን፡ ኣሰናን.ኮምን ይሕሰብ ኣሎ። ኣብዚ ኣበርክቶ ነፍሲወከፍና እንታይ ይኹን ዝብል እውን ተላዕሉ፡ ተዘትዩሉ።

 

ተሳተፍቲ ቴለቪዚን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑን ንትግባሪኡ ኩሉ ዝካእሎም ክሕግዙ ምዃኖምን ገሊጾም፣ ኣብዚ መዳይ`ዚ እጃሞም መታን ኬበርክቱ፡ ብዙሓት ኣስማቶም ኣመዝጊቦም፡ ብኸምይ ክሕጉ ከምዝኽእሉ ሓበሬታ ክልኣኸሎም ተላብዮም ኣለዉ።

 

  1. እዚ ኮሚቴ ሓድነት ናይ ሕዝቢ ከም ምዃኑ መጠን፡ ሕዝቢ ዋንነት ክስምዖን ኩሉ እድላዪ ሥራሓት

ኣብ ምሥራሕ ንሓድነት መንቀሳቐሲ ክኸውን ገንዘባዊ ሓገዝ ክግበረሉ ስለ ዚድሊ ኣባልነት ክነመዝግብ እውን እርእይቶ ኣቕሪቦምልና። ብተወሳኺ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሥራሕ ዝቦኾሩ ኣባላት ኮሚቴ መተካእታ 4 ተወሰኽቲ ኣባላት ብሕዝቢ ተመሪጾም።

 

  1. እብዚ ዘሎናዮ ተሃዋሲን ሕጹጽን፡ ናይ ኣፈርክቡን ኩነታት፥ ተፈላሊኻ ምቅላስ ቅቡል ከምዘይኮነን ንፍትሒን ግዝእተ-ሕግን ይቃለስ እየ ዝብል ኩሉ ንድሕነት እዛ ሃገርን ሕዝባን ብሓደ ዘይሰርሕሉ ምኽንያት የለን። ስለዚ ንኹሎም ፖለቲካውያን ውድባት ይኹን ሲቪካዊ ምንቅስቓሳት ረኺብና ከነዛርቦም`ሞ፡ በቲ ዜሰማምዓና ደረጃ ተጠርኒፍና ክንቃለስ ኣሎና ዝብል ሓሳብ ብሕዝቢ ድጋፍ ስለ ዝረኸበ፣ ነዚ ከሳልጡ ዝኽእሉ ሠለስተ ዝኣባላታ ግዚያዊ ሓይሊ-ዕማም ኣቚምና።
  2. እቲ ኡንኮ መገዲ ድሕነት ኤርትራውያን፡ መገዲ ስኒትን መገዲ ሓድነትን ኢዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ክንብል ከለና፡ እንኮላይ ንደገፍቲ ህግደፍ ዝምልከት ኢዩ። ጉዳይ ሓድነት ሕዝቢ ኤርትራ ነፍሲ ወከፍና ዝስከሞ ሓላፍነት ኢዩ።

 

ንሕና ኤርትራውያን፡ ቀንዲ ሽግርና፡ ጉድልነት ሕግን ሕጋዊ መንግሥትን ስለዝኾነ፡ ቅዋምና ክትግበረልና፡ ግዝኣት ሕጊ ክረጋገጽ፡ ደያኑ ብርትዒ ክፈርዱ፡ መንግሥትና ክንቀያይር ክንበቅዕ፡ ምስ ጎረባብትና ብሰላም ክንነብር፡ መሰልና ኢዩ። እዚ ክነረጋግጽ ድማ፥ ኩላትና ብዘይ ኣፈላላይ፡ ብሓደነት ክንጽዕረሉ ይግባእ።

 

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ወኪሉ፡ ንመሰል ሕዝብና ዝጣበቕ፣ ነቲ እንደልዮ ለውጢ ዜሰላስል ዓለምለኻዊ ኤርትራዊ ኣካል ክነቕውም ካብ ኣኼበኛታት ለበዋ ቀሪቡ ኢዩ።

 

ኮሚቴና ነቲ ጀሚራቶ ዝነበረት ሥራሕ ክትቅጽሎ ምዃንና ደጋጊምና ነፍልጠኩም። ኣብ ካልእ ሃገራት እትርከቡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ድማ ብተመሳሳሊ ክትሓስቡዎን ክትፍጽሙዎን ተስፋናን እምነትናን ኢዩ።

 

“ሕጊ ይግዝኣና፡ ለባም የመሓድረና፡ ምሁር ይምሃረና”

 

ኣሕዋትኩም ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ -ዓባይ ብሪጣንያ

02 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም.ፈ.

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • mefqerieyesus October 4, 2018

    Yes!
    “ሕጊ ይግዝኣና፡ ለባም የመሓድረና፡ ምሁር ይምሃረና”

  • Abrehaley Asheber October 5, 2018

    Congratulations, Eritrawian London !
    If we don’t UNITED our Eritrean Pride and Nationalism will GO DOWN by Esayas, Abiy and Lemma. We must launch an Historical National Campaign to boost Our Braves and Heroes Eritrean Defense Army to guide and save Our beloved mother Eritrea, a Land of OUR MARTYRS.

POST A COMMENT