Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ግፍዒ በዚሑና!

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/05/Abeba_torontomay2015.pdf"]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Mesinas May 13, 2015

    ዝኸበርኪ ጸሓፊት ኣበባ ኣብርሃ፡ ሰላም። ኩሉ ግዜ ኣብ እትጽሕፍዮም ግጥምታት ኣድንቖተይ ምስ ገለጽኩ’የ። እንኮ ጓል ኣነስተይቲ ገጣሚት ኣሰና ብምዃንኪውን ዝያዳ የስተብህለኪ። ሎሚውን ከም ወትሩ ጽቡቕ ትርጉም ዘሎዎ ግጥሚ ኢኺ ጽሒፍኪ። በዚ ከኣ ደጊመ የመስግነክን የድንቐክን። ፍቓድኪ እንተ ኮይኑውን እዘን ዝስዕባ ለበዋታት ክህበኪ?

    ቀዳማይ፡ ኣጸሓሕፋ ግጥምኺ ስኒ ከልቢ፡ ማለት ኣታውን ወጻእን ጌርክዮ ስለ ዘለኺ ኣብ ቀጻሊ ኣጋባብ ኣጸሓሕፋ ቋንቋ ትግርኛ ክትክተሊ እላቦ?
    ካላኣይ፡ ዝኾነ ጽሑፍ ብስነ ግጥሚ ይኹን ብዓረፍተ ነገር ጽሒፍካ ምስ ወዳእካ፡ ቅድሚ ናብቲ ግዜኡ ወፍዩ ዝነቦ ኣንባቢ ምዝርጋሕካ፡ ብውሕዱ ሰለስተ ግዜ ከተንብቦ ይግባእ! እንተ ተኻኢሉውን ብውሕዱ ካልእ ሰብ ከም ዝእርመልካ ክትገብር ይግባእ። እዚ ንኽብሪ ጽሑፍካን ነበብትኻን ንምሕላው ዚግበር ጻዕሪ’ዩ።
    ሳልሳይ፡ ዝኾነ ይኹን ጸሓፊ ወይ ጸሓፊት፡ ምስ ነበብቱ ዘይራኸብ እንተ ኾይኑ ከም ግኡዝ ስለ ዚሕሰብ ጽሑፋትካ ነቢቦም ርእይቶ ንዝህቡኻ ሰባት ርእይቶኦም ከም ዝተቐበልካዮ ወይ ዘይተቐበልካዮ ንምግላጽ ድምጺ ኪትህብ ግድን’ዩ!
    ራባዓይ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ስርዓተ ነጥቢ፡ ጉድለታት ስለ ዘሎኪ ምስትብሃል ከድልየኪ’ዩ! የቐንየለይ።

    ንኣብነት፥

    ግፍዒ በዚሑና!

    ብ.ኣበባ ኣብርሃ ቶሮንቶ ካናዳ

    እንታይ ተሪፉና፧
    ግፍዒ በዚሑና
    መከረና በዚሑ ምውዳእ ኣብዩና! (መከራ በዚሑ ምውዳእ ስለ ዝኣበየኪ፡ ትድነቒ ስለ ዘለኺ ኣብዚ ቃል ኣጋኖ ኪኣቱ ይግባእ። ብድሕሪኡ ሓደ መስመር ሰጊርኪ ትጅምሪ።)

    ሰኪዐት ገፈፍቲ ዓሳ
    ሬሳ ሰብ’ምበር ገፊፎም ዘይብሎም ኣበሳ፡ (እዚ ክልተ ነጥቢ’ዚ መፈላለዪ ናይ ረምታ’ዩ። ህርመት ፊደል ይቕይር ስለ ዘሎ።)
    ሓመድ-ድበ ቀብሪ ኮይኑ’ምበር ኣብ ባሕሪ
    ግዜ ኣይትዝረየና መኣዝን ሓባሪ
    ኤርትራዊ ምዃን ካብ መዓስዩ ነውሪ፧

    ወለድና ኮይኖም ተጸበይቲ መርድእ
    ዘበስር ዘየለ እንትርፎ ዘርድእ፡
    ብሓባር መኪትና ክንዲ ደው ንፍትሒ
    ተሸሚምና ተሪፍና ኣብ ዓንኬል ፍርሒ።

    ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ጥፍኣትና ኮይኑ ኣርእስቲ
    ናይ ሓዘን መግለጺ ኮይኑ ናትና ርስቲ፡
    ‘ተሰዲዱ፣ ጥሒሉ፣ ነዲዱ፣ ተሓሪዱ!’
    ኮይኑ ብጽሒትና ኤርትራዊ ተዋሪዱ!

    ውጹዕ ኤርትራዊ ተለዓል
    ኣራግፎ ሰፍ ዘይብል ልዓል ?

    ሓዘንን መልቀስን እንታይ ፍታሕ ከምጽኡልና
    ንዝተረፉ ንምድሓን ብሓባር መኪትና፡ ንጒሓፎ ጸላኢና
    ዝተኸፍለ መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት ምዃኑ ዘኪርና
    ናብ ንቡር ንምለሳ ንኤርትራ ሃገርና!

POST A COMMENT