Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ግንባር ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ብፍጹም ኣይድፈርን ኢዩ ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ስራጅ ፈጌሳ ከምዝገለጸ ጋዜጣ ረፖርተር ኣስፊራ::

ግንባር ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ብፍጹም ኣይድፈርን ኢዩ ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ስራጅ ፈጌሳ ከምዝገለጸ ጋዜጣ ረፖርተር ኣስፊራ:: ብመሰረት እታ ጋዜጣ ኣቶ ስራጅ ፈጌሳ ናይ ትሽዓተ ወርሒ ጸብጻብ ስራሕ ንተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረበሉ: ግንባር ኢትዮ-ኤርትራ ብፍጹም ከምዘይድፈር ኮይኑ

ግንባር ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ብፍጹም ኣይድፈርን ኢዩ ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ስራጅ ፈጌሳ ከምዝገለጸ ጋዜጣ ረፖርተር ኣስፊራ::

ብመሰረት እታ ጋዜጣ ኣቶ ስራጅ ፈጌሳ ናይ ትሽዓተ ወርሒ ጸብጻብ ስራሕ ንተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረበሉ: ግንባር ኢትዮ-ኤርትራ ብፍጹም ከምዘይድፈር ኮይኑ ከምዝተወደበ ገሊጹ::

ንሱ ግንባር ኢትዮ-ኤርትራ ብኩሉ መዐቀኒ ንስልታዊ ስርሒትን ኩለንተናዊ ድልውነት ሓይልን ከረጋግጽ ምኽኣሉ ገሊጹ:: ኣብቲ ግንባር ዝተሰለፈ ሰራዊት ዕለታዊ ዝዓሞ ጊዝያውን ሕገ መንግስታውን ግቡኣት ከመዝግብ ዝድለ ውጽኢትን ዝተማልአ መረዳእታን ክጭብጥ ከምዝተገብረ ሚኒስትር ምክልኻል ስራጅ  ምግላጹ ጋዜጣ ረፖርተር ሓቢራ::ብዘይካዚ ተዋጋእቲ ኣሃዱታት ኣጽዋርን ተተኮስትን ብዝግባእ ከምዝዓጠቓን ጠቒሱ:ኣጽዋር ሓይሊ ኣየር ብዓይነት ዝተማልአ ከምዝኸውንን ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ ብምምዳብ ነባራትን ሓደስቲ ነቑጣታትን ንምጥንኻር ይስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ::ኣብ ጽኑዕ ዕርድታትን ወሰንቲ ቦታታን ዝተሰለፈ ሓይሊ መሳርዑ ድልው ከምዝኾነ ዝገለጸ ሚኒስተር ምክልካል ስራጅ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ንዝኽሰት ምትንኻፍ ዘተኣማምን ቅልጡፍ መልሲ ንምሃብ ዘኽእል ስነ-ኣእምሮኣውን ሓፈሻዊ ምቅርራብን ክፍጠር ምኽኣሉ ንተወከልቲ ህዝቢ ምግላጹ ረፖርተር ሓቢራ::

እዚ ከምዚሉ ከሎ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ጸረ-ነፈርቲን ታንክታትን ዝርከቦ ኣጽዋር ብሱዳን ከምዘእተወ ምንጭታት ኣፍሊጦም::

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS

POST A COMMENT