Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸሊም ተመን ኣብ መዋጥር

እቲ ልሳንን ርእስን ውልቀመላኺ ኢሳያስ ጸይሩ ህዝብና ዘሳቂ ዘሎ የማነ ገብረኣብ፡ ምስ ራድዮ ጀርመን (Deutschlandfunk) ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጥይቅ ዝሃቦ መልስታት ኣዝዮ ዘሕዝን፡ የማነ ክሳብ ክንደይ ተንኮለኛን ዝተኻዕበን ክርዳድ ሕብረተሰብ ከምዝኾነ ዝያዳ ዘነጽር’ዩ ነይሩ። ነቲ የማነ

እቲ ልሳንን ርእስን ውልቀመላኺ ኢሳያስ ጸይሩ ህዝብና ዘሳቂ ዘሎ የማነ ገብረኣብ፡ ምስ ራድዮ ጀርመን (Deutschlandfunk) ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጥይቅ ዝሃቦ መልስታት ኣዝዮ ዘሕዝን፡ የማነ ክሳብ ክንደይ ተንኮለኛን ዝተኻዕበን ክርዳድ ሕብረተሰብ ከምዝኾነ ዝያዳ ዘነጽር’ዩ ነይሩ። ነቲ የማነ ገብረኣብ ዝሃቦ መልስታት ሓደ ብሓደ ብኣብነታት ዕርቃኑ ምውጻእ ዝከኣል እኳ እንተኾነ፡ ካብ ህውተታ ንምድሓን ኣብ ኣገደስቲ ነጥብታት ከተኩር።

ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ

የማነ ገብረኣብ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ ከይሓፈረ፡ “ኤርትራ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ እታ ዝበለጸ ሰብኣዊ ክብርን መሰል ሰብን ዝሕለወላ ሃገር’ያ” ክብል መሊሱ። ወዮ ድኣ በይኑ ዝጎዪ ዝቅድሞ የብሉን ኮይኑ’ምበር፡ እቶም ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ኣብ ጎዳጉዲ ዝሳቀዩ ዘለዉ፡ እቶም ብሕቡእ ዝተረሸኑ፡ ኣብ ዓው ኢልካ ዘይትበኽየሉ ሞት ሕጹይ ኩነታት ዝርከቡ ስድራቤት፡ ንሓንቲ ደቂቅ ኣፎም ከፊቶም ሓቂ ክዛረቡ እንተዝፍቀደሎም፡ ንዕቀትን ሓሶታትን የማነ ገብረኣብ መሕብኢ ቦታ ኣይምረኸበን። የማነ ገብረኣብ፡ ኤርትራ ንዜጋታታ ሲኦል ክንሳ፡ ገነትን ሰላም ዝዓሰላን ሃገር ከምዝኾነት ምግላጹ ዘገርም ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ የማነ ገብረኣብ፡ ዘይኩርምትኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ስለዝኾነ፡ ስድራቤቱን ኣዝማዱን፡ እቲ ንዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ዘጋጥሞ ዘሎ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ጥሜት፡ ስደት፡ ግዱድ ዕስክርናን ካልእ ከልበትበትን ኣይንታዮምን’ዩ፡ ስለምንታይሲ ብዘይሓታቲ ገንዘብን ጉልበትን ህዝቢ ኤርትራ ብምዝራፍ ኣንቀባሪሮም ይነብሩ ስለዘለዉ። ካልእ ይትረፍ ኣብ ኤርትራ፡ እቲ መባእታውን መሰረታውን መሰል ሰብ’ውን ኣይሕሎን’ዩ። ንኣብነት ኣብ ሃገራዊ በዓላትን ኣኼባታት ህግደፍን እንተዘይተሳቲፍካ፡ እታ ዝተወሰነ ዓይነትን ዓቀንን ኣቅሓ ክትገዝኣላ ትወሃበካ ኩቦን ትኽልከል። የማነ ገብረኣብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ገበናት፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ከምዝናዘዘን ግቡእ መቅጻዕቲ ከምዝረክብን ናይ ግዜ ሕቶ’ዩ። ሃየንታን መርገምን ዝፈስስ ዘሎ ደም፡ ኣብ ጸልማት ቤት-ማእሰርቲ ዝማስን ዘሎ ህይወት፡ ዝዝኽትም ዘሎ ህጻን፡ ጠዋሪ ስኢኑ ኣብ ኣብ ዕጹው ቤት ወትሩ ኣብ ጓሂ ዝነብር ዘሎ ወላዲ ሰዳዲ ኣይኮነን። እንተ’ቲ ኤርትራ ብሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ካብ ኣፍሪቃ ዝበለጸት’ያ ምባሉ ግን፡ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ምምካሕ፡ ንኻልኦት ምንእኣስን ምውንጃልን ሕዱር ሕማም ስርዓት ህግደፍ ስለዝኾነ፡ መን መርዓት ምስ በለክን ትኳሓላ ኢልካ ምሕላፉ ይምረጽ።

ሕቶን ኩነታትን ጉጅለ 15

ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ብዘይካ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ስዓብቱን ብምሉኡ ህዝቢ ኤርትራ እሱር ስለዝኾነ፡ ብዛዕባ ህላወን ኩነታትን ጉጅለ 15 ፈሊኻ ምዝራብ ብዙሕ ትርጉም የብሉን። የማነ ገብረኣብ ነቲ ብጋዜጠኛ ራድዮ ጀርመን፡” ምኽንያት መእሰሪኦም፡ ስለምንታይ ኣይተፈርዱን፡ ብህይወቶም ኣለዉ’ዶ” ዝብሉ ሕቶታት ምብርሂ ክህብ ምስተሓተተ፡ ንኽትሰምዖ ዘስደምም መልሲ ሂቡ። የማነ ገብረኣብ ኣፉ መሊኡ፡ ጉጅለ 15 ንመንግስቲ ስለዝተቃወሙ ዘይኮኑ ተኣሲሮም፡ ኣብ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣዘዝትን ሓለፍትን ሰራዊት ስለዝነበሩ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታው፡ ንጸላኢ ምስጢራት ብምምሕልላፍ ክድዓት ብምፍጻም፡ ጠንቂ ሞት ናይ 20 ሽሕ ኤርትራውያን’ዮም ኢሉ። ኣብ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሽዑ ኣብ ህይወትን ንብረትን ዝስዓበ ሞትን ዕንወትን ናቱ ሰሎሎ ገና ዘይሓወየን እንኮ ተሓታቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኣማኻሪኡ የማነ ገብረኣብን’ዮም። ንህዝቢ ኤርትራ ዝረግጹ፡ ሃብቱን ንብረቱን ገቢቶም ኣደዳ ርሃብን ስደትን ዝገብሩ፡ ዝቀትሉን ዝኣስሩን ዘለዉ የማነ ገብረኣብ፡ ጎይታኡ ኢሳያስን ተሓባበርቶምን ክንሶም፡ ሎሚ የማነ ገብረኣብን መሰልቱን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ተኸሲሶም ኣብ ዘለውሉ፡ ነቶም ብህይወቶም ይሃልዉ ይምቱ ዘይፍለጡ ጉጅለ 15 ብገበን ምኽሳስ ኮር ተገምጠል’ዩ። እቲ ክዉንነት፡ ጉጅለ 15፡ ሽዑ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ኣማኢት ዜጋታትን፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ክነግስ ስለዝተጣበቁን ሓቂ ስለዝተዛረቡን ጥራሕ’ዮም።

መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ካብን ናብን ኤርትራ ምንቅስቃስን     

         ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን፡ ብምልካዊ መንግስቲ እትውነን ሓንቲ መደበር ተለቭዥን፡ ሓንቲ መደበር ራድዮ፡ ሓንቲ ጋዜጣ ዘለዋ ሃገር፡ ኤርትራ ጥራሕ’ያ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ናይ ብሕቲ መራኸቢ ብዙሓን የለን። ንመንግስቲ ካብ ባዶ ክትምጉስ እምበር ንጉድለታትን ግዕዙይ ኣሰራርሓን መንግስቲ ክትነቅፍ ምሕሳብ፡ ብፍቃድካ ክትእሰር ምፍራድ’ዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ብግሁድ ንመንግስቲ ምንቃፍ ይትረፍ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ወይ ኣቦን ወድን’ውን ተኣኣማሚንካ ብዛዕባ ኣበራት መንግስቲ ክትዛረብ ምትእምማን የለን። ብቁዕ ኣገልግሎት ኢንተርነትስርዓት፡ ቴለፎንን መብራህትን የለን። ህግደፍ፡ ሚልዮናት ገንዘብ ብምውጻእ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ፡ ነቲ ዝርካቡ ኣገልግሎት ቴለፎን፡ ኣብያተ ጽሕፈት፡ ኣብያተ መስተ፡ እንዳ ሻሂታት፡ ኣብያተ መግቢ፡ ስነ-ጽባቐ ጸጉሪ፡ ኣሽከርከርቲ ታክሲ፡ ክይተረፈ ሰለይቲ ስለዘዋፍረሉ ንነብስኻ ኣብ ዘይትኣምነላ እዋን’ዩ ተበጺሑ ዘሎ። እቲ ብሓሶትን ምትላልን ናይ ዶክተረይት መዓርግ ዘለዎ፡ ንጤል ከልቢ ኢሉ ዝማጎት የማነ ገብረኣብ ግን፡ ኣብ ኤርትራ ህዝብን መንግስትን ከም ማይን ጸባን ከምዝነብር፡ ህዝቢ ብዘይፍርሒ ንመንግስቲ ክነቅፍ ጸገም ከምዘይብሉ፡ ንመንግስቲ ተቃዊሙ ወይ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃደመ ኤርትራዊ ብዘይ መቅጻዕቲ ካብን ናብን ክገይሽን ስርሑ ከሳልጥን መሰል ከምዘለዎ ዓይኒ ሰብ ዘንቁር መግለጺ ሂቡ። ህግደፍ ብነብሱ ዝተኣማመን እንተዝኸውን ስለምንታይ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዘየፍቅድ? ህግደፍ ብዛዕባ ፍትሒ ናጽነት ሰባት ዝኣምን እንተዝኸውን ስለምንታይ ብህዝቢ ዝተመርጸ ቅዋማዊ መንግስቲ ዘይምስርት? ህግደፍ ኣሽምባይዶ ካብ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙን ንመንግስቲ ዝተቃወሙን ካብን ናብን ኤርትራ ክንቀሳቀሱ ከፍቅድ፡ ምስ ትካላት ስለያ ሱዳን ተመሻጢሩዶ ኣይኮነን፡ ካብ መደበራት ስደተኛታትን መንበሪ ኣባይትን ሱዳን ኤርትራውያን ዝጨውን ዝቀትልን ዘሎ። ኤርትራዊ ካብ ሃገሩ ናብ ወጻኢ ሃገር ክገይሽ ይትረፍ፡ ካብ መንበሪ ዓዱ ወይ ከተማኡ ዝሞተ ሰቡ ክቀብር፡ ዝሓመመ ዘመድ ከጸናንዕ፡ ክሓርስን ክነግድን’ውን ብዙሕ መፈተሺ ነቁጣታት ክሓልፍን ኣገልግሎት ከምዝፈጸመ ወይ ከምዘይምልከቶ ወረቅት ክህልዎ ኣለዎ። ህግደፍ፡ ንድሕነት ሃገር ርእይቶ ዝሃበ እናኣሰረን ዝሞተ ኣስከረን ኣብ ኤርትራ ከይቅበር እናኸልከለን ክንሱ፡ የማነ ገብረኣብ ኤርትራዊ ሓሳቡ ብነጻ ክገልጽን ካብን ናብን ክንቀሳቀስን ዝኽልክሎ የብሉን ክብል እንከሎ ኣሽካዕላል ‘ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣሽምባይ’ዶ ንስርዓት ህግደፍ ክነቅፍን ቃሕ ዝበሎ ክዛረብን፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ዜና ብሞያ ጋዜጠኝነት ዝሰርሑ’ውን፡ ሞያዊ ስነምግባርን ሓላፍነትን ዘንጸባርቅ ስራሕ ክፍጽሙ ኣይክእሉን’ዮም። ይዕበ ይንኣስ ዕለታዊ ዜናን መግለጺታትን፡ የማነ ገብረኣብ ብቀይሕ ቀለም ኢዱ ከየንበረሉን ንኽቃላሕ ፍቃድ ከይሃበን፡ ኣብቲ ብህግደፍ ዝውነን ማዕከናት ዜና ንህዝቢ ኣይዝርጋሕን’ዩ። የማነ ገብረኣብ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክዉንነትን ሓቅን ኣዳዕዲዑ ዝፈልጥ’ኳ እንተኾነ፡ ንኽነብር ኢሉ ሰማይን መሬትን ዘላግብ ሓሶት ካብ ምቅራብ ሓሊፉ ብህይወት፡ መንነትን ክብርን ኤርትራውያን’ዩ ዝጻወት ዘሎ። ኩሉ እከይ ተግባራት የማነ ገብረኣብ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሕቡእ ስለዘይኮነ፡ ጽዋዕ ገበኑን ክድዓቱን ዝጭልጠሉ እዋን ቀረባ’ዩ።

                 ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (18 ሓምለ 2016)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • k.tewolde July 18, 2016

    He is the trademark of HGDEF,he promotes his party with dedication,the monkey should have been their emblem instead of the camel.It is time to take back our nation and fly high the true blue with its olive branches and rally the oppressed Eritrean people,the christian,the Muslim,the pagan,the atheist,the catholic,the protestant,the Episcopalian,the Pentecostal,the faith missionary,the gay, the lesbian……….good old authentic,tolerant Eritrea and live in peace and harmony in a society free of coercion and harassment where mothers leave their doors wide open and invite each-other for afternoon coffee ceremony and borrow from each other salt and pepper,where fathers who have a little bit extra distribute it to the neighbor who have not,where you can buy ticket from setaye and gonafr and board a bus to tessennei without asking permission from no one,just go back to basics,be who we are,instead trying to copy other society’s system and ideology….Singapore,Maoism,consumerism…………..HGDEF is a culture that was superimposed on us,lets get rid of it together.

  • ዮሃንስ July 19, 2016

    ዝኸበርካ/ኪ ጽላል
    ዝጸሓፍኪዮ ልክዕ እዩ። ዘስድምም ድማ እዩ። እቲ ዘሕዝንስ ብኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕሱራት፣ ዓዋሉ፣ ሓሰውቲ፣ ሰረቕቲ፣ እንታይ እሞ ክንብሎም፣ ወዘተ ብጀካ ተንኮልን ክፍኣትን ባዶሽ ትዕቢትን ድንቁርናን ካልእ ስለዘይፈልጡስ ካብ ኣብምጽራፎም ጊዜና ነጥፍእ። ብኽመይ ንልግሶም ከም መንሽሮ ድኣ ንሕሰብን ንጽዓርን እምበር ብዞም ፖልፖታዊያን ዓዋሉ ድኣ ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ እኮ ዬለን። ብኸመይ ንወጽእ ካብ ምንጋጋ ሕሱማት ኣራዊት ድኣ ንጽዓር።

  • Yohannes July 19, 2016

    ohannes July 19, 2016

    I think it is better to focus on the strategy of ousting these sub-humans and destroy the evil system they established in the Eritrean society. That should be the core of our efforts and discussions. Otherwise, they are there to destroy the country and its people. You should not be surprised on the white lie of the this little Yemane or so a surrogate of dictator. In fact that is the tip of the iceberg.

  • NEXERE MELEY July 20, 2016

    XLAL I ALWAYS APPRCIETE YOU B/C YOUR THOUTHS IS EXACTLY TRUE GOD BLESS UUUUUUUUUUUU

  • stefanos temolso July 20, 2016

    ቅድሚ ሕጂ ማንኪ ንጕድለታትን ሸፈታትን ህግደፍ፡ “እወ ሓቅኻትኩም ከምኡ ክከውን ኣይነበሮን፡ ምስ ዘሎናዮ ኵነታት ግን ተገዲድና ኢና ጌርናዮ” እናበለ ከመሳምስን ከማኽንን ይፍትን ነይሩ። ብዛዕባ ቅዋም ክሕተት ከሎ ንኣብነት “ኣብ ኤርትራ ወላ’ኳ እንተ ዘይተኣወጀ እቲ ቅዋም ይሰርሕ ኣሎ” ክብል ንዕሱባት ህግደፍ ኣብ ኣሜሪካ ኣዒንቶም ደፊኑዎም ነይሩ። ድሒሩ ግን ኢሰያስ በንጻሪ ጥራይ እናመለሸ ከባላሽወሉ ዝጀመረ ኣብ ጸገም ከይኣቱ ፈሪሑ ናብ ርኡይ ሓሶት ተሰጋጊሩ። ሎሚሞ ብሓሶት ንቲቢኤረ’ውን ሓሊፉዋ ኣሎ። መስኪናይ! ተጋግየ እዚ እከይ ተግባር ቦታኡ ክሕሉ ስለ ዝለልዎ ገና ብዙሕ መሬት ዝግልብጥ ሓሶት ከስምዓና እዩ። ቦኣንተቦ መጽሓፍ ቅዱስ ደርብዩ ዝተሰለፈ ሰብ ክንደየናይ ክጥዒ!

    • Mustafa Kemal July 20, 2016

      ኣብ ኤርትራ ናይ ሞት ፍርዲ ኔሩ እንተ ዝኽውን በዓል ድርዖ ቀደም ካብዛ ዓለም ተሳናቢቶም ምስሃለዉ ኔሮም። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምእሳር ጥራሕ ምሕጻሩ ክምስገን ይግብኦ ። ተስፋ ንገብር ኤርዶቓን ኣብነት ናይ ኤርትራ ተኽቲሉ ነቶም ገበን ዝፈጸሙ ድርዖታት ቱርኪ ከይቀተለ ንነዊሕ ዓመታት ጥራሕ ክዳጉኖም ።

  • habtom July 22, 2016

    Manki (hbey) zeykone tehatati ezom ab EU USA Kalien koynom nzi ketali srat edme zwsuku eyom example meskerem. Net hade kabtom bzuhat eyu ato goitom kab Manki (hbey) zeynes tehatati eyu

  • kibrom July 22, 2016

    kkkkkkkkkkkk neakum kedeat tselim temen kikonekum ykeal eyu nmintay habty hager nab wilkawi rebhakum znkesakesa yeadawukum kech endabele eden kezeakiba sile zgebren tegadalay yemane amlak edme yiweskelka wedi hizbi

Post a Reply to ዮሃንስ Cancel Reply