Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጠላማትን ፈተውቲ ነብሶምን ሰበስልጣናት – ራብዓይ ክፋል

ኣብቲ ስማዊ ዘይስሩዕ ኣኼባ ሚኒስተራት ህግደፍ፡ ኣስማትን ምስልን ናይቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጠስጠሱ፡ ክከሓድ ዘይግብኦ፡ መብዛሕቶኦም ወይ’ውን ኩሎም፡ ካብዞም ሕጂ ብርእሰ ተኣማንነትን ምሉእ ናጽነትን ዘይሰርሕሉ ናይ ሚኒስተር ወይ ጀነራል መዓርግ ተሸሊሞም ስልጣን ኢሳያስ ዘማዕርጉ

ኣብቲ ስማዊ ዘይስሩዕ ኣኼባ ሚኒስተራት ህግደፍ፡ ኣስማትን ምስልን ናይቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጠስጠሱ፡ ክከሓድ ዘይግብኦ፡ መብዛሕቶኦም ወይ’ውን ኩሎም፡ ካብዞም ሕጂ ብርእሰ ተኣማንነትን ምሉእ ናጽነትን ዘይሰርሕሉ ናይ ሚኒስተር ወይ ጀነራል መዓርግ ተሸሊሞም ስልጣን ኢሳያስ ዘማዕርጉ ዘለዉ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንእስነቶምን ዘወፈዩ’ዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጉዕዞኦም ብፍላይ ድማ ድሕሪ ናጽነት፡ ዝተሰከምዎ ሓላፍነትን ገድላዊ ተሞኩሮምን፡ ንኢሳያስ ካብ ምውዳስን፡ ንዕኡ ተማእዘዝቲ ካብ ምዃን፡ ነብስዃ ፈቲኻ ካብ ምስቃጥ፡ መቃልስትኻን ምሳኻ ዝመኸሩን ካብ ምጥላም ሓሊፎም፡ ንዕንደራ ኢሳያስ ብትሪ ያዕ ክብልዎ ሓሞት ኣየጥረዩን። ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ከም ውልቃዊ ንብረቱ ወኒኑ፡ ካብ መዝነቶም ከዛሕትሎም፡ ከባርሮም፡ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ክቀያይሮም፡ ኣብ ስርሖም ጣልቃ ክኣትዎም እንከሎ፡ ንመሰሎምን ንኽብረቶም ብሒም ኢሎም ኣይዛረቡን’ዮም። ንነብሶም ስለዘይጣበቁን ብረብሓ ስለዝዓወሩን ድማ’ዮም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ስደት፡ ሕሰም መነባብሮን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ከምኡ’ውን መቃልስቶምን ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታትን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እናበለዩን እናተሳቀዩን እንከለዉ፡ ርእዮም ከምዘይርኣዩ፡ ኣብ ሰረገላ ኢሳያስ ተወጢሖም ዝጓዓዙ ዘለዉ።

ብገበናቶም ኣብ ስርዓት ህግደፍ ብዘለዎም ጽፍሕን ነዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ነጥብታት ዘማልኡን ብኻልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ኣድመይቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥቃስ፡ ስብሓት ኤፍረም፡ ሃይለ ምሕጹን፡ ኣስካሉ መንቀርዮስ፡ ፎዝያ ሃሽም፡ ተስፋይ ገብረስላሴ፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ወልደሚካኤል ኣብርሃ፡ ገርግስ ተኽለሚካኤል፡ ሰመረ ርእሶም፡ ዘምህረት ዮውሃንስ፡ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ኣውልያይ፡ ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ፡ ኣምባሳደር በየነ ርእሶም፡ ዑስማን ሳልሕ፡ ተስፋሚካኤል ገርሃቱ፡ ኣምና ኑርሕሸን፣ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማርያምን (ወዲ በላዒ ጣዕዋ)፡ ዘመደ ተኽለን’ዮም። ምናልባት “ብናተይ ትእዛዝ ዝተኣስረ ወይ ዝተቀትለ ውልቀ ሰብ፡ ዝተዘረፈ ንብረት፡ ዝተኸላበተ ስድራቤት፡ ዝባኸነን ዝተጠፋፍአን ገንዘብ ህዝቢ የለን፡ ከም ጲላጦስ ኣእዳውና ንጹህ’ዩ” ይብሉ ይኾኑ። ገለ ካብዞም ተጠቂሶም ዘለዉ፡ ብጾቶም ዝጠለሙን ቤተሰቦም ግደ ሞትን ማእሰርትን ክኾኑ ዝበየኑን ስለዘለዉዎም፡ ከም ዓስቢ ክድዓቶም፡ ብኢሳያስ ሕልፊ ሰቦም እሙናት’ዮም። እቲ ተሰኪሞሞ ዘለዉ ሓላፍነት ወይ መዝነት ብግቡእ ይስርሕሉ ኣይስርሕሉ ንዓታቶም ዝርኢ ጉዳይ’ዩ። ዘለዎም ሓላፍነት ተጠቂሞም፡ ካብ መንግስቲ ብናጻ ቀረጽ መዛወሪት ማኪና ክገዝኡ፡ ኣብ ንብረት ህዝቢ፡ ብዘይ ክፍሊት፡ ብፍርቂ ወይ ብትሑት ዋጋ ዝተመርጸ መንበሪ ኣባይቲ ክጥቀምሉ/ክውንንዎ እንተተፈቂድሎም፡ ሕልፊ ሰቦም ልዑል ደሞዝ ዝኽፈሉ እንተኾይኖም፡ ደቆምን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን ካብቲ ጽሉእን ዘይምኽኑይን መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምልጡን ኣብ ናይ ብሕቲ ወይ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝመሃሩን እንተኾይኖምን ካልእ ጉንዖን እናተዋህቡን፡ ካብ ሓላፍነትን ገበንን ከምልጡ ኣይክእሉን’ዮም። መሬት ምስርሃወን ነብስኻ ፈትሽ ምስኮነን፡ ብህዝቢ ኤርትራ፡ “ኣበይ ጸኒሕኩም፡ እንታይ ትባቁጡ ኔርኩም” ዝብሉ ሕቶታት ከምዝቀርበሎም ክዝንግዑ የብሎምን፡፡ ዋላ’ኳ እከይ ተግባራቶም ከም ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ስምኦን ገብረድንግል፡ ፍሊጶስ ወልደሃንስ፡ ሓጎስ ገብረሂወት፡ ክልተ የማነን ወዲ ካሳን ዝምረር እንተዘይኮነ፡ ከም ተራ ሓረስታይ ወይ ነጋዳይ ኣበር የብልካን ተባሂሎም ገገዛኹም ኪዱ ግን ዝግብኦም ፍርዲ ኣይኮነን። ተግባራቶም፡ ንዘለኣለም “ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ በዓልመን’ዮ ዝሃደሙ’ዩ” ዝብል መግለጺ’ዩ ዝወሃቦ።

ከፊላዊ ጉርሕን ነብሰፍትወትን ዘለዎም፡ ኣብ ዘቀምጥካዮም ዝጸንሑ ልኡማት ሰበስልጣን ህግደፍ ድማ ከም ኣብርሃ ኣስፍሃ፡ ኣረፋይነ በርሀ፡ ተስፋስላሴ ብርሃነ፡ ነስረዲን ዓሊ በኺት፡ ተወልደ ቀላቲ፡ ካሕሳይ ገብረሂወት፡ ወልዳይ ፍጡር፡ ብርሃነ ሃብተማርያም ክጥቀሱ ይኽእሉ። ንሳቶም፡ “እንታይሞ ዘይገበርና፡ ጉድለታት ክዕረን ልወጢ ክመጽእን’ዩ ዝብል እምነት ነይሩና፡ ንፈልጦ ነገር የለን፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ’ዩ ገባርን ሓዳግን ነይሩ” ብምባል’ዮም ካብ ተሓታትነት ክሃድሙ ዝፍትኑ። ንዓመታት ምስ ኢሳያስ ስለዝተጓዕዙ፡ ጉዳያት እናሓሰመን እናጋሕመጠን ይኸይድ እምበር ዝኾነ ምምሕያሽን ለውጥን ይመጽእ ከምዘየለ ሓቅታት ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ተገቲሩ እንከሎ፡ ንጸሊምን ጻዕዳን ክፈልዩ ዘይምኽኣሎም በለጽ ወይ ምጅጃው’ዩ። ጽባሕ መሬት ምስወግሐን እቲ ህዝቢ ኤርትራ ከይወከሎን ብዘይ ቅዋምን ንኤርትራ ዝረግጽ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ዕምሩ ምስኣብቅዐን፡ እንታይ ከምዘመኽንዩን ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከምዝሓቶምን፡ ብጭቡጥ ንምትንባይ ዘጸግም’ኳ እንተኾነ፡ ማይ ዘይሓለፎ ኣማራጺ ግን ኣሎ። ተባዕ ስጉምቲ ወሲድካ ንህዝብኻ ምኽሓስ ብደም ዝተሓጽበ ኣእዳውካ ምንጻህ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ እስኪ ልቢ ግበሩ፡ ክቡራት ሚኒስተራት፡ ጀነራላት፡ ኣምባሳደራት። ናብ ግንባራት ደጀናት፡ ድሕሪ መስመር፡ ኣኼባታት፡ ወራራት ጸላእን ካልእ ኣጋጣሚታትን፡ ኣብ ምድቃስኩም ንድሕሪት ተመሊስኩም፡ ነቶም ኣብ ጎድንኹም ዝነበሩ፡ ኣዕርኽትኹም፡ መማህርትኹም፡ መጋድልትኹም፡ መቅሩስኩም፡ ንሓንቲ ካልኢት ዘክርዎም፡ መልክዖም ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ቅረጽዎ፡ ጭርቃኖምን ጅግንነቶምን ዳግማይ ኣስተማቅርዎ። ንዓዓቶም ረሲዕኩምን ኣብ ማእሰርቲ ደርቢኹም፡ ኣውያቶም ዕሽሽ ኢልኩም ህይወት ብዘይ ብኣኣቶም ከመይ ኢሉ ይወርደልኩም ኣሎ? ኣመና ዲኹም ረሲኣን ኮይንኩም ናብ ኣራዊት ተቀይርኩም? ንምዃኑ ከም ኤርትራውያን መጠን፡ ናብቲ ብጾትኩም ተሓይሮሙሉ ዘለዉ ቦታ ብምኻድ ሓንቲ መዓልቲ’ዶ ድሃዮም ጌርኩም ትፈልጡ? ነቶም ጠዋሪ ዘይብሎምን ዘኽታማትን ደቆምን ስድራቤቶም’ከ ከተጸናንዑን ብዓቅምኹም ክትሕግዙን ሓሊንኩም ትሕልኑ’ዶ? መልስኹም እው እንተኾይኑ ናብ ልብኹም ክትምለሱ ጸገም የብልኩምን። መልስኹም ኣይፋል እንተኾይኑ ግን ኣይግድን።

ነዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝረግጽን ዘሳቅን ዘሎ ስርዓት ህግደፍ መኸተምታ ንኸይትገብሩሉን መሪሕ ተራ ንኸይትጻወቱን ኢደ እግርኹም ኣሲሩ ኣእምሮሉም ደፊኑን ዓኒዱን ሒዝኩም ዘሎ እንታይ ምዃኑ ምርዳእ ኣብዩና።  “ክልተ እግርና ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ፡ ዝተረፈና የለን፡ ዳዕሲስናን በሪሕናን ስለዝኾና፡ ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቀ ጸሓይና” ዝብል ናይ ምስትምሳልን ዕርበተ ሕልናን ኣጠማምታ እንተልይኩም ድማ እቲ ብኣድማዕነት ዘይትሰርሕሉ ስልጣንኩም ንሓድሽ ወለዶን ክሰርሕ ዝኽእልን ኣካል ኣረኪብኩም ነብስኹም እንተፈቀድም ሓላል’ዩ።

ፍትሒ፡ ብልጽግናን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን!!

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓምለ 2017

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde July 17, 2017

    ‘NZEISEMA’AKA TABOT AITMAHLEL’ as my mom used to say,this clique which is seen huddled together is the same clique that came to power through a silent coup d’etat in the 90’s,closely knit together by interest,knows exactly what they want out of the little beguiled nation,feel no remorse whatsoever for what they do,it is a dictatorial mentally challenged military junta with a distinct emblem poised to rule for eternity.You see one, you see them all. There is one and only way to change the course of this nations destiny – to incinerate,autoclave this group and its legacy once and for all,Anyone who thinks otherwise is either an opportunist,a reluctant opponent,a covert sympathizer,irrational pacifist…….or outright liar.The birth canal is one way valve,you don’t compromise your way back to it.

  • hara July 21, 2017

    Thanks tsilal…slezi habereta ezom sebat…eziOm. Tigrgna zizarebu DAESH…wey Boko haram ybahalu…

POST A COMMENT