Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸሊም ታሪኽ – ካልኣይ ክፋል

ጸሊም ታሪኽ ካልኣይ ክፋል   ኣዲኡ ዘፍለጠ መርገም ዓብይቲ ዓዲ ኣብ ሓደ እንዳውራይ ስወኦም እንዳጠዓዓሙ ወጃእ እንዳበሉ የዕልሉ ነበሩ። ናይ  ቀደም ዘሕለፍዎ ሂይወት ታሪኽ እንዳዘከሩ "ዝሓለፈ ጥዑም!" እንዳብሉ ናይ ዝሓለፈ ጊዜ ጽቡቅ ምስ ናይ ሕጂ የነጻጽሩ ነበሩ። ኣቦይ ኣብርሃ

ጸሊም ታሪኽ
ካልኣይ ክፋል

 

ኣዲኡ ዘፍለጠ መርገም
ዓብይቲ ዓዲ ኣብ ሓደ እንዳውራይ ስወኦም እንዳጠዓዓሙ ወጃእ እንዳበሉ የዕልሉ ነበሩ። ናይ  ቀደም ዘሕለፍዎ ሂይወት ታሪኽ እንዳዘከሩ “ዝሓለፈ ጥዑም!” እንዳብሉ ናይ ዝሓለፈ ጊዜ ጽቡቅ ምስ ናይ ሕጂ የነጻጽሩ ነበሩ። ኣቦይ ኣብርሃ ግን ዝን ኢሎም ኣብ ሓሳብ ጢሒሎም ነበሩ፡ ነቲ ዕላል መዘንኦም ብሙሉእ ልቦም ኣይተጸንበርዎን ነበሩ።

ነዚ ዘስተብሃሉ  ኣቦይ ሓጎስ “ናይ ደሓን ዲኻ ዓርከይ ኣብርሃ? ደይልማድካ ኣንታይ ደኣ ዝን በልካ? ምሳና እኮ የለኻን!” ኢሎም ሓተትዎም ነቦይ ኣብርሃ ናብ ‘ቲ ሙዉቅ ዕላል ክጽንበሩ እንዳዓደሙ?

ኣቦይ ኣብርሃ ካብ ስንባደኦም ተበራቢሮም ካብቲ ዝነበርዎ ሓሳብ ባሕሪ ወጹ ‘ሞ፡ ” እ…እ!” በሉሞ  “ኣይ ፈሪሀ ‘ንዴ!!”  ካልኦት ዕላሎም ክከታተሉ ጀመሩ።

“ካብ መን?”

“ካብ ቁርዲድ፡”

“ምስ ቁርዲድ ደኣ እንታይ ኣራኸበኩም?”

“ኣይ ትማሊ ብሕልመይ ደይልምደይ ሓሊመ። እሱ ከኣ መንጠቢቱ ይስኣን፡ ኣብኣ ጠብ በለ።” በሉ ሕልሞም እንዳዘከሩ።

“እንታይ ሕልሙ?” በሉ ኣብይ ሓጎስ  ደይ ልምዲ ሕልሚ ደንጺዎም።  ኩሎም መዛኑ ናብ ኣቦይ ኣብርሃ ገጾም እንዳጠመቱ፡

“ንገረና፡” “ንገረና፡” በሉ እንዳተቀባበሉ፡ ደይልሙድ ሕልሚ ኣቦይ ኣብርሃ ክሰምዑ ተሃንጢዮም።

“ሕልሚ ከም ተርጓሚኡ እዩ ዝበሃል፡ ንገረና እግዚሄር ብዘርኣየና ክንፈትሓልካ” በሉ ኣቦይ ተስፉ። ኣቦይ ተስፉ ብሕልሚ ምፍታሕ ይጀሃሩ እዮም። ከም ዕድል ኮይኑ ከኣ ዝፈትሕዋ ሕልሚ መሬት ጥብ ኣይትብልን እያ ተባሂሉ እዩ ድዝረበሎም።

“ኣታ ጉድ ሓሊመልኩም፡” በሉ ኣቦይ ኣብርሃ ሕልሞም ክዝክሩ እንዳፈተኑ። “ጉዳም  ሕልሚ፡ ከምዚኣ’ኳ መዋእለይ ሓሊመ ኣይፈልጥ።” በሉሞ ቁሩብ ሕስብ ኣቢሎም “ከምዚ እክብ ኢልና ነዕልል ዘለና ይመስለኒ ‘ሞ፡”  ህድእ ኢሎም ጀመሩ ኣቦይ ኣብርሃ፡ “ደሓር …… …”  ኢሎም ነቲ ሕልሞም ኣዘንተዉሎም። እብ መወዳእታ ” ነቲ ፕረሲደንት እንዳሓማናዮ ኮለና፡ በየን መጸ ከይበልናዮ ጽንብር በለና።”

“መን?” በሉ ኩሎም ብሓባር

“ቁርዲድ፡”

“እሞ ‘ኸ!?” በሉ ኩሎም ብሓባር

“እዚ ሕልኩስ እንታይ በለንኒ መስለኩም? ሰሚዔካ ‘ለኹ በለኒ ‘ሞ ካብዛ ዓይነይ ስውር በለኒ።”  ኢሎም ሕልሞም ኣዘንተዉ ‘ሞ ነዊሕ ኣስተንፈሱ።

“እሞ እንታይ ድኣ እዩ ዘፍረሃካ?”

“እዚ ሕልኩስ ብሕልሚ ዝሰምዓ፡ ከይዱ ከይሕሰወለይ።”

“እዚስ ኣይምረቃ ኣይ መርገም !!” በሉ ኣቦይ ሓጎስ በቲ ዝሰምዕዎ ደይልሙድ ሕልሚ ተገሪሞም።

ጽን ኢሎም ክሰምዑ ዝጸንሑ ኣቦይ ተስፉ “እዚስ ኣዲኡ ዘፍለጠ መርገም እዩ’ምበር።” በሉ፡  ፍርሂ ኣቦይ ኣብርሃ ተሰዊጥዎም። ሓሊመ ኢልካ ትፈርሃሉ ተካል ዘመን መጸ ኢሎም።

መርገም ጸኒሕዎ ከይከውን?

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣርዑትን መሬትን መግዛእቲ ካብ ጥሜት ሓለንጊ ካብ ምስኣን  ሰብኣዊ መሰላቱን ካብ ውርደት ሓራ ንኽወጽእ ገድሊ መስሪቱ ምስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብሙሉእ ሓይሉ ኣበርቲዑ ተዋገአ።  መስዋእትነት ከፊሉ ከኣ ካብ መግዛእቲ ሓራ ወጸ። ባህጊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናጽነት መሬት ወኒንካ፡   ልዕልና ሕጊ ተኺልካ፡ ምዕቡል ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ሓርነት መስሪሕኻ፡ ሰላማዊ ናብራ ምስትምቃር እዩ ነይሩ። ብረታዊ ገድሊ ህዝቢ መሬት ካብ መግዛእቲ ነጻ ኣውጺኡ ‘ምበር እቲ ካልእ ባህጊ ቁማር እዩ ተበሊዑ። ኣንጻር ባህጉ ህዝቢ ኣብ ዝኸፍአን ዝመረረን ኣርዑት ባርነት ተቆሪኑ። ሓረስታይ ከይሓርስ፡ ነጋዳይ ከይንግድ፡ ብማሕበር ከይውደብ፡ ናይ ምዝራብ መሰል ዝኽልከለሉ ሃገር፡ ብናይ ግበር ኣይትግበር ሃሱሰ-ለባማት ዝምራሕ፡ ጫካዊ ቀይዲ በተኽ ሕግን ስርዓትን ዝኽተል መንግስቲ መጺእዎ። እዚ መቐጸልታ ናይቲ ህዝቢ ምእንቲ ሃገሩ እናተበጀወ ብኣንጻሩ ብናይ ሚስጥር ሰልፊ ክሕቆን ዝጸንሐ ሽርሕን ኢኪት ስራሕን መግዛእቲ ኢሳይያስን ጉጅሉኡን እዩ።  ኣብሊዕሊ እቲ ዝነበረ መግዛእቲ ኣርዑት ወሰኸሉ። ኣብ ክንዲ ብጥሜት ሓለንጊ ብጥሜት ጭጉራፍ ገረፎዎ። ክፉእ ንምግባር ካብቶም ቀዳሞት ስርዓታት ገዲዱ። ብተዛማዲ ዝሓለፈ መግዛእቲ ዝሕሸሉ ዝበሃለሉ እዋን መጺኡ። ነቲ ብሙሉእ ልቡ ዝኣመኖ፡ ምዕባለታት ከምጸኣሉ ዝተጸበዮ ህዝቢ ጠለምዎ፡፡  እንታይ ‘ሞ እዚ ህዝቢ እዚ ፈቃር ህዝቢ ክነሱ፡ እዚ ኣደራዕ ዝግበኦ ኣይነበረን። ጥርጣረና መርገም ጸኒሕዎ ከይከውን ‘ዩ።

ቅዋም፡ ሓንቲ ሃገር ሕግን ስርዓትን ተኺላ ትምረሓሉ ዶኩመንት እዩ።  ሕጊ ትተክል፡ ነቲ ሕጊ ተተግብረሉ ስርዓት ከኣ ተውጽኣሉ። ብወግዒ ትእውጆ።  ኣብ ባይታ ተተግብሮ። እዚ ኣብ ኩለን ሃገራት ዝስረሓሉ መስርሕ እዩ። ሕግን ስርዓትን ተኺልካ፡ ብወግዒ ኣውጅካ፡ ከተመሓድር፡ ቀዳማይ ስራሕ መንግስቲ እዩ። ነቲ ሕግን ስርዓትን ሓዲኡ ክትቅበሎ፡ ሓዲኡ ክትነጽጎ።  ብመስርሕ ቅዋም ክተመሓይሾ፡ ክትስርዞ  ትኽእል። ቃሕ ከምዝበለካ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሌይቲ ግን ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ንርእዮ ከምዘሎና ሕግን ስርዓትን መዓልቲ መዓልቲ ብሓተታን ቃል-መሕትትን ቀያይርካ ኣይእወጅን እዩ። ኣብ ታሪኽ ዘየለ ፍጻመ ኣብ ኤርትራና ይረአ ኣሎ። ቅድሚ ኩሉ ሕግን ስርዓትን ዝነበሮ ህዝቢ ብሰንኪ ዘይንቡር ፍጻመ ድሕሪት ተሰሪዑ ንድሕሪት ይተርፍ ኣሎ። ንድሕሪት ዝምርሽ ጸሊም ታሪኽ።

ታሪኽ ኤርትራ ናብ ታሪኽ ብሉይ ኪዳን፡ ዘመነ ነገስታት ቀደም ንድሕሪት ይጓዓዝ ኣሎ። ብሓምሻይ ናይ ድሕሪት ማርሻ።  ንንጉስ ባህ ብዘበለካ ግበር ዝበሃለሉ ዝነበረ ዘመን።  እቲ ዘመንም እንተኾነ ንጉስ ብእምነትን ብባህልን ቀይድታት ነይርዎ’ዩ። ነገስታት ፍርሃተ እግዚኣብሄር ነይርዎም። እዚ ናትና ግን ዝገደደ’ዩ። ቀይዲ የብሉን። ስርዓት፡ ሕጊ፡ እምነት፡ ባህሊ በተኽ እዩ።   ኢሳይያስን ስርዓቱን ድልየትን ዕላማ ህዝቢ ናብ ድሕሪ ዝባኖም ደርቢዮም፡ ውልቃዊ ዊነኦም ኣቀዲሞም። ጎብለል ኣፍሪቃ ናይ ምዃን ሕልሚ  ቅድሚት ተሰሪዑ።  ዕላምኦም ከስልጡ ውልቀ-ምልኺ ኣንጊሶም። ብቓሕታ (ዊንታ) ትምራሕ ሃገር፡ ሕግን ስርዓት ቃሕታ ባዕሉ ዝኾኖሉ ሃገር መስሪሖም።  ኢሳይያስ ንህዝብን ጸጋን እዛ ሃገር መጋበርያ እከይ ዕላምኡ ገበርም።  ኢሳይያስ ንዝደለዮ ይኽዕቦ፡ ንዝደለዮ ይኣስሮ ይቀትሎ፡ ንዝደልዮ ይሰጎ፡ ንዝደልዮ ይሸሞ። ከም ቃሕታኡ።

ህዝቢ ኤርትራ ብመሬታዊ ናጽነት ተዓሽዩ፡ ነዚ ብግበር ኣይትግበር ዝመርሕ ናይ ብሉይ መንግስቲ፡ ምስ ፈጣሪ ሰሪዑ ከምልኾ፡ ግቡእ ዶ ነይሩ? ኤርትራዊ ክቡር ፍጡር፡ ብዘይ ፍርዲ፡ ብቀነናዊ ዊንታ ክሕየርን ክቅተልን እንዳረኣየን እንዳሰምዐን፡ “መንግስቲ ኣይጋገን እዩ” “መንግስቲ ብዘይ ጌጋ ኣይኣስርን እዩ” እንዳበለ ከጣቅዕ ከሎ ክሳብ ክንደይ ድዩ ለሚሱ ነይሩ? ይኽደን።
ጥርጣረና መርገም ጸኒሕዎ ከይከውን  ጥራይ ዘኮነ መርገምም ኣለዎ ዘብል እዩ።
ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!!!

 

ሓውኹም
ደብረ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • AHMED SALEH !!! January 21, 2015

    Dear Debre
    Your article reminded me the rumors we used to hear about
    Eritrean elders who disappeared after they expressed their
    criticism in public meetings .
    And it is true many sympathizers tried to defend the regime
    by saying our government doesn’t take action with no reason.
    Me too I suspect if there is a curse we bring that started
    hunt us down .
    In 1990’s the targets were middle aged and elders .
    After 2000 the youth followed for similar fate.
    And again denial still exist to defend evil . YIKHDENENA !

POST A COMMENT