Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝርዝር ኣስማት ግዳያት ቅዝፈት ላምፐዱዛ ! ጸሊም መዝገብ 365 ትንፋስ!

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፣ እቲ ብ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ኣሰቃቒ መቕዘፍቲ ናይ 357 ዜጋታትና ንኹልና ኤርትራውያን መሪር ሓዘኑ ገና ኣይወጽኣልናን። እቲ ሓዘን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ተጻዒኑዎ ‘ኳ እንተሎ፣ ካብኡ ናብኡ፣ እቶም ተጻዒሮም ዝወለዱ፣

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፣

እቲ ብ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ኣሰቃቒ መቕዘፍቲ ናይ 357 ዜጋታትና ንኹልና ኤርትራውያን መሪር ሓዘኑ ገና ኣይወጽኣልናን። እቲ ሓዘን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ተጻዒኑዎ ‘ኳ እንተሎ፣ ካብኡ ናብኡ፣ እቶም ተጻዒሮም ዝወለዱ፣ ሓርኮትኮት ኢሎም ዘዕበዩ ወለዶም፣ ዳርጋ ወርሒ መመላእታ ሞቶምን ህላዊኦምን ጠፊኡዎም ሰንፈላል ኮይኖም፣ ብድርብ ሓዘን ተቐቢሮም ኣለዉ።

ንወለዲ ሞት ደቆም ምርዳእ ከቢድ ‘ኳ እንተኾነ፣ ድሕሪ ሞት ካብ ሰንፈላል ቅብጸት ስለዝሓይሽ፣ ኣንፈት ሃለዋት ደቆም ረኺቦም ግቡእ ሓዘን ገይሮም እንተተጸናንዑ ኢልና፣ ካብ ላምፐዱዛ ዝበጽሓና ዝርዝር ኣስማት 357 ኤርትራውያን ግዳያት ነቕርበልኩም ኣለና።

እዚ ዕማም’ዚ፣ መንግስቲ መዝገብ ኣጻፊፉ፣ ወለዲ ሞት ደቆም ሰሚዖም ሰንቢዶም ንርእሶም  ከይወድቁ ሞያውያን መጻናናዕቲ ቀሪቡ፣ ብጥንቃቐ ከሰላስሎ ዝግባእ ዕማም ‘ኳ እንተነበረ፣ እቲ ቀንዲ ተሓታቲ ናይዚ ጥፍኣት ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ጉዳይ ኣብ ናይ ምሕባእ ዋኒን ስለዘሎ፣ ነቲ ረዚን ዕዮ ባዕልና ክንኣትዎ ተገዲድና ኣለና።

ኣብዚ ዕማም’ዚ፣ ልዕሊ ኹሉ፣ እቶም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ሃለዋቶም ከየጥፍኡ ኣብታ ናይ ሞት ጃልባ መኻይዶም ንዝነበሩ ዕድል ዘይገበሩ መጓዕዝቶም ዘኪሮም ዝጸብጸቡዎም ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ከምኡ ‘ውን ነዚ ናይ ግዳያት ጸሊም መዝገብ ክዉን ብምግባር ዝተሓባበሩና ግዱሳት ኤርትራውያን፣ ብስም ‘ቶም ስድራቤት ግዳያት ክምስገኑ ይግብኦም።

በዚ ዝበጽሓና ምናልባት ገለ ምጽፋፍ ዘድልዮ ሓበሬታ መሰረት፣ ካብዞም ሞቶም ዘረጋግጽ ሓበሬታ ዝተረኽበሎም ግዳያት መቕዘፍቲ ላምፐዱዛ፣ 8 ኢትዮጵያውያን ክኾኑ ከለዉ እቶም ዝተረፉ 357 ብምሉኦም ኤርትራውያን እዮም።

እቲ መዝገብ ብኢድ ስለዝተጻሕፈ ንምንባቡ ከጸግም ስለዝኽእል፣ ከምኡ ‘ውን ነባሪ ሰነድን መወከስን ክኸውን ስልዘለዎ ደጊምና ብኮምፒተር ኣጻፊፍና ብምጽሓፍ ከነቕርበልኩም ኢና።

በዚ ኣጋጣሚ ከነዘኻኽሮ ንደሊ ነገር እንተልዩ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ 3 ሕዳር ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኮይና፣ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብወግዒ ከኽብራኣ ካብ ዝእውጅ ሰሙናት ኣሕሊፉ ‘ሎ። እቲ እዚ መዓት’ዚ ዝወረዶ፣ ግዳይ ናይዚ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ተሓታቲ ናይዚ ጥፍኣት ዝኾነ ስርዓት ኢሳይያስ ዋና ሓዘንተኛ ኮይኑ ንወለዲ ግዳያት ክድብስ ዕድል ‘ኳ እንተተነፍጎ፣ ኣብታ ዕለት እቲኣ (3 ሕዳር) ከም ማንም ኣፍሪቃዊ ነቶም ዓለም ከይረኣዩ ካብ ዓለም ዝተፈልዩ ልዕሊ 357 ደቁ ብወግዒ ዘኪሩዎም ክውዕል ዕድል ክወሃቦ፣ ነቲ ስርዓት ዘየናሕሲ ጸቕጢ ክገብረሉ ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ግን፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነዛ ሓንቲ ዕለት ‘ኳ ኩሉ ውራዩ ገዲፉ፣ እንተላይ ካብ መንግስታዊ ስራሕ ቦዅሩ፣ ባዕሉ ከኽብራ ተባዕ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ።

እዞም ግዳያት እዚኣቶም፣ ካብ ሃገር ኣያ ስኢኖም ዝበረሩ፣ ኣብ ባሕሪ ዘድሕኖም ስኢኖም ብጅምላ ዝተቐዝፉ፣ ሬሳኦም ናብ ዓዲ ዝመልስ መንግስቲ ስኢኖም ብህይወት ኣብ ዘይረኣዩዎ ዓድታት ሲሲልያ ዝተቐብሩ፣ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ፣ ዋናን ሓላይን ዘይረኸቡ ግዳያት በኺኻ ዘይጽገበሎም መሳኪን ግዳያት እዮም። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ምእንትኦም ሕልናዊ ጸሎት፣ ነቲ ጠንቂ ጥፍኣቶም ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከኣ፣ ናይ ሓደ ‘ኳ እንተተመሰለሉ፣ እንተሓመቐ 360 ግዜ ክረግሞ ኣለዎ።

ንግዳያት መንግስተ ሰማያት የዋርሶም፣ ንወለዲ ጽንዓት ይሃብ!

ኣሰና ፋውንደሸን – 29 ጥቅምቲ 2013

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • meto October 30, 2013

    “ንስዉኣት ላምፓዱዛ መንግስተ ሰማያት ይዋርሶም” ስዉኣት ዘበለኒ ምኽንያት ብሞት ናይዞ ኣሓትን ኣሕዋትን ደቅናን ንብዙሓት ኤርትራውያን ሂወቶም ብመሃብ ስለ ዘበራበሩየ፡ ሎሚ በዚ ህልቂት አዚ ዘይሓዘነን ካብ ህግደፍ ዘይወገነን ጽባሕ ምስ ህግደፍ ምቅባሮም ጥራሕ አዩ ዘድሊ ፡ንኹሎም ቤተሰብ ስዉኣት ላምፓዱዛን ንኹሉ ሓቀኛ ኤርትራውን ጽንዓ ይሃብካ፡ ምስጋናይ ነቶም ኣብዚ ጉዳይ ሰናይ ግደ ዘበርክቱ ዘለዉ ካብ ኣምላኽ ርኸብዎ ይብለኩም
    ሓውኩም መቶ

  • marsa October 30, 2013

    This is black mark in our history, RIP brothers and sisters. No person with Eritrean blood ln his body can have a good sleep after all this. Somebody have to pay for it.

  • stefanos temolso October 30, 2013

    ክቡራት ኣሕዋት፡ ብዛዕባ ግዳያት ላምፐዱሳ ብዙሕ ተዘሪቡ፡ ተሓዚኑን ተነቢዑን፡ በንጻሩ ደገፍቲ እቲ ጨካን ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ሬሳ ኣሕዋቶም ሳዕሲዖምን ጨፊሮምን። ኣብ ከብዲ ጥሙይ የሎን ጽጉብ ከም ዝብሃል ብዓንተቦኡ’ውን ህዝብና ደም እናነብዐ ከሎ “ሃገር ማሕረ ኣሎ! ክንደይ’ኳ!” ዝብሉ፡ ኤርትራውያን እዮም ክትብሎም ዘጸግም ፍጮ ሃገር እዮም። ስለዚ፡ ካብዚኣቶም እንታይ ክንጽበ ንኽእል? ብዝኾነ ናብ ነጥበይ ክምለስ ግን እዞም ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተቐዝፉ ዕሸላት ቈልዑ፡ ጥኑሳት፡ ንዓለም ማንካ ዘየልዓሉላ ጭልቅዓት መንእሰያትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ብሃውሪ ወይ በጋጣሚ ዝጠፍኡ ዘይኮኑ ብኣምላኽ በጃ ክኾኑ ዝተሓርዩ ሰማእታት ምዃኖም ክንፈልጥ ኣለና። ብፍላይ እዞም ኣብ ደገ እንነብር ዜጋታት፡ ንሓመር በሎ ንጐባይ በሎ” ክንብል ሰኣን ሓድነትናን ውሕሉል ኣሰራርሓን ዘመክሕ ስራሕ ፈጺምና ክንብል ኣይንኽእልን። ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ተቓሊስና ክትብል ከለኻ እንታይ ጌርካ’ሞ? እንተ በሉኻ ከምዝን ከምዝን ገይረ ዝብል መልሲ ዘይትረክብ እንተ ዄንካ መኺንካ ኣለኻ ማለት እዩ። በንጻሩ ዝፈጸምካዮ ዕንወት በዚሑ እዩ ዝርአ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ነቲ ስርዓት ዕርቃኑ ዘውጽእ ዓቢ ምቅላዕ ሳላ’ዞም ሰማእታትና ክርከብ ተኻኢሉ ኣሎ። ክሳብ 2002 ዝነበረ ኵነታት ገዲፍና፡ ካብ 2002 ንነጀው ክንደይ ምሁራት ኢና በሃልቲ ገዘፍቲ ርእሲ፡ ብርክት ዝበሉ ንክልተ ሲሶ ናይ ህይወትና ተጋዲልና ዝብሉ ፍሉጣት መራሕቲ ሰውራ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ኣብ ኣገዳሲ ዓለማዊ ቦታ ዝርከቡ ውልቀሰባት እንተስ ብሸለልትነቶም እንተስ ብስንፍናኦም ክፍጽሙዎን ከድምዑሉን ዘይከኣሉ ንህግደፍ ዘዳኽምን ከም ጨርቂ ኣፍኵሱ ራዕራዕ ዘእተወን ፍጻሜ ሎምቕነ ተዓዚብና። ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ነገራት ብኸመይ ከም ዝጐዓዙ ምትንባይ ቀሊል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ክትሓስቦ ዘጸግም፡ ደርማስ ዝኾነ ለውጥታት ንዕዘብ ኣለና። ስለዚ፡ ሎሚ ንስርዓት ኢሳያስ ዘይኮነ ይኣክል! እንብል ነቲ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ኢና ዝብላ ውድባትን ሰልፍታትን ኢና ይኣክል! ብምባል ብሓደ ረምታ ክንምርሽ ዝግብኣና። ሲቪካውያን ማሕበራት ይኹን ማሕበር መንእሰያት ኣብ ኣብ ዝበዝሕ ቦታታት ዓለም ቀላጽሞም ኣሕቢሮም ደው ናብ ምባል ደረጃ በጺሖም ኣለዉ። ካልእ ኣማራጺ ድማ የልቦን። ደጊም “ኣነ ምስ እከለ ውድብ ከምዚ ጸገም ስለ ዘሎኒ ምስኡ ክሰርሕ ኣይክእልን እየ፡ ማሕበር እከለ ብዛዕባ’ዚ ዘለዎ ኣረኣእያ ከምዚ ስለ ዝኾነ ንሱ ኣብ ዘዳለዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣይሳተፍን’የ” ምባል፡ ከም ተቓለስቲ ዘይኮነ ከም ደገፍቲ ህግደፍ ወይ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝቘምና ከም ዘቝጽረና ክንግንዘብ ክንክእል ኣለና። ኣብዚ ዘለናዮ ኣዝዩ ተሃዋሲ እዋን ኣንቸ መንቺ ገዲፉ ስቓይን ግፍዕን ህዝቡ ንምውጋድ ደው ዘይብል ሰብ ካብኡ ንላዕሊ’ውን ይግብኦ።
    ክቡራት ኤርትራውያን! “ኣነ ኤርትራዊ እየ” ምባል ንበይኑ ትርጕም ኣልቦ እዩ። ኵሉ ዝበልዖ ቍራዕ በይና ትሓሮ ከም ዝተባህለ፡ እዋን ራህዋን ሰላምን ጸጋን ምስ መጽአ እዞም እናፈለጥና ኣጽቂጥና ወይ ድማ ምስዚ ዓንዛር ጭፍራ ህግደፍ ደው ኢልና ዝጸናሕና፡ ከምቲ ኢሰፓውያን ድሕሪ ናጽነት ዝብሉዎ ዝነበሩ፡ “ብስቱር እደጋገፍ ነይረ፡ እከለ ይፈልጠኒ እዩ” ዲና ክንብል? ዓገብ! ህዝብኻ እናተቐዝፈ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ካልእ ዜጋ እናኾነ ከሎ ኣብ ጓል መንገዲ ምዝራብ ምህውታት ወይ ኮነ ኢልካ ምጽያቕ እዩ ዘስምዕ። ስለዚ፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ደጊም ይኣክል! ብምባል ጸጸሩ ክድርቢ ክኽእል ኣለዎ። እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተጀሚሩ ዘለኦ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ማዕበል ተስፋ ዝህብ ስለ ዝኾነ ድማ ብምሉእ ሓይልና ክንደፍኣሉ ግቡእና እዩ። ዓወት ህዝብና ናይ ግድን እዩ! ዝኽሪ ንሰዉኣትና፡ ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ንሰማእታት ላምፐዱሳ!

  • michael tedla October 30, 2013

    Dimtsi Asena thanks .continue until liberty .your journey is not over and thanks Gual churum .

  • dejena October 30, 2013

    ካብ እግዛአቢሄር ርከቦ ይበል መደረን ስራሕን አቶ አማኒኤል አሰና !! አጆኻ ክወግሕ እዩ።
    ስድራ ቤት ናይዞም ግዳያት አብ ኤርትራ ህልዋት እዮም: ዓሕ ብሰንኪ ናይዚ ግዕዘይ ስርዓት ህግደፍ ደቅና ጠፊኦም እናበሉ ንቃልሲ ይጽንበርዎ አለው !!

  • Mandoza Gabrielle October 30, 2013

    In a country where the deep rooted tradition does not allow you even to eat before burying your deceased family member or friend – WE HAVE WITNESSED GOVERNMENT SUPPORTERS IN ATLANTA and BOSTON TO DANCE. Alas !!!! this is a clear sign of their absolute madness in the foot steps of their leader ( who preferred now to be camera shy leader despite this horrific tragedy the shook the world in disbelief.

  • Tesfay October 30, 2013

    You loosers, find another job instead of making business with this tragedy.

    • Hailom N. October 30, 2013

      Yes Tesfay we now now it is moor clear for you to go to Asmara and do you been dowing rape litel children. You don’t now about business nothing you now only haw to sale your food stump and line up section 8 housing LOOSER TEWELIJE WAHID.

  • sara gual eritra October 30, 2013

    WAY ANE AHWATEY , DEKEY
    deki mebtsa’a deki hidri deki NATSNET
    ember ikum nerkum BENTSARU
    HILKIT ZEMENE ISAYAS TEBAHILKUM
    nzente elet kitzkeru ikum

  • Asha Habesha October 30, 2013

    ዓሻ ሓበሻ ዘርእኻ እዩ ዝጸንት ዘሎ ።

  • SelfReliance October 30, 2013

    In every point you loose.i do not want to say something else justLoosersssss

POST A COMMENT