Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጠንቅን ሳዕቤንን (cause and effect)

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ፍጥረት፡ ኩሉ ነገራት እተተሓሓዘ፡ እተኣሳሰረ ወይ እተዛመደ እዩ። ንበይኑ ጠልጠል ኢሉ ዚነብር የሎን። ከምዚ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ፍጥረት እቲ ሓደ ነቲ ዘድልዮ ነገራት ካብቲ ሓደ እናተጸበየ (interdependence) ወይውን እናተጸላለወ (interaction) እዩ ዚነብር። ምስ

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ፍጥረት፡ ኩሉ ነገራት እተተሓሓዘ፡ እተኣሳሰረ ወይ እተዛመደ እዩ። ንበይኑ ጠልጠል ኢሉ ዚነብር የሎን። ከምዚ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ፍጥረት እቲ ሓደ ነቲ ዘድልዮ ነገራት ካብቲ ሓደ እናተጸበየ (interdependence) ወይውን እናተጸላለወ (interaction) እዩ ዚነብር። ምስ ዝኾነ ይኹን ከይተኣሳሰረ ወይ ከይተዛመደ ንበይኑ ህላዌ ዘለዎ ሓይሊ ወይ ኩነት ግን ፍጹም (absolut) ይብሃል። ኣእምሮና ነቲ ምስ ህላወና ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘይብሉ ፍጹም ኪርድኦ ኣይክእልን። ገለ ሰባት ነዚ ፍጹምዚ፡ ኣምላኽ ይብሉዎ።

ስለዚ ኩሉ ነገራት እተኣሳሰረ ብምዃኑ፡ ሓደ ነገር ኪፍጸም ዝኽእል፡ በቲ ብድሕሪቱ ዘሎ ኩነታት ስለ ዚንካእ እዩ። እቲ ፍጻመ ድማ ብወገኑ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ኩነታት ይነኽኦ። ምትእስሳር ስለ ዘሎ፡ እቲ ሓደ ኪደፍእ ከሎ፡ እቲ ዝድፋእ ዘሎ ድማ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ነገር ይደፍኦ፡ ንሱ ድማ ይንቀሳቐስ። እቲ ዝደፍእ ጠንቂ (cause) ይብሃል፡ እቲ ዝተደፍአ ዝፈጥሮ ምንቅስቓስ ወይ ኩነታት ድማ ሳዕቤን (effect) ይብሃል።

ይኹንምበር፡ እቲ ጠንቂ፡ ሳዕቤን ምስ ኣኸተለ፡ እቲ ሳዕቤን ብግደኡ ጠንቂ ኾይኑ ካልእ ሳዕቤን ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ ጠንቅን ሳዕቤንን እናተወራረሰን ጨንፈራት እናፈጠረን እዩ ዚቕጽል።

ነገራትን ኩነታትን እተኣሳሰሩን እተተሓሓዙን እተዛመዱን ብምዃኖም፡ ኩሉ ግዜ ጠንቅን ሳዕቤንን ብሰንሰለታዊ መገዲ እዮም ዚጐዓዙ።

ኣብ ፍጥረት፡ ኩሉ ነገራትን ኩነታትን እተኣሳሰረ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ዚፍጸም ኩነት ነቲ ኣብ ካልእ ቦታ ዘሎ ኩነት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መገዲ፡ ብሓያል ኣገባብ ይኹን ብድኹም ኣገባብ ይጸልዎ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቻይና ወይ ኣብ ቦሊቭያ ዚፍጸም ነገራት፡ ብገለ መገድስ ነቲ ህላወኻን ኣተሓሳስባኻን ናብራኻን ይጸልዎ እዩ።  ኣብ ቦሊቭያ ህወከት ይለዓል፡ ዶላር ይትንከፍ፡ እቲ ናብ ዓዲ እትሰዶ ገንዘብ ይትንከፍ፡ ስድራኻ ድማ ይትንከፉ ወዘተ….። ህዝቢ ቻይና ይህብትም፡ ብዙሕ እኽሊ ይዕድግ፡ ዋጋ እኽሊ ይኸብር፡ ንገዛኻ ድማ ይትክፎ ወዘተ….

ካብ ባዶ ዚለዓል ነገር የልቦን። ሓሳባትና እንተ ኾነውን፡ ካብ ባዶ ኣይለዓልን፡ ዘላዕሎ ጠንቂ ኣለዎ። ገለ ሰብ- ሳየንስ፡ ነገር (matter) ካብ ባዶ ይለዓል እዩ ይብሉ፡ ግን ተመሊሶም ድማ ባዶ ዚብሃል ነገር የልቦን ይብሉ። ስለዚ ኩሉስ መበገሲ ወይ ጠንቂ ኣለዎ።

ኩሉ ፍጻመታት ብድሕሪቱ ጠንቂ ስለ ዘለዎ፡ ንድሕሪት ገጽካ ብምኻድ፡ እቲ መጀመርታ ጠንቂ እንታይ እዩ ዚብል ሕቶ ከተልዕል ትኽእል። እቲ ኣፈናዊ ወይ ናይ መጀመርታ ጠንቂ እንታይ ምዃኑ ዚፈልጥ ሰብ የልቦን። ገለ ሰባት ነዚ ናይ መጀመርያ ጠንቂ (primal cause) ኣምላኽ ኢሎም ይጽውዕዎ። ይኹንምበር እዚ ሓይልዚ ምስ ኩነታት ምትእስሳር ስለ ዘለዎ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ድማ ምስ ዝኾነ ይኹን ከይተኣሳሰረ ወይ ከይተዛመደ ንበይኑ ህላዌ ዘለዎ ኪኸውን ስለ ዘይክእል፡ ፍጹም (absolut) ኪብሃል ኣይከኣልን። ስለዚ ኣምላኽ ኢልካ ክትጽውዖ ኣጸጋሚ እዩ።

በዚ መሰረትዚ፡ ኩሉ ነገራትን ኩነታትን፤ ጠንቅን መበገስን ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ኩሉ ኣተሓሳስባና ወይ ኣተናትናና ነዚ ከም መትከል ክንወስዶ ይግባእ። ብኸምዚ ዚሓስብ ኣእምሮ ድማ፡ ንመብዛሕትኡ ሽግራትን ጸገማትን ብልክዕ ኪርዳኦ ወይ ፍታሕ ኪረኽበሉ ይኽእል።

ንነገራት ኣብ ክንዲ ብመሰረት ጠንቅን ሳዕቤንን እትርእዮ፡ ኣብቲ ምስ ነገራትን ኩነታትን ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘይብሉ ፍጹምነት (absolut)  ምስ እተጸግዖ፡ ብኣኡ ጌርካ ድማ ንፍጻመታት ክትትንትንን ፍታሕ ክትረክብን ምስ እትፍትን፡ ውጽኢታዊ ኪኸውን ኣይክልን። ምናልባት ነቲ ናይ እምነትካ ኣካይዳ የዕግቦ ይኸውን። ንምምርማርን ንምፍታሕን ጸገማት ግን ከገልግል ኣይክእልን።

እምበኣር ናብ ሃገርና ድማ ቍሊሕ ክንብል።

ነገራትን ኩነታትን ስቓይን መከራን ኤርትራ ብመሰረቱ ካብቲ መሪሕነት ህግደፍ ሓሊፍካ ኪረአ ኣይክእልን። ነዚ ሕጂ ንኤርትራ ዚወርዳ ዘሎ ስቓይን መከራን ዘበገሶ ጠንቅታት ኣሎ። እንታይ እዩ እቲ ኣፈናዊ ወይ ፍልማዊ ጠንቅታት ኢልካ ምምርማር፡ ነቲ መከራ ብመጠኑ ፍታሕ ኪረኽበሉ ይኽእል እዩ።

ናይዚ ኹሉዚ ኣፈናዊ ጠንቂ፡ ናይቲ ህዝቢ ታሪኻውን ፖለቲካውን ባህላውን ቁጠባውን ኣቃውማ ኪኸውን ይኽእል። ከም ሳዕቤን ድማ ባዕዳዊ መግዛእትን ተገዛእነትን (colonial mentality) ፈጢሩ። እቲ ሳዕቤን ብግደኡ ጠንቂ ብምዃን ነቲ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምሒር ጭቆናን ናይ ተገዛኣነት መንፈስን ንምምካት ናይ ሓርነት ምንቅስቓስ ኪፈጥር ክኢሉ። ኣብቲ ዝወራረስ ናይ ጠንቅን ሳዕቤንን መስርሕ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ መሪሕነት ምስ ውልቀመላኺኡ መጺኡ፡ እዚ ድማ ባዕሉ ጠንቂ ብምዃን ነዚ ስቓይን መከራን ኣኸቲሉ ወዘተ.።

ኣብ እግረመገደይ ብዛዕባቲ ውልቀመላኺ ዝሰማዕኩዎ ዘስደምም ዘረባ ከካፍለኩም፤ እንታይ ገይሩ ንሱ፡ እቶም ትሕቲኡ ዘለዉ እንድዮም ምስራሕ ከሊኦምዎ……። እንታይ ማለትዩ ምስራሕ ከሊኦምዎ? ሰብ ክሓርድ ከሎ ዲዩ ካራ ምቕባል እናደንጎዩዎ? ወድሰብ ካብቲ መሪር ሓቂ ንኽሃድም ዘይፈጥሮ ሃለውለው የሎን።

ናይዚ ዓንቀጽዚ ቀንዲ ምኽንያት መጽሓፍየይ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ተኸሲቱ ዘሎ ጸገማትን ስቓይን ፍታሕ ንምንዳይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኣተሓሳስባና ሳየንሳዊ ወይ ህየሳዊ ዝኾነ መገዲ ክንክተል ብማለት እዩ። ዘይተጸርበን ዘይተገርሐን ኣእምሮ፡ ንነገራትን ኩነታትን ብቄናንን ማሪታውን መገዲ ስለ ዚወስዶ፡ እቲ ዘርእዮ ግብረመልሲ እውን ቄናንን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን እዩ ዚኸውን። ልክዕዩ፡ ንኣእምሮና ብሓደ መዓልቲ ክንጸርቦን ክንጽልጽሎን ኣይንኽእልን፡ ግን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክንለማመድ ይግበኣና።

እምበኣር ከም ኣብነት ኪኾነና፡ ሓደ ኣብ ሓደ ስድራቤት እተኸሰተ ፍጻመ ከዘንቱ። ኣደን ኣቦን ሽድሽተ ውላድን እዮም። ሓሙሽተ ኣዋልድ፡ ሓደ ወዲ። ካብዚኣቶም እተን ኣዋልድ ኣብ ትምህርተን ንፉዓትን ብጠባየን ድማ እተመስገናን ኪኾና ከለዋ፡ እቲ ወዲ ግን ኣይግድን። እስከ ስሙ ዛሉ ንበሎ።

ዛሉ፡ ኣብ መወዳእታ ሰብ እውን ቀቲሉ እዩ። ንሕልፈት ድማ ተፈሪዱ።

እንታይ እዩ ጸገሙ? ባዕሉ ደኣ ፈጣሪ ቀጺዑ ይሃብካ እምበር፡ ኩሉ ፈቲንና ረብሪብና ትብል ኣደኡ። ኣቦኡ ግን በዚ ርእይቶዚ ዕጉብ ኣይነበረን። እቲ ዘገርም ግን ኩሉ ዘመድን ቤተሰብን ከምታ ናይታ ኣደ ኣተሓሳስባ ምኽታሉ እዩ። ኩሉ ምስኣ ኾይኑ፡ ቀጺዑ ደኣ ይሃብካ ኣምበር ….. ይብል። ገለ ብልህታት ግን፡ ነቲ ጠንቂ ኪፈልጡዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን።

ጠንቂ ጸገማት ዛሉ ንምምርማር ግን ንድሕሪት ምኻድ የድሊ ነይሩ። መን እዩ ንዛሉ ስዲ ሰዲዱዎ? ኣደኡ እያ። ስለምንታይ? ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋልድ ስለ ዝወለደቶ። ንተባዕታይ ውላድ ሓበን ናይ ገዛ ገይራ ስለ ዝረኣየቶ ነተን ኣዋልድ ገዲፋ ኩሉቲ ኣብ ግጉይ መትከል ዝተሰረተ ቀልባ ናብኡ ኣቕኒዓቶ። ሕማቕ ክገብር ከሎ፡ ጽቡቕ ዝገብር ዘሎ ኾይኑ ይሰምዓ ነይሩ። ከምዚ ገይራ ስዲ ምስ ሰደደቶ፡ ኩሉ ንኺገብር ድማ ብኣፋን ብግብረመልሳን ተተባብዖ ስለ ዝነበረት፡ ኩሉ ኪገብር ፈቲኑ። ሓደ ካብኡ ድማ ሰብ ምቕታል እዩ ነይሩ።

ብተመሳሳሊ መገዲ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ መሪሕነትውን፡ ሰዲዱልና ኢልካ ምሕላፍ ዘይኮነስ፡ እንታይ እዩ እቲ ጠንቂ ኢልካ ምምርማር የድሊ። ንሕና ዲና ባዕልና ኣምጺእናዮ? ስለዚ፡ ኣብቲ ናይቲ ህዝቢ ስቓይ ናትና ኣበርክቶ ከይህሉውን  ነብስና ክንፍትሽ ይግባእ።

ከቢድ ትንተና ናብ ሓቂ ኪወስደካ ይኽእል። ዝምቡዕን ህኩይን ኣተሓሳስባ ግን ግዜኣዊ ዕግበት ይህበካ ይኸውን ግን ጸኒሑ ኣብ ጸገም እዩ ዘእትወካ። ህየሳዊ ትንተና ወይ ኣተሓሳስባ ነቲ ኩሉ ሰብ ከም ቅቡል ዚወስዶ ኩነታት ኪብድሆ ድሕር ኣይብልን።

ገለ ሰባት፡ ድሕሪ ጥልቂ ዝኾነ ትንተና፡ ነዚ ዘሎ ስርዓት፡ እምበርዶ መንግስቲ ኢልካ ምጽዋዑ ቅኑዕ እዩ ኣብ ምባል ዝበጽሑ ኣለዉ። ምናልባት ደኾን መንግስቲ ኢልና ብምጽዋዑ ይኸውን ብልክዕ ክንትንትኖ ዘይንኽእል ዘሎና? ሓቂ ንምድላይ፡ ብዘይፍርሂ ኩሉ እምኒ ክንግልብጥን፡ ኩሉ ኩርናዓት ክንድህስስን ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Guram July 9, 2015

    ይበል ይበል መምህር ኣማንኤል…

    ካብ ኢሰያስ፡ ዛሉ ይሓይሽ። ዛሉ እኮ ነታ ኣቀባጢራ ሲዲ ዘዕበየቶ ኣዲኡ ኣይቀተላን። ኢሰያስ ግና ነቲ ሓብሒቡ፣ ኣቀባጢሩ ሲዲ ዝሰደዶ ህዝቢ፡ መዓልታዊ ይሓርዶሎ።

  • samson July 9, 2015

    Thank very much. I like one world article good job Amaniel sahle.

  • lemlem July 9, 2015

    A good lesson to those who blindly believe and yawn at others.And a good example to those who understand the situation.

  • fake singapore July 9, 2015

    what an article.

  • FAKE SINGAPORE July 9, 2015

    bitew ,what is your point ?

  • Teclay July 10, 2015

    Amanuel Sahle

    Your article was beautiful yesterday while it was complemented(completed) by the wonderful comment of Sahay ,but after the comment was assassinated by Assena dictators(former so called Tegadelti ) your article became so poor.
    My advice for you, is to look another web site or to establish your own as this web is moderated by dictators,it can not accommodate such controversial article ,even sending to Hadas Eritrea is much better.

    • rezen July 10, 2015

      I am very sad to note that the commentary by sahay Erican(Tsehaye: the peasants’ son) is deleted.
      My advice to my friend, “the peasants’ son”,[I love the name] is to repost it — BUT INTO TWO PARTS. Your commentary is too long for ONE ENTRY. I am sure that is the problem. I can bet anyone against በራድ ሻሂ!!! Teclay, my comrade, would you like to lose the bet? ha ha ha.
      Seriously, I think demo.archive.assenna.com has a policy of limiting commentaries to a certain level PER ENTRY, though unfortunately not exactly defined. Needless to say, it is the prerogative of the Management, with all the implication that it entails.
      THE END

  • kibrom July 13, 2015

    Good Job Memeher Amaniel.

POST A COMMENT