Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጥርሙዝ ህግደፍ!

ጥርሙዝ ህግደፍ!   እቲ መላኽስ'ኳ ብንግሆኡ ንስልጣን'ዩ ናብ በረኻ ወጺኡ እቶም ዕሱባት ግን ዘለዉ ምሳኡ እዞም ኩሎም ሰማእታት ከምዘየሰውኡ ህዝቢ እናበረሰ ካብ ሃገር ጠፊኡ እንታይ እዩ ዓኒዱዎም ትም ኢሎም ዝሪኡ!?   ረብሓ'ዩ ከይንብሎ ንሽመት ሰሲዖም ይምቊሑ ኣለዉ ስልጣን ተመንዚዖም ሰበ ስልጣን ምልኪ እንታይ ዳእዩ'ሞ ጉዶም ሞቶም ዝጽበዩ

ጥርሙዝ ህግደፍ!
 
እቲ መላኽስ’ኳ ብንግሆኡ
ንስልጣን’ዩ ናብ በረኻ ወጺኡ
እቶም ዕሱባት ግን ዘለዉ ምሳኡ
እዞም ኩሎም ሰማእታት ከምዘየሰውኡ
ህዝቢ እናበረሰ ካብ ሃገር ጠፊኡ
እንታይ እዩ ዓኒዱዎም ትም ኢሎም ዝሪኡ!?
 
ረብሓ’ዩ ከይንብሎ ንሽመት ሰሲዖም
ይምቊሑ ኣለዉ ስልጣን ተመንዚዖም
ሰበ ስልጣን ምልኪ እንታይ ዳእዩ’ሞ ጉዶም
ሞቶም ዝጽበዩ ተዓኒዶም!
 
ኣንታ እንታይ እዩ ጉዱ እንታይ እዩ ብልሓቱ
ወዲ ሰብዶ ይዓውር’ዩ ምስ ብሌን ኣዒንቱ!?
ህዝቢ እናጠፍአ *ብጻኦት ካብ ቤቱ                      *ብጃምላ ምስዳድ
ሰብ እናተመቈሐ ቀንጢጥካ ክብረቱ
እዞም ብዓል ግርማ እዞም ብዓል ገራህቱ
ንቡር’ዩ ዝብሉና ጽቡቕ ኣሎ ህይወቱ!
 
ትማሊ’ወ ትማሊ ኣብ ዜና ቢቢሲ
እቲ ጥርሙዝ ህግደፍ ዘየብሉ ርእሲ
ኣምበሳደር ግርማ’ወ ሸሓጢ ወዳሲ
ሰሚዕናዮ *ኣሩኤል ንምልኪ ከሳሲ!                      *ወኻርያ
 
ክልተ ካብ ሚእቲ ካብ ህዝቢ መንጪቱ
ኣብ ስደት ሰፊሩ ዚመርሕ ህይወቱ
ንጸሊም ጻዕዳ ኢሉ ከረድእ ንከንቱ
ኣብ መድያ ቀሪቡ ወትሩ ምህውታቱ
ንሳ ኮይና ዓቕሙ ምሕሳው ክእለቱ
ህግደፍ ዓሲቡዎ ኣናድዩ ካብ ቤቱ!
 
ፈለማዩ ኣይኮነን ግን ግርማ፡ ጥፍኣትና ኪኽሕድ
ኩሊትና ንመሸጣ ናብ ዕዳጋ ክወርድ
ባሕሪ ዜጋታትና ብጃምላ ክወስድ
መላኺ ምስ ሰዓብቱ ኣብ ጓይላ ከኹድድ
ጸሊም ታሪኽ ህግደፍ ዓለምና ክትስንድ
ተግባር’ዞም ከሓድቲ ኢሉና ስግድግድ!
 
እስከ በሉ ደሓን ኩሉ ግዜ ኣሎዎ
እዚ ውጹዕ ህዝቢ *ሽንሆት ሓሪሙዎ                     *ዘሐጉስ ነገር
መላኽን ሰዓብቱን ፍጹም ተሐሰሩዎ
ኣፈሙዝ ኣቕኒዖም እንተ መቊሑዎ
ህዝብና ክቐስን ጸበባ *ክንሁዎ                                *ክርሁዎ
ጸላሙ ቀንጢጦም *ጸዳል ዘርእዩዎ                           *ብርሃን
ሎሚውን ከም ወትሩ ጀጋኑ ኣለዉዎ!
 
“ጥርሙዝን ሰኽራም ሰብን ክልቲኦም ሓደ’ዮም! ምኽንያቱ፡ ክልቲኦም ከብድን ክሳድን ክህልዎም ከሎ ርእሲ ግን የብሎምን!” ንከም ብዓል ኣምበሳደራት ህግደፍ፡ ግርማ ኣስመሮምን ተስፋሚካኤል ገራህቱን ዝተባህለ ኮይኑ ይስምዓካ።
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 24-11-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • wedi fre November 29, 2014

    Yibel Ghitmi,
    Antir, Sewid, Hiter Izi Hawei!!!!

    Bravo Mesinas!!

  • ERITRAWIT November 30, 2014

    Mesinas,
    Belom da nezom arawit b hzbna zsawetew zelew.

    • ggg December 3, 2014

      “Letu derefet abeu terefet” eyu zblena zelo Iseyas n seabtun bejakum sirah sebeut ngber ametat koynu bgtmitatn derfitatn, bzhi selfitatn kab ndnkur kum neger yelen. bejakum ntefie alena bahli mmebal koynu eyu zsmeani ezi derfi gtmi nerkbelu nsu haye nmerish n miteu ezi arawit.

  • mehari November 30, 2014

    this is just garbage please keep it for your self.

  • Abisho November 30, 2014

    Mehari Animal you said garbage for Mesinas kkkkkkkk,you are chicken head you don’t know your self who are you,so that I want tell you same thing, in the first instance asked yourself before say some thing about it.Because you don’t have ability to talk with Mesinas okay, you have to know your position. Mesinas is the higher mind person, and you are the chicken head person, there fore the distance between Mesinace and you are like Earth and sky. So Mr.Garbege Mehari just go-head like a horse in-front of you. don’t watch up around you and support for Isease and his regime okay this is the perfect way for you, and you seems the one who typical Eritrean kkkkkkkkkkkkk you are the big Animal of 21 century. that is Enough for you to day Idiot BOBY of Isease.

  • dan December 2, 2014

    ግርማ ኣስመሮም ቀደምውን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ እንከሎ ኣብ ክንዲ ስራሕ ኣምባሳደር ዝሰርሕ ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ዶላር ኣብ ምእራይ ግዚኡ ዘሕልፍ ዝነበረ በጋሚንዶ ልኡኽ ኢሰያስ ስለዝኮነ ኣብቲ ምስ voA ዝተዛረቦ ጻዕዳ ሓሶት ብዙሕ ዘገርም የብሉን(ሌባ ላመሉ ዳቦ ይልሳል)

POST A COMMENT